Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደሓይ ካብ ኣስመራ ሓለቓ ቦዲጋርድስ - ኮለኔል ተስፋልደት እቲ ካብ ሚኒስተራት ንላዕሊ ተኣሚኑ፣ ኣብ መገሻታት ኢሳይያስ፣ ንሚኒስተራት ከይተረፈ ዝእዝዝ ዝነበረ ሓላፊ ሓለዋ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኮለኔል ተስፋልደት፣ ኣብቲ ልሙድ ስርሑ ይነጥፍ ከምዘየልቦ ተፈሊጡ። ብወግዒ ደስኪልካ ኣለኻ ተባሂሉ 'ኳ ናብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ምውፋር እተዘየቋረጸ፣ ስራሕ ግን የብሉን። ንሽሙ

READ MORE

ኣዛብእ ህግደፍ ሃገራዊ ድሕነትን ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ኣብ ደምበ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ተፋጢጦም ኣለዉ። ስርዓት ህግደፍ ነቶም ክልተ ካድራቱ ካብ ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ድሕሪ ምስጓጉ፥ ሞባእ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጥቕሚ ጁቦኡም ንምእታው ኣዝማድን ዓሌትን ጀነራል ኣብርሃ ካሳን፥ ሓላፊ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ሰመረ በይን ዝርከብዎም ክፍሊ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን፥ ኣብ

READ MORE

ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ግዜ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ልዑል ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን ዝነበሮ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ከቢድ ጥልመት ብምዅናን፣  ሃገርን ህዝብን ንምድሓን ክብደት ውሽጣዊ ሕማሙ ከይዓገቶ ከም ኣቦ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ጎኒ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ደው ብምባል  ዲሞክራስያዊ ለውጢ

READ MORE

ዋሕዚ ስደተኛታት ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ፣ ሃገር እምበር ዶ ሰብ ተሪፉዋ ብዘብል ዘስደምም ናህሪ ይዓቢ ከምዘሎ፣ ኣብዚ ቕንያት'ዚ ካብ ስርዓት ህግደፍ ኣምሊጡ ናብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝኣተወ፣ ተቐዳዳማይ ብሽግለታ ማውንቴን ባይክ ነበር፣ ኣብዚ ቐረባ እዋናት ሓላፊ ክፍሊ ቴክኒክ ሃገራዊ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራ ኮይኑ ብምምራጽ

READ MORE

ኣይጽመሞን!!!        ፍሥሐየ መብራህቱ መኣስ’ሞ ፈትየ ወግሐ ጸብሐ ቍዘማ ቃንዛ ኣካል ቀላል ምጽማማ ቍስሊ እምሮ ረኺሳ ለጊማ ስንብራታ ሕቡእ ማዕቡባ ጸለማ ክዉል መድኃኒታ መን’ዩኸ ሓኪማ? በዲዶ ተላገብ ጥፍኣት ብላኼማ። ኣነዶ’ሞ መሪጸ ሕይወት - ወትሩ ልቕሶ ድግድጊት ዓጢቐ ዕላማይ ከንግሶ ከም ሓጺን ጸኒዐ ወድኖይ ከዳዕሶ ንስሩት መትከለይ መን’ዩ ዝምቍሶ ዓይነይድየ ኪዕምት መሰለይ ንገሃሶ ኢደይ ተቐሚደስ ሕጂ’ውን ክዕሾ? ከማይ እንዶ’ይኮነን ዝተሓርሰ

READ MORE

ካትመይ! ካትመይ ካትም ሕድሪ ኣይሰጠመትን ኣብ ባሕሪ ርግቢ ኖህ ኣውሊዕ ሒዝኪ ብረሪ ንህዝበይ ንገሪ። ነቶም ዝጠሓሉ ኣብ ባሕሪ ዘኪርኮሞምዶ፧ ኣኽቢርኩም ሕድሪ እኒሄለ ኮይኑ ክልተ ዓመቶም ዝገደፉልና ካትም ሕድሪ ኔራቶም ብዕለት 22/03/11 ብጴጥሮስ ተኽሉ ሓላዪ) 23/03/2013 ቃል ዝኣተኹላ ሓላል ወላዲተይ ምሳኻ’ሞ ትጽናሕ እዚኣ ሃበለይ ዝረኽባ ኣይመስለንን ተመሊሰ ባዕለይ ተወድአ ይመስል መንገዲ ናይ ጕዕዞይ፡ ጡፍበልዮ ኣይትበል ነብሰይ ነጊሩኒ ከምዚ ዘጋጥምዶ ኣነ

READ MORE

ኣብ እዋን ዕርበቱ ዝርከብ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ልዕሊ 50 ዓመት ዝገበራ ኣዴታት ንዝርከበአን ኣንስቲ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክህብ ጀሚሩ ከምዘሎ ካብ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ንኡስ ዞአባ ላዕላይ ጋሽ፡ ከተማ ቶኾምብያ ዚበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። ሰብ ኪዳነንን መንእሰያት ደቀንን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ስርዓት ህግደፍ ደረት ንዘይብሉ እዋን ተጨውዮም ሓዲግመዲግ

READ MORE

ኩሉ ንሱ! እዚ እኩይ መላኺ ጠንቂ ሕሰም ሕስረት ንጹህ ደምና ኣፍሲሱ ዝዓለሰ መሬት ኣብ ክንዲ ምዕባለ ብልጽግና ዕብየት ሃገርና ብምልኪ ሸሚሙ ኣብ ድሕረት ህዝብና ኣጥፊኡዎ ብኲናት ብስደት! ንሱ ኮይኑ ቅዋም ናይ ሃገርና ሕጊ ምድናይ ዘይፈልጥ መልሓሱ ሓለንጊ ምሁራት ኣርዒዱ ዘደንቁር ዘጋጊ ንሱ’ዩ እቲ ሽግር ህይወትና ዘራጊ! ንሱ’ዩ መንነት ባዕሉውን’ዩ ሃገር ንሱ’ዩ ጀነራል ኣዛዚ ወተሃደር ንሱ’ዩ ዲፕሎማት ባዕሉ’ዩ

READ MORE

03-22-2013  ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ማሕላ ተቐይሩ ስጋ ፎርቶ መርሖ ዝኸፈትካ ድሓን እቶ ስጒምቲ ጃጋኑ ኣየ ሾቶ   ቦዂሪ ዓወት ፎርቶስ ተደይባ ድሕሪኣኸ መን’ያ ተመዲባ ዘይነጽፍ ቀለሙ ድሃይ ሃባ   ሰራዊትና ቅያ እኮ’ዩ ገይሩ ጋምባለ ጅግንነት ኣምባር እግሩ ስጋ ፎርቶ ማሕረላ ተቐይሩ   ኣየ ዕጥቂ ዘገርም ንቕያ ምሉእ ሃገር አነቓኒቕካያ ናትካ ስረስ ኣለዎ መጠልያ   ብዓል ለምለም ብዓል እዝገሃርያ ኣስፍያ’ምበር ፎርቶ ሽሙ ዙረያ ዋላ ዅላ ትወዳእ

READ MORE

ብድሕነት ኣሕላም፡ ጥፍኣት ሽሕ ምዕዳም፡ ከይኮነና። ኣብዚ ሳልስቲ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝዋስኡሉ Social Media ብፍላይ ድማ Paltak ን Facebookን ብዋዕዋዕታ ምውጻእ ገንዘብ ንድሕነት ጓል 8 ዓመት ግዳይ በደዊን ሲናይ፡ ኣሕላም፡ ተናዊጹ ቀንዩ ‘ሎ። እዚ ካብ ዶባት ኤርትራ (ወረ ሎምስ ካብ ውሽጢ ኤርትራ) ኣትሒዙ፡ ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝፍጸም

READ MORE

ኣደ ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)  03/03/13 ሕያወይቲ ዘይርከባ ኣበር ሰብ እንዳደቀሰ ትበራበር ዘይትኣርጊ ተትዀኒ’ዩ ’ምበር ኣብ ጽላት ልብኺ ትሓቝፍና ኣብ ቅርዓት ዝባንኪ ትሓዝልና ካብ ቀይሕ ደም ጸባ ተስትይና   ኣንቲ ለዋህ እንኩም ዝልማዳ ብቕናታ ትጥብር ንኸብዳ ሓይኻ ተብልዕ ንውላዳ ውሉድ እንተበኸየ ትርብርቢ ብቛምቋ ህጻናት ትዛረቢ ናትክስ ንበይኑ’ዩ ጒዳም ልቢ   በዚ መቕሎ ጥቕኡ መጎጎ በዚ ጣይታ በቲ ክኣ ጎጎ ዕጽፍ ዝርግሕ ንኹሉ ትደርጎ በዚ ቍራዕ በቲ

READ MORE

“100 ፖሊስ ን 90 ኣኼበኛታት” ብብድሆ መንእሰያት ኤርትራ ሊድስን ከባቢኣን ዝባህረረ ልኡኽ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ተስፋሚካኤል ገራህቱ፡ ትማሊ ሰንበት 3 ለካቲት ብልዕሊ 100 ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ሓለዋ እናተገብረሉ፡ ናይ 90 ሰባት ኣኼባ ኣካይዱ። ዝረኸቡዎ ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ፡ ን12 ሰዓታት ንኹሉ መእተዊ ኣንጎሎታት ብቫንን ፖሊስን ዓጽዮም፡ ቅድሚ ልዕሊ

READ MORE

ብዕለት 8-03-1908 ዓ.ም ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ እቲ ናይ መጀመርያ ሰላማዊ ሰልፊ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንመሰልን ፍትሕን ከም ዝጀመረ መዛግብት ታሪኽ ይሕብሩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን ግን ሎሚ ድሕሪ 105 ዓመታት፡ ኣብ ሃገርና ኤርትራ፡ ኣብተን ሓለፋ ኩለን ደቂ ሄዋን ዓለም፡ ሕሰምን መከራን፡ መውጋእትን

READ MORE

ረጋቢት ብስራት ጴጥሮስ ተኽሉ፡ (ሓላዪ) 27/02/2013 ኣውሊዕ ብስራት ዝሓዛ ምስ ዓርከ ምሓዛ ብዓል ኩንብራዛ ዝወጻ ካብ ገዛ፡ ብዓል ሎኻኺቶ፣ ብዓል ሽላ ተጸዋውዓ ዓድምኣ ኹላ ተሸባሸባ ምዓልቲ ኣኺላ ቅጽበት ተበገሳ ቶሎ ኢልክን ንቀላ፡ ናይ ዓይኒ ምስክር ኤርትራ ብዓል ንስሪ፣ ብዓል

READ MORE

መልቀስ ንኮለኔል ስዒድ ዓሊ ሕጃይ!!!!!! ወየ!!!!! ወየ!!!!! ወየ!!!!! ስዒድ ኮለነል ተወሊዱ ኣብ ኤርትራ ኣንታ እንታይ ተረኽበ! ኣብ ኣስመራ ታንክታት ሰሪዒወን መጺኡ ብሓበራ ኣብ ፎርቶ ተሰቒለን ኣንቓዕረራ ይብሃል ነበረ ነስመራ መን! ይደፍራ። ንጉስ ኤርትራ በለ ክንመውት ብሓበራ ንኹላትና ይብጽሓና በብታራ ኣንቀጥቂጦም ናይ ህግደፍ ጭፍራ ኣይፋልካን ክትብሃል ውዒላ ሓዲራ ተባህለ ወዲ ዓሊ መጺኡ ዝብዓል ጹሩራ ናይ ጸላም ብዓቲ ከፈተላ

READ MORE

ብቐዳምነት እዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ነቶም ንግፍዐኛ ጕጅለ ህግደፍ ትቃወሙ ተቓለስቲ ኣሕዋት ምስጢር ስለ ዘይኮነ፡ ነቶም መሳኪን ደድሕር’ቲ ዝተፈንፈነ ስርዓት ኰለል ዝብሉ ዘለዉ ንመነቓቕሒ ተባሂሉ ከም ዝተጻሕፈ ክትግንዘቡለይ እፈቱ።ኣብ ታሪኽ ንድሕሪት ምልስ ምስ እንብል፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓምሳታት ከይተረፈ ደሞክራሲ ፈሊጡስ ኣብ ሃገራዊ ባይቶኡ ብስልጡን መንገዲ ይካታዕን

READ MORE

ኣየ ህግደፍ ድሑር ክንደይከ ይቐልል በቲ ዝቖንቆነ ፖለቲካ *ዋጭል         *ንእሽቶ ህበይ ነዚ ዓቃል ህዝቢ ብተስፋ ከታልል ብሃብቲ መሬትና እኖሆ የሽካዕልል! ዘውዲ ናይ መላኺ ብናዕቢ ከይደፈር ድራማ ደሪስካ ህዝቢ ንኪጥበር ሓንሳብ ኣውቶቡሳት ንሓንሳብ ትራክተር ብዓይኒ ካሜራ ምስ ኣበለልና ተር፡ ማና ከም ዘምጽአ ድኻ ንኽድረር ሽሻይ ራሕሲ እናልካስ ብኸበሮ ይዝመር! ብስርሒት ፈርቶ ህዝቢ ተስፋ ጌሩ ቃልሱ እናጓሃረ ኣብ ሓደ

READ MORE

ብ ወርሒ ሰነ 2009 ኣብ ዊዓ ተኣሲሮም ዝነበሩ ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ጠያይጢ እናተተኮሰሎም ጽኑዕ ሓለዋ ፈንጢሶም ከምዘምለጡ፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ኣብ ኣሰና ከም ዜና ኣቕሪብናልኩም ኔርና። ኣብ ናይ ጽባሕ ሰኑይ ድምጺ ኣሰና መደብና፡ ንሓደ ካብ ወጠንትን መራሕትን ናይቲ ደማዊ ግን ከኣ ዕዉት ጅግንነታዊ ስርሒት- ሓርነት፡ መንእሰይ

READ MORE

 ሓወልቲ ሓርነት ታሪኽ ጅግንነትካ ብ መስፍን   ባህልቢ ኣንበሳ ፎርቶ ሓርማዝ ናይ ጾሮና ንዓኻ ኣጥፊፍእናስ ደቂስና ሓዲርና ወጊሑ ክንትስእ እንታይ ኣቐሚጥና ዋይ ልቢ ምስጠፍአ ኣየ ድንቍርና ዓይኑ ከይትርኢ ሕሰም ናይ ኣሕዋቱ እዝኑ ከይትሰምዕ ብኽያት ኣዴታቱ ናብ ዲክታተር ኣቕኒዑ ብረቱ ሰመርመር ኢልዎ መብጽዓ ብጾቱ ድሓን ኩኑ ኢሉና ኣምሪሩ ሓሞቱ ሓሪሩ ደብርህ ውፉይ ኰዀብ ሰማይ ቀኒዕካ ዘይጥመት ሓያል ጩራ ጽሓይ ምስጢራት

READ MORE

ተራን ምጥርናፍ መንእሰያትን መድረኻት ፖሊቲካዊ ተቓውሞን ታደሰ ኪዳነ                            10ይ ክፋል                23/02/2013 ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት እቲ ጎነጻዊ ቃልሲ ምስቲ ፖሊቲካውን ዲፕሎማስያውን ቃልሲ ተሳንዩ ዝኸደሉ መንገዲ ሓቢረ ነይረ። ኣብ ተመክሮ ናይቲ ንህግደፍ ዝወለደ ውድብ ህዝባዊ ግንባር እንተርኢና፣ እቲ ብዓንቶቦኡ’ውን ጽኑዕ ምትእስሳር ዘይነበሮ፣ ብሳበ ዝምራሕ ሲቪላዊ ጉጅለ፣ ኣብ 1976 ዓ.ም. ብወግዒ

READ MORE

ብ21 ጥሪ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ኣስመራ፡ ኣብ ፎርቶ ኣብ ዝርከብ ሚኒስተሪ ዜና ብትብዓት ኣትዮም መረረ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተለቪዥን ብቐጥታ ብኣስመላሽ ኣብርሃ ከምዝንበብ ዝገበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዘሎ ሓቀኛ ኤርትራዊ ሓያል ፍናን ሓበንን ተስፋን ሂቦም እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም ደኣ ብኸመይ

READ MORE

ሳላ እቲ ዲፋኖ! ሳላ እቲ *ዲፋኖ ስውእ ሓርነትና     *ገንሸል፡ ተባዕታይ በጊዕ ሳላ እዛ ፎርቶ’ወ ከፋቲት *መንቀና   *ዓብዪ ናይ ቀጽሪ ማዕጾ እቲ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰልና ወዮ ማይን ልችን ጃሕጃሕ’ኳ ኢሉልና! ውዕሎ ናይ ጀጋኑ እዛ ስርሒት ፎርቶ እዛ ክብርቲ ዕለት ከመይ ደሓን ትእቶ እቲ ብኩፖን ህግደፍ ዝተዓደለቶ ቁንጣሮ መሸላ ኣደ ዝለሰቶ መጎጎ ኣናዲያ ጣይታ ክትስንክቶ ብሒቚ ተሰኪማ ምዛር ገዲፋቶ! ሳላ

READ MORE

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና "ህግደፍ" 8ይ ክፋል  ጭዉያ ኣቓልቦ ህዝቢ ብጉልባብ “ግዳማዊ ተጻብኦ” ሓደ ካብ ቀንዲ ተልእኾታት ሚኒስትሪ ዜና፤ ኣቓልቦ ህዝቢ ንግዳም ከም ዝግዕዝ ምግባር እዩ። "ሕቘን ከብድን ኮይኑ ንዘሎ ህዝቢን ስርዓትን ምቅርራብ" ብዝብል ብሉይ ሜላ “ማሕበረሰብ ዓለም እናዘረየና’ሞ እንታይ ዘይገበርና!?” ዘስምዕ ቃና ዘለዎ ትሕዝቶታት

READ MORE

በቶም ነጋዶ ሰብ ዝኾኑ ጨካናት በደዊን ኣብ ሲናይ ጅሆ ተታሒዞም ኣብ ሓደ ማሕዩር ይሳቐዩ ኣስታት 30 ኤርትራውያን፡ ብምቕጥቃጥን ሓዊ ምትኳስን ተሳቕዮም፡ ሓንቲ ሕርይቲ ዝተባህለት፡ ኣብ ዚሓለፈ መደብ፡ “ድምጺ ስቅያት ካብ ሲናይ” መደብ ራድዮ ኣሰና ኣዛራሪብናያ ዝነበርና ካብ ሸገራብ ኣብ ድሮ ሓዱሽ ዓመት ዝተጨውየት ስንክልቲ (ቆራጽ

READ MORE

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ 16/2/2013 Norway ኖርወይ ብተኣምር ሰራሕቲ ቅያ ላዕሊ ታሕቲ ብጉልበት ብዎፈያ ተጓይያ ምእንተ ወጽዓ ኤሪትረያ ህዝብና ንምድሓን ሰልፊ አዳልያ ኣውቶቡስ ባቡር መካይን ብኣየር ተጓዒዙ ካብ ኣሻሓት ኪሎሜተር ቑሪ በረድ ተጻዊርኩም ንስለ ሃገር ገንዘብኩም ኣፍርዩ ዓቢ ቑምነገር ሕልና ከተቕስኑ ደስ ክብለኩም ኣምላኽ ረቢ ዝፈትዎ ሰሪሕኩም ጽባሕ ክንዕወት ብሳላ ጻማኹም ቕንዕናን ሓቦን ጽኑዕ ሓይልኹም ነቕናቒ የብሉን ስጡም ዕርድኹም ደቂ ኤረ ሓየት

READ MORE

ወየዶ! ኢለ ከልቅሰልካ!!!!!! የማነ ሓወይ ባዕለይ ከልቅሰልካ ዓሪፍካዶ ከምይከ ቀነኒኻ ለሚድካዮዶ እቲ ሓድሽ ገዛኻ ኣነስ ኣይከኣልኩን ብድሕሬኻ ምኽኣል ስኢነዮ ናፍቖትካ ይሙን ሓወይ እምብዛ ተሃዊኽካ።   የማነ ሓወይ ዓቢ ናይ ገዛና ዝለዓለ ምሁር ካብ ኩላትና ታተ እናበል ዘዕበየና ኣፍ ክንከፍት ሃ ሁ ዘበለና ከይንስበ እናሓቖፈ ዘታተየና ብዙሕ ዝተመረቀ ካብ ገዛና።   ፕሮፈሰርዶ! ክብለካ መምህር ሓወይ ይመስለኒ ነይሩ ዝፈትወካ በይነይ ብዙሓት መጺኦም ኣብዚ ጎነይ ዝርዛሕ

READ MORE

ወጽዓ ሓፋሽ ህዝቢ ሕሰም ዝቐሰባ ለይቲ ተበጊሳ ካብ ጎልጎል ማዕረባ ታንኪ ወዲ ዓሊ ምልኪ ከይዓጀባ ተኣምር ሰሪሓ ኣብ ፎርቶ ደይባ! ስእላ’ሞ ረኣዩ እዛ ታንኪ ሓርነት ማዕረ ብዓል ጃጓር ሓወልቲ ጥዋለት ብግርማን መንፈስን ጸብለል ከም ዝበለት! እቲ ስውር መንፈሳ ዘይተሰወጠኩም ማዕረ’ተን ቀዳሞት ከመይ’ላ እንተ በልኩም ነጺሩለይ ኣሎ ባዕለይ ከብርሃልኩም ጽን ኢልኩም ስምዑኒ ምስጢር ክነግረኩም! ካብ ሓመድን እምኒን

READ MORE

ኣንቱም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል! እናተጣርዐ ህዝቢስ ክኢልኩሞ ስቕ ምባል! ገጉድጓድኩም ሒዝኩም ምጽንጻንከ እንታይ ይብሃል? ካብቲ ኣራሚ ምንቅስቓስ ሰራዊት ምብኳር ምሕካል! ንውፉያት ደቂ ህዝቢ ንበላዒ ሰብ መባእ ምኽፋል!   ንበይኖም ድዮም ተወሊዶሙላ’ዛ ሃገር? ከየርከብኩም ንበይኖም ዝስዉኡ ዓጽሞም ዝስበር?   ንህዝቢ ተስፋ ዘስነቐ  ‘ፎርቶ ንህዝቢ ኣበራቢራቶ እሱራት ይፈትሑ! ቅዋም ይተግበር! ይኣክል ውረድ ዝብል ኣዋጅ ዘርግሓቶ’ ዝብል ደወል እናተደወለ

READ MORE

  ኣብ ፎርቶ ዘሎኹም! ጋዜጠኛታትና ኣብ ፎርቶ ዘለኹም እስከ ንገሩና ናይ ሰኑይ ውዕሎኹም ኣጋጣሚ ኮይኑ ዕድለኛታት ኢኹም መዓልቲውን ትኹን ሓራ ዝወጻእኹም! ብመግዛእቲ ምልኪ ኣብ ጸላም ከለና ንሓንቲ መዓልቲ ሓለፋ ኩልና ጩራ ዝረኣኹም ናይ ሓርነት ባና ንስኻትኩም ኢኹም ጋዜጠኛታትና ውዕለትኩም ምለሱ *ፈንኪ ስውኣትና!  *ንዝገበረልካ ምግባር፡ ነዚ እኩይ ስርዓት ከተገልግልዎ ልብኹም ጠቢርኩም ኣይተዐሽውዎ “ወራስ” ዓራት ኢሎም እናወደሱዎ ሚኒስተር’ኳ ዝኸደ ስልጣን ራሕሪሑዎ! ጎይታ ሰማይ

READ MORE

ኤርትራዊ ምንቅስቃስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን- ደቡብ ኣፍሪቃ (ኤምዲሰመ)፣ አብቲ ብዕለት 01 ለካቲት 2013 ኣብ ንውዮርክ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ዝተኻየደ ኣኼባ ፈጻሚ ኣካል ባይቶ መንእሰያት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፤ ተሳቲፉ። ኣባል ፈጻሚ ኣካል ኤምዲሰመ፤ ኣቶ ሜሮን ሰመዳር፤ ንኤምድሰመ ብምውካል ኣብ ኣብ ዘስመዖ መደረ፤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መዳርግቲ

READ MORE

ሌላ ምስ ከፊላዊ ምስሊ ሚኒስትሪ ዜና "ህግደፍ" 6ይ ክፋል ሓበሬታ ምዕፋንን ዝንቡዕ ሓበሬታ ምዝርጋሕን ህዝብና ፖለቲካዊን ማሕበረ ቁጠባዊን መሰላቱ ጥራይ ዘይኮነ ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰሉ'ዉን ተጋሂሱ እዩ። ገለ ኣብነታት ክጠቅስ፦ ሀ) ኩባንያ ዕደና ወርቂ ቢሻ ኣብ 2010 መፍረ ምስ ጀመረ፡ ሱር በተኻዊ ዕብየት ክመጽእ እዩ ዝብል

READ MORE

ፎርቶ ዝወዓልካ ጅግና ኣባ ዳህሪ ጥዋፍ ወሊዕካልና ብርሃን መበሰሪ ከይዳ ተላቢዓ ኮይናትልና ጓህሪ ናይ ጸላእቲ ህዝቢ ከተሕጽሮ ዕምሪ ቃልሲ ናይ ውጹዓት ክዕንብብ ክፈሪ! ጻውዒት ጀጋኑ ሰማዒ ረኺቡ ህዝብና ሰሚሩ ኩሉ ተኣኪቡ ይኣኽለኩም ክብል ሒዙ መመዝገቡ ፋሕ ዝበለ ዓቕሙ ኣብ ሓደ ኣኪቡ! ህዝቢ ተላዒሉ ብቕጽበት ብናህሪ ንኽርዳድ ክጽሂ ክፈልዮ ካብ እኽሊ ንዓለም ከፍልጦ ናይ ህግደፍ ምስሊ ጥራዩ ከውጽኦ

READ MORE

ገዲም ተጋዳላይ ኢብራሂም ቶቲል ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝተኣስረ ምንጭታት ሓቢሮም። ማእሰርቱ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምንቅስቓስ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ‘ውን እቶም ምንጭታት ኣሚቶም። ገዲም ተጋዳላይ ኢብራሂም ቶቲል፡ ኣብ ገድሊ ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኮይኑ፡ ብ 1987 ‘ዩ

READ MORE

እታ ሰይቲ ስውእ ቈልዑ ዘለውዋ ኣብዚ ግዚ ሕሰም ዘበን ናይዚ *ባልዋ   *ኣርሓ መፍለስ መጠቓ ሰንኪታ *ከይትምሽት ስዋ      *ከይትሽቅጥ ዳጉሻ ብምስኣና ፍጹም ሓርቢቱዋ ቆሎ እንተሸቀጠት ቊሩብ ንክርህዋ ወተሃደራት ከተማ ኣይተሳቕይዋ! ኮሚደረ ሹጉርቲ ኣብ ክሻ ዘርጊሓ ኣብ ጸሓይ እናወዓለት ድኻ ተሰጢሓ ብሃድን ሙኒቺፕዮ ኣመና ሰኪሓ ከምታ ካብቲ ነብሪ እትሃድም ሰሳሓ ወትሩ ምዩቕ ትብል ንኣኻትኩም ፈሪሓ ሰላም ከሊእኩማ ከይትነብር ሰሪሓ! ደሮና ብንፋስ

READ MORE

ኣፍሪቃ ከም ኣህጉር ብእትውንኖ ባህርያዊ ጸጋትታት ኣዝያ ሃብታም ምዃና ጸብጻባት የመልክቱ። እቲ ባህርያዊ ጸጋታት፡ ወርቅን ኣልማዝን ዝኣመሰሉ ማዕድናት ጥራሕ ዘጠቓልል ኣይኮነን። ኣዝዩ ሰፊሕ ተሓሪሱ ክፈሪ ዝኽእል ድንግል መሬት’ውን ትውንን ኢያ። ብዙሓት ተንተንቲ ስነ-ቑጠባ ይኹኑ ዝተፈለለዩ ካልኦት ምሁራት ከኣ፡ ኣፍሪቃ እዚ ብኣጸዋውዓ ፕሮፈሰር ዓሊ ማዙሩይ “ናይ

READ MORE

መጸዋዕታ ነሰላማዊ ሰልፊ ንጨቃኒ ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ንዝበሉ ጀጋኑ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ኤርትራ ብምድጋፍን ድምጺ ህዝብና ንምስማዕን ንቀዳም 9 ለካቲት 2013 ካብ ሰዓት 1፡00-4፡00ድ/ቀ ዉዕውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ክግበር ስለ ዝኾነ፡ ኩሉኹም ኤርትራውያንን የዕሩኽ ኤርትራን ኣብቲ ቦታ ተረኺብኩም ድምጽኹም ከተስምዑ ብትሕትና ንጽውዕ። ዝግበረሉ ቦታ

READ MORE

ናይ ተለዓል ደወል ናይ ተለዓል ደወል ዝጽውዕ፡ ዋዜማ ንለውጢ፡ ብከበሮ መፕቅዕ፡ ብፍትሒ ዲሞክራሲ፡ ንቶንኮለኟ ዚረትዕ፡ ሕድሪ ጀጋኑ አሕዋቱ፡ ፍጹም ዘይርስዕ፡ ምእንቲ ህዝቡ፡ ብደሙ ሚሒሉ ዚጠቅዕ፡ ጀሚሩ ክኑቂ ከም አርሓ ዝራብዕ፡ አያ ክኾኖ ንውጹዕ፡ ብህግደፍ ከይነብዕ። ሓየት ኮርዒዳ ፡

READ MORE

ወዳጄ “ልምዓታዊ ሚድያ”! ሚኒስትሪ ዜና ከም ዝኾነ ናይ ፕሮፖጋንዳ ትካል ንተልእኾኡን ዕላማታቱን ዝዉክል ስትራተጂ ኣለዎ። ንሱ ድማ ብጉልባብ ስትራተጂ “ልምዓታዊ ሚድያ” ህዝቢ ምድንጋር እዩ። ንምዃኑ ኣብዛ ኢሳያስ ዝነገሰላ ኤርትራ ፖሊሲ ልምዓት ኣሎ ድዩ!? እቲ ሚኒስትሪ ዜና እኽተሎ’የ ዝብሎ ስትራተጂ ‘ልምዓታዊ ሚድያ’ኸ መጎታዊ ባይታ

READ MORE