ህግደፍ ክገፍፍ ኢዩ ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ መንእሰያት ካብ መጻወድያ ከምልጡ ሸበድበድ ክብሉ፡ ህዝቢ ‘ውን ተረቢሹ ውራዩ ገዲፉ ካብ ሹቕ ንገዝኡ ክኸይድ ሃታ ሃታ ክብል ከሎ ዘርኢ እዩ።
ህግደፍ ክገፍፍ ኢዩ ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ መንእሰያት ካብ መጻወድያ ከምልጡ ሸበድበድ ክብሉ፡ ህዝቢ ‘ውን ተረቢሹ ውራዩ ገዲፉ ካብ ሹቕ ንገዝኡ ክኸይድ ሃታ ሃታ ክብል ከሎ ዘርኢ እዩ።
ኣስመራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ – ብስእሊ ፡ ካርሸሊ ኣስመራ (ዳስ ሓውያ) መእተዊ እምበር መውጽኢ ዘይብላ ጸላም ብዓቲ ህግደፍ
ኣስመራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ
ቀዳም 6 ጥቅምቲ 2007፣ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይ መንእሰይ ነጋዳይ ኣቶ ፍቕረማርያም ዓንደማርያም ዝተባህለ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተኻይዱ። እዚ ቀብሪ ቅድሚ ሕጂ ምስቲ ናይቲ ህቡብ ድምጻዊ ሓርበኛ የማነ ገብረሚካኤል፣ ከምኡውን ናይ ኣቦና ወልደኣብ ወልደማርያም ብዝመሳሰል ተጌሩ ክበሃል ይከኣል።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንስምምዕ ሰላም ኣልጀሪስ ንኹሉ ወይ ብኸፊል፡ ንግዚኡ ወይ ንሓዋሩ ክስርዞ ይሓስብ ምህላው፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዘፍለጦ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።
መንግስቲ በርማን መንግስቲ ህግደፍን ክልተ ገጽ ናይ ሓደ ቕርሺ እዮም።
ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ(ሰደኤ)፡ ብሰንኪ ገለ ክፋል መሪሕነቱ ዝወሰዶ ውሳነ ሰልፊ ንኢትዮጵያ ብምእታው ዘጋጠሞ ዉሽጣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝጸውዖ ህጹጽ ጉብኤ ብዓወት ዛዚሙ፡፡ ኣብዚ ብዕለት 21-22 መስከረም ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት፡ ካብ ጀርመን፡ ስዊድን፡ ስዊዘርላንድ ዝመጹ ልኡኻት ብኣካል ክሳተፉ እንከለው፡ ካብ ኣመሪካ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ብመልኽትታቶም ደገፎም ኣረጋጊጾም፡፡ (ስእላዊ መግለጺ ጉባኤ You Tube ኣብ ታሕቲ ተመልከቱ)
ሰልፊ ተቓውሞ ኤርትራውያን ኣብ ፍራንክፈርት (ጀርመን) ብምኽንያት መስከረም 18 መስከረም ዕለተ ጃምላዊ ማእሰርቲ ፖለቲካውያን እሱራትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ህግደፍ – ብስእሊ….
ብኣጋጣሚ ዕለት ዝኽረ እሱራት 18 መስከረም ኣብ ሃገር ኢጣልያ ኣብ ከተማ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ::
እዚ ኣብ ቐጽሪ ጀፈርሶን መሞሪያል (Jefferson Memorial) ሕምብርቲ ዋና ከተማ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝኮነት ዋሽንግቶን ዲሲ ዝተገብረ ናይ ሽምዓ ዝክሪ ነቶም ብዕለት 18 መስከረም 2001ን ቅድሚኡ’ን ጀሚሩ ኣብ ሞቑሕ ብምስፋር ጃንዳ ስርዓት ህግደፍ ብኣሰቓቂ ኩነታት ዝቐተሎምን ዝቐትሎም ዘሎን ኩሎም ኤርትራዊን ንምዝካርን ዝዓለመ እዩ።
ሓላፊ ጨንፈር ህግደፍ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት ዝነበረ ኣቶ ነጂብ ኣሕመድ ዝሓለፍ ሰሙን ናብ ሱዳን ብምምላጥ ፖለቲካዊ ዑቕብ ከምዝሓተተ ዖማል ዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ሓቢራ።
ብኮምሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዓዲሙ፡ ካብ 6 ክሳብ 7 መስከረም ኣብ መንጎ ወከልቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘ ሄግ ኔዘርላንድስ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ተሂራን ድሕሪ ምርኻቡ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ከተስፍሖ ከምእትደሊ ምግላጹ ኣገልግሎት ዜና እስላማዊ ሪፓብሊክ ሓቢሩ።
መሪሕነት ጨንፈር ሰሜን ኣመሪካን ካናዳን ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ብዕለት 2 ወርሒ መስከረም 2007 ብዛዕባ ሓፈሻዊ ኩነታት ውድብን ሃገርናን ንምዝታይ ተጋቢኡ ውዒሉ።
ናይ ባይቶ ኣመሪካ (ሰነት) ኮሚተ ወጻኢ ዝምድናታት ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብኣመሪካን መንግስቲ ሲሪላንካን ከም ‘ግብረሽበራዊ ውድብ’ ዝጥቀስ ‘ታሚል ታይገርስ’ ቀጥታዊ ወተሃደርዊ ሓገዝ ይገብር ከምዝነበረ ከምዘቃለዐ ኤሽያን ትሪቡን ዝተህለ መርበብ ሓበሬታ ይገልጽ።
ኣቶ ኣማኒኤል ሳህለ ኣብ ስነጽሑፍ ሃገርና ብፍላይ ድሕሪ ነጻነት ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኣብርክቶ ዝገበረ ክንብሎ እንኽእል ሰብ እዩ። ሕጂ ካብ ጋዜጣታት ኤርትራ ድሕሪ 16 ዓመታት ምፍላዩ፣ ዓቢ ጽፍዒት ንሚንስትሪ ዜና እንተተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን።
ኤርትራዊ ኣትሌት ያረድ ኣስመሮም ኣብ ኦሳካ ጃፓን፡ 30 ዲግሪ ሰንትግሬድ ሙቐትን ብርቱዕ ራህድን ኣብ ዝነበሮ ኩነታት ኣየር ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ዝድነቕ ውድድር ብምርኣይ (ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ) ራብዓይ ደረጃ ብምውጻእ ውድድሩ ዛዚሙ’
ኣመሪካ ንኤርትራ ምስተን መወልቲ ግብረሽበራውያን እትብለን ሃገራት ክትሰርዓ ትደናደን ከምዘላ ሮይተርስ ንላዕለወይቲ ብዓልቲ ስልጣን ኣመሪካ ብምጥቃስ ካብ ዋሺንግተን ኣብ ዘመሓልለፎ ጸብጻብ ይሕብር።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ከም መርኣያ ናይቲ እናኣንቆልቆለ ዝኸይድ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናኡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ካሊፎርንያ ዝነበረ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት ኤርትራ ክዕጾ ከምዝኣዘዘ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ኤሪ-ቲቪ ኤዲተር ኮይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ጆኒ ሕሳቡ ናብ ኢትዮጵያ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ደሃዩ ጠፊኡ ምህላዉ ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ዝተባህለ ንመሰል ናጽነት ጋዜጠኛታት ዝጣበቕ ኣህጉራዊ ውድብ ሓቢሩ።
ማእከላይ ባሕሪ ሰንጢቖም ማልታ ብምጕሳይ ሓደገኛ ጉዕዞ ዝፈጸሙ ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝርከቡዎም 250 ስደተኛታት ኣብ ላምፐድሳ ኢጣልያ ከምዝኣተዉ ታይምስ ዝተባህለ ናይ ማልታ ጋዜጣ ሓቢሩ።
ብመንግስቲ ኤርትራ ተኣሲሮም ንልዕሊ ክልተ ዓመት ብዘይፍርዲ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ሰለስተ ሓለፍቲ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ኣቶ ተወልደ ገብረመድህን፡ ምናሰ ዓንደጼን ከምኡ ‘ውን ሃብቶም ወልደሚካኤል ከምዝተፈትሑ ካብ መርበብ ሓበሬታ IUF ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናይ ሎሚ 31 ሓምለ መጋብኣያኡ፡ 26 ሽሕ ወተሃደራትን ፖሊስን ዝሓቍፍ ሓባራዊ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ናብ ዳርፉር ክለኣኽ ብምሉእ ድምጺ ወሲኑ።
መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ኣጽዋር ብምጥሓስ ጸረ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ንዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኣጽዋር ምቕባል ትቕጽል ኣላ ክብል ዘቕረቦ ክሲ ነጺጉዎ።
መንግስቲ ኤርትራ ንእገዳ ኣጽዋር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ ንተቓወምቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ኣጽዋር ምቕባል ከምዝቐጸለ ብባይቶ ጸጥታ ነቲ እገዳ ክከታተል ዝተመዘዘ ጉጅለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።
ብመንግስቲ ሱዳን ተኣሲሮም ዘለዉ ኣማኢት ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከይምለሱ ጻዕርታት ይካየድ ከምዘሎ ኣቶ ሓጅ ዓብደል ኑር ካብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ገሊጹ።
መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ሓሙስ 12/07 ኣትሒዙ ኣብ ካርቱም መጠነ ሰፊሕ ግፋ ኤርትራውያን ስደተኛታት የካይድ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ካርቱም ሓቢሮም።
ሰደኤ ጨንፈር ጀርመን ንህሉዊ ጸገማት ሰልፊ ደሞክራሲ እትፈትሕን ህጹጽ ጉባኤ ንምክያድ እተሳልጥን ፡መሰጋገሪት ኮሚተ ብምምራጽ ኣኼባኡ ብዓወት ኣቃኒዑ።
መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝኣሰሮም ክልተ ሰራሕተኛታት ብሪቲሽ ካውንስል ሓደ ተፈቲሑ፡ እቲ ሓደ ግን ዛጊት ነጻ ከምዘይተለቀ ሮይተርስ ንወሃቢ ቓል ብሪቲሽ ካውንስል ብምጥቃስ ሓቢሩ።
ወኪላት ስርዓት ህግደፍ ነዛ ኣብ ዓዓመቱ ዘካይድዋ ፌስቲቫል ንምክያድ ብዙሕ ሸበድበድ ክብሉ ከምዝቀነዩ ዝስሓት ኣይኮነን ፤ እዚ ክገብር ድሕሪ ምቅናዩ ግን ኣሰልጦ ክረክብ ኣይተኻእለን ዓቢ ፍሽለት ከኣ ኣጋጢምዎ ኩሉ መደባት ተሰናኪሉን ፈሺሉን።
መንግስቲ ኤርትራ ንሓላፊ ብሪቲሽ ካውንስል ኣብ ኣሰመራ ብምእሳር፡ ንሓደ ዲፕሎማሰኛ ዓዲ እንግሊዝ ፡ ብሰበብ መደብ ትግባረ ‘ሳተላይት ኢንተርነት ሊንክ’ ካብ ኤርትራ ከይወጽእ ከምዝኣገዶ ጋርድያን ዝተባህለ ጋዜጣ ሓቢሩ።
ስለ ናጽነት ፕረስን ምግላጽ ሓሳብን ዝጣበቕ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ብሞት ጋዜጠኛ ጳውሎስ ኪዳነ ዝተሰመዖ ዓሚቝ ሓዘን ብምግላጽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ኤርትራ ንዘውርዶ ዘሎ ሕሱም ግፍዕታት ኮኒኑ።
ስለ ናጽነት ፕረስን ምግላጽ ሓሳብን ዝጣበቕ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ብሞት ጋዜጠኛ ጳውሎስ ኪዳነ ዝተሰመዖ ዓሚቝ ሓዘን ብምግላጽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ኤርትራ ንዘውርዶ ዘሎ ሕሱም ግፍዕታት ኮኒኑ።
ጋዜጠኛ ኤሪ-ቲቪ ፕሮግራም ኣምሓርኛ ጳውሎስ ኪዳነ ብሰሉስ 3 ሓምለ 2007 ክምዝዓረፈ ካብ ኣስመራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ግዳያት ግጭት ኤርትራ ኢትዮጵያን (1998-2000) ዝኾኑ፡ 700 ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቝቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተወለድቲ ብሄረ ኩናማ፡ መሰል ዑቕባ ተዋሂቡዎም ኣብ ኣመሪካ ሓድሽ ህይወት ክጣየሱ ናብ ኣመሪካ ይኸዱ ከምዘለዉ ላዕዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ኤርትራ ንብጹእ ወ ቅዱስ ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ኣቦና ኣንጠንዮስ ንዝገብረሎም ዘሎ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ዝዅንን ናይ ጸሎት ስነስርዓት ኣብ ለንደን ከምዝተኻየደ ቢቢሲ ኣብ ሰስፈሮ ዓንቀጽ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ንዓባይ ብሪጣንያ ን10 ዓመት ዝመርሐ፡ ቶኒ ብሌየር፡ ኣብ መንግስቱ ከም ቻንሰለር ን10 ዓመት ንዘገልገለ ጎርደን ብራውን ሎሚ ፍርቂ መዓልቲ፡ 27 ሰነ ስልጣኑ ብወለንታ ኣረኪቡዎ።
ካፕተን ናይታ ብ23 ሰነ ኣብ ህንዲ ገምገም ባሕሪ ወደብ ማንጋሎር ዝጠሓለት መርከብ “ደንደን “ ጠንቂ ምጥሓል ናይታ ህይወት ክልተ ባሕረኛታት ዝለከመት ብኮርፖሮሽን ቀይሕባሕሪ (ህግደፍ) እትውነን መርከብ፡ “ናይ ኢንጂነር ጉድለት ምዃኑ” ከምዝጠቐሰ፡ መርበብ ሓበሬታ ‘ማንጋሎርያን’ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።
ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን ዝተወደበ፡ ህዝብና ዝወርዶ ዘሎ ኣደራዕን ጭኮናን፡ ንምግልጋሉ ክውሰድ ዘለዎ መንገድታት ቃልስን ዝዝቲ ናይ ምምኽኻር ኣኼባ ሎሚ 24 ሰነ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ፡ ተኻይዱ።
እታ ናይ ኤርትራ መርከብ “ደንደን” ኣብ ማያት ማንጋሎር ኣብ ዝጠሓለትሉ እዋን "ዘይብቑዕነት ሓለዋ ባሕሪ ናይቲ ቦታ ከምዝተራእየ፡ እቶም ባሕረኛታት ብሓገዝ ገፈፍቲ ዓሳ ናይቲ ከባቢ ከምዝደሓኑ፡ ነቲ ሓደጋ ዝረኣየ ኣሽሓት ህዝቢ ይምስክር" ይብል መርበብ ሓበሬታ ማንጋሎርያን። ቪድዮ ንምርኣይ ኣብ'ዚ ጠውቑ ።/ ስእላዊ መግለጺ ናይ’ቲ ኩነታት ንምርኣይ ኣብ’ዚ