Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝናን ባህታን ትርጉም ስኢኖም ናጽነትን ሱቕታን ድማ ስኒት ስኢነን ትብል መበገሲ ሒዛ ክትከይድ ዝጸንሐት ተኸታታሊት ጽሕፍቲ ደጊም’ሲ በዚኣን በ’ዳነኣን ክትዛዘም’ያ። ዝኾነ ኾይኑ ብዛዕባውድቀት ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ዝበሃልን ዝጸሓፍን ዘሎ ሰማዕን ኣንባብን’ኳ እንተረኺቡ’ዩ። ኣመና በዚሑ’ሲ እንግድዓ ሰብኣዊ ፍጡር ዝጾሮ’ኳኣይመስልን። እንተ ንሳቶም ግን ሓንሳብ ናይ ሞያ

READ MORE

ኣብ መጀመርታ 1975፡ ኣብ ኢትዮጲያ ስልጣን ዝጨበጠ ወተሃደራዊ ጉጅለ፡ ጉዳይ ኤርትራ ንምፍታሕ ኢሉ ንሃገራውያን ዓበይቲ ዓዲ ምስደቆም ተላዚቦም ፍታሕ ከምጽኡ ተባሂሉ ከምዝለኣኾም ኩልና ንዝክሮ ኢና። ገለ ካብኣቶም፡ ወለዲ ናይታ ምስኣቶም ክትራኸብ ዝተመዘዘት ኮሚተ ተጋደልቲ ነበሩ። እዚ ማለት ኣቦን ወድን ቀትረ-ቀትሪ ኣንጻራት ኮይኖም ከናጎዱ እናወዓሉ፡ ለይተ-ለይቲ

READ MORE

ስም ይመርሕ ጥዋፍ የብርህ  ከም ተባህለ መራሒት  ራህዋ  ኢኺ  ብድምጻ  ትልለ ተስፋ ዉጹዓት ኢኺ  ምቅርቲ ወሓለ ላዛ ዓለማዊት ማዕከን ኩሉ ናባኺ ዓሰለ ኣይኮነን  ሓበሬታ  ጥራሕ  ዝወዓለ ኣስተምህሮኺባ   ንኹሉ   ዘጥለለ ብድሆኺባ   ንተጻባኤቲ   ዘጸለለ ወላዕክናባ   ክንብል  ተሓምበለ ። ድሒርኪ ተበጊስኪ  ቅድሚት ተሰራዕኪ ታተ እናበልኪ ሎሚምበር ሰዊድኪ ቢ.ቢ.ሲ ኤርትራ ነዊሕ ኢድኪ ሓበን ተቓዉሞ  እንቓዕ ተፈጠርኪ ። ይሰምዑኺ ኣለዉ ዋላቶም ጎሓላሉ እንተላይ

READ MORE

ሰራዊት ኢትዮጵያ ንውሽጢ ኤርትራ ክሳብ 18 ኪሎሜተር ብምእታው፡ ራሚድ፡ ገለህቤና፡ ጊቢና፡ ኣብ ዝብሃሉ ስርዓት ህግደፍ ከም መዐለሚ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዝጥቀመሉም ዝነበረ ሰለስተ ቦታታት መጥቃዕቲ ከምዝወሰደ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግዒ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ሎሚ 15 መጋቢት ዝተኻየደ ውግእ ዝቖሰሉን ዝተማረኹን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዘለዉ ብምጥቃስ ከኣ፡  ስርዓት ህግደፍ

READ MORE

ሬሳ ነፍስሄር ናይዝጊ ክፍሉ ሓመድ ኤርትራ ንከይለብስ ምኽልካል ኣዛራቢ ጉዳይ ኮይኑ ወሪሑ። ርእሰ ኣጋንንቲ ኢሳያስ መልሲ ካብ ምሃብ ትም ዝመረጸሉ ምኽንያት ስዒቡ ዝመጾ ሕቶ ዝኸፍእ ምዃኑ ፈሊጡ ካልእ ነዚ ዘረስዕ ሓድሽ ኣርእስቲ ኣብ ምህንዳስ ይርከብ። ልዕሊ ዝኾነ ወገን እዚ ጉዳይ ንደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ እዩ ዓቕሎም ኣጽቢብሎም። ምኽንያቱ

READ MORE

ሶፍያ ተስፋማርያም ዝተባህለት መበቆላ ኤርትራዊ ኮይና፡ ናይ ሕ.መ.ኣመሪካ ዜግነት ዝሓዘት፡ ንዕለት 18.03.2012 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ብኣባላት ህግደፍ ብዝተገብረላ ጸዋዒት መሰረት፡ ናይ ዲክታተርያዊ ስርዓት ኣፈኛ ኮይና፡ ንሕዝቢ መግለጺ ክትህብ ከምዝኾነት ተፈሊጡ ኣሎ፡፡ ይኽን ምበር ሶፍያ ፡ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝሃበቶ ህዝባዊ ኣኼባታት ከምእንግንዘባ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ነንሕድሕዱን ምስ

READ MORE

“ናይዝጊ ኢዱ ረኺቡ! እዝኳ እንዳ ወሓዶ!!” እንዳበልካ ምምዳርከ እንታይ ልቦናኡ፧ ነፍሰ-ሄር ናይዝጊ ክፍሉ ዓሪፉስ ቤተ ሰቡ ንሬሳ መዋቲ ኣብ ተወሊዱ ዛዓበየላን ተቃሊሱ ንናጽነት ዘብቅዓን ኤርትራ ሃገሩ ተመሊሱ ንኽቅበር፣ ናብ መራሒ ስርዓት ህግዲፍ እንክምህለሉ፣ ኣሚኖም ዘገልገልዎ መራሒ ስርዓት ህግዲፍ ግን ንብኽያትን ሓዘንን ቤተ-ሰብ መዋቲ ናይዝጊ ክፍሉ ግዲ

READ MORE

ክልቲኦም ውልቀ-መለኽቲ’ኳ እንተኾኑ፣ግፍዒ ኢሳይያስ ካብ ናይ መንግስቱ ጭቆና ይኸፍእ።      1.      ውልቃዊ ባህሪኦም ሓደ ኮይኑ ናይ ጨካን ኣራዊት ዘገዳም ጠባይ ዘለዎም፣ከም ሰብ መጠን ኣብ ደቂ ሰባት ርህራሄ ዘይብሎም’ዮም።ፍልልዮም ግን መንግስቱ ሃይለማርያም ዓገብ ብህዝቢ የንቅፈና’ዩ ንዝብሎ ናይ ብጻዩ ምኽሪ ኪሰምዕ ከሎ፣ንኢሳይያስ ዓገብ ዝበለ ግን ናብ ማእሰርቱ ስለ

READ MORE

‘ትልሚ ንዘርኢ ክርዳድ’ በቲ ኣብ ካናዳ ኦንታርዮ ዚቕመጥ ረድኢ መሓሪ (ኣለና) እተባህለ ገዲም ተጋዳላይ እተጻሕፈት መጽሓፍ ኢያ። ብኣገላልጻ ጸሓፊ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ኣሰና መርበብ ኢንተርነት በብኸፊል ክትወጽእ ዝጸንሐትን ብዙሕ ጻዕሪ እተገብረላን ኣብ ናይ ሓቂ ተመክሮን ዕቱብ ትንተናን እተመርኰሰትን ኢያ። ኣብ ዛዛሚ ገጻታ ድማ እታ

READ MORE

ልኡኽ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ብሩክሰልስ ዑደት ከም ዘካየደ ተሓቢሩ። ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዶክተር ዩሱፍ በርሃኑን፡ ኣቶ መስፍን ፍትዊ ሓላፊ ሽማግለ ወጻኢ ዝምድናታት ሃገራዊ ባይቶ-ምምሕዳር ዞባ ኢወሮጳን፡ ኣብ’ታ ዋና መደበርን መንሃርያን ሕብረት ኤውሮጳ ዝዀነት ከተማ ብሩክሰልስ፡ ምስ ላዕለዎት ሰበ

READ MORE

  دعوة  هامة لكل الشباب الإرتري   يدعو المجلس الوطني الإرتري للتغيير الديمقراطي في سكندنافيا وأوروبا كافة الشباب الإرتري في ستوكهولم وضواحيها إلى المشاركة في الاجتماع الهام الذي سيعقد من أجل مناقشة موضوع مهم يخص الشباب الإرتري التاريخ: السبت 17/3/2012 المكان: ABF Hallonbergen المكان:    13:00—18:00   مع تحيات لجنة الشباب في المجلس الوطني ኣገዳሲ መጸዋዕታ ንኹሎም

READ MORE

ኣገዳሲ መጸዋዕታ ንጽባሕ ቀዳም ዕለት 17.03.2012 ብመሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ህልዊ ኩነታት ህዝብን ደንበ ተቓውሞን ብዘርኢ ሰፊሕ መግለጺ ክውሃብ ስለ ዝኾነ ኩሉ ብሃገሩ ዝግደስ ዜጋ ንኽሳተፎ ብኽብሪ ንዕድም። ዕለት ኣኼባ ፤17.03.2012 ስዓት 15 ድሕሪ ቀትሪ ቦታ Altes Feuer Wehrhaus  Süd Möringer Str  56 Stuttgart     ሽቱትጋርት ጀርመን ሓበሬታ፡ ብ U-Bahn  ቁ.1 ወይ ቁ 14 ወሲድኩም

READ MORE

ሓፈሻዊ  ኣገዳስነት ታሪኽ  8 መጋቢት ኣብ ክርክር ዚኣቱ ኣይኮነን፣ ኣበይን መዓስን ስለምንታይን ከም ዚተጀመረ  ርዱእ እመስለኒ። ንዓና ኤርትራውያን ኪግድሰና ዚግብኦ ግን  ኣብ ሃገርና ዕላማኡ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ኣብ ህይወት ደቂ ኣንስትዮ፡ ስለዚ ድማ ኣብ ህይወት ሕብረተሰብ ኤርትራ ፍረ ሓርነት ኣርኢዩዶ ወይስ ኣየርኣየን ኢዩ። ግቡእ መልሲ

READ MORE

11/03/ 2012 Norway ንህዝቢ ኤርትራ ናቐንጸለ ዓንዲሩላ ብጭካኔ ሙሩጻት ጀጋኑ ዝቐዘፈላ ንቡዛሓት ኣቦታት ኣደታት ዘንብዓላ ንምቕባር ታኣጊዱ ከምዘይ ተወልደላ ውጽዕቲ ኣደ ሎምስ መርገማ ዓሪጉላ ናይዝጊ ክፍሉ ንጥፍኣት ዝቓልስኻ ስልጣኑ ኸተናውሕ ተረጋም ጎይታኻ ንምሸቱ ከም ፈርሲ ብዕራይ ጉሒፉካ ን2ሜትሮ መቓብር ጉድጓድ ከሊኡካ መድሕንካ ዝተቐብሮ ብገዛእ መሬትካ ንምሸቱስ ታኣምራታዊ ጉድ ረኺብካ እንቋዕ ኣይትሪኦ ሓንሳብ ብድድ ኢልካ ምፈለጥካ ክንደይ ህዘቢ ከም

READ MORE

ሓላል ለዋህ በላሕ መስተውዓሊት ርህርህቲ ወላዲት ንደቀይ በሃሊት   ፍሕሹው ገጸባህራ ፍቅሪ ንረክበሉ ልሳና ጡዑም መዝሙር ሂወት ንዘርኣሉ   ደኺመ ከይበለት ደቓ ትዓናግል ንጽባሕ ተቓምት ኣርሒቓ ተስተብህል እንተ ሕጂ ግን ጻዕረ ሞት ሒዝዋ ገጻ ተጸዊጉ ሕብራ ተደምሲሱ ዓይና ደም ዝዒጉ   ፈናጅል ኣዒንታ ሕብሩ ተቐይሩ ብገበታ ንብዓት ቀይሕ ደም ኣስፊሩ   ከም ቆልቃል

READ MORE

ብገዛኢ ኪዳነ ኣደይዶ ክብለኪ ወላዲተይ ኣደይዶ ክብለኪ ሓዛሊተይ ኣደይዶ ክብለኪ ሓብሓቢተይ ኣደይዶ ክብለኪ መዕበይተይ ሓፍተይዶ ክብለኪ ካልኣይተይ ጎድነይዶ ክብለኪ ኣካላተይ መትነይዶ ክብለኪ ህዋሳተይ ብጸይተይዶ ክብለኪ መማኽርተይ ብርሃን’ኮ ኢኺ ባና ናይ ህይወተይ።   ፈራይት ጸጋይት ኣንስተይቲ ጾታ ፍንጫል ጎድነይ ናይ ልበይ ትርግታ መትኒ ልበይ ናይ ናብራይ መሰታ መሰልኪ ክሕሎ ይህበኒ ሩፍታ መሰልኪ ክገሃስ ይሓድረኒ ስክፍታ። ኣንቲ መፋጥርተይ ብርሃን ወርቂ ዘቦ ሎሚ ዘይኮነ ካብ

READ MORE

ቅድሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ፈላሚ ጉባኤ ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ኣዋሳ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ ካብ ውሽጢ ኣደራሽ ጉባኤ መልሓስ እቲ ውሕጅ ዝብል ጽሑፍ ኣቕሪበ ነይረ፡፡ብርግጽ ከምቲ ሽዑ ዝበልኩዎ  ጉባኤ ኣዋሳ  መልሓስ ናይዚ ድሒሩ ዝመጽእ ከቢድ ማዕበላዊ ውሕጅ እምበር እቲ ውሕጅ  ብቐንዱ ኣይነበረን ፡፡ ሎሚ ሰርቢ ከቢድ ደበና

READ MORE

ጉዕዞ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኣጀማምርኡን ኣበጋግስኡን ብጽጹይ መጽናዕትን ምርድዳእን ስለ ዘይተጀመረ ነቲ ምእንቲ ናጽነት ክኽፈል ዝግብኦ ዋጋ ዝያዳ ኣኽቢርዎ፡፡ ካብ ኣብ ከተማታት ዝተጀመረ ናይ መጀመርያ ሓምሳታት ብማሕበር ሸውዓተ ዝፍለጥ ብብሸውዓተ ተወዲብካ ዝተጀመረ ናይ ውሽጢ ከተማታትን ጎደናታትን ቃልሲ በጋባቡ እቲ ዝሓሸ ኣጀማምራ ኔሩ ክብሃል

READ MORE

ኩሉ ናይ ወዲሰብ ባህራዊ ፀባዩ ይፈላለ እምበር ኣብ መብዛሕትኡ ይመሳሰል ኢዩ። እንተኾነ እቲ ዝተፈላለ ፀባያት ወዲሰብ ናይ ከባቢኡን ኣተዓባብይኡን ጽልዋ ገይሩ ተወሳኺ መግለጺ ናይቲ ሰብ መንነት ባህርያቱ የንጸባርቕ። ናይ ሐደ ሐደ ሰባት ግና ካብቲ ሕብረተ - ሰብኣዊ ዝኾነ ቅቡል ኣርአእያን፣ ብባህሪኡ ካብ  መብዛሕትኡ ዝኣምነሉ ባህላዊ

READ MORE

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ስደት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትነብር ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተቓለሰት ወ/ሮ መርየም መሓመድ ዑመር፡ ከምኡ ‘ውን ውፍይቲ ሓፋሽ ወድባት ኮይና ሃገራዊ ኣበርክቶ ዝገበረት ኣብ ጀርመን እትነብር ወ/ሮ ሽዋ ስዩም፡ ብምኽንያት 8 መጋቢት መዓልቲ ደቀንስትዮ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበራኦ ዘተ፡ ብሰንኪ ዓመጽን ጭፍጨፋን

READ MORE

ህዝቢ ዓለም ኣብ መሰልን ማዕርነትን ደቀንስትዮ ዘለዎ ኣረኣእያ ንደቀንስትዮ "ማዕረ ወዲ ክሃልካ ኣለወን" ኣብ ዝብል ኣምር ዝተመስረተ ኣይኮነን:: ኣብ ትምህርትን ምርምርን ዘለዎ ኣበርክቶን ጸጋ ተፈጥሮ ዝዓደለን ኣደነትን ንደቀንስትዮ ብምክንኻን ጥዑይ ሕብረተሰብ ምፍጣር ንዓለምና  ቀንዲ ሕመረት ምዕባለ ምዃኑ ብምእማን እዩ:: መሰል ደቀንስትዮ ህያብ ኮይኑ ወይ ዋና ሃልዩዎ:

READ MORE

ጽላል ሲቪካውያን ማሕበራት ዓለም-ለኻዊ ምትእስሳር ኤርትራውያን (EGS) ናብ’ዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና መዋእል ሃገራዊ ባይቶ ንምብጻሕ ኣብ ዝተኻየደ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ጉዕዞ ታሪኻዊ ጉቡኡ ዘበርከተ ማሕበር እዩ። EGS ንመስርሕ ሃገራዊ ዋዕላ ብዕግበት ተቐቢሉ ኣብ ምድላው ይኹን ኣብ ግዜ ዋዕላ ዓቢ ግደ ከም ዝተጻወተ መዝገብ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ

READ MORE

ብ ኣጋጥሚ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ን ተቓላሲት ኤርትራዊት ዜጋ ብ ዓቕመይ ሕጽር ዝበለት ግጥሚ ንከበርክተላ ካብ ውሽጢ ልበይ ዝፈልፈለ ሓጎስ ይስመዓኒ ብፍናና ከኣ ይኾርዕ:: ኤርትራዊት ዜጋ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ከም ኩሉ ኣባል ሕብረተሰብና ክትጭቆንን ክትምዝመዝን ናይ ግድን ነይሩ:: እንተኾነግን ናታ ጭቆና ፍሉይ ዝገብሮ ኩነት ኣሎ ንሱ

READ MORE

ንሕና ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ነዛ ብዓለም ደረጃ ንመበል102 ዓመት እትኽበር ዘላ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ክነብዕል ከለና፤ ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ንዝበጽሐን ዝበጽሕ ዘሎን ጾታዊ ጭቆናን ኣግላሊ ኣሰራርሓን ማእከል ብምግባር ጥራይ ዘይኮነ፡ ወጽዓና ኣካል ኣምሳል ናይ’ቲ ዝበዝሐን ብቐጻሊ ብህግደፍ ዝሳቐ ዘሎ መላእ ሕብረተሰብናን ምዃኑ ብምግንዛብ፣ ናይ ኩሎም ውጹዓት ወገናትና መሰረታዊ

READ MORE

ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ በይ- ኤርያ፡ ዕማማት ሃገራዊ ባይቶ ንምትግባር፡ ምስቲ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ህዝብና ክንዝቲ፡ ንዕለት 10 መጋቢት 2012 መዲብና ኣሎና። ኹሉ ብህዝቡን ብሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ንውድቀት ህ.ግ.ደ.ፍ ንምቅልጣፍ፡ ንመደባት ሃገራዊ ጉባኤ ከም ቀዳማይ ዕላማኡ ሰሪዑ፡ ንኽነጥፍን ብዘለዎ ዓቕሚ ከበርክትን፡ ኣብዚ ኣኼባ

READ MORE

Ykuno Bahta, March 05, 2012 8 መጋቢት ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ኻብ 1910 ጀሚሩ ኻሳብ ሕጂ ማለት 2012 ንመበል 102 ዓመታት ይበዓል ኣሎ። ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ንክብርታትን፡ መሰልን፡ ፍትሕን፡ ጸቕጥን ደቂንስትዮ ንምሕላው ተመስሪቱ። ኣብ መልእ ዓለም እካ እንተዘይበልና ደቂኣንስትዮ ኣብ ብዙሓት ሃገራት መሰለንን ኽብረንን ረኪበን እየን። ብፍላይ

READ MORE

ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ንዲሞክራሲን ለውጥን   ሓጺር መግልጺ ዳግማይ ኣደቡሓ፡ ኣቐዲመ ነቲ ዝተገብረና ክብርን ልግስን፡ ብህዝቢን ብመንግስትን ኢትዮጵያ ከመስግን ይፈቱ፡ ዝተገብረ ኣገባብ ጭዉነትን፡ ስነ ስርዓትን፡ ምቕሉልነትን፡ ትሕትናን፡ ፍቅርን፡ ፍሽኽታን፡ ንኸተመስገን ቃላታት ዘይርከቦ ሕውነት ዝመልኦ ብምንባሩን መሰታ ዘይብሉ ከበሬታ ንኣንበብቲ ክገልጽ ይፈቱ፡ ናይ ሕዝቢ ሃዋሳ ጉባኤ ተፈጺሙ

READ MORE

ብገዛኢ ኪዳነ ስምዕዎ እዚ ድምጺ ስምዕዎ’ዚ ኣውያት ኣብ እንዳዓለቦና ኣሎ መሪር ብኽያት፡ ወያ ኣደይ ሓዚና ንዓይ ዝወለደት ኣነ ፍረ ማህጸና ሰፊረ ኣብ ስደት።   ወደይ ጓለይ ኪትብል ዘይሙሱል መሲላ መልክዕ ጥራሕ ኮይኑ ስልማት ማሕዘላ፡ ከም ዘይወለደት በይና ተኾርምያ ሰላም ስኢናታ እታ ትምነያ።   መርዓ ውላዳ ክትርኢ ዝነበራ ሃረርታ ትምኒት ጥራሕ ኮይኑ ገዛ ሓርቢታታ፡ ጓለይ ወደይ ክትብል ናፍቖት ቀለባ ብሚሒር

READ MORE

ባይቶ  ሰሚዔ ብድሙቕ  ኣጣቒዔ ሓቂ  መሲኦሉኒ  ተሓቢነ  ኮሪዔ ጎየሉ ደኺመሉ ዘብዘብ ኢለ  ለፊዔ ኮሚሽን  ዋኒኑ  ምስ  ኣብቅዔ ብስራሕ ብሞያ ንኪዳን ምስ ኣቃልዔ ኩሉ  መሰሎ  ሽግርና  ዘብቅዔ ጸባ  ሰትዩ  ኔሩ ደም ዝነብዔ ። ደግሲ መጺኡ ሕጂ አለኹ ኢሉ ኪዳን በዝን ባይቶ በትን ኣንቆራ  ዝርጋን ንተኣከብ  ሓደ ንኹን ንዝበለ ምዉጋን ደቂ ሰብዓ ሕደጉ ይሕሸኩም ቁርባን ንስኹም ከፊኤኩማ  ሃገር

READ MORE

ኣብ እስራኤል ቴልኣቪቭ ዝነበረት እንዳ መድሃነኣለም ቤተክርስትያን ብፖሊስ እስራኤል ብምዕጻዋ ትማሊ ሰንበት 4 መጋቢት ኣገልግሎት ቤተክርስትያን ክትህብ ከምዘይከኣለት ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እታ ብቐጥታዊ ምትእትታው ስርዓት ህግደፍ ካብ ኣስመራ እትመሓደር ዝነበረት ቤተክርስትያን፡ ምንጪ ኣታዊ ገንዘብ ስርዓት ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ምንጪ ግርጭት ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን

READ MORE

ቀብሪ ሓደ ሰብኣይ ወይስ መሰል 4 ምልዮን ህዝቢ? ኣብ ዓለም ዘለው ዲክታተራት ሓደ ንኹሎም ዝገዝኦም ባህርይ ኣሎ። ንሱ ድማ መሰል ህዝቢ ኣየኽቡሩን፡ መሰል ውልቀሰባት ኣየግድሶምን፡ ልዕላውነት ሃገርውን ኣይንታዮምን። እታ ቀንዲ እተገድሶም ስልጣኖም ኢያ። ብስልጣኖም ዝመጾም ዝኾነ ስጉምቲ ክወስዱ ድልዋት ኢዮም። ኢሳያስ ብፍላይ ሕልፍ ዝበለ ጨካን ኢዩ። ናይዝጊ

READ MORE

ካብ ጉሁይ ኣባል ማሕበረኮም- መ. ተስፋጽዮን               ብዛዕባ ንምንታይ ማሕበረኮማት የድልያና ንዝብል ዳርጋ ኩላትና ብሳላ ሕሱም ተምክሮታት ስደትና ኣዕሪና ዝተገንዘብናዮ ይመስለኒ። ቀደም’ሲ ንደቅና ቃንቃኦምን ባህሎምን ብዓቢኡ ድማ ኤርትራዊ መንነቶም ከነውርሶም ዝብል ኣተሓሳስባ ጥራሕ ከም ቀንዲ ምኽንያት ኣድላይነት ምትእኽኻብና ገይርና ክንወስዶ ድጸናሕና ይምስልኒ። እዚ ድማ ካብቲ ካብ

READ MORE

ውምቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ሎሚ 4 መጋቢት ንደገፍቱ ዓዲሙ፡ ብመሪሕነት ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ወካሊኡ ሽለሺ እድሪስ፡ ኣብ ዋና ከተማ ስዊዘርላንድ፡ በርን፡ ከካይዶ መዲቡዎ ዝነበረ ኣኼባ፡ ብመኸተ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ከይተጀመረ ፈሺሉ ከምዝተረፈ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ነቲ እኼባ ንምቅዋም ካብ ትሽዓተ ካንቶናታት ስዊዘርላንድ

READ MORE

ብ.ኣበባ ኣብርሃ፡ ቶሮንቶ ካናዳ 04/03/2012 እዞም ዓድና ዘይብሎም ሓቦ ኣብ ደጊኡዶ ይትረፍ ወዲሓወቦ፧ ዞም ዓድና እዞም ዓያሹ ኣይመለሱ ዲዮም ዝብሉ ነቶም ዝገሹ፧ ዞም ዓድና እንታዩ ጎዶም፧ ንቡር ቀብሪ ዝኸልኡ ንወዲ ዓዶም፡ እዞም ዓድና ክብሎም ወይሌኹም! ሎሚ ንኻልእ ኣሎ፣ ጽባሕ ንዓኹም፡ ኣብምንቲምንታይ እዚ ኩሉ ኣብያ፧ ተረኛኮ ኣይትብልን ኳሕኪሓ ኣትያ የእጋሩ ዝብኢ እንዳበልዖ፡ ዝበለ ድሓን ጽባሕ ድማ ኣካሉ ኩላ

READ MORE

ተኽለዝጊ ሓጎሰ (በርሜንግሃም) አብ ዓለም መሰል ደቂ አንስትዮ ከይተኸበረ ንብዙሕ ዘመናት ደቂ አንስትዮ ማዕርነተን ከየተረጋገጽ አብ ትሕቲ ጽላል ደቂ ተብዓትዮ ጥራሕ ክነብራ ክምዝኽእላ ተጊሩ ክርኣይ ጸኒሑ። ደቂ አንስትዮ አብ ከቢድ ዕዮ ገዛን ምውላድን ምእላይ ስድራ ከምኡ ድማ አዝዩ አህላኺ ብዙኸነ ስርሓት እናተጸምዳ ማዕርነተን አብ ፖለቲካውን ባህላውን

READ MORE

ጅግና ኔርካ ተቓላሳይ ተባዕ ኔርካ ተኳሳይ ኣብ ዓውዲ ኲናት ቀላሳይ ዘይተዋላዋላይ ንቕድሚት መራሻይ ኣብ ባሕሪ ኤርትራ ሓምባሳይ ንህይወትካ ዘይትንሕፍ ክሓልፍ በሃላይ ኣብ ክንዲ ብጻዩ ዝውፈ ዘላላይ      ታሪኽካ ተለዊጡኒ እንታይ’ዩ ወሪዱካ ሎሚ                ኩነታትካ ገሪሙኒ ጋህዲ ዲዩ ሕልሚ                  ርእስኻ ኣድኒንካ ፈዚዝካ ብጣዕሚ             መዐንዘዚ ዲዩ ተገይሩልካ ወይስ ዘልሚ   ተዳሂልካ ዲኻ ወይስ ሞይትካ ውሒጡካ ሰልሚ        ደምበርበር እምበር ኢልካ ከም በዓል ጋህሚ ሎሚ

READ MORE

  ተስፋማርያም ወልደጊዮርጊስ 03/03/ 2012 Norway እዞም መንሽሮ ሃገር መንሽሮ ህዝቦም ብጡሙዩ ዝምሕሉ ዝጸገበ ኣምሲሎም ዓዲ ንክመላለሱ ህግደፍ ከይኽልክሎም ዘየለ ዘውርዩ ድኹማት ሸየጥቲ ሕልናኦም ብህግደፍ ሪዒዶም ንህዝቦም ዝኸሓዱ ብደገን ብውሽጥን ንዑቓት ዝተዋረዱ ተቕትሉናለኹም እናተባህሉ ዘይፈግዱ ፍንፉናት ብህዝቦም ኣብ ዝኸዱ ተኸዱ እምነቶም ዘርሓቑ ፈራሓት መንደላሓቕቲ ንጥቕሞም ዝሓልሙ ብመዓቲ ብለይቲ ቆራዲድ ስሚ ሃገር መርዛማት ዓዘቕቲ ጥዑያት ዝመስሉ ናይ ጸልማት ሰለይቲ ህግደፍ ዘዋፈሮም

READ MORE

ኤርትራዊት ኣደ ባዓለልቲ ድርብ ጊደ፡ ትዋጋእ ከምሰራዊት፡ ትወልድ ትዝምድ ከም’ደ።   ናይ ገዛኣ ዘዉዲ፡ ናይ ሃገራ ዕርዲ፡ ናይ ሞራል ማኣዲ።   ኤርትራዊት ምጭዉቲ ምልክዕቲ፡ ወዘሪት ኣፍሪቃ ዓይኒ ከዋኽብቲ፡ ሰፊሕ ልቦንኣ ተማኽር ተዛቲ።   ጅግና ሓፍተይ ኤርትራዊት፡ ብረታ ተሓንጊጣ ኣብ በረኻ ዝሐደረት፡ ሞራል ተጋዳላይ ዝደረበት ዝደርዔት።   ቁልቁለት ወሪዳ ንዓቐብ ትደግም፡ ኒሕ ዝቕናታ ዘይትደክም፡ ናብ መስዋእቲ ትጎዪ ትቕድም።   ናብ ታንክታት ዝደየበት ነብሪ፡ ግንባር ጊንዳዕ ዉዒላቶ ወፍሪ፡ ጎልጎል ኣምሁር

READ MORE