ትማሊ ዕለት 26 ጥሪ ብኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ስዊድን ዝተዓደመ ክፉት ህዝባዊ ሰሚናር ተኻይዱ። ኣካየድቲ ሰሚናር ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኣቶ ሙሴ ኤፍረምን ሰመረ ከሰተን ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ሰሚናር ቅልውላው ኤርትራን ግደ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ዝብል ኮይኑ፡ ኣብ ሰለስተ ነጥብታት ዘድሃበ እዩ ነይሩ።
ትማሊ ዕለት 26 ጥሪ ብኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ጨንፈር ስዊድን ዝተዓደመ ክፉት ህዝባዊ ሰሚናር ተኻይዱ። ኣካየድቲ ሰሚናር ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ኣቶ ሙሴ ኤፍረምን ሰመረ ከሰተን ክኾኑ እንከለዉ፡ እቲ ሰሚናር ቅልውላው ኤርትራን ግደ ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ዝብል ኮይኑ፡ ኣብ ሰለስተ ነጥብታት ዘድሃበ እዩ ነይሩ።
ሓጋጊ ባይቶ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብ 23 ታሕሳስ 2007 ዝጀመሮ ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼቢኡ ብ 28 ታሕሳስ 2008 ዓ.ም. ብ ዓወት ዛዚሙ።
ኣብ ዓባይ-ብሪጣንያ ዝመደበሮም ዝተፈላለዮ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበርን ካብ ዕለት 02 ሕዳር 2007 ዓ.ም ጀሚሮም ከካይድዎ ዝጸንሑ ንናይ ሓባር ስራሕ ዝምልከት ዘተታት ብምቕጻል ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለት 05 ጥሪ 2008 ዓ.ም ሓሙሽተ ፈጻሚት ኣካል ዘለዋ ባይቶ ብምቛም ከስርሖም ዝኽእል ውሽጣዊ ሕጊ ኣጽዲቖም።
ስርዓት ህግድፍ ካብ ወጻኢ ዓዲ ንምብጻሕ ንዝኣትዉ ኤርትራውያን ፍሉይ ኣተሓሕዛ ይገብረሎም ከምዘሎ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
Was Senait Mehari an Eritrean child soldier who was forced to fight at the age of six? Or is she simply a media invention, a singer whose biography has been molded to fit the public taste? Germany is confused.
Was Senait Mehari an Eritrean child soldier who was forced to fight at the age of six? Or is she simply a media invention, a singer whose biography has been molded to fit the public taste? Germany is confused.
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣምባሳደራት ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዝገበረሎም ህጹጽ ጻውዒት ብሃንደበት ናብ ኣስመራ ከምዝኸዱ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ምዝዛም ዓመተ ክልተ ሽሕን ሸውዓተን ዝወዓለት ናይ መወዳእታ ሰንበት ዕለት 30 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ሎንዶን ብጻዊዒት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝተጸውዐ ናይ ህግደፍ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ካብቶም እሙናት ደቂ ውሻጠ ዝባሃሉ ኣብ ፈቐዶ እንዳ ሻሂ ክዕለል ቀንዩ’ሎ።
ዓመተ ራህዋን ሰላምን
ዓመተ ሩፍታን ቅሳነትን
ዓመተ ሕግን ፍትሕን
ዓመተ ጽጋብን ፍስሃን
ይግበረልና።
ሰለስተ ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮንናት ኤርትራ ኣብ ሱዳን ዑቕባ ከምዝሓተቱ ኣል-ሳሓፋ ዝተባህለት ብዓረብ እትሕተም ናይ ሱዳን ነጻ ጋዜጣ ኣብ ናይ ሎሚ ዓርቢ 28/12/07 ሕታማ ገሊጻ።
ግጥም ደለይቲ ፍትሕን ተጣበቕቲ ዓመጽ ህግደፍን ኣብ ሰያትል ኣመሪካ፡- ሰያትልን ኣስመራን ብርሕቀት ጥራይ ዘይኮነ ብሕግን ናጽነትን ‘ውን ናይ ኣሽሓት ማይላት ፍልልይ ከምዘለወን መሊሱ ዝተረጋገጸሉ ኣጋጣሚ።
Canadian Court Says PFDJ’s 2% and Other Collections Are Illegal
Canadian Court Says PFDJ’s 2% and Other Collections Are Illegal
“መኸተ ህግደፍ”፡ ናቶም ከይኣኽለናስ ነታ ካልኵሌተር ‘ውን ሓሶት ዘላመዱዋ ገደደ።
ህዝቢ ኤርትራ እዞም ንኤርትራ ከም ሕማም መንሽሮ ዘማስንዋ ዘለዉ ናይ “ማፍያ” ጉጀለ ከይተኣልዩ ቀሲኑ ጉዳይ ስድራቤቱን ሃገራዊ ልምዓቱን ክገብር ከምዘይክእል ኣዳዕዲዑ ተረዲእዎ ኣሎ። እቲ ውሑድ ካብ ኩሉ ዛራታት እናተጸንበሮ ክስስን ጀሚሩ ኣሎ። ክዕወት ድማ እዩ። ነቶም ዘጋፍዑዎን ዘሳቕዩዎን ዘለው’ውን ብዕሊ ከሲሱ ፍትሒ ክረክብ ከምዝኾነ ከኣ ናይ ግዜ ጉዳይ እምበር ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝኣተዉዎ ስምምዕ መሰረት፡ ትማሊ 8 ታሕሳስ ኣብ ለንደን ኣብ ቅድሚ’ቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተወደበ ናይ ፕሮፖጋንዳ ኣኼባ ተረኺቦም ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ብታሕሳስ 2/2007 ኣምባሳዶር ኤርትራ ኣቶ ኣሕፈሮም ንኣብ ኦታዋን ከባቢኣን ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ ውግእ ክጅምር ኢዩ ዝብል ኣርእስቲ ሒዙ ህዝባዊ ኣኼባ ጸዊዑ።
ኣብዚ ኣኼባዚ ዝተሳተፉ ሰባት ምስኡ ደሚርካ ክሳብ 70 ኣቢሎም ይኾኑ።
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሮም ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ውድባት፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ መደበራት ዜናን ግዱሳት ውልቀሰባትን፡ ሎሚ 2 ሕዳር ኣብ ለንደን ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ፡ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንምምካትን ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ኣብ ሓደ ጽላል ሰሚሮም ዝተወሃሃደ ሓባራዊ ዕማም ከካይዱ ብምሉእ ድምጺ ተሰማሚዖም። ነቲ ብስምረት ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ መኸተ ዕማማቶም እተወሃህድ ሓባራዊ ሽማግለ ‘ውን ኣቝሞም።
እቲ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ዶባዊ ግጭት ሕጋዊ መዕለቢ ክገብረሉ ብ2000 ዝቖመ ኮምሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዕማሙ ከይፈጸመ ትማሊ ብወግዒ ከምዘብቅዐ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ሓቢሮም።
ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኮንዶሊሳ ራይስ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ከምእትሳተፍን ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከምእትራኸብን ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ንኣፈኛ ስተይት ዲፓርትመንት ብምጥቃስ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ።
“ፓትርያርክ ኣብዛ ምድሪ ብመንፈሳውን ሕጋውን መገዲ፣ እምነት ክሕሉ፣ ምእመናን ኪጓሲ ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኮይኑ ዝተሾመ መራሒ እዩ”። (መንፈሳዊ ፍትሒ: ኣንቀጽ 4)። እዚ ዘይመሓየሽ ሃዋርያዊ ሕጊ ቤተ ክርስቲያን እዩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ሃገሩ ንሰላማዊ ኒኵሌራዊ ንጥፈታት ኢራን ከምትድግፍ ገሊጹ ክብል ኣገልግሎት ዜና እስላማዊ ሪፓብሊክ ኢራን ይሕብር።
መበል 10 ዓመት ዝኽሪ ህቡብን ሓርበኛን የማነ ገብረሚካኤል ብዓቢ ድምቀት ተዘኪሩ::
ኤርትራ ካብ ዓለም እታ ዝለዓለ ደረጃ ዝቕባበ (inflation) ዘለዋ ሃገር ምዃና IMF ከምዝኣመተ Taipei-Times ንሰነዳት ናይቲ ኣህጉራዊ ፋይናንሳዊ ውድብ ብምጥቃስ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ ይጠቅስ።
ኣስመሮም ገረወልዲ (ወዲ ገረወልዲ) ኣይተኣስረን (መአረምታ
ኣቦ ወንበር ናይቲ ‘ሕብረት ተጋሩ ንደሞክራስን ልኡላውነትን’ ብዝብል ስም ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመስረተ ሓድሽ ሰልፊ ዝኾነ ገብሩ ኣስራት: ሓደ ካብ ኣጀንዳታት ናይ’ዚ ሓድሽ ሰልፉ “ንዓሰብ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ናብ ኢትዮጵያ ምምላስ” ከምዝኾነ ሪፖርተር ንዝተባህለ ጋዜጣ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ ቃለመጠየቕ ኣፍሊጡ።
ቅነ ከለን ምኽንያት ብምግባር ማሕበረሰብ ከለንን ከባቢኣን ንሙሁራት ጀመናውያን ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ጀርመናውያን ኣዕሩኽ ኤርትራ ዕድመ ብምግባር ክፉት ሰሚናር ኣካይዱ፡
ህግደፍ ነዝወለዖ ምፍሕፋሓት ሓለፍቲ ፡ ናብ ውጩ ምስ በጸሐ፡ ብናይ ጥዕና ምኽንያት፡ ሸለል ኪብሉ ትእዛዝ ተመሓላሊፉ።
ሓደ ካብቶም ካብ ቤትማእሰርቲ ትራክ – ቢ ካብ ዘምለጡ ኤርትራውያን ዝለኣኸልና መአረምታ
13 ናይ ዩኒቨርስቲ ዲግሪ ዘለዎም እሱራት ካብ ቤትማእሰርቲ ትራክ ቢ (Track B ) ኣምሊጦም ዛጊት ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝኣተዉ መርበብ ሓበሬታ ኣዱሊስ ኣፍሊጣ።
“ካብ ኵናት ዝዓግት ዓቢ ኣህጉራዊ ጸቕጢ እንተዘይተገይሩለን፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰሙናት ዳግማይ ናብ ዶባዊ ኵናት ክምለሳ ይኽእላ እየን” ክብል ሓደ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ኣህጉራዊ ትካል ምርምር (International Crisis Group) ሎሚ (05 ሕዳር) ከምዘጠንቀቐ ‘መይል ኤንድ ጋርድያን ኦንላይን’ ሓቢሩ።
ኢትዮጵያ “ኤርትራ ንምውራር ውጥን የብለይን”: “እቲ ወረ ትርጉም ዘይብሉ ማእለማ እዩ” ትብል።
ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ‘ቲ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለማ ሰሙን ወርሒ ሕዳር ወራር ኣንጻር ኤርትራ ከካይድ ካብ ኣመሪካ ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ” ክብል መንግስቲ ባዕሉ ብወግዒ ዘመሓላለፎ መግለጺ፡ ትማሊ ቐዳም 27 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ ሰፊሕ ግፋ ከካይድ ከምዝወዓለ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመጽእ ሰሙን (ፋልማይ ሰሙን) ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወራር ከካይድ እዩ’ ዝብል ሓበሬታ ካብ ትላላት ስለያን ግለሰባትን ሓበሬታ ከምዘሎ፡ መንግስታዊት መርበብ ሓበሬታ ሻባይት.ኮም ትማሊ ኣብ ዝዘርግሓቶ ሓበሬታ ኣፍሊጣ።
ኣንታ ንስኻስ ብሓቂ ኢሳይያስ ዲኻ?…. ገግየካ ‘ኮ !
መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ብ13 ጥቅምቲ ንኮለኔል ስምኦን ገብረድንል ንምቕታል ዝተኻየደ ፈተነ ቅትለት ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ከምዝኣሰረ ምእማኑ ሮይተርስ ካብ ኣሰመራ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።
እቲ መንእሰይ ከ? ደስኪሉ፡ ህግደፍ ግዳ ንዕኡ እንድዩ ስሙ ልዕሊ ኹሉ፡
እንሆ ኢዱን እግሩን ሰማይ ተሰቒሉ! ግራት ሃገር እንከሎ ቓዲሩ!
ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታ ኤርትራ ኮለኔል ስምኦን ገብረድንግል ድሕሪ ዝተኸየደሉ ፈተነ ቅትለት ብምስጢር ካብ ኤርትራ ወጺኡ ደሃዪ ተሓቢኡ ዝቐነየ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ወዱን ሓደ ሓለዋኡን ኣብ ቦለኛ ዓዲ ጥልያን ከምዝተራእየ ምንጭታትና ካብ ዓዲ ጥልያን ሓቢሮም።
ተዶጊሉ ዝጸንሐ ምፍሕፋሓት ህግደፍ ፡ ብስም ሞት ፍቱው መንእሰይ ፍቕረ ተሳቢቡ ኣብ ጥርዚ በጺሑ
ሳላ ህግደፍ ሪጋ ባኒ መሊኡ፡ ባኒ ‘ሞ የልቦን!