ኣብቲ ብእስላማዊ ጥሩፍነት ዝኽሰስ ኣሸባብ ዝብሃል ጉጅለ ሶማል ኣብ ካምፓላ፡ ኡጋንዳ ዝተኽየደ ህይወት 74 ሰባት ዘጥፍአ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ዛጊት፡ 5 ደቂ ተባዕትዮን 2 ደቀንስትዮን ኤርትራውያን ከምዝሞቱ ተለልዮም ከምዘለዉ፡ ዝቖሰሉ ‘ውን ከምዘለዉ ምንጭታት ኣሰና ካብ ካምፓላ ሓቢሮም።
ኣብቲ ብእስላማዊ ጥሩፍነት ዝኽሰስ ኣሸባብ ዝብሃል ጉጅለ ሶማል ኣብ ካምፓላ፡ ኡጋንዳ ዝተኽየደ ህይወት 74 ሰባት ዘጥፍአ መጥቃዕቲ ቦምባ፡ ዛጊት፡ 5 ደቂ ተባዕትዮን 2 ደቀንስትዮን ኤርትራውያን ከምዝሞቱ ተለልዮም ከምዘለዉ፡ ዝቖሰሉ ‘ውን ከምዘለዉ ምንጭታት ኣሰና ካብ ካምፓላ ሓቢሮም።
ጠወርቲ ስድራቤታት ዝኾኑ ኣቦታትን መንእሰያትን ብስም ‘ሃገራዊ ኣገልግሎት’ ብስርዓት ህግደፍ ንዘይተወሰነ እዋን ከምጅሆ ተታሒዞም ኣብ ዘለዉሉ እዋን፡ ከምዚ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ኣስመራ ዝተላዕለ እዋናዊ ስእሊ ዘመልክቶ ዘሎ፡ ኣዴታት ህጻውንቲ ቆልዑ ሒዘን ኣብ ፈቖዶ ኣንጎሎታት ክልምና ይውዕላ ‘ለዋ።
ኣቶ ዓንዱ ብርሃነ ዝተባህለ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዋሺንግተን ዝቕመጥ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ብ18 ሰነ ብሕማም ዓሪፉ ሬስኡ ብ23 ሰነ ናብ ዓዲ ምስ ተላእከ፡ ኣብ ዓደቡኡ ኣምሁር ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ፍትሓት ከይግበረሉ ድሕሪ ምኽልካሉ ንቡር ፍትሓት ከይረኸበ ከምዝተቐብረ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ሚኒስትሪ ንግድን እንዱስትሪን፡ ሓላፊ ኽፍሊ ንግድ ኮይኑ ክዓዪ ዝጸንሐ ኣቶ እስቲፋኖስ ሃብተ፡ ሚኒስተር ሚንስትሪ ንግድን እንዱስትሪን ኮይኑ ተመዚዙ።
ፖሊስ ምስሪ ንሓንቲ ቆልዓ ሒዛ ብሓውሲ ደሴት-ሲናይ ናብ እስራኤል ክትሰግር ዝፈተነት ኤርትራዊት ኣደ ቖልዓ፡ ካብ ናይ ቀረባ ርሕቀት ብጥይት ከምዝቐተሉዋ ሮይተርስ ካብ ምስሪ ሓቢሩ።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ቅነሓየላ፡ ዞባ ደቡብ፡ ካብ 55 ክሳብ 70 ኣብ ዝገማገም ክሊ ዕድመ ዝርከቡ 8 ሽማግለ-ዓዲ ከምዝኣሰረ ምንጭታት ሓቢሮም።
ብኣባላት ተቓወምቲ ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ውልቀ ሰባትን ዝተዳለወ መደብ ዝኽሪ ስውኣት ብዓቢ ድምቀት ተኸቢሩ፡፡
ኣብ ለንደን ዝርከብ መንበሪ ገዛ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ሚኒስተርን ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ውሽጣዊ ጉዳያትን ኮይኑ ዘገልገለ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ: ለንደን ዝነብር ዘሎ፡ ኣቶ ናይዝጊ ክፍሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ረፋድ ክሳብ ወጋሕታ ብፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ብጽኑዕ ከምዝተፈተሸ ተፈሊጡ።
ስርዓት ህግደፍ፡ “ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብጌግኡ ተኣሚኑ፡ ሓቅነትና ተረጋጊጹ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝፈጸሞ ጌጋ ይግምግሞ ‘ሎ ክብል ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ሓሶት ዘመተ የካይድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሙዘቀኛታት “ክብሪ ሞያና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ተኣኪቦም፡ ዓውዲ ሙዚቃ ኤርትራውያን ንምግምጋምን ፍሉይ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ሞያውያን ሙዚቀኛታት ንምትብባዕን ዝዕላምኡ ውራይ ከም ዘካየዱ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ምስሪ፡ ኣብ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ኣብ እትርከብ ከተማ፡ ሓያለ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም 70 ስደተኛታት ብነጋዶ-ሰብ ኣብ ትሕቲ-መሬት ብሰንሰለት ተኣሲሮም ከም ጅሆ ተታሒዞም ድሕሪ ምቕናይ፡ “5 ሽሕ ዶላር ኣረክቡ ወይ ድማ ህይወትኩም ክትስእኑ ኢኹም” ተባሂሎም፡ ብኤለትሪክ ክፍልታት ኣካላቶም እናነደደ ይሳቐይዩ ከምዘለዉ፡ ዛጊት 10 ካብኣቶም ብኣሰቃቒ መንገዲ ከምዝተቐትሉ፡ እቶም ዝተረፉ ኸኣ ህይወቶም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።
ብዕለት 22 ጉንቦት መበል 19 መዓልቲ ናጽነት ሃገርና ኣብ ከተማ ከለን ብኽብ ዝበለ ድምቀት ተባዒሉ። እዛ ፍልይቲ ዕለት ኣብ ኣባላት ማሕበረሰብ ከለንን ከባቢኣን ዘለዋ ፍሉይ ሚዛን ካብቲ ዘአርእይዎ ናይ ብሃንቀውታ ምጽብባይ፡ ምሽብሻብ ኣብ ምድላዋት፡ ኣብ ገጽ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ዝርኤ ናይ ፍሽኽታን ባህታን ሓጎስን ፡ ዘለዎ ፍቕሪ ኣብዛ ህያው ዕለት ብቀሊሉ ይንበብ ነይሩ።
ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣሰንዩ ኣብቲ ካብ 31 ግንቦት ክሳብ 1 ሰነ 2010 ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ Nice ዝተኻየደ መበል 25 ዋዕላ ፈረንሳን-ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ኣባል ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ስምኦን መሓሪ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።
እቲ ብዕሊ ካብ ዝምስረት ሒድት ኣዋርሕ ጥራሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ውልዶ ግን ከኣ ንጡፍ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሰንበት 30/05/2010 ምስ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣኼባ ኣብ ከተማ ሎንደን ኣካይዱ።
ዘተ ብዛዕባ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ድምጺ ኣመሪካ
ክቡር ኣቦና ኣባ ሃይለማርያም ገብረሕይወት ሓላፊ ደብረመድሃኒት ኪዳነ ምህረት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ለንደን ብሕማም ምኽንያት ብሰሉስ 25 ግንቦት ካብዛ ዓለም ብሰላም ዓሪፎም።
ቴድሮስ መንግስቱ ዝተባህለ ሓደ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣብ ህዩስተን፡ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ብደገፍቲ ህግደፍ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኩነታት ጽጹይ መጽናዕቲ ክካየደሉ CPJ ዝተባህለ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት ኣጥቢቑ ጸዊዑ።
ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን አብ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ዝተዳለወ መበል 19 ዓመት በዓል ነጻነት ብዕለት 22 ግነቦት 2010 ብተቀማጦ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ከምኡውን ካብ ከተማ ፍራንክፎርት፤ ኑርነበርግን ኡሉምን ዝመጽኡ አጋይሽ ብሓባር ዝተኻፈልዎ ብድምቀት ብዒሉ ውዒሉ፡፡
መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኩለን ሃገራት ዓለም ዝካየድ ዘሎ ኣንጻር ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ. ዝዓለመ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ትማሊ ብ25 05 2010 እውን ኣብ ከተማ ኦስሎ፣ ኖርወይ ብዓወት ተኻዪዱ:: እቲ ሰልፊ ንእከይ ግብሪ ስርዓት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዘቓልዐ፣ ንኮራኵር ናይቲ ስርዓት ዘሰምበደ፣ ንሞራልን ተስፋን ናይቲ ውጹዕ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ዘሕነነ፣ ረዚን መልእኽቲ ዘለዎ ዕዉት ሰልፊ ነይሩ::
እቲ ኣብ ጉዳይ ሶማልያ ኢድ ብምእታው ግብረሽበራ ኣተባቢዕካ ተባሂሉ ድሕሪ ምኽሳሱ ብባይቶ ጸታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እገዳ ዝተበየነሉ፡ ቅኑዕነቱ ንህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ከእምን ዘይከኣለ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ እገዳ ብኻልእ ሜላ ንምንእኣስ ኣብ ድሮ ጽምብል ነጻነት ሓድሽ ፕሮፖጋንዳዊ ጸወታ ጀሚሩ ‘ሎ።
ኤርትራዊ ኣትለት ሳሙኤል ጎይቶኦም ሓድጉ ኣብ ጀርመናዊት ከተማ ካስል ሎሚ 16 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን-ካስል ብ02.13.05 ግዜ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ብምፍጻም ከምዝተሸለመ ተፈሊጡ።
Citizens United for Human Rights in Eritrea (CUHRE) calls for a Public Seminar for discussions on the National Conference for Democratic Change on Saturday May 22, 2010.
Citizens United for Human Rights in Eritrea (CUHRE) calls for a Public Seminar for discussions on the National Conference for Democratic Change on Saturday May 22, 2010.
መቀጸልታ ናይ’ቲ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዘማእክልዎ ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም – ሽወደን ተዳሊዩ ኣሎ።
ብምክንያት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ሎሚ ኣብ ከተማ የቶቦሪ ብድምቀት ከምዝተኸብረን አብቲ በዓል ብርኽት ዝበሉ ኤሪትራውያንን ሸውደናውያንን ከምዝተረኽቡ ኽፍለጥ ተኻኢሉ::
ብምክንያት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ነጻ ፕረስ ሎሚ ኣብ ከተማ የቶቦሪ ብድምቀት ከምዝተኸብረን አብቲ በዓል ብርኽት ዝበሉ ኤሪትራውያንን ሸውደናውያንን ከምዝተረኽቡ ኽፍለጥ ተኻኢሉ::
ኣቦ ኣርባዕተ ስዉኣት ቀሺ ወልደጽዮን ተኽለ ብበጋሚዶታት ህግደፍ ከቢድ ማህሰይቲ ወሪድዎም። ንተዋህዶ ሃይማኖት ቤተርስትያን ኤርትራ መንግስቲ ህግድፍ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ናይ ስለላ መሓውሩ ካብ ዝገብራ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።
ትማሊ ቀዳም ዕለት 01/05/2010 ኣብ ከተማ ሸፊልድ ዕዉት ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር እቲ ብተስፋሚካኤል ገራህቱ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ገለ ሒደት ተቐማጦ ሸፊልድ ዚተረኽብዎ ኣኼባ ዚተኻየደ ኢዩ።
ክፍሊ ኢሚግሬሽን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ክቕየር መምርሒ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ነቲ መስርሕ ምቕያር ብኮምፒተራዝድ ዝኾነ ኣገባብ (Digitalized process by Oracle Database) ክፍጽሙዎ ኣብ መንጎ ዝተወዓዓሉ ጀርመናውያን ክኢላታትን ስርዓት ህግደፍን ዘይምርድዳእ ከምዝተኸስተ ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቆንስል ኤርትራ ኮይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣቶ ሳልሕ ኢማን ማሕሙድ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኣመሪካ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ እሙናት ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።
ADDIS ABABA (AFP) — An Eritrean rebel group said Saturday on it has killed 18 government soldiers and injured 20 more in predawn attacks in southern Eritrea.
ADDIS ABABA (AFP) — An Eritrean rebel group said Saturday on it has killed 18 government soldiers and injured 20 more in predawn attacks in southern Eritrea.
By Jeremy Clarke
NAIROBI (Reuters) – United Nations sanctions imposed on Eritrea last year will stop it interfering in Somalia, Djibouti’s foreign minister said on Wednesday.
By Jeremy Clarke
NAIROBI (Reuters) – United Nations sanctions imposed on Eritrea last year will stop it interfering in Somalia, Djibouti’s foreign minister said on Wednesday.
ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሃብቲ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሳያስን ኣቶ የማነ ገብራኣብ ከይንቀሳቀስ ከምዝኣገደቶ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ናይ ሎሚ 16 ሚያዝያ ዜናኣ ኣቃሊሓ።
ኣብ ኤርትራ ወለንታዊ ናይ መጥባሕቲ ኣግልትሎት ከካይዱ ዝቐነዩ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኣመሪካ (ቨርጂንያ) ዝመደበሩ Physicians For Peace ዝኾኑ ዓበይቲ ሓካይም: ኣገልግሎቶም ኣቋሪጾም ካብ ኤርትራ ክወጹ ብስርዓት ህግደፍ ተኣዚዞም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም ።
ክፍሊ ኢምግረሽን ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክቕየር መምርሒ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።