Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

pia

መራሒ ኤርትራ ዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ እቲ ካብ መጀመርታ ሰሙን ናይ’ዚ ወርሒ እዚ ጀሚሩ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ቃለመጠይቕ ዝህቦ ዘሎ መልስታት፡ ከምቲ ልሙድ ብሓሶትን ባዶ ዘይጭበጥ ሕልማዊ ውጥናትን ዝተረቕሐ ኮይኑ፡ ንምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ዓይኒ ዘንቁር ሓሶታቱ ህዝቢ ኤርትራ ከይሰምዖ ምእንቲ፡ በቲ ምእዙዝ ኣገልጋሊኡ ዝኾነ ሚኒስትሪ ፕሮፖጋንዳ ተመሪጹን ተቘንጪሉን ንሃልኪ ውሽጢ ይቐርብ ከምዘሎ ምንጪታት ሚኒስትሪ ዜና ኣፍሊጦም። 

Somalia

ሓደ ካብ መራሕቲ ናይቲ “ኣሸባብ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ጸብለልትነት ብምርኣይ ‘ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ገልቢጡ ንሶማል ዳግም ክቆጻጸራ ‘ዩ’ ተባሂሉ ዝንገረሉ ዘሎ እስላማዊ ምንቅስቓስ፡ ወጻእተኛታት ተዋጋእቲ ኣብ ጎድኑ ተሰሊፎም ኣብቲ ዳግም ዝተባርዐ ውግኣት ሶማል ይሳተፉ ከምዘለዉ እናተሓበነ ከምዝተኣመነ ‘ደይሊ ኔሽን’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኬንያ ገሊጻ።

 ህዝቢ ኤርትራ ብሓያል ቃልስን ብመስዋእቲ ብሉጻት ዜጋታቱን መሬታዊ ናጽነቱ ካብ ዘረጋግጽ ዓሰርተ ሾመንተ ዓመታት ኮይኑ እነሆ ድሮ ጽንብሉ በጺሑ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ንርብዒ ዘመን ተቓሪቡ ዘሎ ዓመታት ግን መብጽዓ ሰማእታት ተጠሊሙ መንፈሳዊ ሓርነት ህዝቢ ተረጊጹ ቁጠባ ሃገር ካብ ጊዜ ባዕዳውያን ገዛእቲ እንከለው ንላዕሊ ንሂሉ ህዝብን ሃገርን ኣብ ንምግላጹ ዘስካሕክሕ ኩነታት ወዲቖም ንርእዮምን ንዕዘቦምን ኣሎና፡፡

ስርዓት ህግደፍ ንኹሎም ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ክሰርሑ ንወጻኢ ሃገራት ልኢኽዎም ዝነበረ ወከልቲ ህግደፍ ኣብ ሓጺር እዋን ኩሉ ሰነዳቶም ጠርኒፎም ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣትዉ መምርሒ ከመሓላልፈሎም ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ምንጭታትና ሓቢሮም።

ብዕለት 7ተ ግንቦት ብሓልዮት ተቛም ሰላምን ፍትሕን ኣካል ዩኒቨርሲቲ ሳንድያጎ (Institute of Peace and Justice in University of San Diego) ዝተዳለወ ሰሚናር ናይ መሰል ደቒ ሰባት ተጣበቕቲ (Human Rights Watch) ሰለስተ ተቓለስቲ ግዱሳት ኤርትራውያን ተሳቲፎም። እቶም ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ክፍለ ዓንደ (ኣባል ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቕስቓስ)፤ ገብረሂወት (ጎነይ) (ኣባል ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰብ ኣብ ሳንድያጎ)ን ረዘነ ገ.ሚካኤል (ኣቦ ወንበር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ሰሜን ኣመሪካን) እዮም።

villages

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብጽኑዕ ሓለዋ ተሰንዩ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ብምኻድ፡ ካብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ከበሳ ህዝቢ ኣፈናቒሉ ንምግዓዝ መዲቡሉ ዘሎ ከባቢ ዓሊግድርን ፋንኮን ገርሰትን ተዘዋዊሩ ከምዝተዓዘበ ብምምልካት፡ እቲ ናይ ምፍንቃል መደባት ንኽቃላጠፍ ተሪር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ከምዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም።

Redbeeውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንመንገዲ ኣየር ኤርትራ ኣልሚሱ በታ ውልቃዊ ንብረቱ ዝኾነትን ኣብ ምጽዋዕ ዝመደበራን ናስ ኣየር ዝተባሃለት መንገዲ ኣየር ተኪእዋ። በዚ መሰረት እዚ ካብ ዕለት 19 ሚያዝያ 2009 ጀሚሩ መንገዲ ኣየር ኤርትራ ንፍርንክፈርትን ኣምስተርዳምን ተካይዶ ግዕዞ ከምዘቋረጸቶን እቶም ሰራሕተኛታት ድማ ገለ ኣብ ወጻኢ ዑቕባ ይሓቱ ገለ ድማ ናብ ናስ ኣየር ተሰጋጊሮም ኣለዉ።

eriእቲ ንኤርትራ ምስ ህግደፍ፡ ንኤርትራዊ ዜግነት ከኣ ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ኣዳሪጉ ዝርኢ፡ ሃገር እናጥፍአ ብስም ሃገራውነት ክሽቅጥ ዝነብር ስርዓት ህግደፍ፡ ካብቲ ንሱ ዝወደቦ ደገፍቱ ጥራይ ዝሳተፉዎ ጽምብል ናጽነት ወጻኢ ብኻልኦት ሃገራውያን ንዝካየድ በዓል ናጽነት፡ “ ናይ ምምቕቓል” ካኼባ ምዃኑ ብምዅናን፡ ኤርትራውያን ከይሳተፉዎ ከምዝወገዘ፡ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ብዝዘርግሖ ደብዳበ ተረጋጊጹ።

ከም ኣብነት ናይዚ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ናብ ሽማግለ ብዓላት ኣትላንታ ዝለኣኾ ደብዳበ ተመልከቱ።

pia

ካብ ቻይና ናብ ሆንግኮንግ ዝተመሓላለፈ ቼክ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰናን ካልኦት መርበባትን ድሕሪ ምዝርግሑ ዝሰንበደ ፕረዚደንት ኢስያስ፡ እቲ ዜና ምስ ተቓልሐ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ህግደፍን ጥቡቕ ምቁጽጻር ንኽካየድ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

somalia

ሚኒስተር ጸጥታ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዑመር ሓሺ ኣደን ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ኣጽዋር ዝጸዓነት ናይ ኤርትራ ነፋሪት ብላድ-ዶግለ ኣብ ዝብሃል ካብ መቓድሾ 100 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ታሕተዋይ ሸበሌ ኣብ ዝርከብ  መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝዓለበት ብምጥቃስ፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሶማል ጣልቃ ብምእታዉ ከምዝኸሰሶ፡ APA ዝተባህለ ናይ ኣፍሪቃ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ከባቢ ፖርትስሚዝ፡ Haslar፡ ኣብ ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ 5 ኤርትራውያን መንእሰያት ብግዴታ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ሓደጋ የንጸላልዮም ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ሲቪካውያን ማሕበራት፣ ተቓወምቲ ውድባትን ግዱሳት ወልቀሰባትን ናብ ኤርትራ ካብ ምምላስ ከናግፉዎም ብጥብቂ ኣተሓሳሲቦም።

Dolar

ኣብቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መጀመርያ ኣዋርሕ ናይ 2001 ንላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ንኣዘዘቲ ሰራዊት ዘመሓላለፎ  “ምስ ዝመስለኩም ኣካል ተሓባቢርኩም ቁጠባዊ ትሕዝቶኹም ኣደልድሉ“ ዝብል ስቱር መምርሒ ብምምርኳስ፡ ንውልቃዊ ረብሕኡ ዝተወናጨፈን ድልዱል ሃብቲ ዘኻዕበተን፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ወታሃደራዊ መራሕቲ ኤርትራ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ከምዝኾነ ምንጭታት ካብ ኣሰመራ ሓቢሮም።

isu

ትማሊ 28 ሚያዝያ ዝተሓትመት ኣፈኛ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ ዝኾነት ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ፡ “ኣብ ስዊዘርላንድ ተዓጊቱ ዝርከብ ንሰብ ስልጣን ናይጀርያ ዝተዋህበ ናይ 150 ሚልዮን ዶላር ጉቦ ናብ ናይጀርያ ክምለስ ከምዝኽእል ሰበ ስልጣን ስዊዘርላንድ ኣፍሊጦም፣ ሃሊበርተን ዝተባህለ ትካል ናይ 6 ቢልዮን ዶላር ጨረታ ወፍሪ ምእንቲ ክዕወት ንሰበ ስልጣን ናይጀርያ 180 ሚልዮን ዶላር ብላዕ ዓዲሉ ምንባሩ ‘ውን ብልሽውና ብእተጻሪ ሽማግለ ከም እተኸሸሐ ይፍለጥ፣” ክትብል ኣብ ዜናዊ ዓምድታታ ኣስፊራ።

YPFDJ

ኣብ ወጻኢ ብዝያዳ ኸኣ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝመደበረን ኤርትራውያን ሲቪካውያንን ናይ ምትሕግጋዝን ማሕበራት፡ ናይ ሕጊ ክኢላታትን ግዱሳት ወልቀሰባትን ተሓባቢሮም፡ ነተን ዲፕሎማስያዊ ውሕስነት ተጠቐመን፡ ብግብሪ ግን መሓውር ብልሽውናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነትን ኤርትዊ መበቆል ዘለዎም ዜግታት ኮይነን፡ እኩይ ተልእኾ ኣብ ምትግባር ተዋፊረን ዘለዋ ኣበየ ሃገሩ ዝርከባ ኤምባሲታት ስርዓት ህግደፍ ክስታት መስሪቶም ኣብ ቅድም ሕጊ ከቕርቡወን ኣሰና ሚድያ ፋውንዴሽን ጸዊዑ።

harat

እታ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2006 ናብ ባጽዕ መጺኣ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ዝተመረቐት፡ 350 መደቀሲ ክፍልታት ዘለዋ፤ኣብ ሓደ እዋን 2800 ገያሾ ከተእንግድ እትኽእል፤ኣብ ዝባና እውን ሄሊኮፕተር እተዕልብ ምዃና ዝተነግረላ ናይ መጓዕዝያ መርከብ፡ ዋላ እኳ ዞባዊ መገሻታት ናብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ሃገራዊ መገሻታት ድማ ናብ ዓሰብ ክትገብር ምዃናን፡ ስርሓ ካብ ጂዳ ናብ ባጽዕ ብእትገብሮ ጉዕዞ ከምትፍልሞን ተሓቢሩ እንተነበረ፡ ብኣግኡ ከምዝተሰወረት ምንጪታት ውሽጢ ኣረጋጊጾም።

yemane

ኣብ ውሽጢ፡ እንተላይ ኣብ ወጻኢ ብዝነብር ህዝቢ ኤርትራ መንነቱ እናተፈልጠን እናተኻዕበን ዝመጸ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብልቢ ዝቐርቦን ከም ናይ ቀደም ዝምእዘዞን ብምስኣኑ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣተኲሩሉ ዘሎ ዕዮ፡ ብናይ ውሽጢ ሃገር ጸገማት ዘይተጸልዉን፡ ንኤርትራ ብመገሻ ጥራይ ዝፈልጥዋን ገርህኛታት ምምልማል ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ጥሜትን ድኽነትን ኣብ ዝሕለበሉ ዘሎ እዋን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ በቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ሓጎስ ገብሪሂወት (ክሻ) ኣቢሉ፡ ካብ ንግድን እንዳስትሪን ቻይና ናብ ፉቦን ባንክ ሆንግ ኮንግ፡ 276,468,220.07 ዶላር ብምትሕልላፍ፡ መሐወሊ ናይ ባንክ 149,292.84 ዶላር ከምዝኸፈለ፡ ነቲ ናይ ምትሕልላፍ ሰነድ ምርኩስ ብምግባር ካብ ከርሲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምንጭታትና ሓቢሮም።

 

 

ብሰንኪ ‘ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኽተሎ ዘሎ ተጻባኢ ስጉምትታን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ኣምባሳደራት ኤምባሲታት ከፊተን ክዓያ ዝጸንሓ ሃገራት ኤምባሲታተን ክዓጽዋ፡ ገሊአን ናብ ቆንስላዊ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ክሓጽሮኦ፡ ገለ ድማ ብተንቀሳቓስቲ ኣምባሳደር ቆንስላዊ ቤት-ጽሕፈተን ከስርሓ መደብ ሒዘን ከም ዘለዋ ንዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓሳት ናይቲ ከባቢ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም።

ኤርትራ ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ንዘለዎም ግብረሽበራውያን ብምሕጋዛ ፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክትወስደላ ከምእትኽእል ኣመሪካ ከምዘጠንቀቐት ቴሌግራፍ ዝተባህለ ጋዜጣ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ።

Cab  Cab 2

ብሃንደበታዊ ጻውዒት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብህጹጽ ዝተጋበአ፡ ካቢኔ ሚኒስተራት፡ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ስሪሒታትን ዝተሳተፉዎ፡ ‘ስሉሳዊ ኣኼባ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣኼባ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ ተመዲቡዎ ዝነበረ፡ ንኻልኣይ መዓልቲ ‘ኳ ከይቀጸለ፡ ስምምዕ ተሳኢኑዎ ፍረ-ኣልቦ ኮይኑ ከምዝተዛዘመ ምንጭታትና ኣፍሊጦም።

abrhaley

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣእሚኑን ኣብ ዜጋታቱ ድርኺት ፈጢሩን ዘይኮነስ፡ ብማእሰርትን ቅትለትን ዘመሓደር ጽዩፍ ስርዓት እዩ። ስልጣኑ ሕጋውነት ስለዘይብሉ፡ ርእሰ ምትእምማን የብሉን፡ ኣብ ቀጻሊ ስግኣት’ዩ ዝነብር። ስለዚ ነቲ ክሳብ ምሉእ ዕድሚኡ ዝምነዮ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሓይልን ኣስገዳድን፡ ብራዕዲ-ሽበራን ምፍርራሕን እዩ ከጻንሖ ዝፍትን። ብሰንኪ እዚ ሕግን ሓሳብሎን ዘይብሉ ሽፍታዊ ኣካይዳ ኸኣ ብዙሕ ገበናት ኣዋህሊሉ ‘ሎ። ጥርዚ ናይዞም ገበናት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ብዝያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ መንእሰያትን ኣባላት ሰራዊትን ብትሕዞ ዝፍጽሞ ናይ ምርሻን ስጉምትን ቅትለትን እዩ።

mendefera

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ መንደፈራ ክሳብ እምኒ ሓይሊ ዘሎ 15 ኪ.ሚ. ዝኸውን መሬት፡ ብዘይካ ጐቦታትን ጀራዲንን ካብ ዋናታቱ ዝዀኑ ሓረስቶት መንዚዑ፡ ባዕሉ ብዝመጽአን ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ትራክቶራት ክሓርሶ ጀሚሩ ኣሎ።

  ኤርትራ – ጭቆና፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ይፈጥር

ዑቕባ ንዝሓተቱ ኤርትራውያን ዘእንግዳ ሃገራት፡ ናብ ኤርትራ ክመልስኦም ኣይግባእን። 

ጋዜጣዊ መግለጺ Human Rights Watch ብዛዕባ ግህሰት መሰላት መንግስቲ ኤርትራ ለንዶን 16 ሚያዝያ 2009 – PDF

ለንደን፡ 16 ሚያዝያ 2009 – መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ናይ ሃውሪ ማእሰርትን ስቅያትን፡ ከምኡ' ውን ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ካብ ጽንኩር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሓሊፉ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ሃገሮም ራሕሪሖም ንኽስደዱ፡ ይገብር ከምዘሎ ህዩማን ራይትስ ዎች በዚ ሎሚ መዓልቲ ዘውጽኦ ጸብጻቡ ገሊጹ።

 

dim

ቀንዲ ልኡኽ ናይቲ ‘ብሃይማኖታዊ ጉዳያት” ዝፍለጥ መፍላቒ መሓውር ሃይማኖታዊ ናጽነት ህግደፍ ብምዃን፡ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ከምዘራኸሰ ዝንገረሉ ይፍታሄ ዲሜጥሮስ፡ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ከቢድ መጠንቀቕታ ዝሓዘ ደብዳበ ካብ ዝገድፉሉ ንደሓር፡ ብጽኑዕ ሓለዋ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይታ ብበይንኣዊ መንገዲ ሃገርነት ዝኣወጀት ሶማሊ-ላንድ፡ ኤርትራ ንጉዳይ ስርዓቱ ብዝምልከት ንዝዘርግሓቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ብጣልቃነት ብምቅዋም፡ ተሪር ወቒሳ ዝሓዘ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ።

CON

113 ኤርትራውያን መሃንድሳትን ጆመትራታትን ቀየስትን “ግብሪ ብግቡእ ኣይከፈልኩምን“ ዝብል ክሲ ተመስሪቱሎም ጉዳዮም ን2 ዓመት ዝኣክል ተንጠልጢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሰኑይ 6 ሚያዝያ 2009 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝውዓለ መጋበእያ ፍሉይ ቤት ፍርዲ፡ ንኹሎም ክሱሳት ጸዊዑ ኣብ ዘመሓላለፎ ጃምላዊ ፍርዲ ንነብሲ ወከፎም ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 130 ሽሕ ዝበጽሕ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ሽዑ ንሽዑ ክኽፍሉ ከምዝበየነሎም ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እቶም ሽዑ ዝኸፈሉ 86 ሞያውያን ብዋሕስ ክፍትሑ ከለው፡ እቶም ዝተረፉ ደቀንስትዮን ኣደ ቆልዑን ስንኩላንን ዝርከብዎም 27 ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጕኖም ኣለው።

edp

መሪሕነታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ሓባራዊ ኣኼባኡ ብዕለት 11 ሚያዝያ 2009 ኣብ ከተማ ፍራንክፈርት ጀሚሩ። ኣብ’ዚ ብብጾት መስፍን ሓጐስን ወልደሱስ ዓማር፡  ኣቦ መንበራት ላዕለዋይ ሓባራዊ ኣውሃሃዲ ኣካል ዝተመርሐ፡ 16 ኣባላት መሪሕነት ናይ ክልቲኡ ሰልፍታት ዝተሳተፍዎ ኣኼባ’ዚ፡ ሓፈሻዊ መእተዊ ብዛዕባ ክልቲኡ ሰልፍታት ዝሓለፎ መስርሕ ናይ ሓድነትን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን መግለጺ ቀሪቡ።

asmeraኣብዚ ሰሙን ‘ዚ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቶም ሕሱም ጥምየት ምኽኣል ስኢኖም ካብ ዓዲ ናብ ኣስመራ ኣትዮም ኣብ ፈቖዶ ኣብያተ ክርስትያናትን ጎደናታትን ዝልምኑ ዝነበሩ መሳኪን ግዳያት ጥምየት፡ ኡይ እናበሉ ንጉሆ ንጉሆ ገፊፉ ምስ ደቆም ናብ ጋሽባርካ ከግዕም ቀንዩ።

NKFባጤራ ናቕፋ ብፍላይ ካብዚ ቐረባ እዋት ጀሚሩ ኣዝዩ ብምንቍልቋል፡ ኣብ ጸሊም- ዕዳጋ ብመንጽር ሓደ ዶላር 44 ናቕፋ፡ ብመንጽር ሓደ ፓውንድ ስተርሊን ከኣ 53 ናቕፋ ይሽረፍ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

mesfn

ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣቦ ወንበሩ ዝነበረ መስፍን ሓጎስ ንዘቕረቦ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ሕቶ ብምቕባል ንኣቶ ተስፋሚካኤል የውሃንስ ከም ኣቦ ወንበር ሰልፊ ከምዝተከኦ ሎሚ 9 ሚያዝያ 2009 ኣብ ዝለኣኾ ጋዜጣ መግለጺ ሓቢሩ።

China

ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝዘመቶ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣዋፊሩ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ወነንቲ ብርክታት ቻይናዊት ትካል ጊሊ ኣወቶሞቢል ሆልዲንግ ክኸውን ዝበቕዐ ፕረሲደንት ኢሰያስ፡ ሽወደናዊት ትካል መፍረ-መካይን ቮልቮ፡ ምስታ ቻይናዊት ትካል ኣብ ዝገበረቶ ውዕል ቢዝነስ፡ ገንዘቡ ኣብ ናይ ምዕራባውያን ትካላት እንተዋፊሩ ውሕስነት ከምዘይብሉ ብምግላጽ ዕቃበታት ብሰንኪ ምርኣዩ፡ እታ ቻይናዊት ትካል ነቲ መስርሕ ውዕል ስለዝሰረዘቶ፡ በዚ ኸኣ ሽወደን ከምዝተቖጥዐት ምንጭታትና ሓቢሮም።

LMሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ውልቀመለኽቲ ስርዓታት ኣፍሪቃ ኮይኑ ንህዝቢ ኤርትራ ዘሳቒ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብዚ ዓመት’ዚ ጀሚሩ ክሳብ 2013 ዝኽፈል ናይ 120 ሚልዮን ይሮ ሓገዝ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክቕበል ምዃኑEuropeanVoice.com ዝብሃል ናይቲ ሕብረት መርበብ ኢንተርነት ኣፍሊጡ።

Cabin

‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ብወዛ ሚኒስተራት ከካይድ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብ4 መጋቢት 2009 ንዘመሓላለፈቶ ዜና ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሎሚ  ካብ ካምፓላ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣረጋጊጹዎ።

Frፍረደሪክ ማልም ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ሽወደን፡ "እቶም ንዲፕሎማስያዊ ስራሕ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ንዝቕመጡ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ሽወደናውያን ግብሪ የኽፍሉ እንተሃልዮም፡ ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም። ኣብ ሽወደን፡ ግብሪ ናይ ምእካብ ስራሕ ናይ ሃገረ-ሽወደን ዕማም ጥራይ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ፡ Stockholm News ዝተባህለ መርበብ ኢንተርነት ኣፍሊጡ።

Draughtካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ዝተላእከ ስቱር ደብዳቤ ብዘቕረቦ ናይ “ወርሒ ጥቅምቲ-ሕዳር-ታሕሳስ 2008፡ ርብዒ-ዓመታዊ ጸብጻብ“ መሰረት፡ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ፡ ብጥሜትን ፈውሲ ነቐዝ ተነስኒስዎ ዝተበላሸወ እኽሊ ብምብላዕን፡ ኣብ ኤርትራ ሃገርና፡ 2173 ሰባት ከምዝሞቱ ምንጭታትና ካብ ከርሲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ሓቢሮም።

ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ዝተላእከ ስቱር ደብዳቤ ብዘቕረቦ ናይ “ወርሒ ጥቅምቲ-ሕዳር-ታሕሳስ 2008፡ ርብዒ-ዓመታዊ ጸብጻብ“ መሰረት፡ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ፡ ብጥሜትን ፈውሲ ነቐዝ ተነስኒስዎ ዝተበላሸወ እኽሊ ብምብላዕን፡ ኣብ ኤርትራ ሃገርና፡ 2173 ሰባት ከምዝሞቱ ምንጭታትና ካብ ከርሲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ሓቢሮም።