Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

twentyyearsእቲ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ንሃገርና ኤርትራ ብኹሉ እንትናኣ ኣዕንዩ፡ መልክዓን ሕብራን ደዊኑ፡ ኣሰር ህላዊኣ ከተለልዮ ናብ ዘይከኣል ደረጃ ብምውራድ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብኸቢድ መስዋእቲ ንዘዋህለሎ ሓበን ዝሰበረ ውርደተኛ ስርዓት ህግደፍ ከይሓፈረ፡ ነዘን 20 ዓመታት ባርነት ናይ ሓበንን ክብረትን ዓመታት ጠሚቑ፡

demoስርዓት ህግደፍ ሕጋውነት ካብ ዘጥፍእ ዓመታት ኣሕሊፉ’ዩ። ሕጋውነት ኣጥፊኡ ክንብል ከለና፡ ብሕጊ መጺኡ ማለት ኣይኮነን። ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይወግዓዊ መንገዲ ኣንቢሩሉ ዝነበረ እምነት ኣባኺኑዎ እዩ ማለትና እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ወዲቑ፡ ኣብ ቃሬዛ ለጥ ኢሉ እዩ ዝመርሕ ዘሎ።

Jenevaመንእሰይ ኤርትራ፡ ከም ንቡር፡ መሪሕ ብድሆን ለውጥን ምንባሩ መግዛእትን ቃልስን ዝምስክረሉ ሕላገት ታሪኽ ኣለዎ። ኣቦታትና ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ኣቶ ኢብራሂም ሱልጣንን ከምኡ ‘ውን ሓርበኛታት መሳትኦም፡ ደረጃ ንቕሓት ህዝብና ለጠቕ ኢሉ ኣብ ዝነበረሉ ኣርብዓታት፡ ኣርዑት መግዛእትን ውሽጣዊ ምክፍፋላትን በዲሆም ነቲ ሰንኮፍ ዝነበረ ሃገራውነት ኣብ ምድልዳል ዓቢ ተራ ክጻወቱ ኸለዉ መንእሰያት እዮም ነይሮም።

Isaias Gaddafiእዚ ሳላ ምህዞ ኢንተርነትን እንግዶቱን ብናይ ሓበሬታ መዋእል ዝልለ ዘበናዊ መድረኽ፡ ነቶም ከም ብዓል ኢሳይያስ ዝኣመሰሉ ኣብ ዕብለላ ስልጣን ዝተመስረተ ድሑር መስፍናዊ ስርዓት ዝኽተሉ ምልካውያን፡ እዋኖም ከምዘይኮነ ደጋጊምና ገሊጽና ኢና።

Tunisትማሊ ዓርቢ 14 ጥሪ 2011 ቱኒዝያውያን ነቲ ን23 ዓመት ዝደሃኾም ውልቀመላኺ መራሒ ቢን ዓሊ ብህዝባዊ ሓይሊ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምብራሮም ባህታ ዘይፈጠረሉ ኤርትራዊ ደላዪ ለውጢ ዘሎ ኣይመስለናን።

ኣማኑኤል እዚ ኣርእስቲ’ዚ ቃል ንቓሉ እንተወሲድናዮ ብዙሕ ትርጉም ኣይህብን ‘ዩ። መን ‘ሞ ‘ሎ ሰብ ኮይኑ ኣካላቱ ብቐይሕ ደም ዘይዘፈቐ፡ መን ከ ‘ሎ ኢዱ ቀይሕ ደም ተቐቢኡ ዝኸይድ? ብያታዊ ኣበሃህላ ሕብረተሰብና ግን፡ ደም ካልእ ምስላዊ ትርጉም ‘ውን ኣለዎ።

መልእኽቲ ኣሰና ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት 2011

 ኣሰናክቡር ህዝቢ ኤርትራ ! ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትርከብ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ጽባሕ ሓዳስ ዓመት 2011፡ ከም ንቡር ሓደ ክልተ ኢላ ዕለታ ምድማር እትጅምረሉ ወቕቲ፡ ንስኻ ‘ውን ሓደ ክልተ ኢልካ መዓታትካ ምጕዳል እትጅምረሉ ዓመተ ቃልስን ተስፋን ዓወትን ክኾነልካ ዘለና ድሌትን ተስፋን ንገልጸልካ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ፡ ‘ሓበሬታ ዘይተዓጥቀ ኣእምሮ ርጡብ ውሳኔ ክወስድ ኣይክእልን’ዩ’ ብዝብል ኣርእስቲ፡ ነቶም ለባማት ብልዙብ ኣገባብ ንኣሰራርሓና ዝምልከት መብርሂ ኣቕሪብናሎም ኢና።

Truthሓበሬታ ሓይሊ እዩ። ነዚ ሓይሊ ‘ዚ ከየዋህለልካ፡ ክትወፍር፡ ወፊርካ ከተፍሪ ወይ ወፊርካ ክትኣቱ ኣይከኣልን። ኣሰና ነዚ ጽንሰ-ሓሳብ’ዚ ሒዛ እያ ነቒላ ። ነጻ ምትሕልላፍ ሓበሬታ ብምስላጥ፡ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዓይኒ ዘይብሉ፡ ኣዒንቲ ዘዐምት: ኣእምሮ ዘደንቍር መርዛም ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ተላቒቑ፡ ንቑሕ ውሳኔ (informed decision) ንኽወስድ ባይታ ምፍጣር እዩ ቀንዲ ተልእኾኣ።

mezekerኣርእስተይ ከየደናግረኩም። ብዛዕባ ቅርስታት ኣይኮነን።  ‘ሰባት’ ‘የ ከልዕል። ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ‘ቶም ሎሚ ቕነ ኣብ ኣስመራ ዋዕላ ከካይዱ ዝቐነዩ ሙዚቀኛታት ኤርትራ። ፈለማ ግን ምስ ኣመጻጽኣ ኣርእተይ ከላልየኩም።

asmeraኣስመራ ቅርጥውትንን ጽብቕትን ብምዃና ተፈታዊት፡ ደቃ ገያሾ ብምዃና ከኣ ተናፋቒት እያ። ዘይውዳእ መገሻ ‘ወ፡ ትማሊ ንሜዳ፡ ሎሚ ኸኣ ንስደት። ፍቕራ ግን ወትሩ ኣብ ልብና ‘ሎ። ትማሊ ከነድሕና ንሜዳ ክንወፍር ከለና ተማሊእናዮ፡ ሎሚ ኣብ ጉዕዞ ስደት ‘ውን ኣይሓደግናዮን፡ ምሳና ‘ሎ።

women pሎሚ 18 መስከረም 2010 እዩ። እቶም ኤርትራ ካብ ምልካዊ ስርዓት ድሒና፡ መዳርግቲ መብጽዓ ስዉኣትና ንኽትከውን ፡ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ፍትሒ፡ ግዝኣተ-ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ክነግስ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠለቡ ሓርበኛታት ኤርትራውያንን፡ ኣፍ ዝኾኑዎም መንእሰያት ጋዜጠኛታትን፡ ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ተሓይሮም ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእ ትሽዓተ ዓመቶም ኮይኑ ሎ።

Amanuel Eyasu በቕሊ ዝረኸቡ ፈረስ እንተደለዩስ ሽፋ ይግበረሎም፡ እዞም ኣድጊ ዘይብልና በቕሊ ክንዕቕ ግን ኣይግድን !

Amanuel Eyasu እቲ ሕድሪ ህዝብን ሃገርን ጠሊሙ፡ ንጸሓይ ሃገርና ኣብ ምብራቓ ዘዕረባ ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዘመንጨዎ ፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ደረቱ ሓሊፉ መቐጸልታ ኣብ ዘይብሉ ጥርዚ በጺሑ ከምዘሎ ዝጋየሾ ኤርትራዊ የልቦን።

Uganda

ብሰብብ ኣሸባብ፡ ሞግዚት ኣሸባብ ክሕተት ናይ ግድን እዩ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እቲ ባይቶ ጸጥታ ብምኽንያት ዶባዊ ምስሕሓብ ምስ ጅቡቲ ንዘቕረበሉ ናይ መሬታዊ ዓመጽ ክሲ፡ ‘ኣይፋል፡ ካብ ዘይኣተኹዎ መሬት ‘ሞ ከመይ ኢለ ክወጽእ” “ባእሲ ዘይብለይ ‘ሞ እንታይ ዕርቂ ኣድልዩኒ” ኢሉ በቃጫጭ ዝተሰነየ እምቢታ ዘስምዐ ስርዓት ህግደፍ፡ ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ነቲ ከም ሓደ ዓንቀጽ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ዝቐረበሉ ጉዳይ ብመንጎኛነት ቀጠር ተቐቢሉ፡ ከተግብሮ ምዃኑ ተሰማሚዑ።

Eritreaህዝቢ ኤርትራ መሪር ቃልሲ ኣካይዱ ብኸቢድ መስዋእቲ ናጽነት ሃገሩ ምስ ኣረጋገጸ፡ ፡ ናብ ምዕባለን ህንጸትን ዝቐንዐ ኣቓልቦ እምበር ንኻልኣይ ዙርያ ቓልሲ ስነኣእሙራዊ ምድላዋት ዘሰላሰለ ኣእምሮ ኣይነበሮን።

Sanctionስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት 2009 ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብኽልተ ቀንዲ ጉዳያት ማለት፡ ነቶም መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ንምዕላው ዝቃለሱ ከም ብዓል ኣሸባብ ዝኣመሰሉ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ኣለዎም ተባሂሎም ዝኽሰሱ ጉጅለታት ዝተፈላለየ ሓገዛት ብምሃቡ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ኸኣ ብሓይሊ ምስ ጅቡቲ ኣብ ዘሰሓሕብ መሬት ኣትዩ ሰራዊት ኣቐሚጡ ከምዘሎ ተኸሲሱ እገዳ ተገይሩሉ።

June 20ህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ንምርካብ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ብኣሃዝ ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ ክትርእዮ ኸለኻ ጥራይ ኳ ዘሰንብድ እዩ። ድርኩኺት ህድሞን ኣግነትን መረባዕን ኤርትራውያን ስድራቤታት ሰጊርካ፡ ምስ ነፍሲ-ወከፍ ‘ቲ ኣብ መንደቕ ክብረት ዝነበር ዘሎ ኣሳእሎም ፊት ንፊት ክትጠማመት ከለኻ ግን እቲ ኣሃዝ ብኣሽሓት ተራቢሑ ዝያዳ ትርጉምን ርዝነትን ስለዝህበካ ካብ ስንባደ ሓሊፍካ ትርጉም ነብስኻ ክትሓትት ትግደድ፡

isaias and qatarስርዓት ህግደፍ ሎሚ “እዚ ሰማይ ምድርን ዘላግብ ሓሶት እዩ፡ ኣይወዓልኩዎን ኣይገበርኩዎን” ብምባል፡ ግዳይ ዓለምለኻዊ ውዲትን ቅጹዕ ኣመሪካን መሲሉ፡ ናይ ሓምሳታት ታሪኽ ብምግንጻል ከይተረፈ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ህዝቢ ከሰልፈሉ ንዝጸንሐ ክሲ፡ ኣብ ትሕቲ ጣውላ ተሓቢኡ ክእመነሉ ንምርኣይ ሳልስቲ ምቕናይ ጥራይ እዩ ዘድልየካ።

libiድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቃልስን ናጽነትን ርጉጽን ዘየወላውልን እዩ። ህዝብና ብቓልሲ ናጽነት ንምጭባጥ፡ ብናጽነት ከኣ ግዝኣተ ሕጊ ዝነገሳ ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገር ንምህናጽ ንጹር ራእይ ነይሩዎ።

Isunationንህግደፍ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ስርዓቱን ኣካይዳኡን ነቐፌታ ዘለዎ ወገን ጸላኢኡ እዩ። ካብ ብሕታዊ ዝናን ውልቃዊ ጠቕምን ሃገራዊ ዕላማታትን ህዝባዊ ረብሓን ዘብልጽ ልቦና ዘለዎ መንግስቲ እንተዝኸውን፡ ንነቐፍቱ ከም መቛርንቱ ‘ምበር ከም መቓርንቱ ክርእዮም ኣይምተገብአን።

Enoughኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ሓደ መንእሰይ ተጋዳላይ፡ ኣብ ጎደና ሓርነት ኣስመራ (ኮምብሽታቶ) ኣብ ዝርከብ እንዳ ሻሂ ምስ መሳትኡ ኣብ ዕሙር ዕላል ተጸሚዱ ኸሎ፡ ሓደ ስሉጥ-ሎቶሪ ዝሽይጥ ቆልዓ ሃንደበት ድምብር ኢሉ፡ “ሎተሪ ሎቶሪ” ኢሉ እናድሃየ፡ ነቲ ጥማር ሎተሪ ናብ ኢዱ ውትፍ ኣበለሉ።

Eritreansደጊም ‘ሲ፡ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ወይ ስርዓት ከምዘይብልና ኣረጋጊጽና ኣለና። ኣብ ሓንቲ ሃገር ከምዚ ዝኣመሰለ ባዶሽ ናይ ስርዓት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ብዕቱብ ክምለሽ ዘለዎ ዓቢ ሕቶ ‘ምብኣር፡ “ንሕና ከም ሕብረተሰብን ከም ህዝብን ከ ኣለና ዶ?” ዝብል ‘ዩ።

Eritreansደጊም ‘ሲ፡ ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ወይ ስርዓት ከምዘይብልና ኣረጋጊጽና ኣለና። ኣብ ሓንቲ ሃገር ከምዚ ዝኣመሰለ ባዶሽ ናይ ስርዓት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ ብዕቱብ ክምለሽ ዘለዎ ዓቢ ሕቶ ‘ምብኣር፡ “ንሕና ከም ሕብረተሰብን ከም ህዝብን ከ ኣለና ዶ?” ዝብል ‘ዩ።

Nkidስርዓት ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ ኢሳይያስ፡ ንምዕራባውያን ካብ ዘቕርቦ ብዙሕ ክስታት ሓደ፡ “ቅልውላው ብምፍጣር፡ ንቕልውላው ምምሕዳር” እዩ። ዋና ናይዛ ሜላ እዚኣ ግን ኢሳይያስ ባዕሉ እዩ።

Voice of Asenaክቡራት ተኸታተልቲ ፈነወ ድምጺ ኣሰና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ 1 መጋቢት፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ  ናይ ራድዮ ፈነወ ፡  ካብ ሎሚ 8 መጋቢት ደው ከነብሎ ከምዝወሰንና ሓቢርናኩም ኔርና። ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ ተኸታተልትና ብዝረኸብናዮ ግብረመልሲ መሰረት፡ ነቲ ድምጺ ኣሰና ደው ናይ ምባል ውሳኔ ኣሽንባይ ዶ ክትውዕሎ ክትሓስቦ ‘ኳ ዝድፍር ኣይኮነን።

Asenaኣብዚ እዋን’ዚ፡ ራድዮ እቲ ዝበለጸ መራኸቢ ከምዝኾነ ተገንዚብና ወትሩ እንሓስበሉ ዝነበርና ባህጊ እዩ። እንሆ ድማ ድሮ ሓደ  ዓመት ሓሊፉ፡ ድምጺ ኣሰና ክንጅምር ሓቦ ካብ እንገብር። ሓቦና ንበይኑ ግን እኹል ኣይነበረን። ሓቦናን ልግስኹምን ተደሚሩ እዩ፡ ንኣእምሮ ናይቶም ዓመጽቲ ዘናውጽ መቓልሕ ድምጺ ፈጢሩ። ስለዚ፡ ካብ ተበግሶና ንላዕሊ ደራኺ ንዝነበረ ንገንዘባውን ሓበሬታውን ኣበርክቶኹምን ሞራላዊ ደገፍኩምን ብልቢ ነመስግን።

Stand by the people no to dictator -asenaእቲ ጽዩን ስርዓት ህግደፍ፡ ክሳዱ ኣብ መሸንቆቛ እገዳ ተቐሪባትሉ ኣብ ዘላትሉ ሰዓት፡ ኣብ ወጻኢ ፈቐዳ ጎደናን ገዛን ቶርሞስ ዝብሉ  ሃሱሳት ኣዋፊሩ፡ ነቲ ብደምን ረሃጽን ድምጽን ዘረጋገጾ ናጽነት ንድሕሪት ገዲፉ፡ ካብ ዝፈትዋ ሃገሩ ናብ ዓዲ ጓና ዘሳጎጎ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ተመሊሱ፡  “ነዚ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሌና በይኑዎ ዘሎ እገዳ ክትኵንን ናብ ጀኔቫ፡ ኒውዮርክ “ኣዋፍረኒ፡ ኣባዝሓኒ”  “ርድኣኒ፡ ርድኡኒ” ኢሉ  ‘ከማዓልካ’ ኢሉዎ ንዘይፈልጥ ሰብ ክልምን፡ “ይርዳእካ” ኣብ ዝብሃለሉ ግዜ ኸኣ፡ “ሎሚ ኣብ ሰልፊ ህግደፍ ዘይተሰለፈ፡ ካብ ውራይ ረፈረንደም ከምዝተረፈ” ኢሉ ብዅርምትኻ ዘስሕቕ፡ ዓቕሊ ጽበታዊ ሃተፍተፍ የስምዕ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኢሳይያስ ነቶም ብወገን ፖለቲካ ጽግም ክብሎ ኸሎ መልጎም ጠዊቑ ከም መብረ ዓሻክሩ ዝጥቀመሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ሃገር፡ ነቶም ሓንቲ ቃሉ ከይርስዑ ወይ ከይመልኡ ፈጥፈጥ እናበሉ ዘንብቡ ኣምባሳደራት ከኣ ኣብ ወጻኢ ኣዋፊሩ፡ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተበየነ ኣብ ሓለፍቲ ህግደፍ ዘነጻጸረ እገዳ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቐንዐ ምዃኑ ንምእማን “ ናይ ርድኡና ርድኡና” ዘይተኣደነ ሰሚናራት ከካይዱ ኣዚዙዎም ቀንዩ።



ንጉሆ ሓደ ጥሪ 2010 ክልተ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ክልተ መዓስከራት ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ 25 ኣባላት ሰራዊት ቀቲሎም፡ 38 ከምዘቝሰሉ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ ንዜናዊ ጸብጻብ ሮይተርስ ብምጥቃስ ሓቢሩ።


ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ደቅኻ ህይወቶም ከይበቐቑ ስሌኻ ስለዝሓለፉ፡ ልብኻ ኣይተጠራጠረን። ሳላ ደቕኻ ንዝተረፉ ወፋሮ ኸኣ ‘ኩሎም ሓደ’ ኢልካ ኣማኒ ልብኻ መኒንካሎም። ተገሪህካ ‘ምበር ኣይተጋገኻን። ፍንጫሕ ሞት፡ መብጽዓ በጅኡ ሓይልዩ ህይወት ክዘርእ ‘ምበር ህይወት ክምሑ ዘይምጽባይካ ሓጥያት ኣይኮነን። እቲ ሓጥእ ሲ እቲ ገርሂ ልብኻ መታቲሩ ዝበልዐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 12 ዓመታት ደመ-ሕልናኡ ዝተጸንቀቖ፡ ሕጂ ድማ ግዜ ዝጽንቀቖ ዘሎ፡ ስስዐ ስልጣን ዘዕበድበዶ ስርዓት እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሒደት መዳርግቲ ዘለዎ ጅግንነት ፈጺሙ ነቲ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ነጻነት ሃገሩ ብኸቢድ መስዋእቲ ምስ ኣረጋገጾ፡ ንሒደት ዓመታት ጥራይ እዩ ኣስተንፊሱ። ናጽነት፡ መወዳእታ ብረታዊ ቓልሲ ብምንባራ፡ ሩፍታ ’ኳ እንተሰመዖ፡ መበገሲ ናይ ሓደ ደረት ዘይብሉ ናይ ምዕባለን ስልጣኔን ሓድሽ ጉዕዞ ምዃና ‘ውን ስለዝተገንዘበ፡ ብኡ ንብኡ ናብ መጻኢኡ ምቁማት ኣየቋረጸን።