Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃማደኤ ድስቲ ኵስኵስቲ ኢሰያስ   ጭፍራ ህግደፍ ጽብብ ክብሎ ከሎ፡ መሳርሒኡ ካብ ዘቘመን ማሕበራት ንሃማደኤ እዩ ዝዓበየ መደብ ዝህበን። ሃማደኤ ድማ ከም ድስቱ ኵስኵስቱ መጠን ብዕሙት ዓይነን፡ “እሺ ሕራይ” ዝቕበልኦ።   ኣብ ጀርመን ዝርከባ ኣባላት ሃማደኤ ን22 ሕዳር 2014፡ ኣብ ጐፒንገን (Göppingen) ሓንቲ ከተማ ናይ ጀርመን መበል 35 ዓመት

READ MORE

ሓጺር መግለጺ ውጽኢት ቀዳማይ ኣኼባ ምስ ፖሊቲካውን በርገሳውን ውድባት ኤርትራ ጥቅምቲ 23-25፡ 2014፥ ቪየና፡ ቨርጂንያ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ   ብእንግዶት ኤርትራውያን ንምጥጣዕ ሃገራዊ ዘተ (ኤምሃዘ) ኣብ ተቓውሞ ንዝርከባ ሃገራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራትን ንምሕባር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 23-25 ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ርዝነትን ምክብባርን ብዝዓሰሎ መንፈስ ተዛዚሙ። እዚ ነቲ ሓደገኛ

READ MORE

ተጋ/ የማነ ተ/ገርግሽ "ኣብ ዘይመዓልትኻ ኣይምወትን`ዩ" ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ተጋ/ የማነ፤ ከመዮ ዝበልካዮ ንሓደ መዓልቲ ዘዋግእ ብረት ተጸሚዱልካ፤ብለይትን ቀትርን፤ብሰብኡትን ኣንስትን ተሰሊኻ፤ብዘየድምጽ ብረት ኣልግብ ኣቢሎም ከቃብጹኻ`ሞ ንዘልኣለም ምስ ምስጢራትካ ተቀቢርካ ንኽተርፍ ዝተጻውደ ኮንቱ ዕጥቂ መኺኑስ፤ ሃንዳሲ ቅትለትካ ብተመሳሳሊ ናይ ይቀተል ብይን ቀዲሙካ ክቅተል ምርኣይ ወዲ ሰብ ኣብ ዘይማዓልቱ ከምዘይመውት ዘረጋግጽ

READ MORE

[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2014/11/REVISED-DIALOGUE-11-8-2014.pdf"] ን ብ ስ ራ ት! ምጅማር ምኣዲ  ዘተ! ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን - እቲ ንነዊሕ ግዜ ተቛሪጹ ዚጸንሐ ምኣዲ ዘተ - ወርሓዊ ኣኼባ ኪጅምር ምዃኑ ብትሕትና ከበስረኩም እፈቱ።ስለዚ፡ ተሳተፍቲ፡  ዘተ ንምህብታም  ክዝረበሉ  ይግባእ እትብሉዎ ጉዳያት ሓሲብኩሙሉ ክትመጹ ብትሕትና አተሓሳስብ። ዕለት፡-  ቀዳም፡ ሕዳር (November) 22፡ 2014 ቦታ፡-    ECC - 590 SHAWMUT

READ MORE

ስርዓት ህግደፍሲ ኣብቂዑ ነይሩ:: ተሪፉ ዘሎ ጉዳይ ተቓወምቲ ሓይልታት እዩ:: ብሚካኤል ኣጎስቲኖ  12/11/20 ጀርመን:: ስምረት ማለት ሓደ ምኻን ጥራይ ኣየስሞዕን:: ስምረት ማለት ዕርቂ እዩ:: ዕርቂ ናይ ሓባር ዕላማ ወይ ትጽቢት ንዘለዎም ማለት እዩ:: ብዙሓት ወገናት : ናይ ሓባር ትጽቢት ዘለዎም ክንሶም ኣብ ሜላ ምስ ዝፈላለዩ መኻልፍ ይፈጥሩ:: እዞም

READ MORE

ሓለፍቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ህግደፍ ምስጢራዊ ስራሓቶም ኣብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ቀስ ብቀስ ይጋለጽ ኣሎ፡። ድሕሪ ምእላይ እቶም ክልተ ካድራት ህግደፍ ዮፍታሄን ጸሓፊኡ ሃብቶም ርእሶምን፥ ንብረት ቤተ ክርስቲያን ዝተረከቡ ክልተ ጳጳሳት ኣባ ጴጥሮስን ኣባ ባስልዮስን፥ብስም ቤተ ክርስትያን ዘሎ፥ ሕሳብ ናብኣቶም ከመሓላልፉ ምስ ሓተቱ፥ ባንኪ ኤርትራ ዘይተጸበይዎ ድቡላ

READ MORE

ማሕጸን ኣደ ፍሥሓየ መብራህቱ ማሕጸን ኣደ - ዝጸገየት ዝፈረየት ዝወለደት ዝዘመደት ዘውሰበት ዝተዋሰበት ሓሪሳ ዝዓለለት ወሊዳ ዝሰዓመት ኣዕብያ ዝልኣኸት ብሂጋ ዝተኸልአት ሓዚና ዝበኸየት ብዙሕ ርእያ ብዙሕ ዝጸረት መን ይንገሮ ናትኪ ተረት? ኣደ ብዙሓት እኖይ ኤርትራ እታ ማሕጸንኪ ጕራምራ ኣወዳትኪ - “ነዋሕትን ሓጸርትን ከም መሽላ ቀያሕትን ጸለምትን ከምሽምብራ” ሐደ ደጋ ሐደ ቆላ ሐደ ዓሰብ ሐደ ቃሮራ ሐደ ባጽዕ ሐደ ኣሥመራ ሐደ ‘ቅርደት ሐደ መንደፈራ ሐደ ባረንቱ ሐደ ዙላ ሐደ

READ MORE

ብእስትራተጂ ዓዲ ዝቐረበ ጽሑፍ ኣብ ጉባኤ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን 24 ጥቅምቲ 2014     ኣቐድም ኣቢለ ንኹሉኹም ደላይ ፍትሒ፡  እንኳዕ ብሰላም ናኣብዚ ኣገዳስን፡ ህጹጽን፡ ዝኾነ ሃገራዊ ጻዋዒት ንኽንእከብ ብሰላም ኣኻኸበና። ኩነታት ህዝብናን፡ ሃገርና ወዲቓቶ ዘላ ቅልውላው፡ ንክንፈልጥ፡ መፍትሒ ንምድላይን ዝግበር ጻዋዒት፡ ዝምስገንን ታሪኻውን እዩ። ኣስዕብ ኣቢለ፡ ነዚ ጉባኤ ንኽግበር ዝሓለኑን፡ ዝሓሰቡን፡

READ MORE

ሕያዋይን ውፍዩን ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ-ቫካሮ) ብሞት ተፈልዩና፣ ግን ዕዳ  ኣሰኪሙና'ዩ ሓሊፉ! ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ  ሓሙስ 23/10/2014 ኣብ  ከተማ ኖርሳምፕቶን ኣብ ስራሕ ዊዒለ፡ ኣማስያይ ብባቡር ናብ ለንደን እናተመለስኩ፡ ብሞባይል፡ ሞት ወዲ ቫካሮ ኣርዲኦሙኒ። ነቲ ዝሰማዕኩዎ ነገር ክኣምኖ ኣይከኣልኩን። ክኣምኖ እውን ኣይደለኹን። ኣንታ ንሕና ኤሪትራውያን ዘይንፈልጦ መርገም ኣለና ዲዩ

READ MORE

ካርታ-ጕዕዞ ናብ ደምክራስያዊት ኤርትራ   ንህልዊ ኩነታት ሃገርና ብምትንታን ካብዚ ዘሎናዮ መዋጥር መዋጽኦ ክኸውን ዝኽእል መጽናዕታዊ ጽሑፍ ብሕሩይ ተድላ ባይሩ ኣብ ዋዕላ ዋሽንግተን ብዕለት 2014-10-20 ቀሪቡ ነበረ። ምሉእ ትሕዝቱኡ ድማ እንሆ ይቐርብ     መቐድም ካርታ-ጒዕዞ ናብ ደሞክራውያዊት ኤርትራ ዕላማ እዚ ካርታ-ጒዕዞ ንስርዓት ውልቃዊ ምልኪ ኤርትራ ዘውድቑ ኣገባባትን ኣብ ቅዋምን ብዝሐ ሰልፍታትን

READ MORE

ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂኸ ናበይ-?! ብሊቀ-ካህናት ተክለማርያም ምርካጽዮን እወ! እዛ ዓባይን ጥንታዊትን ቤተ-ክርስቲያን፥ ሕጂኸ ናበይ ኣቢላ’ያ ክትጐዝ ትደሊ ዘላ-? ዝብል ሕቶ ብምልዓል እቲ ጉዳይ ምርኣዩ ከድልየና እዩ። ከም-ዝፍለጥ እዛ ብቕድስናዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብተጽዕኖ ፖለቲካ ደኣ’ያ፥ ክትድፋእን ክትሰሓብን ዝጸንሐት እምበር፥ ባዕላ መደብ ሓንጺጻ ክትገብሮ ይግብኣዝነበረ

READ MORE

ካብ ክዉንነት ዝረሓቐ ምስክርነት ካህናት ኦርቶዶክስ ኣብተን ካልኦት ናይ ኣመንቲ ኣምላኽ ኣብያተ ጸሎታት ዝውቱር ይኹን ኣይኹን ርግጸኛ ኣይኮንኩን፣ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኣብያተ ክርስትያናት ግን ኣብ ግዜ ቅዳሴ፣ኣብታ ሰንበት መጸ ኣማኒ ብሃረርታ ዝጽበያ ጸሎተ ቅዳሴ እቲ  መሪሕ ካህን“ንመፍቀሪ እግዚኣብሔር መራሒ ሃገርና ጾሩን ጸላእቱን ቀልጢፍካኣህዳኣሉ” ዝብል ጸሎት የዘውትሩ። ዝኸበርኩም ኩልኹም

READ MORE

መግለጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኤርትራ፡ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ፣ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን እዚ፥ ስምረት ገዳማት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ዮፍታሄ ድሜጥሮስን ቀሺ ሃብቶም ርእሶምን ዝኣወጅዎ ውግዘት ምኽንያት ብምግባር ዝወጽአ ዘሎ መግለጺ ኣህጉረ ስብከታት ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕ እዩ። ቅዱስ እንጦንዮስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ፥ ብ13 ጥሪ. 2006፥ "ሕጊ እንተ ረገጽካዮ ተመሊሱ እዩ

READ MORE

ፍሉይን ህጹጽን መልእኽቲ ናብ መራሕቲ ሃይማኖትን ጳጳሳትን ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ብካህን ራእዩ ይሄሉ   መንፈሳዊ ስላምታይ እናኣቐደምኩ ህጹጽን ኣዝዩ ኣገዳስን ዝኾነ እዋናዊ መልእኽተይ አቕርበልኩም። እዚ ድማ ብዛዕባ’ቲ ቀዳማይ ግህሰትኩም ማለት ኣብ ልዕሊ ሳልሳይ ፓትርያርክ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝወሰድኩሞ ዘይሃይማኖታዊ ግህሰት ኮይኑ፡ ንካልኣይ ግዜ

READ MORE

ቃልሲ ሓርነት፡ ብጽልኢ መላኽን ሰዓብቱን ዘይኮነስ፡ ብፍቕርን ክብርን ደለይቲ ፍትሒ'ዩ ዚዕወት!   መበገሲ ጽሑፈይ፡ ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ውድባትን መርበብ ሓበሬታታትን ዘሎ ንሓድሕድካ ዘይምስናይን ብሓባር ኴንካ ዘይምስራሕን፡ ከምኡውን ነቶም ብጋህዲ ይኹን ብሕቡእ፡ 'ኣንጻር ምልኪ ንቃለስ ኣለና' ንብል፡ ውልቀ ሰባትን'ዩ ዚምልከት። እቲ ቀዳማይ ጸገምና ከኣ እንታይ ንደልን ንምንታይ ንቃለስን ከም

READ MORE

03 ጥቅምቲ፡ ንዝኽሪ ግዳያት ስደት ኣብ’ዛ እንነብረላ ዓለም ብዙሓት ህዝባውያን፡ ሃገራውያንን ዓለምለኻውያንን ባዓላት ክባዓሉ ንዕዘብ። እቶም ባዓላት ናይ ገዛእ ርእሶም መንቀሊ ታሪኽ ዘለዎም ኮይኖም፡ ገሊኦም መሰልን ክብርን ናይ ገለ ኣካላት ናይ ሕብረተሰብ (መሰል ደቂ-ኣንስትዮን ቆልዑን) ንኽረጋገጽ መጸዋዕታ ዝቐረበሎም ክኾኑ እንከለው፡ ገለ ድማ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰባት ኣሰቃቒ

READ MORE

ሓቛፊት ደርሆ'ኳ !   'ኣታ ሓዞ! ሓዞ'ንዶታ!' 'ኣልግስ ፈንወኒ ኣይትሓዘኒ!' 'ኣንታ ቀስ'ንዶ በል! ደሓንዲኻ!?' 'ከሊየኒ ያኣኸ! ከሪአካ'የ ስራሕካ ኣታ ሓሳዊ! ኣሕዋትና ብሰንክኹም ይጠፍኡ ኣለዉ!' ብምባል፡ ዋዕዋዕ ክብሉ ምስ ሰማዕናዮም ኢና ኣነን ናስር ዓርከይን ብስንባደ ካብቲ ተቐሚጥናሉ ዝነበርና ሰድያ ተንሲእና፡ ብጉያ ተጸንቢርናዮም። ሓደ ወዲ ሓዝሓዝ ዝብሉዎ መንእሰይ፡ ንሓደ ኣቦ መንበር ሽማግለ

READ MORE

ንዝኽሪ ግዳያት ጃምላዊ ህልቂት ደሴት ላምፐዱሳ ብናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ዝወጸ መግለጺ ። ሓደ ህዝቢ ናይ ሓንቲ ሃገር፡ ውሽጣዊ ዓቕምታቱ ብምውህሃድ ንተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ናይ ሃገሩ ብዝግባእ ናብ ረብሕኡ ብምቕያር፡ ናብ ጎደና ዕብየትን ምዕባለን ንኸምርሕ ኣገደስቲ ካብ ዝኾኑ ረቛሒታት ሓደ

READ MORE

መርሃዊተይ!   "ካብ ኣፍ ገደል ንፋስ፡ ካብ ኣፍ ሰብ ትንፋስ ኣየቋርጽን'ዩ!" ከም ዚብሃል፡ ካብ ጃንዳ ህግደፍውን ጓይላን ዳንኬራን ኣየቋርጽን'ዩ። በዚ መሰረት ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጉጅለ ጓይላ ብስም ጉባአ ሃማደኤ፡ ንወ/ሮ ለተጽዮን ብወ/ሮ ኣመተጽዮን ንምትካእ ኢሉ፡ ጓይላ ክገብር ከም ዝቐነየ ብመራኸቢ ብዙሃን ህግደፍ ተዓዚብኩም ትኾኑ። ጉጅለ ምልኪ

READ MORE