Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

  ክቡራት ኣሕዋት ሰላምታይ ብምቕዳም ካብ ዕድመ ዝጸገቡ ለባማት ዘዋህለልኩዎ ዕላል ከካፍለኩም። ኣብ ሓደ ዓዲ ክልተ ሓያላት ኣጉባዝ ኔሮም። ካብ ደቂ ዓዲ ከኣ ክደፍሮም ዝፍትን ኣይነበረን። ግን ዋላ’ኳ ሓያላት እንተኾኑ ሓያላት ኢና ኢሎም ዝፈጸሙዎ በደል ኣይነበረን። ምስ ዓብን ንእሽቶን ብሰላም ይነብሩ ኔሮም። ባይቶ ዓዶም ልዕሊ ኩሉ

READ MORE

ብመሰረቱ ኣብ ሓደ ሃገር ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ እንተ-ተኻኢሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክኸውን ዝምረጽ ኢዩ። ከም ስርዓት-ህግደፍ ዝኣመሰለ ህልም ዝበለ ዲክታተር ኣብ ውሽጢ ቃልሲ ንኽካየድ ስለ ዘየፈቅድ ግን፡ ኣብ ሓደ ጎረቤት-ሃገር ክካየድ ናይ ግድን ይኸውን።ኣብቲ ዝሓለፈ ብረታዊ ቃልስና’ውን ብዘይካ ሓገዝ ጎረቤት ሱዳን ናጽነት “ኣይምተረኽበን” እኳ እንተ-ዘይበልና

READ MORE

እቲ ብሰንኪ ኣጕል ውልቀምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ኢሳይያስ ድሮ ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነትን ምረት መነባብሮን ጥሒሉ ክሳቐ ዝጸንሐ ውጹዕ ህዝብና፣ ብፍላይ ድሕሪ ‘ቲ ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት በቲ ምልካዊ ስርዓት ዝተኣታተወ ምቕያር ባጤራ ናቕፋን ዘይርጡብ ኣተገባብራኡን፣ ቀረብ ሃለኽቲ ብምስኣኑ ኣብ ታሪኹ ገጢሙዎ ዘይፈልጥ ስእነትን ጥምየትን ኣጋጢሙዎ ሸቐልቀል ይብል

READ MORE

ምልክን ምልካዊ ስርዓትን ብስሙር ህዝባዊ ሓይሊ ካብ ስሩ ቦርቚቕካ ከልግስ ዘለዎ እምበር ብለግቦ፡ ለጋግቦ ኣቢልካ  ዝሕሰብን ዝህቀንን ከንቱ ፈተነታትን፡ ንዘላቒ ፍታሕ ህዝቢ ኤርትራ ዘገልግል ኣይኮነን። ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኮሎራዶ፡ ኣብ ከተማ ደንቨር (ኮሎራዶ)፡ ሕዳር 29, 2015 ዝተሳናደአ ህዝባዊ ኣኼባ ብዓወት ተሳላሲሉ።

READ MORE

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ንጋዜጣ ሪፖርተር ካብ ዝሃቦ ዝተፈላለየ ኣርእስታ ዝሓቖፈ ቃለመጠይቕ ንጉዳይ ኤርትራን: ህግደፍ ወደብ ዓሰብ ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን  ኣብ የመን ንዘካይድኦ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ብዛዕባ ምፍቃዱ  ተወሲዱ ተተርጉሙ ዝቐረበ:;; ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳላኝ:- ብዛዕብ ዝምድና  ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝምልከት ብተደጋጋሚ ንህዝቢ ከም እንገልጾ:

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ 18 ኣዋርሕ ከምዝድረት ከምዝገበረ ብፍላይ ንዲፕሎማሰኛታት ንምትላል ዝዘርግሖ ወረ ጻዕዳ ሓሶት ምዃኑ ከምዘረጋገጸ፣ ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጽኦ 57 ገጻት ዘለዎ ሰፊሕ ጸብጻብ መስኪሩ። ኣሚኒስቲ ኢንተርናሺናል፣ ካብ መፋርቕ 2014 ንደሓር ናብ ስደት ምስ ዝመጽኡ ልዕሊ 72 ኤርትራውያን ኣብ ዘካየዶ ቃለመጥየቓት

READ MORE

ዉደባና ነጽፍፍ  ብዉሑሉል መንገዲ፡ዘእቱ፡ንዓዲ፡ ብልዝብ ብሲኒት ናይ  ሓባር ማአዲ  ምህርታዊ ዓውዲ፡ ቅድም ቀዳድምና  ሓድነትና  ዕርዲ  ጓልና  ይኹን  ወዲ፡  ኣብ ሓንቲ ማአዲ፡ ብልፍንቲ ጽምዲ፡         ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሓዝ ኢዩ ቁምነገሩ     ኩዳና ነሕጽሮ  ስምራ  ንግበረሉ፡  ስቓይና  ኣይንረሩ፡ ሽግር መከራና፡ ይኺድ  ንሓዋሩ፡፡        

READ MORE

“ዓይነትን ኣባልነትን ሕቡኣን ሰልፍታት”                    02.12.15፡ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፈይ ብዛዕባ ኣጀማምራን እጃምን ናይታ ብርሱን ሃገራውነት ብምስጢር ዝተጀመረት ሃግራዊት ሰልፊ ጠቒሰ ነይረ። ምስ ግዜ ግና ብቕዓት ግንባር ልዕሊ ዓቕሚ ሰልፊ ስለዝተወንጨፈ ወያ ሕብእቲ ኣብ ውሽጢ ግንባር ተዋሕ ጠት’ሞ ንኣገዳስነታ ብዝምልከት ኣብ ሞንጎ ኣቦ መንበራን ላዕለዎት ሓለፍታን ርሱን ክትዕ

READ MORE

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንኤርትራን ህዝባን ከጥፍእ ከምዝዓጠቀ፡ ሓራዲ፡ ዘማዊ፡ ሰኽራም፡ ቂምተኛን ገባትን ምዃኑ ብተግባር ንዕዘቦን ኣብ ነብስና ማእለያ ዘይብሉ ኣደራዕ ይወርድ ስለዘሎን መስካሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ናትና ቀዳምነታትን ኣድህቦን ድማ ኣብ ምርግጋጽ ክብርና፡ መንነትና፡ መሬትናን መጻኢ ዕድልናን እምበር ኣብ ምጽራይ ወለዶን መንነትን ኢሳያስ ኣፈወርቂ ወርቃዊ ግዜናን

READ MORE

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ   ታደሰ ኪዳነ     በርሚንግሃም             30/11/2015 2ይ ክፋል   ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፡ ከምዚ ክብል ኢየ ተፋንየኩም። “እቶም ግዳያት ናይ ዘይውርዙይ ዘለፋታት ኮይኖም ዘለዉ፡ ሃገራዊ መንነት ዘዕተሩ ጀጋኑ ተጋድልቲ፡ ኣብታ ብደሞም ዝተረጋገጸት፡ ብግህደፍ `ቁማር` ዝተባህለት ሃገሮም፡ ነቲ ብዕጽፍጻፍ ዝዓብዮም ጸላኢ ስዒሮም

READ MORE

እስኪ ፍልይ ብዝበለ ኣቀራርባ መልኽተይ ኣነጺረ ንባዕለይ ተረዲአ፣ ንኻልኦት ከም ዝርድኦም ገይረ ከቕርቦ ክፍትን። ከምቲ ምስላ፡ ነቲ ዝሓለፈ ክትቅይሮ ዘይትኽእል ግን ንመጻኢ ክትልውጦ ትኽእል “You can’t undo the past but you can change the future” ከም ዝበሃል፣ ንሕና ኤርትራውያን ከአ ኣብቲ ዓመታት ዘሕለፈ ድኹም ኣሰራርሓ

READ MORE

ሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ኤርትራ ኣቶ የማነ ተስፋይ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝተኣስረ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ሓላፊ ንግዳዊ ባንክ ኣቶ የማነ ተስፋይ፣ ንቀጥታዊ ምትእትታው ኢሳይያስ ኣብ መስርሕ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ብምቅዋሙ እዩ ግዳይ ማሕዩር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኮይኑ ዘሎ። ቁጽሮምን ኣስማቶምን ዘይተነጸረ ካልኦት ሓለፍቲ

READ MORE

ጳጳስ ካቶሊክ ፍራንሲስ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ኣብ ሓደ መጊድ በጺሖም ኣብ መንጎ ኣምንቲ ክርስትናን እስልምናን፣ ዘሎ ጽልእን ቅርሕንትን ደው ኢሉ ብስኒት ክትካእ  ብምምሕጻን ኣብ ኣፍሪቃ ዘካየዱዎ ሰፊሕ ዑደት ከምዝዛዘሙ ሮይተርስ ሓቢሩ። ንሶም ኣብ መግለጺኦም፣ “እቶም ኣብ ኣምላኽ ንኣምን ኢና ዝብሉ ኩሎም ደቂ ሰብ፣ ናይ ሰላም ሰባት

READ MORE

ኣብ ካናዳ እትርከብ ማኒቶሊን እትብሃል ደሴት ንሓሙሽተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዑቕባ ክትህብ ምዃና ‘ሳድበሪ ስታር’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ምምሕዳር ናይታ ደሴት ሓፈሻዊ ኣኼባ ተቐማጦ ብምግባር ስደተኛታት ንምቕባል ድሕሪ ዝበጽሖ ውሳኔ ምስ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ብምርኻብ እዩ ነቶም ኣብ ሱዳን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነበሩ ሓሙሽተ

READ MORE

መኒኻ ኣብ መቃብር ስዉኣት ትስዕስዕ ዘለኻ መኒኻ ግዱዓት ወለዲ ተንብዕ ዘለኻ መኒኻ ብዕድል ህጻናት ትላገጽ ዘለኻ መኒኻ ብደም ኣሕዋትካ ትስውድ ዘለኻ፡ እምበር’ዶ-ኤርትራዊ ኢኻ!!   መኒኻ ኣደ ሓርበኛ ተሕዝን ዘለኻ መኒኻ ኣቦ ጅግና ተቋሽሽ ዘለኻ መኒኻ ብህይወት ንጹሃት ትጣላዕ ዘለኻ መኒኻ ብኽቱር ስስዐ ዓዊርካ ዘለኻ፡ እምበር’ዶ ብዓል ሕልና ኢኻ!!   መኒኻ ወገንካ እናተረግጸ ኣስቂጥካ ዘለኻ መኒኻ ሃገርካ

READ MORE

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ፡ ከም መቀጸልታ ናይቲ ብሒም ዝበለ ይተሓጎም ዝብል ጨፍላቂ ፖሊሲታቱ፡ ምስ ምቅያር ባጤራ ናቅፋ ብዝተኣሳሰር ጉዳያት ምስ ሓለፍቲ ንግዳዊ ባንኪ ኤርትራ፡ ሚኒስትሪ ፋይናንስ፡ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣብ ምፍጣጥ ኣትዩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እቶም ምንጭታት ከምዝኣመትዎ፡ ንትግባረ ምቅያር ባጤራ

READ MORE

በይ ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ብስምምዕን ኣውንታዊ ራኢን ናይ ኩሎም እቶም ኣብ በይ ኤርያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ምርኩስ ጌሩ ዝተመስረተ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምንጋስ  ብኹሉ ዓቕሙ ዝሰረሕ ዘሎ ምትእኽኻብ ‘ዩ። እዚ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሕዳር 2013፡ ድሕሪ እቲ ኣብ ላምፐዱሳ ዘጋጠመ ዝስካሕክእ

READ MORE

ብዛዕባ መጻኢ መደብ ዕዮናን፡ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ንምዝታይ ብኽብሪ ንዕድም። ዕለት፡  ቀዳም  12  ታሕሳስ 2015 ግዜ፡    ካብ ሰዓት 13:30 - 17፡00 ቦታ፡    Kistaträff, Finlandslokalen ግዜኹም ኣኽቢርኩም ንኽትመጹ ንላቦ። ብደሓን ምጹ። ሽማግለ ማሕበር ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ Stockholm- Sweden دعوة لكل المناضلين من أجل العدالة يسرنا دعوتكم لحضور الاجتماع المقرر عقده يوم السبت الموافق ١٢ ديسمبر

READ MORE

ኣብ ከተማ ስያትልን ከባቢኣን ትርከብ ግዝያዊት ሽማግለ ናይ ደለይቲ ፍትሕን፡ ደሞክራሲን ፡ ኤርትራውያን፡ ብምኽንያት መቐጸልታ ናይ’ቲ  ኣብ ከተማ ኒዩ ዮርክ ካብ 3000 ንላዕሊ ዝቑጽሮም ደለይቲ ፈትሕን፡ ደሞክራሲን ፡ ኤርትራውያን ዝተሳተፉዎ፡ ዕዉት ዝኾነ ብዕለት 29 ጥቅምቲ 2015 ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊን፡ ከምኡ ኸኣ ብድሕሪ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ

READ MORE

ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ከም ክልተ ዝተፈላለያ ሃገራት ትማሊ ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ Cecafa ንፈለማ ኣብ ዘካየዳኦ ግጥም ብዘይ ሸቶ ማዕረ ማዕረ ከዝተፈላለያ ቢቢሲ ሓቢሩ። ኣብ ሳልሳይ ጉጅለ ተመዲባ ትጻወት ዘላ ጋንታ ደቡብ ሱዳን ኣቐዲማ ንጅቡቲ ሓደ ብባዶ ስለዝሰዓረታ ናብ ርብዒ ፍጻሜ ንምሕላፍ ተስፋ ረኺባ ኣላ። እታ ብቐጻሊ ሕቶ

READ MORE

ብህይወት ዝጸንሐስ ብዙሕ ከምዝርእይ መጠን፣ ንሕና ኤርትራውያን ከም ነጻ  ሃገርን ህዝብን ኣብ ዓለም ካብ ንፍለጥ ወላ ውሑድ ዓመታት ይኹን እምበር፣ እቲ ኣብ ካልኦት ዓድታት ክረአ ብዙሕ ዓመታት ዝወሰደሉ ኩሉ ግዕዙይ ስራሕ ሳላ ህግደፍ ብሓጺር ዕድመ ናጽነት ኤርትራውያን ንኹሉ ሽግር ኣረኻኺብናሉ። በዘን 25 ዓመታት ናይ ናጽነት

READ MORE

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይዚ “ሓቅን ፍትሕን ስለ ህዝብን ሃገርን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዘቕረብናዮ ቃል ኣሰና፣ ኢሳይያስ ብፖለቲካዊ ዓይኒ ምዉት ስለዝኾነ ኣካላዊ ሃለዋቱ ምጽንጻን ገዲፍና ኣብ መተካእታ ናይቲ ስርዓትን መጻኢ ኤርትራን ከነተኵር ከምዝግባእ መደምደምታ ብምሃብ ኢና ዛዚምና። ቃል ንቓሉ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ “ሞይቱ እንተዝኸውን ከ

READ MORE

ኩሎም ገዛእቲ ሓይልታትን ውልቀ-መለኽትን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ኣብ እዋን ዕርበቶም ዝጥቀሙሉ ሓደገኛ ሜላ፡ ነቲ ዝገዝእዎ ህዝቢ ሓድነቱ ምዝራግን ሓድሕዱ ከምዝናቆት ምእላምን’ዩ። ህዝቢ ንተንኮላት ገዛእትን መለኽትን ተገንዚቡ ንጸላእቱ ሓቢሩ ክምክት እንተዘይክኢሉ ድማ፡ ጉዕዞ ቃልሱ ዝተሓላለኸን ዝነውሐን ይኸውንን ዝያዳ መስዋእትን ስቃይን ይኸፍል። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን

READ MORE

ሕብራ ጸሊኣ  : ክትቅይር ዓይነታ ነጽያ ወዲኣቶ : ላዕለዋይ ክንቲታ ተረፍ ከተውጽእ  : ብመርፍእ ነቒሳ ኣስከሬን ተርፉ : ተወዲኡ ነብሳ ጸላኢት ነብሳ : ኣፍቃሪት ክዳና ተሓዚሉዶ ‘ታ : ልባ ኣብ ዝባና ? ዑፍ ዘይትፈልጦ  : እንታይ ኮን’ያ ሰሚዓ መስተር ክትቀያይር  : መከራ በሊዓ ቱሽቱሻ ክትለኪ : ካብ መገዲ ኣልጊሳ ቀለም ከይነቀጸ : መኒና -

READ MORE

ተጋዳላይ ግዳይ ድዩ ወይስ ጠንቂ ናይቲ ጉዕዙይ ህግደፋዊ ፖሊሲ                   ታደሰ ኪዳነ     በርሚንግሃም               ሕዳር 24 2015   ብዙሓት ሰባት “እዚ ሕቶ`ዚ ክለዓል`ውን ኣይነበሮን” ከም ዝብሉ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እንተኾነ ብገለ ሰባት ንክብርን ተራን ተጋደልቲ ዘቛሽሽ ዘረባታት ይስማዕ ስለ ዘሎ፡ ብዛዕብኡ ቁሩብ ምዝራብ ጽቡቕ እመስለኒ። እዚ ዘረባታት`ዚ ካብ ነጻ ርእይቶ ናይ ውልቀ

READ MORE

ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣብ መላእ ዓለም፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንዘውርዶ ዘሎ ግፍዒን ኢ-ሰብኣዊ ግህሰትን ንምቅላዕን ንምኹናንን፡ ሰፊሕ ብሰላማዊ ሰልፊን ንዝምልከቶ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ጥርዓን ብምቕራብን  ብዓውታን ብጥምረትን  ይንቀሳቐስሉ ኣለዉ። ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ኮሎራዶ ከም ኣካል ናይ`ቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝነጥፍ ዘሎ ናይ ኤርትራውያን

READ MORE

ብንኣምን ተኪኤ       ጀርመን፡  17/11/2015 ሓደ ሓደ ጊዜ፡ ሓቂ ክትጉሰ ትርእያ'ሞ፡  በጨቕ ክኣ ይብለካ፡፡ ክሳብ መዓስ'የ ትም ክብል ኢልካ ውን ንነብስኻ ትገንሓ። ዝመስለካ ክትብል ወይ ክትጽሕፍ ውን ትውስን፡፡ “ ዝመኸርናዮ ንልቦና፡ ዝሓጎምናዮ ንጥዕና ይግበረልና “ ኢልካ ክኣ ነቲ ዝመሰለካ፡ ብዘይጎድእ መንገዲ ትድሕድሖ። እቲ ለለባሙ ይቕበሎ ወይ ይግምግሞ፡

READ MORE

ኣብዚ ቕንያት’ዚ፣ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ዝርከብ ኤርትራዊ ክልታት፣ ኢሳይያስ ሓሚሙ፣ ዓቢዱ፣ ሞይቱ ዝብል ወረ ክላባዕ ቀንዩ ‘ሎ። ዓለምና ምስቲ ኩሉ’ቲ ናይ ሃብታምን ድኻን፣ መላኽን ተመላኽን፣ ዓማጽን ተዓማጽን ፍልልያታ፣ ሓደ ፍትሓዊ ጸጋ እንተልዩዋ ማዕርነት ኣብ ሞት ‘ዩ። መጠን ገንዘቡን ሓይሉን ብዘየገድስ፣ ካብ ሞት ዘምልጥ ሰብ የልቦን።

READ MORE

ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላት፡ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ካብ ዝኽሰስ ንድሓርን ብገበን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከይቀርብ ፍርሒ ስለዝሓደሮን፡ መዕቆቢኡ የጣጥሕ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። እዚ ኣብ ልዕሊ ኢሳያስ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን ትካላት’ቲ ስርዓትን ዘንጸላሉ ዘሎ ክሲ

READ MORE

ኣቱም ኣሕዋት! ንሰማማዕ እስከ ንሰማማዕ መን ምሩቕ! ንበል ንሰይጣን ዘርሕቕ! ነዚ ስልጣኑ ከናውሕ ትንፋስ ሰብ ዘምሉቕ መን ምሩቕ! ንበል ንህዝቡ ዝኸውን ጽላል ነዚ ብስለላን ኮለላን ዘይፍጸም መብጽዓን ህዝቢ ዘጠፍእ ዘሎ ሰይጣን ከምቲ ትኣምኖ ሊኢካስ! እንታይ ተሪፉኒ ኣይትበል ዝብሃል ንምረጽ ውፉይ ዘይጠልም ንህዝቢ ካብ ኣፍ ሞት ዘድሕን ነብስና ንመርምር ካብ ዝሓለፉ ጌጋታት ንምሃር ኔው ንበሎ’ቲ ተደናጊርካ

READ MORE

ኣንትን  ሰሚዕኽዶ  ሓመድ ድበ ናቕፋ፡ እወ  ሰሚዕና  ኣውይያት፡ ሓንቲ  ኣፋ፡ ትንፋስ  ትልኽ  ትብል  ኣብ ምሕላፋ፡ ምቅይያር  ናቕፋ  መዓስ  የናግፋ፡ ሎሙስ  ኣኺላያ፡ ኣዳኖዬ፡  ወዲአ ፡ጸንፊፋ፡          እዚስ ዃ!  ቀደም      ፈሊጥናዮ         ስራሕ  ሃታሃታ  ዘይጸፈፈ  ዕዮ፡          ሓዱሽ  የለን  ካብቲ  ንጽበዮ፡      

READ MORE

“እዋን ጽልግልግ” ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፤ እዚ ብዛዕባ ሓውና ዓብደላ ሓጋየቶ ዝሰማዕናዮ ሃንደበት ሞት ብጣዕሚ ከምዘደንገጸናን ዘሕዘናን ንጹር ኮይኑ፣ ግናኸ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ክንጻወሮ ዘይንኽል መርድእ ነይሩ ክንብሎ ከሸግር ኢዩ። ቀንዲ ምኽንያት ከአ፣ ኤረትራ ብሰንኪ እዙይ ገሓማጥን ብልሹይ ህግደፋዊ ሕጊ ኣልቦ ምምሕዳርን፣ ብውሑዳት ሰበ ስልጣንን

READ MORE

ካብ ግዜ ቁልዕነቱ ኣትሒዙ ምእንቲ ናጽነት ዝተቓለሰ ሕጂ ‘ውን ኣብ ኣብ ስደት ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቡ ደው ኢሉ ምእንቲ ፍትሒ ክንቀሳቐስ ዝጸንሐ ምቕሉል ሓው ዓብደላ ሓጋይቶ ትማሊ 16 ሕዳር ኣብ ቺካጎ ሃንደበት ከምዝዓረፈ NBC News Chicago ሓቢሩ። ወዲ 42 ዓመት፣ ኣቦ 4 ቆልዑ ዓብደላ ሓጋይቶ ኣብ

READ MORE

ቅዋም ናይታ ሃገር ጥሒሱ ንሳልሳይ ግዜ ክምረጽ ዝወሰነ ፕረዚደንት ብሩንዲ ፒረ ንኩሩንዚዛ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ኣሻማዊ ምርጫ ተዓዊተ ኢሉ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ብሩንዲ ዝተላዕለ ናዕቢ ኣብ ዘይሃደኣሉ እዋን፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት ናይታ ሃገር ኣርባዕተ ሰባት ብቶኽስን ነተጒትን ከምዝሞቱ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ

READ MORE

ልብና ደም ይነብዕ ኣሎ ረዳኢ ስኢኑ ሰላም ተሓሪሙ ብጓሂ ቃዚኑ ደምና ተሓሊቡ ብሕማም ማሲኑ ብመንቀኛ ህግደፍ ምስልና ተደዊኑ።   ልብና ደም ይነብዕ ኣሎ ደልዩ ዘጥልሎ ሓጎስ ኣስኒቑ ጥሜቱ ዘዕንግሎ ጽምዋ ከይወርሶ ዝሕብሕብ ዘማእክሎ ሓዘን ወጊዱ ጸጽብቑ ዘዕልሎ።   ልብና ደም ይነብዕ ኣሎ ልቢ ፈተውቱ ስለዝተኾምተሮ ቤተ- ሰቡ ብህግደፍ ብጭካነ ስለዝተቀትሎ ወገኑ ብዘይፍርዲ  ስለዝተሓየሮ ብኽቱር ድኽነት ናብራ ስለዝመረሮ።   ልብና ደም

READ MORE

ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ሰሙን ኣብ ዝነበረ ግዜ ሓንቲ ካብ ተሰነይ `ኣኳ ፍሬሽ` ዝተባህለ ውጽኢት ማይ ጽዒና ናብ ኣስመራ ትጓዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና ኣብ መንጎ ዓደርደን እንገርነን ብ RPG ተሃሪማ ድሕሪ ምቅጻላ መራሒኣ ብኡንብኡ ከምዝዓረፈ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። እታ ኣብ ተሰነይ ካብ ዝርከብ `ሓሊብ ባርካ`

READ MORE

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ውጽኢት ጸባን ስጋን ንዘፍርዩ ሓረስቶት ቤትመኻእ ከብቶም ካብ ኣስመራ ክወጽኡወን ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፡ ጥሪቶም ዘሚቱ ናብ ዒላበርዕድን ኣለቡን ከምዝወሰደን ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ልኡኻት ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ፈለማ ነቶም ዋናታት ከፈራርሑ ኣብ ደምቢአን ከለዋ ነተን ከብቲ ክሓርዱወን ኳ እንተጀመሩ፡ እቶም ከምብቶም

READ MORE