Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Alena 12ሕቡእ ታሪኽ ውልቀ-መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምጅማሩ’ምበር ኣብዚ ግዜ’ዚ ምውድኡ ዝከኣል ኣይኮነን። እቶም ክሳብ ሎሚ ሰሚዕናዮም ዘለና ጉዳያቱ ከኣ ካብ ግምጃ እከይ ተግባራቱ ሓደ ዕሽር ጥራይ ኢዮም፣ ትሽዓተ ዕስሪት (9/10) ድማ ተሪፎሙና ኣለዉ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን።

 

isaiasስርናይ ዝተተለመት ጽግኢ፣ ስርናይ ኢያ እትፈሪ። ክርዳድ ዝተተለመት ቃድራ ድማ ከም ትልማ ክርዳድ። እነሆ’ምበኣር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ቅድሚ 40 ዓመታት ብዝተለሞ ዘርኢ ክርዳድ ንሕና ኤርትራውያን ክርዳድ ፈሪና።

Isaias ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢንተርነት ሎሚ ንመጀመርያ ግዜ እጽሕፍ ኣለኹ። ነቲ ብግዱሳት ዜጋታት ኤርትራ ወትሩ ዝጸሓፍ ዝነበረ ሃገራዊ ትሕዝቶ ዝነበሮን ዘለዎን ጽሑፋት ግን ከየንበብኩዎ ኣይሓለፍኩን። ሎሚ ካብ ምንጋጋ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘምለጥኩሉ ግዜ ከም ህዝበይ ዝከኣለኒ ኣበርክቶ ንክገብር ድማ እጅገይ ሰብሲበ ኣለኹ።