Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዚ ሰለ ዝኾነ ከኣ እቲ ኣሜርካ ወጢኖሞ ዘለው ውሳኔ ንመንግስቲ ኤርትራ ናብ መወልቲ ግብረ ሽበራ ምስራዕ ንጭኹን ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ከምዘይኾነ ኩሉ ክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ’ዩ ፡፡ ውልቀ ሰብ ወይ ጉጅለ ወይ ድማ ስርዓት ኣካል ግብረ ሽበራ ክኸውን ይኽእል’ዩ  ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣካል ግብረ ሽበራ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ፡፡

ብዕለት 16/08/2007 መንግስት ኣመሪካ ንሃገረ ኤርትራ ኣብ ደንቤ ናይ ግብረ-ሽበራዊ ስርሓት መወልትን ደገፍትን መዝገብ ዝርዝር ከስፍራ ምኻኑ ዘተንብህ ወረ ኣብ መራኸቢ-ብዙሓን ካብ ኣፍ ኣመሪካዊ ምምሕዳር ብዓልቲ መዚ ዝኾና ወይዘሮ ጃንዳይ ፍረዘር ሰሚዔ።…….

ስርዓት ህግደፍ ተሓቢኡሉ ዘሎ መጋረጃ ማለት ጸጋማዊ ስነሓሳብ፡ ኣውራጃነት፡ ናይ ከበባ መንፈስን ሓሶትን ጃህራን ትምክሕትን ምካኑ ብምስትብሃል፤ ከም’ቲ ጲላጦስ ኢዱ ሓጺቡ ካብ’ዚ ደም’ዚ ሰብኣይ’ዚ ነጻ እየ ዝበለ ካብ’ዚ ብጃንዳ ህግደፍ ዝፈስስ ዘሎ ደም’ዚ ህዝብ’ዚ ነጻ እየ ንምባል ክብቃዕን፡..ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጻር ሳቦያ ኢልኩም ነዚ መጻዪን ሽበራው’ን ስርዓት ሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ ናይ ታሪክ ጎሓፍ ንምድርባይ ስጉምቲ ሕጂ ውሰዱ እንዳበልና ንጽውዕ።. 

ምስ ገለ ኣሕዋት ደቂ ሃገር ብዛዕባ ኩነታት ሃገርና ኣልዒልና  ኣብ ንዝትየሉ ዝንበርና እዋን፡ንናይ ሃገርና ኩነታት ኩልና ሓደ ፍሹል መንግስቲ ሒዝና ንጉዓዝ  ከም ዘለና ኣስሚርናሉ፡ኣብ ፖለቲካዊ፡ማሕበራዊ፡ኢኮኖምያዊ ኩነታት፡፡እንተኾነ መን’ዩ ናይ ዚ ዘለናዮ ኩነታት ተሓታቲ ወይ ኣየናይ ኣካል’ዩ ተሓታቲ? ኣብ ዝብል ዝተፋላለየ ርእይቶት ኔሩ፡ንገለ ካብ’ኡ ብሕጽር ዝበለ ንተዓዘብ፡፡

 ኣብ መርበብ ሓቤረታ ኢንተርነት ኣሰና፡ “”ብጥዑም ምለስ ኣቶ መስፍን ሓጎስ”” ዝብል ኣርእስት ብሰለስተ ኣቦታት ካብ “”ኣስመራ”” ዝተጻሕፈትን ዝተላእኸትን ነቢበ።   ኣብ ዝርዝር ከብዲ ቁምነገር እታ ጽሕፍቲ ኣብ መብዛሕትኡ እኳ ዝሳማማዕ እንተኾንኩ፡ ኣብታ ጽሕፍቲ ትስንዝሮ መንፈስ ናእዳታት፡ ምስትንታናት፡ ከፊላዊ ሓቤረታታት፡ ጥቆማታትን ምህለላን ስለዘይተሳማማዕኩ እየ። ካብዚ ብምንቃል ድማ ነቶም ጉዱሳትን ኩቡራትን ሰለስተ ኣቦታት ሓጻር መልእኽቲ ክጽሕፈሎም ብትሕትና ይነቕል!

Massawaምጽዋዕ ብዙሕ መከራታት ኢያ ርእያ። እዚ ኣብ ነባሮ ኣማተረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቶም ውሱናት ህዝቢ ዝወረደ ግፍዒውን ሓደ ካብኡ እንተ ተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ከም ቀጻልነት ምስቲ ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ገማግም ባሕሪ ዝነበሩ ገዛውቲ ካብ እንዳ ደናዳይ ነበር ጀሚርካ ክሳብ ርእሲ ምድሪ ዝተደምሰሰ ዝተታሓሓዘ እዩ።

Asmaraኣብ ዓዋተ ዳት ኮም ሓደ ጽሑፍ The Tears of a Sadist ብዝብል ብኣክሊሉ ዘርአ ብ25 ሰነ 2007 ዝተደርሰ ቀሪቡ። እቲ ጽሑፍ ብቛንቛታት ትግርኛ ይኹን ዓረብ ተዳልዩ እንተዝቐርብ ብዝያዳ ሸትኡ ምወቐዐ ዝብል ግምት ኣሎና።

ገዲም ተጋዳላይን ደራሳይን ፍስሓጽዮን ገብረ ብጉዳይ ዶብ ኤርትራን-ኢትዮጵያን ትማልን ሎሚን ብዝብል ዛዕባ ንህዝቢ ንምሕባር ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ፓልቶክ (Paltalk), ኣዳራሽ Eritrean room for strong and united opposition ”

ብ23 ሰነ ኣብ ገምገም ባሕሪ ህንዲ ደንደን ተባህለት ናይ ኤርትራ መርከብ ጠሊቓ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ኣሰና ዳት ኮም ምስ ኣንበብና ብዙሕ ጕሂና። መጀምርታ ሃለዋት ናይቶም ባሕረኛታትና ደሓር ድማ እታ ንብረት ናይ ኤርትራ ከንቱ ምጥፍኣ ተሰሚዑና።

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ለንደን ብሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ( ንምሉእ ትሕዝቶ ኣብ'ዚ ጠውቑ)

READ MORE

June 20እወ ንዝክሮም! ደቅና ኣሕዋትና ኣቦታትን ኣዴታትን ስድራና ዝተፈለዩና፣ ከመይ ኢልና ድኣ ክንርሰዖም። መዓንጣና ሕርር ክምቱር ይብል፣ ኣሕ! ሕጂስ ከመይ፣ ኣበይ፣ እንታይ ምሃለኹም ንብል።  ሓዊ ሓብቲ ክትስእን፣ ጮቖቕ ኢሎም ዘዕበዩ ወለዲ፣ ወላድ መኻን ክኾኑ፣ ፍቕርኻ ፈታዊኻ ንዘንቲ-እለት  ክፍለ። ሪእና ከይጸገብናዮም፣ የዕሊልና ከይዛዘምና ተፈልዮምና።

ምስዚ ስንብታኻ ብምትእስሳር ትግባረ ናይቲ ብኮምሸን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበየነ ተግባራዊ ንክኸውን፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል፣ ናይ ክቡር መንግስትኻ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ መብጽዓን ድሌትን ከምዝኾነ ገሊጽካልና። እዚ ህዝቢ ዝሓለፈ ከይኣኽሎ ሕጂ’ውን ኣብ ናብራ ስድትን ሞትን እዩ ዘሎ።

EDPኣብዚ እዋንዚ፡ ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ብዝነበሩ ሰባት፡ ስም ሰዲኤን ማእከላይ ባይቶን ብምጥቃም፡ ኣብ ውሽጢ ኣባላት ሰልፊን ወጻኢን፡ ኣንጻር ሰዲኤን ውሽጣዊ ሓድነቱን ዝቐንዐ፡ ጽዑቕ ጎስጓስን ዘመተን ይካየድ ምህላዉ ንኩሉ ዝከታተል ሰብ ብሩህ ኰይኑ ኣሎ።

29.05.07

EDP logoኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ከም ፍልስፍና ሰልፎም፡ ጸገማት ክፍጠር ባህርያዊ ምኻኑ እንዳዘከሩ፡ ካብ ተዛቲኻን ተጸዋዊርካን፡ ንጸገማት ሰልፊ ፍታሕ ምርካብ ካልእ ኣማራጺ ክህሉ ከምዘየብሉ ኣብ መልእኽቶም ኣረጋጊጾም፡፡

ኣብ ምስሪ ዝርከቡ ኤርትራውያን: ምስሪ ናብ እስራኤል ክሰግሩ ዝሓዘቶም 12 ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ በስገዳድ ብምምላሳ ቁጠዐኦም ብምግላጽ፡ ኣህጉራውያንን ሃገራውያንን ማሕበራት ተጣበቕቲ መሰላት ንጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምስሪ ዕቱብ ኣቓልቦ ክገብሩሉ ጸዊዖም።

ዝኸበርኩም ኣባላት ሰልፊ፡ ሰልፍና ካብ ዘለዎ ግዝያዊ ጸገማት ወጺኡ፡ ተስፋ ኣባላቱ የሐዲሱን፡ ክኸይድ ናይ ኩሉና እምነትን ድልየትን እዩ ኢልና ንኣምን፡፡ ካብ ቀጻሊ ምብትታን ምፍንጫልን ፖለቲካዊ ባህሊ ወጻኢ፡ ተጻዋሪ ሃዋህው ፈጢርና ፡ ናይ ምዉጋን ባህርያትን፡ ዘይምርድዳኣትን ክእለ፡ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ክህልወናን፡ መስመር ሰልፊ ናብ ንቡር ክምለስን ምእንቲ፡ እቲ ዝሓሸ መፍትሒ፡ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ተርኡ ዝጻወተኡ ሃዋህው ክፍጠር፡ ቅዋም ሰልፊ ብዝፈቕዶ መሰረት ህጹጽ ጉባኤ ሰልፊ፡ ክካየድ፡ ጻዊዒትና ነቕርብ፡፡

 

ሰመረ ከሰተ
ሙሴ ኤፍረም
ገብሬል ሓጎስ
ተስፋይ ብርሃነ