ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ንንብዓትን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ ዕሽሽ ብምባል ቃሕ ዝበሎ ክፍጽም ከምዝጸንሐን፡ ብሰንኩ፡ ኤርትራ መንግስቲ ኣልቦ ኮይና ውሑዳትን ዓመጽትን ዝዕንድሩላ ዝበዝሐ ህዝቢ ድማ ኣፉ ተዓቢሱ ክነብር ወይ ናብ ስደት ከምርሕ ተገዲዱ። ስርዓት ኢሳያስ እታ ዘይትምሕር መሾንቆቛ ገመድ ኣብ ክሳዱ ምስኣተወት፡ ነቲ
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ንንብዓትን ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ ዕሽሽ ብምባል ቃሕ ዝበሎ ክፍጽም ከምዝጸንሐን፡ ብሰንኩ፡ ኤርትራ መንግስቲ ኣልቦ ኮይና ውሑዳትን ዓመጽትን ዝዕንድሩላ ዝበዝሐ ህዝቢ ድማ ኣፉ ተዓቢሱ ክነብር ወይ ናብ ስደት ከምርሕ ተገዲዱ። ስርዓት ኢሳያስ እታ ዘይትምሕር መሾንቆቛ ገመድ ኣብ ክሳዱ ምስኣተወት፡ ነቲ
ጦብላሕታታት ውዕሎ ጀነቫ፡ 23 ሰነ 2016 ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም 30/06/2016 ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት መመላእታ፡ መሪር ቃልሲ ከካይድን ልዕሊ ዓቕሙ መስዋእቲ ከኸፍልን ከሎ፡ ነቲ ድቕድቕ ጸልማት ሰጊሩ፡ ብርሃን ክመጽእ ምዃኑ ስለ ዝኣመነ ጥራይ ኢዩ። ስኑ ነኺሱ ብትብዓትን ሓቦን ስለ ዝተቓለሰ ከኣ ኢዩ፡ ነቶም ደም ዘንብዑዎ ጸላእቱ ኣንበርኪኹ፡
ትርጉም ውሳኔ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላትን እጃም ህዝቢ ኤርትራን ብ ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ብ 8 ሰነ 2016፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ምስክርነት ብምሃብ፣ መራሕቲ ናይቲ ስርዓት ኣብ ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት (ICC) ክቐርቡ ከምዘለዎም ለበዋ
ፓርላማ ሆላንድ ቅድሚ ትማሊ ሓሙስ 30 ሰነ ኣብ ዝገበሮ መጋብኣያ፣ ልኡኻት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ‘ታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝነብር ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ንዝፍጽሙዎ ዘይእዱብ ተግባራት ንምእጋስ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ከምዘሕለፈ ምንጭታት ሓቢሮም። ሓደ ካብቲ ክውሰድ ተመዲቡ ዘሎ ስጉምታት ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ገቢቱ ዘሎ ህግደፍ
መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ምስክርነት ድሕሪ ምሃቡ ክሳብ ትማሊ 1 ሓመለ ብቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ኣብ ጀኔቫ ክዝተየሉ ዝቐነየ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ እቲ ብስም ሶማልን ጅቡትን ንውሳኔ ዘቕረቦ ንድፊ ተቐጢኑ ድሕሪ ምድኻሙ ኣብ ክንዲ
ኣደይ ኣደ ቁንጺ፡ . . . . .! 29.06.16፡ በዚ ናይ ጀነቫ ናዕቢ ዝፈጠሮ ኢዩ፡ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ካብዛ ዕድመኡ ሙሉእ ዝበለየላ ሃገር ዘውጽኦ ድርኺት ትእዛ ዝ ሕ/ሃገራት እንተመጺእዎ ብሂወቱ ክሓልፈላ’ምበር ከዲዕዋ ክኸይድ ወይ ካብኣ ትሓይሽ በዓቲ ስለዘይረክብ ክብዕዳ ስ ለዘይደሊ፡ ንሕልፈቱ ተዳልዩላ ከምዘ ሎ እሙናት ዜናታት
ብገዛኢ ኪዳነ ከምቲ ወለድና ዝምስልዎ ኢዩ፣ ሓሶትን ስንቅን እናሓደረ ይፈኩስ ከም ዝብሃል፣ ጃንዳ ህግደፍ ዋላ'ኳ ከም'ቲ ባዕልዕም ዝብልዎ ተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ሓዊሶም ኣብ ጀነቭ ሰልፊ ኣካይድና እንተበሉ፣ ሓሶቶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም ዝያዳ ካዕቢቱ ኢዩ ተራእዩ። ብዕለት 23 06 2016 ብደለይቲ ፍትሒ ኣንጻር ጃንዳ ህግደፍ ዝተኻየደ
23.06.16፡ ከምዝመስለኒ፡ እንሆ ኣብ ታሪኽና ካብ ዝተሰነደ ሎሚ’ውን ን5ይ ግዜ ናብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ንቐርብ እነና። ህዝቢ ኤርትራ ብዝውንኖ ሓይልን ሕጋውነትን ዝተፈልጠ ምዃኑ እቶም ክብሉዎ ዘይደልዩ ከይተረፈ ይኣምኑሉ ኢዮም ። ሓያል ኢዩ፡ ምኽንያቱ ብዘይ ናጻነት ክነብር ስለዘይ ደሊ። ሕጋዊ ኢዩ፡ ምኽንያቱ ሕጋውነት መሰረት ናጽነ ትን ሰላምን ምዃኑ
እዚ ቅድሚ ትማሊ ሓሙስ፣ 23 ሰነ 2016 ጎደናታት ከተማ ጀኔቫ ሰንጢቑ ብምውሓዝ ኣብ ፊት ቤት ጽሕፈት ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ካብ መላእ ኤውሮጳ፣ ካብ ካናዳን ኣመሪካን ከይተረፈ ኣሽሓት ማይላት ተጓዒዞም ዝመጽኡ ልዕሊ 12 ሽሕ ውፉያት ዝተዋስኡሉ ደርማስ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ
ሎሚ ሓሙስ 23 ሰነ 2016 ካብ መላእ ኤውሮጳ እንተላይ ካብ ኣመሪካን ካናዳን ናብ ጀነቫ ዝወሓዙ ልዕሊ 12 ሽሕ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ዘሕለፎ ውሳኔ ብምድጋፍን ነቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብምልኪ ተዓፊኑ ዘሎ ዉጹዕ ህዝቢ
ንሕና ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር፣ ነቲ ብሓርበኛታት ስንኩላን ተጋደልቲ ዝተዘርግሐ፣ ሕልና ዝቕስቅስ ነቐፌታ ሓዘል ረዚን መልእኽቲ፣ ታሪኻውን እዋናውን ምዃኑ ከም እንኣምንን ከም እንድግፍን ዝገልጽ መልእኽትና ብምኽንያት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ነመሓላልፍን ንድሕነት ሃገርና ክንለዓል ቃል ንኣቱን ኣለና። እዚ እዋን እዚ ሓፋሽ
ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ ሻርለት: ሰሜን ካሮላይና : ሮቡዕ: ሰነ 15, 2016 ነቶም ኣብ ኣብ ዝሓለፉ ቁሩብ ቅንያት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉን: ነቶም ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን: ነቶም ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን በጃ ዝሓለፉ ጀጋኑ ሰማዕታትን ንምዝካር ናይ ሽምዓ ምብራህ መደብ ኣካይዶም:: ኣብቲ ናይ ዝኽሪ መደብ
ናብ ኩሎም ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ዘተዋህበኩም እሞ ናብ ናይ 21 ሰነ ንዓመጽትን ቀተልትን ንምድጋፍ ትብገሱ ዘለኹም ኤርትራውያን ዜጋታት። እዚ ኣንጻር ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምርካብ ዝሃብክሞ ቓል ዝጻረር ስለዝኩነ፣ ውጽኢቱ ናቱ ክኣ ከቢድ ሙኻኑ ትስሕትዎ ኣይንብልን። ኣብዚ ቐረባ እዋናት 7 ኤርትራውያን ንኤርትራ በጺሖም ዝመጹ ብኢሚግሬሽን
ብ 7 ሰነ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ራሻይዳ ብሰሜናዊ ቀይሕባሕሪ ብሰዋኪን ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእንታዎም ናብ ፖሊስ ሱዳን ዘረከቡዎም 23 ኤርትራውያን ኣብ ቤትማእሰርቲ ፖርት ሱዳን ሰንፈላል ኮይኖም ኣብ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ምንጭታት ሓቢሮም። እቶም ግዳይ ኮይኖም ዘለዉ ስደተኛታት ፣ 3 ህጻናት ዝርከቡዎም 13 ደቀንስትዮን 10 ደቂ ተባዕትዮን እዮም። እቶም ዘይሕጋውያን
ብስደተኛታት ኣዕለቕሊቐን፣ ዘለዋ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ነተን ምንጭን መሰጋገርን ስደተኛታት ዝኾና ከም ኤርትራ፣ ሱዳንን ሊብያን ዝኣመሰላ ሃገራት ብገንዘብ ደሊለን ስደተኛታት ኣብ ምቍጽጻር ክተሓባበራ ድሕሪ ምእማነን፣ ካብ ሊብያን ሱዳንን ብሓይሊ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ካብ ዝጸንሑ ኣማኢት ኤርትራውያን እቶም ፍርቂ ሚልዮን ናቕፋ ዋሕስ ገይሮም
ዋርሳይ ኣብ ዓዲ-እንግሊዝ ሽግ ሓርነት ወሊዑ ተደናጊሩ ድዩ ወይስ ሰዲዑ ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ብዘየገድስ፡ በብዝመሰሎ ንመበል 25 ዓመት ናይ ናጽነቱ መዓልቲ፡ ብክብ ዝበለ ድምቀት ዘኪሩዋ ውዒሉ። ገለ ነቲ ቅድሚ 25 ዓመታት ዝነበረ ሕሱም እዋናት እናዘከረ ብናጽነት ሃገሩ ተሓጒሱ፡ ዘሊሉን ጨፊሩን። ገለ`ውን ነቲ 25 ናይ ናጽነት
እቶም ንመበል 25 ዓመት ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ንምብዓል ኢሎም ናብ ኤርትራ ከይዶም ዘሎዉ ኣብ ደገ ዝቕመጡ ኤርትራውያን፡ በቲ ኣብ ዕለተ ሰንበት ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘጋጠመ ኩናት ዝመንቀሊኡ ፍርሕን ራዕድን ተዋሒጦም ትማሊ ሶኑይን ሎሚ ሰሉስን እግረይ ኣውጽእኒ ብዝዓይነቱ ኣገባብ፡ ካብ ሃገር ናይ መውጺኢ ፍቓድ (exit
ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ድሕሪ ምውሃቦም ናብ ኤርትራ ዝበጽሑ 7 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብመንግስቲ ስዊዝ ናይ ዑቕባ ወርቓቕቶም ተሓዲጎም ከምዘለዉ ሓደ ናይ ስዊዘርላንድ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ካብ 2015 ኣትሒዞም ክሳብ ሕጂ ንመርዓ ወይ ድማ ኣብ ሃገራዊ በዓላት ንኽሳተፉ ናብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከይዶም ኣስመራ ዝኣተዉ
ጋዜጣዊ መግለጺ ኣቦ መንበር መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ኣዕናዊ ፖሊስታቱ መዓልቲ መዓልቲ ናብ ስደት ዝውሕዝ ዘሎ ህዝብና እናወሰኸ ደኣ እምባር እንዳነከየ ይኸይድ ዘይምህላው ሓደ መርኣያ ናይ ምብትታን ተርእዮ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። እዚ ንብዙሕ ናይ ህይወትን
ክቡራትን ደለይቲ ለዉጥን ተቓለስትን ኤርትራውያን ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ ዓለም መዳርግቲ ዘይርከቦ መስዋእቲ ተኸፊልዋ፡ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተጉዋናጸፈት ሃገርና ኤርትራ፡ ነቲ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መዝሚዞም፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ብዝሓኾሩ ‘መራሕቲ’፡ ተጠሊማ፡ እቶም ውልቀመለኽቲ ደቐይ ኢሉ ዝሓቖፎም ህዝቢ፡ ደም የንብዕዎ ኣለዉ። ነቲ ህዝቢ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ምንፋጎም ከይኣክል፡ ሓርኮትኮት
እቲ ትማሊ 12 ሰነ ወጋሕታ ጀሚሩ ንምሸቱ ‘ውን ዝቐጸለ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ኣብ ከባቢ ጸሮና ዝተኻየደ ብርቱዕ ውግእ ሎሚ 13 ሰነ ዝግ ኢሉ ኳ እንተሎ ብኽልቲኡ ወገን ከቢድ ምፍጣጥ ምህላዉ ምንጭታት ኣሰና ብኽልቲኡ ወገን ኣረጋጊጾም። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምሉእ መዓልቲ ኣጽቂጡ ድሕሪ ምውዓል ኣማስይኡ
የማነ ፍሻለ ዑቕባ ግንባር ሓቲቱ፡ 12.06.16፡ ህበይሲ ምስ ድሕረ-ባይታኣ ኣዕብዩ ኣብ ዘርእያ መስተያት ምስ ትቐርብ፡ ንነፍሲ-ወከፍ ናይ ባዕላ ምንቅስቓን ውቃበን እናረኣየት “ከምዚኣ ዓይነት እኪትን ክፍእትን ፍጥረትከ ኣላ ድያ” ኢላ’ያ ትዕዘም። ኮምሽን ምጽራይ ገበናት ከም ደብዛዝ መስትያት ንየማነ ህበይ ከፊላዊ ምስሉ ስለዘርኣየቶ፡ ንገዛእ መልክዑ እናጓነያ ካን ዓቢዱ። ኢድ ሸናሒት
Update: ኣብ መንጎ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብናይ ኤርትራ ኣቋጻጽራ፣ ካብ ሰዓት 04፣00 ወጋሕታ ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 10፣00 ቅድሚ ቀትሪ ብጽዕጹዕ፣ ምሉእ መዓልቲ ድማ ሓሓሊፉ ዝተኻየደ ውግእ፣ ካብ ሰዓት 06፣30 ኣጋ ምሸት ዳግማይ ብጽዕጹዕ ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም። ኣብቲ ናይ ቅድሚ ቀትሪ ውግእ፣ ኣብ
ህጹጽ ዜና፣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብወገን ጸሮና፣ ካብ ሎሚ ወጋሕታ ጀሚሩ ንሓያለ ሰዓታት ብርቱዕ ውግእ ከምዝተኻየደ ምንጭታት ሓቢሮም። ካብ ሎሚ ወጋሕታ 12 ሰነ 2016 ጀሚሩ፣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብወገን ጸሮና ሂደት ኪሎሜተራት ናብ ዶባት ቅድም ኢሉ፣ ንሓያለ ሰዓታት ዝቐጸለ ብርቱዕ ውግእ ከምዝተኻየደ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ
ሞት ኤርትራውያን ደው ክብል… ኣምባሳደራት ኤርትራ ሓላፍነቶም ክስከሙ፥ ደለይቲ ፍትሒ`ውን ብሓባር ክሠርሑ ይግባኦም!!! ኣብ`ዘን ዝሓለፋ ሒደት መዓልታት፥ ብግምት ካብ 500 ክሳብ 1000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ሃሊቖም፡ ዝብል ዜሕዝን ዜናታት ንሰምዕ ኣለና። ቅድሚ ኹሉ ነዞም ሕጂ ዝሃለቑ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ልዑል ፈጣሪ ኣብ መንግሥቱ ይቀበሎም። ነቶም ብተመሳሳሊ
[gview file="http://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2016/06/Candlelight-Vigil-June-15-2016_Final.pdf"]
ሰነ 9፡ 2016 ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ልዕሊ ኩሉ፡ ንወለድን ምሉእ ቤተ-ሰብ ግዳያት ማእከላይ ባሕሪ- ፡ ናይ ኩቱር ሓዘንኩም ብጽኑዕ ተኻፋላይ ምዃና ንገልጽ። ተኻታታሊን ቀጻልን ኮይኑ ጸኒሑ ዘሎ ሓዘንኩምን እህህታኹምን ዝዓርፈሉን ብሰላም ትድበሱሉን ኩነታት ክኽሰት፡ ብሓሳብን ብግብርን ኣብ ጎንኹም ኣለና። ኣብ`ዚ እንሓልፎ ዘለና ታሪኻዊ
[gview file="http://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2016/06/Eritrean-Martyrs-Day-2016.pdf"]
ውህደት ደሞክራሲያዊት ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ Coordinamento Eritrea Democratica ዕለት 08/06/16 ኣገዳሲ መግለጺ ኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ናብ ዝኸፍአ ይኸይድ ኣሎ። ናይዚ ኩሉ ጠንቂ ከኣ ብሓደ ሰብ ዝቖመ ስርዓት ዝወለዶ ኢዩ። እዚ ስርዓት’ዚ ዘገድሶ ነታ ሒዝዋ ዘሎ ስልጣን ካብ ኢዱ ከይትሞሉቕ እንተዘይኮይኑ ቅንጣብ ሓልዮት ህዝቢ የብሉን። ህዝቢ
እቲ መርማሪ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ኤርትራ ኣትዩ መርመራኡ ከየካይድ ብተደጋጋሚ ፍቓድ ዝኸልከለ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ፣ እቲ ኮምሽን ንዘቕረቦ ነቲ ስርዓት ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኸስስ ጸብጻብ ተገልቢጡ ሓደ ወገናዊ እዩ ኢሉ ክነጽጎ ምፍታኑ ትርጉም ከምዘይብሉ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ርእይቶታቶም
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣርእስተ ዜና ናይቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ዘሎ ትራጀዲ ኮይኑ ኣብ ሕቕፊ ኣድሓኒኡ ህያው መሲሉ ዝርአ፣ ልቢ ሚልዮናት ህዝቢ ዝተንከፈ ሬሳ ህጻን፣ ኤርትራዊ ምዃኑ ንስድራቤቱ ብቐረባ ዝፈልጡ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም። ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ እቲ
እቲ ንጸብጻብ መርማሪ ኮምሽን ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ናይ ህዝቢ ደገፍ የብሉን ኢሉ ንምቍንጻብ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክእክቦ ዝወጠነ ፌርማታት ብእምቢታ ኤርትራውያን ፈሺሉ ምእካል ስለዝኣበዮ፣ ብመንገዲ ተቓዋሚ ውድብ ኢትዮጵያ፣ ጉንበት 7 ኣቢሉ ፌርማ ኢትዮጵያውያን ኣብ ምልማን ዝወደቐ ውርደተኛ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ፈለማ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ፣
ሎሚ ቕነ፡ ኣብ ሙሉእ ዓለም ዘሎ ህዝብና ናይ ሓዘንን፡ ናይ ባህታን ስሚዒታት ተፈራሪቕዎ ይርከብ። እቲ ቀዳማይ፡ በቶም ኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብ ሜዲተራንያን ዝጠሓሉ ደቁ፡ ኣሕዋቱ፡ ኣሓቱን፡ ወለዱን ኣዚዪ ጊሁ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ንህዝብና ሞትን ሓዘንን ከም ዘይስዕሮ፡ ብኣንጻሩ እኳ ድኣ፡ ከይተሓለለ ዘካይዶ ዘሎ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡
ባርባራዊ ስርዓት ህግደፍ፡ እንተስ ብስሙር ቅልጽም ህዝቢ ኤርትራ እንተስ ኣብ ውሽጡ ብዝፍጠር ውድድር ስልጣን ወይ’ውን ብግዳማዊ ድፍኢት፡ ይንዋሕ ይሕጸር፡ ብሰላም ወይ ብጎንጺ ሓደ መዓልቲ ምልካዊ ምምሕዳሩ ከምዘኸትም ፍሉጥ’ዩ። ህግደፍ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሓቐኛን ግናይን ባህርያቱ እናተኾልዐን ህዝባዊ ተቃውሞ እናሓየለን ይመጽእ ስለዘሎን ድማ፡ ንህላወኡ ክብል
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ መደመምታ ዝበጽሐ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ምፍጻሙን ዘይምፍጻሙን ንምጽራይ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተልእኾኡ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ መጽናዕቱ ኣብ ምቕጻል ድሕሪ ምጽንሑ፣ ሎሚ ረቡዕ 8 ሰነ 2016
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኤርትራ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ይፍጸም ከምዘሎ ኣብ መደመምታ ዝበጽሐ መርማሪ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፣ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ምፍጻሙን ዘይምፍጻሙን ንምጽራይ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተልእኾኡ ንሓደ ዓመት ተናዊሑ መጽናዕቱ ኣብ ምቕጻል ድሕሪ ምጽንሑ፣ ሎሚ ረቡዕ 8 ሰነ 2016
ድሮ ግንቦት 24 2016 ንኣምላኽና ነመስግኖ ንመበል ዕስራን ሓሙሽተን ዓመት ኢዮበልዩ፡ ካብ ተኸታታሊ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ጭቆናን ባርነትን፡ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመሪሕ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ሰራዊትን ናጻ ኣውጺኡ ናብዚ ዘብጽሓና። ኣብቲ መጠረሽታ ህዝባዊ ሰራዊት ነስመራ ምእታው ኣብ ዝተቓረበሉ ኣዋን፡ ብዙሓት
ኣብ ሕብረተሰብና፡ ነቲ ቅቡል ባህሊ፡ ልምድን ክብርን ጥሒሱ ዘይንቡርን ጽዩፍን ተግባራት ንዝፍጽም ሰብ፡ ሰይጣን፡ ዲያብሎስ፡ ኣራዊት፡ ኣረሜን፡ ብዓለገ ዝብሉን ካልኦትን ቅጽላት ኣስማት ይወሃቦ። እዞም ኣነወርቲ ተግባራት ሓላፍነት ሃገርን ህዝብን ዝተሰከመ ሰብ ምስዝፍጸም ድማ ተወሳኺ ሚዛንን ኣቃልቦን ይወሃቦ። ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ጽቡቅ ተግባራት ዝፍጽሙ’ዶ ሕማቅ ተግባራት