Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

 

ተኽለኣብ ሃይለ ዝተባህለ ኣብ ማያት ማልታ ካልእ ሰብ ከድሕን ኣብ ባሕሪ ብድንገት ዝዓረፈ ወዲ 32 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ብዘርኣዮ ንኻልኦት ናይ ምሕጋዝ መንፈስ ብጅግንነት ከምዝተናኣደ ምልታ ታይምስ ገሊጹ።


 

ኣቶ ምስግና ገብረትንሳኤ ዝተባህለ ኣቦ 5 ቆልዑ፡ ኤርትራዊ ኣማኒ ጅሆባ፡ ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቱ፡ ንሰለስተ ዓመታት መመላእታ ኣብቲ ዊዓ ዝብሃል ግኑን ቤትማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ንሰለስተ ዓመት ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰንኪ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ብ19 ሓምለ 2011 ከምዝዓረፈ ምንጭታት ሓቢሮም።

 

ኣብ ስቴት ዲፓርትመንት ኣመሪካ ተሓጋጋዚ ሰክረታሪ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሚስተር ጆኒ ካርሰን፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተጋሂዱ ዘሎ ሕሱም ደርቂ ኣልዒሉ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ጻዕሪ ንምግላጽ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡መንግስቲኤርትራ’ ንኩነታት መግቢ ብዝምልከት ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሓበሬታ ክህብ ኣጥቢቑ ኣተሓሳሲቡ።

 

ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን እቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ጸኒዑ ዝጸንሐ ኣህጉራዊ እገዳ ክኸርር ምእንቲ ዲፕሎማስያዊ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ምስ ድምጺ ኣሰና ቃለመጠየቕ ዘካየደ ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ኪዳን ኣቶ በሽር ይስሓቕ ገሊጹ።


ሓላፊ ክፍሊ ሕክምናን ወኪል ሚኒስትሪ ጥዕናን ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዶክተር ዮሴፍ ግርማይ ዝርከቦም 15 ሓካይም ፡ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ብጥርኑፍ ኣብዚ ሳልስቲ ሱዳን ብምእታው ዑቕባ ከምዝሓተቱ ምንጭታት ኣሰና ካብ ሱዳን ሓቢሮም።


ዋና ኣሰናዳእን ዌብማስተርን ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ህግደፍ Shabait.com ዝነበረ ብዓልፋን ተስፋይ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

‘ዘ ጋርድያን፡ ቢቢሲ፡ ሮይተርስ፡ ዝርከቡዎም ዓበይቲ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና፡ እቶም ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፎም ናብታ ብዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ትምራሕ ዘላ ኤርትራ ምእንቲ ከይምለሱ ኣብ ታንዛንያ ብምሽራብ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ዝሓተቱ 13 ኣባላት ኩዕሶ እግሪ ክለብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝወሰዱዎ ኣቓልቦ ሂቦሞ ቐንዮም።

Breaking Redsea Assennaኣብቲ ኣብ ኣብ ታንዛንዝያ ክካየድ ዝቐነየ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ Cecafa ክትሳተፍ ዝጸንሐት ጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ብዘይካ ሽዱሽተ ኣባላታ ብምሉኣ ማለት 13 ተጻወታ ኣብ ታንዛንያ ዑቕባ ከምዝሓቱ ምምንጭታት ካብቲ ቦታ ንኣሰና ሓቢሮም።

Eriteran Studentsመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ዓሚ ዝጀመሮ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ናይ ምስታፍ ተበግሶ ብዝለዓለ ንምቕጻል፡ ንዝመጽእ ዓመተ-ትምህርቲ ‘ውን 751 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክወስዱ ዕድል ከፊቱሎምስ ድሮ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

Igadኢጋድ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ማሕዝነት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን፡ ንጽላት ዕደና ናይታ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ክዓልዉ ንዝንቀሳቐሱ ሶማላውያን ተቓወምቲ እትድግፍ ኤርትራ እገዳ ክገበረላ ሎሚ ሰኑይ 4 ሓምለ ከምዝጸውዑ ሮይተርስ ኣፍሊጡ።

igadመበል 39 ኣኼባኡ፡ ኣብቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጋብኣሉ ኤኳተርያል ጊኒ  ዘካየደ  ዞባዊ ውድብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ጥሩፋት ባእታታት ብምድጋፍ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ምህዋኽ ብንጥፈት ይዋሳእ ኣሎ ዝበሎ ስርዓት ህግደፍ ተወሳኺ ቁጠባዊ  እገዳታት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ስራሓት ዕደናን ኣብ ደገ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝገብሩዎ ገንዘባዊ ደገፍን ክብይን ጸዊዑ።

statedepartመንግስቲ ኣመሪካ ሰብኣዊ ምስግጋር ( human trafficking ) ኣብ ምቁጽጻር ፍሽለት ኣርእየን ብምባል ናይ ዝፈጠሮ ጸሊም መዝገብ (ብላክ ሊስት) ዝርዝር ኣስማት ሃገራት ከምዘስፍሖ ተፈሊጡ።

Airlinesውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኣህጉራዊ ኩባናያታት ጸቕጢ ብምግባር ኣገልግሎት መንገዲ ኣየር ካብ ምምስራት ከም ዝዓንቀጸቶ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣማሪሩ።

AsmaraKerenስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ሳዋ ‘ኮብሊልኩም’ ብዝብል ምኽንያት ኣብዚ ሰሙን’ዚ ካብ ኣስመራ ዝለቐሞም ካብ 21 ክሳብ 25 ዝዕድሚኦም 25 ዕሸላት መንእሰያት ከም ገላዩ በብጽምዲ ብሰንሰለት ኣሲሩ ብመኪና ናብ ማሕዩር ናብ ከረን ገጹ ከግዕዞም ከሎ፡ እታ ዝጓዓዙላ ዝነበሩ ናይ ጽዕነት መኪና

encdcልኡኻት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃኮደለ) ምስ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤI) ሰሉስ ሰነ 14, 2011 ኣብ ከተማ ለንደን ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ምርኻቦም ሕጂ ነናብ ቦትኦም ብሰላም ተመሊሶም ኣለዉ።

dcmeetingኣባላት ኣህጉራዊ ምሕዝነት ኤርትራውያን (EGS)፡ ዓለምለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራን (EYGM)፡ ኣሰና ፋውንደሽንን፡ ምስ ኣባላት ጉዳያት ወጻኢ ምምሕዳር መንግስቲ ኣመሪካን: ምስ ዝተፋላለዩ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣመሪካን (ኮንግረስ) ተራኺቦም ተዘራሪቦም።

Ethiopian Courtላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት እንተላይ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ቦምብታት ከጻውዱ ውዲት ንዝኣለሙ 14 ልኡኻት ካብ 9 ዓመት ክሳብ ንሕልፈት ዝዝርጋሕ ፍርዲ ማእሰርቲ ክምዝበየነሎም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ሓቢሩ።

ኣህጉራዊ ምሕዝነት ኤርትራegsውያን (Eritrean Global Solidarity) ብ28 ግንቦት 2011 ንሰብኣዊ መሰላትን ቅልውላው ስደተኛታትን ዝድህስስ ሓያለ ምሁራትን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት ዝነጥፉ ወከልቲ ኣህጉራውያን ማሕበራትን ዝተሳተፉዎ ካልኣይ ሰፊሕ ሲምፖስዩም ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ኣካይዱ።

usaDemoኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ዋሽንግተን ዲሲን ሳንፍራንሲስኮን ከምኡ ውን ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ብራስለስ፡ ንመበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ምኽንያት እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣርዑት መግዛኣቲ ጽዒኑዎ ዘሎ  ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብኢደ ወነኑ ተቖጻጺሩዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ስልጣን ለቂቑ ከወርድ ዝጠልብ ብኣወዳድባኡን ተሳተፍነቱን ዝተፈልየ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ።

gerahtuዓባይ ብሪጣንያ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ብሓይሊ ባሕሪ ናይቲ ስርዓት ዝተታሕዙ ኣርባዕተ ሸፋቱ ባሕሪ ናይ ምክልካል ዕማም ዝነበሮም  ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ዘለዉ ዜጋታታ ደሃዮም ክትፈልጥ ብዘይፍቃዱ ኣብ ልዕሊ ዲፕሎማሰኛታቱ ናይ ምንቅስቓስ ቀይድታት ከምዝገበረት ሮይተርስ ሓቢሩ።

stockholmእዚ ኣብ ኣዳራሽ ቤት መግቢ ኦሜጋ ስቶክሆልም ብጽላል ሲቪካዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ዉልቀ ዜጋታትን ኣብ ሽወደን ተዳልዩ ዝተኻየደ ባዓል መዓልቲ ነጻነት፡ ንኽልተ ቀንዲ ህልዉ ኩነታት ኣተኩሩ እዩ ተባዒሉ፡-

wd-asenaኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ሃገራዊ ግቡኦም ብምፍጻም ናጽነት ኣብ ምርግጋጽ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ ነባራት ኤርትራውያን ተጋደልቲ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ተጋዳላይን ህዝብን ኤርትራ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ዝሰፈና ዲሞክራስያዊት ሃገር ንምህናጽ ዝነበሮም  መብጽዓ ብምጥላም ብዓመጽን ክቱር ስስዐ ስልጣንን ዝልለ ወልቀምልካዊ ስርዓት ክምዝተኸለ ገሊጾም።

Birminghamኣብ ዓባይ ቢሪጣንያ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ሎሚስ ይኣክል ክሳብ ምኣስ ስቅታን ምምዕዳውን ካብ ዝብል ሕቡን ሃገርዊ ወኒ ዝነቀለ ጉዕዞ ንሓዲሽ ሓርነት ተበግሶ ወሲዶም ኣለው። እዚ ኣብ ብዕለት 15 ግንቦት 2011 ብውዕውዕ ሞራልን ፈናንን ተሰንዩ ዝተካየደ  ኣኬባ ልዕል 50 ዝኮነ መንእሰያት ተሳቲፎም። ኣብቲ ዝተካየደ ኣኬባ መንእሰያት ተቀምጣ በርሚንግሃም  ነቲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን  ተበግሶ መንእሰያት ዓለም-ለካውዊ ምንቅስቃስ ምንእሰያት ኤርትራ ሞጊሱ።

norwayብዕለት 14 ግንቦት 2011 ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ ኖርወይ፡ ሓድሽን ነጻን ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ተመስሪቱ።
ኣብ ኖርወይ፡ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ክምስረት መጀመርያኡ ኣይኮነን። ናይ ሎሚ 25 ዓመት፡ በቶም ውሑዳት ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን ዝቕመጡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተመስሪቱ ኔሩ ኢዩ።

ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ኤርትራዉያን ማሕበረሰብ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ጸቕጡ ከዛይድ ዝጽውዕ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ሽወደን ዝመደበሮም ሲቪላዊ ማሕበራትን ፖለቲካዊ ሓይልታትን ግዱሳት ዜጋታትን ብዝቖመ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ሓባራዊ ጽላል ብዝተባህለ ማሕበር  ዕስራ ዓመት ዘቁጸረ መሬታዊ ነጻነት ኤርትራ ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ ዝጸነሐን

ብዕለት 08 ግንቦት 2011 ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ዕውት ክልትኣዊ ርክባት ኣብ ካርቱም ሱዳን ተኻይዱ።ብወገን ሱዳን ዝተረኽቡ፡ ካብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣምባሳደር መሓመድ ሓምድ፣ ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ሓላፊ ቐርኒ ኣፍሪቓን ሃገራት ኣዕራብን ወ/ሮ ሳልማ ሓሰን ሓላፊት ስድተኛትት ቐርኒ ኣፍሪቓን

ምብኽንያት መበል 20 በዓል ናጽነት ኤርትራ ሰልፊ ዲምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንቀዳም ዕለት 21 ግንቦት ንኹሉ ዜጋ ክፉት ዝኾነ በዓል ናጽነት ኣዳልዩ ከምዘሎ ብሓጎስ የበስር.

yemaneandypfdjኣብቲ ብመሪሕነት የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ኣብ ነርወይ ዝተኻየደ ኣኼባ YPFDJ ዝተሳተፉ ሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ከምኡ ‘ውን ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራን  ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ኢዶም ከምዝሃቡ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 400 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ

ኣብ ኤርትራ ኣድማ ከይጅመር ኣብ ሻቕሎት ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ፡ ሎሚ ንጉሆ ገዚፍ ቁጽሪ ዘለዎ ህዝቢ ሰገነይቲ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዳጎነ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ምምሕዳር ከተማ ሰገንይቲ ንቐንዲ ቀሺ ናይቲ ዓዲ ንሳዋ ኪኸይድ ናይ ሓንቲ መዓልቲ መጠንቐቕታ ድሕሪ ምሃቦም፡

Isrealኣብ እስራኤል ዝነብሩ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ መማህራን፡ ተጋደልቲ ነበርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝርከቡዎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብቐዳም 23 ሚያዝያ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም እሱር፡ ኣብ ስደት ከኣ ከም ጅሆ እናተታሕዘ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዋላ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ስቅያትን ግፍዕን ዘሕልፍ ዘሎ መንእሰይ ኤርትራ፡ መዓታቱ ኣብቂዑ፡ ከም ንቡር ጸዋሪ ስድራቤትን ሕብረተሰቡን ክኸውን መታን ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ተጸሪጉ ኣብ ኤርትራ ሓዱሽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ከምዘለዎ ብዘየወላውን ገሊጾም።

ካብቲ ናይ መንግስቲ መጠንቀቕታ ብምብጋስ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት  ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሱዳን ዘካይዶ ንጥፈታት እንዳ ወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ካብ ከሰላ ዝመጸና ሓበሬታ የረጋግጽ።

Lost Boat(ነዚ እንደገና ብተወሳኺ ሓበሬታ ዝተመሓየሸ ዜና ንምርኣይ ብሰማያዊ ሕብሪ ተጻሒፉ ዘሎ ሕጡበ-ጽሑፋት ተመልከቱ) ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ’ዚ ብዝምልከት ዘዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከነስዕበልኩም ምዃና ከምዝሓበርናኩም፡ ብፍላይ ንቑጽሪ ናይቶም ግዳያት ብዝምልከት ዝረኽብናዮ ዝያዳ ዝተጻረየ ሓድሽ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

milanኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ስለናጽነት ዝተወፈዩ ኣቦታትን ኣዴታትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ መንእሰያት ዝርከቡዎም ኣብ ሚላኖ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስደተኛታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ጻማ ቓልሱ ከምዘይረኸበ ምስ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።