ሃዋሳ፡ ኢትዮጵያ ስለ ኩሎም ናይ ሕሊና እሱራት ኤርትራ ኩላትና ተንሲእና ናይ ሓንተ ደቂቕ ናይ ሕሊና ጸሎት ነዕርግ። ዝከብርኩምን ዝኸብርክንን ጉባኤኛታት፡ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተረኺበ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋናት ዝተዛረብኩሉን፡ ዝተቓለስኩሉን ጉዳይ ከም አንደገና ምሳኻትኩም ክዛተየሉ አዝዩ ባህ ይብለኒ። ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ማለት እታ ብ330 ዓ.ም. ብሓዋርያዊ ስብከት
ሃዋሳ፡ ኢትዮጵያ ስለ ኩሎም ናይ ሕሊና እሱራት ኤርትራ ኩላትና ተንሲእና ናይ ሓንተ ደቂቕ ናይ ሕሊና ጸሎት ነዕርግ። ዝከብርኩምን ዝኸብርክንን ጉባኤኛታት፡ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተረኺበ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋናት ዝተዛረብኩሉን፡ ዝተቓለስኩሉን ጉዳይ ከም አንደገና ምሳኻትኩም ክዛተየሉ አዝዩ ባህ ይብለኒ። ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ማለት እታ ብ330 ዓ.ም. ብሓዋርያዊ ስብከት
ሰማይ ነቢዑ ብኽያተይ ሰሚዑ ሰማይ ነቢዑ ነዊሕ ተገዚአ ትንፋሰይ ሞሊቑ ቈርበተይ ተናዒቑ ስጋይ ተዓሚጹ ዓጽመይ ደቒቑ መንነተይ ተጓዕጺጹ ታሪኸይ ተሰሪቑ ቋንቋይ ተናዒቑ ናብ መሬት ወዲቑ ተዋሪደ ተሓሪደ ተሰዲደ ኣብ ገዛእ ቤተይ ተዓሚጸ ኣብ ገዛእ መሬተይ ተረጊጸ ተዃዒተ ተፋሒረ ተበሲዐ እወ፡ ተመዝሚዘ ለፊዐ ሽንቲ ርሂጸ ደም ነቢዐ እዚ’ውን ክሓልፍ’ዩ በልኩ ሓመድ በሊዐ ንሱ ከኣ ሓለፈ እንክሓልፍ ብዙሕ ትንፋስ ኣሕለፈ እንትኾነ ሓለፈ ሓሊፉ ግን ኣይሓለፈን ደጊሙ ተመልሰ ከም’ቲ ወርትግ ካብ’ቲ
ሓላፊ ምቍጽጻር ወተሃደራት ከተማ ኣስመራ (ምንቺፕዮ) ዝነበረ ኣቶ ኣማኑኤል ተኪኤ፡ ነቲ ሓለፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣባይቲ እናመረጹ ብኢደወነኖም ማዕጾታት ሰይሮም ዝገብሩዎ ፋሉላዊ ምስፋር ደው ከብሉዎን ብሕጋዊ መንገዲ ክሓቱን ክወሃቦምን ናብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ደብዳበ ድሕሪ ምጽሓፉ ንኣስታት 6 ወርሒ ኣብ ቤትማእሰርቲ ተዳጕኑ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ከምዝሞተ ‘ሞ፡ ከምቲ
ካብ ዝተፈላለይያ ስቴትስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጽኡ ልዕሊ 400 ኤርትራውያን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ፊት ቤት መንግስቲ ዋይት-ሃውስ ተረኺቦም ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጽሞ ዘሎ ደረት ዘይብሉ ዘስካሕክሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝዅንን ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብቲ ብምኽንያት ‘ቲ ትማሊ 10 ሕዳር ተዘኪሩ ዝወዓለ ኣህጉራዊ
በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ግዳያት ሲናይ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ባርባራዊ ግፍዒ፡ሕልንኡ ዘይተተንከፈ ሰብኣዊ ዝዀነ ሃገራዊ ዜጋ ስለዘየለ፡ ምእንቲ ወጽዓ ናይ ዞምንጹሃት ክቕላዕን በደልቶም ብሕጊ ክቕጽዑን መሪር ኣውያቶም ናብ መላእ ዓለም ክቃላሕ ነፍስወከፍ ብኤርትራውነቱ ዝሕበንን ዝቚርቈርን ዜጋ፡ በብዘሎዎ እጃሙ ከበርክት ሰብኣዊ ግዴታ ጥራይ ዘይኰነ ብዓቢኡ ሃገራዊ ሓላፍነት
ብጻይ ግበር ብጻይ ቅኑዕ ብጽቡቕካ ዘይቐንእ ቅንዕናኻ ቀሊዑ ዘምጽእ፡ ብጻይ ግበር መስተውዓሊ ቅኑዕ መስመርካ ዘለሊ ክምህ ዘይብል ዘይበሊ፡ ብጻይ ግበር ዘይህንጦ ብልቢ ሓሳቡ ትፈልጦ ብድሕሪኡ ቆርበት ዘይትመልጦ፡ ብጻይ ግበር ብጻይ ቅኑዕ ብተግባሩ ተርኒዑ ዘኹርዕ ዘይጠልም መብጽዓ ዘይርስዕ፡ ብጻይ ግበር ብሂወት ዝሓልፍ ተግባራዊ ብዙሕ ዘይልፍልፍ ኣርኣያኡ ብዙሓት ዘሰልፍ፡ ብጻይ ርአ ኣይተግባዕብዕ ቅኑዕ መስመር ከይትትርብዕ መስጣ’ለዎ ንጹሃት ዘንብዕ፡ ብጻይ ምዘን ከይትቓዝን ከይትጉሂ ህዝብኻ ኣይተሕዝን ኩሉሙሉ ህዝቢ’ሎ ዝመዝን። 08/12/2011
ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣቦ ወንበር ፈጻሚ ሽማግለ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኮይኑ ዝተመርጸ ዶር ዮሱፍ ብርሃኑ፡ ቀዳምነት ናይቲ ንሱ ዝመርሖ ፈጻሚ ሽማግለ ሓድነት ኤርትራውያን ኣረጋጊጽካ፡ ህዝባዊ ተሳታፍነት ኣብ ቃልሲ ብምዕባይ፡ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ምምጻእ ምዃኑ ሎሚ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ
ነገር ለውጥን ዓቀላላዕን ዘምጽኦ እንድዩ፡ እዚ መዕለበጢ ግዜ ከይወሓጠና ኣይተረፈን።። ሰሚዕኩሞ ከምእትኾኑ ሎሚ ቅነ ኣብ ኣስመራ ናይ ይምሰል ማእሰርቲ ናይ ገለገለ ኣብዛ ከተማና ኮይኖም መናገፊ ህይወት ናይ ኣብ ሲና ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ገንዘብ ክቕበሉ ዝጸንሑ ካድረታት ህግደፍ ከምእተኻየደ፡፡ ብፍላይ ከኣ ኣተሓሕዛ ናይቲ ጉዳይን መግለጺ መንግስትናን ኣስደሚምና
ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ዓቕሉ ጸቡቡዎ ዘለወሉ በዳሂ እዋን፣ ካብ ሞት ንምድንጓይ ናይ ኮን’ዶ’ኾን ተግባራት በጋሚንዶ ናብ ምትግባር ካብ ዝኣቱ ኣይወሓደን። እዚ ብዘይካ ብስርዓተ-መሮርን ኣራዊታዊ ሕጊን ብሕጊ ሕብረተ-ሰብ ዘይቅየድ ፋሉል ስርዓት፣ ሎሚ ኣብ ኣጋ ሞቱ ዶላራት ንምምእራር ሰፊሕ ናይ ኮንትራባንድ ስራሓት የካይድ ኣሎ። ኣብ ናይ ኣጥፊእካ ምጥፋእ
ከምዚ ትሕት ኢልኩም ትርእዩዎ ዘለውኹም፡ ኣብ ናይ 25 ሕዳር 2011 ሕታም ሓዳስ ኤርትራ ኢሳይያስን መሓዮኡ ዓሊ ዓብዱን ብብርዒ ስም ዝጸሓፉዎ ‘ርዝን ንበል’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ከምዚ ዝብል ተረካብ ዘረባ ይንበብ። “
ክብደት ናይቲ ኤርትራ ሃገርና ወዲቓትሉ ዘላ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምርዳእ ዓሚቝ ትዕዝብቲ ኣየድልን። ነቲ ኣብ ኣኻውሕ ሲናይ ብፊደላት ግእዝ ዝተጻሕፈ፡ “እዚ ‘ውን ይሓልፍ” ዝብል ሓጺር ሓረግ ኤርትራውያን ግዳያት ሓንሳብ ቁሊሕ ኢልካ ምርኣይ ጥራይ ኣኻሊ እዩ። ነዚ ሓረግ’ዚ ከም ኣርእስቲ ህያው ታሪኽ ኤርትራ ሓንሳብ ኣብ ሓንጎልካ ኣቐሚጥካ
ኣብ እስራኤል (11-25-11) ኣብ ቅድሚ ኣመሪካን አምባሲ ኣብ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ፣ “ወዲ መድህን በራድ” ትብል ሓረግ ብተደጋጋሚ ትስማዕ ኔራ። ብሸለልትነት ወይ ድማ ብስምዒት ዝሞሉቕ ከምኡ ዓይነት ኣበሃህላ’ሲ፣ ነቲ ዝተሓስበ ዕላማ ከሰናኽል እንተዘይኮይኑ ረብሓ’ብሉን’ሞ፣ ሃየ ደኣ ካብ ታሪኽ እቲ ዝጠቅም-ዝጠቅም ጥራይ መሪጽና እንዳተማላእና ንቕድሚት ምጥማት ኣይንሕመቕ።
Dear demo.archive.assenna.com followers demo.archive.assenna.com congratulates its readers and followers that it is back online after the temporary interruption caused by the cowardice PFDJ cyber attack. demo.archive.assenna.com obviously owes its readers and followers an apology for the inconvenience the interruption might have caused. At the same time,
እቲ ሓቂ ብልምዲ ዝግበር ለውጢ የለን። ለውጢ ዝግበር ነቲ ዝነበረ ልምዲ ብምፍራስ፥ ብሓዲሽ መልክዕ ምትካእን ብቓልሲ ዝረጋገጽ ግብራዊ ጥራይ ኢዩ። ናይ ተበላጽነት ቃልሲ ክሳብ ሕጂ ንህዝብናን፤ ብፍላይ ንመንእስያት ኤርትራ ኣዝዩ ሃስዩ፤ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ክጉትተና ጸኒሑ። ንሱ ኸአ ድነነለይ እሞ ክውጣሓካ ዝለመዱ፣ ነበር ካድረታትን ተዋሳእትን፣
እቱይ ብሞት ዝተፈልየን፡ ገና ዘይሞተን ብምንታይ ይፈላለዩ ዝብል ሕቶ፣ ብሓጺር ክምለስ ይከአል ይመስል። እንተኾነ ግና ሙዉት ዝተቐብረን ተስካሩ ዝተብልዓሉ፡ ቤተሰቡን ሃገርን ዝቐብጾ፥ ዝተፋነወን ንቡር ዝተፈጸመሉን ዕድለኛ ፍጡር ኢዩ። እቱይ ከይሞተ ሞይቱ፡ ናይ ባዕሉ ተስካር ዕለታዊ ዝምገብ ግና እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ፍጡር ኢዩ። እዚይ ከም ሰብ
ኪዳን ቀርኔሎስ ዑስማን ኣልሓጅ ዓብደኑር ኣደም እሽማዒል መሓመድ ሳልሕ ሓጎስ ሸውጊ መሓመድ ኣሕመድ ወጻኢ ካብ ኪዳን ስዒድ እሽማዒል ኣደም ሓስል ክፍለ የውሃንስ ወለገርግስ ርእሶም ገብረገርግስ ሰሜን ኣመሪካ ዶክተር ኣፈወርቂ ጳውሎስ ዶር መሓመድ በሽር ማእከላይ ምብራቕ ጀማል መሓመድ ጣሕር ሳልሕ መሓመድ ዑመር ሱዳን ሓስም ዓሊ ዓብደላ ዓብደላ ሓምዳይ ኤውሮጳ ዶር መሓመድ ኬር ኣሕመድ ነጋሽ ደቀንስትዮ ኣበባ ኣብርሃ ሰልዋ ያዕጉብ መንእሰያት ውጅዳን መሓመድ ኑር ነስረዲን ኣሕመድ ዓሊ ደቡብ ኣፍሪቃ በረኸት ገዛኢ ነባራት ተጋደልቲ ሳልሕ ኢብራሂም ኢትዮጵያ ተውፊቕ ኑርሕሸን ልዊ ጃፎ ኣውስትራልያ ዶር ዓብደላ ጅምዓ አሓመድ
[embed]http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2011/11/HagerawiGubae.pdf[/embed]
ክብርን ሞጎስን ንኣጋይሽ ዝተቀበሉ፡ ባይታ ዘጣጥሑልና ጉባኤ ክንገብረሉ ፡ ንሰናይ ጉርብትና ማዓልቲ ኣለዎ ኩሉ፡ ንሕና ካኣ ንጽቡቕ ዕድልና ንጠቀመሉ፡ ሎሚ ዝዕመም ጽባሕ ኣይትበሉ፡ የማነ ጸጋም ኣስተብህሉ፡ ንኣና እንበር ንኣይ ኣይትበሉ፡ ሕሰቡ!!!!!!! ኤርትራዊት ኣደ ከመይኮን ትህሉ፡ እወ! ኣደ ግዳያት ሲናይን ባሕሪን ዝጣሓሉ። ፖ.ዉድባት፤ ምሁራት፤ ዉልቀሰባት፤ ኩልኹም፡ መንእሰያት፤ ኣደታት፤ ሲቪክ ማሕበራት፤ ኩልኹም፡ ኣብሓንቲ ኣዳራሽ ኣብ ጉባኤ ዘለኹም፡ እንታይ ይጽበ
ኣብ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣቦ ወንበር ዓለም ለኻዊ ኮምሽን ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ዶር የዕብዮ ወለማርያም፡ ከምኡ ‘ውን ዳይረክተር ናይቲ ትካል ዶር ዮናስ መሓሪ ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ከምኡ ‘ውን ኣብ ዩኒቨርሲታት ትምህርቶም ዝከታተሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘለዎም ጸገማት ብምልላይ ፍታሕ
ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ራእናን ዓቅምታትናን ነስምር ኣብቲ ዝብል ጭርሖ ዝጀመረ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሕጋውነት ተሳተፍቲ ድሕሪ ምርግጋጽ ፡ ኣጀንዳታት ሰሪዑ ኣኼባኡ የካይድ ኣሎ። ብመሰረት’ቲ ተሰሪዑ ዘሎ ኣጀንዳታት፡ ጉባኤ ጸብጻብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ድሕሪ ምስማዕ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ቻርተር፡ መሪሕ ሓሳብ፡ ሕገ-ህንጻ፡ ከምኡ ‘ውን መሰጋገሪ ቅዋም ዝኣመሰሉ
ብሰንኪ ሕንቃቐን ምሒር ጥንቃቐን፣ ዝናን-ባህታን ትርጉም ስኢኖም ናጽነትን ሱቕታን ድማ ስኒት ስኢኖም ዝብል ተኸታታሊ ጽሑፍ፣ ኣብ’ዛ ኤርትራና ወሪዱ፣ ንአኮኖሚ ፖለቲካን ማሕበራውን መዳያትና ልቡን ቀልቡን ኣጥፊኡሉ ዘሎ ቅልውላው ብዓቕመይ ከንጸባርቕ ዝፍትነሉ ዘለኹ ጻዕሪ’ዩ። እወ እቲ ጸገም ኣበይ’ዩ ዘሎ መፍትሒኡ ሃሰስ ምእንቲ ክንብሎ’ዩ እቲ ጻዕሪ። ቅድሚ ሕጂ’ውን ዓውድኻ
ብሰሙኑ! ሃገራዊ ኮሚሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ዓቢ ውራይ ኢዩ ክቕኒ፤ ውራይ ሃገራዊ ጉባኤ። ሃገራዊ ጉባኤ ፍረ ሃገራዊ ቃልሲ ኤርትራውያን ስለዝኾነ፣ ንውጽኢቱ ብሃንቀውታ ክንጽበዮ ባህርያዊ ኢዩ። ንዝጎዓዞ መንገዲ ሽግ ክንውልዓሉ፣ ንዝበጽሖ ደረት-ትርኢት ድማ እምነ-ኩርናዕ ከነቐምጠሉ ዝግባእ’ኳ እንተኾነ፣ ማዕረ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ንክሰርሕ ማዕጾ ኮሚሽን ካብ ዝኹሕኳሕ
ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስዊ ለውጢ ኤርትራ፡ ልዕሊ ኣስታት 600 ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝመጽኡ ወከልቲ ኣብ ዝተሳተፉሉ ኣጋጣሚ ሎሚ 21 ሕዳር፡ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ኣዋሳ ብወግዒ ተኸፊቱ። ነቲ ጉባኤ ዝኸፈቶ ኣቦ ወንበር ሃገራዊ ኮምሽን ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣቶ ኣማሃ ደሞኒኮ፡ኣብ መደረኡ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ደንደስ
ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ እታ፡ „ንድፊ መሰጋገሪ ቅዋም ሃገር ኤርትራ“፡ እትብል፡ ብሽማግለ ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ ኣካል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለውጢ፡ ዝተዳለውትን ኣብ ህዝቢ ዝተዘርገሔት ሰነድ እያ። ኣነ ሰነድ’ዚ ብተገዳስነት ኣንቢበ ምስተረዳኣኒ፡ ኣብ ኣእምሮይ ብዙሕ ሕቶታት ተቐላቒሎም። ሓደ ካብቶም ሕቶታት፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንሃገራዊ
ህዝቢ ኤርትራ እታ ኣሓቱን ኣሕዋቱን ኣቦታቱን ኣዴታቱን ከምኡ`ውን ደቁ፡ ዝተሰውኡላ ነጻነት ተነፊጋቶ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ከም ካልኣይ ዜጋ ተቖጺሩ ንሞትን ንውርደትን፡ ንዘመናዊ ባርነትን፡ ካብ ዝቃላዕ እነሆ ድሮ ዕስራ ዓመታት ሓሊፉ፡፡ እወ!! ኤርትራዊ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕስራ ዓመታት ብኣረሜናውያን ጀነራላትን፡ ክፍሊ ስለያን ናይ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ፡ ከም ደቂ ዛግራ
ንነዊሕ እዋን ዕብዳን ዉልቀ መላኺን ጥፍሽና ሰዓብቱን ንምቅላዕ ደኺምካ ጽዒርካ ንህዝብኻ ክትጥርንፍ ብዘይ ዕረፍቲ ጎይኻ እንሆ ድማ ጸላኢኻን ክሓቅቕ ህዝብኻን ክስስን ጸላእትኻ ዛሕዛሕ ክብሉ ህዝብኻን ክተኣኻኸብ ንዘተ ክዳሎን ትዕዘብ ። እዚ ፍረ ጻዕርኻ ምኻኑ ማንም ኣይስሕቶን ንስኻዉን ብሞያኻ ከም ትሕበን ኣይጠራጠርን ፡አብዚ ንዘብጻሕካዮ ጉዳይ ሃገር
ልክዕ’ዩ ዓዲታት ሰጊርና ድዩ ቀላያት ጥሒስና አብ ድላይና ምስበጻሕና፣ አብ ድላይና ክብል እንከለኹ ከምቲ ንሕና ንሓስቦ ማለት እዩ፡፡ አይኮነን ግን ድሌት ወዲ ሰብ ዓቐንን ዶብን የብሉን፡፡ በዚ ናይ ዘመና መለከዒ ግን፣ ንዓና ኤርትራውያን፣ አብ ድሌትካ ምብጻሕ ማለት፣ አውሮጳን አመሪካን ወይ ካአ ክንዮኡ ሓሊፍካ ንስካንድናቪያን ንአውስራልያን
ሰላም ከመይ ቀኒኹም ኣብዚ ዚሓለፈ ሰሙናት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ እገዳ ዓቕሉ ጸቢቡዎ ኣብ ዝኣትዎ ጠፊኡዎ ከምዘሎ ንዕዘቦ ዘለና ሓቂ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዘርጊሑወን ዘለዋ መጋብሪ ዝኾና ቤት ጽሕፈታቱ ኣቢሉ ናብ'ዚ ገርሀኛ ዝኾነ ህዝቢ ሓድሽ ጎስጋስ ጀሚሩ ከምዘሎ ፍሉጥ ኮይኑ። ኣብዚ
ብምክንያት እቶም በስገዳድ ንኤርትራ ዝጥረዙ ዘለው መንእሰይት አሕዋትና ከምኡውን ብሰንኪ እቲ አብ በረኻታት ሲናይ ዘጋጥሞም ዘሎ ግፍዕታት አቤት ንምባል አብ አፍደገ ቤት ጽሕፈትውድብሕቡራት ሃገራት ጀነቭ ብምእካብ ናይ ተቃውሞ ጻዊዕትና ንዕለት 18.11.2011 ከነስምዕ ምኻና ንሕብር፣፣ ኩሉኹም አሕዋት ኤርትራውይን ካብ ምሉእ ዓለም ምሳና ሓቢርኩም ክትውዕሉ ጻዊዒትና ነቅርብ፣፣ አዳላዊት ሃገራዊት ኮሚተ አሕዋት
እዚ ለንቕነ ኣብ ናይ ሃገራውያንን ዓለምለኻዊ ናይ ዜና ማዕከናት ተዘርጊሑ ንርእዮ ዘለና መጭወይቲ፣ ግፍዒ፣ ዓመጽ፣ ስቅያትን መቅተልትን ንጹሃት ኤርትራውያን ኣሓትናን ኣሕዋትናን ኣብ በረካ ሲናይ ሓድሽ ዘይኮነስ መቀጸልታ እቲ ናይ ዓሰርተ ዓመት ህልቂት ናይ ጉዕዞ ስደት እዩ። ኣብ እዋን ሓዘና ዝፍስሑን ብሽግርና ዝወራዘዩን ንሶም ፈጠርቲ ጸገምና ምዃኖም
ንኹሉ ኣብ ስደት ዝርከብ ክቡር ህዝብና ብዘይ ዕድመ ፍልልይ ብዘይ ጾታ ፍልልይ ንኹሉ ሰላምታ እና ኣቕረብና ብምቕጻል ብወዲ ስዉእ ማሩ ሃይለ መንእሰይ ሑሩይ ማሩ ሃለዋቱ ስለ ዝተፍኣና ቤተሰብ ከቢድ ሻቅሎት ስለ ዘለና ኤርትራውያን ኣብ ዝተፋላለየ ኩርናዕ ዓለም ስለ እንርከብ ገለ ኣይ ፍለጥን ዝራኣዮ ሓበሬታ እንተ
ብመጀመርያ ዝኸበረ ሰላምታይ እብጻሕኩም፡፡ ብምቕጻል ነቲ ከይተሓለልኩም ተካይድዎ ዘለኹም ኣዝዩ ኣድካሚ ዕዉት ስራሓት ናእዳ ዝግበኦ ምኻኑ ከዘኻኽር እደሊ፡፡ ካብ ዋዕላ ተበጊሱ ናብዚ ፍረ’ዚ ምብጽሑ ድማ እንቋዕ ሓጎሰና!! ዝኸበርኩም ኣሰናዳእቲ ጉባኤ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ብዙሕ መዳያት ኤርተራውያን ኣበርክቶ ክገብሩ ጻውዒትኩም ከም ዘቕረብኩም ኣይረሳዕኩን፡፡ ኮይኑ
ዒድ ሙባረክ ብአጋጣሚ በዓል ዒድ አል-አድሐ አልሙባረክ ብሐፈሻ ንኹሉ ኤርትራዊ ብፍላይ ድማ ንኹሉ አብ እስልምና ዝአምን ህዝቢ ርሑስ በዓል ዒድ አል-አድሐ ክገብረልና እናተመነኹ አብ መላእ ዓለም ዘለኹም አሕዋትን አሐትን ኤርትራውያን ልባዊ ሰላምታይ ይብጻሕኩም ይብል። ካብዚ ቀጺለ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ወሪድዎ ዘሎ ሽግር ምግላጽ ዘድልዮኳ እንተዘይኮነ፡ ሎሚ
ንዘስተውዕል ብሓቂ ኣእምሮ ዘለዎን ዘገናዝብን እዚ ዘለናዮ መድረኽ ህጹጽ ሕቶ ህዝቢ፡ ሕቶ ብኩራት ፍትሕን ሓርነትን ክንምልሽ ንዘይመስረታውያን ፍፍልያት ኣጽቢብና ኣብ ሓደ ስፊሕ ዲሞክራሲያዊ ሜዳ ተጠርኒፍና ክንቃለሰ ዝሓትት ምዕራፍ ኢዩ። ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ሓሲምዎን ሰፍ ዘይብል ምልኪ ኣብ ዝባኑ ተወጢሕዎን ዘሎ ወቕቲ
ፖሊስ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ኤምባሲ ስርዓት ህግደፍ ዝቐንዐ ነቲ ብግዴታ ካብ ዜጋታት ዝእከብ ዘይሕጋዊ ምእካብ ክልተ ካብ ሚእቲ ብዝምልከት፡ ካብ ክልተ ኤርትራዊ መበቆል ዘሎዎም ሽወደናዉያን ወግዓዊ ክሲ ከምዝተቐበለ ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሎሚ 8 ሕዳር ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ኣረጋጊጹ። እዞም ኣቶ ረዘነ ተስፋጽዮንን ኣቶ መድሃኔ ንርኣዮን ዝተባህሉ
ራኢ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ገባቲ ስርዓት ኢሰያስ ብምስዓር ሓንቲ ብቅዋምን፡ ደሞክራስን፡ ፍትሕን እትመሓደር ሃገር ምርኣይ’ዩ፡፡ ንሕና ኤርትራዊያን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ልዕሊዑ ዝጽሒ ዘሎ ኣደራዕን ፡ መግደራን፡ ሑሱም መግዛእትን፡ ንህልው ኵነታት ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ተነቓፊ ኵነታት ስለ ዘብጽሖ፡ እዚ ኵነታት
ከመይ ቀኒኹም ብስኒትን ሰላምን ሃገርና ትግደሱ ኩሉኹም። ኣብ ካልኣይ ክፋል መንዩ ፈላላይ ብዝኣተናዮ ቃል ኣኽቢርና መጺናኩም። ሓርበኛ ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣን ብኣጋጣሚ ካልኣይን ሓድነታዊ ጉባኤ ኣብ 1987 ዓ.ም ዝሰደዱዎ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ካብ ኣእምሮ ናይ ሰማዒ ይሃስስ ማለት ዘይሕሰብ እዩ። ለበዋ ናይ ክቡር ፈታዊ ህዝቡን
ከበሮ ጣቕዒት እንተደኣ ሰሚዕካ ክትስዕስዕ ትጎዪ ንኹሉ ረሲዕካ ከም ኣጻብዕ ኢዱ *ባጉህ ፈሊጡካ *ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍ እኖሆ ከም ክራር ወትሩ ይቓንየካ! ሓሪስካን ነጊድካን ከይትኣቱ ገዛ ቆፎኻ ከይመልእ ምህርቲ ኣኸዛ ጎጎ ምስ ሕንባሻ ከይትዓጽድ ሃንዛ ሃገርካ ብኹላ መቊሕ ተታሒዛ ዕስራ ዓመት ኮይኑ ክትቅለብ ኣብ *ታዛ! *እንስሳታት ሓሰር ዝበልዕሉ ገዛ ቁንጣሮ መሸላ ከም ደርሆ ክትተኩብ መቑንንካ ክትጽበ
ሓምለ 1998 ጭቃን ጨፈቃን ናይ ኣዲስ ኣበባ ከይኣክል’ሲ፣ ምስ’ቲ ካብ ገዛ ዘየውጽእ ናይ ክረምቲ-ድሚማ፣ ስግኣት ናይ’ቲ ዘመና’ምጽኦ ቁዘማ ኣብ ልቢ ሰብ ክውዕልን ክሓድርን ካብ ዝጅምር እዋን ኣይሓጸረን። ምስኡ ድማ ብረድዮ ብተለቪዥንን ብጋዜጣታትን ከም ግመን ዕምብረን ንወረን ንኣየርን ዝዕፍን ዝነበረ ዜና፣ ነውርን ቀይድን ኣይነበሮን። ከም ቁርን
ሰመረ ዓርከይ፡ ዓለም’ኮ ኣዕለቢጣ ኢያ።ናይ ለውጢ ግዜ ከኣ ብነብሱ ይስግር ኣሎ። መንእሰይና’ሞ ኣካን’ዃ ተዓጊሱ። ካብሕጂ ንንየው በቃ ይኣክል። ንስኻ ግና ነዚ መሪሕ መንእሰይ ክትጅልሕ’’እቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኮይኖም ዘዕገርግሩ ዘለው መንእሰያትን ምሁራትን ብልክዕ ኤርትራውያን ዝመስሉ ኢትዮጵያውያን፡ ወይ ድማ ፍርቂ፡ርብዒ ጐድኖም ዝተለኸዩ ኢዮም“ ኢልካ ኢኻ ኣጻዊትካና።