Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዘፍረዮ ጫት ውራየይ ኢሉ ናብ ጅቡትን የመንን ይሸይጥ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ኣብዚ ጽዩፍ ንግድ ብቐጥታ ተዋፊሮም ዘለዉ ሰበስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ መልኣከ ተኽለማርያም (ወዲ ፊቶውራሪ)፣ ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ሑመድ ካሪካረ፣ ከምኡ ድማ፣ ፍጹም ገብሪሂወት (ወዲ መምህር) ምዃኖም

READ MORE

ምኪኤል ስባህቱ ዝተባህለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክተማ ለንደን ዝነበር ኤርትራዊ ኢንጂነር፣ መስርሕ ምዝርጋሕ ኤለትሪክ ኣብ መናድቕ ህንጻታት ዘቃልል መሳርሒ ከምዝመሃዘ ኣብ ፋይናንሻል ታይምስ ዝወጸ ዓንቀጽ ሓቢሩ። እቲ ኣብ 1990 ናብ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምስዳዱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብተክኒካል ኢንጂኔሪን ዝተመረቐ ምኪኤል ልዕሊ 40 ሽሕ ኣታዊኡ ኣብቲ ፕሮጀክት

READ MORE

መላኽነት ወይ Dictatorship እንታይ'ዩ? ቕድሚ መላኽነት ወይ Dictatorship እንታይ'ዩ? ንዝብል ሕቶ ዝርዝራዊ መልሲ ምሃብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ወይ democratic system ኣንታይ ከምዝኾነ አሕጽር አቢልካ ምርአይ አገዳሲ ይኸውን። ዲሞክራስያዊ ስርዓት ወይ democratic system ካልእ ጫፍ ወይ አንጻር ናይ መላኽነት ወይ  Dictatorial system ኮይኑ፡ ህዝቢ ማእከል ጌሩ፡ አብ ሕገ

READ MORE

ሎሚ ዘበን ኣብ ኤርትራ ጽቡቕ ክራማት ብምንባሩ ድሓን ናይ እኽሊ ፍርያት ኳ እንተተርኽበ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ብዘዘውትሮ ዘሎ ቀጻሊ ግፋን ምቍጽጻር ዓያዪ ጉልበትን ነቲ እኽሊ ኣብ ምዕጻዱን ምእታዉን እኹል ጉልበት ብዘይምህላዉ ህዝቢ ተሸጊሩ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ከምዝርከብ ምንጭታት ሓቢሮም:: እቲ ዝፈረየ እኽሊ ከይባኽን ካብ ኣሃዱታቶም ሞሊቖም ስድርኦም

READ MORE

ሓንቲ ከቢድ ሕማም ካንሰር ዝነበራ ስማ ዘትገለጸ ጓል 14 ዓመት እንግሊዛዊት ቆልዓ፣ መድሃኒት ኣብ ዝተረኽበሉ ግዜ ናብ ዳግማይ ህይወት ክትምለስ መታን ሬሳኣ ኣብ ክንዲ ዝቕበር ኣብ ፍሉይ ምዝሓሊ ደስኪሉ ክጸንሕ ኣብ ቤትፍርዲ ተኸራኺራ ድሕሪ ምዕዋታ፣ ከምዚ ዝበለቶ ድሌታ ተማሊኡላ ኣካላታ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ፍሉይ ቦታ

READ MORE

ነዛ ሓጻር መልእቲ ክጽሕፍ ዝቐሰበኒ ምክንያት ብዕለት 06/11/2016  ኣብ  ዕላል-የዕሩኽ (paltalk) ሕድሪ ጀጋኑናን ስመር-I  (Smerrr1 - and  Hidi Jeganuna )  ኣሳለጥቲ ዓለምለካዊ  ተበጉሶ  ሓይሊ ዕማም ዘቕረቡዎ ኣስተምህሮን ሓበሬታን ዝሃብዎ ብትሕዝትኡን ኣቀራርቡኡን ›ኣዝዩ ልብካ ዝመስጥ፣ ተስፍ ዝህብ እዩ እሞ ኔሩ ክንስዕቦን ክንድግፎም ሎሚ ጽባሕ ዘይባሃሎ ጉዳይ ኾይኑ

READ MORE

ዕጥቂ ስነ-ጥበበኛታት፡  16.11.16፡ “ድምጻዊ መንእሰይ ሮቤል ሚካኤል፡ ንስኻስ ቆንጆኻ ከተናዲ ጥራይ ብኣምሓርኛን ትግርኛን ብምድራፍካ ክንድኡ ካብተባህለ፡ ብዛዕባ ነቶም ዘይእንታይና ኣምሓሩ ሓቚፉ ዘሎ መራሒና ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከድኣ እንታይኮን ክበሃል ምተኻእለ?” ኣቐዲመ ከምኣቦን ዜጋን መጠን ልዕሊ’ቲ ንህዝብኻን መሳቱኻን ዝሃብካና ልዑል ሰላምታ፡ ናተይ ደሪዐ ከምቖካ እፈቱ። ኣስዒበ ንብ ዛዕባ ኣብ

READ MORE

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዶብ ፈረንሳ ካሌስ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን ቆልዑ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ዑቕባ ከይረኽቡ ዝቕይድ ቅጥዒ ብምውጽኡ ብኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ብትሪ ከምዝነቐፉዎ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ። እቲ ስደተኛታት ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ከተማ ካሌስ ናይ ፈረንሳ ድሕሪ ምዕጻዉ ዝወጽአ ሓድሽ ቅጥዒ፣

READ MORE

ካብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ኣብታ ዝነበሩዎ ጃልባ ሞይቶም ዝተረኽቡ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ግዳያት ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ 15 ሕዳር ኣብ ሲሲልያ ስነስርዓት ቀብሪ ከም ዝተኻየደሎም ኣብ ካታንያ ዝነበር መንነቶም ኣብ ምጽራይ ዝተሓባበረ ሓደ ግዱስ ኤርትራዊ ኣቶ ኣብርሃ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ኣረጋጊጹ። እቶም

READ MORE

እቲ ክብ ዝበለ ዓለም ለኻዊ ተሰማዕነት ዘለዎ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብዚ ዝመጽእ ዓመት 2017 ትግርኛ ብዝርከቦም 11 ቋንቋታት ኣገልግሎት ፈነወ ብምጅማር ሚልዮናት ኣህዛብ ክበጽሕ መዲቡ ከምዘሎ ትማሊ ረቡዕ 16 ሕዳር ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቶም ክውሰኹ መደብ ተታሒዙሎም ዘለዉ ቋንቋታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝይዳ ዝዝረቡ ኣፋን ኦሮሞን ኣምሓርኛን፣

READ MORE

ወርሒ 10/ 1973 ናይ 1973 ዝነበር ምንቅስቓስ  ብከምዚ ኣገባብ ይጅምር* በራኺ ፈንቅል ጸጋይ ቀሺ ኣድሓኖም ኢሰያስ ተወልደብርሃን ኮይኖም ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምዚ ይብልዎ፡- እዚ ኵሉ ኩነታት ኣምጺእዎ ዘሎ ሰለሙን ወልደማርያም ኢዩ። ምኽንያቱ ካብ ቀደም ጅሚሩ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ኣውራጃ ምንቅስቓስ ሕጂ’ውን ጀሚርዎ ኣሎ። ስለዚ ንህ ዘሎና ኩሉ ክንፍድሖ ኢና።

READ MORE

ዝኸበርካ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ እዚ ዘካፍለካ ዘለኹ ሕውነታዊ ምኽርን ምሕጽንታን፡ ዕድመን ጾታን ዘይፈሊ ኣውያት፡ ማእሰርትን ስደትን ህዝብና ለይትን መዓልትን ክስምዖ ይመረኒ፡ የሕስበኒ፡ ህላወ ኤርትራ የጠራጥረኒ ስለዘሎ፡ ህዝብኻን ሃገርካን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ንመጻኢ ወለዶ ዘኹርዕ ስጉምቲ ክትወስድ ንምዝኽኻር’ዩ። ከምእትዝክሮ፡ ኣብ ግንቦት 1991፡ እታ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ

READ MORE

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ እቲ ምስ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ሶማላዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣስጋእነቱ ገና ከምዘይተወገደ ብምጥቃስ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሶማልያን ንሓያለ ዓመታት ኣጽኒዑዎ ዝጸንሐ እገዳ ኣጽዋር ከምዘናውሖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣገንዚቡ። እቲ 15 ቀወምትን ግዝያውያንን ኣባላት ሃገራት

READ MORE

ዓባይ ብሪጣንያ ጸጥታ ናይቲ መራኽብ ንግድን ነዳድን ዓለም ብጻዕቂ ዝመሓላልፋሉ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ዝርከብ መጻብቦ ባብ ኤለምንደብ ንምቍጽጻር ነታ ዝማዕበለት ናይ ውግእ መርከባ ብሰላሕታ ኣዋፊራታ ምህላዋ oilprice.com ዝተባለ መርበብ ዜና ንጋዜጣ The Times  ናይ ዓዲ እንግሊዝ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ምዋፍር ናይታ HMS

READ MORE

ቅድሚ ትማሊ 8 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ፣ እቲ ኣብ መስርሕ ምርጫ ኣንጻር ሰደተኛታትን ውሑዳን ጉጅለታትን ደቀንስትዮን ዝቐንዐ ዘይውርዙይ ጎስጓሳት ብምክያድ ኣብ ሚልዮናት ኣመሪካውያን ስግኣትን ቂምታን ዘሕደረ ቢልዮነር ኣውፋሪ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሂላሪ ክሊንተን ተዓዊቱ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ኣመሪካውያን ወጻኢ መበል 45

READ MORE

ንጉያ ብጉያ ትቕድሞ ንቖሎ ስገም - ዓሚካ ትግስሞ ንጽቡቕ ከይደቀስካ ትሓልሞ ንመደብ ስራሕ - ኣቐዲምካ ትኣልሞ ውጽኢቱ ክትሓፍሶ ክተለምልሞ ባኺኑ ከይተርፍ - ውጽኢት ጻዕርኻ ተጋየይ ኣስተውዕል - የማን ጸጋምካ ንዓል ገበል ጎብየ - ከቲሮም ከይበልዑኻ ተጠንቀቕ መርምሮ - ጉዕዞ መገድኻ። ብእግርኻ ይረግጹ - ብጫማኻ ይኸዱ ንልሳንካ ጨውዮም - ብዛዕባኻ የኻዕድዱ መንነትካ ዘንጊዖም - ብምልሓሶም ይዓብዱ ንስኻ ክትርህጽ

READ MORE

ኣመሪካ ገና ጎብለል ዓለምና ከም ምህላዋ መጠን፣ እቲ ጽባሕ 8 ሕዳር 2016 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫኣ ዓለም-ለኻዊ ኣቓልቦ ክስሕብ ባህርያዊ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝዓጀበኒ ሓደ ነገር እንተሃልዩ፣ ህዝቢ ኣመሪካ ጽባሕ ንሂላሪ ክሊንተን ወይ ዶናልድ ትራምፕ ከም ፕረዚደንት ንምምራጽ ድምጹ ክህብ ተዋዲዱሉ ኣብ ዘለወሉ ናይ ዜሮ ሰዓት፣

READ MORE

ኣልኣዛር ብርሃነ ዝተባህለ፣ ኣብ ሊብያ መስቀል ዘለዎ ማዕተብ ገይሩ ክኸይድ ከሎ ብ ኣይሰስ ተታሒዙ ን ሰለስተ ዓመታት ዝተሳቐየ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ስደተኛ፣ በቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጥልያን ሰጊሩ ኣብ ካግሊ-ያሪ (Cagliari) ዝበሃል ከተማ ብኣጠራጣሪ ኩነታት ድሕሪ ምማቱ፣ 5 ህዋሳቱ ብኡንብኡ

READ MORE

እንፈትዎ ኣቦናን ሓውናን ገዲም ተጋዳላይ ተሓኤ፡ ገብረሚካኤል ኪዳነ (ጻዕዱ): ብዝሓደሮ ሕማም ትማሊ ሰንበት 11/06/2016 ኣብ ኢንድያናፖሊስ ዓሪፉ። ናይ ሐዛንን ቀብርን ስነ ስርዓት ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ሓዘን ። ሰሉስ ረቡዕ ሓሙስ 11/8-11/2016 5-9 ድቀ: ዓርቢ 2-10 ድቀ ደብረገነት ኪዳነ-ምህረት ኦርቶዶክስያዊት ቤተ-ክርስትያን 230 W. Morris St. Indianapolis, IN46225 ፍትሓት፡ ቀዳም 11/12/2016 ካብ ሰዓት 1-3 ድቀ ደብረገነት

READ MORE

በሃር ኤርትራዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሰ፣ ሎሚ ሰንበት 6 ሕዳር ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ  ውድድር ማራቶን ዓወት ጨቢጡ። ወዲ 20 ዓመት ግርማይ ገብረስላሰ ኣብ ክልተ ሰዓትን ሸውዓተ ደቒቕን ሓምሳን ሓደን ካልኢትን (02:07:51) ውድድሩ ብምዝዛም እዩ፣ ብድሕሪኡ ዝነበረ ኬንያዊ ተወዳዳሪ ሉቃስ ሮቲች ብልዕሊ ሓደ ደቒቕ ቀዲሙ እዩ ተዓዊቱ። 

READ MORE

ሽሕ`ኳ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ብኸቢድ መስዋእቲ ጀጋኑ ዝተረኸበ እንተኾነ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፥ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ናይ ዝሓሸ ህይወት ሕልሙ ክግህደሉ ኣይከኣለን። ሎሚ በዚ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳኸፍአን እንዳገደደን ዝኸይድ ዘሎ ኲነታት ሃገርና ዘይሓዝንን ዘይጒህን ኤርትራዊ ምስ ዝህሉ ሕልና ዘይብሉ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ። ካብዚ

READ MORE

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመዘዞ ተኸታታሊ ጉጅለ እገዳ፣ ብ ሓገዝ ወጻኢ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ወተሃደራዊ መደበርን ወደብን ምስርሑ ይኹን፣ ህላወ  ናይ ወጻኢ ኣጽዋርን መሳለጥያታትን፣ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ዝጥሕስ ምዃኑ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣገንዚቡ። ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብውሑዱ 240

READ MORE

ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ብህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ክረጋገጸሉ ዘልዕሎ ግሁድን ዘይግሁዱን ተቃውሞን መረረን፡ “ኣብ ዝበጽሖ የብሉን” ኢሉ ስለዝንዕቆን ብጭካነ ይምልሰሉ ስለዘሎን፡ ይዕበ ይንኣስ ፍጻሜ ህግደፍ ወትሩ እዉጅ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ፡ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክሳብ ክንደይ ተነጺሉ ከምዘሎ ዝግንዘቦ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ

READ MORE

“ Those who cannot learn from history are doomed to repeat it “ Gearge Santayana ትርጉሙ “ እዞም ካብ ታሪኽ ዘይመሃሩ ፥ ጌጋታት እናዯገሙ ይነብሩ “ ሽግራት ብቐሊሉ ክፍትሑ ኣብ ዘለውሉ እዋን ፥ ቀልጢፍካ ብዘይምውሳንን ሓቢርካ ብዘይምስራሕን ፥ ኣብ ዘይተዯልየን ብቐሊሉ ክትወጽኦ ኣብ ዘይትኽእልን ዓዘቕቲ ይእቶ። ክሳራታቱ

READ MORE

ናብ ዝኸበርኩም መደብ መቕረብቲ፤ ኣነ ኢትዮጵያዊ ኮይነ መደብኩም ካብ ብዕሙቀት ዝከተታተሉ ሓደ እየ። እስቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተዓዘብክዎ ንእሽተይ ወስ ከብለልኩም እሞ ብዝጥዕም ክተቕርብዋ ይምነ። ህበይ ፅሕፍለኹ ኢላ ኣብ ክንዲ ብክንቲት ብካራ ክሳዳ በጢሳ ይበሃል። እዛ ሓሳብ ገና ብቖልትና እናሃለና ፅውፅዋይ ዝዝረበና ዝነበረ ዘኪረ እየ። እዚ እውን

READ MORE

እወ ኤርትራዊ ብሐፈሻ ብፍላይ ድማ ንደለይቲ ፍትሒ ኢና እናበሉ ዝዛረቡ፦ እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብዘይክፍሊት ናይ ሰብ ሕልና አብ ብድሌት ዝተሞርኾሰ'ዩ። እንተኾነ ጃህራን ሐሶትን ከም ዝቀትል ዘይፈልጡ፡ ንሐቀኛ ጅግንነታዊ ታርክና ዝፈታተኑ ብርግጽ አተዓባብያ ዝበደሎም፡ ከም ሃመማ አብ ዝጨኑ ቀልቀል ዝዓይነቱ ጥራሕ ዝዓስሉ፡ ተንኾለኛታት ሕጂ ተጸምቢሮሙና

READ MORE

ህዝቢ ኤርትራ መሓልፎ ሎሚ - ማለት ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ሰውራ አካይዱ ልኡላውነት ምጕንጻፉ - ተራእዩ ዘይፈልጥ ጸጥታዊ ጸገም አለዎ። መነባብሮ ህዝብና ብጥሜትን ውግእን ሰላሙ ካብ ዚጠፍኦ ዳርጋ ሓደ ዘመን ሓሊፉ’ዩ፣ ይኹን ድአ’ምበር ማሕበራውን ጸጥትኡን መኣዝን ቃልሱን ከምዚ ናይ ሕጂ ዘለዎ መኣዝኑ ስሒቱ ኣይፈልጥን። ዚዀነ

READ MORE

መዋእል ተረሚሰ ብብዙሓት ረገጽቲ ብየማን ብጸጋም፡ ጻዓዱ ጸለምቲ ደቀይ ኣጓንዮም ንሃብተይ በርበርቲ። ድሕሪ ነዊሕ ገድሊ፡ ሰፍዘይብል ዋጋ እፎይ ኢለ፡ ከዕርፍ ብስጋ መንፈሰይ ኣይቀሰነን፡  ከየዉሓስኩ ሕጊ እንዳ`ባ ዓመጽ፡ ግፍዒ፡ ምልኪ ጨንይኒ ብኣጋ። ደቀይ እቶም ዉፉያት፡ ደለይቲ ፍትሒ ንነብሶም ዘይኮነ ነሕዋቶም ሓለይቲ በብሓደ ጠፍኡ፡ ብዉሑዳት ጠለምቲ። ወላዲት፡ እወ ኣነ እታ ወላዲት ኤርትራ ኣደራዕ ስቃይ ሓዘን ጥምየት ምስ መከራ ክጸሮ

READ MORE

  ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ናብ ኒውዮርክ ዝመጹ 1500 ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት’  ከምዝፈጸመን ኣብ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ብሓለፍነት ክሕተትን ንዘሕለፎ ውሳኔ ብምድጋፍ፣ ሎሚ 27 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ፊት ህንጻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰላማዊ ሰልፊ

READ MORE

ነቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይይስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ዝሃቦ መደምደምታ ብምድጋፍ ጽባሕ 27 ጥቅምቲ ኣብ ፊት ቤትጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝካየድ ናይ ደግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ንምስታፍ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን ዝመጽኡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብድሮ ኒውዮርክ ይኣትዉ

READ MORE

ክልተ ፓይሎታት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሎሚ ንጉሆ 26 ጥቅምቲ ሓንቲ ናይ ስልጠና ንፋሪት ሒዞም መቐለ ብምዕላብ ናብ ኢትዮጵያ ኢዶም ከምዝሃቡ ዜናዊ ምንጭታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጦም።   ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ ኢዶም ዝሃቡ ክልተ መኮንናት ሓይሊ ኣየር፣ መብራህቱ ተስፋማርያም መንገሻ፣ ከምኡ ‘ውን ኣፈወርቂ ፍስሃየ ገሬሱስ እዮም።   ቅድሚ ሕጂ ‘ውን ፓይሎታት ዝርከቡዎም

READ MORE

22.10.2016 መተዓብይቲ  ደቂ  ደቀምሓረ  ኣብ  ሃገር  ጀርመን  ዝነብሩ  ብኣካል ተራኺቦም  ነንሕድሕዶም  ክፋለጡን  ኢሂን ምሂን  ተበሃሂሎም  ከኣ  ክመያየጡን ንዘኽእሎም  ኲነታትን ሃዋህውን ንምፍጣር  ድሕሪ  ናይ  ሓያሎ  እዋን  ውረድ ደይብ  ሓሳባት  እነሆ  ከልብን መዓልትን  ከይጸዋዕካዮም  ይመጹ  ተባሂሉ  ብኣበው  ኣቦታትና  ከምዝተመሰለ  ኣብ  ከተማ ፍራንክፈርት ብዕለት 22.10.2016  ብዘደንቕ ኣገባብ  ብቡዙሓት   ደቂ

READ MORE

ሕጂ’ውን “ሕሳብና ንግበር!”    2ይ ክፋል  22,10,16፡ መብርሂ፦ ከምቲ ኣቐዲመ ዝሓበርኩዎ ጽሑፋተይ ብ”ዎርድን ፒዲኤፍን (Word and PDF) ስለዝሰዶ ኣብ Assenna .   com ምንባቡ እንተጸጊምኩም ኣብ Togoruba.org ብፒዲኤፍ ምንባቡ ከምዝቐለልኩም ክሕብር እፈቱ። ንኣብነቱ ቀዳማይቲ ክፋል ናይዛ ኣርእስቲ ተመሊስኩም ኣንብቡዋ። ስለ’ቲ ሓበበሬታኹም ድማ ኣዝየ አመስግን። ንቐጽል በሉ። ክቡር ጀነራል፡ መቸም

READ MORE

ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ጻዕርታትና ኣወሃሂድና ክንቃለስ ብዘይምኽኣልና፡ኣብ’ዛ ንነብረላ ዓለም ናይ ኤርትራውያን መቕዘፍትን፡ ስቓይን፡ ሓዘንን፡ ጸበባን ወዘተ መዛረቢ ካብ ዝኸውን ዓመታት ሓሊፉ እዩ።እቲ ደለይቲ ፍትሒ ተፈላሊና ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ብመጠኑ ኣዎንታዊ ውጽኢት ይሃልዎ’ምበር ነቲ ንደልዮ ፍጹም ዓወት ክንጭብጦ ብዘይምኽኣልና ብዙሕ ህይወት ከሲርና ዝተረፈ ከኣ ኣብ ውሽጢ

READ MORE

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክርስያዊ ለውጢ ከም ሰፊሕ ሀገራዊ ጽላል መጠን፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘጋጥምዎ ዕንቅፋታት ንምስጋርን ካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ብመሰረት ቀዳማይ ሰሚናር ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ዝተወጠነ መደብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካላኣይ ሰሚናር ብምጽዋዕ ካብ 14-17/10/2016 ኣብ ዘሎ ግዝያት ምምኽኻራዊ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ- ኣበባ ተሰላሲሉ። ካልኣይ ሰሚናር

READ MORE

ነቲ  ን27 ጥቅምቲ ኣብ ኒውዮርክ ክካይድ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝምልከት ትማሊ  ረቡዕ ምስ ድምጺ ኣሰና ቃለምጠይቕ ዝገበሩ ወከልቲ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ኒውዮርክ፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት’ ከምፈጸመ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘ መርማሪ ኮምሽን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘሕለፎ ውሳኔ

READ MORE

ቤት ፍርዲ ዓዲ እንግሊዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ኣብ ሓደጋ ክወድቁ እዮም ኢሉ ነቲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ፣ (Home Office)፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣትሪሩዎ ዝጸንሐ መምርሒ ዑቕባ ኤርትራውያን ዝጻረር ብይን ድሕሪ ምሕላፉ፣ Home Office ነቲ ቀጻሊ ነቕፌታ ክበጽሖ ዝጸንሐ ፖሊሲኡ ክቕይሮ ከምዝተገደደ

READ MORE

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ St. Paul ሬድ ሲ ማርኬት ዝብሃል ቢዝነስ ዝውንን ህርኩት ኤርትራዊ ማይክ ተኸስተ ንሓንቲ ብሓደ ድልድል ዘሊላነብሰ ቅትለት ክትፍጽም ዝፈተነት ኣደ ብምድሓኑ ሎሚ ሰኑይ ብኣኽበርቲ ሕጊ ናይቲ ዝነበረሉ ከባቢ፣  ‘Ramsey County Sheriff’s Award for Excellence’ ዝብሃል ናይ ንኡድ ስርሓት ማዳልያ ክሽለም ምዃኑ twincities.com

READ MORE

ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና!   ኣቱም ኣሕዋት! ብጉድለት ንቕሓት ንጠፍእ ከም ዘለና ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና! ኣብ ሓደጋ ንወድቕ ከም ዘለና! ይስቆረናዶ’ሎ ይስቆረና! ቅድሙን ድሕሩን ሰሪዖምና ከም ዘለዉ ከጥፍኡና ንዝቐደሙ ክነድሕን እንተ ዘይተጓየና ደድሕሪኦም ስዒብና ጠፋእቲ ምዃና ደቂ ጀጋኑ ሰብ ታሪኽ ምዃና ስለ ዘዘንግዑና ይሕልኑ ከም ዘለዉ ዋና ዘይብላ መሬት ከረክቡ ንጸላኣትና ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና! ሓንቲ ጥራይ ምዃና ምርጫና እስከ ንሕተት ንተሓታተት! ከይጸቐጠና ድበት እስከ ንመርምር ሕልናና ንዘክር ደቂ ክቡር

READ MORE