Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ትማሊ ዕለት 26 ጥሪ ብኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ስዊድን ዝተዓደመ ክፉት ህዝባዊ ሰሚናር ተኻይዱ። ኣካየድቲ ሰሚናር ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኣቶ ሙሴ ኤፍረምን ሰመረ ከሰተን ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ሰሚናር ቅልውላው ኤርትራን ግደ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ዝብል ኮይኑ፡ ኣብ ሰለስተ ነጥብታት ዘድሃበ እዩ ነይሩ።

ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝመደበሮም ዝተፈላለዮ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበርን ካብ ዕለት 02 ሕዳር 2007 ዓ.ም ጀሚሮም ከካይድዎ ዝጸንሑ ንናይ ሓባር ስራሕ ዝምልከት ዘተታት ብምቕጻል ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 05 ጥሪ 2008 ዓ.ም ሓሙሽተ ፈጻሚት ኣካል ዘለዋ ባይቶ ብምቛም ከስርሖም ዝኽእል ውሽጣዊ ሕጊ ኣጽዲቖም።

ስርዓት ህግድፍ ካብ ወጻኢ ዓዲ ንምብጻሕ ንዝኣትዉ ኤርትራውያን ፍሉይ ኣተሓሕዛ ይገብረሎም ከምዘሎ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣምባሳደራት ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዝገበረሎም ህጹጽ ጻውዒት ብሃንደበት ናብ ኣስመራ ከምዝኸዱ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ምዝዛም ዓመተ ክልተ ሽሕን ሸውዓተን ዝወዓለት ናይ መወዳእታ ሰንበት ዕለት 30 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ሎንዶን ብጻዊዒት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝተጸውዐ ናይ ህግደፍ  ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ካብቶም እሙናት ደቂ ውሻጠ ዝባሃሉ ኣብ ፈቐዶ እንዳ ሻሂ ክዕለል ቀንዩ’ሎ።

ሰለስተ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ከምዝሓተቱ ኣል-ሳሓፋ ዝተባህለት ብዓረብ እትሕተም ናይ ሱዳን ነጻ ጋዜጣ ኣብ ናይ ሎሚ ዓርቢ 28/12/07 ሕታማ ገሊጻ።

ግጥም ደለይቲ ፍትሕን ተጣበቕቲ ዓመጽ ህግደፍን ኣብ ሰያትል ኣመሪካ፡- ሰያትልን ኣስመራን ብርሕቀት ጥራይ ዘይኮነ ብሕግን ናጽነትን ‘ውን ናይ ኣሽሓት ማይላት ፍልልይ ከምዘለወን መሊሱ ዝተረጋገጸሉ ኣጋጣሚ።

ህዝቢ ኤርትራ እዞም ንኤርትራ ከም ሕማም መንሽሮ ዘማስንዋ ዘለዉ ናይ “ማፍያ” ጉጀለ ከይተኣልዩ ቀሲኑ ጉዳይ ስድራቤቱን ሃገራዊ ልምዓቱን ክገብር ከምዘይክእል ኣዳዕዲዑ ተረዲእዎ ኣሎ። እቲ ውሑድ ካብ ኩሉ ዛራታት እናተጸንበሮ ክስስን ጀሚሩ ኣሎ። ክዕወት ድማ እዩ። ነቶም ዘጋፍዑዎን ዘሳቕዩዎን ዘለው’ውን ብዕሊ ከሲሱ ፍትሒ ክረክብ ከምዝኾነ ከኣ ናይ ግዜ ጉዳይ እምበር ዘጠራጥር ኣይኮነን።

demኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝኣተዉዎ ስምምዕ መሰረት፡ ትማሊ 8 ታሕሳስ ኣብ ለንደን ኣብ ቅድሚ’ቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተወደበ ናይ ፕሮፖጋንዳ ኣኼባ ተረኺቦም ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ብታሕሳስ 2/2007 ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣቶ ኣሕፈሮም ንኣብ ኦታዋን ከባቢኣን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ውግእ ክጅምር ኢዩ ዝብል ኣርእስቲ ሒዙ ህዝባዊ ኣኼባ ጸዊዑ።
ኣብዚ ኣኼባዚ ዝተሳተፉ ሰባት ምስኡ ደሚርካ ክሳብ 70 ኣቢሎም ይኾኑ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ መደበራት ዜናን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ሎሚ 2 ሕዳር ኣብ ለንደን ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዖም። ነቲ ብስምረት ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ መኸተ ዕማማቶም እተወሃህድ ሓባራዊ ሽማግለ ‘ውን ኣቝሞም።

እቲ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶባዊ ግጭት ሕጋዊ መዕለቢ ክገብረሉ ብ2000 ዝቖመ ኮምሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕማሙ ከይፈጸመ ትማሊ ብወግዒ ከምዘብቅዐ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።

Conጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮንዶሊሳ ራይስ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ከምእትሳተፍን ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከምእትራኸብን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንኣፈኛ ስተይት ዲፓርትመንት ብምጥቃስ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ።

“ፓትርያርክ ኣብዛ ምድሪ ብመንፈሳውን ሕጋውን መገዲ፣ እምነት ክሕሉ፣ ምእመናን ኪጓሲ ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኮይኑ ዝተሾመ መራሒ እዩ”። (መንፈሳዊ ፍትሒ: ኣንቀጽ 4)። እዚ ዘይመሓየሽ ሃዋርያዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን እዩ።

የማንመበል 10 ዓመት ዝኽሪ ህቡብን ሓርበኛን የማነ ገብረሚካኤል ብዓቢ ድምቀት ተዘኪሩ::

ኤርትራ ካብ ዓለም እታ ዝለዓለ ደረጃ ዝቕባበ (inflation) ዘለዋ ሃገር ምዃና IMF ከምዝኣመተ Taipei-Times ንሰነዳት ናይቲ ኣህጉራዊ ፋይናንሳዊ ውድብ ብምጥቃስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ይጠቅስ።

ኣቦ ወንበር ናይቲ ‘ሕብረት ተጋሩ ንደሞክራስን ልኡላውነትን’ ብዝብል ስም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ሓድሽ ሰልፊ ዝኾነ ገብሩ ኣስራት: ሓደ ካብ ኣጀንዳታት ናይ’ዚ ሓድሽ ሰልፉ “ንዓሰብ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ” ከምዝኾነ ሪፖርተር ንዝተባህለ ጋዜጣ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠየቕ ኣፍሊጡ።

ቅነ ከለን ምኽንያት ብምግባር ማሕበረሰብ ከለንን ከባቢኣን ንሙሁራት ጀመናውያን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ጀርመናውያን ኣዕሩኽ ኤርትራ ዕድመ ብምግባር ክፉት ሰሚናር ኣካይዱ፡

13 ናይ ዩኒቨርስቲ ዲግሪ ዘለዎም እሱራት ካብ ቤትማእሰርቲ ትራክ ቢ (Track B  ) ኣምሊጦም ዛጊት ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝኣተዉ መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ ኣፍሊጣ።

“ካብ ኵናት ዝዓግት ዓቢ ኣህጉራዊ ጸቕጢ እንተዘይተገይሩለን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ዳግማይ ናብ ዶባዊ ኵናት ክምለሳ ይኽእላ እየን” ክብል ሓደ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር (International Crisis Group) ሎሚ (05 ሕዳር) ከምዘጠንቀቐ ‘መይል ኤንድ ጋርድያን ኦንላይን’ ሓቢሩ።

ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ‘ቲ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ወራር ኣንጻር ኤርትራ ከካይድ ካብ ኣመሪካ ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ” ክብል  መንግስቲ ባዕሉ ብወግዒ ዘመሓላለፎ መግለጺ፡  ትማሊ ቐዳም 27 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ሰፊሕ ግፋ ከካይድ ከምዝወዓለ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

erመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ሰሙን (ፋልማይ ሰሙን) ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ከካይድ እዩ’ ዝብል ሓበሬታ ካብ ትላላት ስለያን ግለሰባትን ሓበሬታ ከምዘሎ፡ መንግስታዊት መርበብ ሓበሬታ ሻባይት.ኮም ትማሊ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።

Siመንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ብ13 ጥቅምቲ ንኮለኔል ስምኦን ገብረድንል ንምቕታል ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝኣሰረ ምእማኑ ሮይተርስ ካብ ኣሰመራ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።

isuሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ኤርትራ ኮለኔል ስምኦን ገብረድንግል ድሕሪ ዝተኸየደሉ ፈተነ ቅትለት ብምስጢር ካብ ኤርትራ ወጺኡ ደሃዪ ተሓቢኡ ዝቐነየ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ወዱን ሓደ ሓለዋኡን ኣብ ቦለኛ ዓዲ ጥልያን  ከምዝተራእየ ምንጭታትና ካብ ዓዲ ጥልያን ሓቢሮም።