ርእይቶን ምሕጽንታን ንኣሰናን ንኹሎም ደላይቲ ፍትሕን፥ ነቲ ዕድሜኡ ሙሉእ ብጽንዓትን ሓቦን ንፍትሕን መሰልን ዝተቓለሰን ገና ዝቃለስ ዘሎን ክቡር ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ 'ጽናዕ! ኣጆኻ! ኣብ ቃልሲ ክትደፍእን ክትድፋእን ዝነበረን ዘሎን'ዩ!' ብምባል፡ ተስፋ ኣይትቑረጽ ክንብሎ መስሓቕ'ዩ ኪኸውን። ከመይሲ፡ ነቲ ዓመታዊ ኣዝመራ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ወትሩ
ርእይቶን ምሕጽንታን ንኣሰናን ንኹሎም ደላይቲ ፍትሕን፥ ነቲ ዕድሜኡ ሙሉእ ብጽንዓትን ሓቦን ንፍትሕን መሰልን ዝተቓለሰን ገና ዝቃለስ ዘሎን ክቡር ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ፡ 'ጽናዕ! ኣጆኻ! ኣብ ቃልሲ ክትደፍእን ክትድፋእን ዝነበረን ዘሎን'ዩ!' ብምባል፡ ተስፋ ኣይትቑረጽ ክንብሎ መስሓቕ'ዩ ኪኸውን። ከመይሲ፡ ነቲ ዓመታዊ ኣዝመራ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ወትሩ
አብ ዕለት 22 ለካቲት 2015 ደለይቲ ፍትሒ ነበርቲ ዓዲ እንግሊዝ አንጻር አምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ዓዉት ሰላማዊ ሰልፊ አካይዶም። አምባሳደር ስርዓት ህግደፍ አብ ከተማ ሸፊልድ አኼባ ኽገብር ምኻኑ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ናይቲ አኼባ ተፈሊጡ። ነበርቲ ሸፊልድ ንስለፍትሒ፤ ንስለህዝቢ ብሓባር ድምጽና ነስምዕ ዝብል ጸዋዒት ምስ አመሓላለፉ ኩለን
'ታይ ግዱ ህግደፍ መንደፍ፣ እንተኾነሉ ሰብ ይነድፍ፣ እንተሰኣነ ገንዘብ የግድፍ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ንኤርትራ ሃገረ ዕስክርና ብምግባር፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ሰጥ ልበጥ ኣቢሉ ብወተሃደራዊ ሕጊ ንምቍጽጻሩ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ዝሓንጸጾ ሜላ፣ ንኹሉ መንእሰይ ኤርትራ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣስገዲዱ ዓስከር ብምግባር ብዓንተብኡ እዩ ጀሚሩዎ። ንመንእሰይ "ኣልዚበዮ
እኳ ተስፋ ፍሥሓየ መብራህቱ © copyright 2003 ክንዲ ንፋዕ ክንዲ ተስፋ ክንዲ ኣጽንዕ ክንዲ ተስፋ ክንዲ ‘ገናዕ ክንዲ ተስፋ ቀትሪ ኣውያት ለይቲ ግፋ ሰስሒብካ ናብ “ዓጌፋ” ዒም ዝበለ ብማሕጎፋ ኤርትራናስ ‘ንታይ ለኸፋ ዘይርከባ እኳ ተስፋ። እምበይተይ ኤረ ብዛዕባኺ ‘ንታይ ይውረ ጸጽቡቕኪ ምስተቐብረ ‘ቲ ሠናይኪ ተባረረ በረኸትኪ ኔው ሰፈረ ‘ተን ጥሪትኪ ኮይነን ዓረ ቅቡጽ ተስፋ ዘይዕረ ‘ቲ ግናይኪ ዓለም ዞረ ወሊድኪ’ምበሪ በዓል ሰሪ እከይ ግብሪ ሠራሕ ነውሪ ጸፋር እግሪ ተዓንቃፋይ ተነቃፋይ። ፈሊጥኪዶ ብሰንኩዩ ‘ቲ መርገምኪ ዝሓሰመ ‘ቲ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/02/MEADI-ZETE-MARCH.pdf"]
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/02/ኣባላት-ስቪላዊ-ስለያ-ህግደፍ-ይቀልዑ፣-2ይ-ክፋል.pdf"]
ጽልኢ ኣይነጎሃህር (ቀዳማይ ክፋል) ብመጀመርታ ንኹሎም ኣንበብቲ ሰላም ክብል ኣፍቅዱለይ። ሰላም ልባዊ ትምኒተይ እዩ። ድሕሪ ሰላም ኩሉ ይመጽእ። ሰላም ኣብዘለወሉ ቅሳነት ይነግስ፡ ጸጋ ይመጽእ። ንቡር ናብራ ይህሉ፡ ምትሕስሳብ ምትሕልላይ ይህሉ፡ ኮታስ እቲ ጽቡቕ ዝበሃል ኩሉ ተፈጻምነት ይህልዎ ብዓቢኡ ከኣ ፍቅርን ሕውነትን ግቡእ ቦትኦም ይሕዙ። ኩሉ ኣብ ፍቕሪ
ጸጒረይ ክምሸጥ! "ኣንታ ነዚ ዲኻ ተበጂኻ!? መልሰለይ'ባ!?" ብዓይነይ ዘጓነፈኒ ፍጻመ፡ ናይ መወዳእታ ክፋል፥ "እዋይ! ኣቲ መዓረይ ንዒ'ስከ በዚኣ ኮፍ በሊ? እንታይ እየ ዝሰምዕ ዘለኹ ጓለይ!? ፈቐዶ ገዛውቲ ደድሕሪ ልቺ ክትኮሊ ውዒልኪ!? እስክሉ?" ብምባል፡ ዋና ገዛ ሓደ ክልተ ቢጎዲኒ ፈቲሓ ንገለ ክፋል ጸጉሪ ርእሰይ ትንክፍ ትንክፍ ኣበለቶ'ሞ፡ "እዋይ! ቀሪብኪ እንዲኺ
ሱቅ ጡዑም እንታይ ገደሰኒ (ብደብረ) ኣንፈት ፖለቲካ ሃገርና ባህርያትናን ኣይርደኣካን እዩ። ደይምሕሳቡ ይሓይሽ ‘ምበር ሕውስውስ ‘ዩ ድብለካ። ብዙሕ ናይ ፖለቲካ ፈላጥ ኣይኮንኩን ግን ከኣ ይርደኣኒ ‘ዩ በሃላይ ‘የ። በዚ መዳይ ንነፍሰይ ምስ ካልኦት (ንኣብነት ምስ ስድራይ) ዘለኒ ኣረኣእያ ክመዝና ከለኹ ኣብ ክልተ ጫፋት ኢና ንምደብ። ንሶም
ዑዉር፡ ይመሰለለይ ተዓሊም (ብደብረ) ኣብ 1999፡ ምስ 'ቲ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝተኣሳሰረ፡ ዕድሜና ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይምልከተና፡ሊዕሊ ኣርብዓ ክሳብ ሓምሳ ዓመት ዝኾንና፡ ኣባላት ዑቁር ሰራዊት ተባሂልና ንሳዋ ወሪድና ነይርና። ኣብ ሳዋ ንኽልተ ወርሒ ዝኣክል ብወተሃደራዊ ሳይንስ ተዓሊምና። ሽዑኡ ዝተዓለምና ብቕዓት እንተዘይነበረናውን ምስቲ ዝነበረ ኹነታት፡ ስሚዒትን ሃገራውነትን ነቲ ተዓሊም ብልቢ ዝተቐበልናዮ (ሕሙማት
ስርዓት ኢሳያስ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ኮራኩሩን፡ ወትሩ ዝምድርዎን ህዝብና ንምድንጋር ዘቅርብዎ ብመዓር ዝተለበጠ መርዝን ብዘየገድስ፡ ንሳቶም ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ኣረሜናውን ኣዕናውን ተግባራቶም ብግብሪ የረጋግጾ ኣሎ፡፡ ኢሳያስን ደቂ መዛሙርትን፡ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ብዙሕ መርትዖታት ክቐርብ ዝኸእል’ዃ እንተኾነ፡ ነቶም “ኣይፋል ስርዓት ኢሳያስ ንጹህ ከም
Chris Cotter ዝተባህለ ሓደ ግዱስ ኣመሪካውን ጉጅሊኡን ብዛዕባ ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ኤርትራውያን ኣብ ጉዕዞ ስደት ዘጋጥሞም ዘሎ መከራን ንዓለም ንምብራህ The Eritrean Exodus ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ፊልም ፕሮጀክት ንምስላጥ ዘካየዱዎ ምወላ ናይ ምርካብ ጎስጓስ፣ ልዕሊ እቲ ወጢኖሞ ዝነበሩ ናይ 30 ሽሕ ዶላር ታርጌት ብምውጻእ ተዓዊቱ። ንሳቶም ነታ
ቅድሚ 10 መዓልታት ኣቢሉ ብምድጺ ኣሰና ተቓሊሑ ከምዝነበረ፣ ነቲ መራሕቲ ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ብህግደፍ ኣብ ወጻኢ ጎስጓስ ክገበሩ ዝተዋህቦም ትእዛዝ፣ ኣብ ግዜ ጾም ኣርብዓ ጸሎት ደኣ ንገበር እምበር ንወጻኢ ኣይንገይሽን ብምባል ቅሬታኦም ኣስሚዖም ኳ እንተነበሩ ብመሰረት 'ቲ ብቤትጽሕፈት ህግደፍ ተዋህቦም ተሪር ትእዛዝ ብ 19 ለካቲት ፍራንክፈርት
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኤርትራ ኣብ መበል 94 ዓመተን ዝዓረፋ፣ ኣዴና ጽገረዳ ብላታ ሃይሉ፣ ወላዲቱ ነቲ ብ 2001 ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዘይፍርዲ ምስ ተኣስረ ዛጊት ሃለዋቱ ዘይፍለጥ ሚኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ሎሚ ሰንበት 22 ለካቲት ኣብ ከተማ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ጸሎተ ፍትሓት ተገይሩለን። ኣብቲ ጸሎተ ፍትሓትን ደበስን
ኣዕዋፍ ዒላዒሮ ብረራ መርድእ ንገራ ኣደ ጅግና ኣደ ድሩዕ ሓሊፋ በላ ጸበባ መግዛእቲ ዘየሰነፋ ኣርዑት ባዕዲ ክሳዳ ዘይዓጸፋ ኣደይ ጽገ ኣብቂዓ ኪዳና ኣጽኒዓ:: ሽኮ እግሩ ወዳ ክዘልል ድርፎ ርእሲ ዓዲ ክኾልል እናተራእያ ዝሓለፈ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ክድብል ብተስፋ ከተማዕዱ ኣዒንታ ቆሊዓ ሰሃሮ ኣሕሊፋ ነብሳ ተበሊዓ ኣደ ጅግና ተዋሪዳ ክልተሳብ ተራእያ ተጠሊማ መብጽዓ ኣብ ቤታ ተጨውያ:: ብሩህ ወጅሃ
ባህግና ፍሥሐየ መብራህቱ ሰላም ተባሂልና ብሰልም ክንነብር ሓምሊ ተደሪርና ቀሲንና ክንነብር መሲልና ኣምሲልና ከም ግቡር ከምንቡር ወሊድና ዘሚድና ክንሓዝል ክንሕንግር ነቶ ዝዓረፉ ብኽብሪ ክንቀብር ምርቓ ቀሲምና ታሪኾን ክንዝክር ሰላም’ዩ ባህግና ምስ ዓለም ዚጽንብር። ሰላም ጸሚእናያ ከም ማይ ምደረ በዳ ዘይክፉል ከፊልና ኣቲና ኣብ ዕዳ ወኒንናያ ኢልና እምብዛ ክንንእዳ ዘሕድራ ስኢና ክትእሪ ኣንቂዳ ቅሳነት በነነት ኣቋራጭ መንገዳ ንስደተይ በለት ሰኣን
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/02/Koboron-Egrin.pdf"]
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/02/godefa_esat.pdf"]
መስከረም (መሽረፈት) ኔትን ራድዮ ኤረናን ኣብ ሓደ ማኣዲ ኣሰና ኣብ ጉዳይ'ቲ ብ1997 ዓም ዝጸደቐ ሃገራዊ ቅዋምን ኣብቲ ካብ ኤችቢሲ ልሒኹ ዝወጽአ ውልቀ መላኺ መራሒ ኢሰያስ ወይ ልኡኻቱ ኣብ ናይታ ባንክ ናይ ስዊዝ ጨንፈር ዝኸዘኑዎ ምዃኑ ዝእመነሉ 700 ሚልዮን ዶላር ዝኣክል ገንዘብ ዘጋለጸ ሓበሬታ ኢያ ተጸሚዳ ቀንያ።
"ኣብ ስደት ዝርከባ ሓደ ሓደ ናይ ኤርትራውያን መርበባት ኣቐዲመን ኣብ ዝዘርግሖ ግጉይ ሓበሬታ፣ ክልተ ደቁን ሓንቲ ሓብቱን ናብ ኢትዮጵያ ክሰግሩን ካብ ኣባላት ሰራዊት ሓለዋ ዶባት ኤርትራ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተቀቲሎም ዝብል ወረ ከምዝተዘርግሐ ዝሓበረ ክብሮም፣ ነዚ ሓቕነት ዘይብሉ ዘይተጻረየ ሓበሬታ መን ከምዝሃቦም'ውን ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይነበሮ ጠቒሱ።"
"ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር: ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ" - መርገም’ዶ ምርቓ ? ሎም ቅነ "ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ'ዩ" ዝብል መሰደመም ካባና ካብ ወገን ደለይቲ ፍትሒ ሰሚዕና:: ብላዕሊ ላዕሊ ንዝርእይ እዚ ብህሎ: መርገም ድዩ ምርቓ ግር ከብሎ ይኽእል ይኸውን:: ህግ ማለት እቲ ኤርትራ ኣብ 1991 ካብ መግዛእቲ
ዝሓለፈ ቀዳም 15 ለካቲት ብሕማም ምኽንያት ዝዓረፈ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ዑመር ካካይ፣ ብ 21 ጥሪ 2013 ኣብ ፎርቶ ምንቅስቓስ ኣባላት ምክልኻል ካብ ዝተኻየደሉ እዋን ኣትሒዙ ንኽልተ ዓመታት ናይ ገዛ ሕዩር ኮይኑ ከምዝጸንሐ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ ሓቢራ። እቲ ሓበሬታ፣ ሜጀር ጀነራል ኣሕመድ ዑመር ካካይ፣ ስዉእ ወዲ ዓልን
ኣብ ትውልዲ ሃገሮም ብዘሎ ስርዓት ተገፊዕና ኢሎም ብዘቕረቡዎ ሕቶ ዑቕባ መሰረት ኣብ ካናዳ ናይ ዑቕባ መሰል ተዋሂቦም ዝነበሩ ስደተኛታት፣ ዓዲ በጺሖም ብምምላሶም ረኺቦሞ ዝጸንሑ ሕጋዊ ነባርነት መንግስቲ ካናዳ ከሕድጎም ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ መርበብ ሓበሬታ Metro Canada ብ 17 ለካቲት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣገንዚቡ። ምስቲ ብ 2012
ፍረሰላም ሙሴ! ኣንታ ንኡስ ፍጥረት ፍረ ናይ ናጽነት ጅግና ወዲ ጅግና ብዓል ድርብ ሓሞት ካብ ጉድጓድ ወጺእካ ስዒርካያ ንሞት 'ዕጡቕ'የ' ምባልካ ንወፍሪ ሓርነት ልበይ *ተሸኒሁ ኰሪዐልካ ብኡነት! *ደስ ኢሉዎ ብርግጽ ኰሪዑ ደስ ኢሉዎ ልበይ 'ክቃለስ'የ' ምባልካ ነዚ ውጹዕ ህዝበይ ብልሕኻን ትብዓትካን ወኒኑዎ ቀልበይ ናይ ደስታን ሓበንን ዛሪዩ ንብዓተይ ንኣኻ ምውላዳ እዛ ዋዕሮ ሓብተይ ምስጋና ይኹና ጎይታ
ጸጒረይ ክምሸጥ! "ኣንታ ነዚ ዲኻ ተበጂኻ!? መልሰለይ'ባ!?" ብዓይነይ ዘጓነፈኒ ፍጻመ፡ 2ይ ክፋል፥ "ሃለው መን ክብል? ኣቤት ሽኮሪና፡ ወዲእኪ? እዋእ! ኢሂ!? ኣብኡ ከኣ ወሲዶማ!? በቃ በሊ ነዞም ሒዘዮም ዘለኹ ዓማዊል ኣብዛ ማይ ተመናይ ኣብጽሕ ኣቢለዮም ቀልጢፈ ክመጸኪ'የ፡ ቻው። መጻእኩ፡ መጻእኩ" ብምባል ታክሲስታ፡ ሽክና ርእሱ እናነቕነቐ ክግረም ዝረኣዮ ሓደ ተሳፋራይ፡ "ደሓን
ወልቀ መላኺ ኢሳያስን ስዓብቱን፤ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጸሎት ተባሂሎ ዝፍለጥ ከባቢ ኣስመራ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ከምዝዓነወ ተፈሊጡ። እቲ ወናኒ መሬቱ ዝኾነ ህዝቢ ከባቢ ኣስመራ፤ ንዝተዓደሎ ጤሳ በብዝጥዕሞ መገዲ ፈርቂ በጽሒቱ ሸይጡ፤ ነቲ ፍርቂ በምስራሕ ዝሰርሖ ኣባይቲ ከምዝኾነ ይፍለጥ። ካብዘን ዝሓለፋ ወሱናት ኣዋርሕ ጀሚሩ ግን፤ እዚ
እዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ምስጢራዊ ሕሳብ HSBC ባንክ ተቐሚጡ ዝጸንሐ ሕጂ ተቐሊዑ ዘሎ ኣስታት 700 ሚልዮን ዶላር ዝበጽሕ ገንዘብ፣ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ካብ ኤርትራ ዘህደሞ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጸጋ ምዃኑ ህዝቢ ክፈልጦ ከምዝግባእ፣ ሓላፊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር (Treasury) ኮይኑ ኣብ ኤርትራ ዘገልገለ ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ምስ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/02/freselam-1.pdf"]
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጥፉእ ተቖጠብ ኣይትዛረብ ኩፉእ Tesfamariam Wel. 16/02/2015 Oslo Norway ገንዘብካ ተጋሒጡ ህዝብኻ ተባሪሩ ህዝቢ ብጥሙዩ ኣብ ስዊዝ ተዓቍሩ ኣለውን ዘይተነግረ ኣብ ጪና ተሃጊሩ ደጋፍ ህግደፍ ጸልሚቱኳሎ ምስጢሩ ቅበጽ ህግደፋዊ ተስፋ የብልካን ፍልሖ ኣትዩካ ብኸመይ ክትድሕን ክንፊ ዘይብሉ ቁርዲድን ኣንበጣን ዘይምሕሩ ባልዕ ኦሮሞን ደምህትን ግደፍ ከይትጠዓስ ሕሰብ ኣጸቢቕካ ኣይተቃልሎ ስማዕ ማዕዳ ኣሕዋትካ ሃገር ናይ ኩልናያ ኣይኮነትን ናትካ ተፍቅራ
ካላእ፣ የሃልዎ በሓቂ ፣ዲየ ኣለኹ ካላእ የሃልዎ። ናጽነት ክዝመት እንዳ ራአኽዎ፣ ባርነት ጠጥዑ ዘይተጸብኽዎ፣ ህዝብና ክነብዕ ውሉዱ ዘክሩ። ኣውያቱ በዓውታ ከስምዕ ኣምርሩ፣ ዝፈትው ገንሸል ትማሊ ከፍሉ፣ እንታይ፣ የዓብስ፣ ቅያ፣ ትማሊ፣ እንተተዘክሩ፣ ኣሎንዶቲ ቁስሊ መዓስ ከ ቀምሩሩ፣ ትማሊ እንዳ በልካ ኣብ ትማሊ ምምባር፣ ከምኡ ኣይ ነበረን ክምከት ግንባር፣ ዋጋ ኢዩ ሓትቱ ናጽነት ምትግባር፣ ሎሚ ክግለጹ
ኣምባሳደር ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዓዲ ጥልያን፣ ፍስሃጼን ጴጥሮስ "ገንዘብ ጥራይ ሓግዙና እምበር ዋሕዚ ስደት ኣብ ምዕጋት ምሉእ ምትሕብባር ክንገብረልኩም ኢና" ክብል፣ ነቶም ብብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሃገራቶም ኣዕለቕሊቐን ብምህላወን ተሻቒሎም ዘለዉ ሰበስልጣን ሕብረት ኤውሮጳ ክሽሕጦም ፈቲኑ። askanews ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ካብ ዓዲ ጥልያን ብዝዘርግሖ ዜና መሰረት፣ እቲ
ኣብ ጉባኤ ካብ ዝተኣከቡ ጳጳሳት ሓደ ስሞም ዝዓቀብናዮም፥ “ንሕና እዚ ኩሉ ጸገምን ፈተናን ዝበጽሓና ዘሎ፥ ቤተ ክርስትያን ኣብ ክልተ ተመቐላ ዘላ ኣብ ሓደ ንምጥርናፋ፥ እታ እንኮ ፍታሕ ምስ ኣቡነ እንጦንዮስ ተዓሪቕና፥ እቲ ወጊዞምና ዘለዉ ውግዘት ኣልዒሎም ኣብ ንቡር ቦታኦም መሊስና፥ ኣገልግሎትና ምቕጻል እዩ። ሕጂ ምኽንያት
ብጉዳይ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘካየደቶ ዑደት ብዓወት ተዛዚሙ ለንደን (04.02.2015)፡ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ ነታ ካብ 23 ክሳብ 31 ጥሪ ኣብ ዓባይ ብሪጣያ ናይ መርመራ ዑደት ዘካየደት ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን ኩነታት ሰብኣዊ
06 ለካቲት 2015 ውዑይ ዜና ካብ ስዑዲ ዓረብ፣ ትማሊ 05 ለካቲት 2015 ዓ/ም ትሸዓተ (9ተ) ወታደራት ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ናብ ጎረቤት ሃገር ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ ማለት! ምምሕዳር ጀዛን ዑቕባ ከም ዝሓተቱ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝመጹና እሙናት ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ - ሕድሪ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/02/Vegas_opening.pdf"]
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ ሓጺር ጸብጻብ ውዕሎ 3ይ መዓልቲ ውዕሎ ሳልሳይ መዓልቲ የካቲት 3, 2015 ኣብ ኤርትራ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሰናርዮታት፣ ረቡዕ የካቲት 3, 2015 ሰሚናር ኤስደለ፣ ትማሊ ዘይደምደሞ ናይ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ሰናርዮታት ዝብል ኣርእስቲ ተመሊሱ ዘትይሎም 1ይ. ንኢሰያስ ኣልዩ ገለ ዘይመሰረታዊ ለውጥታት ቀይሩ እቲ ስርዓት ከምዘለዎ ምቕጻል 2ይ. ከምብዙሕነትና ደረጃ
አብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ጥሪ 2015 አብ ዞባ ጋሽ ባርካ፣ ከተማ ባረንቱ፣ ንሓለፍቲ ዞባን ንኡስ ዞባን ብኣልአሚን መሓመድ ስዒድን ብዘምህረት የውሃንስን ተኻይዱ። ኣብዚ ኣኼባ 'ዚ ናይ 14 ን/ዞባታትን ሓለፍቲ ዞባ ጋሽ ባርካን ተሳቲፎም። ሕመረት ናይቲ ብኣልኣሚን ዝተመርሐ ኣኼባ፣ ብዛዕባ መደባት ከምኡ 'ውን ጎስጓስ ኣብ ህዝቢ ንምክያድን ዘኽእል ናይ ስራሕ መምርሒ
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ብዛዕባ እቲ ዝጸደቐ ቅዋም ኤርትራ ዝህቦ መደረታትን ዝውጥኖ ውዲታትን ብዘየገድስ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ነቲ ብ1997 ዝጸደቐ 'ሞ ኢሳይያስ ብዝተፈላለዩ ምስምሳት ከይትግበር ዓንቂጹዎ ድሕሪ ምጽናሕ ሕጂ "ሞይቱ እዩ" ዝብሎ ዘሎ ቅዋም ኤርትራ ከም ሕጋዊ ሰነዱ ኣሚኑ ንምትግባሩ ክጽዕር ከምዝግባእ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ሰለስተ