Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ATV: “ምቅላዕ ህግደፍ ኣብ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን” ብቐሺ ማሪቆስ ደባስ (መአረምታ፥ ኣማኑኤል ሃንጀማ ተባሂሉ ዘሎ ኣማኑኤል ተስፋሁነኝ (ሽብር) `ዩ

https://www.youtube.com/watch?v=IEIpA8KdKWA

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Stefanos Temolso April 19, 2019

    ኣጆኹም ኣባቴ ኣብ ገድንኹም ኣለና። ከማኹም ክበዝሑ ኣለዎም። መራሕቲ ሃይማኖት ንኣምላኽ ዘገልግሉ ካብ ኮኑ ካብ ሰብ ክፈርሑ የብሎምን።

  • Yohannes gubsa April 22, 2019

    ኩቡር መንፈሳዊ አቦይ፡ ስዩመ እግዚአብሄር ፡ ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፡ ፓትሪያርክ ዘ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ። መጀመርያ ዕዙዝ ዉሉዳዊ ሰላምታን ምስጋናን ከም ውላድኩምን መንፈሳዊ ኣቦይን ብትሕትና የቅርብ።
    ከምቲ ቅዱስ ጽሑፋት ዝብሎ ነብይ አብ ዓዱ አይከብርን። ንስለቲ ምእንቲ ህዝብኹምን እምነትኩምን፡ ዝኸፈልኩሞን ትኸፍልዎ ዘለኹም ዋጋን ዘርአኹሞ ትብዓትን፡ ሕቡን’የ። እዝግአብሄር ኩሉ ግዜ ምስ ውጹዓት ስለዝኾነ፡ ንስለ ሓቂ ደው ምባልኩም፡ ዓስብኹም ብዙሕ’ዩ፡ ጸጉኡ ድማ ብኡኡ መጠን የብዝሓልኩም ይብል። በዚ አብ ኤርትራ ዘሎ ሕሱም ስርዓት ህግደፍ፡ ናይ እምነት መሰልን ፍትሕን ጎዲሉ፥ መንፈሳዊ አማኒ ተበዲሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክጸንትን ሃገር ክትዓንኑን ክትሽየጥን አብ ንርእየሉ ናይ ወስታ መድረኽ ንርከብ አሎና። ሕሱም ስርዓት ህግደፍ፡ ብንዕቐት፡ አነነት፡ ነብሰፍትወትን ናይ ስልጣን ስስዕትን ሰኺሩ፡ ንመንፈሳዊ አቦታትናን ጀጋኑን አሲሩ፡ እምነታትናን፡ንክብርታትና ብምዕናው ፋሕ ብትን ክእትወልና፡ ዘይፈንቀሎ እምኒ ከምዘየሎ፡ እዚ ዘሎናዮ ህሞትን፡ እዞም ኩቡር ሃዋርያዊ አቦን ብዝግባእ ገሊጺሞ’ለዉ።
    ኣንቱም ምስ ሕሱም ስርዓት ህግደፍ ወጊንኩም ትሕንግዱን ትኸነቡ ዘለኹም፡ ብፍላይ ክዓ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ብንስሓ ክትምለሱ፥ ንዓና ኽዓ ከም ወትሩ ኣቦና ዝብልዎ፡ ነዞም ቆርበት በጊዕ ዝተኸድኑ ቶዃሉ ተመለሱ ክንብሎም ይላበዉና ኣለው። ንፍትሒ ተቃለሱ፥ ሃገርኩምን እምነትኩምን አድሕኑ፥ ክብሉ አባታውን ሃዋርያውን ምኽሮም ለጊሶምልና አለዉ። ነዚ ወርቃዊ ምኽሮም፡ ብግቡእ አስተንቲና ክነተግብሮ ልቦና ይሃበና። ንኽቡር አቦና ድማ እዝግአብሄር ካብ ተጻይ ሓልዩ፡ ጸግኡ ከብዝሓሎምን ዕድመን ጥዕናን ክህቦም ጸሎተይ’ዩ። ሓቀኛ መንፈሳዊ አቦ እዝግአብሄር ጥራይ አይኮነን ዝሓርዮምን ዝደልዮምን፡ ከም ሰባት ንዓና’ውን የድልዩና’ዮም። መታን ክአልዩናን፡ ንዓና ክሕሸናን።

    ስላም ንሃገርና ኤርትራ፡ ፍትሒ ንውጹዕ ህዝብና ይሃብ።
    ዘኽብረኩም ውላድኩም ዶር ዮሃንስ ወልደማሪያም ጉብሳ ካብ ሚነሶታ ሕ መ አሜሪካ

POST A COMMENT