ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ፍጡር: ህይወት ዘለዎ ይኹን ዘይብሉ: ተለዋዋጥን ሓላፍን እዩ። ኩነታትውን ከምኡ። ዓወት ብስዕረት ይትካእ። ክብረት ብሕስራን ይድምደም። ሃብታም ይደኪ: ድኻ ይህብትም። ዳንደ ዝነግሰሉ: ለባም ድማ ከም ባርያ ዝሳቐየሉ እዋናት ኣሎ። እቲ ዝደልደለ ህንጻ ንዘልኣለም ደው ኢሉ ኣይነብርን። ቀስ ኢሉ ናብ ዑና ይልወጥ: መጻወቲ ጠበቕን
ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ፍጡር: ህይወት ዘለዎ ይኹን ዘይብሉ: ተለዋዋጥን ሓላፍን እዩ። ኩነታትውን ከምኡ። ዓወት ብስዕረት ይትካእ። ክብረት ብሕስራን ይድምደም። ሃብታም ይደኪ: ድኻ ይህብትም። ዳንደ ዝነግሰሉ: ለባም ድማ ከም ባርያ ዝሳቐየሉ እዋናት ኣሎ። እቲ ዝደልደለ ህንጻ ንዘልኣለም ደው ኢሉ ኣይነብርን። ቀስ ኢሉ ናብ ዑና ይልወጥ: መጻወቲ ጠበቕን
ብዳዊት ክፍለዝጊ ዋና ዝሳአነት፡ላሕሚ ትሙኻእ ትደሚ፡ ከይትሻናዳሕ፡ ዪለን ዓቕሚ፡ መሊሹ ከፊእዋ ካብ ዓሚ፡ እቲ ሓደ ብጭራአ፡ንድሕሪት ይውጥጥ፡ ዓመጸኛ ብኽሳዳ፡ ንታሕቲ ይሰቅጥ፡ ሱሱዕ ባዓል፡ ጓጉድ ጉሊአ ይመጥጥ፡ ዑሱብ ጓሳ ግርማአ፡ ዝቕንጥጥ፡ ሓምራ ላምና በዚሕዋ ዋጢጥ፡ ብሓቂ ብልክዕ ልግዔ ዬለ ጸባ ፡ ዋና ዬለን ብጉቡእ ዝሓልባ፡ ሳዕሪ፡የለን ትበልዖ፡ቀለባ፡ ብራሕ ዬለ ዝስተ፡ማይጨባ ማሕረስ ዬለን፡ ዝብል፡ ናዓ ሃባ፡ እኖሆዶ! ንሪኦ ብቐረባ፡ እዛ ሓራስ
ኣንጻር ጕጅለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ብብዝሒ ተኣኪብና ማለት‘ዶ፡ ዓወት ንመሰል ህዝቢ ኤርትራ የጸውዖ፧ ካብዚ ሕቶ‘ዚ ብምብጋስ ገለ ትዕዝብተይ ክብል፥ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ ተኻፊለ፡ ኣብ ናይ ፍራክፈርትን ካስልን ዝተገብሩ ፈስቲቫላት ውን ተኻፊለ፥ ነቶም ዝነበሩ ፕሮግራማትን ሃዋህውን ውን፡ ብዓቕመይ ብግቡእ ክከታተሎ ፈቲነ። ነቲ ኣብ ጀነቭ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ፡ እቲ መብዛሕትኡ ኣብኡ
ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ንኹሉ ርጉጽ ዘይኮነ ትጽቢት ዝወሃብ ምስላ`ዩ። ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ረጊጹካ ዝሓልፍ፤ ወይ ጠቃሚ ዝኾነ ውሱን ዓቀን ኣዝኒቡ ደው ዝብል፤ ወይ ከኣ ለኻኺሙ ዝኸይድ፤ ወይ ኣብ ዘይተደላዪ ወቅቲ ዘኒቡ ዘራእቲ ዘባላሹ ክኸውን ይኽእል። ደበና UN ነቲ ድሕሪ ምብቃዕ 2ይ ውግእ ዓለም
ኣብ ዝሓለፈ ቐዳም፣ ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ ብዘይውሑሳት ጀላቡ ካብ ሊብያ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ዝፈተኑ ሶርያውያን፣ ኤርትራውያን ሶማላውያንን ዝርከቡዎም ኣስታት 4400 ስደተኛታት ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ሊብያ ብሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ከምዝደሓኑ ቢቢሲ ሓቢሩ። ሓለዋ ባሕሪ ዓዲ ጥልያን ነዚ ብምዝልከት ኣብ
ሓንቲ ለተዝጊ እዝራ ዝተባህለት፣ ካብ ኤርትራ ናብ ሱዳን ዝተሰደደት ኤርትራዊት ኣደ ቖልዓ፣ ኣብ ሱዳን ብዝወረዳ ብስጭት ዓቕላ ጸቢቡዋ ብበንዚን ነብሳ ድሕሪ ምቅጻላ፣ ኣብ ሕክምና ከሰላ ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ከምእትርከብ ምንጭታት ኣሰና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ብመሰረት ‘ቲ ነታ ግዳይ ብምዝርራብ ዝተላእከልና ሓበሬታ፣ እታ ኤርትራዊት ስደተኛ፣ 6 ኣዋርሕ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/08/San-Diego-flyer.pdf"]
ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ቤትና እሱራት ኢና ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለምን እንርከብ ኤርትራውያን፡ ክሳብ ሎሚ ጸገምና ንምፍታሕ ጥምረትን ራእይን የብልናን፡፡ ብፍላይ ኣብ ስደት ዘሎና ዜጋታት፡ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ ናጽነት ስለዘሎና፡ ንስርዓት ህግደፍ ዝነቅፍ ወይ ዝውድስ ርእይቶታት ምቅራብን ብቅሉዕ ምቅዋምን ይርአ። ንኣብነት ካብ
ወዲ 19 ዓመት ኤርትራዊ ኣትሌት ግርማይ ገብረስላሰ፡ ሎሚ ቀዳም 22 ነሓሰ ኣብ በይጂን ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ ቻምፕዮና ኣትለቲክስ ዓለም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ማራቶን ውድድር ኣንጸባራቒ ዓወት ብምምዝጋብ ዝነኣሰ ተዓዋቲ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ። ኣብቲ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢ መድረኽ ኣትለቲክስ ዓለም ናይ መጀመርያ ወርቂ ማዳልያ ዝተሸለመትሉ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/08/Dr-Romedan.pdf"]
ብምክንያት ሓደ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከተማ በርገን ንዕለት 29.08.2015 ክልተ ዓበይቲ መደባት ኣዳሊያ መርሓባ ትብለኩም ኣላ። 1ይ፣ ንህልው ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ደንበ ተቃውሞን መብሪሂ ክህቡና ክልተ ዓበይቲ ኣጋይሽ ኣዳሊናልኩም ኣለና። ንሳቶም ድማ ሀ, ኣባል መሪሕነት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሕድሪ ብጻይ ፍሳሃጼን ገብረ(ኣድከመ)ካብ ጀርመን፣ ለ, ክፍሊ ውደባ ዞባ ኤውሮጳ ስምረት ምንቅስቃስ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/08/ኣኼባ-ደለይቲ-ፍትሒ-ዓዲ-ጥልያን.pdf"]
ሓርበኛ ሓውና ተስፋኣለም ኣብርሃ ኣብ መበል 60 ዓመቱ ብዝሓደሮ ሕማም ብዕለት 17.08.2015 ስለ ዝዓረፈ ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ስቱትጋርት Stuttgart (Badcannstatt) ሓመድ ኣዳም ክለብስ ኢዩ። ቀብሪ ስነ ስርዓት ዝፍጸመሉ ንሰሉስ 25.08.2015 ሰዓት 11³° ኣብ Hauptfriedhof Stuttgart Steinhaldenstr. 52 70378 Stuttgart ሓዘን ዝካየደሉ ቦታ ኣብ Evangelische Brüdergemeinde Korntal Saalplatz 2, 70825
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/08/መንግስትኣብ.pdf"]
ኣማኑኤል ሳህለ ናይ ሰብ ሓንጎል: ብዙሕ ክፍልታት ወይ ውሻጠታት ዘለዎ ይመስል። ኣብቲ ክፍልታት ድማ እተፈላለየን እንሓንሳእ ነንሕድሕዱ ዝጻረርን ዘይቃዶን ኣምራትን እምነታትን ርእይቶታትን ምቕማጥ ወይ ምውጋን ዚከኣል ኮይኑ ይስመዓኒ። ከምኡ እንተ ዘይከውን ደኣ ከመይ ኢሉ እዩ ገለ ምሁራትን ተመራመርትን ምስቲ ዘይኣምኑሉን ምስቲ ብስነሞገታዊ መገዲ ኪሓስቡ ኸለዉ ኣእምሮኦም
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/08/Meeting-in-Amsterdam.pdf"]
Tesfamariam Wel. 17/08/2015 Norway ኣንታ ህዝቢ እንታይኻ በዲልካ? እዚ ኹሉ ተንኮል ኣብ ልዕለኻ ክንዲ ዝቐለብካ ዝሓብሓብካ ሓንጎፋይ ኢልካ ሰብ መሲሉካ ቅንይ ተልካስ ቀዳሞት ጸላእትኻ ርስትኻ መሬትካ ገዛኻ ተዘሚትካ ወሊድካ ከምዘይ ወለድካ ገረሙኻ ዘላኣለም ባርያ ህግደፍ ክትከውኒኻ ዘይተነግረሉ ስዉእ ኢኻ ኮንካ ዘለኻ ብዘይ ከውን ኢኻ ትቕንጸልዘለኻ ንሞት ከም ዕቁብ ብተራ ትጽበ ዘለኻ ብረት ተሓንጊጥካ ኣብ ጎኒ ማእገርካ ገዛኻ ናፈረሰ
ትርጉም ፍትሒ (justice) ኣብ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ብኣቶ ተክአ ተስፋይ ተጻሒፉ ከምዘሎ “ብቕንዕናን ብዘይ ኣድልዎን ዝፍጸም ናይ ዕርቂ፡ ሽመት ምሃብ፡ መቕጻዕቲ ምብያን፡ ወይ ካልእ ተመሳሳሊ ተግባራት እዩ``። እታ ``justice`` ትብል ናይ እንግሊዝ ቃል ኣብ Collins English Dictionary: 1, The quality or fact of being just. 2,
ሓድነት ዩ! ሓይሊ ወጽዓታት ዝአሊ ፍረ፡ ተኽሊ፡ ቡቑሊ፡ ኤርትራዊ ዜጋ፡ሎሚ ከም ትማሊ፡ ጉዑዞ ታሪኽ ገድሊ፡ ዳግማይ ኣመስክሮ ፡ንመሰል፡ንኽብሪ፡ ንዉሉድ ዎሎዶ መሰረት ነባሪ፡ እወ ንላዛዘብ ነሙቓ ዛ "ደንበ፡ ምረት ህዝቢ ንራህዋ ይጽበ፡ ማዓት እንዳ ዘነበ ንቡር ዘይረኸበ፡ ምክብባር ፡ ሲኒት ሩሑቕ ዝቀረበ፡ ብድሕሪ ሞት ጥዕና
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/08/Petros_teklu_p.pdf"]
ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና፡ ብምኽንያት መበል 14 ዓመት ማእሰርቲ ናይቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ክመጽእ ድሕሪ ምጽውዖም ካብ 18 መስከረም 2001 ኣትሒዞም ኣብ ምስጢራዊ ማሕዩር ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝሓቁ ዘለዉ ሓርበኛታት ኤርትራ ካብ ጽባሕ ሓሙስ 20 ነሓሰ ጀምርና ሰሙናዊ ዝቐርብ ፍሉይ መደብ
https://www.youtube.com/watch?v=r6yAa6IT9EU&feature=youtu.be
ኣብዚ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2015 ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ 12 ሽሕ ስደተኛታት እቶም ሓደ ሲሶ፡ ማለት 4 ሽሕ ኤርትራውያን ከምዝኾኑ መርበብ ሓበሬታ ብሉምበርግ ንሰበስልጣን ናይታ ሃገር ብምጥቃስ ሓቢሩ። ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣትሒዞም ብፍላይ፡ መዓልታዊ ካብ 150-200 ስደተኛታት
እቶም ትማሊ ቐዳም፡ ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ብዘይውሕስቲ ጃልባ እናተጓዕዙ ብትኪ ነዳዲ ናይታ ጃልባ ተበኪሎም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሞቱ ስደተኛታት ቁጽሮም ካብ 40 ናብ 49 ክብ ከምዝበለ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ሓቢሩ። እቶም ግዳያት ኣብ ከብዲ ናይታ ጃልባ ኣብ ዝርከብ ዕጹው ክፋል ኮይኖም ዝጓዓዙ ዝነበሩ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/08/ወይዘሮ-ኣበባ-ሓጎስ.pdf"]
እየ ክንደይ ኮን ምቖዶ !!! ??? እየ እወ ክንደይ፡ ኣየ ከመይ ምቖዶ እቲ ቃልሲ ብሓባር እንተንጸምዶ እወ ብሓደ ከም እሱር ማእዶ። ኣየ እወ ክንድይ እኳ ምቆዶ እቲ ጎደና ሕውነት ብሓባር እንተንኸዶ እቲ ዓቢ ንንእሽቶ እንተዝምዕዶ ንመትከላዊ መገዲ መንእሰይ እንተ ዝጽዕዶ ህዝብን ሃገርን ፍስሃ ምወረዶ። ኩልና እንተንጾሮ ንመን ምኸበዶ ምክብባር ብኢደይ ኣድካ ብጽምዶ ናብራና ቅሳነት ምሰፈኖ ክብሪ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/08/Festivalpfdj.pdf"]
ኣብቂዑ ኣይትበል ነቒዑ ተመን ኣይመውትን ሕቖኡ ተወቒዑ:: ጸንቂቑ ኣይትበል ነጺፉ ለኺቱ ኣፉ ከየውድቐካ ጠሊፉ: ሰበባ ገዲፉ:: ተበርቁቑ ኣይትግደፎ ወዲቑ ጨናፍር ኣለዎ ከይቀትለካ ሓኒቑ:: ቤት መቕደስ ኣትዩ’ሎ መስቀል ሒዙ ማይ ድጋም ከይመስለካ መርዙ: ንቓሕ ተበራበር ከይወስደካ ኣፍዚዙ ኣደንዚዙ:: ወጋሕታ ድግዝግዝ ኣብርሃዮ ኣዒንቲ ተኸተሎም ከዋኽብቲ ጋኔን ከይኣተወ ናብ በዓቲ:: ብደመ ኣዕጽምቲ ዝተሰርሐት መንበር ሰይሩ ተሸንዲሑ ብጽጋብ ኣሳፊሑ ኣእጋሩ ባሕሪ
ብሰንኪ እቲ ሎሚ ቕነ ኣብ ሽወደን ዝተፈጸመ ቅትለት ኣደን ወዳን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ምፍዳይ ሕነ ከይፍጸም ኣብ ዝፍርሓሉ ዘሎ ግዜ፣ በቲ ቅትለት ዝተጠርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን ኣብ ዝቕመጡሉ ዝነበሩ ማእከል ስደተኛታት ንዝተኻየደ ዘይሕጋዊ ሰላማዊ ስለፊ ፖሊስ ሽወደን ከምዝበተኑዎ The Local ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ሓቢሩ። ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት
ሓደ ኣብ ሽወደን ዑቕባ ክሓትት ዝወጠነ ኢትዮጵያዊ፣ ኣብ ናይ ጽዕነት ክፍሊ ናይ ሓንቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ስቶክሆልም ዝበረረት ነፋሪት ኢትዮጵያ ድሕሪ ምርካቡ ብፖሊስ ሽወደን ተታሒዙ ሕክምናዊ መርመራታት ከምዝተኻየደሉ ቢቢሲ ሓቢሩ። ከም ልሙድ እቲ ኣቑሑ ዝዕቀበሉ ክፍሊ ናይታ ነፋሪት ኣዝዩ ቆራሪ ኳ እንተኾነ፣ እቲ ካብ ኣዲስ
ኣማኑኤል ሳህለ ዝሓለፈ ጌጋታትን ህዉኽ ውሳነን: ግጉይ ግብረመልስን ድሑር ባህልን: ምስ ሕሉፍ ታሪኽን ተመክሮን: ምስ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ስርዓታት ተደማሚሩን ተጓዳዲሉን: ነቲ ኣሉታዊ ናይ ህይወት ሒሳብ ሚዛን (balance sheet) የቕርበልካ: ነቲ ሕማቕ ዘመን ከኣ ጎቲቱ የምጽኣልካ። ብግዜ ጣልያን: ህዝቢ ብሓይሊ ይኹን ብድልየቱ እናተኸትበ ንሊብያ ኪኸይድ ከሎ: ኣብቲ
ብንኣምን ተኪኤ 12 August 2015 ባይቶ ን ኳዂቶን ውርጹጽ ጽሓፊ ኳ ኣይኮንኩን ፣ ግን ሕልፍ ሕልፍ ኢለስ ፣ ገለ ሓሳባት ፣ ፈይ የብል የ ። ብቀጻሊ ክጽሕፍ ዘተባብዑኒ ውን ኣይተሳእኑን፣ ጽበት ጊዜ ስለ ዘሎ ግን ኣይ ከምትጽቢቶምን፣፣ ብዕለት 8 ንሃሰ 2015 ፣ ሓሙሽተ ሃገራውያን ውድባት ኤርትራ፣ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራዊ
ምንጪ ንብዓት- ኣብ ፍጥረት: ወዲ ሰብ ጥራይ’ዩ ዝነብዕ:: እንስሳታት ኣዕዋፍ ኣይነብዑን’ዮም::ገመል: ሓርማዝ: ድሙ: ከልቢን ካልኦትን እንተነብዑ እውን ኣዒንቶም ምስ ዝሓሙ ወይ ውን ባህርያዊ መስርሕ ምሕጻብ ኣዒንቶም ከካይዱ ከለው’ዩ:: ንብዓት ሓርገጽ ዝበሃል እውን ሓርገጽ ንግዳዩ እንዳቖርጠመ ስለዝነብዕ’ዩ:: ወዲ ሰብ ግን ኣብ ሓዘን: ኣብ ሓጎስ: ክቑጣዕ ወይ ክስሕቕ
ናይ ኣትላንታ ሰፊሕ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ንምትካል ፍትሓዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ (Grassroots Movement)፡ ን Aug 15, 2015 ህዝባዊ ኣኼባ ከካይድ ኢዩ። ኣብቲ ዝካየድ ኣኼባ፡ እዞም ዝስዕቡ መደባት ክህልው ኢዮም። ብሽማግለ ናይ’ቲ ህዝባዊ ምትእኽኻብ ናይ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ስራሓ ምቕራብ ንጸብጻብ ናይ መርማሪት ኮሚሽን ናይ ውድብ ሕቡራት
እቶም ኣብዚ ቐረባ መዓልታት 55 ዝዕድሚኣ ሽወደናዊት ኣደን ወዲ 28 ወዳን ብምቕታል ተጠርጢሮም ተታሒዞም ዘለዉ ክልተ ኤርትራውያን፣ ዋላ ገበነኛታት ኮይኖም እንተተረኺቦም፣ ብምኽንያት ‘ቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ናይቲ ስርዓት ናብ ኤርትራ ከምዘይስጎጉ መንግስቲ ሽወደን ከምዘፍለጠ፣ breitbart.com ብሬትባርት ዝተባህለ መርበብ ዜና ሓቢሩ። እቲ መርበብ ሓበሬታ፣ ወሃቢ
ኣብ ኢትዮጵያ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ዝርከቡ ናይ ስነጥበብ ዝንባለ ዘለዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሓዲጎሞ ዝመጽኡ ዘይጽወር ክዉንነትን ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥሞም ዘሎ መከራን ብስእሊ ከምዘንጸባረቑዎ ሓደ ኣብ ምሕጋዝ ስደተኛታት ዝነጥፍ Jesuit Refugee Service ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ማሕበር ሓቢሩ። እቲ ማሕበር በቲ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት