ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዘፍረዮ ጫት ውራየይ ኢሉ ናብ ጅቡትን የመንን ይሸይጥ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ኣብዚ ጽዩፍ ንግድ ብቐጥታ ተዋፊሮም ዘለዉ ሰበስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ መልኣከ ተኽለማርያም (ወዲ ፊቶውራሪ)፣ ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ሑመድ ካሪካረ፣ ከምኡ ድማ፣ ፍጹም ገብሪሂወት (ወዲ መምህር) ምዃኖም
ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ዘፍረዮ ጫት ውራየይ ኢሉ ናብ ጅቡትን የመንን ይሸይጥ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ኣብዚ ጽዩፍ ንግድ ብቐጥታ ተዋፊሮም ዘለዉ ሰበስልጣን ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ መልኣከ ተኽለማርያም (ወዲ ፊቶውራሪ)፣ ሓላፊ ሓይሊ ባሕሪ ሑመድ ካሪካረ፣ ከምኡ ድማ፣ ፍጹም ገብሪሂወት (ወዲ መምህር) ምዃኖም
ምኪኤል ስባህቱ ዝተባህለ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ክተማ ለንደን ዝነበር ኤርትራዊ ኢንጂነር፣ መስርሕ ምዝርጋሕ ኤለትሪክ ኣብ መናድቕ ህንጻታት ዘቃልል መሳርሒ ከምዝመሃዘ ኣብ ፋይናንሻል ታይምስ ዝወጸ ዓንቀጽ ሓቢሩ። እቲ ኣብ 1990 ናብ ዓዲ እንግሊዝ ድሕሪ ምስዳዱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ብተክኒካል ኢንጂኔሪን ዝተመረቐ ምኪኤል ልዕሊ 40 ሽሕ ኣታዊኡ ኣብቲ ፕሮጀክት
መላኽነት ወይ Dictatorship እንታይ'ዩ? ቕድሚ መላኽነት ወይ Dictatorship እንታይ'ዩ? ንዝብል ሕቶ ዝርዝራዊ መልሲ ምሃብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ወይ democratic system ኣንታይ ከምዝኾነ አሕጽር አቢልካ ምርአይ አገዳሲ ይኸውን። ዲሞክራስያዊ ስርዓት ወይ democratic system ካልእ ጫፍ ወይ አንጻር ናይ መላኽነት ወይ Dictatorial system ኮይኑ፡ ህዝቢ ማእከል ጌሩ፡ አብ ሕገ
ብ ኣወልኼር ዓ/ሕፊዝ ”ናይ ዝተወለድካላ ስድራ፤ናይ ዝብጻሓካ ቦታን ህዝብን ባህልን ቋንቋን፡ ናይ ትኣምኖ ሃይማኖት፤ ናይ ዝተማሃርካላ ቤት ትምህርቲ፡ ናይ ትድግፋ ጋንታ ኩዑሶ
ሎሚ ዘበን ኣብ ኤርትራ ጽቡቕ ክራማት ብምንባሩ ድሓን ናይ እኽሊ ፍርያት ኳ እንተተርኽበ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ብዘዘውትሮ ዘሎ ቀጻሊ ግፋን ምቍጽጻር ዓያዪ ጉልበትን ነቲ እኽሊ ኣብ ምዕጻዱን ምእታዉን እኹል ጉልበት ብዘይምህላዉ ህዝቢ ተሸጊሩ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ከምዝርከብ ምንጭታት ሓቢሮም:: እቲ ዝፈረየ እኽሊ ከይባኽን ካብ ኣሃዱታቶም ሞሊቖም ስድርኦም
ሓንቲ ከቢድ ሕማም ካንሰር ዝነበራ ስማ ዘትገለጸ ጓል 14 ዓመት እንግሊዛዊት ቆልዓ፣ መድሃኒት ኣብ ዝተረኽበሉ ግዜ ናብ ዳግማይ ህይወት ክትምለስ መታን ሬሳኣ ኣብ ክንዲ ዝቕበር ኣብ ፍሉይ ምዝሓሊ ደስኪሉ ክጸንሕ ኣብ ቤትፍርዲ ተኸራኺራ ድሕሪ ምዕዋታ፣ ከምዚ ዝበለቶ ድሌታ ተማሊኡላ ኣካላታ ኣብ ኣመሪካ ኣብ ፍሉይ ቦታ
ነዛ ሓጻር መልእቲ ክጽሕፍ ዝቐሰበኒ ምክንያት ብዕለት 06/11/2016 ኣብ ዕላል-የዕሩኽ (paltalk) ሕድሪ ጀጋኑናን ስመር-I (Smerrr1 - and Hidi Jeganuna ) ኣሳለጥቲ ዓለምለካዊ ተበጉሶ ሓይሊ ዕማም ዘቕረቡዎ ኣስተምህሮን ሓበሬታን ዝሃብዎ ብትሕዝትኡን ኣቀራርቡኡን ›ኣዝዩ ልብካ ዝመስጥ፣ ተስፍ ዝህብ እዩ እሞ ኔሩ ክንስዕቦን ክንድግፎም ሎሚ ጽባሕ ዘይባሃሎ ጉዳይ ኾይኑ
ዕጥቂ ስነ-ጥበበኛታት፡ 16.11.16፡ “ድምጻዊ መንእሰይ ሮቤል ሚካኤል፡ ንስኻስ ቆንጆኻ ከተናዲ ጥራይ ብኣምሓርኛን ትግርኛን ብምድራፍካ ክንድኡ ካብተባህለ፡ ብዛዕባ ነቶም ዘይእንታይና ኣምሓሩ ሓቚፉ ዘሎ መራሒና ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከድኣ እንታይኮን ክበሃል ምተኻእለ?” ኣቐዲመ ከምኣቦን ዜጋን መጠን ልዕሊ’ቲ ንህዝብኻን መሳቱኻን ዝሃብካና ልዑል ሰላምታ፡ ናተይ ደሪዐ ከምቖካ እፈቱ። ኣስዒበ ንብ ዛዕባ ኣብ
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዶብ ፈረንሳ ካሌስ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኣፍጋኒስታናውያንን ቆልዑ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም ዑቕባ ከይረኽቡ ዝቕይድ ቅጥዒ ብምውጽኡ ብኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ብትሪ ከምዝነቐፉዎ ዘ ጋርድያን ሓቢሩ። እቲ ስደተኛታት ከም መሰጋገሪ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ከተማ ካሌስ ናይ ፈረንሳ ድሕሪ ምዕጻዉ ዝወጽአ ሓድሽ ቅጥዒ፣
ካብ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ኣብታ ዝነበሩዎ ጃልባ ሞይቶም ዝተረኽቡ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ግዳያት ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ 15 ሕዳር ኣብ ሲሲልያ ስነስርዓት ቀብሪ ከም ዝተኻየደሎም ኣብ ካታንያ ዝነበር መንነቶም ኣብ ምጽራይ ዝተሓባበረ ሓደ ግዱስ ኤርትራዊ ኣቶ ኣብርሃ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ኣረጋጊጹ። እቶም
እቲ ክብ ዝበለ ዓለም ለኻዊ ተሰማዕነት ዘለዎ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ኣብዚ ዝመጽእ ዓመት 2017 ትግርኛ ብዝርከቦም 11 ቋንቋታት ኣገልግሎት ፈነወ ብምጅማር ሚልዮናት ኣህዛብ ክበጽሕ መዲቡ ከምዘሎ ትማሊ ረቡዕ 16 ሕዳር ምግላጹ ሮይተርስ ሓቢሩ። እቶም ክውሰኹ መደብ ተታሒዙሎም ዘለዉ ቋንቋታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝይዳ ዝዝረቡ ኣፋን ኦሮሞን ኣምሓርኛን፣
ወርሒ 10/ 1973 ናይ 1973 ዝነበር ምንቅስቓስ ብከምዚ ኣገባብ ይጅምር* በራኺ ፈንቅል ጸጋይ ቀሺ ኣድሓኖም ኢሰያስ ተወልደብርሃን ኮይኖም ንኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምዚ ይብልዎ፡- እዚ ኵሉ ኩነታት ኣምጺእዎ ዘሎ ሰለሙን ወልደማርያም ኢዩ። ምኽንያቱ ካብ ቀደም ጅሚሩ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ኣውራጃ ምንቅስቓስ ሕጂ’ውን ጀሚርዎ ኣሎ። ስለዚ ንህ ዘሎና ኩሉ ክንፍድሖ ኢና።
ዝኸበርካ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ እዚ ዘካፍለካ ዘለኹ ሕውነታዊ ምኽርን ምሕጽንታን፡ ዕድመን ጾታን ዘይፈሊ ኣውያት፡ ማእሰርትን ስደትን ህዝብና ለይትን መዓልትን ክስምዖ ይመረኒ፡ የሕስበኒ፡ ህላወ ኤርትራ የጠራጥረኒ ስለዘሎ፡ ህዝብኻን ሃገርካን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ንመጻኢ ወለዶ ዘኹርዕ ስጉምቲ ክትወስድ ንምዝኽኻር’ዩ። ከምእትዝክሮ፡ ኣብ ግንቦት 1991፡ እታ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ እቲ ምስ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ሶማላዊ ዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብ ኣስጋእነቱ ገና ከምዘይተወገደ ብምጥቃስ፣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ሶማልያን ንሓያለ ዓመታት ኣጽኒዑዎ ዝጸንሐ እገዳ ኣጽዋር ከምዘናውሖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣገንዚቡ። እቲ 15 ቀወምትን ግዝያውያንን ኣባላት ሃገራት
ዓባይ ብሪጣንያ ጸጥታ ናይቲ መራኽብ ንግድን ነዳድን ዓለም ብጻዕቂ ዝመሓላልፋሉ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን የመንን ዝርከብ መጻብቦ ባብ ኤለምንደብ ንምቍጽጻር ነታ ዝማዕበለት ናይ ውግእ መርከባ ብሰላሕታ ኣዋፊራታ ምህላዋ oilprice.com ዝተባለ መርበብ ዜና ንጋዜጣ The Times ናይ ዓዲ እንግሊዝ ብምጥቃስ ሓቢሩ። ምዋፍር ናይታ HMS
ቅድሚ ትማሊ 8 ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ፣ እቲ ኣብ መስርሕ ምርጫ ኣንጻር ሰደተኛታትን ውሑዳን ጉጅለታትን ደቀንስትዮን ዝቐንዐ ዘይውርዙይ ጎስጓሳት ብምክያድ ኣብ ሚልዮናት ኣመሪካውያን ስግኣትን ቂምታን ዘሕደረ ቢልዮነር ኣውፋሪ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሂላሪ ክሊንተን ተዓዊቱ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ኣመሪካውያን ወጻኢ መበል 45
ንጉያ ብጉያ ትቕድሞ ንቖሎ ስገም - ዓሚካ ትግስሞ ንጽቡቕ ከይደቀስካ ትሓልሞ ንመደብ ስራሕ - ኣቐዲምካ ትኣልሞ ውጽኢቱ ክትሓፍሶ ክተለምልሞ ባኺኑ ከይተርፍ - ውጽኢት ጻዕርኻ ተጋየይ ኣስተውዕል - የማን ጸጋምካ ንዓል ገበል ጎብየ - ከቲሮም ከይበልዑኻ ተጠንቀቕ መርምሮ - ጉዕዞ መገድኻ። ብእግርኻ ይረግጹ - ብጫማኻ ይኸዱ ንልሳንካ ጨውዮም - ብዛዕባኻ የኻዕድዱ መንነትካ ዘንጊዖም - ብምልሓሶም ይዓብዱ ንስኻ ክትርህጽ
ኣመሪካ ገና ጎብለል ዓለምና ከም ምህላዋ መጠን፣ እቲ ጽባሕ 8 ሕዳር 2016 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫኣ ዓለም-ለኻዊ ኣቓልቦ ክስሕብ ባህርያዊ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝዓጀበኒ ሓደ ነገር እንተሃልዩ፣ ህዝቢ ኣመሪካ ጽባሕ ንሂላሪ ክሊንተን ወይ ዶናልድ ትራምፕ ከም ፕረዚደንት ንምምራጽ ድምጹ ክህብ ተዋዲዱሉ ኣብ ዘለወሉ ናይ ዜሮ ሰዓት፣
ኣልኣዛር ብርሃነ ዝተባህለ፣ ኣብ ሊብያ መስቀል ዘለዎ ማዕተብ ገይሩ ክኸይድ ከሎ ብ ኣይሰስ ተታሒዙ ን ሰለስተ ዓመታት ዝተሳቐየ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ስደተኛ፣ በቲ ሓደገኛ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ናብ ዓዲ ጥልያን ሰጊሩ ኣብ ካግሊ-ያሪ (Cagliari) ዝበሃል ከተማ ብኣጠራጣሪ ኩነታት ድሕሪ ምማቱ፣ 5 ህዋሳቱ ብኡንብኡ
እንፈትዎ ኣቦናን ሓውናን ገዲም ተጋዳላይ ተሓኤ፡ ገብረሚካኤል ኪዳነ (ጻዕዱ): ብዝሓደሮ ሕማም ትማሊ ሰንበት 11/06/2016 ኣብ ኢንድያናፖሊስ ዓሪፉ። ናይ ሐዛንን ቀብርን ስነ ስርዓት ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ሓዘን ። ሰሉስ ረቡዕ ሓሙስ 11/8-11/2016 5-9 ድቀ: ዓርቢ 2-10 ድቀ ደብረገነት ኪዳነ-ምህረት ኦርቶዶክስያዊት ቤተ-ክርስትያን 230 W. Morris St. Indianapolis, IN46225 ፍትሓት፡ ቀዳም 11/12/2016 ካብ ሰዓት 1-3 ድቀ ደብረገነት
በሃር ኤርትራዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሰ፣ ሎሚ ሰንበት 6 ሕዳር ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ዓወት ጨቢጡ። ወዲ 20 ዓመት ግርማይ ገብረስላሰ ኣብ ክልተ ሰዓትን ሸውዓተ ደቒቕን ሓምሳን ሓደን ካልኢትን (02:07:51) ውድድሩ ብምዝዛም እዩ፣ ብድሕሪኡ ዝነበረ ኬንያዊ ተወዳዳሪ ሉቃስ ሮቲች ብልዕሊ ሓደ ደቒቕ ቀዲሙ እዩ ተዓዊቱ።
ሽሕ`ኳ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ብኸቢድ መስዋእቲ ጀጋኑ ዝተረኸበ እንተኾነ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ፥ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ናይ ዝሓሸ ህይወት ሕልሙ ክግህደሉ ኣይከኣለን። ሎሚ በዚ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳኸፍአን እንዳገደደን ዝኸይድ ዘሎ ኲነታት ሃገርና ዘይሓዝንን ዘይጒህን ኤርትራዊ ምስ ዝህሉ ሕልና ዘይብሉ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ ። ካብዚ
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመዘዞ ተኸታታሊ ጉጅለ እገዳ፣ ብ ሓገዝ ወጻኢ ኣብ ኤርትራ ሓድሽ ወተሃደራዊ መደበርን ወደብን ምስርሑ ይኹን፣ ህላወ ናይ ወጻኢ ኣጽዋርን መሳለጥያታትን፣ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳ ዝጥሕስ ምዃኑ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ኣገንዚቡ። ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብውሑዱ 240
ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ብህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ክረጋገጸሉ ዘልዕሎ ግሁድን ዘይግሁዱን ተቃውሞን መረረን፡ “ኣብ ዝበጽሖ የብሉን” ኢሉ ስለዝንዕቆን ብጭካነ ይምልሰሉ ስለዘሎን፡ ይዕበ ይንኣስ ፍጻሜ ህግደፍ ወትሩ እዉጅ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ፡ ካብ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ክሳብ ክንደይ ተነጺሉ ከምዘሎ ዝግንዘቦ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ
“ Those who cannot learn from history are doomed to repeat it “ Gearge Santayana ትርጉሙ “ እዞም ካብ ታሪኽ ዘይመሃሩ ፥ ጌጋታት እናዯገሙ ይነብሩ “ ሽግራት ብቐሊሉ ክፍትሑ ኣብ ዘለውሉ እዋን ፥ ቀልጢፍካ ብዘይምውሳንን ሓቢርካ ብዘይምስራሕን ፥ ኣብ ዘይተዯልየን ብቐሊሉ ክትወጽኦ ኣብ ዘይትኽእልን ዓዘቕቲ ይእቶ። ክሳራታቱ
ናብ ዝኸበርኩም መደብ መቕረብቲ፤ ኣነ ኢትዮጵያዊ ኮይነ መደብኩም ካብ ብዕሙቀት ዝከተታተሉ ሓደ እየ። እስቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተዓዘብክዎ ንእሽተይ ወስ ከብለልኩም እሞ ብዝጥዕም ክተቕርብዋ ይምነ። ህበይ ፅሕፍለኹ ኢላ ኣብ ክንዲ ብክንቲት ብካራ ክሳዳ በጢሳ ይበሃል። እዛ ሓሳብ ገና ብቖልትና እናሃለና ፅውፅዋይ ዝዝረበና ዝነበረ ዘኪረ እየ። እዚ እውን
እወ ኤርትራዊ ብሐፈሻ ብፍላይ ድማ ንደለይቲ ፍትሒ ኢና እናበሉ ዝዛረቡ፦ እዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብዘይክፍሊት ናይ ሰብ ሕልና አብ ብድሌት ዝተሞርኾሰ'ዩ። እንተኾነ ጃህራን ሐሶትን ከም ዝቀትል ዘይፈልጡ፡ ንሐቀኛ ጅግንነታዊ ታርክና ዝፈታተኑ ብርግጽ አተዓባብያ ዝበደሎም፡ ከም ሃመማ አብ ዝጨኑ ቀልቀል ዝዓይነቱ ጥራሕ ዝዓስሉ፡ ተንኾለኛታት ሕጂ ተጸምቢሮሙና
ህዝቢ ኤርትራ መሓልፎ ሎሚ - ማለት ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ብረታዊ ሰውራ አካይዱ ልኡላውነት ምጕንጻፉ - ተራእዩ ዘይፈልጥ ጸጥታዊ ጸገም አለዎ። መነባብሮ ህዝብና ብጥሜትን ውግእን ሰላሙ ካብ ዚጠፍኦ ዳርጋ ሓደ ዘመን ሓሊፉ’ዩ፣ ይኹን ድአ’ምበር ማሕበራውን ጸጥትኡን መኣዝን ቃልሱን ከምዚ ናይ ሕጂ ዘለዎ መኣዝኑ ስሒቱ ኣይፈልጥን። ዚዀነ
መዋእል ተረሚሰ ብብዙሓት ረገጽቲ ብየማን ብጸጋም፡ ጻዓዱ ጸለምቲ ደቀይ ኣጓንዮም ንሃብተይ በርበርቲ። ድሕሪ ነዊሕ ገድሊ፡ ሰፍዘይብል ዋጋ እፎይ ኢለ፡ ከዕርፍ ብስጋ መንፈሰይ ኣይቀሰነን፡ ከየዉሓስኩ ሕጊ እንዳ`ባ ዓመጽ፡ ግፍዒ፡ ምልኪ ጨንይኒ ብኣጋ። ደቀይ እቶም ዉፉያት፡ ደለይቲ ፍትሒ ንነብሶም ዘይኮነ ነሕዋቶም ሓለይቲ በብሓደ ጠፍኡ፡ ብዉሑዳት ጠለምቲ። ወላዲት፡ እወ ኣነ እታ ወላዲት ኤርትራ ኣደራዕ ስቃይ ሓዘን ጥምየት ምስ መከራ ክጸሮ
ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ናብ ኒውዮርክ ዝመጹ 1500 ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት’ ከምዝፈጸመን ኣብ ኣህጉራዊ መጋብኣያ ብሓለፍነት ክሕተትን ንዘሕለፎ ውሳኔ ብምድጋፍ፣ ሎሚ 27 ጥቅምቲ 2016 ኣብ ፊት ህንጻ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰላማዊ ሰልፊ
ነቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይይስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ዝሃቦ መደምደምታ ብምድጋፍ ጽባሕ 27 ጥቅምቲ ኣብ ፊት ቤትጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝካየድ ናይ ደግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ንምስታፍ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ሃገራት ኣመሪካን ካናዳን ዝመጽኡ ብዙሓት ኤርትራውያን ብድሮ ኒውዮርክ ይኣትዉ
ክልተ ፓይሎታት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ሎሚ ንጉሆ 26 ጥቅምቲ ሓንቲ ናይ ስልጠና ንፋሪት ሒዞም መቐለ ብምዕላብ ናብ ኢትዮጵያ ኢዶም ከምዝሃቡ ዜናዊ ምንጭታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጦም። ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ ኢዶም ዝሃቡ ክልተ መኮንናት ሓይሊ ኣየር፣ መብራህቱ ተስፋማርያም መንገሻ፣ ከምኡ ‘ውን ኣፈወርቂ ፍስሃየ ገሬሱስ እዮም። ቅድሚ ሕጂ ‘ውን ፓይሎታት ዝርከቡዎም
22.10.2016 መተዓብይቲ ደቂ ደቀምሓረ ኣብ ሃገር ጀርመን ዝነብሩ ብኣካል ተራኺቦም ነንሕድሕዶም ክፋለጡን ኢሂን ምሂን ተበሃሂሎም ከኣ ክመያየጡን ንዘኽእሎም ኲነታትን ሃዋህውን ንምፍጣር ድሕሪ ናይ ሓያሎ እዋን ውረድ ደይብ ሓሳባት እነሆ ከልብን መዓልትን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ ተባሂሉ ብኣበው ኣቦታትና ከምዝተመሰለ ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ብዕለት 22.10.2016 ብዘደንቕ ኣገባብ ብቡዙሓት ደቂ
ሕጂ’ውን “ሕሳብና ንግበር!” 2ይ ክፋል 22,10,16፡ መብርሂ፦ ከምቲ ኣቐዲመ ዝሓበርኩዎ ጽሑፋተይ ብ”ዎርድን ፒዲኤፍን (Word and PDF) ስለዝሰዶ ኣብ Assenna . com ምንባቡ እንተጸጊምኩም ኣብ Togoruba.org ብፒዲኤፍ ምንባቡ ከምዝቐለልኩም ክሕብር እፈቱ። ንኣብነቱ ቀዳማይቲ ክፋል ናይዛ ኣርእስቲ ተመሊስኩም ኣንብቡዋ። ስለ’ቲ ሓበበሬታኹም ድማ ኣዝየ አመስግን። ንቐጽል በሉ። ክቡር ጀነራል፡ መቸም
ዝኸበርኩም ኤርትራውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ጻዕርታትና ኣወሃሂድና ክንቃለስ ብዘይምኽኣልና፡ኣብ’ዛ ንነብረላ ዓለም ናይ ኤርትራውያን መቕዘፍትን፡ ስቓይን፡ ሓዘንን፡ ጸበባን ወዘተ መዛረቢ ካብ ዝኸውን ዓመታት ሓሊፉ እዩ።እቲ ደለይቲ ፍትሒ ተፈላሊና ከነካይዶ ዝጸናሕና ቃልሲ ብመጠኑ ኣዎንታዊ ውጽኢት ይሃልዎ’ምበር ነቲ ንደልዮ ፍጹም ዓወት ክንጭብጦ ብዘይምኽኣልና ብዙሕ ህይወት ከሲርና ዝተረፈ ከኣ ኣብ ውሽጢ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክርስያዊ ለውጢ ከም ሰፊሕ ሀገራዊ ጽላል መጠን፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘጋጥምዎ ዕንቅፋታት ንምስጋርን ካላኣይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ብመሰረት ቀዳማይ ሰሚናር ናይ ፖለቲካዊ ውድባት ዝተወጠነ መደብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካላኣይ ሰሚናር ብምጽዋዕ ካብ 14-17/10/2016 ኣብ ዘሎ ግዝያት ምምኽኻራዊ ኣኼባ ኣብ ኣዲስ- ኣበባ ተሰላሲሉ። ካልኣይ ሰሚናር
ነቲ ን27 ጥቅምቲ ኣብ ኒውዮርክ ክካይድ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝምልከት ትማሊ ረቡዕ ምስ ድምጺ ኣሰና ቃለምጠይቕ ዝገበሩ ወከልቲ ኣሰናዳኢ ሽማግለ ሰላማዊ ሰልፊ ኒውዮርክ፣ ነቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ‘ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት’ ከምፈጸመ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘ መርማሪ ኮምሽን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዘሕለፎ ውሳኔ
ቤት ፍርዲ ዓዲ እንግሊዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግዴታ ናብ ሃገሮም እንተተመሊሶም ኣብ ሓደጋ ክወድቁ እዮም ኢሉ ነቲ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ፣ (Home Office)፣ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ኣትሪሩዎ ዝጸንሐ መምርሒ ዑቕባ ኤርትራውያን ዝጻረር ብይን ድሕሪ ምሕላፉ፣ Home Office ነቲ ቀጻሊ ነቕፌታ ክበጽሖ ዝጸንሐ ፖሊሲኡ ክቕይሮ ከምዝተገደደ
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ St. Paul ሬድ ሲ ማርኬት ዝብሃል ቢዝነስ ዝውንን ህርኩት ኤርትራዊ ማይክ ተኸስተ ንሓንቲ ብሓደ ድልድል ዘሊላነብሰ ቅትለት ክትፍጽም ዝፈተነት ኣደ ብምድሓኑ ሎሚ ሰኑይ ብኣኽበርቲ ሕጊ ናይቲ ዝነበረሉ ከባቢ፣ ‘Ramsey County Sheriff’s Award for Excellence’ ዝብሃል ናይ ንኡድ ስርሓት ማዳልያ ክሽለም ምዃኑ twincities.com
ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና! ኣቱም ኣሕዋት! ብጉድለት ንቕሓት ንጠፍእ ከም ዘለና ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና! ኣብ ሓደጋ ንወድቕ ከም ዘለና! ይስቆረናዶ’ሎ ይስቆረና! ቅድሙን ድሕሩን ሰሪዖምና ከም ዘለዉ ከጥፍኡና ንዝቐደሙ ክነድሕን እንተ ዘይተጓየና ደድሕሪኦም ስዒብና ጠፋእቲ ምዃና ደቂ ጀጋኑ ሰብ ታሪኽ ምዃና ስለ ዘዘንግዑና ይሕልኑ ከም ዘለዉ ዋና ዘይብላ መሬት ከረክቡ ንጸላኣትና ይርድኣናዶ’ሎ ይርድኣና! ሓንቲ ጥራይ ምዃና ምርጫና እስከ ንሕተት ንተሓታተት! ከይጸቐጠና ድበት እስከ ንመርምር ሕልናና ንዘክር ደቂ ክቡር