ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 18/10/2011 Norway እዚ ኹሉ ብድዐ እዚ ኹሉ ንዕቐት ተቐሚጡሎ ኣብ ደብተር ወረቐት ዘይርሳዕ ዝበደልካዮ ንዓና ንጎረቤት ኣቃጪጭካ ንዓበይቲ መንግስታት ሓለቓ ዓዋሉ ዝራሓቖ ስነስርዓት ምስ ሸ.ራኣት ሰዓብቱ ዘይዉጁሃት በላዕቲ በይኖም ኮለስቲ ሱሱዓት ጥዑይ ዘይመኽሩ ብዘይካ ክፍኣት ንወራዙት ዘጸልሙ በዳዕቲ ስድታት ደብዳበ ንፕ. ኦባማ ደብዳበ ንኢጋድ ንዓያሹ ኣዳህሊልካ ተሓቢዕካ ምስጋድ መልሓሱ ሜትሮ ለዛ ዘይብሉ ጀልጋድ ብማዕዶ ዝመስል ጅና ሒዙ