Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Breaking News: ህቡብ ኤርትራዊ ደራፋይ ዮውሃንስ ትኳቦ ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ከምዝራሕረሖ ካብ ኣመሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ብስርዓት ህግደፍ ናብ ወጻኢ ተላኢኹ ኣብ ኣመሪካ ዑደት ክገብር ዝቐነየ ህቡብ ኤርትራዊ ደራፋይ ዮውሃንስ ትኳቦ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ነቲ ምልካዊ ስርዓት ራሕሪሑዎ ከምዘሎ ኣብ ካብ ኣመሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ወዲ ትኳቦ ሓደ ካብቶም ድሕሪ ናጽነት ዝፈረዮ

ብስርዓት ህግደፍ ናብ ወጻኢ ተላኢኹ ኣብ ኣመሪካ ዑደት ክገብር ዝቐነየ ህቡብ ኤርትራዊ ደራፋይ ዮውሃንስ ትኳቦ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ነቲ ምልካዊ ስርዓት ራሕሪሑዎ ከምዘሎ ኣብ ካብ ኣመሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ወዲ ትኳቦ ሓደ ካብቶም ድሕሪ ናጽነት ዝፈረዮ ህቡባት መንእሰያት ስነጥበባውያን እዩ።

እዚ ስነጥበባዊ ዮሃንስ ትኳቦ ኣብዚ መላእ ህዝብና ብናይቶም ልዕሊ 360 ግዳያት ቅዝፈት ላምፐዱዛ ተሓሙሱሉ ዘሎ እዋን ወሲዱዎ ዘሎ ስጉምቲ፣ ነቶም ፋዕራ ህዝቢ ኤርትራ ዘይብሎም ጨካናት መለኽትን መጋበርያን ስርዓት ህግደፍ ጽፍዒት፣ ነቶም ዛጊት ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቦም ደው ዘይበሉ ዓበይትን ናእሽቱን ስነጠበበኛታት ኤርትራ ዓቢ ሕልናዊ መልእኽቲ ዘለዎ እዋናዊ ስጉምቲ እዩ።

ኣብ ቀጻሊ ስፍሕ ዝበለ  ዜና ከነቕርበልኩም ኢና።

ኣሰና!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
112 COMMENTS
  • jossi October 20, 2013

    Wedi tukabo eka hade tera seb eyu entay dea kem ngus gerkum wesudkumo

  • Kalighe October 20, 2013

    What you will say if Wedi Tekabo denies the news. ????
    Don’t you think it’s better to wait till you hear it from him ???

    • daniel October 20, 2013

      ahh like Ali Abdu ?

  • ተወልደመድኅን October 20, 2013

    ዘገርም’ዩ………………….ብዛዕባ ወዲ ትካቦ ኣብ ናይ እንግሊዝ ጽሑፍ 97 ርእይቶ ኣብ ናይ ትግርኛ 85 ርእይቶ ተዋሂቡሉ።ወዲ ትካቦ ማለት ጀነራል ማለት ኣይኮነን።ሓደ ደራፋይ ኢዩ።ደራፋይ ከኣ ምስ ረብሕ ኡ’ዩ ዝገማጠል።ን ኣብነት በረከት መንግስተኣብ እቲ ” ዋህዮ ንዮው በላ ሕሱኽሹኽ ዝ ኢ ኣመላ ” ዚብል ብርእሱ ናይ ተሓኤ ኣባል ነበር ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ዋና ወዳሲ ስርዓት ኢሳያስ ኮይኑ ተራእዩ።ወዲ ትካቦ ከኣ ክሳብ ትማሊ ‘ዩ ከዳምቕን ከጣቕዕን ጸኒሑ።ሎሚ ነገር ኣብ ቀንቀስ ምስ በጽሓ ንህግደፍ ምግዳፉ ካብ ሕይወቱ ምድሃን ምስ ተቃወምቲ ኮይኑ ንምእታው ወይ ኦሮማይ ዚመጽእ ለውጢ ክሰማምዖ ስለዘይክእል ምንስእሳኡ ካብ ንምሓዝ ሃሊፉ ንሰለ ህዝቢ ክብል ገዲፉዎ ኣይብልን።እቲ ዘገርም ግን ብዝኾነ መንገዲ ንህግደፍ ይግደፍ ማዕረ ክንድዚ ኣገዳስነት ዘለዎ ኮይኑ ኣይተረኣየንን።ወዲ ትካቦ ንህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኤርትራ እንታይ ለውጢ ክመጽእ ይኽእል።ቅድሚ ምህዳሙን ድሕሪ ምህዳሙ ዘለዋ መኦኣልታት ሓደ ኢየን።ሓደ ጀነራል ክኸውን እንከሎ ሃደ ነቓዕ ይርከብ’ሞ ፍርሰት ስርዓት ይቀላጠፍ።ህድማ ሓደ ከራሪ ግን እንታይ ምቕልጣፍ ስለዝርከቦ’ዩ ክንድዚ።ኣሕዋት ነቲ ትኹረትና ክንህቦ ዝግበኣና ዘተኦኣናቕፍ’ዩ።

    • ተወልደመድኅን October 20, 2013

      እንድሕሪ ደራፊ፡ሳዕሳዒ ኣዳካሪ፡ወተሃደርን……ካልእን ክገድፉዎሞ ስሮኣት ሰብ ሲኢኑ ክወድቀልና ንጽበ እንተሊና፡ገና ኢሳያስ ናብ ወዱ ስልጣን ኣስጊሩስ ንሱ ናብ ውላዱ ከሰጋግር ክንጽበ ኣሎና ማለትዩ።ብህድማ ውዲ ትካቦ ስርዓት ኢሳይስ ክፈርስ ወይ ካልእ ከም ኡ ዚኣመሰሉ ክህድሙ’ሞ ቁጽሪ ሰባት ክንከ ኣይንሕሰብ።ምኽንያቱ ሃደ ሃዲሙ ካልእ ዘይሃድሙ ተቐሪቦም ኣለው።ስለዚ ስርዓት ንምቕያር ሰባት ኣተሃሳስባኦም እንተተቕይሩ ረብሃ ከምዘለዎ ክንፈልጥ ኣሎና። ስለዚ ስሮኣት ሰባት ሲኢኑ ክወድቀልናን ቁጽሪ ሰባት ክንኪ ካብ ምጽባይ ሰባት ኣተሓሳስባኦም ክቅይሩ ምጾኣር’ዩ ዝበለጸ።

    • Best Answer October 20, 2013

      (ተወልደመድኅን) He is very right and very true. And Assena kulu zigie meshak ekum titsihifu. You don’t what Eritrea means. Base your News always on the main concrete issue. We expected this News from Non Eritrean enemies not from Eritreans. Eritrea Does not need emotional blow up like other Countries: USA based on Emotions. But our Country has good culture, Social and Strategy and over all A country of Religion. Pls leave your news to broadcast and you don’t belong to Eritrean people.

  • Aman October 20, 2013

    እወ ሓቂ እዩ ወዲ ትኳቦ፣ ተራ ጥራይ ዘይኮነ ትሕቲ ተራ እዩ፣ እንተኾነ ነተን ክራር ክሰምዓ ሬሳ ረጊጸን ዝዘላ ስርዓት ሄዋን ዝሳሓታ ኣየዴታት ኣየ ኣሕዋት ለዉሃት ዘይብለን እሞ መርድ እዩ።ከምመዉረዲ በለስ ክስርሓሉ ዝጸንሐ መሳርሒ ዓዲ ተዉዒሉ ንደለይቲ ለዉጢ ዘምጸኦ ለዉጢ እኳ ተዘይሃለወ ንጉዙኣት ዕብዳንን ጓይላን ግን ካብ ክብሪ ሬሳ ኣሕዋቶም ክብሪ ዝርጋኖም ዝዓዞም ግን ሓንቲ ስልኪ ተበቲኻቶም ኣላ።

  • keren October 20, 2013

    please stop confusing us, this is not the first time u gave us such news ,yet it turned out false.besides he is just a singer , nothing more than tht.

  • fthi October 20, 2013

    ደራፊ ሰጊሩ ወይ ኣብ አርትራ ኮፍ አሉ ዋላ ሃደ ትርጉም የለን ግን ረሳ ረጊጻ ክትዓብድ ዝሓሰበት ዕብዲ ንፋስን ቁሩን ተሃሪማ ምስ ተመልሰት ይርዶምን ይርደንን ኡ የህዋተይ

  • fthi October 20, 2013

    ሕጂ ኢሰያስ ኩሉ ትሃዲምሉ በቶም ኣቡ ደለዉ ተቃወምቲ ናይ ኢትዮትያ በኦም ይህሎ ንደቁ ካ የህልፋ ግን ንሱ ኣይ ኮናን ደሊና

  • zoro,ዞሮ October 20, 2013

    think twice and even if this is truepls avoid to make up history he is a coward and “medakeri”
    http://www.youtube.com/watch?v=kJ-FacLtJZw&feature=share

    • Yerhiwo October 20, 2013

      ZORO..Zero! Don’t confuse people! This video is old..remember beilul.com..it is history. This video is from beilul .com that is non-existant now!

    • Yerhiwo October 20, 2013

      ZORO..Zero! Don’t confuse people! This video is old..remember beilul.com..it is history. This video is from beilul .com that is non-existant now!

  • Eritreawit October 20, 2013

    thank you GOD
    Wedi tukabo, I’m a big fan of yours, i have been saddened till today you were with brutal dictator’s side; but today I’m so proud of you for standing with the oppressed Eritrean people –congrats to all music lovers.

  • Almaz Gaul Asmera October 20, 2013

    ውሕ ውሕ ዶ ጀሚርኩም ኣንዳ ሕጊ-ግደፍ። እታ ሰርኩላር መጺኣ ማለት እዩ። እዚ ክንጽበ ዝጸናሕና ደቂ ገዛውቱን መታዕብይቱን ኣቐድምና ንወዲ ትካቦ ከመይ ዝኣመሰለ ጸለም ይእለም ከምዘሎ ሓቢርናዮ ኢና። ….
    ወዲ ትካቦ ኣገናዕ። መጨረሻስ እምበኣር ሕልና ንገንዘብ ስዒራታ። 360 ሬሳ ናብ መቓብር ከይወረደ ኪስዕስዕ ሓዲሩ ኣብ ኣትላንታ ጆርጅያ ምስ ሰማዕና፣ ንምርዳኡ ጸጊሙና ቀንዪ። ሃየ ስለ እቲ ዋና ዝስኣነ ውጹዕ ሕዝብኻ፣ ኣብ ፈቖድኡ ናውቲ ኣካላቶም ዝተዘርፉን ብኣሰቓቒ ኩነታት ሕይወቶም ዘሓለፈት መታዕብይትኻን መሳቱኻ ደቂ ዓድኻን በቲ ጥዑም ድሃይካ ኣእውየሎም። ንገረሎም። ዳግማይ ታሪኽ ይስራሕ እዩ ዘሎ እሞ ኢደይ ኢድካ በል። ኻብቲ ገበልን ኣሰለት ልኡዃቱን ተጠንቐቕ። ምሉእ ዕድሜኻ ጅግና ኪብሉኻ ዝነበሩ ሕጂ ብዙሕ ኣስማት ኪወጸካ እዩ። 30 ዓመት ተጋዲልካ ሓንቲ መዓልቲ ዓገብ እንተይሊካ በዞም ሕልና ዘይብሎም ናይ ዘመንና ኢሰፓ፥ ወይጦ ተቐይርካ ኢኻ ትሓድር። ንዓድኻ ካብ ኤርትራ ሓፍ ኣቢሎም ናብቲ ጎዶቦ ከስግርዋ እዮም። ሃየ ሕጂ ምስ ሕዝቢ ወግን፣ ካብ ባርያ ሕጊ-ግደፍ ምዃን ነጻ ወጺኻ ኢኻ እሞ። ተመሊስካ ናይ ማንም ተቓዋሚ እየ ዝብል ስማዊ ውድብ ባርያ ከይትኸውን። ምስ ሕዝብኻ ወግን፣ ብሕዝባዊ ማዕብል፣ ነቲ ቁራጽ ሰይጣን ከም ዓርኩ፣ ቓዛፊ፣ ኣብ ትሕቲ ቢንቶ ኪሳብ ዚድረብ ድቃስ የሎን። ሕልምና ፍትሒ ዝነገሳ፣ መሰልናን ግቡኡናን ፈሊጥና ደረትና ነፊሕና ብቕሳነት ንነብረላ ዓዲ ሕግን ስርዓትን ሃገር ምርኣይ እዩ። ኣምላኽ/ኣላህ ምስ ቅኑዓት እዩ እሞ ድምጺ ውጹዓት ሰሚዑ ይተዓረቐና። ሓፍትኻ ኣ. ካብ ደቒ ገዛውትኻ እየ።

POST A COMMENT