ነዚ በዳህን ዕዙዝን ሕቶ'ዚ፡ ብዕግበትን ብብቕዓትን ንምምላስ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ብውሕዱ ንክልተ ዓበይቲ ነንሓድሕዶም ዝተወሳሰቡ ኣገደስቲ ረቛሒታት ኣድቂቕካ ምምርማር የድሊ። ንሳቶም ከኣ፥ ንኣቀዋውማ መንግስቲ ኤርትራን፣ ንባህሪ ናይቲ መንግስታዊ ስልጣን ንበይኑ ብሒቱ ዝሓዘ ሓይልን (ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ)) ዝምልከቱ ኢዮም። ንኣቀዋውማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እትምርምረሉ፡