ሰላም ኣብ ምድሪ ይኹን!!! ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ እቶም፡ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ይኹን! (ሉቃ 2፡ 14) ምልኣት ዘመን ምስ ኣኸለ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሕዝቢ ኣምላኽ ሓርነት ንምዉጻእ፡ ኣብ መብልዒ ማል፡ ኣብ ቤት-ልሄም ተወልደ። እዛ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ፍልይቲ ዝኾነት ለይቲ፡
ሰላም ኣብ ምድሪ ይኹን!!! ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ፡ ኣብ መንጎ እቶም፡ ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ይኹን! (ሉቃ 2፡ 14) ምልኣት ዘመን ምስ ኣኸለ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ንሕዝቢ ኣምላኽ ሓርነት ንምዉጻእ፡ ኣብ መብልዒ ማል፡ ኣብ ቤት-ልሄም ተወልደ። እዛ ኣብ ታሪኽ ዓለምና ፍልይቲ ዝኾነት ለይቲ፡
ትርጉም መንነት ሃገርና ኤርትራ ፍጹም ዘይሃስስ`ዩ ዝዓዘዘ ፍቕራ ሃየ! ብሓድነትና ንምለሶ ልዑል ክብራ!!! ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ተቓለስቲ ንሓርነትን ፍትሕን! ዓመተ 2019፡ ምስ ሰናይ ትምኒታና ኢድና እንሕውሰላ፡- ዓመት ፋሺስታዊ ውልቀ-ምልኪ ዝወድቀላ፣ ዓመት ሓርነትን ፍትሕን ዝረጋገጸላ፣ ዓመት ነባሪ ኣዕኑድል ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዝትከላላ፣ ዓመት ሰላምን ራህዋን ዝሰፍነላ - ክትከውን ምእንቲ ብስሙር
ፍግረ-መሬትን ፍግረ-ጒልበትን ጥሪ 03/2019 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ርሑስ ሓድሽ ዓመት! ንኹሉኹም ተቓለስቲ ብሓፈሻ ብፍላይ ክኣ ጀጋኑ ውፉያት ናይ ዜና ማዕከናትና ንኹልና ዘተኣናገድኩምና ብዙሕ ነመስግን። ከም ፍሉይ ኣጋጣሚ ድማ ርሑስ ሓድሽ ዝርግሐ ቲቪ ኣሰና(ATV) እንቛዕ ንኹልና ደስ በለና። ነቶም ለይትን ምዓልትን ከይተሓለልኩም ዝጸዓርኩም ክኣ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ይዘክርኩም። ኣብ ሂወት፡ ክሳዕ
ንላዘብ ንላዘብ ንህላወና ኣሕዋት፡ ልብና ከፊትና ብቅንዕና ብሓባር ክንጓዓዝ ከነጽብቦ ፍልልያትና መኣዲ ዘተዩ እንኮ መሰረት ሓድነትና ጽልኢ ወጊዱ ዘዕንብቦ ንልቦና ንፍቅርና። ንላዘብ ደቂ መሬት ኢና ሓቢርና መስዋእቲ ዝኸፊልና፡ ኣብ ቤትና ኣባይ ከይኣትወና ሰላምና ከይዘርገልና ሎሚ ንሕሰብ ንከባበር ናይ መጻኢ ወለዶና ነበር ከይንኸውን ብዘይ ሃገር መንነትና ኣጥፊእና። ንላዘብ ከም ደቂ ሓንቲ’ደ ራህዋ ክሰፍን ፍርሒ ተወጊዱ
ብመጀመርያ ንኣመንቲ ክርስትና ርሑስ ብዓል ልደት ይግበረልና ዓመተ ሰላምን ዓመተ ራህዋን ድማ ብፍላይ ነቲ ንዘመን መመላእታ ኣንጻር ሰንሰለታዊ ኣርዑት መግዛእቲ እተቃለሰ ህዝብና ሎሚ ድማ ካብ ደግሲ መግዛእቲ ውልቀ መላኺ ልጅ ሃፀይ ኢሱ ኣብ 2019 በሪሱ ንርኤል ዓመት ምኻና ዘጠራጥ የብሉን። ኣብ ዛ ትሳነበትና ዘላ ዓመት 2018
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ርሑስ ሓድሽ ዓመት! ሓዳስ ዓመት 2019፡ ዓመተ ፍትሒ፡ ዓመተ ሰላም፡ ዓመተ ቅሳነት፡ ዓመተ ጥዕናን ራህዋን ክትኮነካ እምነ!!! ኣረጊት ዓመት ሓሊፉ ብሓድሽ ዓመት ኣብ ዝትከኣሉ እዋን፣ ካብቲ ዘለኻዮ ጸልማት ዘናግፍ፡ ሓድሽ ህይወት ዝፈጥር፣ ዓወት ኣብ ፖለቲካውን ምጣኔ-ሃብታውን ማሕበራውን ህይወት ዘጎናጽፍ ዓመት ክኾነልካ ብተስፋን ብጽሎትን አናተመነኻ እተሕለፎ
ብልምዲ᎓ ሰባት ዓቢ በደል ምስ ዝፍጽሙ “ሕልና የብሎምን” ብምባል ኢና እንገልጾም። ይኹን እምበር᎓ ሰብ ኮይኑ ሕልና ዘይብሉ ፍጡር የለን። እንተስ ብኣብ ውሽጥና ዘቃልሕ ናይ ፈጣሪና ድምጺ᎓ ካብ ግዜ ንእስነትና ኣትሒዝና ዘማዕበልናዮም መረዳእታታት᎓ ወይ እውን ብሰንኪ ናይ ኣከባቢና ጽልዋታት᎓ ነፍሲ ወከፍና ወነንቲ ሕልና ኢና። እዚ ካብ
ድሕሪ እዲያት እንታይ ይእለም? 25,12,2018፡ ክብርቲ ሓብቲ ጋዜጠኛን ደራሲትን ኤደን ኢያ፡ ካብቲ ዘቕረብኪዮ ዛዕባ ተበጊሰ ቁንጣሮ ናይዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣብ ፌስቡክ ሰቒለዮ ምንባረይ እናዘኻኸርኩ፡ ንእሽቶ ወሲኸ ከቕርቦ ብዝኣተኹዎ ቃል’ውን ከፊላዊ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ከስዕቦ ሓሲበ ዘስፈልኩዎ ኣርእስቲ እንሆ። እቶም ናይ ሽዑ መዛ ትይትኺ ኮኑ ካልኦት ተገደስቲ ድማ ነዊሓ እንተመሲላቶም
ጓል ትረኽቦ + ወዲ ዝረኽቦ = ወይ’ዛ ኤርትራ ትረኽቦ ታሕሳስ 26/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ሳዕስዕ’ሞ ሳዕስዕ፡ ሓዳርካ’ይትረስዕ! ኣብዚ ቅነ ኣውድኣመት ኣይ ፌሰታ ኣይ ቃልሲ ከይንኸውን፡ ነዚ ሓድሽ ኲነታት ናይ ብዓል ጀነራል ስብሓት ካብ ዝግብኦ ንላዕሊ ግዜና ኣይነጥፍኣሉ። እዞም ቀዳሞት’ሲ ብዙሕ ዘይበሊ ውሓለ ዝዀነ ምስላታትን ኣበሃህላታትን ነይርዎም። ደፊሮም ኲነታቱ ዘይፈለጥዎ
ድሕሪ 20 ዓመት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ተኸፊቱ ዝጸንሐ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምእተዓጽወ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ስጉምቲ ብዝያዳ ብወገን ዛላምበሳ ከሪሩ ከምዘሎ `ውን ተፈሊጡ። ቢቢሲ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ሪፖርተር ብምውካስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ እቲ ዶብ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ንዘይብሎም ገያሾ ከምእተዓጽወ ይገልጽ። ብወገን ኤርትራ መሕለፊ
ኤርትራውያን፡ ሕጂ’ውን ከይንቅደም ኣብ ገዛእ ውራይና ከይንዕደም ሕመረት ጽሑፈይን ሓሳበይን በዛ ቀዳሞት ወለድና ኣንጻር ረብሕኡ ንዝቃለስ፡ ንሞት ክሳብ ገዝኡ ደፊኣ ትኣቱ ዝጽበን ንኽብሩን መንነቱን ስጉምቲ ዘይወስድን ሰብ ቁምነገር ሓዘል ኣሽሙር ሓጻር ግጥሚ ክፍልም። ብጽሓይ ቀትሪ ካብ በለካ ገብገብ ገዛ እንከለካ ምስ ሰይቲ ወድኻ ካብ ትቅለብ ምስ ድቢት ጥሪትካ ምስ
ኣሽንባይ ዶ ኣብ ከምዚ ናይ ሃገርና ዝኣመሰለ ሓበሬታ ብመደብ ዝዕፈነሉ ኩነታት፡ ዋላ ኣብቶም ህዝባዊ መርመራ ዝካየደሎም ሃገራት `ውን ከምዚ ናይ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም መጥቃዕቲ ዝኣመሰሉ ፍጻሜታት ከከራኽሩ ይረኣዩ እዮም። ስለዚ፡ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣብ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ኣብ ዘተኣማምን መደምደምታ ምብጻሕ ኣጸጋሚ እዩ። እንተኾነ፡ ነቲ ዝርካቡ ሓበሬታ
[caption id="attachment_34383" align="alignright" width="191"] ኮ/ል ብርሃነ ሃይለ ( ወዲ ውነሽ)[/caption] ኮለኔል ብርሃነ ሃይለ (ወዲ ውነሽ) ከምኡ `ውን ኮ/ል ደረስ ገብረኣምላኽ፡ ዝርከቡዎም ኣባላት ስታፍ ቤትጽሕፈት ሚኒስተር ሚኒስትሪ ምክልኻል ብ ሰሉስ 18 ታሕሳስ ብውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝተኣሰሩ ምንጭታት ሓቢሮም። ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ሚኒስተር ምክልኻል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሓላፊ ቤትጽሕፈት
ኣብዚ እዋን እዚ መብዛሕትና ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ተኸተልቲ እመነት ዝኾንና መንግስቲ ሕግደፍ ብኣቡነ ሉቃስ፣ ኣቡነ ባስሊዮስን ኣቶ ግርማይ ዘርኣይ ኣቢሉ ንቅዱስ ሲኖዶስ ተቖጻጺርዎ ከምዘሎ ንፈልጦ ሓቂ እዩ። ብኻልእ ሸንኽ ከኣ ነተን ኣብ ስደት ተመስሪተን ዘለዋ ሃገረ ሰብከታት ዝመርሕወን ብጥንቓቐ ብህግደፍን መሳርሕቶም ዝኾኑ
ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣብ ህዩስተን ከባቢኣን ትነብሩ፡ ተስቆርቆርቲ እምነት ተዋህድ ኦርቶድስ ኤርትራ። ምምሕዲር ቅደስ ሲኖድስ ኤርትራ ካብ መንፈሳውነት ርሒቑ፡ መተዓይቲ ስርዓት ህግዯፍ ብምዃን፡ ነታ ቅዴስትን ጽንዕትን ሃይማኖትናን ቤተክርስትያናን ከምእዉ'ን ሓዴነት ህዝብና ብሓፈሻ ኣብ ምፍራስን ምጥፋእን ከም ተልእኹኡን ዕላምኡን ሒዝዎ ይሰርሕ ከምዘሎ ኩላኻትኩም ትፈልጥዎ ኢኹም። [gview file="https://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2018/12/Eritrean-Orthodox-Church.pdf"]
ቅድሚ ትማሊ ምሸት 19 ታሕሳስ ኣብ ኣስመራ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ብጽኑዕ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ኣብ ICU ጽዑቕ ክንክን ክግበረሉ ዝጸንሐ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ሎሚ ረፋድ ንዝለዓለ ሕክምና ናብ ዱባይ ከምዝኸደ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ሚኒስተር ማዕድን ኤርትራ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ንነዊሕ እዋን ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ጀነራል
ሚኒስተር ማዕድን ኤርትራ ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ፡ ንነዊሕ እዋን ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ ትማሊ ምሽት፡ ኣብ ኣስመራ ብጥይት ከም እተወግአ ካብ ኤርትራ ዝብጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። በቲ ዝወረዶ መውጋእቲ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቡ ከምዘሎ `ውን እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ። ሚኒስተር ማዕድን፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ
ጸብጻብ ህዝባዊ ኣኼባ ዋሽንግቶን መሪላንድ ቪርጂንያን ከባቢኡን ህዝባዊ ኣኼባ ዋሽንግተን መሪላንድን ቪርጂንያን ከባቢኡን ኣብ ዝተመደበሉ ዕለት 8 ታሕሳስ 2018 ኣብ ኣለክሳንደርያ ቪርጂንያ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣኼባ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ናይ እቲ ኣከባቢ ዝመጹ ኤርትራውያን ተሳቲፎም። ህዝባዊ ኣኼባ ብዝኽሪ ስዉኣትና ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መእተዊ ቃል ብኣሰናዳእቲ ቀሪቡ። ስዒቡ
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ሓሙስ 13 ታሕሳስ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሶማልያ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣፈኛ ናይቲ ስርዓት ሓቢሩ። ኣፈኛ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ የማነ ገብረመስቀል (ቻርሊ) እቲ ምብጻሕ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝካየድ ዘሎ ስሉሳዊ ምሕዝነት ይካየድ ከምዘሎ ኣብ ትዊተር ገሊጹ። ይኹን`ምበር፡ ክሳብ 92
ተርእዮ ሕሉፍ ምንቅስቓስ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራን ኣስጋእነቱን (ቀዳማይ ክፋል) መብራህቱ ኣተወብርሃን ሕሉፍ ኣረኣእያ ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ሓዲሽ`ዩ እኳ እንተዘይተባህለ፡ ብደረጃ ምንቅስቓስ ዝፍለጥ ግን ውሑድ`ዩ። ቍጽርን ዓይነትን ናይ ብሃይማኖት፡ ብሄርን ኣውራጃን ካብኡ ብዝንእስ ማሕበራውን ከባብያውን ካልእ ኣገባብን ተወዲቦም ዝንቀሳቐሱ፡ ብልምዲ ናይ የማን ደንበ ተባሂሎም ዝፍለጡ ማሕበራት ግን፡ እናዛየደ ዚመጽእ
ብናይ ፖለቲካ-ማዕበል ትሕቈን ዘላ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብቲ ነዊሕ ናይ ዘመናት ጉዕዞ፥ ናይታ ክርስቶስ ዝመሠረታ፥ ሓዋርያዊት ቤተ-ክርስቲያን ታሪኽ እንተ ተመልከትና፥ ካብ መከራን ስቓይን መስጐጕትን ስደትን፣ ዘዕረፈትሉ ዘመን ነይሩ ክበሃል ኣይከኣልን። ስለ-ዝኾነ ድማ እቲ ነዊሕ ታሪኻ፥ ብደም ሠማዕታት ደቃ እናተጻሕፈ ዝመጸ፥ ናይ ገድልን ሠማዕትነትን ታሪኽ ደኣምበር፥ ዕረፍትን ሰላምን ረኺባ፣
ኣብ ኤርትራ፡ ሓጋጊ፡ ፈጻሚ፡ ፈራዲ ኣካላት ዘለዎ ቅርጺ መንግስቲ ስለዘየለ፡ ከምኡ’ውን ልዕልና ሕጊ ስለዝበኾረ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ’ዩ ቃሕ ብዝበሎን ብውልቁን፡ ውዕላት ዝፍርም፡ ኣዋጃት ዝነድፍ፡ መሬትና ዝሸይጥ፡ ሰባት ዝሸይምን ካብ ስልጣን ዘባርር፡ ዝኣስር፡ ዝቀትል፡ ኩናት ዝእውጅ፡ ሰብ ሓዳር ዘፋትሕ፡ ሃብቲ ሃገር ዘባኽን፡ መሰል ሰብ ዝግህስ፡ ከምኡ’ውን ብሕሰምን
ኣብ ሱዳን ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ኡምጉርጉር ማእከል መዘናገዒ መንእሰያት ተሰሪሓ:: መዓስከር ስደተኛታት ኡምጉርጉር ኣብ ምብራቅ ሱዳን እትርከብ መዓስከር ኮይና: ዝበዘሑ ነበርታ ማለት 90% ኤርትራውያን ኢዮም:: እዛ መዓስከር ን ኣስታት 13 ንኡሳን መዓስከራት ብሓደ ዝጠርነፈት ኮይና : ገለ ካብ ኣቶም ንምጥቃስ : ካርኮራ:ኣቡራኻም: ሱኪ:ሓዋታ:ሳምሳምን: ካልኦት ንኡሳን መዓስከራት
“እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ”? ታሕሳስ 08/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) እንካ ዘይብል ሃባ መን ኣልመዶ? ክሳብ ሕጂ ምንቕ ዘይብል ዘገልግል ምስላ ቀዳሞት እዩ። ገለ ካብ ምስላታት ኲነታት ክቕየር ከሎ ምስ ምዕባለ ይበሊ ኢዩ። ንኣብነት ጓል ዝወለደን ጨው ዝነገደን ሓደ ዝብሃል ምስላ ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ምንታይ ተእትዎ። ወረ ሕጂ
ንሓሙስን ዓርብን ዕለት 13 ን 14 ታሕሳስ 2018 ( 13 – 14 / 12 / 2018 ) ኣብ ሃገረ በልጂዩም ከተማ ብሩሰልስ ን 2 መዓልቲ ዝካየድ ኮንፈረንስ ኤርትራዊያን ደለይቲ ፍትሒ ፡ ንምርግጋጽ ድሕነት ህዝቢ ኤርትራን ንልኡላውነት ሃገር ኤርትራ፡ ዝምልከት ሰፊሕ ኮንፈረንስ ብመልክዕ ዎርክሾብ ካብ መላእ
ህዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ከተማ ለንደን፡ ስሩዕ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ከተማ ለንደን፡ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ዓባይ ብሪጣንያ ናይዚ ዓመትዚ ናይ መወዳእታ ስሩዕ ሕዝባዊ ኣኬባኣ ኣብ ሕምብርቲ ከተማ ለንደን ሰንበት 02 ታሕሳስ 2018 ኣካይዳ። ኣብዚ ብርክት ዝበሉ ሽማግለታት ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን መንእሰያትን ዝተረኽብሉ
ይርጋኣለም፡ ዝረገጽኪዮ ለምለም . . . . 06,12,2018፡ “ኣብ ወርሒ ለካቲት 2009᎓ ምስ ካልኦት መሳርሕታ ተገፊፋ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዓዲ-ኣቤቶን ማይ-ስርዋን ንሽዱሽተ ዓመት ብዘይ ፍርዲ ድሕሪ ምኣሳር ኣብ ጥሪ 2015 ተለቒቓ” . . . . እህህ! እብል ከምዚ ዝኣመሰለ ዜና ማእሰርቲ ክሰምዕ እንከለኹ። ምናልባሽ “ተኣሲሩ/ራ/” ዝብል ዛንታ፡ ዓይነቱ
Fessahaye Mebrahtu ወይለኹም ድኣምበር ንማዕዳ ትጸሙ ኪወግሕዩ ኪበርህ ከም ቀደሙ ኪግንጸልዩ መዝገብኩም ብቝሙ ኪዝርዘር’ዩ ተግባርኩም ብስሙ ወይለኹም ግን ተንኮል እትኣልሙ ሰላም ኢልኩም ንጥፍኣት ተዚሙ። “ኣመልኩም ዘይትሓድጉ ደቂ ድሙ” ሃጠው ቀጠው ሓሶት እትለቕሙ ሓቂ ንምኽዋል ኃውኩም እትዓሙ ኃው ክተጥፍኡ ሓዊ ‘ትኸዝኑ ፈርሱ ትንጸፉ ትርኣስ ኣስካሬኑ የእዊሎ ይጠርዓልኩም ደሙ ባዕሉ ኪረትዓኩም ዘይተቐብረ በድኑ “ሓቂ ኣይስበርን ዓቢሩ ቀጢኑ።” ስቓይ ሓላፊ’ዩ ኣእኪሉ እዋኑ ፍትሒ ኪጥጥዕዩ
ኣብ ሕብረተሰብና፡ እታ “ዳስ ሓውያስ ዝእቱ’ምበር ዝወጽእ ኣይርኣናን” ትብል ብሂል፡ ነዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ተጋሂዱ ዘሎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ኣጸቢቃ’ያ ትገልጻ። ብሰንኪ ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ህግደፍ፡ እገለ-እገሊት ተኣሲሩ፡ ዶብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ ኤውሮጳ ኣትዩ፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ፡ ብሰርሰርቲ ተታሒዙ ወይ ህይወቱ ስኢኑ እምበር፡ ካብ ቤት
ሓደ ያቆብ ገብረመድህን ዝተባህለ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ተዓቚቡ ዝነበር ዕሱብ መጋበርያ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ምስ ወጽዓን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ ብምድንጋጽ ጉዳይ ኤርትራውያን ዓለም ለኻዊ ኣቓልቦ ከም ዝረክብ ኣብ ምግባር ዕቱብ ኣበርክቶ ንዝገብር ዘሎ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ማርቲን ፕላውት፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታ፡ ርስሓት ብዝመልአ
ታሕሳስ 01/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ፍሰ-ማልን ፍሰ-ሓሳባትን ክብል ከለኹ (ናይ ገንዘብ ክፍሊትን ናይ ሓሳባት ክፍሊትን (investment of money and investment of ideas) ማለተይ ኢየ። ናተይ ኣበሃህላ ስለ ዝዀነ ከም መጽናዕታዊ ተቐባልነት ዘለዎ ስነ-ቃል ጌርኩም ኣይትውሰድዎ። ንኣበሃህላይ ክትርድኡኒ ግን እላቦ። ኣብ ሂወት ይኸብርን ይሓስርን እምበር ብጥራዩ ዝርከብ ንብረት
ህዝባዊ መጸዋዕታ ኣኼባ ኤርትራውያን ዋሽንግተን ዲሲ መሪላንድ ቪርጂንያን ከባቢኡን ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ከፊሎም ሃገራዊ ነጻነቶምን ልዑላነቶምን ኣረጋጊጾም ከብቅዑ፣ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ምልካዊ/ዲክታቶራዊ ስርዓት ተቖሪኖም፣ ኣብ ዘይናቶም ውግኣት ዳግም ክሃልቁን፣ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ከግልግሉን፣ ካብ ጨካን ማእሰርትን ባርነትን ክላቐቑ ናብ ስደት ከምርሑን ተገዲዶም።
ዝኸበርካ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ስደትን ዘለኻ ህዝቢ ኤርትራ። ነጻነትና ክንጓናጸፍ ዝኸኣልና ከምቲ እምነትኩምን እትብልዎን ብውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ዘይኮነ፣ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ማለት ዓበይቲ፣መንእሰያት፣ሰብኣይ ሰበይቲ፣ሃብታም ድኻ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ብሓባር ዝተሰለፈሉ ሰውራ ምንባሩ ክትርድእዎ ይግባእ። እቲ መሃንድስ ናይ ክፍኣትን ተንኮልን ዝኾነ ጠንቂ ናይዚ ን27 ዓመታት ኣብ ርእሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጻወት
ታሕሳስ 1, 2019 መን’ዩ ንቑሕ? ኣብዛ ንነብረላ ዓለም፡ ነዳዲ፡ ወርቂ፡ ኣልማዝ ይኹን ካልእ ዝተፈላለየ ባህርያዊ ሃብቲ ዝውንና ሃገራት፡ ዉሑዳት ኣይኮናን። ይኹን’ምበር፡ ንዝተፈላለየ ምኽንያታት፡ ንዕኡ ተጠቒመን ናይ ብሓቂ ሃብታማት ዝኾና፡ እተን ዝወሓዳ ኢየን። ብኣንጻሩ ብዙሓት ካብኣተን፡ ምስ’ተን ዝደኸያ ሃገራት ክስርዓ ኢና ንርኢ። ኣብ ምምዕባል ዝርከባ እናኾና፡ ብምውናን ብዝሒ
ከም ኣብ ካልእ ዓለም ዘሎ ስደተኛ መሰል ወግዓዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም፡ ብብዙሕ ሃለኽለኽ ኣብ ዝሕደስ ኢጋማ (ግዝያዊ መንበሪ ፍቓድ ስዑድን) ፓስፖርት ስርዓት ኢሳይያስን ተመርኲሶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተሸቚሪሮም ዝነበሩ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዘመሓድሮ ቤትምህርቲ ብዝመሃሩ ደቆም ናይ ጻውዒት ወረቐት እናተላእከሎም፡ ኣብቲ ሎሚ
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ጉባኤን ዓመታዊ ክብረ-በዓልን 40 ዝኾኑ ካህናትን ዲያቆናትን ክምኡ ውን ቡዙሓት ምእመናን ኣብ ዝተሳተፉሉ ኣጋጣሚ፡ ብ 24ን 25ን ሕዳር 2018 ኣብ ቤተክርስቲያን ደብረ-መድሂነኣለም ኦስሎ ኖርወይ ብክብ ዝበለ ስነስርዓት ተኸቢሩ ከምዝወዓለ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ። ብመሰረት `ቲ ሓበሬታ፡ እቲ ጉባኤ ኣብ ርእሲ
ኣብ ቴልኣቪቭ፡ ሲልቫና ጸጋይ ኣብ ልዕሊ ዝተባህለት ጓል 12 ዓመት ኤርትራዊት ትሕቲ ዕድመ ደላይት ዑቕባ ቅትለት ድሕሪ ምፍጻሙ ንዝተሰወረ ቀታሊኣ ፖሊስ እስራኤል ኣብ ምንዳዩ ከምዝርከቡ Jerusalem Post ሓቢሩ። እቲ ተሰዊሩ ዘሎ ቀንዲ ጥርጡር መሓዝኣ ዝነበረ ተስፋብርሃን ተስፋጽየን ዝተባህለ ኤርትራዊ ምዃኑ እቲ ጋዜጣ ብተወሳኺ የረድእ። እታ ቆልዓን ኣዲኣን
ኣብ ወጻኢ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ፡ ናይ ኣፍሪቃ ደስክ ዳይረክተር ኣስመራ በጺሑ ምስ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ከምእተራኸበ African News ሓቢሩ። መራሒ ናይቲ ልኡኽ፡ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ዕላማ ናይቲ ምብጻሕ፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተገብረ ርክብ ኣብ ክልቲኤን
ኣሰና ፋውንዴሽን ሓድሽ ቦርድ ዳይረክተራት ከምዘቖመ ብሓጎስ ይገልጽ። እቲ ሸሞንተ ኣባላት ዘለዎ ቦርድ፡ እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ኤርትራ ናጽነት ምግላጽ ሓሳባት ንምዕንባብ ንዘለዎ ዘይሕለል ተልእኾ ንምዕዋት መሪሕ ተራ ምጽዋት ክቕጽል እዩ። ኣቶ ሃብተ ሓጎስ ኣቦ ወንበር ቦርድ ኣሰና ፋውንዴሽን ኮይኑ ከገልግል ተመሪጹ ኣሎ። ቦርድ ኣሰና ፋውንዴሽን፡ ፕሮፌሰር ኣርኣያ