‘እዋእ!’ ዶ ክብለኪ ‘ኢዋእ!’ ንገርኒ ‘ባ እንታይ ከምዘዋጽእ? ክቐረብ ድየ ክርሕቕ ክረግም ድየ ክምርቕ ክጭክን ድየ ክድንግጽ ክዝልል ድየ ክረግጽ ጠፊኡኒ ‘ኳ እንታይ ከምዝመርጽ ኣቕቢጽኪ ከለኺ ስኢነኪ ምቕባጽ! ርኤኺ ‘ሞ ድንግርግረይ ሩሕ ከምዘለኪ ንዓኺ ምሕታተይ፡ ዛሕልኺ ካብ በረድ ቆሪሩ ዕረኺ ካብ ዕረ ዓርዒሩ ደንዚዝኪ ብዝንታ ኣእምሮ ሜትኪ ክንስኺ ድሮ ምቕባጽ ስኢነኪ ፈንጢሰ መኻሮ ናይታ ዝፈልጠኪ እንከለኺ ዋዕሮ ምግናዝኪ ገዲፈ ብኽልተ ሜትሮ እድስቖ