ኣብ ኤርትራ እንርከብ ስድራ ቤት ግዳያት ላንፔዱዛ ኣብ መሬት ዓደቦኦም ንቡር ሓመድ ድበ ዘይተደበዩ ደቅና፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብደረጃ ሃገር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክግበረሎም፡ ጽንዓት ይሃብኩም፡ ሕሰም ኣይትርከቡ ዝብል ባህሊ ክንፍጽም ተሰማሚዕና፡፡ [gview file="http://demo.assenna.com/wp-content/uploads/2013/11/Qebri_asmera.pdf"]

READ MORE

ብጃምላዊ ሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ቅድሚ ዓለም ብተደጋጋሚ ዝተዋረደ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብቲ ካብ 27 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ኬንያ ዝካየድ ናይ ሰካፋ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስታፍ፣ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ተጻወቲ ኣኻኺቡ ጋንታ ከቕውም ሃታ ሃታ ይብል ከምዘሎ ተፈሊጡ። እቲ

READ MORE

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሰሙን፣ ብዙሓት ተመሃሮ ናይ’ቲ “ብዋርሳይ ይከኣሎ” ዝፍለጥ ካልኣይ ደረጃ መደበር ታዕሊም ሳዋ፣ ካብቲ ቦታ ኣምሊጦም ናብ ዝተፈላለየ ኩርንዓት ከምዝተበተኑ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ገለ ካብዚኣቶም ናብ ዓዶምን ዝነብሩለን ከተማታትን ክኣትዉ ኣብ ጉዕዞ እናሃለዉ ብስርዓት ህግደፍ ተታሒዞም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጕኖም ከምዘለዉ ‘ውን ተፈሊጡ። ካብቲ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ፣ ንመርመራ መነጸሪ መንነት(DNA) ናይቶም ኣብ ገምገም  ባሕሪ ላምፐዱሳ ብዘሰቅቕ ኩነታት ዝሞቱ 360 ኤርትራውያን ካብ ነፍስወከፍ መቕርብ 150 ኤውሮ ክሽምጥጥ ዝኣለሞ ኣስሓኮ ኣልቦ ውዲት ፈሺሉ። ጉጅለ ህግደፍ ትርጁማን ኣምሲሉ ዝለኣኾም ሃሱሳት፣ ንኩነታት ናይቶም ብሓዘን ተኾምቲሮም መቕርቦም ንምልላይ ላዕልን ታሕትን ዝብሉ ዝነበሩ ኤርትራውያን  መዝሚዞም፡ መንነት

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ጀሚሩ ኣብ ኣስመራ ሰዓት እቶ እቶ ከምዘተኣታተወ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እቲ ሰዓት እቶ እቶ ካብ ሰዓት 8፣00 ናይ ምሸት ንደሓር እዩ ዝጸንዕ ዘሎ። ስርዓት ኢሳይያስ፣ እቲ ኣብ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ጃምላዊ መቕዘፍቲ ኤርትራውያን ዝፈጠሮ ረዚን ሓዘንን ድጉል ነድርን ከይግንፍል

READ MORE

ኣብ ነርወይ፣ ኣብ ከተማ ስታቫንገርን ከባቢኣን ዝርከቡ መንእሰያት፡ ሃገርና ካብዚ ብስርዓት ህግደፍ ወሪድዋ ዘሎ ከቢድ መዓት ሓራ ንምግባርር ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ፡ ካብኦም ዝጥለብ ዘበለ ኩሉ ክገብሩ ድሉዋት ምህላዎም ከምዘረጋገጹ ብክፍሊ ዜናን ሓበሬታን ንደሞክራስያዊ ለዉጢ ስታቫንገር ናብ ኣሰና ዝለኣኾ ዜና የገንዘብ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ንሳቶም  ኣብቲ ብሰንበት

READ MORE

እቲ ውሩይን ፍሉጥን ዓርኪ ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን  ኢንግሊዛዊ  ፕሮፌሰር ሊዮነል ክሊፍ  ብዝሓደሮ ሕማም ብረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2013  ዓሪፉ። ፕሮፌሰር ሊዮን ክሊፍ ኣብ 1984 ንሜዳ ብምእታው ምስ ሰውራን ህዝብን ኤርትራ ተላልዩ ንመሰል ርእሰ ውሳኔ ኤርትራ ብምድጋፍ ፍትሓውነት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓለም ተፈላጥነት ንምርካብን ማሕበር ረዲኤት

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዝሕብሕቦም ዘሎ ዕጡቓት ትግራዎት ተቓውምቲ (ደምሒት) ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኣስመራ ብምውፋር ግፋ ከምዘካየደ ክበጽሓና ንዝቐነየ ቀጻሊ ሓበሬታታት እሙናት ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ እቶም ብ26 ጥቅምቲ ብስርዓት ኢሳይያስ ዝተዋፈሩ ዕሱባት (Mercenaries) ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ ከባቢ ወክማ፣ ጎደና ሓርነት (ኮምብሽታቶ)

READ MORE

ኣወሃሃዲ ሽማግለ ደለይቲ ለውጢ ኖርወይ ብዕለት 19 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ኦስሎ መስራቲ ጉባኤኡ ኣካዪዱ። ተጋባእቲ ጸብጻብ ናይ ግዝያዊ ኣወሃሃዲ ኮሚቴ ድሕሪ ምስማዕ ጉባኤ እትመርሕ ሰክረታርያ መሪጾም። ንኣቃውማን ውሽጣዊ ሕግታትን ዝምልከት ዓንቀጻት ብዕቱብ ተኻቲዖም ድሕሪ ምጽዳቕ ድማ ክልተ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦ 14 ዝኣባላቱ ካብ ውድባትን ማሕበራትን ዝተወከሉ

READ MORE

ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ወይ ኮንፈደረሽን ከምእትሓብር ምግባር ፕረዝደንት ኢሰያስ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ከም ቀዳማይ ኣጀንድኡ ብምሓዝ ክሰርሓሉ ከምዝጸንሐን ሕጂ`ዉን ይሰርሓሉ ከምዘሎን ኣብርሃም ያየህ ዝተባህለ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ'ቲ ብግንቦት 7 ዝፍለጥ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ ዉድብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንዉድቡ ብምዉካል ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ

READ MORE

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ፣ ኣብ ኣሜሪካ ንዘለዋ ብፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ዝመርሓ ቤተ ክርስቲያን ንኸፍርሱ፣ ዮፍታሄ ድሜጥሮስ ዝመርሖም ልኡኻት ናብ ኣመሪካ ኣበጊሱ ኣሎ። ዮፍታሄ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኤርትራ፣ ነቶም ኣብ ደሴት ላምፓዱዛ ዝሃለቑ ንጹሃት ዜጋታት ጸሎት ፍትሓት ከይግበር ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ። የማነ ገብረኣብ፣ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ፣ ብግልጺ

READ MORE

ግዳያት ሓደጋ ላፐዱዛ ንምዝካርን፣ ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ሽግር ዝኾነ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምዅናንን ካብ ዕዲ ጥልያን፣ ስዊዘርላንድ፣ ዓዲ እንግሊዝ፣ ጀርመን፣ ሽወደን፣ ነርወይ፣ ኔዘርላንድስን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳን ናብ ሮማ ብነፈትን መካይንን ዝገሹ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ግዱሳት ኤርትራውያንን ኢጣልያውያን ኣኽሩኽ ኤርትራ ዝተሳተፉዎ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ

READ MORE

ኣብ ለንደን ዝርከቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ነበር፣ ብረቡዕ 23 ጥቅምቲ 2013፡ ብምኽንያት ህልቂት ላምፐዱዛን ናብኡ ዘብጸሐ ምልካውን አዕናውን ኣካይዳ ስርዓት ኢሳይያስን፡ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ፡ ተሓታቲ ናይቲ ጥፍኣት ስርዓት ኢሳይያስን ጉጅልኡን ሙዃኖም ብምርግጋጽ ነቲ ስርዓት ኣጥቢቖም ኮኒኖሞ። እዞም ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ኣብቲ ህዝባዊ ግንባር ዝመርሖ ዝነበረ ሃገራዊ

READ MORE

ሲቪካዊ ባህላዊ ማእከል ማሕበረኮም ኤርትራውያን ተባሂሉ ዝፍለጥ ብህግደፍ ዝዝወር ኣብ ኦክላንድ ዝርከብ ማሕበር፣ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ከላህዩዎም ዓዲሞሞም ዝነበሩ ከዋኽብቲ፣ ኣርቲስት ዮሃንስ ትኳቦ (ወዲ ትኳቦ) ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣመሪካ ድሕሪ ምርሕርሑ፣ ነቲ ን26 ጥቅምቲ ከካይዶ መዲቡዎ ዝነበረ መደብ ሳዕስዒትን ዳንኬራን ከምዝሰረዞ በወግዒ  ኣፍሊጡ። እቲ ማሕበር ንምስራዝ

READ MORE

ብሰናይ ምምሕዳር ንዝተዓወቱ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝወሃብ ሽልማት ሞ ኢብራሂም ብቑዕ መራሒ ኣይረኸበን፡ ኤርትራ ዝኸፍአ ምሕደራ ከምዘለዋ ተገሊጹ። ==================================== ብእንግሊዛዊ-ሱዳናዊ ዶክተር ሞ ኢብራሂም ብሰናይ ምሕደራ ንዝተዓወቱ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝወሃብ ሽልማት ብቑዕ መራሒ ስለዘይረኸበ ንኻልኣይ ዓመት ከይተዋህበ ሰጊሩ። እዚ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ሃገራቶም ኣብ ቁጠባ፡ፖለቲካ፡ማሕበራውን ዘመዝግብዎ ዓወታትን ንደቀንስትዮን መንእሰያትን ንምምዕባል ዝገብርዎ

READ MORE

ብስርዓት ህግደፍ ናብ ወጻኢ ተላኢኹ ኣብ ኣመሪካ ዑደት ክገብር ዝቐነየ ህቡብ ኤርትራዊ ደራፋይ ዮውሃንስ ትኳቦ ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ነቲ ምልካዊ ስርዓት ራሕሪሑዎ ከምዘሎ ኣብ ካብ ኣመሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ወዲ ትኳቦ ሓደ ካብቶም ድሕሪ ናጽነት ዝፈረዮ ህቡባት መንእሰያት ስነጥበባውያን እዩ። እዚ ስነጥበባዊ ዮሃንስ ትኳቦ ኣብዚ መላእ ህዝብና

READ MORE

ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ ዝተረኽበ ኣስክሕካሒ ጥፍኣት ዜጋታትና፡ ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ደሴታት ኢታሊያ (ኣብ ላምፓዱሳ ዝተባህለት ደሴት) ኣዚዩ ንዓለም ዘሰምበደን ኣቓልቦ ዝሃበን ንመራኸቢ ብዙሃን መዛረቢ ኩይኑ ዘሎን ንማሕበረሰብ ዓለም ግቡኤን ከልዕላን ንምዝኽኻር ዝዓለመ ኮይኑ ብኣዚዩ ስጥመትን ጥርናፈን ዘለዎ ኣጋባብ ተኻይዱ። [gview file="http://demo.assenna.com/wp-content/uploads/2013/10/Ottawa_CandileVigil.pdf"]

READ MORE

ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብጃምላዊ ህልቂት ልዕሊ 350 ዜጋታቱ ብኸቢድ ሓዘን ተሓሚሱ ኸሎ፣ ምልካዊ ስርዓት ጉጅለ ኢሳይያስ ብሰኑይ 14 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ሰፊሕ ግፋ ከምዘካየደ ምንጭታት ካብታ ከተማ ሓቢሮም፡፡ እዚ ዕድመን ጾታን ከይፈለየ ንተቐማጦ ከተማ ኣስመራ ዘበሳበሰ እከይ ተግባር፣ ካብቲ ብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሚእትን

READ MORE

መንግስቲ ጥልያን “ህዝባዊ ስነስርዓት ቀብሪ” ግዳያት ላምፐዱዛ ንጽባሕ ሰኑይ 21 ጥቅምቲ፣ ሰዓት 4፣00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣግሪጀንቶ (ሲሲልያ) Agrigento (Sicily) ክግበር ወሲኑ ከምዘሎ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ዓዲ ጥልያን ሓቢሮም። እቲ ግዜ ሓጺር ‘ኳ እንተኾነ፣ ብዝተኻእለ መጠን ኩሉ ኤርትራዊ ኣብቲ ስነስርዓት ቀብሪ ተረኺቡ ነቶም ንጹሃት ኤርትራውያን ክንዲ’ቶም

READ MORE

 ኤርትራውያን ተቐማጦ ሃገረ እስራኤል ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ግዳያት ናይ ባሕሪ ላምፐዱዛ ኢጣልያ ኣኻይዶም። እዚ ብኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብሓባር ዝተዳለወ ብዕለት12/10/2013 ዝተኻየደ ክሳብ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ዝኸውን ህዝቢ ዝተሳተፎ ዝኽሪ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ብዝተፈላለየ መደባት ተዘኪሩ።  ኣብ'ቲ ዕለተ ዝኽሪ፣ ü  መራሕቲ ሃይማኖት መንፈሳዊ ጸሎትን ቃላትን ሂቦም፣ ü  ናይ ሓባር መግለጺ ደለይቲ ፍትሒ

READ MORE

ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ዓዲ ጥልያን  ብጃልባ ዝጓዓዙ ዝነበሩ ዛጊት ዜግነቶም ዘይተረጋገጸ ልዕሊ ኣስታት 250 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ 120 ኪሎሜተር ካብ ላምፐዱዛ  ብዘጋጠሞም ሓደጋ ባሕሪ ተሳፊሮምላ ዝነበሩ ጃልባ ስለዝጠሓለት  ብውሑዱ 27 ሞይቶም ከምዘለዉ  ቀዳማይ ሚኒስተር ማልታ ከምዘረጋገጸ ቢቢሲ ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ቀዳማይ ሚኒስተር ማልታ፣ ዛጊት

READ MORE

ህግደፍ አብ ጉዳይ ህልቂት ኤርትራውያን መንግስቲ ኤርትራ ከይፈተወ ካብቲ አቲዎ ዘሎ መዋጥር ንምውጻእ ካብቲ እንሰሳዊ ባህርያቱ ንኸልግስ ተገዲዱ። እቲ አብዚ ለንቅነ ብዕለት 03.10.13 አብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ አሰቃቒ ፍጻመ ህልቂት ኤርትራውያን አመልኪቱ ሎሚ ዕለት 09.10.13 መግለጺ አውጺኡ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያታት ብዙሕ ኢዩ። እቲ ፍጻመ ድሕሪ ምግጣሙ ድሕሪ 6 መዓልቲ ንኽእመን እንታይ ሒዝዎ

READ MORE

ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፓዱሳ ዘጋጠመ፣ ንኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ እንተላይ ንዓለም ኣስካሕኪሑ ዘሎ ጃምላዊ ህልቂት ልዕሊ300 ኤርትራውያን፣ ሞት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኢሉ ብምንእኣስ፣ እንተተመሰለሉ ንሰሙን መመላእታ ሓቢኡዎ ዝጸንሐ ጥስጡስ ስርዓት ኢሳይያስ፣ በቲ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንብዐ መሪር ሓዘንን ዘየቋርጽ ዋጭዋጭታ ዓለምን ተደሪኹ ከይፈተወ ተኣሚኑሉ። እቲ ቀንዲ

READ MORE

እቲ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ማይ ዓይኒ ዝጀመረ ናዕቢ ስደተኛታት ትማሊ ኣብ ዓዲ ሓርሽ ተኸሲቱ ድሕሪ ምውዓሉ፣ ሎሚ ውን እንደገና ኣብ ማይ ዓይኒ ከምዝቐጸለን ቶኽሲ ‘ውን ከምዝተሰምዐ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ኣብቲ ትማሊ ኣብ ዓዲ ሓርሽ ዝወዓለ ናዕቢ፣ ዛጊት ፈሊጥናዮ ከምዘለና

READ MORE

ህጹጽ ጻውዒት ብስም ኤርትራውያን ግዳያት መቕዘፍቲ ባሕሪ ላምፐዱዛ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም እንርከብ ኤርትራውያን በዚ ኣብ ባሕሪ ላምፐዱዛ ወሪዱና ዘሎ መሪር ሃገራዊ ሓዘን ህልቂት ኣማኢት ዜጋታትና፣ ከም ሃገራውያን ኤርትራውያን፣ ተቓወምትን ደገፍትን ተባሃሂልና ከይተፈላለና፣ ያታናን ልምድናን ብዝፈቕዶ መሰረት፣ ሬሳታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ከም ንቡር ሓመድ

READ MORE

ኣብ ገምገም ባሕሪ ላምፐዱዛ፣ ብ3 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጋጠመ መቕዘፍቲ፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘስዓቦ ሓዘንን ሕርቃንን ናብ ናዕቢ ድሕሪ ምስግጋሩ ፖሊስ ቶኽሲ ብምኽፋቶም ናይ 4 ስደተኛታት መውጋእቲ ከምዘጋጠመ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እቲ ትማሊ 6 ጥቅምቲ ማይ ዓይኒ ኣብ ዝተባህለ መዓስከር

READ MORE

CNN ኣብ ጽባሕ ሓደጋ ጃልባ ስደተኛታት፣ መንግስቲ ጥልያን ሎሚ ዓርቢ 4 ጥቅምቲ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ኮይና ክትውዕል ኣዊጁ። ገለ ካብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ከም ንወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሩዎ፣ ሞተረ ናይታ ጃልባ ሃንደበት ምስራሕ ምስ ኣቍረጸ፣ እቶም ስደተኛታት ኣቓልቦ ክረኽቡ ኳ እንተተስፈዉ፣ ብከባቢኦም ዝሓልፉ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ኣይሓግዙዎምን።

READ MORE

ኣስታት 500 ስደተኛታት ሒዛ ናብ ከባቢ ላምፓዱዛ ትኣት ዝነበረት ጃልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ዛጊት ብውሑዱ 70 ስደተኛታት ሞይቶም ከምዘለዉ፣ ኣቲ ናይ ምድሓን መስርሕ ኣብዚ ኣዋን’ዚ ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ዓዲ ጥልያን ሓቢሮም። ቁጽሪ ምዉታት ክውስኽ ከምዝኽእል ይሕበር። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እታ ጃልባ ኣብ ገምገም መሬት ክትበጽሕ ሓደ ኪሎሜተር

READ MORE

ጉዳይ ጸባ አብ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ህግደፍ ንረብሓ ጉጅልኡ ንኽውዕል ካብ 1991 ጀሚሩ ናይ መቆጻጸሪ ሜላታት ጊሩ ክቆጻጸሮ ዝጸንሓ ናይ አታዊ ምንጩ ኢዩ። እዚ ንዓመታት ክጥቀመሉን ክፍሕሶ ድጸንሓ ከይጽዓርካ ጸማ ሰባት ምግፋጥ ስንኩል ሜላ ንጸባ ዳርጋ ካብ ምድሪ ኤርትራ ነበረ ያ ነበረ ንክኸውን ቀሪቡ አሎ። ህግደፍ ቀረብ

READ MORE

እቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዘጽንዖ ኣህጉራዊ እገዳ ሸመታ ኣጽዋር ጥሒሱ ከይከውን ተጠርጢሩ ብሓይልታት ጸጥታ ኖርወይ ዝምርመር ዘሎ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎ ዜጋ ኖርወይ፣ ተኸስተ ተስፋሚካኤል ዝተባህለ እሙን ተለኣኣኺ ወልዱ ባርያ ምዃኑ፣ ምስ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ‘ውን ቀጥታዊ ርክብ ዘለዎ መጋበርያ ከምዝኾነ

READ MORE

እቲ ብሃገራዊ ኣወሃሃዲት ሽማግለ በዓላት ህግደፍ፡ ብ21 መስከረም ኣብ ተርነር ሰንተር ሎስ ኣንጀለስ ዝተዳለወ ለይታዊ ትልሂት ፈሺሉ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ጨንፈር  ለስ ኣንጀለስ፡  ምስ ካለኦት ደልይቲ ፍትሒ ተሓጋጊዞም ብዘካየድዎ ጻዕሪ እዩ። [gview file="http://demo.assenna.com/wp-content/uploads/2013/09/LA-Event.pdf"]

READ MORE

ዜና ካብ ከተማ ጎተንቦርግ ሽወደን ትማሊ ሰኑይ ዕለት 23 መስከረም 2013 ዓ.ም  ን12 ዓመታት ብዘይ ፍርዲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዝሳቐ ዘሎ ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢስቕን ካልኦትን ብዝምልከት  ኣምንስቲ ኢንተርናሽናልን፡ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ዝተባህለ ማሕበር ጋዜጠኛታትን፡ ደለይቲ ፍትሒ ዝኾኑ ኤርትራውያንን፡ ዘዋደድዎ  ንፍትሕን ሰላም ዝጽዉዕን፡

READ MORE

ኤሪ ቲቢ፣ ሎሚ18 መስከረም ኣብ ኤርትራ ንዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣመልኪታ ኣብ ዝዘርግሓቶ ዜና፣ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ሃገራት ቱርኪ ቺለ ኣርጀንቲና ኣልባንያ ኢንዶኔዥያ

READ MORE

ሎሚ 18 መስከረም፣ ብናይ ኤርትራ ኣቋጻጽራ ሰዓት 12:53 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኤርትራ ብርቱዕ ምንቅጥቃ መሬት ከምዘጋጠመ meteoweb.eu ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ሓቢሩ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ መጠን ናይቲ ምንቅጥቃጥ መሬት 5.0 ሬክተር ክኸውን ከሎ ስሜናዊ ምብራቕ ካብ ኣስመራ 70 ኪሎሜተር ካብ ባጽዕ ከኣ 18 ኪሎሜተር ርሒቑ እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ምንቅጥቃጥ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ን “ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተማሃሮን ኤርትራ” (ሃማመተኤ) ንረብሓ ብሕትውና ስልጣኑ ኣጸቢቑ ንምቍጽጻሩ ብዝጥዕም መንገዲ ብኻልእ መልክዕ ከምብሓዱሽ ንምውዳቡ ከምዘፍረሶ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። በቲ ሓበሬታ መሰረት፣ መራሒ ስርዓት ህግደፍ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ነቲ ነዚ ዕላማ’ዚ ንምትግባር ብህግደፍ ዝተሓረዩ ሓደስቲ ኣገልገልቲ መንእሰያት ብምዕዳም ሎሚ

READ MORE

እቲ ብአማሓዳሪ ከተማ ከረን፣ ተክኤ ትማሊ ቀዳም ዕለት 14.09.13 ካብ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ጀመሩ ዝተኻየደ ኣኺባ ቀንዲ ዕላምኡ ብዛዕባ ምኽፋል ግብርን ምቁጽጽር ኮንትሮባንዳ ዝብል ኢዩ ኒሩ። ድሕሪ አማሓዳሪ ከተማ ከረን ሓላፊ ፖሊስ ከተማ ከረን መደረ ምስ ገበረ ርእይቶ ካብ ህዝቢ ንምቕባል መድርኽ ንተሳተፍቲ እቲ አኺባ ክፉት ኮይኑ። ተሳተፍቲ

READ MORE