Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

refugees

ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሶም ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢውሮጳ ክሳገሩ ዝፈተኑ፡ ዓረባውን ኣፍሪቃውን መበቆል ዘለዎም ልዕሊ 200 ስደተኛታት ጃላቡኦም ድሕሪ ምጥሓለን ሃለዋቶም ኣብ ኣጣራጣሪ ኩነታት ወዲቑ ከምዘሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣቃሊሐን።

ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ካብ ኢራን ዝተበገሰ ኣጽዋር ናብ ሓማስ ከሰጋግሩ ኣብ ዶብ ሱዳንን ምስርን ብደብዳብ ኣየር ዝተቐትሉ ሓደ ኮለኔል ዝርከቦም ህግደፍ ናብ ጥፍኣት ዝለኣኾም መኮንናት ኤርትራ።  (ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ዝለኣኹዎ)

ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ሰበስልጣን ‘ታ ሃገር፡ እቲ ብ ’ሪቮሉሺናሪ ጋርድ’ ዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ሰራዊት እስላማዊ ሪፓብሊክ ኢራን፡ ኣብ ገማግም ቀይሕባሕሪ ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበር ንምምስራት ልኡኹ ናብ ኤርትራ ከምዝሰደደ ብምጥቃስ፡ ኢራን ኣብታ ንነዊሕ እዋን መሓዛ እስራኤል ኮይና ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ወተሃደራዊ ህላወ ክትምስርት ጀሚራ ምህላዋ ከምዝገለጹ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ብዕለት 12 ጥሪ 2009 01፡36 ወጋሕታ ኣብ ጥቓ ዶብ ሱዳንን ግብጽን ዝተኻየደ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ጸይቀ ዕሉል ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ምኽትል ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ) ዝኾነ ኮሎኔል ኣፎወርቂ ሞሳዝጊ ዝርከቦም 6 ሜጀራትን 2 ካፒተናትን ከም ዝተቐትሉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ ደረት ዘይብሉ ሕሱም ግፍዒ ምስቲ ኣብ ሃገርና ጽተፈጸመ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ገበን ክወዳደር ከሎ ፍጹም መዘና የብሉን። ነዚ ምልካዊ ምሕደራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዝበሃል ኣምር ትርጉም የብሉን።

isuኣብ ኤርትራ ዝርከባ፡ ኣሽሓት ሰራዊት ዝሓቖፋን፡ ጌና ሕጂ ‘ውን ኣብ ምምልማል ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ቀንዲ ዕላማአንን ዕለታዊ ምንቅስቓሰንን፡ ኣንጻር ኢሳያስ ዝኾነ ይኹን ውሽጣዊ ተቓውሞ ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ዘራይ ብምእታው፡ ነቲ ምልዕዓል ብምጭፍላቕ፡ ዕድመ ስልጣኑ ምንዋሕ ምዃኑ ሓደ ስመይ ይተዓቀበለይ ዝበለ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣባል መሪሕነት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንምንጭታትና ሓቢሩ።

Massawaሓላፊ ክፍሊ ፋይናንሳያዊ ጉዳያት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾነ፡ ናይ ቁጠባ ምሁር፡ ፍስሃ ወልደዳዊት ብዕለት 19 መጋቢት 2009 ኣብ ባጽዕ ብትእዛዝ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከምዝተቐትለ ምንጭታት ሓቢሮም፡፡

ኣብቲ ፕረዚደንት በሽር ኣስመራ ዝበጽሓሉ መዓልቲ፡ ማለት ሰኑይ 23 መጋቢት ኩሎም ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣስመራ ትምህርቶም ኣቋሪጾም፡ ስነስርዓት ኣቀባብላ በሽር ንምድማቕ፡ ተገዲዶም፡ ጸሓይ ቀራዕ ክብሉ ከምዝወዓሉ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

piaዓለማዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ኪቐርብ ዝወሰነሉ መራሒ ሱዳን ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር፡ ሎሚ ሰኑይ 23 መጋቢት ናብ ኤርትራ በጺሑ።

‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ብ19 መጋቢት ምስ ልኡኽ መንግስቲ ሊብያ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ህግደፍን ሰውራ ሊብያን ‘ዲሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ’ ዝቴማኡ ኣህጉራዊ ዋዕላ ኣብ ኣስመራ ከካይዱ ብዛዕባ ኣዋዲዶሞ ዘለዉ ውጥን ከምዝተዘራረቡ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ስርዓት ገሊጻ።

ስርዓት ህግደፍ 80ታት ዝዕድሚኦም ሰለስተ ኣረጋውያን ኣመንቲ ክርስትና ካብ ወተሃደራዊ ቤትማእሰርቲ ከምዝፈትሐ ‘ቦስ ኒው ላይፍ’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ፡ ተጣበቕቲ መሰል እምነት ክርስትና ንዝሃቡዎ መረዳእታ ብምጥቃስ ኣፍሊጡ።

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኦደድ በን-ሃይም “ኤርትራ ንመስርሕ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተበርዕን ትፍትን፡ ዑቕባ ግብረሽበራውያን ጉጅለታት ኮይና ‘ውን ትርከብ ‘ላ” ብምባል ከምዝኸሰሰ፡ World War 4 Report ዝተባህለ መርበብ ሓቢሩ።

fiatከም ውጽኢት ናይዚ ስጉምቲ ‘ዚ፡ እቲ ስርዓት ሰራዊት ኣዋፊሩ ንኹለን ናይ ዘይመንግስታውያን ማሕበራት፡ ማለት ኮድ 4 ናእሽቱን ዓበይትን መካይን ድሮ ኣኪቡወን ከምዘሎ እቲ ሓበሬታ የረድእ። ካብዚ ቐጺሉ ነተን ብኮድ 3 ዝንቀሳቐሳ፡ ናይ ትካላት ተሽከርከርቲ ኣብ መፈተሺ ንቝጣታት ደው ብምባል ክእክብን ጀሚሩ ምህላዉ ተፈሊጡ።

Prisonብ 10 መጋቢት ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓደ ቤትማእሰርቲ ሓደ እሱር ካብ ዋርድያ ብረት መንዚዑ ብዝፈነዎ ኣድራጋ ቶኽሲ: ነቲ ተረኛ ዝነበረ ዋርድያ፡ ካልኦት 3 እሱራት፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንነብሱ፡ ብድምር 5 ትንፋስ ከምዘሕለፈ ምንጭታት ሓቢሮም።

 tewahdo ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሙሉእ ኤርትራ ዝርከባ 22 ገዳማት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ንብረተን ዝኾነ ጥንታውን ታሪኻውን ቅርስታት ብምህጋር፡ ነተን ገዳማት ናብ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ኣብያተ ማእሰርትን ክቕይረን መዲቡ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሩ።

asmeraስርዓት ህግደፍ ቆጸራ ህዝቢ ብዝብል ምስምስ ኣብ ኣስመራ ገዛ ገዛ እናኣተወ  ወግዓዊ ተፍትሽ የካይድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ ነቲ ብጽኑዕ ሓሚሙ ዘሎ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ብምትካእ፡ ጸሓፊ ህግደፍ ክኸውን ተመዲቡ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ኣብ ክንድኡ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሰ ሚኒስትር ምክልኻል ኮይኑ ክምደብ ከሎ፡ ሜጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ከምኡ’ውን ሜጀር ጀነርል ዑመር ጠዊል ከኣ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ተወዚዖም፡ ዳርጋ ድስኩላት ከምዝኾኑ ንምግባሮም ተወጢኑ ከምዘሎ ይንገር።

ስርዓት ህግደፍ፡ ሃይማኖታዊ እምነቶም ምኽሓድ ንዝኣበዩ ሰለስተ ኣመንቲ ክርስትና ግዳይ ሞት ከምዝገበሮም፡ Christian Today ዝበሃል ማዕከን ሓበሬታ፡ International Christian Concern (ICC) ንዘቕረቦ ጸብጻብ ብምውካስ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳ ኣብ ናይ ህግደፍ ሕሳብ ባንክ ዝርከብ ገንዘብ ናይ ውልቀ ኤርትራውያንን ማሕበረ-ሰባትን ክሰሓብ ተወሲኑ፣

bond“ቦንድ“ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ፡ ኣብ ማይሑጻን ዓዲኣቤቶን ሰንበልን ሓዝሓዝን ማይተመናይን ዝርከብ ኣብ ወጻኢ ንዝነብሩ ኤርትራውያን መንበሪ ኣባይቲ ንከሰርሑ ዝተዋህበ መሬት፣ ክሳብ ሎሚ ስለዘይተዛዘመን፣ ሓዲግ መዲግ ስለዝተረፈን፡ ብመንግስቲ ክጻፈፍ ተባሂሉ ንዝወጸ መምርሒ ድማ ጸማም እዝኒ ስለዝተዋህቦን፡ እቲ ኣባይቲ ኣብዚ ጊዜዚ በጺሕዎ ዝርከብ ደረጃ-ፍጻሜ ብዘየገድስ ፣ ካብ ውልቀወነንቲ ተወሲዱ ኣብ ኢድ መንግስቲ ንክኣቱ፣ እቲ ክሳብ ሎሚ ወነንቲ-ኣባይቲ ዘውጽእዎ ናይ ህንጻ ወጻኢታት ድማ ብሚኒስትሪ ህንጻ ተተሚኑን ተገምጊሙን ካሕሳ ክወሃቦም ከምዝተወሰነ፡  ካብ ኣስመራ ምንጭታትና ሓቢሮም፡፡

piaስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እናዓጀቡ ኸለዉ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝሞቱ ኣርባዕተ ሓለዋ፡ ‘ቦዲጋርድስ’ ትማሊ ቀዳም 7 መጋቢት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተፈጺሙ።

piaኣርባዕተ ሓለዋ (ቦዲጋርድስ) ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብሓደጋ መኪና ኣብ ጋሽ ባርካ ከምዝሞቱ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ፕረሲደንት ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ወሰን ኢልካ ናይ ምጽናት መደብ ዝተተሓሓዞ ይመስል።

piaኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ኣንጻር ገበነኛታት፡ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ዳርፉር ብዝፈጸሞ ገበናት ‘ኵናትን ጸረ ሰብኣውነትን ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ናይ ማእሰርቲ ፍቓድ ከምዝሃበ ሎሚ 4 መጋቢት 2009 ኣብ ዘ ሄግ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

hr ዝብሃል ዓቢ መንግስታዊ ሚድያ ጀርመን ነቲ ኣብ ፍርናክፈርት ብኤርትራውያን ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ዝገበረሉ ናይ ቴለቭዥን ሸፈነ ተመልከቱ።

READ MORE

መብዛሕትኦም ኣብ ከረን ዝዓዩ ዝነበሩ ልዕሊ 20 መማህራን ኣብ ባርካ ሂምቦል ኣብ ዝብሃል ቦታ ሓደ መሰጋገሪ ተመሲሉ ዝተዋስአ መጋበርያ ኣብ ኢድ ህግደፍ ከምዝውዕሉ ድሕሪ ምግባሩ፡ ንሱዳን ክትከዱ ሓሲብኩም ብዝብል ክሲ ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ይሕብሩ።

EDFኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነቲ ስርዓት ህግደፍ 88 ዓድታት ብሓይሊ ንምፍንቓል ዘውጽኦ ኣዕናዊ መደብ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ኮይኖም ክቃወሙዎ ጀሚሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።

ምስቶም ዝሓለፈ ሳምንቲ ብምልካዊ ህግደፍ ዝተኣሰሩ ዓሰርተታት ኣባላት ራድዮ ባናን ሰራሕተኛታት መንግስትን ፡ ሰናይት ሃብቱን ይርግኣለም ፍስሃን ዝበሃላ መማህራን ደቀንስትዮ ከምዘለዋ ድሒሩ ዝመጽኣና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

Eriልክዕ ከምቲ ሂትለር ንኣይሁዳውያን ’’ጥጡሕ ቦታ ተዳልዩልኩም ኣሎ’’ ብዝብል ጉልባብ ምልዮናት ህዝቢ እስራኤል ናብ ኮንሰንትረሽን ካምፕ ወሲዱ ዘጥፈኦም፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን “ናብ ልሙዕ መሬት ክወስደኩም የ“ ብዝብል ጉልባብ፡ ኣብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ንዝርከብ ህዝቢ ናብ ጋሽ ባርካ፡ ዲጋ ገርሰት፡ ብሓይሊ ንምግዓዝ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባር ይሸባሸብ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

Imageንስርዓት ህግደፍ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝራሕረሐ፡ ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዘገልግል ዝነበረ ተጋዳላይ ግርማጼን ዘርአ ባይራይ፡ ህቡብ ድምጻዊ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ብውሳኔ “ፕረዚደንት” ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተቐትለ ምስ ድምጺ ወጋሕታ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ ኣረጋጊጹ።

Frankfurtጻማ ፍረቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨውዩ ናብ ጉጅለኣዊ ረብሓታቱ ንዘውዓለ ጉጅለ ህግደፍ ዝኹንን:ፍትሒ ዲሞክራሲን  ሰብኣዊ መሰልን ዝጠልብ  ዉዕዉዕ ሰላማዊ ሰልፊ ብ28 ለካቲት  ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ተካዪዱ::

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታት ኣሰና ከምዝተቐስናዮ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ብጥምየት ኣመኽንዩ ንህዝቢ ካብቲ ንዘበናት ዝነበረሉ፡ ኣብያተ ክርስትያኑን መሳጊዱን ዑና ኣቦታቱን ዝተተኽሎ ዓድታት ብግዴታን ምትላልን ከፈናቕሎ ዝሓንጸጾ ውጥን ህዝቢ ይቃወሞ ‘ኳ እንተሎ ብወለንታ ኣምሲሉ ከተግብሮ ናይ ፕሮፖጋንዳ ዘመተ ከካይደሉ ጀሚሩ ‘ሎ።

ስርዓት ህግደፍ፡ “ክትሃድሙ ተረኺብኩም” ብዝብል ምኽንያት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓዲዃላ (ካርሸሊ) ኣሲሩዎም ንዝቐነየ ሰለስተ ተማሃሮ/መንእሰያት ካብቲ ቤትማእሰርቲ ናብ ጎልጎል ኣውጺኡ ብኡንብኡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝረሸኖም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሮም።

ABካብ 'ቶም ስርዓት ህግደፍ ብዘይተነጸረ ምኽንያት ኣብ ዓዲ ኣቤቶ ኣሲሩዎም ዘሎ ዓሰርተታት ኣባላት ራድዮ ባናን ሰራሕተኛታት መንግስትን ሓደ፡ ማለት ሃይለሚካኣኤል ዑቕቡ ጥራይ ከምዝተፈትሐ ምንጭታት ሓቢሮም።

GSትማሊ ሰኑይ 23 ለካቲት፡ ዝኾነ ሞባይል ቴለፎን ሒዙ ዝተረኽበ ኣባል ሰራዊት  “ሃገራዊ ክድዓት ከምዝፈጸመ ተሓሲቡ፡ ስጉምቲ ክውሰደሉ እዩ” ዝብል ከቢድ መጠንቀቕታ ዝተጻሕፎ ናይ ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ክታም ዘለዎ ዘዋሪ መልእኽቲ ናብ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝተመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።