Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“በለስ” ኣስመራ ነጊዱ ናብ ቦትኡ ዝምለሰሉ ወቕቲ ‘ዩ ‘ሞ እቲ ስግንጢራዊ ፍጻሜታት ናይታ ብህግደፍ ዝተበለለት ኤርትራ ከም ቀደሙ ምህላዉ ወረ ኣይተሳእነን።

ሎሚ 20 ሰነ ነቶም በጃ ህዝብን ሃገርን ዝሓለፉ ውፉያት ጀጋኑ ኤርትራ ኣኽብሮትና እንገልጸሉ ረዚን ዕለተ-ዝኽሪ እዩ። ዝኽሪ ንስለ ዝኽሪ ግን ፋይዳ የብሉን። ምስ ዕዙዝ ሞያኦም ምእንቲ ክዳረግ፡ ኣኽብሮትና ልባዊ ክኸውን ይግባእ።

aseንስርዓት ህግደፍ ሓዲግካ፡ ቅድሚ ቁሩብ ሳምንታት፡ “ወተሃደራት ኤርትራ ኣብ ግዝኣተይ ኣትዮም ኣለዉ፡ ወጥሪ ተኸሲቱ ‘ሎ” ክትብል ጅቡቲ ክሳብ ውድብ ሕቡራት ዘሰምዓቶ ኣቤቱታ ዝተኸታተለ ሰብ፡ በዚ ብ11ን 12ን ሰነ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዘጋጠመ ብረታዊ ረጽሚ ክግረም ኣይክእልን እዩ።

ይሰራሕ ወይ ይፈንጣሕ ዝቓናኡ ቅብጸታዊ ኣተሓሳስባ ክሳራ እዩ። ሃገር ካብ ምውናንና ንዝርከብ መኽሰብ ምሉእ ንምግባር ደኣ ክንዕጠቕ ኣለና ‘ምበር፡ ብሰሪ ሕመቕና ንዝጎደለ መቐረትን ላዛን መመኽኔታ ዕንወት ሃገር ክንገብሮ ኣይግባእን።

tegadalyእቶም ነታ ተጋዳላይ እትብል ሽም እናዘንጠልና፡ ኣበራት መሪሕነት ህግደፍን ሕመቕናን ከነጸግዓሉ እንህቅን ሰባት ኣብ መንጎ እቲ ናጽነትን ሓርነትን ንምርግጋጽ ህይወቱ ዘወፈየ ተጋዳላይን፡ መብጽዓ ሓርነትን ፍትሕን መሰልን ዲሞክራስን ተጋዳላይ ዝጠለሙ መራሕትን ዘሎ ዓቢ ፍልልይ ከነስተብህለሉ ይግባእ። ነቲ 90 ካብ ሚእቲ ግዳይ ዝኾነ ተጋዳላይ ከም በዳሊ ከሲስካ ፍትሓዊ ክትከውን ምህቃን ግን ምስሉይነት ጥራይ እዩ።

ዓለም ብዛዕባ መሰል ኣንጭዋን ፈረስን እናሞጎተት፡ ዓለም ዘይትርእዮን ዘይትዛረበሉን ናይ በይንና ዓለም ኣብ ትሕቲ መሬት ፈጢርና ‘ለና።

ሕጂ ብርዒ ዘቐበለኒ፡ ቅድሚ ገለ ሰዓታት ኣብ ‘ቴሌቭዥን ኤርትራ” (ሕጂ ‘ኳ ‘ቴለቭዥን ኤርትራ ነበር’ ንበላ) ዝረኣኹዎ፡ “ኣብ ዓድኻ ጥምየት ነይቐትል” ዘርእስቱ፡ ንግዳይነት ስደተኛታት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝምልከት ፈነወ እዩ።

ፈጺሙ ዘይርሳዕ ጸገም እዩ ዘለዎ። እቲ ብሕልሚ ዝረኣዮ መጠን ነብሱ ኣዝዩ ደርማስ፡ ብግብሪ ኣዝዩ ንኡስ ኮይኑ፡ ብዓድን ብግዳምን ፈጺሙ ዘየስምዕ ትርጉም ኣልቦ ኮይኑ ተሪፉ ምህላዉ እዩ ሕሰም ሕርቃኑ። እንተኾነ ሕርቃኑ ምስ ነብሱ ክኸውን ኣለዎ። መብጽዕኡን ህዝቡን እንተዘኽብር ሕልሙ ምግሃድ ኣይምኣበዮን። ህዝብኻ ምንዓቕን መብጽዓኻ ምጥላምን ግን የግዲ ሕልሚ ይገብረካ እዩ። ሕልሚ ስለዝኾነ ኸኣ እዩ ኣመና ንኢሱ ብሕርቃን ዝፍሓስ ዘሎ። መስጣ ሃገርን ህዝብን።

ንፖለቲካዊ ስልጣን ከም ናይ ህይወት ግድነት (necessity)  ዝርኢ ‘መራሒ’፡ ድምጺ ናይቲ ክመርሖ ዝሕልን ህዝቢ ምስማዕ ክኣቢ፡ ንሕቶታት ህዝቢ ምምላስ ክስእን ኸሎ፡ ንህዝቢ ጥፍኣት ንነብሱ ኸኣ ዕዳ ታሪኽ ከምዝፈረደ የረጋግጽ። ስለዚ ኸኣ ‘ዩ ህዝቢ ኤርትራ ሹም፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ከኣ ሽም ስኢኑ ዘሎ።

መራሕቲ ህግደፍ መማህራን መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ክኾኑ ፍጹም ኣይክእሉን እዮም። ህዝቢ ኤርትራ 10 ሳዕ መኪቱ እዩ፡ ንሳቶም ግን ኣብ ፈለማ እግሪ ስልጣኖም መብጽዓ ሰማእታት ኤርትራ ጠሊሞም ኣብ ስስዐ ስልጣን ክጨማለቑ ስለዝመረጹ ሃገር ሕምስምስ ኣቢሎማ።

mothersንብዓትን ቅርጸትን ብሰሪ ስዉእ፡ ዕልልታን ፍሽኽታን ምእንቲ ስዉእ ይእከልክን ኣዴታት ሃገረይ! ማህጸንክን ምንጪ ጀጋኑ፡ ልብኽን ሰፈር ልቦና እዩ። ልብኽን ንዝወግኣክን ገዲፍክን፡ ልብኽን ዝኣዘዘክን ስምዓ።

asenaእቲ ኣብ መንጎ ተቓውሞን ምትላልን ዘሎ ፍልልይ፡ ናይ ሓቅን ሓሶትን፡ ናይ ፍትሕን ዓመጽን ስለዝኾነ፡ እቲ ምስናይ ሞራላዊ ልዕልና እነንጎድጕዶ መቓልሕ፡ ንሕጂ፡ ንህዝብና ብስራት ንህግደፍ ቓንዛ ክኸውን እዩ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኸኣ ጭቡጥ ዓወት ክወልድ እዩ።

asena‘ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን’ ዝብል ምስላ ኣሎ። ሕጂ ግን እቲ ነገር ድሮ ተኻዕዩ ስለዘሎ ምዕራዩ ቐሊል ኣይኮነን። ከበደ ፈኾሰ እቲ ዕማም ብዘይካኻ ዋና ስለዘይብሉ ግን ኣብ ሑጻ ከይተሰትየ ኸሎ ዝርካቡ ክትሓፍስ ልቦናኻ ሓዊስካ ኢደይ ኢድካ በል።

asenaiኣብ ዝኾነ ጉዳይ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መሰልን ሓርነትን ደሞክራስን ካብ ብዘረባ ብግብሪ ክትጅምር ይምልክዕ። ከም ካልኣይ ምርጫ፡ ማዕረ ዘረባኻ ምግባር ። እዚ ምኽኣል እንተተሳኢኑ ድማ፡ ነቲ እትብሎን እትምነዮን ንባዕልኻ ክትግብሮ ብመንፈስ ቅሩብ ምዃንካ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ምንጽብራቕ  ኣድላዪ እዩ።

Sawaሓደ ካብ ቀንዲ ውድቀታት ስርዓት ህግደፍ፡ ጌጋታቱ ዘይቅበልን ምስ ግዜ ዘይምዕብልን ምዃኑ እዩ። ንፖሊሲታቱ ክዉንነት ነጺጉዎ ክንሱ፡ ‘ዋላ ትንፈር ጤል እያ’ ኢሉ ሜላታት ጥራይ እናቐያየረ ህልኽ ሓዊሱ ‘ዩ ከተግብሮ ዝፍትን።

HREነቦይ ነደይ፡ ንብዓልቲ ኪዳንይ ንሓድገይ ከይበሉ ጀጋኑ ኤርትራ ዝተደፍኡሉ ናይ ደም መሬት፡ ምስ ሓጥያትኩም ትረግጹዎ ዘለኹም ኣዛብእ ኤርትራ፡ ወይልኹም! ኣብ መንጎ ኪወግሓኩም እዩ!

20 seneኣብ’ዚ እዋን’ዚ ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ፡ “ተዛኒናሉ ኣለና፡ ሸለል ተባሂሉ ኣሎ” ኢልካ ብስኽፍክፍታ ጥራይ ዝሕለፍ ‘ውን ኣይኮነን። ወጀሃላይነት’ዚ ሰጊርና ኣብ ጥልመት በጺሕና ኢና። ሕድሪ ሰማእታትና ተጠሊሙ እዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ መስዋእቲ ዓሰርተታት ኣሽሓት ምሩጻት ደቁ ዝተቐበለ ህዝቢ ኤርትራ ግን ንመስዋእቲ ሕድሮም ክጸውር ኣይክእልን እዩ።

Sun Sታሪኽ ናይቶም ዘበርከቱ ስኑድ እዩ፡ መጻኢ ሃገር ዘየተኣማምን ኣብ ዝኾነሉ መድረኽ፡ ጸሓይ ኣብ ምዕራባ “ ንዓ ‘ባ ንዓባ “ ኣብ ዝብሉሉ ዘለዉ ሰዓት ግን፡  እቲ ብጥልመት ዝሰክሐ ህዝቢ “ኪድ ‘ባ ኪድ ‘ባ ጸሓይና ቐሪባ” ክብል ግድን እዩ። ሓንሳብ ዝግራህ እምበር ካልኣይ ዝዕሾ የለን።

እቲ ዝገርም፡ በቲ ሓደ ባይቶ ጸጥታ ዝብሃል የልቦን፡ “ኣመሪካ ባዕላ ውሳኔ ኣሕሊፋ፡ ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ ኣፍሪሳ፡ ንልኡኽ ዓቃብ ሰላም ትርጉም ኣልቦ ገይራቶ” እናተባህለ፡ “ተሓታቲት ኣመሪካ እያ” ኢልካ ምፍካር እዩ። ነታ ባይቶ ጸጥታ መሊኻ ድላያ ዝገበረት ኣመሪካ ደኣ ኸ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣበየናይ ወንበር ተሰቒሉ እዩ ብሕቶ ከረኻኽበላ?

ዮሃና ህዝቢ ኤርትራክቡር ህዝቢ ኤርትራ። ናጽነት ንስኻ ኢኻ ‘ሞ ብነብስኻ ተሓበን ! ርሑስ ኣውድኣመት ይግበረልካ ! ..ዝተቐየረ እንተተቐየረ፡ ርክብካ ምስዞም ጀጋኑ ቀዋሚ እዩ። እምነትካ ኣብኣቶም ጽኑዕ እዩ። ነባሪ ድማ ክኸውን ኣለዎ። ሰብ ጽቡቕ መብጽዓ ስለዝኾኑ ክብሮም ዓቅቦ። መሰረት ክብረትካ እዮም፡ ክዳን ክብረትካ ግን ንስኻ ኢኻ። ንስኻ ተድምቖ፡ ንስኻ ተህስሶ፡ ንስኻ ተሐድሶ።

‘ኣይፋልካን፡ ክንደይ ሳዕ ከተታልለና ዝብሎ ክሳብ ዘይተረኽበ፡ ካብ ጓይላን ጭርሖን ኣይኮብኵርን እዩ። ሎሚ ዘበን ከኣ፡ “ ወፍሪ ሎሚ፡ ራህዋ መጻኢ” ዝብል ጭርሖ ምሂዙ ኣሎ። ሰናይ ትምኒት ኣፋፍኖት ግብሪ እንተልዩዎ ጽቡቕ እዩ። እንተኾነ፡ መጽሓፈ-ተግባር ህግደፍ ድሮ ፍልሖ በሊዑዋ፡ ሕጂ እታ ህይወት ዘይብላ ናይ ጭርሖ መጽሓፍ ጥራይ እያ ተሪፋ ዘላ።

ካብ ኣካይዳኦም ከምዝርአ ካብ ቃላቶምን ከምዝስማዕ፡ እዞም ሰባት፡ ሓጥያት ጽድቂ ኮይኑ ዝስሞዕም ዘሎ እዮም ዝመስሉ። ህዝቢ ግን ንሳቶም ብዝተሰመዕም ኣብ ገነት ከእትዎም ፍቓደኛ ኣይኮነን። ንኤርትራ፡ ሳዕስዒት እምበር ሕቶ ዘይፍቀደላ ሃገር ክገብሩዋ ‘ኳ እንተፈተኑ፡ ህዝቢ ብእግሩ እምበር ብልቡ ይስዕስዕ ከምዝየሎ ክዝንግዑዎ ኣይግባእን። ልቡ ሕቶ ብሕቶ እዩ መሊኡ ዘሎ።

ኣብዚ ስርዓት ህግደፍ ናይ ወጻኢ ባጤራ ተጸንቂቑዎ ነቀይ-ነቀይ ዝብለሉ ዘሎ ቀውጢ እዋን፡ ኣብ ኤርትራ ካብቲ ዝርካቡ ሕንኳዅ ቆፎ-ባንካ ብዘይተጕላባ ባጀት ዝስልዓሉ ትካል እንተልዩ መረኸቢ ብዙሃን ህግደፍ፡ ብፍላይ ድማ ‘ቲቪ-ኤረ’ እዩ።

ሃገረይ፡ ናጽነት ግን መጀመርያ ምበር መወዳእታ ናይ ሃገር ኣይኮነን። ትርጉም ናጽነት ምስ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ደምን ስጋን ወሲኹ ዝሓድር በዳሂ ኣምር እዩ። ብግብራውነት መብጽዓን እምነትን ናይዞም ሞባእ ነጻነት ዝኾኑ ጀጋኑ ሰማእታት ስለዝልካዕ ከኣ‘ዩ ኣመና ዝኸብድ። ቃል እምነቶም ብጽኑዕ ክሕሎ ኣለዎ።

እቶም ንነብሶም ከም ፈጠርቲ ኤርትራ ዝርእዩዋ ውልቀመለኽቲ፡ ኣብ ነጻነት ካብ ዘፍረዩዎ ዘዕነዉዎ ስለዝበዝሐ 'ኣብ ጥርሙዝ ቴለቭዥን ብቕያን ታሪኽን ናይቶም ዝሓለፉ ጀጋኑ ክምልክዑ ሒዅ ይብሉ 'ኳ እንተለዉ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ናይቲ ትማሊ ዘሐብን ታሪኽ፡ ካብዚ ናይ ሎም ዘሕንኽን ዘስገድግድን ተግባራቶም ዝነፊ ልቢ ኣለዎ።

ምእንቲ ሽምን ዝናን ስልጣንን ሓደ፡ ከብዲ ኣሽሓት ምዅናን፡ ከምቲ ኣብ ዘበን ሃይለስላሰ ዝተራእየ በንጻሩ ክልክሞም ክምዝኽእል'ውን ክስቆሮም ይግባእ። ኣሽሓት ብሓልንጊ ጥምየትን ዓጸቦን እናተሳቐዩ፡ መግቢ ኣብ መኽዘን ከዚኑ ብርእስኻ ምኽኣልን ዘይተጸባይነት ረዲኤትን ዝዋራዘ መንግስቲ፡ ሽምን ወንበርን ዘይኮነ ኩርማጅን ሓመድን እዩ ዝግብኦ።