Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሓዱሽ ዓመት ምስ ሓዱሽ ስርዓት ቃል ኣሰና ኣብ ድርኵዅት ሓዱሽ ዓመት፣ ሓድሽ ትምኒት ምግላጽ ኣብዛ ዓለምና ልሙድ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ግን ሓድሽ ዓመት መጸ ሓደ ትምኒት ክንደጋግም ልዕሊ 10 ዓመታት ኣሕሊፍና ሓርነትን ፍትሕን ዘአንግድ፣ ብሕጊ ዝምእዘዝ ሓዱሽ ስርዓት ሃረር ንብል ኣለና። ጻዕርና ንባህግና ምድራግ ስኢኑዎ ስለዘሎ

READ MORE

ብናተይ መረዳእታ፣ ካብቲ ንምሕደራዊ ኣከፋፍላ ዝተሓንጸጸ ካርታ ኣውራጃታት ኤርትራ፣ እሞ ኸኣ ኣብዚ ዓለም እናጸበበትሉ ትኸይድ ዘላ መዋእል፣ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ምምሃዝን ብቑጠባዊ ውዲታት ከተራጕዶ ምፍታንን ርትዓዊ መሰረት ዘይብሉ ኣጉል ምጕት እዩ። ብዛዕባ ሃገር ክንሓስብ ከለና፣ ምስ ሓማሴን ኣብ ዝዳወባ ዓድታት ሰራየ ዝርከብ ኤርትራዊ፣ ኣብ ጎደቦኡ ኣብ

READ MORE

ብሓይሊ ዝኣቱ ጽልኢ ብቐሊሉ ኣይወጽእን 'ዩ ስለዚ ንፍቕሪ ደኣ ብሓይሊ ነጽንዓያ! እዚ ጽሑፍ'ዚ እቲ ሓው ታደሰ ኪዳነ "ምምሕዳር ዞባታትን ምምቕራሕ ጸጋታትን ብመንጽር ጽገናዊ ለውጢ?" ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኣሰና ዘቕርቦ ዘሎ ጽሑፍ (ብወገነይ ከም መቐጸልታ ናይቲ "ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን" ብዝብል ኣርእስቲ ኣቐዲሙ ኣብ 17 ክፋላት ኣቕሪቡዎ

READ MORE

ኣቦ ሓድነት እንተሓለፈ መቓልሕ ሓድነት ተሪፉ 'ሎ! ትማሊ ረቡዕ 22 ጥቅምቲ 2014፣ ኣብ መበል 65 ዓመቱ ኣብ ዓዲ ጥልያን ዝዓረፈ ዶክተር ተወልደ ተስፋ ማርያም (ወዲ ቫካሮ)፣ ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን ካብ መጀመርያ ሰብዓታት ኣትሒዙ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተቓለሰ ውፉይ ሃገራዊ 'ኳ እንተኾነ፣ ኣብዛ ዝሓለፈት ዓመት ዝገበሮ እጃም ስለምንታይ

READ MORE

ድምጺ ኣሰና ጠመተ እዋናዊ ጉዳያት፣ ዋዕላ ካርቱም ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣቶ ዕስማን ሳልሕ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ካርቱም ኣብ ዝተኻየደ ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝዘተየ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣህጉራዊ ውድብ ስደት ከምኡ 'ውን ላዕለዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝሓሰመን ዝጨከነን ኣባይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይንሕስያ ዘውርዶ ዘሎ ጥፍኣት ይምስክረሉ። ስምብራት ዝሓለፉ ገዛእቲ ኤርትራ ኣብ ኣካላቱ ዝርአ እንተነይሩ፣ ስምብራት መግዛእቲ ህግደፍ ግን ካብ ኣካላቱ ሓሊፉ ኣብ ኣእምሮኡ በሰላ ይገድፈሉ 'ሎ። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሕማም ኢቦላ ህዝቢ

READ MORE

እታ ብገንዘባዊ ደገፍ ህዝቢ ተበጊሳ ንሓያለ ዓመታት ብዘይ ብኩራት ቀጻልነታ ዘረጋገጸት ነጻ ድምጺ ኣሰና ምስ ምውሳኽ ናይቲ ን24 ሰዓታት ኣብ መዓልቲ 7 መዓልቲ ኣብ ሰሙን ዝሰፍሐ ናብ ኤርትራን ከባቢኣን ዝፍኖ ናይ ሳተላይት መደባታ ተሰማዕነታ ኣዝዩ ክብ ኢሉ፣ እቲ ኣብ ምስማዕ ጥራይ ተሓጺሩ ዝነበረ ኣብ ውሽጢ

READ MORE

ህዝቢ ኤርትራ ኣይትተሃመል፣ ንስኻ ደራኺ፣ ኩሉ ተወሳኺ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣይሂ ጠያይቲ ዝዘነበሉ ክልተ ክፉእ ክራማት ኣሕሊፍካስ፣ ሕነ ሞት ህይወት ክትርእየሉ ዝግብኣካ  ወቕቲ ከየስተማቐርካዮ ሓሊፉ። ኣብ ሰማያትካ ሓጋይን ክረምትን ዘይፈሊ ጸሊም ደበና ተንጠልጢሉ፣ ምድርኻ ብቐትሩ ጸልሚቱ፣ ዓንዳፋትካ ነቆ ወጋሕታ ረሲዖሞ፣ ንጉሆን ኣጋምሸትን ድንግርግር ኢሉካ፣ እዋን ወፍርን

READ MORE

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፣ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጭፍርኡን ንጥፍኣትካ ተዓጢቖም ከምዘለዉ ክሳብ ሕጂ ኣይተገንዘብካዮን ኣይንብልን። እቲ ኣመና ዝእግም ነገርስ፣ ጸላኢኻ ንጥፍኣትካ ክዕጠቕ ከሎ፣ ንድሕነትካ ዘይምዕጣቕካ እዩ። ከምቲ ካብ ቃላት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ደጋጊምካ ዝሰማዕካዮ፣ ነቶም ወርሓዊ ክልተ ሽሕ ንሱዳን፣ ክልተ ሽሕ ንኢትዮጵያ፣ ካብኡ ብዝወሓደ ቁጽሪ ኸኣ ንጅቡትን

READ MORE

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2014፣ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኤርትራ ተፈጺሞም ንዝብሃሉ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘጽንዕ መርማሪ ኮምሽን ክቐውም ምውሳኑ ኣገዳሲ ፍጻሜ እዩ። መሰል ሰብ ኣብ ዘኽብራ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታተን ንዘጋጥሙ ጭውያን ምሕቃቕን፣ ዘይሕጋዊ ማእሰርትን ሞትን ዝኣመሰሉ በደላት ንምምርማር በብደረጃኡ ከምዚ

READ MORE

ፈስቲቫል ሓሽሽ ስርዓት ህግደፍ ኮይኑ፣ ወልፉ ከይልክመና ንጠንቀቕ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ውኒኡ ዝፈልጥ ህዝቢ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝውዕሎ ዘሎ ሞራላዊ ስነምግባሩን ሰብኣውነትን ዝጠፈሸ ሸለውለው ዝበለ ህውቱት ምሕደራኡ ክስዕቦ ከምዘይክእል ስለዝተገንዘበ፣ ሓደ ካብቲ ብቐጻሊ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ምህዞ እንተልዩ ንህዝቢ ኤርትራ ብጓይላን ፈንጠዝያ ፈስቲቫላትን የዐዊንካ ሃለዋቱ ከምዝጠፋኦ ጌርካ ምግዛእ

READ MORE

Naming and shaming those who danced on the grave of the 357 Lampedusa victims መተሓሳሰቢ፣ ምድላው ጸሊም መዝገብ ኣብ መቓብር ናይቶም ኣብ ላምፐዱዛ ዝተቐዝፉ 357 ኤርትራውያን ግዳያት ዝሳዕስዑ ሕልና ኣልቦ እቲ ጥፍኣት ህዝብናን ዕንወት ሃገርናን ድምብርጽ ዘይብሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ስድራቤት ናይቶም ኣብ ላምፐዱዛ ዝተቐዝፉ 357 ኤርትራውያን

READ MORE

ፈስቲቫል ቦለኛ፣ ንኢሳይያስ ንግደት፣ ንኤርትራውያን ንድየት ከተማ ቦለኛ፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ተኣኻኺቦም ከም ሃገራውያን ሓድነቶም ዘሐይሉሉ፣ ብዓቢኡ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብተባዓት ተጋደልቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ቃልሲ ጥምጥም ንናጽነት፣ ሞራላውን ፋይናንሳውን ደገፍ ዝገብሩሉ ባይታ ከፊታ ብዝገበርቶ ታሪኻዊ እንግዶት ውዕለታ ብኣውንታ ክዝከር ዘለዎ

READ MORE

ህዝቢ ኤርትራ፣ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ መግዛእቲ ብምሕምሻሽ ናጽነት መሬቱ ካብ ዘረጋግጽ 23 ዓመታት ኮይኑ ‘ሎ።  እዚ ዓቢ ዓወት’ዚ ንዘንት እለት ብኽብሪ ክዝከር ዝግብኦ ዓቢ ቁምነገር ‘ ኳ እንተኾነ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ መብጽዓ ጀጋኑ ኤርትራ ብምጥላም፣ ሃረርታ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነትን ፍትሕን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ብምዕምጻጽ፣ ናብ ሕሱም

READ MORE

ወርሒ ግንቦት፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ መዳርግቲ ዘይብሉ ክቡር መስዋእቲ ከፊሉ መግዛእቲ ሓደ ዘበን ዝዓጸወላ፣ ናጽነቱ ዝጨበጠላ ወርሒ ብምዃና፣ ብድምቀት ክትዝከርን ክትጽምበልን ዝግብኣ ታሪኻዊት ዕለት እያ። እንተኾነ፣ ንናጽነት ኤርትራ ዋናኣ መን እዩ፣ መን’ዩ ኸ ከብዕላን ክጽንብላን ዘለዎ፣ ብኸመይ? ዝብል ሕቶ፣ ኣገዳሲ እዋናዊ ጉዳይ እዩ። እቶም ህዝቢ ኤርትራ ብዘይዕቃበ ንዝኸፈሎ

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ ዝጥፍሽ ሓያለ ዓመታት ኣሕሊፉ እዩ። ዝተዋግኦ ኣይነበረን፣ ባዕሉ እዩ ንውደቅቱ ኣቀላጢፉዎ። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ጠሊሙን ዓሚጹን ብኢደ-ወነኑ ዘውዲ ዝደፍአ፣ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብገዛእ ምሳሩ ንሰራውር ስርዓቱ ባዕሉ እዩ በብሓደ ቆጥቍጡዎ። እቲ ኢሳይያስ ዝበተኾ ቀንዲ ሱር፣ ካብ ትግባረ ናይቲ ኣብ 1997 ዝጸደቐ ቅዋም

READ MORE

ትግረ፣ ድሕሪ ትግርኛ ብሰፊሑ ዝዝረብ ቋንቋ ኤርትራ ምዃኑ ኣጸቢቕና ንግንዘቦ ኢና። ኣሽንባይ ዶ ሕጂ ነዊሕ ሰዓታት ፈነወ ሃልዩና፣ ቀደም፣ ብሓጺር ማዕበል ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ሰሙን ነናይ ፍርቂ ሰዓት መደብ እንፍንወሉ ኣብ ዝነበርና እዋን ‘ውን፣ ኣብ ክንዲ ብትግርኛን ብዓረብን ጥራይ ናይ ትግረ መደብ ከነተኣታቱ ነግፈረግ ዝበልናሉ

READ MORE

ኣብዚ ካብ ባሕቲ መጋቢት ዝፍልም ን 7 መዓልቲ ኣብ ሰሙን ን24 ሰዓታት ኣብ ናይል ሳት ዝመሓላለፍ መደብ ራድዮ ድምጺ ኣሰና፣ ሓደ ሰዓት ብዓረብ ከምኡ ‘ውን ናይ ዓፋርን ኩናማን መደባት ከነተኣታቱ መዲብና ስለዘለና፣ ኣብዚ ሓዱሽ መደብ’ዚ ብወለንታ ክትሳተፉ እትደልዩ ግዱሳት ኤርትራውያን በዚ ኢመይል ኣድራሻ’ዚ aseye.asena@googlemail.com ክትረኽቡና

READ MORE

እቲ ድሕሪ ኣዝዩ ከቢድ መስዋእቲ ነጻ ሃገር ዝጨበጠ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ፣ ንቡር መንግስቲ ሓሪሙዎ ብምልካዊ መግዛእቲ ኢሳይያስ ተሓኒቑ ኣብ ዓዘቕቲ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን፣ ንኽብደትን ሓደገኛነትን ናይቲ ሃገራዊ ቅልውላው ተገንዚቡ፣ ኣብ ምፍታሑ መሪሕ ተራ ክጻወት ዝኽእል ሓይሊ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ተወሳኺ መርገም ኮይኑዎ፣ ኣንፈቱ ኣጥፊኡ ዓቕሊ

READ MORE

ብ 3 ጥሪ ሓንቲ ጓል ሓደ ዓመት ዝዕድሚኣ ኤርትራዊት ህጻን ኣብ ሕቝፊ ኣዲኣን ኣብ ቅድሚ ኣቦኣን እንከላ ብሓደ እስራኤላዊ ክልተ ግዜ ብኻራ ገጻ ተወጊኣ ንህይወታ ኣብ ዝፈታተን ሓደጋ ወዲቓ ኣብ ሕክምና ከምዝተዓቝበት ጋዜጣታት እስራኤል መስኪረን። ብ 8 ጥሪ ኸኣ፣ “ቀዳሞት ኮይኖም ኣብ ዝስዕሩሉ ውድድር ዘይሽለሙ

READ MORE

ኣቐዲምና ከምዝጠቐስናዮ ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ናይቲ ኣብ 21 ጥሪ 2013 ኣብ ስርሒት ፎርቶ ብጅግንነት ዝተሰውአ ተባዕ ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ) እዛ ሒዝናያ ዘለና ወርሒ ጥሪ “ወርሒ ጅግና ስዉእ ወዲ ዓሊ” ከምእትኸውን ንምግባር፣ ድምጺ ኣሰና ካብ ፈለማ ኣትሒዛ ኣብ መደባታ ብዝተፈላለዩ ጽሑፋት፣ ግጥምታትን ዜማታት ነቲ

READ MORE

ሕድገት ዘይፍቀዶ ጥልመት! ዝሞተስ ይቕበር እምበር ኣይጽገንን “ካብ ሽሕ ቃላት ሓንቲ ስእሊ” ዝብሉዎ ብሂል መቸም መወዳእታ ዘይብሉ ኣብነታት ኢኻ ትረኽበሉ። ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት፣ ሓደ ኣበርካቲ ኣሰና ከም መሰነይታ ግጥሙ፣ ኣብ ሰድያ፣ ስደያ ብሰድያኡ ኸኣ ብዕንጨይቲ ኣውሊዕ ዝተሰርሐ ዘይኮነስ፣ እቶም እንተ ቆርበቶም ጸሓይ ከውቅዑ፣ እንተ ክፈዅሶም ምስ መሓዙቶም

READ MORE

ከም’ቲ ብዜና ዝሰማዕኩሞ፣ ብዓልቲ ቤቱ ነቲ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሕምብርቲ ኣስመራ ፎርቶ መኪቱ በጃ ህዝብን ሃገርን ዝተሰውኤ ጅግና ኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ (ወዲ ዓሊ) ወ/ሮ በኺታ እድሪስ ዑመር ምስ ክልተ ደቃ፣ ሪሃም ስዒድ ዓሊ ከምኡ ‘ውን ሪም ስዒድ ዓሊ ካብቲ ምልካዊ ስርዓት ኣምሊጠን ኣዲስ

READ MORE

እዚ ጽሑፍ 'ዚ፣ ኣሰናዳእን መስራትን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብ 13 ታሕሳስ 2013 ናብ እስራኤል ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ ከም መበገሲ ዘተ ኣሰናን ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ እስራኤልን ንስምረት ኤርትራውያን ብዝምልከት ዝሃቦ መግለጺ እዩ። ብራድዮ ድሮ ስለዝተመሓላለፈ ብጽሑፍ ምዝርግሑ ሸለል ኢልናዮ ኳ እንኣተናሕና፣ ተኸታተልቲ ኣሰና ብጽሑፍ ምዝርግሑ 'ውን ኣድላዪ

READ MORE

ክቡራት ተኸታተልትና ኣብ ጽሑፋትናን ናይ ራድዮ መደባትናን፣ ከምኡ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣኼባታት ኮነ መኣድታት ዘተ ፓላቶክ ብወግዒ ደጋጊምና ከምዝገለጽናዮ፣ መትከላዊ መርገጺ ኣሰና፣ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምርግጋጽ እዩ። እቲ ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ስርዓት ህግደፍ ከይወደቐ ኸኣ ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ፍታሕ ክርከብ ኣይክእልን እዩ ዝብል

READ MORE

እቲ ብህዝቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ኣቦ ሃገር፣ ብዓለም ድማ ከም ኣርማ ሰላምን ዕርቅን ዝርአ፣ ኣብታ ን 300 ዓመታት ኣፓርታይድ ተባሂሉ ብዝፍለጥ ልዕልና ጸዓዱ ዘረጋግጽ ዓሌታዊ ሰርዓት እትመሓደር ዝነበረት ደቡብ ኣፍሪቃ ፈላሚ ጸሊም ፕረዚደንት ክኸውን ዝበቕዐ ብሉጽ መራሒ ኒልሰን ማንዴላ ትማሊ 5 ታሕሳስ 2013 ዓሪፉ። መራሒ ደቡብ

READ MORE

ሃገርና ኤርትራ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ስለ ስስዕቲ ስልጣን ብኽፋእን ውዲትን ዝተቖማጠዐ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ካብ ሃገረ መስተንክራት ናብ ሃገረ ስግንጢራት ካብ እትቕየር ሓያለ ዓመታት ሓሊፉ እዩ። እቲ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተወራረሰ ዝመጽአ፣ ሕውነትን ምትሕልላይን፣ ትግሃትን ርሂጸ በላዕነትን፣ ጸሎትን ፈሪሃ እዝግኣቢሄርን ዝነበሮ ኤርትራዊ ያታዊ ክብርታት፣ ኣብዘን ዝሓለፋ

READ MORE

ቅዝፈት 357 ኤርትራውያን ኣብ ላምፐዱዛ፣  ንህዝቢ ኤርትራ ሰሃሮ፣ ንኢሳይያስ 50 ሽሕ ይሮ!! እቲ ብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ፣ ኤርትራዊት ኣደ ምስ 3 ህጻናት ደቃ ዝወሓጠ፣ ከይተወልደት ዝሞተት፣ ዕትብቲ ኣዲኣ ለጊቡ ምጽንሑ ካብ ፍጥረት ዓሳ ዝፈለያ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ዝጸንሐት ዕሸል ዝርከቡዎ ዓለም ዘስካሕክሐ ቅዝፈት

READ MORE

ጻውዒት ንህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻልን ኤርትራውያን ክሳብ ዕለተ ናጽነት 1991 ንልዕሊ ሓደ ዘበን ብወግዒ ዝተፈልጠት ሃገር ‘ኳ እንተዘይነበረትና፣ ጅግንነት ሲ ተፈልያትና ኣይትፈልጥን። እቶም ብዓቢኡ ሃገር ዘሕደጉና ገዛእቲ፣ ንኤርትራዊ ውልቀ ዜጋ፣ ዋላ ኣብ ናይ ሻሂ ጣውላ፣ ቴስታታ ከየላግዖም ድሕር ኢሎም ብጥንቃቐ እዮም ዝፍትኑዎ ዝነበሩ። እቲ ሓቂ ክትዕምጸጽ

READ MORE

ሞት እናፈራሕና ‘ምበር ሞት ለሚዱና ኤርትራውያን ኣሕዋት፣ ንወስን!! እቲ ብ 3 ጥቅምቲ ኣብ ደንደስ ባሕሪ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ዓለም ዘንቀጥቀጠ፣ ቆልዓ ሰበይትን መንእሰያትን ዝለከመ ጃምላዊ ቅዝፈት ልዕሊ 360 ኤርትራውያን ምውጻእ ኣብዩና፣ መመሊሱ የንብዓና ‘ሎ። ከመይ ዘይንነብዕ! የዒንትና ኣይተጋገየን፣ ካብ ማይ ንብዓት ሓሊፉ ደም ዘንብዕ ምኽንያት ኣለዎ። ጃልባ ኣብ ዝሰጠመትሉ

READ MORE

እዚ ዝሓለፈ መሪር ሰሙን፣ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ክሳብ ክንደይ ሕቖን ከብድን ኮይኖም ምህላዎም ዳግም ዝተረጋገጸሉ እዋን እዩ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፣ ብሰንኪ ‘ቲ ብ 3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ገማግም ባሕሪ ላምፐዱዛ፣ ዓዲ ጥልያን፣ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ (300) ኤርትራውያን ጃምላዊ መቕዘፍቲ ዘኸተለ ከቢድ ሓደጋ

READ MORE

ፖለቲካዊ ቁማር ኢሳይያስ ብካርታታት ‘መንግስትን ግንባርን’ ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ኤርትራ ሰሙኑ ምስ ኣሕለፈ፣ ሓዱሽ ዓመት ግእዝ ሰሙን ምስ ተረፎ፣ ውልቀምልካዊ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ 6 ግንቦት 2013 ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ናይቲ ስርዓት ቀሪቡ ሰፊሕ ቃለመጥየቕ ክገብር ምድላዩ፣ ኣንደበቱ እንታይ ምንባሩ ነቲ ብማዕዶ

READ MORE

ዝኣረገ ልቢ ኣብ ዳንጋ መንእሰይ እቲ ከይትኮስ እቲ ከይስልክይ ንበሎ ኣለይ መለይ! ሕጂ ‘ውን እቲ ሽግር ንሕና ኤርትራውያን ኢና EYSC-G ብመንገዲ ኣፈኛኡ “ሕጂ ‘ውን ሽግር ኤርትራ ብኤርትራውያን’ዩ ዝፍታሕ” ክብል ኣኼባ ቦለኛ ኣብ ምውድኡ፣ “ዋላ ትንፈር ጤል’ያ” ዝዓይነቱ ኣብ መስከረም ዘቕረቦ ስምዒታዊ ጽሑፍ ሰሚዐዮ። ብልሙድ ሓደ ኣኼባ ክዛዘም ከሎ፣ ኣፈኛ ናይቲ

READ MORE

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፣ ነቲ መሪሕነት ባይቶ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ልዕሊ ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ሽማግለ ዶክተር ዮሱፍ ብርሃኑ ዝወሰዶ ስጉምቲ ብዝምልከት፣ ምስ ዶር ዮሱፍ ከምኡ ‘ውን ነቲ ስጉምቲ ምስ ዝወሰዱ መሪሕነት ባይቶ (ኣቶ ጸጋይን ወሮ ፍረወይንን) ከምኡ ‘ውን ምስ ምኽትል ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ሽማግለ

READ MORE

ናይ መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ ቀዳማይ ዕርዲ ተቓወምቲ - 2ይ ክፋል  ወገናዊ ፖለቲካ የዋጽእ ዶ? እቲ ኣብ መንጎ ተጋዳላይን ዘይተጋዳላይን (ተጋዳላይ - ገባር፣ ዋርሳይ - ይከኣሎ) ዝተመርኮሰ ፍልልይ፣ ዝፈጥሮ ዘይምትእምማን ብእዋኑ ለውጢ ካብ ምምጻእ ዘዐንቅፍ ተርእዮ ‘ኳ እንተኾነ ካብ ሓደ ወለዶ ዝሓልፍ ዕድመ ስለዘይብሉ ኣመና ዘሻቕል ኣይኮነን። ምስ

READ MORE

ናይ መወዳእታ ዕርዲ ህግደፍ ቀዳማይ ዕርዲ ተቓወምቲ ናይ መወዳእታ ዕርዲ፣ ቀዳማይን ካልኣይን ድፋዕ ተጣሒሱ፣ ጥፍኣት ከንጸላሉ ኸሎ፣ ካብ ስዕረት ንምድሓን ብኣባይ ይኹን ብወገን ናይ ሞትን ሕየትን ምክልኻል ዝካየደሉ መስመር እዩ። ካብዚ “ድፋዕ” ’ዚ እንትወጺእካ መቓብር ጥራይ ‘ዩ ዘሎ። ኣብኡ እንተጸናሕካ ‘ውን ንርእሱ መቓብር’ዩ ዝኾነካ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ

READ MORE

ኣብዚ ግዜ ‘ዚ ሓደ ንሕልና ዘለዎም ኤርትራውያን ወትሩ ዘጨንቕ ሕቶ፣ ንሕና ኤርትራውያን ሓባራዊ ዕላማ ሓንጺጽና፣ ብሓድነት ነብስና ንምድሓን ለውጢ ንምምጻእ፣ ካብዚ ዝወርደና ዘሎ ስቅያትን መከራን ንላዕሊ ዝብእስ እንታይ ዓይነት ውድቀት ንጽበ ከምዘለና እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኤርትራዊ ዘይሰኣኖ መሰል፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊ ዘይወረደ በደል ሃሰስ ኢልካ

READ MORE