Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝርዝር ናይቲ ዝምምዕ ከምዘይተገልጸ፡ ቢቢሲ ዝርከቦም ኣህጉራውያን ማዕከናት ዜና ክሕብሩ ከለዉ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ `ቲ ርክብ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ርክብ፡ ` ክፉት፡ ቅጥታውን ውጽኢታውን` ከምዝነበረ ሓቢሩ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ `ጸወታታት ኲናት` ደው ከምዘብል ክገልጽ ከሎ፡ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን መደበር መፈተኒ

READ MORE

ዜና፡ 6/10/18   ልኡኽ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ከተማ ቺካጎ ጽጉማት ንምሕጋዝን ህዝቢ ንምምሃርን ብወለንታ ንዝነጥፉ ግዱሳት ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ክጥርነፉ ወይ ድማ ንጥፈታቶም ጠጠው ከብሉ ኣፈራሪሑ። ካብ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተላእከ ዳዊት ሃይለ ዝተባህለ ወኪል ህግደፍ፡ ብ10

READ MORE

ተመለሱ ተመለሳ ንመለስ 6 ሰነ 1918 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ምሁራት ኤርትራ ተመለሱ ታሪኽ ጅግና ህዝቢ ተረሚሱ ካብ ክሳራ ስብከት ተጠዓሱ ነቶም ጀርመናውያን ምሂርኪሞም ንኣመሪካውያን’ውን ምሂርኩሞም ንኤርትራውያን ግን ረሲዕኩሞም ተመለሱ ዕንቅፋት ልማዱ እግሪ ዓሻ እንታይ ’ልኩሞ ዘይረብሕ መገሻ እዚ ኹሉ ፍልጠትሲ ኣልቦ ውርሻ ብረትና ደፊእኩም ጀሚርኩሞ ኣንቃዕሪሩ ኽኣ ርኢኹሞ ንኸንቱ ትደኽሙ ’ታይ ’ልኩሞ ኣይፋልኩምን ተመለሱ ድኣ እዚ ኹሉ መጽሓፍ ተነቢቡ ኲምራ ፍልጠት ክኣ ተደሊቡ ልሙጽ

READ MORE

7 ሰነ 2018   ሰሉስ  6 ሰነ 2018 ፈጻሚት ሽምግለ ህዝባዊ ሰውራዊ ዲሞክራሳዊ ግንባር ኢትዮጵያ (ህ.ዲ.ሰ.ግ.ኢ.)፡  ነቲ ናይ 12 ታሕሳስ 2018 ስምምዕ ኣልጀርስ “ብምልኡ ተቐቢሉ ንኸተግብሮ” ከም ዝወሰነ መግለጺ ኣውጺኡ፡፡ ኣስዒቡ ‘ውን ንመንግስቲ ኤርትራ “ብዘይ ቅድመኩነት ተመሳሳሊ መርገጽ ክወስድ፡ ንጻውዒቶም ተቐቢሉ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት

READ MORE

እቲ በቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዝነብር ህዝቢ አንዳተፈንፈነ ዝመጸእ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡  `ኣለኹ ኣይመትኩን` ኢሉ ከም ኣካል ናይ ዲያስፖራ ወፍሩ ኣብ ከተማ ማንቸስተር ዓዲ እንግሊዝ ብጉልባብ ስፖርታዊን ባህላዊን ንጥፈታት ንፖለቲካዊ መናውራ ይሸባሸብ ኣሎ። እዚ ንዕለት 16-17 ሰነ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ንነባራትን ሓደስትን ተቐዳደምቲ ብሽግለት ከሳትፍ ምዃኑ

READ MORE

መርፍእ ከነላግበላ ዶስ ክንናቆረላ ኢሉ ዝሓትት ምስ ራእኩ :ሓስመት መመቀሪ ኣብ ክንዲ ዝኸውን መዓርዓሪ ኮይኑ ኢሉ ዝራገም ተደሚሩዎ:እዋእ ዓይኒ እታ መርፍእ ኣብ ክንዲ ምድላይ : ሃስው ካብ ምባል ዶ ዓዲ ዶ ይወዓል ክብል ተገዲደ::እምበኣር ኩቡራት ኣንበብትን ሰማዕትን ናይ ሎሚ ጹሑፈይ ምቁዋም ኣንጻር መን ኣብትሕቲ ዝብል

READ MORE

መግለጺ ኢትዮጵያ ንትግባረ ስምምዕ ኣልጀሪስን ውሳኔ ኮምሽን ዶብን ሓደ ብስራት ማንታ  ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኸፍአ ደማዊ ኲናት ምዃኑ ዝፍለጥ ብዶብ ተሳቢቡ ኣብ 1998 ዝተባርዐ ኲናት፡ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብደም ኣዕለቕሊቑ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ምስ ኣብቅዐ፡ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ጸገም ብስምምዕ  ክፈትሑዎ ኣብ ኣልጀሪስ ተፈራሪሞም፡

READ MORE

ፈጻሚ ኮሚተ ናይቲ ሰልፊ ሎሚ ሰሉስ 5 ሰነ ኣኼብኡ ኣብ ዝጀመረሉ ናይ ፈለማ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንህሉው ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዕምቆት ከምዝዘተየሉ ብምጥቃስ፡ ` እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ዘይምርድዳእ ኣብቂዑ፡ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣሓዋት ህዝብታት ነባሪ ሰላም ክፍጠር ጻውዒት የቕርብ` ኢሉ

READ MORE

ብቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ሳልሕ ዓብደላን (ጁኑቢ) ኣብራሃምን ዝምራሕ ምስጢራዊ ኣኼባ ዋህዮ ምስ ቁንጣሮ ሕልና ዘይብሎም ብሕርያ ዝጸውዕዎም ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ተቐማጦ ከተማ ሸፊልድ ሎሚ ሰኑይ ካብ ሰዓት 19፡00 ምሸት ጀሚሩ ክካየድ ኣምስዩ። ንምግላጽ ገለ ካብኣቶም:- በረኸት (ታክሲ): ዳኒኤል (ታክሲ): ዓቢ ቈልዓን

READ MORE

ኣብ ሕብረተሰብና፡ ብልምዲ ደላላይ ክብሃል እንከሉ፡ ንብረት ንምሻጥ፡ ንምግዛእን ንምክራይን ዝነጥፍን፡ ዕዳጋ ዝዋቅዕን ኣብ መንጎ ክልተ ሰብ ጉዳይ ምቅርራብ ዝገብር ውልቀሰብ ወይ ትካል’ዩ። ኣብ መዋእል ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ግን ሞያ ደላላይ መልክዑ ቀይሩን ካብቲ ንቡር ርሒቁን። ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኩልና ንፈልጦ ደላላይ፡ ሰርሳሪ ዝብል ተወሳኺ

READ MORE

ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝከታተል ፍሉይ ልኡኽ ክህሉ ዘገደደ ምኽንያት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዓመጽን ፈጺሙ ምምሕያሽ ስለዘየርኣየ፡ ተልእኾ ፍሉይ ልኡኽ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣብዚ ጽባሕ ዝኣቱ ወርሒ ሰነ ክሕደስ ዝተፈላለዩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾኑ ማሕበራት ከምዝጸውዑ `ሳይት

READ MORE

ጒንበት 30/2018 ብረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ህግደፍ መደረኻ ሰሚዕናዮ ናይ ለብዘበን ኣሕጽር አቢልካዮ ወያነ-ወያነ ገዲፍካዮ ጀማሚርካ ዲኻ ባይታ-ባይታ ዝተሓብአት እምኒ ከም ብርኲታ ከም ኣመልካ ክትጻወት ካርታ እንታይ ተርኽበ? ‘ተደለኻ ዓሻ ትጠባብር ‘ተደለኻ ኣንጊህካ ተዕገርግር እንታይ’ሞ ’ስኻ ዘይትገብር ‘ተደለኻ ነብስኻ ትጸርፍ ‘ተደለኻ ሃንደበት ተዕርፍ ናብ ቃሕ ዝበለካ ሕልፍ-ሕልፍ እንታይ ተርኽበ? መልሓስካ ረቒቑ ብወያነ እንታይ ድኣ ረኸብካ ለንቅነ ሕሹዂ ናይ ውሻጠ ናይ ክሽነ ተቐቢልካ ዲኻ ጋሻ ጸላም ህግደፋዊት

READ MORE

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ን መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብ 27 ግንቦት 2018 ብክብ ዝበለ ድምቀት ዘኪሩ ዊዒሉ። በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍሎን ውጽኢት ከርተትን ጻማን ህዝብን ተጋደልትን እምበር ናይ ህግደፍ በዓል ከምዘይኮነ ብምእማን ብሓባር ኮይኑ ከብዕሎ ካብ ዝጅምር

READ MORE

ማሓመዶ ጋሳማ ዝተባህለ ናብ ፈረንሳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝኣተወ ወዲ 22 ዓመት ማላዊ ስደተኛ፡ ኣብ ከተማ ፓሪስ ብዘይመሳልል ብቕጽበት ናብ ራብዓይ ደረጃ ፐላሶ ብምሕኳር ጫፍ መንደቕ ሒዙ ተንጠልጢሉ ናይ ዝነበረ ህይወት ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ቆልዓ ካብ ምጽዳፍ ብምድሓኑ፡ ናብ ቤተመንግስቲ ፈረንሳ ተዓዲሙ ብ ፕረዚደንት ፈረንሳ አማኑዌል

READ MORE

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) ሕቶታት፡ ኣንበብቲ ቅድሚ ነዛ ጽሕፍቲ ምንባብ ምጅማሮም ክምልስወን ዝደልየን ሕቶታት ብምቕዳም ጽሑፎይ ክጅምር ይደሊ። ንሳተን ካኣ እዘን ዝስዕባ ኢየን፦ ሀ) ናይ መጀመሪያ መምህርካ/ኪ መን ነበረ/ነበረት? ለ)ሃገርካ/ኪ ትፈቱ/ትፈትዊ ዶ? መልስኻ/ኺ እወ እንተኾይኑ፡ ብኸመይን

READ MORE

ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.) - ግንቦት 26፡ 2018 ከምቲ ርትዓውን ፍትሓውን ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ፡ እታ ኣብ ዓርቢ፡ ግንቦት 24፡ 1991 ዝተጋህደት ብስራት ናጽነትን ባይታ ሓርነትን፡ ቅንያት 24 ግንቦት ቅንያት ትፍስህትን ብሩህ መጻኢ ተስፋን ክትከውን ነይሩዋ። ኣይኮነትን ግን። ህዝቢ ኤርትራ ንትጽቢቱ ዝድውን፡ ንተስፋኡ ዘጸልምት ዘይተጸበዮ መርገም

READ MORE

መስዋእቲ ሓርበኛ ድምጻዊት ጸሃይቱ በራኺ ምስ ሰማዕኩ ምውሓጡ እዩ ኣሸጊርኒ። ከመይሲ፣ መዓልታዊ ድምጹ እትሰምዖ ጥበበኛ፣ ሞት እተርክቦ ኮይኑ ስለ ዘይስምዓካ። ኩሉ’ቲ ኣብ ሜዳ ዘሕለፍናዮ ግዜ ድማ ንድሕሪት ተመሊሰ ክዝክሮ ገዲድኒ። እንተኾነ ሞት፡ ኩሉ ፍጡር ዘየምልጣ ህያብ ምዃና፣ ብሞት ሓንበኛ ጸሃይቱ በራኺ ዝገልጽ ኣብነት እዩ። ስለዚ

READ MORE

24 ግንቦት 1991 ህዝብና ብውጽኢት ናይቲ ሰላሳ ዓመት ዘካየዶ ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ተጋድሎን ዝኸፈሎ ረዚን መስዋእትነትን ንፋሽስታዊ ስርዓት ደርግ ደምሲሱ መላእ ኤርትራ ሓራ ዚገበረላ ዕለት ምዃና ካብ ማንም ስውር ጉዲይ ኣይኮነን። ከምኡ’ውን 24 ግንቦት ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ንፋሽስታዊ ስርዓት ደርግ ተኪኡ፡ ፖሎቲካዊ ስልጣን ጨቢጡ፡ ህዝብና ንዝኸፍአ

READ MORE

ብዕለት 18/05/2018 ኣብከተማ በርን ከባቢ 3000 ዘኾኑ ኤርትራውያንሓተቲ ዕቁባ ኣብሃገረ ስዊዘርላድ ከሙኡ,ውን ስዊዛውያን የዕሩኽዝርከብዎም: ኣብ ቅድሚ ቤተ ጽሕፈት ፈደርላዊ መንግስቲ ሰዊዘርላንድ(Bundesplatz) ብዓይነቱ ፍሉይ ዘኾነ ሰፊሕን ዕውቱን ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ:: እዚ ሰልማዊ ሰልፊብኮሚቴ መኣዲ ዘተ ኤርትራውያን ንፍትሒ ዝተመደበ ኮይኑ: ምስ ተዳናገጽቲ ሰደተኛታት ዝኮኑ: ስቪክ ማሕበራት: ማሕበራት

READ MORE

ኣብ ታሪኽ፡ መንግስታትን ውልቀሰባትን፡ ብኽቱር ስስዐን ቅርሕንትን ዓዊሮም፡ ንተቀናቀንቶም ንምጽላምን ህላወኦም ንምርግጋጽን፡ ሕልናን ሞራላዊ ሓላፍነት ዝጎደሎን፡ ሰማይን መሬትን ዘላግብ ሓሶታት ክነዝሑን ሓንጎል ሰብ ክምርዙን ተዓዚብና ኢና። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአን ዘነውርን ሓጥያት ግን፡ ሰብ ሞያ፡ ንስ-ነምግባርን ክብርን ሞያኦም ረጊጾምን ሕብረተሰብ ዘሰከሞም ሞራላዊ ሕድሪ ጠሊሞምን፡ ኣንጻር

READ MORE

ግንቦት 24/2018 ብ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ኣይናትካን’ያ ህግደፍ ጒንበት መን ሂቡካ? ንብረት ናይ ህዝቢ’ያ ኣጥብዩ  ዘዕበየካ። ጠላማት ሓቝፍካ ጀጋኑ ትዂንን ከመይ ጌራ ጒንበት ንዓኻ ትኸውን? ኣሉ ዝኣመሉ እስከ ንገረና ከተምስል መታን ተብዕላ ምሳና ቀይሕ ደም ከፊልና ዘውጻእናያ ሓራ ብሰንኪ ጥልመትካ ጒንበት ተደፊራ ሃመማ ሻዲኑ ንህቢ ተበቲኑ ወኻርያ ነጊሳ ኣምበሳ ደኒኑ ዓለም ዘመስከሩ ጀጋኑ የሕዋትና ጒንበት’ሞ ዝያዳ ክንዝክሮም ኢና ጽግዕ-ጽግዕ

READ MORE

ብምቁር ዜማታታ ኣብ ልቢ ሚልዮናት ኤርትራውያን ፍቕርን ሃገራዊ ስምዒትን ዝኾስኮሰት፡ ንያታዊ ዜማታት ትግርኛ ኣብ ምምዕባል ዓቢ ግደ ዘበርከተት፡ ኣደ ክራር፡ ወናም ኤርትራዊት ስነጥበበኛ ድምጻዊት ጸሃይቱ በራኺ ኣብ መበል 79 ዓመታ ሎሚ 24 ግንቦት ኣብ ስደት፡ ኣብ ሃገረ ሆላንድ ዓሪፋ። እታ ኣብ ሕብረተሰብና ደርፊ ከም ሞያ ስነጥበብ

READ MORE

ሰላምን ናጽነትን ኣብ ኤርትራ ልቢ ወለዳዊ ኣስማት ኣይኮናን። ኣብ ሕብረተሰብና፡ ከም መግለጺ ባህግኻ ንእትፈትዎም ደቅኻ ብትምኒትካ ምጽዋዕ ልሙድ ከም ምዃኑ መጠን፡ እቲ ብቐጻሊ ህወከትንን ዕግርግርን፡ ስደትን ሞትን ዝረብረበ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብራህዋን ቅሳነትን ክብረ፡ ንቡር ህይወት ክፍትን፡ ባህጉ ክሰምረሉ መታን፡ ካብ ቀጽሪ ኣብያተ ጸሎቱ ምስ ወጽአ

READ MORE

ማሕሙድ ሳልሕ (Mahmud Saleh)   ኣብዚ መበል 27 ዓመት ልደትኪ ነብዕለሉ ዕለት፥ ብዙሕ ክብል ምደለኹ ግን ከጽብቦ። “ርሑስ በዓል ልደት ብምባል ከ ዘይጅምሮ። እቶም ድቅኺ ናብ ንቡር ጥንሲ ከይበጽሕ  ዝተማወቱ፡ ምስ ምውላድኪ መይቶም። ታተ ኢልኪ ኣብ ዝተበገስክሉ ብርክኺ ቐርሲሞም ከረማስሱኺ ዝሃቀኑ፡ ሎሚ ብርኮም ይጠልሞም ኣሎ። ከጽምወክን ክጽልምተክን

READ MORE

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) ሕቶታት፡ ኣንበብቲ ቅድሚ ነዛ ጽሕፍቲ ምንባብ ምጅማሮም ክምልስወን ዝደልየን ሕቶታት ብምቕዳም ጽሑፎይ ክጅምር ይደሊ። ንሳተን ካኣ እዘን ዝስዕባ ኢየን፦ ሀ) ናይ መጀመሪያ መምህርካ/ኪ መን ነበረ/ነበረት? ለ)ሃገርካ/ኪ ትፈቱ/ትፈትዊ ዶ? መልስኻ/ኺ እወ እንተኾይኑ፡ ብኸመይን

READ MORE

ናብ ዲሞክራሲ ምብጻሕ ትምህርቲታት ካብ ዑዉት ምስግጋራት ብ ኣብረሃም ኤፍ. ሎዌንዛልን ሰርጅዮ ቢታርን ቶርኋሚ ሰመረ ተስፋሚካኤል ሃብተማርያም     ኣብረሃም ኤፍ. ሎዌንዛልን: ዘይተቐማጢ ዝለዓለ ኣባል ማሕበር ምሁራን ትካል ብሩኪንግስን፡ መስራቲ ኣመሓዳሪ ናይ ዝርርብ ኣብ ነንሕድሕድ ኣሜርካውያንን ‘ዩ። ሰርጅዮ ቢታርን: ኣቦ-መንበር ናይ ቺለ መስረተ ዴሞክራሲን፡ ዘይተቐማጢ ዝለዓለ ኣባል ማሕበር ምሁራን ዝርርብ ኣብ ነንሕድሕድ ኣሜርካውያንን ‘ዩ።

READ MORE

መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ከቢድ ዋጋ ዝተኸፍላ ህያብ ስውኣት ስለዝኾነት፡ ሓንቲ ካብተን ፍሉያትን ክቡራትን በዓላት ሃገርና ክትከውን ግቡእ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ እታ ን30 ዓመታት ዝበሃጋ ሓቀኛ ናጽነት ኣንተዝጭብጣ፡ “ቅሰኑ ስዉኣትና፡ ሳላኹምም ጽሩይ ኣየር ናጽነት ከነተንፍስ፡ ኮሪዕና ክንነብርን ኣብ ዓለም ግቡእ ቦታና ክንሕዝን በቂዕና” ኢሉ ልዑል ምስጋናኡን ኣኽብሮቱን

READ MORE

 ብ ኣማኑኤል ሳህለ  ወድሰብ ፈትዩ ጸሊኡ፡ ኣብ ውሽጢቲ ነንሓድሕዱ ዝተሓጋገዝ ሕብረተሰብ እዩ ኪነብርን ኪዓብን ህላወኡ ከውሕስን ዚኽእል። ሓድሕዳዊ ምትሕግጋዝን ምክብባርን ዘይብሉ ሕብረተሰብ ንኺፈርስ ዘለዎ ተኽእሎ ዓቢ እዩ። ሰብ ከም ደሴት ንበይኑ ኪነብር ኣይክእልን። ካብ ቀቢላ ጀሚሩ ክሳዕ ሃገርን ልዕለ-ሃገርን ደረጃ ኪበጽሕ ዝኸኣለ፡ ብናይ ሓድሕድ ምትሕግጋዝን ምድንግጋጽን

READ MORE

ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ፡ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 500 ዝኾኑ ስደተኛታት ተታሒዞምሉ ኣብ ዝነበሩ ቤትማእሰርቲ ሊብያ 180 ዝኾኑ ስደተኛታት መንነቶም ብዘየፈልጡ ዕጡቓት ሸፋቱ ከምዝተጨውዩ ተፈሊጡ። ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ብ 14 ግንቦት ኣብ ሰብራታ ዝተባህለት ከተማ ጅምላዊ ጭውያ ዝተኻየደሉ ኣጋጣሚ፡ ሓለውቲ ናይቲ ቤትማእሰርቲ ዝኾኑ ወተሃደራት ነቶም ጨወይቲ ቶኽሲ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብኣጋጣሚ መበል 27 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ምስሉይነት፡ ጃህራን ሓሶትን ዝሕመረቱ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ወፈራ የካይድ ኣሎ። እቲ ጸሓፊ ህግደፍ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ “ኤምባሲ ሜድያ” ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዘካየዶ ዘስደምም ግን ዝኣረገ ቃለመጠይቅ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ብ 14 ግንቦት 2018 ብማዕከናት ዜንኡ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ዶባተን ኣንጻሩ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ነጻ ንምቅስቓስ ሃልዩዎም ኣድማዒ ስርሒታት መታን ከሳላስሉ ብምወላ ቐጠር በብወገኖም ክድግፉዎም ከምእተሰማምዑ ዳግም ከሲሱ። እቲ ሓጺር መግለጺ፡ `ምውህሃድ ናይ’ቲ ስርሒታት ዘድምዕ ምእንቲ ኪኸውን፡ ብወገን ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ካርቱም ኤምባሲ ከም ቈንስልን ቐጠር ትምውሎም ጅሃዳዊ ውድባት ዝሰርሕን ቡርሃን ዝተባህለ፡ ብወገን መንግስቲ ሱዳን ከኣ ልዋእ (ጀነራል) ሓምዲ ኣል’ሙስጣፋ ከም ኣወሃሃድቲ ስርሒታት ተመዚዞም።” ተባሂሉ። እቲ ዛንታ ሓድሽን ዘገርምን’ኳ ተዘይኰነ፡ ዓጀብ ዘብል’ዩ።` ክብል ድማ መግለጺኡ ይድምድም። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ

READ MORE

ነቲ ኣብ ኣስመራ ሚልዮናት ናይ ወጻኢ ባጤራ ከምእተዘምተ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ ሓንሳብ ካብ ባንክ ሓንሳብ ካብ ሂምቦል እናተባህለ ዓቐን ገንዘብን ፈጸምቱን እናተቐያየረ፡ ክናፈስ ዝጸንሐ ወረ ንምርግጋጽ ዝተወከስናዮም ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ምንጭታት፡ እቲ ፍጻሜ ከምተኻየደ ብምጥቃስ፡ ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ሂምቦል ተባሂሉ ዝፍለጥ ማእከል ሸርፊ

READ MORE

ብ ኣማኑአል ሳህለ ሰስኑ ሴፍን ዋልታን ኩኑ፡ ዝዓድና ከይኣትዎ ጓና፡ እትብል ጥንታዊትን ያታዊትን ከምኡውን ፍቕሪ ሃገር እትቕስቅስን ደርፊ፡ ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብተደጋጋሚ ክትድረፍ ኣገዳሲ እዩ፣ ይኹንምበር፡ እቲ ቓላታ ተለዊጡ ከምዚ ዚስዕብ እንተ ዚኸውን ኣብዚ ግዜናዚ ዝያዳ ኣድማዒት ምኾነት ነይራ፥ ማለት፡ ሰስኑ ንቑሓት ኩኑ፡ ኣእምሮና ከይኣትዎ ጓና። ኣብዛ

READ MORE

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ክሳብ ክንደይ መብቲ ናይ ካለኦት ትሕሉን የገድሰካን፤ ክሳብ ክንደይ ንሓለፋ ትጻረር፤ ክሳብ ክንደይ ብሕጊ ትቅየድ፤ክሳብ ክንደይ ሃይባ ፍርዲ ቤት የገድሰካ ፤ ክሳብ ክንደይ ትሕትና ኣለካ፤ ክሳብ ክንደይ ነቀፌታ (ተቃውሞ) ትጻወርን ትቅበልን፤ክሳብ ክንደይ ጸሬ ብልሽውና ኢኻ፤ ክሳብ ክንደይ ሃለዋት ዜጋታትካ ትከታተልን ተማሓይሽን …………… ካብ

READ MORE

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ 15 ኣባላት ምክልኻል ካብ ባጽዕ ተበጊሶም ናብ ሱዳን ከምልጡ እናተጓዕዙ ከለዉ፡ 10 ካብኣቶም ብ ሓሙስ 10 ግንቦት ኣብ ከባቢ ማህሚመት፡ እስራይ ዝብሃል ቦታ ከምእተታሕዙ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሮም ዝነበሩ ኣባላት ስለያ ምስ

READ MORE

ውፍይቲ ተቓላሲት ተኽኣ ጸጋይ መኮነን፡ ብዝሓደራ ሕማም ሰኑይ 7 ግንቦት 2018 ኣብ እትነብረሉ ከተማ ኦክላንድ/በርክሊ ካሊፎርንያ ኣብ ሕክምና ዓሪፋ። ስነ-ስርዓት ቀብራ ከኣ ሎሚ ዓርቢ 11 ግንቦት 2018 ኣብ ኦክላንድ/በርክሊ ተፈጺሙ። ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ተቓላሲት ተኽኣ ጸጋይ፡ ኣብ ፈለማ ሰብዓታት ኣብ ኤርትራ ብዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ምኽንያት

READ MORE

ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ንህዝባዊ ግንባር ክነቅፍ እንከለኹ፡ ነቲ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዓምጺጹ ዘዳኽር ዘሎ ውሑድ ክፋል’ቲ ስርዓት እምበር፡ ነቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ፡ ግዳይ ግፍዕታት ህግደፍ ኮይኑ ዘሎን ንለውጢ ብሃንቀውታ ዝጽበን ዝምልከት ኤርትራዊ ከምዘይኮነ፡ ኣቀዲመ ኣንበብትን ሰማዕትን ክግንዘቡለይ እላቦ። ኣብ 1978፡ ብሰንኪ ምትእትታው ሕብረት ሶቭየት፡ ካብተን ብህዝባዊ ግንባርን

READ MORE

ምምሓው ኤርትራዊት ያታዊ ኣሃዳዊት (ተርሞኑክሌሳዊ) ቤተ-ሰብ፡ ቅጽበታውን ነባሪን ሓደጋ ንቐጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ከም ሕብረተ-ሰብን ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) ሕቶታት፡ ኣንበብቲ ቅድሚ ነዛ ጽሕፍቲ ምንባብ ምጅማሮም ክምልስወን ዝደልየን ሕቶታት ብምቕዳም ጽሑፎይ ክጅምር ይደሊ። ንሳተን ካኣ እዘን ዝስዕባ ኢየን፦ ሀ) ናይ መጀመሪያ መምህርካ/ኪ መን ነበረ/ነበረት? ለ)ሃገርካ/ኪ ትፈቱ/ትፈትዊ ዶ? መልስኻ/ኺ እወ እንተኾይኑ፡ ብኸመይን

READ MORE