Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ATV: ዝርርብ ምስ ፕሮፌሰር ኪዳነ መንግስትኣብ፡ መምህር ፖለቲካዊ ስነፍልጠትን መጽናዕቲ ኣፍሪቃን ኣብ ፔንሲልቬንያ ስተይት ዩኒቨርስቲ

https://www.youtube.com/watch?v=MCPuAnhXV4s&t=61s

yakobe@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • ወዲ ሃገር May 25, 2020

    ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኣስተምህሮ።
    ንክልተኹም የቀንየልና እብል።

    ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ጉዳይ ፕሮፈሶር ዝልዓሎ ፥ ጉዳይ ምትእትታዉ መንግስትን ግንባርን እዩ።
    እቲ ሓቂ ፥ ሕጂኳ ኩሉ እንዳ ኣስተብሃለሉ እንተ መጸ፥ ገና ንቡዙሓት ደቂ-ሃገር ዘዳናግር ዘሎ ፥ ብህግደፍ ኮነ-እልካ ዝግበር ፥ ህዝቢ ኣብ ፉጹም ድኽነት ከም ዝነብር ዝዕላሙኡ ፥ ፖሊሲ ህግደፍ እዩ።
    ኣብዘን ዝሓለፋ 29 ዓመታት ፥ ኣብ ቁጠባ ሃገሮም ክነጥፉ ዕድል ንዝሓተቱ ፥ ንዝወስዱዎ ተበጉሶታት ፥ ብመደብ ከም ዝፈሽል እንዳ ገበረ ፥ ነጋዳይ ገንዘቡን ግዜን ከሲሩ ፥ ኣማሲዩኡ ወይ ከም ሰቡ ኣብ ዓዲ ሓገዝ ዝጽበ ፥ ወይ ንህይወቱ ሰጊኡ ፥ ንስደት ከም ዘምርሕ እዩ ገይሩዎ።
    እቲ ብዉሑዳት ዝምራሕ ጉጂለ ህግደፍ ፥ ቁጠባ ሃገር በሙሉኡ ኣብ እዱ ከም ዝጥቅልል ገይሩ ፥ ፖሊቲካዊ ፓርቲ ካብ ሙዃን ሰጊሩ ፥ እቲ እንኮ መንግስታዊ ትካል ንሱ ኾይኑ ።
    ኤሪትራ ሓለፍቲ ፓርቲ ዝውንኑዋ ሃገር ኮይና ፥ ተረሚሳ ተሪፋ ።

  • ቀሺ ማርስ May 25, 2020

    ሰላማት ኣሰና

    ሃገር፦ ዝብል ቃል፦ ካብ `ቲ ሃገረ ዝብል ዝወጸ ኾይኑ፤ ትርጉሙ ኣብ ሓደ ቦታ ዓሸገ ዘስምዕ፤ ነቲ ኣብ ሓደ ኸባቢ ዝተሓጽረ ወይ ዝተዳቦበ ቦታ ዘመልክት `ዩ። ሃገር ክልተ መልክዕ ምምሕዳር ኣለዎ፦ ልዕላውነቱ ዝተኸብረ፥ ዋንነቱ ድማ ናይ `ቶም ኣብ ውሽጢ `ዚ ዶባት ዝነብሩ ህዝብታት ተኾይኑ፤ ማሕበረ ቁጠባዊ ፖለቲካ ናይ `ቲ ሃገር ህዝባዊ (Republic) `ዩ ንብሎ፤ እንድሕር ብ ሓደ ወይ `ውን ዉሑዳት ከም ዝደለይዎ ዘማሓድርዎ ተኾይኑ ከኣ ሃገረ (Estate /State) ኢልና ንጽውዖ።

  • ቀሺ ማርስ May 25, 2020

    ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት እንታይ ማለት `ዩ፧ ብ ኻልእ ኣዘራርባ፦ ዜግነት እንታይ ማለት `ዩ፧

    ዜግነት፦ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳብ ኮይኑ፤ ነቲ ሃገራዊ መንነት፦ ወይ መለለዪ ናይ ደቂ ሃገር [ወዲ ሃገርን፥ ጓል ሃገርን ብ ሓባር] ዝውክል ካብ `ቲ ኤርትራዊ ሕልና ዝውለዶ ን ኽብሪ ሰብ ዘመልክት ሕጊ `ዩ።

    ናይ ትውልዲ ቦታ ወይ መወለዲ ዓዲ፤ ሓደ ሮቋሒ ካብ መስፈርቲ ናይ ዜግነት `ዩ። ምኽንያቱ፦ ህዝቢ ኤርትራን፥ ዓድታት ኤርትራን፥ ኤርትራ ከም ሃገረ ቅድሚ ምቋማ ፤ ኣብ `ዛ ኤርትራ ኢልና ን ጽውዓ፤ ዝሰፈሩ ህዝብታትን፥ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ዝተደኮና ዓድታትን፥ ቁሸታትን፥ ስለ ዝኾና፤ እቲ ህዝቢ ከም `ቲ ኣብ ዐ ዓዱ፤ ብ ሓባር ምስ ወዲ ዓዱ፤ ናይ ዋንነትን፥ ተጠቃምነት መሬትን መሰል [ብ ፍሉይ ን ወዲ ጥራሕ ዝምልከት right of blood] ዘለዎ፤ ማለት፦ ተወላዲ ናይ `ቲ ዓዲ ስለ ዝኾነ ካብ ኣቦ ናብ ወዱ ዝሰግር መሰል ወዲ ዓዲ right of blood ን መሰል ተጠቃምነት መሬትን፥ ን ሽርክነት ኣብ ምውናን መሬት ዓድን፥ ን ወዲ ዓዲ ስለ ዘውህብ፤ ሃገር ከም መቀጸልታ ናይ `ዘን ዓድታት፤ ን ኹሉ ኣብ ውሽጢ ዶባት ናይ `ዛ ሃገር ዝተወልደ፤ ክብሪ መሰል ዜግነት ክትህቦ ይግባእ።

    ኣብ `ዚ ከልዕሎን፥ መብርሂ ክህበሉን፥ ዝደሊ ነጥቢ፤ ነቲ ብ ልምዲ ናይ ዝበዝሑ ህዝብታት ኤርትራ፤ መሰል ተጠቃምነት መሬት ናይ ወዲ ዓዲ ተባሂሉ ዝውሰድ (right of blood) ክልተ መልክዑ ወይ ዝተፈላለየ ሓለፋታት privileges ኣብ ሞንጎ `ቶም ክልተ ኣሕዋት ደቂ ሓንቲ ስድራ ቤት ማለት፦ ወዲ ካብ ሓፍቱ ከም ዝፈላሊን፥ ን ወዲ ሓለፋ ሓፍቱ መሰል ዋንነት መሬትን፥ ተጠቃምነት መሬትን ከም ዘለዎ ን ምብራህ `ዩ።

    ጓል፦ ኣብ ዓደ `ቦኣ፥ ማዕረ ሓዋ፥ መሰል ተጠቃምነት መሬት ኣይነበራን፤ ብጀካ፦ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፤ ከም ምኽኒያት ዝቀርብ፦ ጓል ተመርዒያ ናብ እንዳ ሰብኣያ ስለ ትኣቱ፤ ኣብ እንዳ ቦኣ ማዕረ መሰል ሓዋ ክትረክብ ኣይግባኣን `ዩ ዝብል ስነ ሞጎት `ዩ።

    ሰውራ ኤርትራ ካብ ዝተቃለሰሎም ዕላማታት ሓደ፦ ነዚ ካብ ጾታ sex ተበጊሱ ዝፈላሊ ልምዲ፤ ነቲ ፍሉይ ሓለፋ ን ወዲ ዝህብ፤ ኣብ ሞንጎ ክልተ ኣሕዋት (ወድን፥ ጓልን) ዘበላልጽ ተሞክሮ ደምሲሱ ን ኽልቲኡ ጾታ ማዕረ ዝርኢ፤ ን መሰል ደቂ ዓዲ ን ምትዕርራይ `ዩ ኔሩ። ኤርትራዊት ጓል ተንስተይቲ፤ ምሉእ ክብሪ ሃገራውነት፤ ማለት፦ ምሉእ ክብሪ ዜግነት፤ ማለት፦ ማዕረ ሓዋ ምሉእ ክብሪ ሰብኣውነት፤ ን ኽህልዋ ሓደ ካብ `ቲ ዕላማ ሰውራ `ዩ ኔሩ።

    እቲ መስፈርቲ መሰል ዓደቦ ማለት፦ ነታ ተወላዲት birth right ጎስዩ፤ ነቲ ተባዕታይ ዘርኢ ጥራሕ ዝሓቁፍ፤ ካብ ኣቦ ናብ ወዲ ዝውረስ right of blood ጥራሕ ከም መሰል ዝርኢ፤ መሬት፦ ከም ሓለፋ ን ወዲ ዝዋሃብ፤ ናይ ወዲ ዘርኢ ዘኽብርን ኮይኑ፤ ን ጓል ግን፦ ካብ ዓደ `ቦኣ ትረኽቦ መሰል ኣይነበራን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኣብ ትሕቲ ሓዋ፥ ከምኡ `ውን ኣብ ትሕቲ ሰብኣያ፥ ተማእዚዛ ን ኽትነብር ተፈሪዳ `ያ።

    እወ፦ ወዲ ጓል `ውን፥ ከም ኣዲኡ፥ ኣብ ዓዲ ኣዲኡ፤ መሰል የብሉን፤ ብሰንኪ ዝወርዶ ኣደራዕ፤ ናብ ዓደቡኡ ክኸይድ፤ ዓደቡኡ ከናዲ፤ ኩሉ ጊዜ ምስ ሃቀነ `ዩ፤ ስለ ዓደቡኡ ኩል ጊዜ ካብ ምጥያቅን፥ ምሕታትን፥ ከኣ ዓዲ ኣይዋዓለን፤ ብ ግምጣሉ [ኮር ተገምጠል ከም ዝባሃል] ዓደዲኡ “ካብ ወዲ ጓል ተዕቢ፤ ወዲ ከልብኻ የዕቢ።” `ንዳለት ትጸርፎ።

    መጀመሪያ ን ገዛእ ጓሎም ዘየኽበሩን፥ ዘይተኣመኑን፤ ከመይ ጌሮም፧ ካብ `ቲ ፍረ ኣደራዕ ዝኾነ ወዲ ጓል ክብረት ይጽበዩ፧ “ኢድ ጸናሒት፤ ሸናሒት።” ዝብልዎ ከም `ዚ `ዩ።

    ዓዲን፥ ሃገርን፥ ኣብ `ቲ መእተዊ ከም ዝተገልጸ፤ ካብ ክልተ ዝተፈላለዮ ተሞክሮታት ዝተረኽባ ወይ ዝተኸስተ ፍጻሜታት ክንሰን፤ ከም መቀጸልታ ናይ `ዚ ዝንቡዕ ሕጊ ዓደቦ – right of blood፤ ናብ `ቲ ብ ደረጃ ሃገር ዝዳነ መሰል ዜግነት፤ ከልሕምዎ ዝደልዩ ተጣበቅቲ፥ ተኸራኸርቲ፥ ወይ ተማጎቲ ናይ `ቲ ብ ጉርማጽ ስነ ሓሳብ ዝዝወር ሕጊ ናይ ዓደቦ፤ ነቲ መሰል ካብ ትውልዲ ቦታ birth right ክብሕጉጉ፣ ከሕድጉ ወይ ክድምስሱ ህርግድግ ዝብሉ ኣለዉ።

    ብ ተመሳሳሊ ሚዛን፦ ሓደ ክልተ ዝምጉቱሉ ዛዕባ፦ ነቲ ፍልልይ ናይ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ `ዩ። ወዲ ዓዲ ምዃንካ ን በይኑ እኹል መርትዖ ሃገራዊ ኣየብለካን `ዩ `ናተባህለ፤ ጨሪሱ ዶብ ዝጣሓሰ፥ ካብ ልክዕ ዝወጸ፥ ኪንኡ ሰጊሩ `ውን ከዳዕ ዝብል ስም ዘጠምቁ፤ ካብ ፖለቲካዊ ቂም ተበጊሶም፦ ካብ ሃገርን፥ ህዝብን፥ ክንጽሉ ዝደልዩ ዉሑዳት ኣይኮኑን። ሓደ ሰብ፦ ወዲ ዓዲ ስለ ዝኾነ፤ ካብ `ቲ ዓዲ፤ ክትሰጎ ኣይካኣልን `ዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ን ዝደለዮ ክመርጽ ዲሞክራሲያዊ መሰሉ `ዩ።

    ኣብነት፦ ኤርትራዊያን ኣሕዋት ኣመንቲ ጅሆባ፤ ኣብ ረፈረንደም ኣይነድምጽን ምባሎም፤ መሰሎም `ዩ። “ሓደ ሰብ ን ኻልእ ከምኡ ሰብ ከይበደለ” ከም እምነቱ፣ ከም ድልየቱ፣ ክነብር፤ ኣብ ገዛእ ርእሱ፥ ኣብ ገዛእ ገዝኡን፥ ዓዱን፥ ሃገሩን፥ ልዕልና ኣለዎ። ከዳዕ ድማ ኣየብሎን `ዩ።

    መስፈርቲ ሃገራውነት ብዙሓት ብዙሕ `ኳ ተበሉ፤
    ኣኽሊሉ ፎቶ – ተፈኖ
    “ተወሊደላ ምባል፤ የብሉን ጣቋ።”
    ኢሉ ዘዜመ፤ ቀይዲ በተኽ ኮይኑ ክፍኖ ስለ ዝደለየ ኣይነበረን፤ `ታይ ዳኣ፧
    ሃገራውነት፦ ካብ ወናኒ መሬት ን ላዕሊ ዝዓቢ ምዃኑ ን ምብራህን፥ ካብ ኣቦ ናብ ወዲ ዝሰጋገር ርስቲ Inheritance ዘይኮነስ፧ ሃገራውነት ዜግነት `ዩ፤ ማዓልታዊ ብ ንቅሓት ምኹስኳስ ዝደሊ ክብሪ ሰብኣውነት `ዩ። ካብ ናይ ሓባር ጻዕሪ ዝርከብ ፍረ ጻማ፤ ኣብ ውሽጢ ነብሲ ወከፍ ዝቦቅልን፥ ዝዓብን፥ ዝዕንብብን፣ ዝፈርን፥ መንፈስ ውክልና ሃገርን፥ ህዝብን፥ ናይ ኣብ `ቲ ሃገር ዝነብር ዜጋ `ዩ።

    ዜግነት `ምባኣር ኣብ ወዲ ዓዲ ወይ ወናኒ መሬት ጥራሕ ዝሕጸር ኣይኮነን። ካብ `ቲ ትሕተ ሃገራዊ ስሚዒታት ከም፦ ዓደይ (ኣውራጃይ)፥ ሃይማኖተይ (ክርስትያን ዶ ኣስላም)፥ ዓሌተይ፦ ማለት እንዳ ኩስቶ፥ እንዳ እገለ፥ ዝብል፦ ኣብ ዘርኢ መሰረት ጌሩ ክሳብ ዶብ ሰጊሩ ክጥርነፍ ዝደሊ – ሓላሚ ሰለተ ሽሕ 3,000 ዓመት፤ ዝኣመሰሉ ጎዶሎ መስፈርቲ፤ በሪኹ፥ ጸብለል ኢሉ፥ ዓሪጉ ዝርከብ፥ መንነት ሃገራዊ ሰብኣዊ ክብሪ `ዩ።

    እዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ ውክልና `ዩ ከኣ፤ ክምዕብል ዝድለ ዘሎ፤ ኤርትራዊ ሕልና ን ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ወይ ኤርትራዊ ዜግነት ይወልድ።

    ህዝቢ ኤርትራ፦ ነዚ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ምስ ተላበሰ፤ ኤርትራዊ፦ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ናይ `ዛ ሃገር ከምድላዩን፥ ብ ፍቃዱን፥ ረድዩን፥ ኣሚንሉን፥ ልዑል ዜጋ ኮይኑ ክነብርን፥ ክንቀሳቀስን፥ ከኣ ዝኽእል።

    ሓርበኛ Patriot፦ ፈታዊ ህዝቡን፥ ሃገሩን፥ ዝውለድን፥ ዝዓብን፥ ከኣ ካብ `ዚ ርድየት `ዩ። ሹዑ `ዩ ኤርትራ፦ ናይ ደቃ ናይ ኤርትራውያን Republic of Eritrea ምዃና ወይ ከም ዝኾነት ትቁጸር።

    የማነ ባርያ፦
    “ናጽነት ክብረት `ዩ ን ዘላኣለም፤
    ዘይሃስል ዘይድብን ቀይሕ ደም”

    ኢሉ ከዝይም ከሎ፧ ትምኒቱ ዝነበረ፤ ትምኒት ኩሉ ኤርትራዊ፦ ነቲ ሓቀኛ ሰላም ዘስፍን፤ ናይ ዜግነት ክብረት `ምበር፤ ን ዋንነት መሬት (State of Eritrea) ኣይነበረን። ነቲ ብ ደረተይ ደረትካ ነ ናሳዕ ክራጋሕ ዝነብር ን ዋንነት መሬት ኣይኮነን።

    ዜግነት፦ ን ኹሉ ብ ማዕረ ነጻ ዘውጽእ፤ ኣብ ልዕልና ሕጊ ዝተመርኮሰ `ምበር፤ ዋና፥ ወይ ኣባል ናይ ሓደ ዓሌት፥ ወይ ማሕበር፥ ስለ ዝኾንካ፤ ከም ድላይካ ክትነብር ዘፍቅድ፤ ካብ ካልእ ዓሌት ስለ ዝመጻእካ ድማ፤ ተሾቅሪርካ ክትሓድር፥ ብ ሌላን፥ ጉሌላን፥ ዘነባብር፤ ካብ `ቶም ሰፈፍ ሕብረተ ሰብ ዝዕደል ሓለፋ ኣይኮነን።

    እዚ ሕጂ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘካይዶ ዘሎ ጉዕዙይ ምሕደራ፤ ምሕደራ ፋሽሽቲ፦ ኣባልና ኹን፥ ወይ ከኣ ዓዲ ሕደግ ዝዓይነቱ፤ ልዕልና ሰብ ዘየኽብር፤ ን ሰብ፦ ብ ትሕቲ ሰብኣዊ ክብሩ፥ ብ ትሕቲ ዜግነታዊ ክብሩ፥ ብ ትሕቲ ሃገራዊ ስሚዒታቱን፥ ወጋጊኑ፤ ርኡይ ኣድልዎ፦ ኣባል ህ.ግ.ደ.ፍ. ዲኻ፧ ንበር፥ መሬት ተማሳሕ፥ ገዛኻ ስራሕ፥ ከም ድላይካ ካብ ሃገር ክትወጽእን፥ ክትኣቱን፥ ተፈቂዱልካ ኣሎ፤ ኣባል ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣይኮንካን፧ ዓዲ ሓዲግካ ን ኽትስደድ ኩሉ ዓይነት ኣደራዕ የውሩዱልካ። ን ሰብ ከኣ ብ ምስምስ indirectly ከም ኣቅሓ፦ ብ ዋንነት “ናትና `ዮም” ዝሪኢ ስርዓት `ዩ።

    ዜግነት `ምባኣር፦ መለለዪ ናይ `ቲ ልዑል ሰብ፤ ክብሪታቱን፥ ናጽነቱን `ዩ። ዜግነት፦ ውክልና ናይ `ቲ ናይ ሓባር ሃገራዊ መንነት ናይ `ቲ ህዝቢ `ዩ። ካብ ዝተወልደ ይወለድ፥ ቦታ ትውልዱ ብ ዘየገድስ፥ ሃይማኖቱ፥ ዓሌቱ፥ ኣባል ሰልፊ ይኹን፥ ኣይኹን፥ ኮታ፦ ኣብ ኤርትራ ዝውከልን፤ ምእንቲ ኤርትራ ዝሓልፍን፤ ሓርበኛ ተኾይኑ፧ ኤርትራዊ ዜጋ `ዩ። ማንም ከኣ፦ ዝህቦን፥ ዝኸልኦን፥ ኣይኮነን። ምኽንያቱ፦ ውሽጣዊ ስሚዒቱ ዝወለዶ መንነት ስለ ዝኾነ።
    ህዝባዊ ወይ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ከነቅውም ተዄና፤ ቅድሚ ኹሉ ኣብ ርእስና ንተኣማመን፤ ልዕልና ዘለና ሰባት ክንከውን ኣለና። ዜግነታዊ ክብርና ንፈልጥን፥ ግቡእና ንገብርን፥ ክንከውን ከኣ ይግባኣና።

    እሞ ከምኡ ዲና፧ ን መሰል ብጻይና ኸ ከም `ቲ ናትና፥ ወይ ማዕረ ናትና፥ ልዕልና ከም ዘለዎ ንኣምንን፥ ንቅበሎን፥ ንምጉተሉን፥ ዲና፧

  • ቀሺ ማርስ May 25, 2020

    1.6 ምሕደራ ህዝባዊ ግንባር
    ህዝባዊ ግንባር፦ ህዝቢ ከይወከሎ፤ ንዕኡ በቲ ዝጥዕሞ መገዲ፤ ን ሃገር የማሓድር ስለ ዘሎ፤ ህልው ኤርትራዊ ሃገራዊ ምሕደራ `ምበኣር፦ ናይ ህዝቢ ማሕበር ወይ ህዝባዊ ምምሕዳር `ዩ ክትብሎ ኣጸጋሚ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦን፥ ዘይወኮሎን፥ (illegitimate govern-ment)፤ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ዝወርድ ወተሃደራዊ ኣተሓሳስባ ዝውንን፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተጻዕነን፥ ከቢድ ጾር ዘውርድ ዘሎ ምሕደራ `ዩ።

    ውድብ ህዝባዊ ግንባር፦ ውጺኢት ናይ `ቲ ሓርጎጽጎጽ ናይ ሱሳታት 1960s ጀብሃን፥ ካብኣ ዝተጫጫሓ ውድባትን፥ ከም ምዃኑ መጠን፤ ኣዚዩ ረቂቅን፥ ውሑዳት ዝፈልጥዎን፥ ኢሳያስ ን በይኑ ዝቆጻጸሮን፥ ካብ መሰረቱ፦ ኣቋውምኡ ወታሃደራዊ ቅርጺ ዝሓዘ ሃገራዊ ምንቅስቃስ `ዩ ኔሩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ፦ ትእዛዝ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ፤ ግበር ወይ ኣይትግበር ተዘይ ኮይኑ፤ ኣብ ስነ ሞጎትን፥ ምርድዳእን፥ ኣሚኑ፤ ነንሕድሕዱ ተወኪሱን፥ ተመያይጡን፥ ዘማሓላለፎ መምርሒ ኣይነበሮን።

    ህዝባዊ ግንባር፤ ሃገር ብ ምልእታ ተቆጻጺሩ ከማሓድራ ምስ ጀመረ፦
    • ነቲ ሒዝዎ ዝመጸ ወታሃደራዊ ልምዲ፤ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክጽዕኖ ዳኣ ፈተነ `ምበር፤ ነቶም ሃገራውያን ትካላት ወይ ተቋማት – institutions ከም ባዓል፦ ሓጋጊ፥ ፈራዲ፥ ከምኡ `ውን ፈጻሚ፥ ኣካላት መንግስቲ፤ ይትረፍ እግሪ ተኺሎም ክጓዓዙ፤ ገና ፍሑኽ ከይበሉ `ዩ ኣልሚሱዎም። ከም ሳዕቤኑ ባይቶ – ድማ ኣብ ክንዲ ጽላል [ድባብ] ትኸውን፤ ባይታ ዘቢጣ ሮሞቅሞቅ ኢላ፤ ካብ `ቲ ቀንዲ ስራሓ ክኸውን ዝነበሮ፦ ማኣዲ ዘተን፥ ቤት ምኽር ሓጋጊት ኣካል፥ ተወንዚፋ፤ ካብ ትፈራረስ ዓመታት ኣቅጺራ ኣሎ።
    • እቲ ብ ሕራይ ጎይታይ ዝልለ ፈጻሚ ኣካል – ካቢነ ሚንስተራት፤ ነቲ ህዝባዊ መልክዑ ሒዙ፤ ምስ ህዝቢ ቀሪቡ ከይዓይን፥ ካብ ነ ናይ ዓውዱ ኪኢላታት ተመክሮ ከይማሃርን፥ ከይድልብን፤ ብ ቀጻሊ ምቅይያር ሓለፍቲ እንዳ ተገበረሉ፤ ዘይርጉእ ኮይኑ ካብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ትእዛዝ እንዳ ተጸበየ ዝነብር፤ ክሓድር ባሃሊ ስንኩል `ዩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፦ ኔራ ኔራ ጸብጻብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ን ኽትሰምዕ ትእከብ ካቢነ ሚንስተራት – ፈጻሚ ኣካል፤ ብዘይ ዝኾነ ተወሳኺ ወይ ኣራሚ ሓሳብ፥ ኮነ ሪኢቶ፥ ካብ ኣባላታ ከይሰመዐት `ያ ጸብጻባ ትዛዝም።

    እዚ ማንታ ኣተሓሳስባ ኢሳያስ ኣፈወርቂ `ምበኣር ማዕረ ማዕረ ብ ሓባር ዝስጉሙ ክልተ – ሰለስተ ማናቱት ምምሕዳራት `ዩ ወሊዱ።
    • ሓደ፦ እቲ ምስሉይ ማለት ክሰርሕ ዘይተደልየ ወግዓዊ ስሙ ግን ብ መንግስቲ ኤርትራ ዝፍለጥ ክኸውን ከሎ፤
    • እቲ ካላኣይ፦ ዘይ ወግዓዊ መንግስቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰልፊ [Party] ዝመርሖ `ዩ። ካብ `ቲ ወግዓዊ መንግስቲ፦ ዝሕይልን፥ ዝህብትምን፥ ቀይዲ በተኽ፥ ስዲ ኣካይዳ ዝመርጽ፥ ደረት ኣልቦ፥ ኣብ ኩሉ መዳይ ናይ `ቲ ህዝብን፥ እታ ሃገርን፥ ብ ኢደ ዋኒኑ ተዋፊሩ፤ ከም ሰበባ [Algae]፦ ኣብ ኩላ `ታ ሃገር ተዘርጊሑ፤ ነቲ ህዝቢ፦ ከየተንፍስ፥ ዓፊኑ ሒዙዎ ዘሎ ምምሕዳር `ዩ። ከም `ቲ ኣብ ውሻጠ ምድሪ ቤት ኣትዩ ድቃስ ዝኸልእ ቁንጪ፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ስድራ ቤት ኣትዩ፦ ነቦ፥ ነደ፥ ምስ ደቆምን፥ ኣብ ነንሕድሕዶምን፥ ዘባእስ፤ ገባቲ ምምሕዳር ከኣ ኮይኑ ኣሎ።
    • እቲ ሳልሳይ፦ ወተሃደራት ህ.ግ.ደ.ፍ. ቀይዲ በተኽ ከም ድላዮም ዝጋልብሉ ዓውዲ፦ [ገንዘብ ዝሓፍስሉ ኣጋጣሚታት ዘጣጠሐ] ምምሕዳር `ዩ።

    ህ.ግ.ደ.ፍ. ሃገር ብሒቱ ፦ ኣብ ቁጠባዊ፥ ማሕበራዊ፥ ባህላዊ፥ ፖለቲካዊ ሜዳታት፤ ን በይኑ ሃገር ጸቢብዎ ፍንጢራዕ ዝብል ዘሎ [ቁንጪ] ባዕሉ ወናኒ፥ ባዕሉ ኣማሓዳሪ፥ ባዕሉ ኣካያዲ ስራሕ፥ ኮይኑ፤ ከም ውጽኢቱ፦ “ብ ሰንኪ ንቁጽ፤ ይነድድ ሩሑስ።” ከም ዝባሃል፤ እቲ ወግዓዊ መንግስቲ፦ ካብ ደገ ጥራሕ ዘይኮነ፤ ብ ህዝቢ ኤርትራ `ውን ፎእ ተባሂሉ፤ ኣብ ጎዱፍ እንዳ ጓሓፍ ካብ ዝድርበ [illegitimate government] ተነጽሎ ካብ ዝገጥሞ፤ ዓመታት ኣቅጺሩ ኣሎ።

    መንግስቲ ኤርትራ ክኾኖ ዝነበሮ፦ ኣብ ኩሉ ጉዳይ ናይ `ታ ሃገር፤ ብ ደረጃ ሃገርን፥ ዓለምለኻዊ ውድባትን፥ ዝሳማማዕ፤ ውዕል ዝኽትምን፥ ብ ወከልቱ ኣቢሉ ድማ ምስ ትካላትን፥ ውልቀ ሰባትን፥ ምርድዳእን፥ ውዕላት ዘፈጽም ኣካል `ዩ።
    • መጀመሪያ፦ ኲናት ባድመ ምስ ኢትዮጵያ ምኽንያት ጌርካ፤ ዝበዘሐ ሰብኣዊ ዓቅሚ መንግስቲ፤ ካብ `ቲ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ህዝቢ፤ ናብ ምክልኻል ከም ዝኸይድ ተጌሩ፤ ኣብ ዝቀጸሉ ዓመታት `ውን፡ ብ ምስምስ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ተጎልቢቡ፤ ወታሃደራዊ ዕልዋ ተኻይድሉ።
    • ሕጂ `ውን ተኾነ፦ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ እናተባህለ፤ ካብ `ቲ ወተሃደራውን፥ ህ.ግ.ደ.ፋዊን፥ ምምሕዳር ከይተገላገለ፤ ናብ ዞባዊ ሕንፍሽፍሽ ዘምርሕ ንጹርነት ዝጎደሎ ዝምድናታት ምስ ኢትዮጵያ ይታኣታቶ ኣሎ።
    1. ኮንፈደሬሽን Confederation? እንድዒ፧
    2. ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ሓቂቃ ክትተርፍ፧ ይኸውን፧
    3. ዋላስ፦ ሓደስቲ ናኣሽቱ ን ዓሌት ዝውክላ ሃገራት ከም፦ ናይ ትግርኛ፥ ዓፋር፥ ትግረ፥ ወዘተረፈ . . . ምስ `ቶም ኣህዛብ ጎረባብቲ ሃገራት ንብለን ኢትዮጵያን፥ ሱዳንን፥ ሓዋዊሱ፤ ነዚ ንፈልጦ መልክዕ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝቅይር ለቪቶ [ሞባኽዕቲ] ብ “መደመር” ናይ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ከብኩዐን `ዩ ደልዩ፧

    ውጽኢት ናይ `ዚ ህልው ኤርትራዊ ሃገራዊ ምሕደራ [ጉዕዞ ሃገረ ኤርትራ ኣብ `ዚ ዕስራን ትሻዓተን (29) ዓመት ድሕሪ ናጽነት] ዝወለዶ ቄናን [ዘይምዕሩይ] ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት፤ ካብ `ቲ ብ ሰንኪ ኣብ ሓደ ዶብ፤ ስለ ዝተደረተ ወይ ስለ ዝተሓጽረ፤ ዝመጽእ ተለጣፊ [Cosmetic make up – ጥማዕ] መንነት ብዙሕ ዘይፍለ ኮይኑ ን ረኽቦ።

    ህልው ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት፤ ቻ ን ድሕሪት [ማርሻ `ንዴትሮ] ኮይኑ፤ ከም `ቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፤ ካብ `ቲ ተለጣፊ መንነት [ባህሪ ] ተዘይ ከፊኡ፤ ካብኡ ዝሓይሽ ኣይኮነን። ብ ምግዳድ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ.፦ ዝተተለመን፥ ዝተመድመደን፥ `ምበር፤ ካብ ናይ ሓባር ተመክሮን፥ ድልየትን፥ ዝተወልደ ወይ ዝዓኾኸ ኣይኮነን።

    ከም ሳዕቤኑ ኣብ `ዚ ሕጂ እዋን፤ እቲ ናይ ውክልና መንፈስ፦ ሃገረይ፥ መሬተይ፥ ህዝበይ፥ ዘብል ስምዒት፤ ኣብ `ቲ ህዝቢ፤ ዝተፈላለየ ደረጃ ሚዛን፥ ክብደት፥ ርዝነት፥ ሒዙ ን ረኽቦ። በቲ ሓደ ሸነኽ፦
    • ኣብ ሕልሚ ዝነብሩ፤ ዘይፈልጥዎን፥ ጓና ታሪኽ ናይ ነበረ `ያ ነበረ፤ ከም፦ ኣግኣዝያን ዶ፧ ትግራይ ትግሪኚ ዶ፧ ዝብሉ ናፈቅቲ ሕልማዊ – ታሪኽ ሰለስተ ሽሕ (3,000) ዓመት – ሓዎም፥ ሓፍቶም፥ ናይ ቀረባ መታዓብይቶም ዝረስዑ፤ ግን ናይ ኣፈ ታሪኽ – ሕምባሻ ኾሎ እምኒ ናፈቅቲ ክህልዉ ኸለዉ፤ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ
    • ኣውራጃዊ፥ ሃይማኖታዊ፥ ምዕጅጃዋት ዘስምዑ፤ ዱሑራት ተጎተትቲ [ግን ዓቃባውያን መሰልቲ] ኣፍሪዩ `ዩ።
    ናብ `ቲ ዘመናት ዘቅጸረ ከፋፋሊ ስርዓት፦ ብ ወደባት [ወዲ ኣባት]፥ ወዲ ኣርባዓ፥ ማእከላይ ዓሌት፥ ሽማግለ፥ ትግረ፥ ወዘተረፈ . . . ዝፍለጥ ዝነበረ፤ ን ዝተፈላለዩ ክፋል ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ዝጎሰየ ልምዲ፤ ክምለሱ ዝደልዩ ውሑዳት ኣይኮኑን።
    ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ [ተ.ሓ.ኤ.] ብ ሰንኪ ትሑት ፖለቲካዊ ን ቅሓታ ክትክተሎ ዝመረጸት – ቅዲ ኣልጀሪያ – ድሒሩ መጥፊኢኣ ዝኾነ ናይ 1960ታት ኣወዳድባ ክፍልታት ፤ ኣብ ዘመነ ህ.ግ.ደ.ፍ. መልክዑ ቀይሩ፤ ን ህዝቢ [ተጋዳላይን፥ ገባርን] ን ሰራዊት [ገዲም፥ ናይ ቴስዓ፥ ኣገልግሎት] `ና በለ ከፋፈሎ `ምበር፤ እቲ ምጉዝዛይ ሲ ኣየትረፎን። እቶም ውሑዳት ላዕለዎት ሓለፍቲ [Elite Class – ህ.ግ.ደ.ፍ.ን፥ ወተሃደራት መኮንናቱን፥ – ሰፈፍ ሕብረተ ሰብ] ከም ድላዮም ዝኾኑሉ፤ ህዝቢ ከኣ ኣብ ገዛእ ዓዱ፤ ከም ሰብ ክብሪ ስኢኑ፤ ብዘይ ደሞዝን፥ ንቡር ሂወትን፥ ከርተት ዝብለሉ እዋን `ዩ ኮይኑ ዘሎ።

  • ቀሺ ማርስ May 25, 2020

    ኤርትራ ሕጂ ኸ ከተበርዕን ድያ፧

    መንእሰይ!ፍለጦ ቦታኻ፤ ስራሕ ን ኽብርኻ

    ሓንሳብ `ያ `ታ ምንባር፤ ሂወት ሸታሕተሖ
    ናብ ዓዲ ጓና ኣይተቋምት፤ ካብ ሃገርካ ኣይትመሖ
    ኣይነእትውን `ምቢ `ለን `የን ማዕጾ ዳግም ን ኸይረሖ
    ቅድሜኻ ዝተሰዱ፤ ጽቡቅ ኣይረኸቡን ከላእ ይሰጠሖ

    ብ ምልኣት ንበራ ሂወት ንሕጂ `ያ
    ብ ህድኣት ተጓዓዝ ኣይትበል ምስ ዝኾነ ጉያ ጉያ
    ን ርእስኻ ወንን ዓለም ብ ዓይኒ ሕልናኻ ራኣያ
    ቦታኻ ኣለሊኻ ነታ ዓቀብ ክብሪ ደይብ ሃየ ውጻያ

    እወ ዜግነታዊ ክብሪ መልክዕ ዝኸውን ሃሪ
    ካብ መሬት፤ ን ሰብ ቅድሚት ሰሪዑ ምስ ዝሓሪ
    ይኸውን ተማላላኢ ሃገራዊ መንነት ነባሪ

    እቲ ሳልሳይ ቆልዓ፤ ካብ ሰሰዐ ካብ በለ ን በይነይ
    ብሕርዩኡ ዘኽይድ የብልካን፤ በሎ ኣይፈቀደን ውነይ
    ትማሊ ከሲርካ `ያ ኢኻ፤ ብ ቤላ ቤለው ኣይትዛነይ

    ሃገር ናይ ልፍንቲ `ያ፤ ሚዛን ክብራ ትሓሉ
    እጃምካ ግበር፤ ሜላ ምምሕዳር ፍለጦ ኣዳሉ
    ኩሉ ክመዓራረ ኩሉ ክሓልፈሉ
    ተበራበር ኣንቃሓዩ፤ ኢድካ ሓዉሰሉ

    ሰብኣውነት ኣብ ቅድሚት ምስ ሰራዕካ
    እቲ መፍትሕ ኣብ ኢድካ
    እቲ ስራሕ `ውን ኣብ ሃገርካ

    ሰብ ኣብ ዓዱ፥ ኣብ ገዝኡ ምስ ህዝቡ `ዩ ክብረቱ
    ሰብ ከም ሰብ ተኸቢሩ፤ `ቲ ካልእ መንነት ጥማዕ `ዩ

    `ሞ ኤርትራ ወሊዳ ድያ ዘሐብና ትኾርዓሉ መንእሰይ፧
    ኩሉ ክብል ኣሰይ ኣሰይ
    መን እሰይ፧ እወ ኩሉ ክብል ኣሰይ እሰይ

    ፖለቲካ፦ ብ መሰረቱ ናይ ብዙሓት ጥቅሚ ዘዋሃህድ ዓውዲ ዘተ `ዩ፤ `ዚ ዓውዲ ዘተ፦ ብ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ወይ ጉጅለ [ማሕበር] ወይ `ውን ብ ድፉኑ ብ ናይ ሃገር [ብ ጅምላ ዝውነን] ረብሓ ተባሂሉ ን በይኑ ብሒቱ ዝቅልሶ [ዘኽይዶ] ዓውዲ ኣይኮነን። ፖለቲካ ከም ሓደ ጠማሪ ልሕጺ ናይ ዘን ሰለስተ ዓዕኑድ ረብሓታት፦
    • ውልቃዊ [ሰብኣዊ] ረብሓ፥
    • ማሕበራዊ [ጉጅላዊ] ረብሓ ከምኡ `ውን
    • ሃገራዊ [ሕብረተ ሰብኣዊ] ረብሓታት
    ናይ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገር ዝነብር ህዝቢ፤ ናይ እንካን፥ ሃባን ምልውዋጥ ሓሳባት [ሚዛን ክብርታት] ይጠልብ [ዝሓትት ሜዳ ስነ ሞጎት] `ዩ። ስለ `ዚ ብ ኸመይ ክንውደብን፧ ናይ ኩሉ ድልየት ከነማልእ ንኽእልን፧ ክትፍትሽ ዝፈተነት ጥራዝ `ያ።

    • k.tewolde May 25, 2020

      ((ሃገራውነት ዜግነት `ዩ፤ ማዓልታዊ ብ ንቅሓት ምኹስኳስ ዝደሊ ክብሪ ሰብኣውነት `ዩ። ካብ ናይ ሓባር ጻዕሪ ዝርከብ ፍረ ጻማ፤ ኣብ ውሽጢ ነብሲ ወከፍ ዝቦቅልን፥ ዝዓብን፥ ዝዕንብብን፣ ዝፈርን፥ መንፈስ ውክልና ሃገርን፥ ህዝብን፥ ናይ ኣብ `ቲ ሃገር ዝነብር ዜጋ `ዩ።))>>>>> Keshi Mars, change your name to Karl Marx,a profoundly deep but concise definition of nationalism,allow me to add,it definitely is not a piece of paper you buy back for 2% after being evicted from your own home.>>>>>>>>ናብ ዓዲ ጓና ኣይተቋምት፤ ካብ ሃገርካ ኣይትመሖ
      ኣይነእትውን `ምቢ `ለን `የን ማዕጾ ዳግም ን ኸይረሖ
      ቅድሜኻ ዝተሰዱ፤ ጽቡቅ ኣይረኸቡን ከላእ ይሰጠሖ >>>> blame no one, your children will ask,what did you do during those crucial days Dad/Mom?

  • ወዲ ሃገር May 25, 2020

    “ዜግነት `ምባኣር ኣብ ወዲ ዓዲ ወይ ወናኒ መሬት ጥራሕ ዝሕጸር ኣይኮነን። ካብ `ቲ ትሕተ ሃገራዊ ስሚዒታት ከም፦ ዓደይ (ኣውራጃይ)፥ ሃይማኖተይ (ክርስትያን ዶ ኣስላም)፥ ዓሌተይ፦ ማለት እንዳ ኩስቶ፥ እንዳ እገለ፥ ዝብል፦ ኣብ ዘርኢ መሰረት ጌሩ ክሳብ ዶብ ሰጊሩ ክጥርነፍ ዝደሊ – ሓላሚ ሰለተ ሽሕ 3,000 ዓመት፤ ዝኣመሰሉ ጎዶሎ መስፈርቲ፤ በሪኹ፥ ጸብለል ኢሉ፥ ዓሪጉ ዝርከብ፥ መንነት ሃገራዊ ሰብኣዊ ክብሪ `ዩ።”

    ቀሺ ማርስ

    –——-

    እንታይ ዕላማ ናይዚ ዘረባ ?
    ኣብ ቅድሚ ሕጊ ፥ ኩሉ ኤሪትራዊ ዘግነት ዘለዎ ሰብ ፥ ሓደ እዩ ። ኣብዚ ጸገም ዘሎ ኣይመስለንን።
    ኤሪትራ ግን ደቀባት ኣሎዋ ። ንሶም ዜጋታት ጥራይ ኣይኮኑን ፥ ዋናታታ እዮም።

  • ቀሺ ማርስ May 26, 2020

    ሰላማት ኣሰና

    ሰላም ወዲ ሃገር

    የቀኒየለይ ብ ምሕታትካ፤

    እወ ብርግጽ ኤርትራ ዋናታት ኣለዉዋ፤ ኩሎም ኤርትራውያን ብሓባር ድማ ይውንንዋ። ደቀባት ዝብል ኣምር ግን ኣብ ደረጃ ሃገር ዘይኮነ ኣብ `ቲ ብ ደረጃ ዓዲ ዝስራዕ መስፈርቲ `ዩ ዘውርደና፤ ምኽንያቱ ካብ `ታ ሽም `ሞ ንበገስ ደቂ ኣባት [ደቀባት] ልክዕ ከም `ቲ ወዲ ዓዲ ን ጓል ዓዲ ዘይውክል ማለት ጓል ኣብ ዓደቦኣ ከም ካላአይቲ ዜጋ ዝርኢ ደቀባት `ውን ነቶም ብ ደቀደ ጎስዩዎም `ዩ ዝሓልፍ፤ ስለ `ዚ ንኹሉ ዜጋ ብ ማዕረ ዘይርኢ ን ተባዕታይ ዘርኢ ሓለፋ ሓፍቱ ዘበርኽ ስለ ዝኾነ `ዩ።

    • ወዲ ሃገር May 26, 2020

      ንኤሪትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ ኣብ ዓድቦኣ ማዕርነት ምስ ሓዋ ምውሓስ ፥
      ግድን ክኾዉን ዘለዎ ጉዳይ እዩ ።
      ግን ነቶም ብሰንኪ ነባሪ ባህልን ልምድን (ኣብ ከባቢ ሃገራትውን ዘሎ ሓቂ ) ፥ ዋላ ድሕሪ 50 ዓመት ፥ ኣብ ኤሪትራ ተወሊዶም ዝዓበዩ ዜጋታት ከንሶም ፥ “ቀንዲ ዓዶም” ፥ መበቆል ኣቦኦም (ዓድቦኦም) ምዃኑ ዝኣምኑ ከም ዘለዉ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ።
      ስለዚ ፥ ንከሞኦም ዝመስሉ ሰባት ፥ ቦታ ንምጥጣሕ ንደቀባት ፥ ናይ ዓዲ መንነት ምኽላእ ፥ ተቀባልነት ዘለዎ ሓሳብ ኣይኮነን። ነዚ ምስ መሰል ጓል-ኣንስተይቲ ከተታኣሳስሮ ምፍታንካ ፥ ከይ ገረመኒ ኣይተረፈን።
      ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት መጺኦም ኣብ ኤሪትራ ዝሰፈሩ ሰባት ፥ ንሶም ባዕሎም ምስ ዝሓቱ ጥራሕ እዩ ፥ ኤሪትራዊነቶም ቁቡል ወይ ኑጹግ ዝኾውን ።
      ኣነ ኣብዚ ሃገርዚ ተወሊደ ፥ ዓቢየ ፥ ዘሚደ ፥ ናይ መቦቆል ኣቦታታይ ዘግነት ዘለ ዘይደለኹ ፥ኤሪትራዊ ዘግነት ይዋበኒ ፥ እንተ በለ ፥ ዝምልከቶ ናይ መንግስቲ ኣካል ብሕጊ ዝውስኖ ጉዳይ እዩ። ዓዶም ድማ ከተማ እዩ። እዚውን ጸገም ኣይኮነን ፥ ኣማስዩኡ ኩሉ ውዲ ከተማ እዩ ክኾዉን።
      ደቀባት ኣይትበሉ ፥ ሕማቅ ከይስሞዖም ፥ ዝብል ኣታሓሳስባ ግን ፥ ብመትከል ኑጹግ እዩ ።
      የማነ ጃማይካ ፥ ሓደ ካብቶም መራሕቲ ወያነ ፥ ንተለቪጂን ትግራይ ኣብ ዝሃቦ ቃል ፥ ባዓል ኣቡኡ ብግዜ ራስ ኣሉላ ንኤሪትራ ከምዝኸዱ ይሕብር ።
      ትግራዋይ (እትዮጵያዊ) ምዃኑ ግን ኣይረሰዐን ።
      መበቆል ዓዲ ፥ ሓደ ካብቲ መሰረታዊ ረቋሒታት ኤሪትራዊ መንነት እዩ። ልምዲ ፥ ባህሊ ፥ ሕጊ-እንዳባ ፥ ናይ ሓደ ከባቢ ፥ ነቲ ቦታ ፉሉይ ሕብሪ ዝህብ ፥ ምስቲ ኩሉ ካልእ ተደሚሩ ድማ ፥ ሓቀኛ ሽልማት ኤሪትራና ንሱ እዩ።

      • ቀሺ ማርስ May 27, 2020

        ሰላማት ወዲ ሃገር

        ብ ጌጋ ተረዲእካያ ኣለኻ ሓሳበይ ደቀባት ዝብል ስነ ሞጎት ነቲ ናይ ሓንቲ ዓዲ ን ደቂ ዓዲ ጥራሕ ዝሕጸር ናይ ደቂ ዓዲ ኣጸዋውዓ `ዩ፤ ካብ `ቲ ናይ ሃገር ትሕት ኢሉ `ዩ ዝርከብ ስለ ዝኾነ ናብ `ቲ ብ ደረጃ ሃገር ዝዳነ ዜግነት ዘሕኩር ብቅዓት ኮነ ዝምርኮሶሉ ሓቅታት ይጎድሎ `ዩ ን ምባል `የ። ስለ `ዚ የ ከኣ ሓደ ካብ `ቶም ትሕቲ ሃገራዊ መንነታት `ዩ ኢለ ዝኣምን።

        ደቀባት ኣይትበሉ ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ፤ ቦቱኡ ንፍለጦ ባሃላይ ኢየ።

  • ቀሺ ማርስ May 26, 2020

    Hello K. Tewelde,

    yes, what we did individually doesn’t seem to bring the change we hoped for and we failed to get together to form a strong and powerful organization that realize our dreams. But I hope for the upcoming youth of the 20th decade of 21st century, the ninth Eritrean child, to create this organization, which is the offshoot of the global “ባይቶ ይኣክል” movement

POST A COMMENT