Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቲ ሰራዊት ኣልዒሉዎ ዘሎ ሕቶ ፡ መሰረታዊ ጠለብ ህዝቢ ‘ምበር ሕቶ ደሞዝ ከምዘይኮነ ኮሚተ ድሕነት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣፍሊጡ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሓድሽ ዓመት 2009፡ ብዕለት ሓደ ጥሪ ኣብ ከባቢ ማይ ጃሕጃሕ ጸሎት ይገብሩ ንዝነበሩ መብዛሕተአን ደቂንስትዮ ዝርከባኦም 54 ኣመንቲ ክርስትና ተጸናትዩ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፡  በቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ዘመሓላለፎ ትእዛዝ፡ ማለት ጸብጻባቱ ናብ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ዓሊ ዓብዱ ከመሓላልፍ ቅሩብ ብዘይምዃኑ ብዝፈጥረ ምስሕሓብ ካብ ዝነበሮ መዝነት ከም ዝደስከለ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ስርዓት ህግደፍ ብዘመሓላለፎ ትእዛዝ መሰረት ናብ ከተማታት ክኣቱ ኸሎ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ዝተመንዘዐ 5 ኤነትረ ዝዓቐኑ ናይ ሓረስቶት ኣእካል፡ ብኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ኣስመራ፡ መደበር፡ ከምእተሸጠ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ገለ ሰበስልጣን ሱዳን ብምትሕብባር ብ ክልተ ጥሪ 2009 ካብ ካርቱም፡ ከላክላ ጉባ ካብ ዝተባህለ ቦታ ንሓደ ማሕሙድ መሓመድ ንስሙ ዜጋ ከምዝጨወዩ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ቦታ ሓቢሮም።

ክልተ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ክልተ ኣባላት ጸጥታ ሊብያ ተሓባቢሮም ብዘካየዱዎ ናይ ጭውያ ስርሒት፡ ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ጉዕዞ ስደት ሊብያ በጺሖም ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ነበር ፡ ብ16 ሕዳር 2008 ጨውዮም ናብ ኤርትራ ብምምላስ ኣብ እምባትካላ ኣሲሮሞም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ክልተ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ክልተ ኣባላት ጸጥታ ሊብያ ተሓባቢሮም ብዘካየዱዎ ናይ ጭውያ ስርሒት፡ ካብ ኤርትራ ኣምሊጦም ኣብ ጉዕዞ ስደት ሊብያ በጺሖም ንዝነበሩ ክልተ ኣባላት ሓለዋ ቤትማእሰርቲ ዒራዒሮ ነበር ፡ ብ16 ሕዳር 2008 ጨውዮም ናብ ኤርትራ ብምምላስ ኣብ እምባትካላ ኣሲሮሞም ከምዘለዉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ኩሎም ኣምባሳደራትን ቆንስላትን ኤርትራ ከምኡ ‘ውን ኣብ ጎኒ ኤምባሲታት ኮይኖም ዝዓዩ ሓለፍቲ ህግደፍ ን10 ጥሪ ኣስመራ ክኣትዉ ብ’ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ቀጥታዊ ትእዛዝ ከምዝተዋህቦም መርበብ ሓበሬታ ኤሪትርያ ዎች ኣቐዲማ ንዘውጽኣቶ ሓበሬታ ኣሰና ኣረጋጊጻቶ።

ስርዓት ህግደፍ ነቲ ሓረስቶት ዘፍረዩዎ እኽሊ ናብ ቆፎኦም ከየእትዉ፡ ከይሸጡን ከይልውጡን ንምእጋድ ዘውጽኦ ግጉይ ፖሊሲ ንዝተቓወሙ 19 ምልሻ ኣብ ማይድማ ቤት ማእሰርቲ ስርሒት ሰለስተ ሓይሩዎም ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

delinaድምጺ መሰልና-ደሊና ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን ብዝገበሩላ ናይ ገንዘብ ወፈያ፡ ካብ ሓደ ጥሪ 2009 ኣትሒዛ ብ 9610 kHz 31 ሜተር ባንድ ፈነወኣ ናብ ኤርትራ ዳግማይ ክትጅምር ምዃና ኣፍሊጣ።

ካብ 11 ዝተፈላለያ ክፍላተ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ተሓርዩ ዝተዋጽአ ብ”ኮሚቴ ድሕነት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ” ዝፍለጥ ብመኮንናት ዝምራሕ ኮሚቴ፡ ነቲ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣቕሪቡዎ ዘሎ ተቓውሞን መሰረታዊ ጠለባትን ብዝተወደበ መልክዕ ምስ ላዕለዎት ልኡኻት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከምዝዘተየሉ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ኣብ ቤት ትምህርቲ ማይ ነፍሒ ብፍላይ ከኣ መንእሰያት ቅድድም ብሽግለታ ክሮኖሜተር ንምዕዛብ ኣብ መስመር ማይነፍሒ ብ25 ታሕሳስ 2008 ኣብ ዝተዘርግሑሉ መስመር ንመንእሰያት ዘለዓዕል ጽሑፋት ተዘርጊሑ ከምዝሓደረ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም::

kabineካቢኔ ሚኒስተራት ኤርትራ ኣብ’ቲ ብመንገዲ ፕረዚደንት ኢሰያስ ዝተጸውዐ ህጹጽ ኣኼባ ንምስታፍ ብ12 ታሕሳስ ምስ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ስሪሒታትን ከም ልማዱ ዕጹው ኣኼባ ኣካይዱ።

ማሕበረኮም ኤርትራውያን ኣብ ናይሮቢ ፡ ኬንያ ፡ ስርዓት ህግደፍ ብዝተፈላለየ ጉልባብ ገንዘብ ከዋጽኡ ንዝገበረሎም ጸቕጢ ብስሙር ድምጺ ከምዝነጸጉዎ ሎሚ 19 ታሕሳስ ብዘውጽኡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጦም።

‘መንግስቲ ኤርትራ’ ከም ኣመሓዳሪ ኣብ ስልጣን ዘቐመጦ ይፍታሄ ዲመጥሮስ ዝተመርሖ፡ ኣባ ዶስቆሮስ ዝርከቦ ልኡኽ፡ ቅድሚ ሕጂ ውን ብመርበባት ዜና ኤርትራ ተዘአርጊሑ ከምዝነበረ፡ ድሕሪ ብዙሕ ተኣንጎት ተሸብሸብ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝጀመሮ ዑደት፡ ብኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ድሕሪ ዘጋጠሞ ተቓውሞታት ከምዝፈሸለ ተፈሊጡ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ መስርዕ ተቓውሞ ጸኒዖም ዘለዉ ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነቶም ገንዘብ ዘይከፈልኩም ተባሂሎም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ መንግስቲ ተቐይዶም ዝጸንሑ 618 ወለድን ስድራቤታትን ብሓይሊ ብረት ነጻ ከምዘምጽኡዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ሓደ ካብ እሱራት ፖለቲካ ኤርትራ ዝኾነ ኮለኔል ተስፋልደት ስዩም የማናይ ክፍሊ ኣካላቱ ስለዝለመሰ (ፓራላይዝ ስለዝኾነ)፡ ካብ 14 ታሕሳስ 2008 ጀሚሩ ኣብ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ይሕከም ኣሎ። ብዘይካ ዶክተር ሃይለ ምሕጹንን ሓደ ካብ ኩባ ዝመጸ ሓኪምን ዝኾነ ሰብ ከይረኽቦ ፕረዚደንት ኢሳያስ ድሕሪ ምእዛዙ ኸኣ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ዝተላእኩ ሓለዋ ይከታተሉዎ ኣለዉ። ኮለኔል ተስፋልደት ስዩም ክዛረብ ኣይክእልን ዘሎ። ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ደረጃ ይርከብ ኣሎ።

kabineኣብቲ ካብ 12 ክሳብ ሎሚ 14 ታሕሳስ ኣብ ምጽዋዕ ዝተኻየደ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራት፡ ፕረዚደንት ኢሳያስ “ብኽፍሊ ጸጥታ ዝቐረበለይ መጽናዕታዊ ሓበሬታ”፡ ኢሉ ዘቕረቦ ነቲ ተዋዓዊዑ ዘሎ ምልዕዓል ሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ፡ ንካቢነ ሚኒስተራት ኣስደሚሙዎን ኣሰምቢዱዎን። እቲ ምልዕዓል ብጎነጽ ክፍታሕ ኢሳያስ ዝመረጾ መርገጺ ተቐባልነት ስለዘይረኸበ ግን እቲ ኣኼባ ኣብ ደገፍትን ተቓውምትን ተገማሚዑ፡ ይብሉ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ።

ሎሚ ዝወዓለ ኣኼባ ካቢነ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ሲሪሒታትን ብኸምቲ ዝጀመሮ ንቡር ኣካይዳ ክቕጽል ከም ዘይከኣለ ምንጭታት ሓቢሮም።

ካቢነ ሚኒስተራትን ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ስሪሒት ዞባታትን ሎሚ ንግሆ ዕለት 12/12/2008 ብፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ተጸዊዑ ኣብ ባጽዕ ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝቕጽል ዘሎ ተቓውሞ ሓይልታት ምክልኻል ኣንጻር ምሕደራ መንግስቲ ከም ቀንዲ ዛዕባ ክዛረበሉ ከምዝወዓለ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ነዚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ተፍጢሩ ዘሎ ምንቅስቓስ ንምብትታኑ ዝዕለመ: ብፕረዚደንት ኢሰያስ ዝተላእኩ ኣባላት ናይቲ ብማዕበል ሰውራ ዝፍለጥ ሓለዋ መንግስቲ ናብ ኩለን እተን ዝቃወማ ዘለዋ ኣሃዱታት ስለያዊ መርበብ ይዝርግሕ ከምዘሎን ዕላምኡ ኸኣ ዘይተደለየ ሓድሕዳዊ ደማዊ ኲናት ምብራዕ ዝዓለመ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ጥምረት ናይቲ ኣሃዱታት ንምብትታን ተባሂሉ መራሕተን ክቕንጽል ቀዳማይ ዕማማቱ ከምዝተለመ ተፈሊጡ ኣሎ::

እዚ ክፍለ ሰራዊት 21 ከምኡ ‘ውን ክፍለ ሰራዊት 39፡ ነቲ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ በተን ክልተ ቦጦሎኒታት ናይ ምክትታል ዶባት ዝተበገሰ ምንቅስቓስ ብብረት ንኽሃርመኦ ንዝተዋህበን ትእዛዝ ብምንጻግ፡ “ዝዓጠቕናዮ ኣጽዋር ኣንጻር ጸላኢና ‘ምበር ምስ  ኣሕዋትናን ብጾትናን ኣይንታኾሰሉን ኢና” ብምባል ከም ዝተቛወሞኦ ምንጭታት ካብቲ ዞባ ሓቢሮም።

ሰለስተ ናይ ካፕተን መዓርግ ዘለዎም መኮነናት ዝርከቡዎም 25 ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብኽልተ ፈጣናት ጃላቡ የመን ብምስጋር ኢዶም ከምዝሃቡ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

EDFኣብቲ ብብሪጋደር ጀነራል ተኸለ ክፍላይ /ማንጁስ/ ዝምራሕ ብ ‘ምክትታል ዶባት’ ዝፍለጥ ዕማምን ስርሒታትን ዝካየደሉ ዞባ ጋሽ ባርካ፡ ዓስኪረን ዝርከባ ክልተ ቦጦሎኒታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ በቲ ኣብ ምምሕዳራዊ ዞባአን ዝግበር መንግስታዊ ምብስባስ ህዝብን እገዳ ምንቅስቓስ ንብረትን እኽልን ብምቅዋም፡ “ኣገልግሎትና ሓልዮት ህዝብና እምበር ኣንጻር ህዝብና ኣይኮነን” ብዝብል መንፈስ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋህበን ግጉይ መምርሒ ነጺገንኣብ ጎኒ ህዝቢ ደው ከምዝበላ ምንጭታት ሓቢሮም።

Eri Airforceፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኩሎም ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ንብረቶም ገዲፎም ንሎሚ (06.12.2008) ናብታ ከም ቤተመንግስቲ ዝጥቀመላ ዘሎ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ክወርዱ ቀጥታዊ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ፡ እንተኾነ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ንትእዛዙ ብስሙር ድምጺ ነጺጎሞ ከምዘለዉ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

Filiposብሓለዋ ተዓጂቡ ካብ ኣስመራ ናብ ባጽዕ ገጹ ዘምርሕ ዝነበረ ሜጀር ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ካብ ከተማ ነፋሲት 7 ኪሎ ሜተር ሪሒቑ ኣብ ዝርከብ ጎቦታት ኣድቢዮም ብዝጸንሑ መንነቶም ዘይተፈልጡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኤርትራ ጸፍዮም ዘለዉ ሓይልታት ተቓውሞ ናይ ድብያ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደሉ፡ እንተኾነ ካብ’ቲ ዝተተኮሰሉ ኣድራጋ ጠያይቲ ንስክላ ከም ዘምለጠ ምንጭታትና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ኣብ መንጎ ኣሃዱታት ሰራዊት ኤርትራ ዘይምቅዳው ይኽሰት። መንግስቲ ኤርትራ ዜናዊ ንብረትን ሰነዳትን ንሳሕል የግዕዝ። ምስ ምትእትታው ኢራን ኣስታት 90 ሰራሕተኛታት ረፋይነሪ ዓሰብ ካብ ስራሕ ይባረሩ። 

ዕለት 16.11.2008 ኣብ ከተማ ካርልስሩሀ ናይተን ኣባላት መርበብ ኤርትራውያን በርገሳውያን ማሕበራት ኣብ ኤዉሮጳ ዝዀና ኣብ ሃገር ጀርመን ዝንቀሳቐሳ ማሕበራት ኣኼባ ተኻይዱ።

iranሰራዊት ኢራን ብ ‘ሳብማሪን’ (ናይ ትሕቲ ባሕሪ መራኽብ) ንወደባዊት ከተማ ዓሰብ ከምዝኣተወ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ሰራዊት ብጀካ እቲ ዝዓጠቖ ባለስቲክ ሚሳይል ናይ ሩሑቕ ተንዘግዛጊ ሚሳይል ዓጢቑ ከም ዘሎን ብዝሑ ብርክት ዚበለ ከምዝኾነን ‘ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

Patፓትርያርክ ህግደፍ ኣባ ዲዮስቁሮስ ኣብ መውዳእታ ወርሒ ሕዳር ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ እንተ ኮይኑሎምውን ኣብ ኣመሪካ ዑደት ክገብሩ ብመንግሥቲ ህግደፍ ተኣዚዞም ኣለዉ;

ዲሞክራውያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ’ (RSADO) ኣካል ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን እዩ። ስለዚ ድማ ንሕና፡ ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ነተን ሓቝፉወን ዘሎ ኣባላት ውድባትን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ኣብቲ ድሮ ተሃዊኹ ዘሎ ዞባ ብቐሊሉ ካብ ምቍጽጻር ወጻኢ ክኸውን ዝኽእል ጎነጽ ክቝጠቡ ንጽውዕ።

 wegahtaኩነታት መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ደረጃ የንቆልቍል ኣሎ።

 

Eriስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ፈነወ ራድዮ ተቓወምቲ ከይሰምዕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ ባርካ ካሕሳይ ገብሪሂወት ንህዝቢ ናይቲ ዞባ ኣኪቡ ብተቓወምቲ ሓይልታት ዝፍኖ ፈነወ ራድዮ ይኹን ናይ ኣምሓርኛ ደርፍታት ከይሰማዕ ኣጠንቂቑ። ኣብ ዒላበርዒድ ዝርከቡ ሰበስልጣን ህግደፍ ‘ውን ተመሳሳሊ መተሓሳሰቢ ኣቕሪቦም።