Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

BREAKING NEWS: ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት ኣድያብ ካብ ዝተባህለ እሱራት ዝዕለሙሉ ቦታ እሱራት ምስ ሃደሙ ብዝተኸፍተ ቶኽሲ ሓደ እሱር ብ ቅትለት እሱር ሓዉ ከምእተሳተፈ ዝተረድአ ኣባል ሃገራዊ ኣገግልሎት ድማ ሓሪቑ ብኡንብኡ 6 ሓለዋ ኣባላት ድሕሪ ምቅታሉ ነብሰቕትለት ከምዝፈጸመ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ኣድያብ ኣብ ዝብሃል ቦታ ዝዕለሙ ዝነበሩ እሱራት ትማሊ ሓሙስ 10 ግንቦት  ሰዓት 2:30 ድሕሪ ቀትሪ፡ ማዕጾ ካንሸሎ ሰይሮም፡ ነቶም ዝሕልዉዎም ዝነበሩ ካብቲ ከባቢ ተወዲቦም ዝዓጠቑ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ብኣእማን ሃሪሞም ድሕሪ

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣፍዓበት፡ ኣድያብ ኣብ ዝብሃል ቦታ ዝዕለሙ ዝነበሩ እሱራት ትማሊ ሓሙስ 10 ግንቦት  ሰዓት 2:30 ድሕሪ ቀትሪ፡ ማዕጾ ካንሸሎ ሰይሮም፡ ነቶም ዝሕልዉዎም ዝነበሩ ካብቲ ከባቢ ተወዲቦም ዝዓጠቑ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ብኣእማን ሃሪሞም ድሕሪ ምህዳሞም፡ ብ መራሒ ሓይሊ ወዲ ሳበ ዝምርሑ ናይ ክፍለሰራዊት 61 ኣባላት ብዝተዋህቦም ትእዛዝ መሰረት ቶኽሲ ከፊቶም ንሓደ ካብቶም ዝሃድሙ ዝነበሩ እሱራት ቀቲሎሞ።

እቲ ብሓለዋ ብዝተተኮሰሎም ጠያይቲ ዝተቐትለ እሱር፡  ብ 2003 ኣብ ቤትማእሰርቲ ደንጎሎ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ተኣሲሩ ዝነበረ `ሞ ናብቲ እሱራት ዝዕለሙሉ ኣድያብ ዝተሰጋገረ፡ ዑመር ዑስማን ዝተባህለ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት እዩ።

ሬሳ ናይቲ ዝተቐተለ መንእሰይ ናብ ሕክምና ናይቲ መደበር ታዕሊም መጺኡ ምስ ተመርመረ፡ ሓፈሻዊ ኦርኒኩ ዝፈተሸ ባርካይ ዝተባህለ ፐርሰናል ናይቲ ሕክምና፡ መንነት ግዳይ ዑመር ዑስማን ምዃኑ ኣጻረየ፡ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ደቂ ገዛውቱ ፈለጥቱን ከኣ ብሞት ዑመር ዑስማን ብኡንብኡ ኣብ ከቢድ ሓዘን ጥሒሎም።

ሓደ ካብቶም ናብቶም እሱራት ዝተኮሱ ኣባላት ክፍለሰራዊት 61 ሳልሕ ዑስማን ዝተባህለ ሓዉ ወዲ ኣቡኡ ወዲ ኣዲኡ ነቲ መዋታይ ከኣ ኣብ ቅትለት ሓው ምስታፉ ምስ ተረድአ ኣዝዩ ስለዝጓሃየን ስለዝነደረን ድማ ብረቱ ኣልዒሉ  ን 6 ኣባላት ሓለዋ ናይቲ ኣብ ኣድያብ ዝርከብ ናይ እሱራት መዐለሚ ቀቲሉ ርእሰ ቅትለት ፈጺሙ።

ክቡራት ሰማዕትና፡ ነቶም ብዘይንቡር ኣጋጣሚ ካብ ሓንቲ ገዛ ግዳይ ዝኾኑ ዑመር ዑስማንን ሳልሕ ዑስማንን ከምኡ `ውን ኣምሳያ ናይቲ ዋና ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ማእሰርትን ዕግርግርን ኮይኖም ኣብቲ ዕግርግር ህይወቶም ንዝሰኣኑ ኤርትራውያን መንግስተ ሰማያት የዋርሶም።

ነቶም ነዚ እዋናዊ ሓበሬታ ብምራይ ኣብ ግዚኡ ዝለኣኹልና ግዱሳት ምንጭታት ኣሰና ብስም ተኸታተልትና እናመስገና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ኤርትራ፡ ኣብ ሰራዊትን መደበራት ታዕሊምን ኣብያተ ማእሰርትን ካልእ ቦታታትን እትነጥፉ ኤርትራውያን ኣገዳሲ ዝበልኩሞ ሓበሬታ ናብ ድምጺ ኣሰና ክትልእኹልና ነዘኻኽረኩም።

ኢመይልና aseye.asena@gmail.com ክኸውን ከሎ፡ Viber, whattsapp, imo, messenger, ኮነ ካልእ ኣገባባት መራኸቢ ጌርኩም ክትረኽቡና ከማትኽእሉ ከኣ ንሕብረኩም።
Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Asmerom May 11, 2018

    Our poor and unfortunate Eritrea continues to be a killing field with no ending in sight, what a curse of zelalem.

  • Danilo May 11, 2018

    ኣዚዩ ዘሕዝን ኣኣዩ።እዛ መንደፍ’ሲ ካንዶ ፈውሲ ተሳኢንዋ።ሓው ንሓው ዘቃተለ ኩናት ሕድሕድ ከይኣክል ፡እሞኽኣ ኣብዛ ነጻ ሃገር ንብላ ሕጂ ?ዋእ! ኣንቱም ሰባት ዘመነ-ቶባእ ድሕሪ ደጊም ምባል ጥራሕ ዘይኮነ ንሕሰብ።እቲ ብጌጋ ዝቅተልን ዝቀትልን ጻድቃናት እዮም።እንተ’ቲ ኣቅታሊ ግን፡ፎእ!ምሕደራ ግዕዘምዕዘ።ኤርትራዊ (ሰብ በቢሓደ ውሓደ ከምዝበሃል) ይግዕዝን ይመውትን። ነገሩ!!! ” ኣይበልዐ፡ኣይሰተ ጎንደር ከይዱ ሞተ “፨

  • Simon G. May 12, 2018

    ኣይትሓዙኒ: ሓንሳብ ኡኡኡኡኡኡይ ክብል
    ሓው: ንሓዉ ክቐትል
    ሰማዒ ካብ ወሰዶ: ከም ቅቡል
    እንታይ ደኣሞ ‘የ ክብል?
    ——————————————-

    ኡይ ምባል’ኳ: ክውሕድ
    ሰብ ንሰቡ: ካብ ዝኽሕድ
    ‘ቶም ዝተርፈና: ከም ቅቡል ጌርና ካብ ንወስድ
    ‘ታይ ደኣይሞ ተሪፉ?
    ‘ቶም ቅኑዓት ዜጋታት: ከየዕረፉ
    ከም ሕሱም ካብ ረገፉ
    ኣየ’ወ! ወረጃታት: ሰብ-ስረ ሓለፉ!
    ———————ሎሚ: ሎሚ ‘የ ዘልኩ—————-

    ትሩፋ ከምዝ ኸማይ: ሸነን ክብል
    ኣብ ኤርትራን ከኣ: ሳዕሪ ‘ኳ ንጋዶ ከይቦቅል
    ፈሪሑ ከይቆርጽዎ
    ከይነቐጸ: ከየባርዕዎ
    ሓቁ! ይርኢ ‘ንዶሎ: ንሰብ ‘ኳ ዘይገድፍዎ

    ንዕኡ ግዳ ‘ዚ ሳዕሪ
    መን ክህቦ: ዕምሪ?

    መሰል ዜጋታት ተገፊፉ
    ንሽም ምበር: ዜግነት ዝበሃል ተሪፉ
    ኣብ ግዜ ህግደፍ: ሰብ ተዘሊፉ
    ተጀልዒፉ
    —————————————–

    ———-ደቂ ሃገር ጃጂና ዶ ሓቀይ???? ዘረባና ‘ሞ ኣስተውዕልሉ—————

    ተኣሲሩ: ሰንኪሉ
    ተታሒዙ: ተቐቲሉ
    ስግረ-ዶብ ኮብሊሉ
    ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ
    ልቢ ናይ ህልዋት: ብፍርቂ ጎዲሉ
    ——————————————

    ዓዲ ናይ ደቂ ኣርብዓ ኮይኑ
    ስድራ ስውእ: ግብ ኢሉ: ተደፊኑ
    ዝሪኦ ስኢኑ
    ኣበይ ኣለኹም ዝብሎም ተሳ ኢኑ
    እዋይ ሕስረት: ክንደይ’ከ ከሕዝኑ
    ብጾቶም ከዲዖሞም: ኣንታ ክንደይ ይጭክኑ
    ———————————————-

    ብጻይ ብጸይቲ! ይብልዎም ከምዘይነበሩ
    ርስዕ ኣበልዎም: ዓዲ ኩልና ምስተዓዝሩ

    ——————–ካን! ካን! ከምዚ ኮይና? —————————

    ዓዲ ጎባልል: ከምዘይነበረት?
    ዓዲ ወራዙ: ከምዘይተሰምየት?
    ሎሚ ድማ: ዓዲ ስእነት
    ዓዲ: ህውከት
    ዓዲ: ከልበትበት
    ዓዲ: ህግደፍ
    ዘይትልከፍ!
    እዋይ ውርደት

    • Danilo May 12, 2018

      Simon.G,
      ወሰደ!!!
      ኣብ ሃገርገር ካብ ዝብል ኣደራሽ ካብ ዝግበሩ ዋዕላታትን ሰሚናራትን ወይ እቶም ብሰፊሑ ዝሕንጠጡ ዓንቀጻትን መልእኽቲታትን ንላዕሊ ንበተስብ ኣሰና ብምስሳንካ ክብሪ ንዓኻ።ግን፡ግጥሚታትካ ከይስረቅ ተጠንቀቅ።ብዝተረፈ፡ዓቢ ዝላን ተዋሳእነትን ኣብ ረድዮ ኣሰና ክህልወካ ግበር።ምስ መረጸ ሓሳብ ተለዋወጥ።ኣነ ኺኣ፡ሑንኩሊቢቶ ኣብ መዓል ግዕዘ-ምዕዘ ኣይክሓምቅን ኢየ ዒም ዝበለ ይተሓጎም ።ምዓል ትባእ ( ሓሰር ንፋይ )ኪኣ ባህሪሮም ጭሪኦም ዝድጉሉሉ ኣኺሉ ኢዩ ።ሰላም ሓቂ-ጉዛይ ሰላም ንኹሉ አርትሪያውያን ።

      • k.tewolde May 12, 2018

        BETRI HAQI TQETIN IMBER AYTSIBERIN……among all the hoopla and smokescreen of HGDEF it keeps emerging in the form of a beautiful poem like Simon’s….Wessede!!! is right Danillo.

      • Simon G. May 13, 2018

        Thank you, brother Danilo and k.tewolde!
        I appreciate for those encouraging words of yours.

  • amanuel May 12, 2018

    They could have shot in air, they were not threatened. They deserve to die all those involved in killing the prisoner. Hope the six are among the ones involved.

POST A COMMENT