Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ትማሊ ሰንበት 4 ጥቅምቲ፡ 95 ሬሳ ብማዕበል ተገፊዑ ከም እተረኽበ ማሕበርነታዊ ዓለም (world socialist website) ዝተባህለ ማዕከን ዜና ንማሕበር ግብረ ሰናይ ቀያሕ ወርሒ ብምጥቃስ  ገሊጹ፡፡ ኣፈኛ’ቲ ማሕበር መሓመድ ኣል መስራቲ፡ 85 ሬሳ ኣብ ገምገም ትሪፖሊ፡ 10 ድማ ኣብ’ታ ስደተኛታት ዝዋፈሩላ  ሳባርታ

READ MORE

ካብ ትማሊ ሰንበት ኣትሒዙ፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዝዳወብ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ኣከባቢ፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲ የመንን ተቓወምቲ ሕቱን ብርቱዕ ኵናት ይካየድ ከምዘሎ ኣሾሸይትድ ፕረስ፣ ንጸጥታዊ ምንጭታት የመን ብምጥቃስ ሓቢሩ። እቶም ምስ መንግስቲ ይኹን ተቓወምቲ ጸግዒ ካብ ምውሳድ ተቖጢቦም

READ MORE

ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ኣብ መበል 70 ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኤርትራ ንከባብን ዓለምን ሓደገኛ ከምዝኾነት ገሊጹ፡፡ ንሱ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝጋባእ ዘሎ ዋዕላ ኣብ ዘቕረቦ ጥርዓን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ 2008 ሰሜናዊ ግዝኣት ሃገሩ ድሕሪ ምውራሮም ነቲ ውጥረት ንምእላይ ብተደጋጋሚ ጥርዓን ከምዘቕረበ

READ MORE

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰሜን ምዕራብ እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ መተማ 200 ነጋዶ ሰብ ከምዝኣሰረ ጋዜጠኛ ቢ.ቢ.ሲ ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሩ፡፡ ንሱ ንኣመሓዳሪ እታ ምስ ሱዳን እትዳወብ ከተማ ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ በታ ከተማ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ሱዳን ከምዝሰግሩ ገሊጹ፡፡ እቶም ስደተኛታት ኣብ ጉዕዞኦም ንሞትን መከራን

READ MORE

ሓደ ካብ ወደብ ካሌስ ናይ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግር ዝፈተነ 20 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ ስደተኛ መንእሰይ ብናይ ጽዕነት ባቡር ተረጊጹ ከምዝሞተ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ። ንሱ ናብ ትማሊ 30 መስከረም ኣብ ዝወግሐ ለይቲ እዩ ብ ኣባላት ጸጥታ፣ ኣብ ካሌስ ኣብቲ ብChannel tunnel ዝፍለጥ መንገዲ ባቡር ሞይቱ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሃገርና ከካይዶ ዝጸንሐ ኣባይቲ ህዝቢ ናይ ምፍራስ ተግባሩ ብምቕጻል ሎሚ ቕነ ኣብ ጎዳይፍን ሕምብርትን ዘካየዶ ወፈራ ዕንወት፣ መቐጸልታ ናይቲ ህዝባዊ ሓልዮት ዘይብሉ ኣዕናዊ ፖሊሲኡ ምዃኑ ነቲ ኩነታት ዘረጋገጹዎ ምንጭታት ሓቢሮም። ንሳቶም፣ “ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ነዚ ናይ ዕንወት ተግባር ዝህቦ

READ MORE

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ዘስዕቦ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ግሁድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስቃይን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ይኹን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ካብ ማንም ዝተከወለ ኣይኮነን። ግፍዕታት ናይዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ደረቱ ዝሓለፎ ጥራይ ዘይኮነስ ናብ ምጽናት ኤርትራውያንን ብርሰትን ጥፍኣትን ሃገርና ዝኣንፈተ ስለ ዝኾነ ከም ሕብረተሰብ ህዝብናን ሃገርናን

READ MORE

መስከረም (September) 28: 2015 ********* ዶክተር ዳኒኤል፡ ነቲ ኣብ ወርሒ ሰነ 23፡ 2015 ኣብ ከተማ ጀነቫ ብመርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብን ውጽኢቱን፣ ከምኡ `ውን፡ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ሰነ 26፡ 2015 ንደገፍ ጸብጻብ መርማሪት ኮንሚሽን ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ጀነቫ ዝተኻየደ ዓቢዪ

READ MORE

እቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘተኣታተዎ ፕሮጀክት ዕስክርና ሽማግለታትን ገዳይምን ተጋደልቲ ኣብቲ ብ “ህዝባዊ ሰራዊት” ዝፍለጥ ናይ ምልሻ መሳርዕ፡ ገለ ዓመታት ኣሕሊፉ `ኳ እንተሎ፡ ገና ኣከራኻሪ ኮይኑ ምህላዉን በቶም ተሳተፍቱ ይኹን ተዓዘብቱ ተቐባልነት ከምዘይረኸበን ምንጭታት ሓቢሮም። በዚ ምኽንያት፡ ሓላፊ ናይቲ መደብ ዕስክርና ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ፡ ካብቶም

READ MORE

ኣብ ከተማ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ሰብ ሕልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ መበል 14 ዓመት ማእሰርቲ ናይቶም ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክተኣታቶ ብዘቕረቡዎ ጻውዒት ኣብ ምስጢራዊ ቦታ ተሓይሮም ዝሓቁ ዘለዉ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር፣ ሎሚ ንጉሆ 18 መስከረም ‘ውን ነቲ ትማሊ ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ ምልካዊ

READ MORE

ኣብ ከተማ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ስእልታት እሱራት ፖለቲካን ጋዜጠኛታትን ኤርትራ ዝተለጠፎ ማልያ ዝወደዩ ግዱሳት ደለይቲ ፍትሒ፣ ሎሚ ንጉሆ 16 መስከረም፣ ንመበል 14 ዓመት ምሕዩር ግዳያት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምኽንያት ብምግባር ሃንደበት ኣብ ማዕጾን መናድቕን ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ስእልታት ግዳያት ብምጥቃዕ እቶም ናይ ፖለቲካ

READ MORE

ኣብ ዱባይ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ስልጠና ሓይሊ ኣየር ክወስዱ ካብ ዝጸንሑ 15 ኤርትራውያን መንእሰያት፣ እቶም ሰለስተ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምርሕራሕ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለዉ ተፈሊጡ። እቶም ንሰለስተ ዓመት ዝተዋህቦም ስልጠና ገዲፎም ዑቕባ ሓቲቶም ዘለዉ ኤርትራውያን፣ ሲራክ ቴድሮስ፣ ኣቤል ገብሪሂወት፣ ኣማን ዝብሃሉ ልዕሊ 22 ዓመት

READ MORE

ኣብ ከተማ ዮተቦርግ (ሽወደን) መበል 54 ዝኽሪ  በዓል ሓደ መስከረም: ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራን: ዝኽሪ እሱራትን ብዕለት 12 መስከረም ብድምቀት ከቢሩ ውዒሉ። ኣብቲ ኣባላት ምትእስሳር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዮተቦርግን ከባቢኣን፣ ሓደስቲ ስደተኛታት ኤርትራውያንን ዕዱማትን ዝተረኸብዎ ጽምበል ቃል ኣቦ መንበር ብርሃነ ኪዳነን 

READ MORE

መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ፡ ትማሊ ቀዳም 12 መስከረም፡ ብምኽንያት መበል 14 ዓመት ማሕዩር ላዕለዋት ሰበስልጣንን ጋዜጠኛትትን ኤርትራ፡ ኣብ ዙሪክ ስዊዘርላንድ፡ `ሓባራዊ ራእይ፡ ሓባራዊ ቃልሲ፡ ንናይ ሓባር ዓወት` ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ሰፊሕ ህዝባዊ ሰሚናር ኣካይዱ። ንሱ ኣብቲ ሰሚናር፡ ብ መስከረም 18 2001፡ እቶም ኣብ ማእከል

READ MORE

ሓላፊ ናይቲ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ተሓብሒቡ ኣብ ኤርትራ ዝዓበየ ተቓዋሚ ውድብ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ዝነበረ ኣስገዶም ሞላ፡  ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ናይ ቶኽሲ ግጭት ድሕሪ ምግባር ምስ ሰራዊቱ ናብ ሱዳን ከምዘምለጠ ሱዳን ትሪቡን ካብ ካርቱም ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣገንዚቡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ሞላ

READ MORE

ኣብ መንጎ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን፣ ንነብሶም እሙናት ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ኢሎም ዝሓስቡዋ ኣቓልቦ ናይቲ ኤምባሲ ዝሰኣኑ ወልቀሰባትን ግዳም ሓደር ዘቖሙዎ ጉጅለን ከቢድ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ምህላው ተፈሊጡ። ጠንቂ ናይቲ ግጭት፣ ብብድሕሪ ቲ ብ26 ሰነ ኣብ ጀነቫ ዝቐረበ ጸብጻብ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት

READ MORE

ካብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ባጤራ ናቕፋ ገና ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ባንክ ካብ 10 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ከውጽእ ከምዘይፍቀደሉ ዘመሓላለፎ መምርሒ ነቲ ኩነታት መሊሱ ዘብእስ ሳዕቤን ኣኸቲሉ ከምዘሎ ‘ውን ተፈሊጡ። ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣

READ MORE

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብቲ ኣቀራርብኡ ይኹን ውጽኢቱ ዝንቡዕ ኮይኑ ብምርካብ ዝተነጽገ ጸብጻብ ደንማርክ ተመርኵሱ ብዘዳለዎ መምርሒ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዑቕባ ይነፍጎም ከምዘሎ ዘ ጋርድያን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። ዘ ጋርድያን፣ እቶም ሆም ኦፊስ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ መርርሒ ምምማይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምውዳድ ኣጸቢቑ ንዝተወከሶ ጸብጻብ

READ MORE

መደበር ዜና ቢቢሲ ብቋንቋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሓጺርን ማአከላይን ማዕበል ፈነወ ራድዮ ንምትእትታው ንድፊ ውጥን ከምዘቕረበ ገሊጹ። እቲ እንተላይ ናብ ራሻን ሰሜን ኮርያን ውን ተመሳሳሊ ውጥን ነዲፉ ዘሎ ብዓለም ደረጃ ህቡብ ተሰማዕነት ዘለዎ ማዕከን ዜና ቢቢሲ፣ “ ኣብ ገለ ኩርናዓት ዓለም ዘይሻራዊ ዜና ኣብ ምዝርጋሕ ንዘሎ

READ MORE

መዘኻኸሪ፣ ስእሊ ናይቲ ባሕሪ ዝገፍዖ ሶርያዊ ህጻን ኣብ ታሕቲ ስለዘሎ ምርኣዩ ዝኸብደኩም ኣንበብቲ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዜና ምንባብ ኣይትቐጽሉ።  ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተዘርግሐ ስእሊ ናይ ሓደ ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ብባሕሪ ክሰግር ከሎ ጥሒሉ፣ ትማሊ ረቡዕ ምስ ካልኦት 12 ሬሳታት ኣብ ገምገም ባሕሪ ግሪኽ   ተገፊዑ

READ MORE

ትምህርቲ ንሂወትን መጻእን ህዝቢ ንምቕያር ክግበር ዝግበኦ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ሃገራዊ ወፍርታት’ዩ:: ብዘይ እተወሃሃደ ስርዓተ- ትምህርቲ መሰረታዊ ሕብረተሰባዊ ለውጢ ክምዝገብ ኣይክእልን’ዩ:: በዚ መንጽር ደረጃ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሃገር የንቆልቁል ኣሎ:: ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ብስነፍልጠትን ተክኖሎጂን ክትስጉም ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ:: መብዛሕትኦም እቶም ብሉጻት ተመሃሮ ኣብ ትሑት ደረጃ

READ MORE

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፣ ቁጽሪ ስደተኛታት ንምውሓድ ዘዋደዶ ታርጌት ንምውቃዕ ክብል ብሰንኪ ‘ቲ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኽሰስ ዘሎ ውልቀመላኺ ስርዓት ሃገሮም ገዲፎም ንዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ዑቕባ ይነፍጎም ምህላዉ ይውቀስ ከምዘሎ ጋዜጣ ዘ ኢንደፐንደንት ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ። በዚ ምኽንያት፣ ኣብ ፈለማ ርብዒ ናይዚ ዓመት’ዚ 73 ሚእታዊት ኣንውታዊ ምላሽ

READ MORE

ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግራ ዝፈተና ክልተ ጀላቡ ብምጥሓለን: ኣማኢት ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ቢ.ቢ.ሲ. ሓቢሩ:: ካብ’ተን ትማሊ  27 ነሓሰ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓላ ጀላቡ እታ ቀዳመይቲ 50 ሰባት: ድሕሪኣ ዝሰዓበት ደማ 400 ሰባት ኣሳፊረን ምንባረን ተፈሊጡ:: ኣብ ምዕራብ ትሪፖሊ ዙዋር ኣብ ዝተባህለት ከተማ ዝርከብ ሆስፒታል 100

READ MORE

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝተዋህቦም 250 ስደተኛታት ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሑሉ ኣጋጣሚ፣ ሕሉፋት የማናውያን ድሕሪ ዘልዓሉዎ ናዕቢ ምስ ፖሊስ ምትፍናን ከምዝተኸስተን 30 ኣቢሎም ዝኾኑ ፖሊስ ከምዝተጎድኡን ይፍለጥ። ቻንሰለር ጀርመን ኣንጀላ መርኸል ግን፣ ብደገፍቲ ናይቶም ሕሉፋት የማናውያን ዘጋጠማ ምሽባብን ምድሃልን ግዲ

READ MORE

እቲ ፈለማ ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን፣ ምስ ናይ ኩባ ዩኒቨርሲቲን ናይ ኣመሪካ ጆርጅ ዋሺንግተን ዩኒቨርሲቲን ብዝፈጠሮ ሞያዊ ምትእስሳር፣ ብመንገዲ ‘ቶም ፍሉጣት ኣህጉራውያን ማእከላት ፍልጠት ብቑዕ ኣካዳምያዊ ደረጃ ተጎናጺፉ፣ ነቶም ኣብተን ብቕዓት ዘይብለን ካልኦት ኮለጃት ክምሃሩ ተገዳስነት ዘይብሎም ብዙሓት ብሉጻት ኤርትራውያን ተማሃሮ ካብቲ ዘሎ ዝሓሸ ኣማራጺ ኮይኑዎም

READ MORE

ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም፣ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ብዘይውሑሳት ጀላቡ ካብ ሊብያ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ዝፈተኑ ሶርያውያን፣ ኤርትራውያን ሶማላውያንን ዝርከቡዎም ኣስታት 4400 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ሊብያ ብሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ከምዝደሓኑ ቢቢሲ ሓቢሩ። ሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ነዚ ብምዝልከት ኣብ

READ MORE

ሓንቲ ለተዝጊ እዝራ ዝተባህለት፣ ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ዝተሰደደት ኤርትራዊት ኣደ ቖልዓ፣ ኣብ ሱዳን ብዝወረዳ ብስጭት ዓቕላ ጸቢቡዋ ብበንዚን ነብሳ ድሕሪ ምቅጻላ፣ ኣብ ሕክምና ከሰላ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከምእትርከብ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ብመሰረት ‘ቲ ነታ ግዳይ ብምዝርራብ ዝተላእከልና ሓበሬታ፣ እታ ኤርትራዊት ስደተኛ፣ 6 ኣዋርሕ

READ MORE

ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሰ፡ ሎሚ ቀዳም 22 ነሓሰ ኣብ በይጂን ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ዓለም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ማራቶን ውድድር ኣንጸባራቒ ዓወት ብምምዝጋብ ዝነኣሰ ተዓዋቲ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ። ኣብቲ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ መድረኽ ኣትለቲክስ ዓለም ናይ መጀመርያ ወርቂ ማዳልያ ዝተሸለመትሉ

READ MORE

ኣብዚ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2015 ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ 12 ሽሕ ስደተኛታት እቶም ሓደ ሲሶ፡ ማለት 4 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዝኾኑ መርበብ ሓበሬታ ብሉምበርግ ንሰበስልጣን ናይታ ሃገር ብምጥቃስ ሓቢሩ። ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣትሒዞም ብፍላይ፡ መዓልታዊ ካብ 150-200 ስደተኛታት

READ MORE

እቶም ትማሊ ቐዳም፡ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ብዘይውሕስቲ ጃልባ እናተጓዕዙ ብትኪ ነዳዲ ናይታ ጃልባ ተበኪሎም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ስደተኛታት ቁጽሮም ካብ 40 ናብ 49 ክብ ከምዝበለ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ሓቢሩ። እቶም ግዳያት ኣብ ከብዲ ናይታ ጃልባ ኣብ ዝርከብ ዕጹው ክፋል ኮይኖም ዝጓዓዙ ዝነበሩ

READ MORE

ኣብቂዑ ኣይትበል ነቒዑ ተመን ኣይመውትን ሕቖኡ ተወቒዑ:: ጸንቂቑ ኣይትበል ነጺፉ ለኺቱ ኣፉ ከየውድቐካ ጠሊፉ: ሰበባ ገዲፉ:: ተበርቁቑ ኣይትግደፎ ወዲቑ ጨናፍር ኣለዎ ከይቀትለካ ሓኒቑ:: ቤት መቕደስ ኣትዩ’ሎ መስቀል ሒዙ ማይ ድጋም ከይመስለካ መርዙ: ንቓሕ ተበራበር ከይወስደካ ኣፍዚዙ ኣደንዚዙ:: ወጋሕታ ድግዝግዝ ኣብርሃዮ ኣዒንቲ ተኸተሎም ከዋኽብቲ ጋኔን ከይኣተወ ናብ በዓቲ:: ብደመ ኣዕጽምቲ ዝተሰርሐት መንበር ሰይሩ ተሸንዲሑ ብጽጋብ ኣሳፊሑ ኣእጋሩ ባሕሪ

READ MORE

ብሰንኪ እቲ ሎሚ ቕነ ኣብ ሽወደን ዝተፈጸመ ቅትለት ኣደን ወዳን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ምፍዳይ ሕነ ከይፍጸም ኣብ ዝፍርሓሉ ዘሎ ግዜ፣ በቲ ቅትለት ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ዝቕመጡሉ ዝነበሩ ማእከል ስደተኛታት  ንዝተኻየደ ዘይሕጋዊ ሰላማዊ ስለፊ ፖሊስ ሽወደን ከምዝበተኑዎ The Local ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ሓቢሩ። ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት

READ MORE

ሓደ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ክሓትት ዝወጠነ ኢትዮጵያዊ፣ ኣብ ናይ ጽዕነት ክፍሊ ናይ ሓንቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ስቶክሆልም ዝበረረት ነፋሪት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርካቡ ብፖሊስ ሽወደን ተታሒዙ ሕክምናዊ መርመራታት ከምዝተኻየደሉ ቢቢሲ ሓቢሩ። ከም ልሙድ እቲ ኣቑሑ ዝዕቀበሉ ክፍሊ ናይታ ነፋሪት ኣዝዩ ቆራሪ ኳ እንተኾነ፣ እቲ ካብ ኣዲስ

READ MORE

እቶም ኣብዚ ቐረባ መዓልታት 55 ዝዕድሚኣ ሽወደናዊት ኣደን ወዲ 28 ወዳን ብምቕታል ተጠርጢሮም ተታሒዞም ዘለዉ ክልተ ኤርትራውያን፣ ዋላ ገበነኛታት ኮይኖም እንተተረኺቦም፣ ብምኽንያት ‘ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ናይቲ ስርዓት ናብ ኤርትራ ከምዘይስጎጉ መንግስቲ ሽወደን ከምዘፍለጠ፣ breitbart.com ብሬትባርት ዝተባህለ መርበብ ዜና ሓቢሩ። እቲ መርበብ ሓበሬታ፣ ወሃቢ

READ MORE

ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዝርከቡ ናይ ስነጥበብ ዝንባለ ዘለዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣  ነቲ ኣብ ኤርትራ ሓዲጎሞ ዝመጽኡ ዘይጽወር ክዉንነትን ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥሞም ዘሎ መከራን ብስእሊ ከምዘንጸባረቑዎ ሓደ ኣብ ምሕጋዝ ስደተኛታት ዝነጥፍ Jesuit Refugee Service ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ሓቢሩ። እቲ ማሕበር በቲ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት

READ MORE

ኣማኑኤል ሳህለ ሓምላይ ወይ ቀጠልያ መነጽር (ኮክያለ) ገይሩ ዚዛወር ሰብ: ኩሉ ሰብን ከባቢኡን ቀጠልያ ኾይኑ እዩ ዚረኣዮ። ቀዪሕ መነጽር ዚገብር ሰብውን ከምኡ: ኩሉ ቀዪሕ ኮይኑ ይረኣዮ። ብሓጺሩ እቲ ሕብራዊ መነጽር ዚገብር ሰብ: ሓደ ዓይነት ሕብሪ ጥራይ እዩ ክርእይ ዚኽእል: ስለዚ ነቲ ኣብ ዕምባባታት መሮርን ኣብ ዕራርቦ

READ MORE

ዕንደራን ዳንኬራን ስርዓት ህግደፍ ኣብ መላእ ዓለም በቶም ሕልና ኣልቦ ሰዓብቱ፣ ሓዘንን ሓጎስን ዝተሓዋወሶም፣ ንሕማቕ ጽቡቕ፣ ንሓዘን ሓጎስ፣ ንጥሜት ጽጋብ፣ ንጽምኢ ርውየት፣ ንዕንወት ዕብየት፣ ንጥፍኣት ልምዓት፣ ንሞት ሂወት ፣ እናበሉ ብዘይ ሕፍረት ብሓሶት ክምስክሩ ዝፍትኑ፣ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ዘይውክሉ ሰብኣውነቶም ዝሸጡ መጋበርያ ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ ፈቐድኡ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ከጋውሑ

READ MORE

ካብ ዓዲ ጥልያን ናብ ሜዳ ብምውራድ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተመዲባ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝናበየትን ዝኾስኮሰትን፣ ናብ ቃልሲ ዘሰለፈትን ክብርቲ ሓርበኛ ተጋዳሊት ኣዴና ዛይድ ርእሶም ብዝሓደራ ሕማም ኣብ መበል 77 ዓመት ዕድሚኣ ብምዕራፋ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፣ መንግስተ ሰማያት ይቀበልኪ ንብል። ንቤተሰባን ኩሎም ‘ቶም ሓልዮታ ረኺቦም

READ MORE

ካብ ሊብያ ዝተበገሱ ኣስታት 700 ሰባት ዘሳፈረት ጃልባ ሎሚ 5 ነሓሰ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ከምዘጋጠማ ሓይሊ ባሕሪ ኣየርላንድ ሓቢሩ:: ኣብ’ታ 25 ኪሎሜተር ካብ ገማግማ ባሕሪ ሊብያ ሓደጋ ዘጋጠማ ጃልባ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ሓካይም ብዘይ ዶብ ገሊጹ:: ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኣብ

READ MORE