Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

isaiasፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቲ ድሕሪ 24 ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ከይቃላሕ ናብ ሚኒስትሪ ዜና ጥብቂ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

gashኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሓሙስን ዓርብን ዕለት 8ን 9ን ሚያዝያ 2010 ኣብ ሃደምደም ፋንኮን ዝተባህለ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝርከብ ቦታታት፡ ኣብ ናይ ወርቂ ምፍሓር ስርሓት ተዋፊሮም ዘለዉ ኤርትራውያን በስገዳድ ንምዕስካሮም ብወተሃደራት ስርዓት ኢሳያስ፡ ብዝተፈጸመ ማሀረምትን ምድፋእን ኣምባጓሮ ተፈጢሩ ካብ ወተሃደራት ስርዓት ኤርትራ ሓደ ወተሃደር ሞይቱ።

YemaneGBስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ኣብ ዘካይዶ ፕሮፖጋንዳውን ሃሱሳውን ስርሓት መጋበርያ ንክኾኖ YPFDJ ብዝብል መጸውዒ ኣብ ወጻኢ ዝፈጠሮ ናይ መንእሰያት ውዳበ ስለዘይተዓወተሉ፡ እቲ ቀንዲ መልማሊኡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ማንኪ ከይተረፈ ናይ ቅብጸት ምልክታት የርኢ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

Melottiቅድሚ ክልተ ሰሙን ኢሳይያስ ንዓሊ ዓብዱ ብጥርሙዝ ቢራ ገጹ ስለዝጨደዶ፡ ንኽልተ ሰሙን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ቀንዩ። ክሳብ ‘ዚ እንዋን’ዚ ኸኣ ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይተራእየን። ኢሳይያስ ስለምንታይ ንዓሊ ከምዝሃረሞ  ዛጊት እቲ ምኽንያት ንጹር ኣይኮነን። ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ ቀጻሊ ክስዕብ እዩ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ካሕሳይ ገብሪሂወት፡ ብምኽንያት በዓል ፋሲካ ኣብ ዛግር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጽምብል መደረ እናህበ ከሎ ክወድቕ፡ ኣብ ቴለቪዝን ኤርትራ ላይቭ ተራእዩ።

Libyaግዱሳት ኤርትራውያን ካናዳውያን ምስ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ሊበራል ሚስተር ጀራርድ ከነዲ ብ29 መጋቢት ብምርኻብ ንኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ኣካይዶም።

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና

kidanድምጺ ኣሰና ንቐዳም 3 ሚያዝያ ምስ ኣቦ ወንበርን ምኽትል ኣቦወንበርን ኣሰናዳኢት ኮሚተ ናይቲ ን29 ሓምለ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ‘ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ’: ዶር በሽር ይስሓቕ፡ ኣቶ ኣምሃ ዶመኒኮን ቃለመጠየቕ ከተካየድ መዲባ ስለዘላ፡ ነቲ ዋዕላን ምስኡ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያትን ዘለኩም ሕቶታት፡ ብሕጽር ዝበለ፡ ኣብ ነጥብታት ዝተጸምቌ ኣቀራርባ ጽሒፍኩም፡ በዚ ኢመይል’ዚ  asenaquestions@googlemail.com ክትልእኩልና ብትሕትና ነዘኻኽር።

 

hadasስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ትካላት መንግስቲ ኤርትራ ከም ሓላፍን ጋዜጠኛን ኮይኑ ከገልግል ንዝጸንሐ ኣቶ ስዒድ ዓብደልሓይ (ስዒደና) ዛጊት ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ኣሲሩዎ ከምዘሎ ክስማዕ ንዝቐነየ ሓበሬታ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾሞ።

Bread lineስርዓት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ሰብ ዘለዎን ዘይብሉን እናበለ ህዝቢ ብምፍልላይ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ሰብ ኣለዎም ዝበሎም ብኩቦን ሃለኽቲ ናይ ምግዛእ መሰሎም መንዚዑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝነበር ህዝብን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ቤተሰቦምን ተወሳኺ ጸቕጢ ብምፍጣር ገንዘብ ንምኽዕባት፡ ተንኮላዊ ውጥን ኣዋዲዱከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

Glasgow Demo demo.archive.assenna.comዝሓለፈ ዓርቢ ዕለት 19/03/10፤ ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዓ/ብሪጣንያ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ግላስጎ (ስኮትላንድ) ናይ ኤርትራውያን ኣኼባ ከካይድ ዕድመ ኳ እንተገበረ፡ ኣብታ ከተማ ካብ ዝርከቡ 300 ኤርትራውያን 25 ጥራይ ንዕድሚኡ ተቐቢሎም ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም።

Eritrean Air Forceቁጽሪ ናይቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ሰሙናት ንስርዓት ህግደፍ ብምርሕራሕ ንግዚኡ ክንጠቕሶ ኣብ ዘይደለና ሃገር ወጻኢ ዑቕባ ዝሓተቱ ኣባላት ሓይሊኣየር ኤርትራ 19 በጺሑ ከምዘሎ፡ ገለ ካብኣቶም ምስ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓጺር ቃለመጠየቕ ኣረጋጊጾም።

Friends of Asenaዝኸበርኩም ተከታተልቲ ድምጺ ኣሰና፣ ንሕና ኣዓሩኽ ኣሰና፣ ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ንቅመጥ፣ እታ ተስፍ ህዝቢ ኮይና ዘላ፣ ድምጽኹም ድምጺ ኣሰና፣ ዘጋጥማ ዘሎ ቑጠባዊ ጸገም ንኽፍታሕ፣ ተበግሶ ወሲድና፣ ዝተፋላለይ መደባት ሰሪዕና፣ ጻዕርታት ካብ ንጅምር ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። 

EDFብ 4 መጋቢት 2010 ኣብ ከባቢ ሳዋ ኣብ ዝርከብ መዓስከር፡ ኣዘዝቲ በራጊድ ናይቲ ብሓለዋ ፕረዚደንት ዝፍለጥ ፍሉይ ኣሃዱ፡ ብዛዕባ ‘ቲ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ ተሪር ተቛውሞ ንዘቕረቡሎም 11 ኣባላት ብ9 መጋቢት ከምዝኣሰሩዎም ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

Asmaraውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ሞንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ዘሎ ዝምድና ዘላሕልሕ፡ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ዘናቁት ሓዲሽ ሕጊ ኣውጺኡ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ድሕሪ ናጽነት ድሕሪ 17 ዓመታት ዝወጸ መምርሒ፡ ዝያዳ መሰል ወነንቲ ኣባይቲ ዘረጋግጽ፡ መሰል ተኻረይቲ ብሓፈሻን መሰል ወነንቲ ትካላት ዘቆናጽብ፡ ዘይፍትሓዊ ሕጊ ምዃኑ ድሮ ህዝቢ ተገንዚቡዎ ከምዘሎ እቶም ንጭታት የረድኡ።

Womenብተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝተዳለወ በዓል ዝኽሪ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ብዕለት 06.03.2010 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ተኻይዱ። እቲ በዓል ብርክት ዝበለ ብዝሒ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝተሳተፍዎ፡ ከምኡውን ኣርየስ ላቲኖስ ዝተባህለት ባህላዊት ጉጅለ ላቲን ኣመሪካ ማሓዛ ማሕበር ተበግሶ ዝተሳተፍዎ በዓል’ዩ ነይሩ።

london ህዝቢ ኤርትራ ንሓደ ዘመን መመላእታ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ገዛእቲ ሓይልታት ክሳቐ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ 1991 ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ተላቒቑ። ድሕሪ ናጽነት፣ ነቶም ካብ ኣብራኹ ዝወጹ ደቁ ልዕሊ ኣምላኽ ብምእማን ኩሉ እንትንኡ ኣረኪቡ ክሕብሕቦምን ከምልኾምን ኣብ ዝጀመረሉ፣ ናይ ነገር ግዜ ሓቀኛ መንነቶም ብንግሁኡ በጨቕ ክብል እኳ እንተጀመረ ቀልጢፉ ዓገብ ከብሎም፣ናይ ነገር ወላዲ ኮይንዎ ርእዩ ከምዘይርኣየ ኮይኑ ክሓልፎ እዩ መሪጹ።

er air force15 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ መዓልታት ካብ ስርዓት ህግደፍ ብምምላጥ፡ ምእንቲ ድሕነቶም ንግዚኡ ክንጠቕሳ ኣብ ዘይደለና ሃገር ኣትዮም፡ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

Asena Donations ድምጺ ኣሰና ሰኑይ 8 መጋቢት ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ ከተቋርጽ ምዃና ድሕሪ ምሕባርና፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና፡ ብቴለፎንን ኢመይልን ስምባዲኦም ኣብ ልዕሊ ምግላጽ፡ ቀጻልነት ኣሰና ንምርግጋጽ፡ ከም ቀወምቲ ኣባላት ተመዝጊቦም ቀጻሊ ወፈያ ክገብሩ ድሉውነቶም የረጋግጹ ኣለዉ።  እዚ ተበግሶ እዚ ግን፡ ብተሳታፍነት ብዙሓት ግዱሳት ጥራይ ክዕወት ከምዝኽእል ብምግንዛብ ከኣ፡ ብመሰረት ርእይቶን ግብራዊ ተበግሶን ህዝቢ ነዚ ዝስዕብ ኣፈናዊ ሓሳብ ነቕርበልኩም።

londonእታ ጉጅለ ኣቐዲማ ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣበርክቶ ገይራ ነይራ እያ። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን፡ ውሑድ ዓቐን ዘለዎ ገንዘብ ናብ ብዙሓት ሰባት ብምምቕራሕ፡ ወርሓዊ  ኣበርክቶ ብምግባር ንቐጻልነት ድምጺ ኣሰና ከውሕስ ይኽእል እዩ ብዝብል እምነት ነቲ ተበግሶ ከምዝወሰደት ኣረዲኣ።

Asena Californiaእዚ ንድምጽና ድምጺ ውጽዓት ዝኾነት ድምጺ ኣሰና ኣጋጢሙዋ ዘሎ ፋይናንሳዊ ጸገም ንኽፍታሕ ብዓቕምና ኣበርክቶና ከነወፊ የዕሩኽቲ ኣሰና ተዳሊና ንርከብ። ነዚ ቁዱስ ሃገራዊ ዕላማ ሸትኡ ንኽወቅዕ ኩሉኹም ፈተውቲ ሀገርን ህዝብን ኤርትራ እጃምኩም ከተወፍዩን ንኣሰና ናብ ንቡር ሂወታ ኣብ ምምላስ ተራኹም ንኽትጻወቱ ንሕና የዕሩኽቲ ኣሰና ብኽብሪ ንዕድመኩም።

ethio oppositionመራሒ ስርዓት ህግደፍ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብስርዓቱ ንዝምልመሉን ዝንቀሳቀሱን  ኣብ ኤርትራ፡ ከባቢ ጎልጅ  ዝመደበሮም ልዕሊ ትሽዓተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዱዎ ዘለዉ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምንቅስቓስ ዘዕግብ ውጽኢት ከምዘየምጽኡ ኣብ ዚ ቐረባ እዋናት ኣብ ዘካየደሎም ወግዓዊ ኣኼባ ከምዝገለጸ ምንጭታት ሓቢሮም።

EUቤትምኽሪ ሕብረት ኤውሮጳ ፡ ኣብቲ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት  ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ዘሕለፎ ውሳኔ 1907 ተመርኵሱ፡ ብቑጽሪ (5534/10)  ዝፍለጥ ንትግባረ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ምትግባር ንኽሕግዞ ዝኣመሞ ኣህጉራዊ ቀያዲ ስጉምታት ከምዘጽደቐ ብ 1 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

Isaias Afewerqiመራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንገለ ክፋል ሰራዊት ካብ ዝእዝዙ ካብ ኮለኔል ንላዕሊ ንዝመዓርጎም ኣዘዝቲ ፡ ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ኣመልኪቱ ኣብዚ ቕንያት’ዚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ብገለ ካብኣቶም ተሪር ተቓውሞታት ከምዘጋጠሞ፡ ኢሳይያስ ከኣ ንተቓውሞታቶም ብነድርን ሕርቃንን ከምዝመለሸሉ ምንጭታት ሓቢሮም።

Trafficlightስርዓት ህግደፍ፡ ናብ ወጻኢ ክኸዱ ንዝደልዩ ኤርትራውያን ከምመሰጋገርቲ (Human Traffickers) ተመሲሎም ብምስራሕ ኣሽሓት ዶላራት ድሕሪ ምምልጣጦም ተመሊሶም ከእስሩዎም መምርሒ ዝህብ ምስጢራዊ ተዘዋዋሪ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈ እሙናት ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

Orderንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ዝቃወም ደብዳበ፡ ብሽሞምን ኣድራሽኦምን ተጻሒፉ፡ ብዘይኣፍልጦኦም፡ ናብ ኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ዝተላእከ ኤርትራውያን ቁጥዐኦም ንምግላጽ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓበሬታ ኣመሓላሊፎም ።

poundsስርዓት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ካብ ዝነበር ህዝብን ካልእ ንጥፈታትን ዝኣከቦ ገንዘብ ብእሙናት ተሓባበርቱ ብምስጢር ናብ ኤርትራ ከምዘእተወ ምንጭታት ካብ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሮም።

ንእገዳ ባይቶ ጸጥታ ዝቃወም ደብዳበ፡ ብሽሞምን ኣድራሽኦምን ተጻሒፉ፡ ብዘይኣፍልጦኦም፡ ናብ ኣባላት ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ዝተላእከ ኤርትራውያን ቁጥዐኦም ንምግላጽ ናብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓበሬታ ኣመሓላሊፎም ።

Swedenኣባለት ውድባት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ ማዕቀብ ምኽንያት ብምግባር ናይ ሓደ መዓልቲ ሰሚናር ኣካይዱ። እቲ ሰሚናር ንማዕቀብ ብይን ቁጽሪ 1907 ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ፡ ዓሙቕ ዘተ ብምክያድ፡ ሕጋውነቱን ኣድማዕነቱን፡ ኣብ ልዕሊ መሓውር ስርዓት ህግደፍን ገባቲ ፖሊስኡን ዘነጻጸረ ውሕሉል ማዕቀብ ብምዃኑን፡ ንጸረ ሰላምን ርግኣትን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓለምን ግጉይ ፖሊስኡ ዝገትእ ከም ዝኾነ ተገንዚቡ። ምዕራፍ ቁ. 7 ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓንቀጽ ብዓንቀጽ ብምኻድ ዘትይሉ።

Demoብተበግሶ መንእሰያት ኤርትራ ንለዉጢ ዝተወደበ ሰለማዊ ሰልፊ ብ 19/02/2010 ኣብ ዓዲ ጥልያን ከተማ ሮማ ተኻይዱ፡፡ ዕላማ ናቲ ሰለማዊ ሰልፊ ነቲ ብዕለት 23/12/2009 ብባይቶ ጸጥታ ዝጸደቐ እገዳ ኣብሊዕሊ መራሕቲ ህግደፍ ዉጺኢት ናይቲ ዝገብሮ ዘሎ ጣልቃ ምእታዉ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ምትሕብባር ምስ ግብረሽበራውዉያን ብኻልእ ሸነኹ ድማ ዘይ ቁዋማዊ ስራዓት ብምኻኑን ዝተወስደ ስጉምቲ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ስጉምቲ ደገፍና ንምሃብን ኮሙኡ ድማ ኣብ ኤርትራ በቲ ስራዓት ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰባኣዊ መሰላት ንምቁዋም ዝዓለመ እዩ፡፡

ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ን-ቀዳም ዕለት 13.02.2010 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣባላት ማሕበር „መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ EYC“፡ ካብ San Jose, CL (USA)፡ ኣጋይሽ ናይ (Eritrean room for strong and united opposition) ኮይኖም ከምስዩ፣ „ሌላ ምስ መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ (EYC)“፡ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፡ ከም ዋና ዛዕባ ኣልዒሎም፡ ምስ ህዝቢ ክዛተዩ ዓዲምናዮም አሎና። እዚ (Chat-Room) ዝኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ብርሊን (Berlin) አቖጻጽራ፡ ሰዓት 20፡00 እዩ፡፡ መደረ ጋሻና ዝጅመረሉ ሰዓት 21፡00 ክኸውን እንከሎ፡ ዘተ ዘብቃዓሉ እዋን ከባቢ ሳዓት 01፡00 ክኸውን እዩ። ድሕሪ’ዚ ጋሻና ግዜ ሃሊይዎ፡ ፍቃደኛ እንተ ኾይኑ፡ አብ ለበዋ፤ ርእይቶ፤ ነቐፈታ፤ …ወዘተ… ክንአቱ ኢና።

ከምቲ ኩሉ ዝርእዮን ዝጸምዖን ዘሎ፡ ኣብዚ ግዜ ህግደፋዉያን ነቲ ኣብ ልዕሊ መራሕቶም ዝተኣወጀ እገዳ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ናይ ሃገር ጉዳይ ኣምሲሎም ንህዝብና ንምድንጋር ዚገብርዎ ዘለዉ ግስጓስ ካብቲ ህዝብና ወሪዱዋ ዘሎ ናይ ጥምየት ሓለንጊ ንላዕሊ ተረኪቡለይ፡ ህዝቢ ንምድንጋር ከምቲ ናይ ኩሉ ጊዜ ፉሹል ፈተነኦም ላዕልን ታሕትን ክብሉ ይረኣኣዩ ኣለዉ።


ብሰንኪ ጻሕታሪ ተግባራት መሪሕነት (ህ.ግ.ደ.ፍ.) ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ዝወጸ ውሳኔ ብይን ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጸ ብምዝካር ንኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካናዳ ዝተዋህበ መተሓሳሰቢ ዘሐጉስ ስጉምቲ ብምውሳድኩም ሓጎሰይ ወሰን የብሉን።


ስርዓት ግህደፍ ኣብቲ ንኣህጉራዊ ኩባንያታት ዕደና ጽባሕ ጽባሕ ዝዕድሎ ዘሎ መሰል ዳህሳስን ዕደናን ወርቂ ዘጠቓለለ ጸጋታት፡ ናይ ኤርትራ ብጽሒት 10 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኑ ካብ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዝረኸብናዮ ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ብሰንኪ ዝኽተሎ ዘይሓላፍነታውን ዓንዳሪን ኣካይድኡ ሃገርና ኤርትራ ብማሕበረሰብ ዓለም ተነፊጋን ተነጺላን ምስላ ኣብ ዓለም ድማ ብሃናጺ ኣበርክቶኣ ዘይኮነስ ብኣዕናውን ተጻባኢን ካብ ዝምሰል ዓመታት ኣቑጺሩ’ሎ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኔዘርላንድስ ካብ ኤርትራውያን በስገዳድ 2% (ክልተ ሚእታዊት) እናኽፈለ ABN AMRO ኣብ ዝተባህለ ባንክ ናይታ ሃገር ብሕሳብ ቁጽሪ 425297322 ኣቐሚጡዎ ዝጸንሐ 4.8 ሚልዮን ይሮ ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ ከምዘሎ ማእከል ምርምርን ስነዳን ኤርትራ ዝተባህለ ኣብ ኔዘርላንድስ ዝመደበሩ ሲቪካዊ ማሕበር ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ህግደፍ ወዲ ገራህቱ ‘ ከምዚ ዓይነት ሕቶ ከም ትሓትት ፈሊጠ እየ ካብ መጀመርታ ዕድል ክህበካ ዘይክኣልኩ’ ብምባል ከኣ ነቲ ናይ ልቡ ከይተረድኦ በጨቕ ኣቢልዎ።