Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ነዚ በዳህን ዕዙዝን ሕቶ'ዚ፡ ብዕግበትን ብብቕዓትን ንምምላስ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ብውሕዱ ንክልተ ዓበይቲ ነንሓድሕዶም ዝተወሳሰቡ ኣገደስቲ ረቛሒታት ኣድቂቕካ ምምርማር የድሊ። ንሳቶም ከኣ፥ ንኣቀዋውማ መንግስቲ ኤርትራን፣ ንባህሪ ናይቲ መንግስታዊ ስልጣን ንበይኑ ብሒቱ ዝሓዘ ሓይልን (ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህ.ግ.ሓ.ኤ)) ዝምልከቱ ኢዮም።  ንኣቀዋውማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ እትምርምረሉ፡

READ MORE

ናይ ኤርትራውያን ሽግርና እንታዩ ኢልና እንተሐቲትና እቲ ቀንዲ መልሲ ኣብ ካልእ ከይረሓቕና ተመሊስና ንነብስና ምውካስ ከድሊ ኢዩ። ነቲ ሓቂ ጎሲና ኩሉ ንገብሮን ንሓስቦን ካልኦት እንታይ ክብሉና ኣብ ዝብል ሓሳባት ተመርኩስና ስለዝበዝሕ፣ ባዕልናን ወኒናን ካብ ድሌት ዘመንጨዎ ሓሳባት ወጻኢ ከይፈተና ኣንጻሩ ንሰርሖ ምኻኑ ዘሕዝን ኢዩ። እዚ

READ MORE

ነዛ ኣርእስቲ እዚኣ ክትከታተሉ ዝቐነኹም፡ ብሓፈሻኡ ብዛዕባ እንታይነት ቅዋም፡/Constitution/ ምስ ሕግታትን /Laws/ ኣገባባትን፡/Rules/ ብፍላይ ከኣ ገለ ኣምር ግቡኣትን መሰላትን ዜጋ ሒዝኩም ክትኮኑ እትስፎ። ከምቲ ዝተበሃሃልናዮ እምበኣር ምስ ተመኩሮታትኩም ብምዝማድ እዛ ቅዋም ተተግቢራ እንተትነብርን፡ ብዘይምትግባራ ዝ ሰዓበ ክሳራን መኽሰባትን ብፍላይ ከኣ ንመጻኢ ዝህልዎ ጽልዋን ከተገማድሑ ክኢልኩም

READ MORE

ብመጀመርታ ንሃገርናን ንኩልና ሃገራውያንን ጽቡቕ ምጅማር ጥሉል ዓመት ክገብረልና እምነ! ዓመተ ለውጢ፡ ዓመተጽንዓትን ዓወትን፡ ብሓፈሻ ድማ መሓውርናን መንፈስናን ዝዕቀበሉን ዝረግኣሉን ዓመት ይግበረልና፡ ኣሜን!! ከም ርዱእ ሃገራዊ ቅዋምና መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ቃልሲ እንከለና ከም ከብዲ ኢድና ዘጽናዕናዮ ብ“ፕሮገራም“ ዝተ  ሰመየ ጥርኑፉ ዕላማ ቃልስና ዝገለጸ ሰነድ ሰውራ ኢዩ።

READ MORE

ኩሉ ወለዶ ነናቱ ታሪኻዊ እዋናት አለዎ። እቲ ታሪኻዊ እዋን ዘብሎ ናይ ባዕሉ ፍልይ ዝበለ መለክዕን መመዘንን ረቓሒታት ስለዝህልዮ፣ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብቑሩብ ወይ ከአ ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ ተረእዮታት ከመዝግብ ከሎ እዩ። እስኪ ቅድሚ ዕሙቕ ኢልና ምእታውና እቲ ሐደ ወለዶ ዝበሃል ብልሚዲ ስለዝኾነ፣ ናብ ሐደ ብዕድመ

READ MORE

መጀመርያ ህዝቢ ኤርትራ እንቋዕ ኣሓጎሰካ፡ እንቋዕ ከኣ ኣሓጎሰና ክብል እፈቱ። እዚ ዓወት’ዚ ብርግጽ ንውጹዕ ሀዝቢ ኤርትራ ዮሃና ንህግደፋውያን ድማ መርድእ ኢዩ። እወ! ሕጂ’ውን ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ እንድሕሪ ተኣኪቡ ከምቲ ጸላእቱ ዝምነይዎ ዘይኮነስ ከይተሰማምዐ ኣይወጽእን ኢዩ። እወ! ንመጀመርያ ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ኣይወክል እምበር ብከፊል ብህዝቢ ዝተመርጸ

READ MORE

ኩሉ ከምዝፈልጦ እቲ ብክኢላታትን ዓበይቲ ዓድን ንክልተ ዓመታት ዝኣኽል ግቡእ መጽናዕትታትን ምርምርን ተ ኻይድዎ ኣብ ጉንቦት 23—1997 ዝጸደቐ ቅዋም፡ ዝበዝሐ ዓንቀጻቱ ሃገራውን ንውልቀ-ምልኪ ዘየፍቅድን ምንባሩ ክጥቀስ ይከኣል። ገለ ኣብነታትን ሕመረት ምኽንያት መንጸግትን ድማ ከምዚ ዝስዕቡ ነይሮም፡- ዓ/ጽ 39፡ 1= ፕረሲደንት መራሕ ሃገርን መንግስትን ፡ ላዕለዋይ ኣዛዚ

READ MORE

በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ግዳያት ሲናይ ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ባርባራዊ ግፍዒ፡ሕልንኡ ዘይተተንከፈ ሰብኣዊ ዝዀነ ሃገራዊ ዜጋ ስለዘየለ፡ ምእንቲ ወጽዓ ናይ ዞምንጹሃት ክቕላዕን በደልቶም ብሕጊ ክቕጽዑን መሪር ኣውያቶም ናብ መላእ ዓለም ክቃላሕ ነፍስወከፍ ብኤርትራውነቱ ዝሕበንን ዝቚርቈርን ዜጋ፡ በብዘሎዎ እጃሙ ከበርክት ሰብኣዊ ግዴታ ጥራይ ዘይኰነ ብዓቢኡ ሃገራዊ ሓላፍነት

READ MORE

ነገር ለውጥን ዓቀላላዕን ዘምጽኦ እንድዩ፡ እዚ መዕለበጢ ግዜ ከይወሓጠና ኣይተረፈን።። ሰሚዕኩሞ ከምእትኾኑ ሎሚ ቅነ ኣብ ኣስመራ ናይ ይምሰል ማእሰርቲ ናይ ገለገለ ኣብዛ ከተማና ኮይኖም መናገፊ ህይወት ናይ ኣብ ሲና ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ገንዘብ ክቕበሉ ዝጸንሑ ካድረታት ህግደፍ ከምእተኻየደ፡፡ ብፍላይ ከኣ ኣተሓሕዛ ናይቲ ጉዳይን መግለጺ መንግስትናን ኣስደሚምና

READ MORE

ኣብ እስራኤል (11-25-11) ኣብ ቅድሚ ኣመሪካን አምባሲ ኣብ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ፣ “ወዲ መድህን በራድ” ትብል ሓረግ ብተደጋጋሚ ትስማዕ ኔራ። ብሸለልትነት ወይ ድማ ብስምዒት ዝሞሉቕ ከምኡ ዓይነት ኣበሃህላ’ሲ፣ ነቲ ዝተሓስበ ዕላማ ከሰናኽል እንተዘይኮይኑ ረብሓ’ብሉን’ሞ፣ ሃየ ደኣ ካብ ታሪኽ እቲ ዝጠቅም-ዝጠቅም ጥራይ መሪጽና እንዳተማላእና ንቕድሚት ምጥማት ኣይንሕመቕ።

READ MORE

እቲ ሓቂ ብልምዲ ዝግበር ለውጢ የለን። ለውጢ ዝግበር ነቲ ዝነበረ ልምዲ ብምፍራስ፥ ብሓዲሽ መልክዕ ምትካእን ብቓልሲ ዝረጋገጽ ግብራዊ ጥራይ ኢዩ። ናይ ተበላጽነት ቃልሲ ክሳብ ሕጂ ንህዝብናን፤ ብፍላይ ንመንእስያት ኤርትራ ኣዝዩ ሃስዩ፤ ክንዲ ንቕድሚት ንድሕሪት ክጉትተና ጸኒሑ። ንሱ ኸአ ድነነለይ እሞ ክውጣሓካ ዝለመዱ፣ ነበር ካድረታትን ተዋሳእትን፣

READ MORE

እቱይ ብሞት ዝተፈልየን፡ ገና ዘይሞተን ብምንታይ ይፈላለዩ ዝብል ሕቶ፣ ብሓጺር ክምለስ ይከአል ይመስል። እንተኾነ ግና ሙዉት ዝተቐብረን ተስካሩ ዝተብልዓሉ፡ ቤተሰቡን ሃገርን ዝቐብጾ፥ ዝተፋነወን ንቡር ዝተፈጸመሉን ዕድለኛ ፍጡር ኢዩ። እቱይ ከይሞተ ሞይቱ፡ ናይ ባዕሉ ተስካር ዕለታዊ ዝምገብ ግና እቲ ብጣዕሚ ዘሕዝን ፍጡር ኢዩ። እዚይ ከም ሰብ

READ MORE

ከመይ ቀኒኹም ክቡራት ደቂ ኤርትራ ብፍላይ’ዃ መንእሰያት። ሎሚቅነ ጉዳም ፋምጣጥ ይፍኖ ኣሎ ኣብ ቲቪ ኤረይ። ኣብ ወጻኢ ዝተላእከት ጉጅለ ኣሰር ድሙቕ ምርኢት ተርኢ ኣላ። ኣውራ ከኣ ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ጎብለላት ኣፍሪቃ ምዃኖም ኣመስኪሮም። እወ ፡ ወዲ ኤርትራ ድኣ ብዓንተቦኡ ጎብለል። እዚ ዓወት’ዚ ግን ከመይ ኢሉ ኢዩ

READ MORE

ልክዕ’ዩ ዓዲታት ሰጊርና ድዩ ቀላያት ጥሒስና አብ ድላይና ምስበጻሕና፣ አብ ድላይና ክብል እንከለኹ ከምቲ ንሕና ንሓስቦ ማለት እዩ፡፡ አይኮነን ግን ድሌት ወዲ ሰብ ዓቐንን ዶብን የብሉን፡፡ በዚ ናይ ዘመና መለከዒ ግን፣ ንዓና ኤርትራውያን፣ አብ ድሌትካ ምብጻሕ ማለት፣ አውሮጳን አመሪካን ወይ ካአ  ክንዮኡ ሓሊፍካ ንስካንድናቪያን ንአውስራልያን

READ MORE

ከመይ ቀኒኹም ብስኒትን ሰላምን ሃገርና ትግደሱ ኩሉኹም። ኣብ ካልኣይ ክፋል መንዩ ፈላላይ ብዝኣተናዮ ቃል ኣኽቢርና መጺናኩም። ሓርበኛ ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም  ሱልጣን ብኣጋጣሚ ካልኣይን ሓድነታዊ ጉባኤ ኣብ 1987 ዓ.ም ዝሰደዱዎ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ካብ ኣእምሮ ናይ ሰማዒ ይሃስስ ማለት ዘይሕሰብ እዩ። ለበዋ ናይ ክቡር ፈታዊ ህዝቡን

READ MORE

ሰመረ ዓርከይ፡ ብዛዕባ ሊቢያስባ ቅንጣብ  ነገር ኣይተዛረብካንን። ብዛዕባ ኣመሪካን ተግባራታን ክገዓር እናተዋዕለ ስደተኛታት መንእሰያትና ድኣ ከይቅየሙልና’ምበር፡ ቃዛፊ ዝኣክል ኣቦ ኣፍሪቃን ፈታው ኤርትራን ብግህዶ ክዕመጽ እናተራእየ ድምጽኻ ምህጣሙ እንታይ ንበሎ? ጻልጣ ጥልመት ድዩ ዋላስ ኣብቲ ጉዳይ ኢድ ኣጽኒሕና ኮይንና? ክልቲኡ እንተዘይኮይኑኽ መልኣከ-ሞት ዶኽን ተቐልቂሉ? መልኣከሞት ግናይ

READ MORE

ከምቲ ኣብ ማዕከናት ዜና ኪቓላሕ ዚቐነየ፡ኣብታ ርአሰ-ከተማ ኢትዮጰያ ዝኾነት አዲስ ኣበባ፡ ዝተፈላለየ ሞያን ድሕረ ባይታንዘሎዎም ኤርትራዉያን፡ ዓዉደ መጽናዕቲ ኣካይዶም ነይሮም፡፡ ኣብዚ ዓውደ -መጽናዕቲ ከኣ ተሳቲፈ ነይረ፡፡ ነዚ መድረኽ እዚ ዝፈጠረ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሸን ንዲሞክራሲያዊ ለዉጢድማ ነቲ መደብ ኣወሃሂዱ፡፡ ሓፈሻዊ ዕላማ ናይዚ ዓዉደ-መጽናዕቲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ

READ MORE