Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኤርትራ ነቲ “ ኣብ’ ክራማት እኹል ማይ እንተዘይዘኒቡ ሕጽረት መግቢ ከጋጥም ይኽእል ‘ዩ” ዝብል ስክፍታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ “ ደጊም ንኤርትራ ረዲኤት መግቢ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣየድልያን ‘ዩ” ብምባል ከምዝነጸገቶ AFP ካብ ኣስመራ ሓቢሩ።

Rescue“ደንደን” ብዝብል ስም እትፍለጥ ናይ ኤርትራ መርከብ፡ ሎሚ 23 ሰነ ካብ ወደብ ማንጋሎር (ህንዲ) 300 ሜትሮ ካብ ገምገም ባሕሪ ርሒቓ ድሕሪ ምጥሓላ ክልተ መርከበኛታት ክመቱ ኸለዉ 12 ከምዝቖሰሉ  መርበብ ሓበሬታ ማንጋሎርያን ኣፍሊጡ።

Kjellሎሚ ዘበን ጽቡቕ ክራማት እንተዘይተረኺቡ። “ እታ ምእንቲ ‘ርእስኻ ምኽኣል’ ክትብል ረዲኤት መግቢ ኣጕዲላቶ ዝጸንሐት ንድርቂ ዝተቓልዐት ኤርትራ ናይ ወጻኢ ረዲኤት ከድልያ እዩ” ክብል ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘጠንቀቐ፡ ሎሚ 22 ሰነ ሮይተርስ ካብ ኣስመራ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።

Puntlandኣመሪካ ኣንጻር’ቲ “ናይ ኤርትራ ናይ ውክልና ኢድ ኣለዎ” ኢሎም መራሕቲ ፑንትላንድ ዝዛረቡሉ ዘለዉ ናይ ፑንትላንድ ኩነታት ስጉምቲ ክትወስድ ትሸባሸብ ከምዘላ ጂስካ ኣፍሪቃ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣፍሊጡ።

ተኣምራትዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን-ኪ ሙን (Ban Ki-moon ) ንኤርትራዊ ተኣምራት ሳሙኤል ከም ምኽትል ፍሉይ ልኡኹ ኣብ ኔፓል ( Deputy Special Representative for Nepal)  ከምኡ ‘ውን ምኽትል ሓላፊ ተልእኾ ውድብ ሕብራት ኣብ ኔፓል (Deputy Head of the United Nations Mission in Nepal )  ከምዝመዘዞ ሎሚ 20 ሰነ ካብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኒው-ዮርክ፡ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

Musaፕረዚደንት ናይታ ሓውሲ ነጻ ዝኾነት ዞባ ሶማልያ (ፑንትላንድ) ኣዲ ሙሳ ነቲ ኣብ’ዚ ቐረባ እዋን ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ ጸረ መንግስታት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝኾነ ኪዳን፡ ኣብ ዞባዊ ምምሕዳራዊ ግዝኣቱ ወጥሪ ክፈጥር ይፍትን  ከምዘሎ ምኽሳሱ፡ ሸቤሌ ሚድያ ነትዎርክ ካብ መቓድሾ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።

20 seneፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ 20 ሰነ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ “ እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ትርጉም ህላወና ብኣእሙሮና እንምርምረሉን ነቲ ንኽብሪ ሃገር ዝተኸፍለ መስዋእቲ ዝገበርናዮ ካሕሳ እንመዝነሉን ብምዃኑ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ…” ኢሉ።

ስዩም“ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ነቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመታት ብኣህጉራዊ ኮምሽን ዶባት ዝተወሰነ ብይን “ ብዘይ ቅድመ ኩነት ተቐቢልናዮ ኣለና” ከምዝበለ ኣሾሸይትድ ፕረስ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነጺጉዎ።

ኢሳያስፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ምፍታሕ መሪሕ ተራ ክጻወት ከምዝጸውዐ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ (AFP) ኣፍሊጡ።

ባድመኢትዮጵያ፡ ነታ ቀንዲ ሰበብ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይና ዝጸንሐት ባድመ ንኤርትራ ክትሓድገላ ከምዝተሰማመዐት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበረ ካብ ኣሾሸይትድ ፕረስ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና ዝረኸብናዮ ዜና ኣፍሊጡ።

Somali PMቀዳማይ ሚኒስተር መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዓሊ መሓመድ ገዲ ምሕዝነት ተቓወምቲ ሶማልን እትዮጵያን ኣብ ኤርትራ ይቐውም ከምዘሎ ሎሚ (09 ሰነ) ብድምጺ ኣመሪካ (VOA) ንዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ከምዘረጋገጾ መርበብ ሓበሬታ ድምጺ ኣመሪካ  ኣገንዚቡ ።

Eriኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ፡ ዕጡቓት ወተሃደራት ኤርትራ ጽዕጹዕ ቶኽሲ ብምኽፋት 23 ገፈፍቲ ዓሳ ምስሪ ከምዝሓዙ ሮይተርስ ሎሚ 08 ሰነ ካብ መትረብ ስዌጽ (ምስሪ) ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።

Iranፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ኤርትራ ንዝኾነ ዲፕሎማት ተቐቢሉ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘዘራረበሉ ኣጋጣሚ፡ “ ኒኵሌራዊ ዓወት ኢራን ምንጪ ሓበንና እዩ፡ እታ ሃገር ኣብ’ዚ ጉዳይ ‘ዚ ንዘለዋ መርግገጺ ድማ ንድግፎ” ብምባል፡ ኒኵልየራዊ ጸዓት ምውናን ዘይትንከፍ መሰል ኢራን ምዃኑ ኣገንዚቡ፡ ኣገልግሎት ዜና ኢራን ሓቢሩ።

US amb Erመንግስቲ ኣመሪካ ንትግባረ ናይቲ ብኮምሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበየነ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳኔ፡ መብጽዓን ድሌትን ከምዘለዎ ጸቒጠ ከረጋግጸልኩም እደሊ።

abunነቶም ካብ ሕጊ ወጻኢ ካብ ስልጣኖም ንዝተወገዙ ብጹእ ወቅዱስ ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጠንዮስ ተኪኦም ዝተመርጹ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፡ ብ  27 ግንቦት፡ ራብዓይ ፓትሪያርክ ሊቃነ ጳጳሳት ኤርትራ ኮይኖም ብወግዒ ከምዝተቐብኡ ቴሌቪዥን ኤርትራ ኣፍሊጣ።

libyaእቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ሊብያ ብዘየተኣማምና ጀላቡ ናብ ኤውሮጳ ዝሰግሩሉ ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪ ብቐጻሊ ሓደገኛ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።

50 ኤርትራውያን ተቐማጦ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሎሚ 31 ግንቦት ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ዓዲ እንግሊዝ፡  ለንደን ተረኺቦም ንማእሰርቲ መእመናን ብመንግስቲ ህግደፍ ዝዅንን ተቓውሞ ከምዘስምዑ ‘ኢንስፓየር መጋዚን’ ገሊጻ።

Ethiopiaኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጂጂጋን ደጋቡርን ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 16 ሰባት ክሞቱ ከለዉ 67 ከምዝቖሰሉ መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ሓቢራ።

 ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብምኽንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ስታድዩም ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ብዘይተግባራውነትን ምትሕልላኻትን ውሳኔ ምምላካት ዶብ ኤርትራ ኢትዮጵያን ተሓተቲ ሰበስልጣን ኣመሪካ ምዃኖም ገሊጹ።

 

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ከይኮኑ ድሕነቶም ኣስጊኡ ዝቐነየ 57 ኤርትራውያን  ብሊብያውያን ካብ ሓደጋ ምጥሓል ድሕሪ ምድሓኖም ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ሊብያ ተታሒዞም ከም ዝርከቡ፡ እንተኾነ ናብ ኤርትራ ብሓይሊ ናይ ምምላስ ካልእ ሓደጋ የጸላልዎም ከምዘሎ ካብ መርበብ  ሓበሬታ መሰልና ደሊና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ኤርትራዊ ኣቶ ሃይለ መንቆርዮስ ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት  ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኮይኑ ከገልግል ከም ዝተመዘዘ መርበብ ሓበሬታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።