Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ መንደፍ ዋኒነ ኢሳይያስ ብምልኪ ዝኽየፍ ዕብድብድ ዘብሎ ናይ ስልጣን ሃነፍነፍ ቅሳነት መርዘኑ ደም ሰባት ዝውለፍ ሊቕነቱ ጸይቂ ዘይውድኦ ጽያፍ፡ ክሳብ መዓስ ሓሶት ሓቂ ‘ምሲልካ ሃተፍ ሕድርታት በሊዕካ ብሕድሪ ምልፍላፍ ናጽነት ኣብሪስካ ብናጽነት ዓዘፍ፡ ክንደይ ከ ይደፍር መልሓሱ ትቆለፍ ብኻ ሽንቲ ኮይኑ ብሽቓቕ ዝሓልፍ ብማይ በላ ‘ቢሉ ናብ ባሕሪ ዝምርቀፍ፡ ንሱ ኳ ነዊሑ ኣብ መከራ ገፈፍ በቋራጭ ከረውረው ብ’ምባሶይራ ህትፍ መን ‘ዩ በቒቑሉ ነቲ ተሎ ምጽዳፍ፡ ኣምላኽ ከ ‘ታይ ኮይኑ ፍርዱ ዘይጽሕፍ በዳሊ ቐጺዑ ውጹዕ

READ MORE

ዝወረዳ ኤርትራ! ህዝባ ናብ ሲናይ መሬታ ናብ “ወያናይ” ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕን ውርደትን መወከሲ መጻሕፍቲ ገበናት ሃሰስ ኢልካ ‘ውን መዳርግቲ ክትረኽበሉ ኣይትኽእልን። ካብዚ ኹሉ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኢሳይያስ በዚ መጠን’ዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ጥፍኣት፡ እቲ ብቐሊሉ ዝእመን ተርእዮ ከኣ፡ ከምዚ

READ MORE

ብድሕነት ኣሕላም፡ ጥፍኣት ሽሕ ምዕዳም፡ ከይኮነና። ኣብዚ ሳልስቲ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝዋስኡሉ Social Media ብፍላይ ድማ Paltak ን Facebookን ብዋዕዋዕታ ምውጻእ ገንዘብ ንድሕነት ጓል 8 ዓመት ግዳይ በደዊን ሲናይ፡ ኣሕላም፡ ተናዊጹ ቀንዩ ‘ሎ። እዚ ካብ ዶባት ኤርትራ (ወረ ሎምስ ካብ ውሽጢ ኤርትራ) ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝፍጸም

READ MORE

ብ ወርሒ ሰነ 2009 ኣብ ዊዓ ተኣሲሮም ዝነበሩ ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ጠያይጢ እናተተኮሰሎም ጽኑዕ ሓለዋ ፈንጢሶም ከምዘምለጡ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ኣሰና ከም ዜና ኣቕሪብናልኩም ኔርና። ኣብ ናይ ጽባሕ ሰኑይ ድምጺ ኣሰና መደብና፡ ንሓደ ካብ ወጠንትን መራሕትን ናይቲ ደማዊ ግን ከኣ ዕዉት ጅግንነታዊ ስርሒት- ሓርነት፡ መንእሰይ

READ MORE

ሓበሬታ ዘይሰነቐ ህዝቢ ውሕስነቱን ቀጻልነት ወለዶታቱን ዘረጋግጹ እዋናዊ ውሳኔታት ክወስድ ኣይክእልን እዩ። ሓደ ካብቶም ቀንዲ ንህዝቢ ኤርትራ ንተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ሓደጋ ዘውደቑዎ ኣበራት ድማ ስእነትን ጉድለትን ሓበሬታ ምስናይ ምዝንባዕ ሓበሬታ ንፕሮፖጋንዳ እዩ። በዚ ምኽንያት ህዝቢ ኤርትራ ከቢድ ዋጋ ህይወትን ግዜን ከፊሉ እዩ። ኣሰናን ካላኦት ማዕከናት

READ MORE

ብ1990፡ ወደብና ምጽዋዕ፡ በቶም ቅያ ስርሒት ፈንቅል ዝሰርሑ ምዑታት ተጋደልቲ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ካብ ስርዓት ደርግ ሓራ ኣብ ዝኾነትሉ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ባና ናጽነት ርእዩ ዘይተርፍ ዓወቱ ከቋምት ከሎ፡ ስርዓት ደርግ በንጻሩ ማሕነቕቲ ጎሮርኡ ተኣሚኑ ክንሱ ነቲ ዘይተርፍ ዕለተ ውድቀቱ ከናውሕ ናይ ጻዕረሞት ክርክር

READ MORE

ወዳጀ ሰብኣውነት ኢሳያስ! “ሎሚ ኣብ ፎርቶ፡ ጽባሕ ኣብ ኮምብሽታቶ” ክሳብ ዝብሃል ደኣ ኣበይ ጸንሐ ኢሳይያስ መሂተኖ! ድሕሪ’ቲ ራዕዲ ዘእተወሉ፡ ብ21 ጥሪ ካብ ጥርዚ ፎርቶ ኣስመራ፡ ቢጫ ዘርኣዮ ተባዕ ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ትማሊ 5 ለካቲት 2013፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ያኢ ንግዳያት መሸጣ ኤርትራውያን ኣመልኪቱ ናብ

READ MORE

ዕድል፡ ዕድል ዝብሃል እኮ፡ ሳሕቲ ስለዘጋጥም፡ ብቐሊሉ ዘይርከብ ብምዃኑ እዩ። ሓደ መተዓብይትና፡ ቆልዑ ጽርግያ ኣስመራ፡ “ፈጣን ሎቶ፡ ፈጣን ሎቶ” ኢሎም ኣብ ቅድሚኡ ከም ንህቢ “ዚዝ” ምባል ምስ ኣብዝሑሉ፡ “ሓንቲ ዕድል ኢያ ነይራትኒ፡ ንሳ ድማ ተጋዲለላ ‘የ፡ ርሓቑ ” ክብል፡ ብሓውሲ ሕርቃን ዝደርጕሓሎም ዘረባ እናሃለወ፡ በንጻሩ

READ MORE

ሕልቀትን ህላወን ትንፋስ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ከቢድ ትርጉም የብሉን። እቲ ብሕማም ተኻኢሉ ዝቐነየ ኢሳይያስ፡ ዋላ ብጥበብ ሓካይም እንተዝጻናሕ ’ውን ንኤርትራ ናይ ምምራሕ ተኽእሎኡ ድሮ ሞይቱ፡ ኣብቂዑ እዩ። ንተረኽቲ፡ ምናልባት ታሪኹ የገድሶም ይኸውን። ንህዝቢ ኤርትራ ግን ውሕስነት መጻኢኡ እዩ ዘገድሶ። እቲ ሕማም ንኢሳይያስ ወሲዱዎ ‘ሎ።

READ MORE

[youtube]http://www.youtube.com/watch?v=e0r5FYfX0_o[/youtube] ክቡራት ሰማዕትና፡ ኣብዚ ካብ ስሩዕ መደብና ወጻኢ ኣዳሊናዮ ዘለና ፕሮግራም፡ ልክዕ ከምቲ ካብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣትሒዝና ብተደጋጋሚ ግዜ ዘቕረብናልኩም ኣውያት ስቅያት ኤርትራውያን ካብ ሲናይ ኢና ሒዝናልኩም ቀሪብና ዘለና። ጊላነት፡ ዓመጽ፡ ምግሳስስ፡ ምዝመዛ፡ መሸጣ ኵሊት፡ ሞት ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብራሻይዳ ሰሃራን በደዊን ሲናይን ደው ኣይበለን።

READ MORE

መራሒ ስርዓት ግህደፍ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብሰንኪ ‘ቲ ኩሉ ዝፈልጦ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ኣመሉ ሕዱር ሕማም ኣጥርዩ፡ ካብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ብፍላይ ንሕክምና ናብ ቀጠርን ካልኦት ሃገራት ወጻእን ክመላለስ ከምዝጸንሐ ብተደጋጋሚ ኣብ ዜናታት ተጠቒሱ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን ብፍላይ ግን፡ ሕማሙ ኣዝዩ ስለዝኸበዶ ብምስጢር ካብ

READ MORE

ዋሕዚ ነጻ ሓበሬታ ብምንጥጣፍ ህዝቢ ንቕሓት ደሊቡ ንነገራት ብልቦና ክመሚ ብዓቢኡ ኣብ ቃልሲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሃገርና ኤርትራ ሰፊሕ ተሳታፍነት ክህልዎ ብዓቕምና ኣበርክቶ ንምግባር ከነካይዶ ኣብ ዝጸናሕና ፈተነ፡ ካብቲ ከም ቀንዲ ኣተኵሮና ዝተለምናዮ መኸተ ውልቀምልኪ ሓሓሊፎም ዝኣልዩና ፈተነታት ኣይተሳእኑን። ሎሚ ‘ውን ሓደ ካብ ተመሳሳሊ ኣጋጣሚታት ረኺብና

READ MORE

ነቲ ብቕንያቱ ኣብቲ ስመር ብዝብል ስም ዝፍለጥ መኣዲ ዘተ ፓልቶክ ንኣካይዳ ስርዓት ህግደፍን ተንኮላት ኢሳያስን ብዝምልከት ሰፊሕ ሓበሬታ ክህብ ዝቐነየ ፓይሎት ብዝብል ናይ ብርዒ ስም ዝፍለጥ ኣብ ሓደ እዋን ኦፐሬተር/ምልክት ናይ ኢሳያስ ዝነበረ ኣብዚ እዋን ‘ዚ ኣብ ሽወደን ዝነብር ዘሎ ተጋዳላይ፡ ብጠለብኩም መሰረት: ብዛዕባ ተበክሮኡ

READ MORE

ይዝከረኩም ዶ፡ ከምዚ ሎሚ ነታ ባንዴራ እንተደለኹም ከም መንዲል ርስሓትኩም መጽረጊ፡ እንተደለኹም መባዕለጊ፡ ነዛ ናይ ደም ሃገር፡ መርወዪ ዊንታኹም ሕዛእቲ በይንኹም ጌርኩማ ከይነደኹም ከለኹም! እወ፡ ዘክሩዎ ‘ሞ እቲ ገና መዳልይቲ ባንዴራን ሃገርን ከለና፡ ዝነበረና ሓበንን ፍናንን!? እቲ ዝኽሪ እንተተመሰለልኩም፡ እቶም ጀነራላት፡ ኮሌኔላት፡ ጽሩራኹም ቀንጢብኩም ‘ሞ ሓንሳብ

READ MORE

ካልኣይ ህይወት ከምዘሎ ዝኣምኑ ሰባት ኣለዉ። ክዉንነት እምነቶም ብዘየገድስ፡ ትምኒቶም ኣብ መንግስተ ሰማያት ክሰምረሎም እንተኾይኑ፡ ኣብቲ ዝቐደመ ምድራዊ ህይወቶም ዘጽድቕ ተግባራት ክፍጽሙ ከምዘለዎም ሞራላዊ መሪሕ ስለዝኾኖም፡ ሰናይ ትምኒቶም ካብ ገዛእ-ርእሶም ሓሊፉ ንሕብረተሰብ ‘ውን ጠቓሚ እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ገነት ከሕልፉዎ ዘለዎም ተስፋ ካልኣይ ህይወት ክሰምረሎም ጽቡቕ

READ MORE

ምፍራስ ‘ናደው እዝን” ሓርነት ከተማ ኣፍዓበትን፡ ህላወ ሰውራ ኤርትራ ካብ ምውሓስ ሓሊፉ፡ ንሓይልን ናይ ምግባር ተኽእሎን ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ፡ ንህዝብና ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንማሕበረሰብ ዓለም ዘመስከረ ዕዉት ስርሒት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ንከተማ ባጽዕ ሓራ ዝገበረ ስርሒት ፈንቅል፡ ባና ሓርነት ኤርትራ ዘበሰረ በርቃዊ ስርሒት እዩ።

READ MORE

እቲ ድሕሪ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝመጽአ ናጽነት ኤርትራ: ብማእለያ ዘይብሉ መስዋእቲ መንእሰያት እዩ ተረጋጊጹ። ኣብ 1998 ስርዓት ህግደፍ ብዘሳወሮ ዶባዊ ኵናት ጠገለ ዘይብሉ ባርዕ ምስተኣጕደ ዝሃለቑ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰማእታት ኤርትራ ‘ውን: ዝበዝሑ መንእሰያት እዮም። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ምረት መግዛእትን ደረት ኣልቦ ‘ሃገራዊ ኣገልግሎትን’

READ MORE

ትማሊ ሰንበት 5 ለካቲት፡ ናብቲ ወከልትን ኮራዅርን ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ገለ ብቴክስት ገለ ድማ ብተባራሪ ወረ ተዓዲሞም፡ ‘ላዕለዎት ሓለፍቲ’ ክመጹ ስለዝኾኑ ኣፈርክቡ ተባሂሎም፡ በብኽልተ በብሰለስተ፡ ዝጣራቐሙሉ ኣዳራሽ ጎሰስ ዝብሉ ዝነበሩ ሰባት፡ ብኽልተ እግሮም ዲዮም በርባዕተ መሓውሮም ዝኸዱ ዘለዉ ንምርግጋጽ ኣስተብህሎ የድሊ ነይሩ። ዓሻ ጽቡቕ ኣሎ ዘመድ

READ MORE

ንበይናኻ ምዝራብ ጽላለ እዩ፡ ምስ ነብስኻ ምዝራብ ግን ንበይንኻ ምዝራብ ማለት ኣይኮነን። ሰብ ምስ ነብሱ ብዕቆት ክዛረብ ከሎ እዩ ናብ ሓቂ ዝቐረብ። ኣብ ዓሚቝ ክትዕ ምስ ነብስኻ፡ ሓቂ እናፈለጥካ ተጻረርትኻ ከይሕጎሱ ኢልካ ስለህልኽ ምሕሳው፡ ወይ ድማ፡ ሓቅነቱ ብዘየገድስ ቅኑዕነት መርገጺኻ ምውዕዋዕ ቦታ የብሉን። ምስ ነብሱ

READ MORE

              ከምዚ ትሕት ኢልኩም ትርእዩዎ ዘለውኹም፡ ኣብ ናይ 25 ሕዳር 2011 ሕታም ሓዳስ ኤርትራ ኢሳይያስን መሓዮኡ ዓሊ ዓብዱን ብብርዒ ስም ዝጸሓፉዎ ‘ርዝን ንበል’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ከምዚ ዝብል ተረካብ ዘረባ ይንበብ። “

READ MORE

ክብደት ናይቲ ኤርትራ ሃገርና ወዲቓትሉ ዘላ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምርዳእ ዓሚቝ ትዕዝብቲ ኣየድልን። ነቲ ኣብ ኣኻውሕ ሲናይ ብፊደላት ግእዝ ዝተጻሕፈ፡ “እዚ ‘ውን ይሓልፍ” ዝብል ሓጺር ሓረግ ኤርትራውያን ግዳያት ሓንሳብ ቁሊሕ ኢልካ ምርኣይ ጥራይ ኣኻሊ እዩ። ነዚ ሓረግ’ዚ ከም ኣርእስቲ ህያው ታሪኽ ኤርትራ ሓንሳብ ኣብ ሓንጎልካ ኣቐሚጥካ

READ MORE

ኣብቲ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ 21 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንምስታፍ ሓያለ ኤርትራውያን ካብ መላእ ዓለም ናብ ኣዲስ ኣበባ ይገሹ ‘ለዉ። እዚ ጉባኤ’ዚ፡ እቲ ስለ ስስዕቲ ስልጣንን ጸቢብ ጉጅለኣዊ ረብሕኡን፡ ንሃገርና ኤርትራ መባድልቲ ዕንወት ዝገበራ፡ እንዶ-ሰናይ ዘይብሉ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡

READ MORE

እዚ ጻውዒት’ዚ ብድምጺ ኣሰና ‘ኳ ይመጽኣኩም እንተሎ፡ ናይቶም ኣብ ምድረበዳታት ሲናይ ጅሆ በደዊን ኮይኖም ታሪኽ ሓዱሽ መዝገብ ሕስረት ዝምዝግበሎም ዘሎ ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኤርትራውያን ግዳያት እዩ። ንሕና ንመልእኽቶም ብኣውያት ኢና ተቐቢልናዮ፡ ኣውያቶም መሪሩ ስኽሕክሕ ኢሉኩም ብዙሓት ምስማዕ ከምዘቋረጽኩም ስለዝተገንዘብና ድማ ነቲ ኣውያት ናብ ዘረባ ቐይርና፡

READ MORE

እዚ፡ ‘እዚ ‘ውን ክሓልፍ’ዩ’ ዝብል ጥቕሲ፡ ኣብ ሓደ ብግድስቲ ግብጻዊት ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት ብዓረብ ዝተዳለወ ቪድዮ ዶኩመንታሪ፡ ቁጽሮምን ሃለዋቶምን  ዘይተፈልጠ ኤርትራውያን ግዳያት ጭውያ በደዊን ኣብ ምድረበዳ ሲናይ ኣብ ኣፍ ሞት ኮይኖም ኣብ ክንዳኦም ክዛረብ ኣብ ኣኻውሕ ዝገደፉዎ፡ ብደም ዝተጻሕፈ ናይ ቅብጸት ቃላት እዩ።  እቲ ካብ

READ MORE

እቶም ትማሊ ሰንበት 25 መስከረም ንመላኺ ኢሳይያስ ክውድሱ ኒውዮርክ ተኣኪቦም ዝነበሩ 3 ሽሕ ኤርትራውያን: ‘ዘማች’ ምዃኖምስ ኣረጋጊጽና ኣለና። ‘ቀባሮ’ ድዮም ‘ኮማሮ’ ንምጽራይ ግን ገለ ሕጡበ-ጽሑፋት ከድልየና እዩ። ‘ዘማች’ በቲ ንቡር ትርጉሙ፡ ‘ወፋሪ’ ማለት ስለዝኾነ ዘጕሂ ኣይኮነን። ጥቁው ወፍሪ ‘ሎ እኩይ ወፍሪ ሎ። ‘ዘማች’ በቲ ናይ ሳሕል

READ MORE

እታ ዓዲ ኹሉ ብምዃና፡ ዋና ከተማ ናይ ዓለም ክትብላ እተድፍር ምጭውቲ ከተማ ለንደን ንሳስልቲ ብናዕቢ ተሃዊኻ ቐንያ። ለንደን ብጽሬታን ጽባቐ ህንጻታታን ኣይኮነትን እትንኣድ፡ ብሕሱር መነባብሮኣን ኩነታት ኣየራንውን ኣይኮነትን እትምስገን።

 

ሓያላን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣመሪካን እንግሊዝን፡ ምስቲ ገዚፍ ጅኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታተን፡ ኤርትራ ኣዚያ ንኢሳተን ምርኣይ ከምዝሰኣናኣ ‘ሞ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ መሰሉ ተረጊጹ ግዳይ ከምዝኾነን ከቢድ ዋጋ ከምዝኸፈለሉን ማንም ዘይኽሕዶ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ።

ሓያላን ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ኣመሪካን እንግሊዝን፡ ምስቲ ገዚፍ ጅኦ-ፖለቲካዊ ረብሓታተን፡ ኤርትራ ኣዚያ ንኢሳተን ምርኣይ ከምዝሰኣናኣ ‘ሞ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ መሰሉ ተረጊጹ ግዳይ ከምዝኾነን ከቢድ ዋጋ ከምዝኸፈለሉን ማንም ዘይኽሕዶ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ።

2003 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዑቕባ ምስ ሓተትኩ ድሕሪ ቁሩብ ግዝያት’ዩ ምስ ሓደ ኣብ ሜዳ ጽቡቕ ገይረ ዝፈልጦ ብዓል መዚ ስርዓት ህግደፍ ተራኺብና። ክዕወት ‘የ ዝብል ትጽቢት ዝነበሮ ኳ ኣይመስለንን፡ ብዝኾነ ግን ፈተነኡ ናብ ኤርትራ ተመሊሰ ንህግደፍ ከገልግል እዩ ነይሩ።

ዓሰርተ ሰለስተ ኣባላት ጋንታ ኩዕሶ-እግሪ ክለብ ቀይሕ-ባሕሪ፡ ክሳብ 10 ሓምለ 2011 ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዞባዊ ውድድር ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፎም ናብ ኤርትራ ምምላስ ኣብዮም ኣብ ታንዛንያ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ብዜና ምስተዘርግሐ፡  ኣብ ሳልስቱ፡ ቴለቪዥን ቢቢሲ ኣብ ዘቕረበቶ መደብ፡ ሓደ ሰራሕተኛ ዕቃበ እንስሳታት፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ‘ጽምብላሊዕ ቁጽረን እናወሓደ ይኸይድ ኣሎ’ ዝብል መረዳእታ ከምዘለዎም ብምጥቃስ፡ ነቲ ኩነታት ብልክዕ ብምርግጋጽ፡ እቲ ምንካይ ቁጽሪ ጽምብላሊዕ ደው ዝብለሉ ኩነታት ንምፍጣር ስጉምቲ መታን ክወስዱ፡

 

ስርዓት ህግደፍ ትንፋሱ ኣብ ፕሮፖጋንዳ ተንጠልጢላ ንስክላ ኣብ ኣጋ ዕርበት እትነብር ሩሕ ዘላቶ ሰንኮፍ ስርዓት እዩ። ቁሩብ ሰሪሑ እንተዘጋንን ኣይምተጸልአን። ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ካብ ፕሮፖጋንዳ ጸሚቑ እዩ ጣቋ ክፈጥር ዝደሊ ዘሎ። ፕሮፖጋንዳ ተጸሚቑ ምስ ተዘቖቐ ግን ክበታተኽ እምበር ካብ ዘየልቦ ከምጽኦ ዝኽእል ፍረ የልቦን።

Militaryናይ ሎሚ መንቀሊ ዘረባይ ቁስሪ ስልኪ 122474 እያ። ትማሊ ቐዳም 2 ሓምለ መርበብ ኣሰና ኣብ ምምሕያሽ ሓዲረ ብርሃን ወጋሕታ ኣርኪቡኒ ቆሪሰ ኪድቅስ ኣንቀድኩ። ድቃስ ግን ኣይመጸለይን። ብኡ ኣቢለ በቲ ብዕጉግ ዓይነይ መደባት ቴለቭዥን ኣብ ምምእራር ኣተኹ። ኣብ መወዳእታ፡ ‘ቲቢ ኤረ ኸ እንታይ ኮን ትብል ትህሉ’ ኢለ ፍትን እንተበልኩ፡ ሓደ ኮለኔል ካብ ቀንዲ ሓለፍቲ ኮምሽን ስፖርት ብቐጥታ ቃለመጠየቕ ክገብር ተዓዘብኩ።

 

መርሓባ ! እንቋዕ ደሓን መጻእኩም !!

ካብ ፈለምኡ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ብግብርን ብስራሕን ንምርግጋጽ ዘንቀደት፡ ነጻ መርበብ ሓበሬታኹም ኣሰና ዳት ኮም፡ ገጻታ ኣስፊሓ ዓምድታታ ኣርቢሓ ብሓድሽ መልክዕን ቅርጽን ሓበሬታዊ ኣገልግሎታ ብዝለዓለ ክትቅጽል ተዋዲዳ ምህላዋ ተበስረኩም።

PatriotsCemetery20 ሰነ፡ ሽምዓ ወሊዕና ነቶም ስለ ናጽነት ኤርትራ ህይወቶም ዝበጀዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰማእታት ኤርትራ እንዝክረሉ ክቡር ዕለት እዩ። ሰማእታትና ዋላ ትሕቲ መሬት እንተተቐበርናዮም፡ ኣብ እምባ ሓበን ክነብሩ ዝግብኦም ጻድቃናት እዮም።