Kidanህዝብና ካብ ታሪኽ ተጋድሎ ጸረ-ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣትሒዙ ክሳብ መስርሕ ነጻን ልዑላዊትን ሃገር ምርግጋጽ ይኹን ድሕርኡ ናብ ከባቢ 19 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጸረ-ህዝቢ ዝዀነ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ወዲቑ ሓሳረ-መከርኡ ረኺቡ’ሎ፡፡

Dawit(ፍጻሜታት ከባቢ) – ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጉዳይ ጋዜጠኛ ኣቶ ዳዊት ኢሳቕ ኣብ መጽሔታት ኖርወይ ዓቢ ቴማ ኮይኑ ቀንዩ። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ፤ እቲ ተቓለስቲ ናይ ናጻ ሓሳብ ምግላጽ መሰል ተባሂሉ፣ ብሃገር ኖርወይ ዝምወል፣ ዓመታዊ ሽልማት ክቕበል ስለ ዝተሓርየ እዩ። ገለ ካብተን በቲ ጉዳይ ተገዲሰን ዝጸሓፋ ጋዜጣታት ድማ፣ ”ኣፍተንፖስተን” ዝተባህለት፣ ኣብ ትሕቲ ”ናይ ናጻ ሓሳብ ምግላጽ ሽልማት ንኤርትራዊ”፤ ”ዳግስ-ኣቪሰን” ዝተባህለት ድማ ኣብ ትሕቲ፣” እሱር ጋዜጠኛ ሽልማት ስዒሩ” ዝብል ኣርእስትታት፣ ብስእሊ ናይ ጋዜጠኛ ዳዊትን ስድርኡን ኣሰንየን ብሰፊሕ ጽሒፈን።

Radio Erinaብዕለት 18/03/2010 ኣብ ባጽዕ ንሓለፍቲ ሚኒስትሪ ዜናን ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንትን ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፣መራሒ ስርዓት ህግደፍ፣ ነታ ካብ ሃገረ ፈረንሳ ብሳተላይት ትፍኖ ሬድዮ ኤረና፣ “ዝተኸፍለ ይከፈል ደው ክትብል ኣለዋ” ብምባል፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከምዘይትስማዕ ንምግባር ኣድላዪ መደባት ክሕንጸጽን ምስ መሻርኽቲ ሃገራት ዝርርብ ክካየድ ከምዝኣዘዘ፡ ራድዮ ኤሪና ሓቢራ።

PIAኣብ ዮተቦርግ ዝተገብረ ስለማዊ ሰልፊ ብዕለት 06-02-2010 ስዓት 12፡00 ሙርኩስ ብምግባር ሬድዮ ማሕበረሰብ የተቦርግ ብፍሉይ ሙዱቡ ጎስጓስ ብምግባር ብቅንያቱ ዝተፈላለየ ኣሽማት እንዳ ጠመቀ ንንጹሃት ደቂ ሃገር ክጥቁንን ከጸልምን ብዘይ ውዓሉዎ ከምድላዩ ገሩ ክገልጾምን፡ ኣብ ፈነውኡ ካብ ሓቂ ዝራሓቀ መሰረት ብዘይብሉ ናይ ጸለመ ወፍሪ ከካይድ ከም ዝጸንሔ ብሰማዕቲ ዝምስከር ጭቡጥ ሓቂ እዩ።

bay areaኹቡራት ኣንበብቲ ኣርእስቲ ናይዛ ስነ-ጽሑፍ ከም እተንብብዎ፡ ነዚ አብ’ዚ እንነብረሉ ከባቢ በይ ኤርያ (Bay Area) ብፍላይ ከአ ሳን-ሆዘ (San Jose) ካብ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ኣትሒዙ ዝተፈጸመን ዝፍጸም ዘሎን ንጥፈታት ሓበሬታ ንመሃብ ተባሂሉ እተጻሕፈ እዩ። እንተ ኾነ ግን እሞ ኣብ ሳን-ሆዘ እትፈጸመ ፍጻመ ነዓና ዘገድሰና አይኮነን ብምባል ሸለል ኢልኩም ጎሲኹሞ ከይትሓልፉ ሓደራ ንብለኩም፡ ምኽንያቱ እዚ ዓይነት ፍጻመ ብዘይ ምግናን ሎሚ ኣብ ኩለን እተን ኤርትራዊ ዝቕመጠለን ከተማታት ኤውሮጳ ኮነ ኣሜሪካ ዝፍጸም ዘሎ ኩውንነት ስለ ዝኾነ ኢዩ።

UN Securityብመሰረት ናይቲ መጽናዕታዊ ጸብጻብ፡ ኤርትራ ኣብ ሶማሊያ ንእትገብሮ ምትእትታውን ምግሃስ ን፡ እንዳተጋህደ ኣብዝመጸሉ እዋን፡ ኤርትራ፡ ኮነ ኢላ ንእትገብሮ ምጥሓስ ሕጊ ንኽትሽፍን ንማሕበረሰብ ዓለም ብተደጋጋሚ ከተደናግርን ጉጉይ ሓበሬታ ኣብምሃብን፡ ተደጋጋሚ ፈተነታት ከምዝገበረት ይጠቅስ።

Asenaጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሶማል ንኣሸበርትን ፈጠርቲ ራዕድን ብምሕጋዙን፡ ብጉዳይ ዶብ ምስ ጅቡቲ ተፈጢሩ ብዘሎ ምስሕሓብ፡ ኤርትራ ብኣህጉራዊ ሕግታት ዶብ ብዘይ ምቕያዳን፡ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መወድእታ ሰሙን 2009 ናብ ውልቀ መላኽን ጭፍርኡን ዘነጻጸረ ናይ ኣጽዋር መሸጣን ዕድግን ዝኽልክል፡ ኣብ ደገ ብስም መንግስትን ውልቀ ሰባትን ንዘሎ ንብረትን ገንዘብን ዘደስክል፡ መስል ምንቅስቓስ ሰበስልጣናት ዝሓጽር ውሳነ ሓሊፉ ኣሎ።

March 8ሎሚ 8 መጋቢት መበል ሚእቲ ዓመት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ እዩ። ኤርትራውያን ደቅንስትዮ ኸኣ፡ ኣብዚ ኣገዳሲ ዕለት ‘ዚ፡ ኩነታተን ገምጊመን ተራአን ዘጕልሕ ዕማማት ከዋድዳ ይግባእ።

UNSCኣብቲ ዝሓለፈ ዝተተርጎመ ጽሑፍ ናይቲ ብ ሞኒተሪን’ ግሩፕ ዝፍለጥ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ንምግሃስ ነቲ ብ 751 /1992 ዝፍለጥ ወታሃደራዊ እገዳ (Arms Embargo)  ኣብ ሶማሊያ፡ ዝከታተል ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ ዝወጸ ጸብጻብ፡ ኮለኔል ዩሱፍ ነጋሽ ወርቀ፡ ብፍልይቲ ነፋሪ ኣብ መቓድሾ ከምዝወረደን፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣኽረርቲ ጥሩፋት እስላማዊ ጉጅለታት ኣኼባታት ድሕሪ ምግባሩ፡ ብተዮታ ፒክ ኣፕ በርባዕተ ቦዲጋርድታት (Technicals) ተዓጂቡ ናብ ማሪር ጉር ዝተባህለ ቦታ፡ ምስ ሸኽ ሓስሰን መሓመድ ዳህር ኣወይስ ኣኼባ ክገብር ከምዝተበገሰ ርኢና ኔርና።

Un Monitoring Groupእዚ ጽሑፍ’ዚ ካብቲ ብ “Monitoring group and the Panel of Experts” ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ; ንምግሃስ ውሳኔ ባይቶ ጽጥታ ኣብ ልዕሊ ሶማሊያ፡ ነቲ ብቁጽሪ 751/1992 ዝፍለጥ ውሳኔ ዝከታተል ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ናይ መጽናዕቲ ጉጅለ፡ ወግዓዊ ዝገበሮ ጭብጥታት ምትእትታው ኤርትራ ኣብ ሶማሊያ መሰረት ዝገበር’ዩ ። ኣቕዲመ ግን ንዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ነቲ ዝገበሮ ጻዕሪ፡ ነዚ ሕጋዊ መርቶዖታት ናይ ባይቶ ጸጥታ ናብ ኣንበብቲ ስለ ዘብቀዖ ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ካብዚ ቀጺለ እንበኣር ናብ ጽሑፈይ ክኣቱ።

Girma asmeromኣምባሳደር ማለት ብሓጺር ኣዘራርባ፡ ዝለዓለ ወኪል ሃገርን ህዝብን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ማለት`ዩ። ቀንዲ ዕማሙ ድማ፡- ኣብ ሞንጎ ክልተ ሃገራት ዘሎ ዝምድና፡ ኣብ ኣጉራዊ-ሕጊ ዝተሞርከሰ ክልተኣዊ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምምስራት ኢዩ። እቲ ዝምድና ኣብ ናጻ ማ8ዕረ መሰል ል0ኡላውነት ዝምርኮስ ብናጻ ድልየት ክልቴን ሃገራት ናብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ንግዳዊ፡ ባህላዊ ማሕበራዊ፡ ሳይንሳዊ፡ ትምህርታዊ ጸጥታዊ ወዘተ፡ ነቲ ዝምድና ክምዕብልን ክሰፍሕን ይጽዕር። ኣብ መንጎ መንግስቱን ካልኦት ሃገራት ንዘሎ ርክብ፡ ንሃገር መልእኽቲ ይሰድድ መልሲ የምጽእ።

ጉጅለ ህግደፍ ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ዝዕዘቦን ዝኣምነሉን ሃገር ለኻዊ ዕንወት ኣዉሪዱ ከብቅዕ፡ ከምዓለም ዝዘረየቶ ዘኽታም ህጻን መሲሉ ክቀርብ ምፍታኑ ንመን ንምትላል?

Kinijitኣብ ዝሓለፈ ጽሑፍና ኣብ ቀዳማይ ክፋል፡ ኣብ መንጎ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያን ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራን ዘሎ፡ ሓደገኛ ናይ ፖለቲካ ውዲት ዘይቅዱስ- ቃልኪዳን ብሓደ ወገን፡ ኣንጻር ሳንክሽን ውሳኔ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ 4-5 ነጥብታት ዝሓዘ ኣዋጅ ምውጻኩም ከይኣክል፡ ሕጂ`ውን ምስ ደገፍቲ መንግስቲ ብሓባር ሰላማዊ ሰልፊ ከተካይዱ ብቓላትኩም ብድምጽኹም ብመርበብኩም ከምዘረጋገጽኩም ዘጠቓለለ ብኻልእ ወገን ገሊጽና ነይርና። ደጊምና ብልቢ ነመስግን ቃል-እምነትኩም ስለዘገድሰና።

ጠኬ በየነኣካያዲ ባንክ አርትራ ነበርን፡ ገዲም ተጋዳላይን፡ ናይ ስነ ቁጠባ ምሁርን፡ ኣቶ ተኪኤ በየነ ሓደ ካብቶም ኣብ ሃገርና ዝፈረዩ ቀለም-ጸገብ ባእታታት ሕብረተሰብና ኮይኑ፡ ካብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣትሒዙ፡ ምኽንያቱ ብዘይተፈልጠ፡ ብትእዛዝ መራሒ ህግደፍ ኣቶ ኢሳያስ ካብ ስራሕ ደስኪሉ ይርከብ። ኣቶ ተኪአ፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ኣቢሉ ካብ ሪቕ ሕፍንቲ ዘርእስታ መጽሓፍ ከምዝደረሰን፡ ብዛዕባ ሕትመታን ኣዘራጋግሓኣን ዝምልከት፡ ከኣ ኣብ ቲቢ ኤረ ከምዝተቓልሐን ይዝከር፡፡

historyቀዳማይ ክፋል – ውዮ ድኣ ኣነዋሪ ክፋል ታሪኽ ሃገር ብጽሑፍ ሰፊሩ: ኣብ መዝገብ ታሪኽ ካብ ምጉሓፉ ሓሊፍካ: ኣብ መዓልታዊ ዕላላትን መደረታትን ንኽተልዕሎ ዘየነይትን ዘየሕብንን ስለዝኾነ፣ ተሰኒዱ ዝተርፍ ኮይኑ እምበር: ከምኡ እንተዘይኸውን ነይሩስ፣ እዚ ሕጂ ብፐሎቲካውያን መራሕቲ ሃገርናን ብገለ ሃይማኖታውያን  መራሕቲ ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያንን ዝግበር ዘሎ ናይ ትሕተ ሃገራውነት ተግባራት: ደግሲ ናይቲ ብ1940ታት ዝተፈጸመ ገስረጥ ታሪኽ ምዃኑ ንማንም ዜጋ ጐሊሑ መተራእዮ ነይሩ::

Kinijitተቓወምቲ ኢትዮጵያ ትማሊ ሰንበት ዕለት 15/02/2010 ኣብ ናይ ኢትዮጵያውያን ፓል-ታልክ ሩም Ethiopian review.com on line ብኤልያስ ክፍለተመሪሑ፡ ተቓወምቲ ኢትዮጵያውያን ደገፍትን ወከልትን መንግስቲ ኤርትራ ከም ዶክተር በርሀ ሃብተጊዮርጊስን ካልኦትን ዝተሳተፍዎ ፓል-ታልክ ልዕሊ 200 ሰባት ሰሚዕዎ።

Isaiasንኽልተ መንግስታት፡ ዘመነ ድርግን ሕጊግደፍን ኪርእዩ ካብ ዝበቕዑ መንእሰያት ሓደ እየ። ኣብ 1991 ዓ. ም. ህዝባዊ ግንባር ግዜን ቃልስን ዝወለዶ፡ ዓርሞሽሻዊ ውድብ ኮይኑ ዓዲ ከምዝኣተወ ንኹሉ ብሩህ እዩ። እንተኾነ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ መወዳእታኡ ኣይጸበቐን። ከምቲ ምስላ ቻይናውያን ዝብሎ “ማርቴሎ ጥራይ ዝንዋቱ ሰብሲ ኩሉ መስማር ኮይኑ ይርኣዮ”።

ፈንክል ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ናይ ህግደፍ ኣይኮነንህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን ተኻታታሊ መግዛእታትን ንልዕሊ 30 ዓመታት ብርቱዕ ቃልሲ ድሕሪ ምክያዱ መዘና ዘየብሉ ከቢድ መስዋእቲ ምእንቲ ሃገሩን ሓርነቱን ከፊሉ ነጻነቱ አረጋጊጹ።

PFDJ Hornንበል እዚ ታሪኽ’ዚ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ዝኮነ ተረኽቦ’ዩ። እዛ ኩሉ ግዜ ብሰላም ክትናበር ዝጸንሐት ዓዲ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኣጋጠማ። ከም ዓለማ ሕማቕን ንፉዕን፡ ፈራሕን ተባዕን፡ ድኻን ርኹብን ወዘተ… ዝነብሩላ ኮይና እንዳ’ብቅዐት፡ ኣቦይ ኩሉከምድላዩ ዝበሃሉ ሓደ ሃብታም ሓያልን ሰብኣይ ሓደ ካብ መንጎ ነባሮኣ ነበሩ። ንሃብቶምን ጥበቦምን ክእለቶምን ዝመሳሰል ሓውሲ ሳጓ ዝጥዕም ሽም ይንበሮም’እንበር፡ ሓቂ ብሓቂ’ውን ኩሉ ከምድላዩ እዮም ዝነበሩ’ሞ፡ ኣብቲ ዓዲ ሕዙእ ክብረት ኣጥረዩ።

ንበል እዚ ታሪኽ’ዚ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ዝኮነ ተረኽቦ’ዩ። እዛ ኩሉ ግዜ ብሰላም ክትናበር ዝጸንሐት ዓዲ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኣጋጠማ። ከም ዓለማ ሕማቕን ንፉዕን፡ ፈራሕን ተባዕን፡ ድኻን ርኹብን ወዘተ… ዝነብሩላ ኮይና እንዳ’ብቅዐት፡ ኣቦይ ኩሉከምድላዩ ዝበሃሉ ሓደ ሃብታም ሓያልን ሰብኣይ ሓደ ካብ መንጎ ነባሮኣ ነበሩ። ንሃብቶምን ጥበቦምን ክእለቶምን ዝመሳሰል ሓውሲ ሳጓ ዝጥዕም ሽም ይንበሮም’እንበር፡ ሓቂ ብሓቂ’ውን ኩሉ ከምድላዩ እዮም ዝነበሩ’ሞ፡ ኣብቲ ዓዲ ሕዙእ ክብረት ኣጥረዩ።


ህዝቢ ኤርትራ ብደው ካብ ዝመውት ድሮ 19 ዓመቱ ኮይንዎ ኣሎ። ህግደፍ  እዛ ጭርሖ ዝጥቀሙላ ኩሉጊዜ መሬት ጽብብ ክትብሎም ከላ‘ያ ።ኣብ ጊዜ ሰውራ ብወዲ ዛግር ዝተደርፈት ,ኣብ ጊዜ ወያነ ዝተደግመት,ሕጂ ድማ ኣብ ጊዜ ማዕቀባ ሕ.መ.ዓ. (ሕቡራት መንግስታት ዓለም)። ጉዳይ ጽሑፈይ ኣብ ስዊዘርላንድ ክግበር ተሓሲቡ ዘሎ ጉዳይ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ብይን እገዳ ሕ.መ.ዓ.  ኢዩ ።


 

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ብቑጽሪ መዝገብ (ውሳነ) 1907/2009 ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ክጸንዕ ወሲንዎ ዘለዎ እገዳ፡ ብደገፍትን ተቓወምትን እቲ ስርዓት ዝተፈላለየ ግብረ-መልስታት ክወሃቦ ቀንዩ ኣሎ። እቲ ስርዓትን ደገፍቱን ከምቲ ወትሩ ግዜ ዝገብርዎ፡ ካብ ሓቂ ሓኪሎም፡ ዝጥዕሞምን ክኸውን ዝደልይዎን ትንተናታት ይህቡሉ ከም ዘለዉ ንሰምዕ ኣለና።

ካብ ዝሓለፍ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2008 ጅሚሩ ብቀጻሊ ትደጋገም ሓረግ ኣላ። ብፍላይ ኣብዚ ቅንያት’ዚ እሞ ተጋኒና ካብ ታራ ቃል ምዃና ሓሊፍ ከም ዓቢ መዛረቢ ዛዕባ ኮይና ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዓለም ካብ ሰሜን ኣመሪካ ካናዳ ኣወሮጳ ማእለላይ ምብራቕ እንተላይ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብዓቀኑ ሰፊሕ ዘመተ ዝግበርላ ዘሎ ሓረግ “ መኸተ “ ኢያ። ኤረ ሓንሳብ ሓንሳብሲ ከም ሓደ ቀመም ኮይና ኣብ ጸብሒ ከይትኣቱ ፡ ትርጉማ ከይትስሕት ዘስግእ ኢዩ።


ኣምባሳደር ተስፋማርያም ተኸስተ /ወዲ-ባሻይ/ በቲ ጽቡቕካ ክንጅምር።

ኣብ ኣስመራ ዓቢኻ። ኣብ 1970ታት ክትመሃር ንኤውሮጳ ደንማርክ ከይድካ። ኤውሮጳ ውሑዳት ኤርትርውያን ዝርከቡሉ ግዜ ኢይ ነይሩ ። ኣብ ደንማርክ ከም ኣባል ማሕበር ኤርትርውያን ንናጽነት ኣብ ኤውሮጳ /ኤ.ና.ኤ/ ከምዝነበርካ ትዛረበሉ ነይርካ።ገለ ኣካየድቲ ማሕበር ተማሃሮ ከምዝሕብርዎ፡ ኣባል ከምዘይነበርካ ይገልጹ።


ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ስርዓት ህግደፍ ንግዝያዊ መንግስቲ ሶማል ንምውዳቕ ዝንቀሳቐስ፡ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ኣሸባብ፡ ‘የዕጥቕን ይድግፍን ኣሎ’ ብዝብል ክሲ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር፡ እገዳ መገሻ ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን ሰራዊትን፡ ከምኡ ‘ውን ምድስካል ንብረቱን ገንዘቡን ዘጠቓለለ ጽኑዕ እገዳ ጌርሉ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብውሳኔ ብይን ተመሓላሊፉ ዘሎ እገባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰነድ መጽውዒ ውሳኔ ብይን 1907/2009/ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብተግባራቶም ፋሕቲሮም ዘምጽእዎ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ልዕልን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብሓይሊ ጠበንጃ ኣስገዲዱ ዝገዝእ ዘሎ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ንደሞክራስን ፍትሕን ‘’ንስውአን ብጡጠን” ገይሩ ብሰሪ ጻሕታሪ ተግባራቱ ዝሸመቶ ጽዕንቶ እከይ ውጺኢት ባርባራዊ ሽቕለቱ ኢዩ።


ኣቶ ተስፋንኪኤል ገራህቱ ኣምባሳዶር ኣብ ዓዲ እንግሊዝ። ኣቶ ተስፋማርያም ተኸስተ/ወዲ ባሻይ/ ኣምባሳዶር ኣብ እስራአል። ኣቶ ግርማ ኣስመሮም ኣምባሳዶር ኣብ ኤውሮጳዊ-ሕብረት፡ ጽቡቕኩም ሕማቕኩም ታሪኽኩም ክንገልጽ ሰዓቱ ስለዝኣኸለ ኣይትቀየሙና። 

አብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ድሕሪ’ቲ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕ/ሃ፡አብዚ ሒዝናዮ ዘለና ሐድሽ ዓመት፡ ኢሳያስ አፈወርቂ ዝሃቦ ቃለመጠይቅን መደረን: አሰልካይን ራኢን ሐቅነትን ዝጎደሎ፡ ከምኡ’ውን ንእዋናዊ ሕሱም መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ዘየንጽባርቅ ኮይኑ ረኪበዮ።

እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብውሳኔ ብይን ተመሓላሊፉ ዘሎ እገባ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰነድ መጽውዒ ውሳኔ ብይን 1907/2009/፡ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብተግባራቶም ፋሕቲሮም ዘምጽእዎ ዘይኮነስ፡ እቲ ኣብ ልዕልን ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ብሓይሊ ጠበንጃ ኣስገዲዱ ዝገዝእ ዘሎ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ንደሞክራስን ፍትሕን ‘’ንስውአን ብጡጠን” ገይሩ፡ ብሰሪ ጻሕታሪ ተግባራቱ ዝሸመቶ ጽዕንቶ እከይ ውጺኢት ባርባራዊ ሽቕለቱ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት መሪር ቃልሲ አሕሊፉ ደም ምሩጻት ደቁ ከፊሉ ኢዩ ነጻነቱ ዘውሐሰ፤ ህዝብና ቐሲኑ አብ ትሕቲ ግዝአት ሃገራዊ ቅዋም ብሕግን ፍትሕን ተመሐዲሩ ብሰላም ክነብር፤ ሃገርና ድማ ምስ ጎረባብታን ካልኦት አብ ርሑቅ ክፍሊ ዓለምና ዝርከባ ሃገራት መሰረታዊ ክልተአዊ ዝምድናታት መስሪታ ብቐሰታ ናብ መገዲ ምዕባለ ንኽትምርሽ ኢዩ፡፡

ሰደት ወዲ ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ እንስሳ’ውን ከይተረፈ ብዘይ ወለንትኡ ዝገብሮ ጉዕዞ ሂወት ኢዩ። እዚ ማለት ነቲ መሰረትካን ምበቆልካን ዝዓበኻሉን ከባቢ ራሕሪሕካ፡ ብዝይ ፍቶትካ ተገዲድካ ትኣትዎ ድኣምበር ምርጫ ኣይኮነንን። መጽናዕታዊ ጽሑፋት ሰነ ሰብ ከምዝሕብርዎ ጠንቂ ሰደት ደቂ ኣዳም ኣብ ክልተ ዓበይቲ ምክንያታት ከፊሎም ይርእይዎ።

ርጉም ዉላድ ኣይወለድ ፡ እንተተወልደኸ ማይ ይለድ።ሓደ እዋን ደርሆ ያኢ ከምቲ ኩሉ ፍጡር እግዝኣብሄር ዝሰርዓላ ቛርፍ ወይ(ዕለታዊ ምግባ) እናማእረረት ሰላማዊ ናብራአ ትሕልፈሉ ኣብ ዝነበረት ጊዜ ወደይ ኢላ ትንየተሉ ዝነበረት በቲ ሰላማዊ ናብራአ ዘይታሓጎሰ ዉላዳ፡ሰላማዊ ናብራአ ንምዝራግን ንምኹላፍን መጺኡ እተን ኣምላኽ ዝዓደላ መናፍራ ነጽዩ ቆርበታ መሊጡ ሰደዳ። ወያ ዶርሆ እዚ ኩሉ መግፋዕትን ጭካነን ኣብ ነብሳ ወሪድዋ ክንሳ ዝዉር ኢላ እንደገና ናብኡ ተመልሰት።

መእተዊ: ብዘይ ምጥርጣር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኢሳያስ ይሳቀ ከምዘሎ ኲሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራን ተቓወምቲ ዉድባቱን ቃልሶም ጠጠዉ ኣየበሉን ይኩን፡ እምበር እቲ ቃልሲ ኣብ ገለ ምድረኽ ይደክም ኣብ ገለ መድረኽ ከኣ ይብርትዕ ምንባሩን ምህላዉን’ዉን ንኩልና ብሩህ እዩ። ብፍላይ ከኣ እተን ተቓወምቲ ዉድባት/ተስፍታት ኣብ ገለ መድረኻት ይሰማምዓ ኣብ ገለ መድረኻት ከኣ ሰለዝበኣሳ ኢቲ ቃልስቲ ከምቲ ዝድለ ኣይደንፈዐን ዘሎ።

ኦክላንድ ኣብ ወሽመጥ ምዕራባዊ ክፋል ካሊፎርኒያ ትርከብ ከተማ እያ። እዛ ካብ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ብመኪና ናይ ዓሰርተ ደቒቕ ርሕቀት ዝተደኮነት ኦክላንድ ምስ ከተማ ኣስመራ ዝመሳሰል ክሊማ ኣየር ኣለዋ።ካብ ከተማ ኦክላንድ ናብታ ብባሕሪ ዝተኸበበት ምጭውቲ ከተማ ሳንፍራንሲስኮ ንኽትከይድ ነቲ ንኽልቲኤን ከተማታት ዘራኽብ ቤይ ብሪጅ(bay bridge) ዝተባህለ መስተንክራዊ ቢንቶ ትጥቀም። ኦክላንድ ሓንቲ ካብተን ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝቕመጡለን ከተማታት ኣሜሪካ እያ።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ንስኻ ከም ትፈልጦ እዛ ሃገር እዚኣ ሃገር ንኽትከዉንን፡ ህዝቢ ናጽነት ክርእን ፍታሕን ራህዋን ንኸስተማቕርን መዘና ዘይርከቦ መስዋእቲ ዝኸፈልካ ህዝቢ ክንስኻ፡ካብ 1991 ዓ.ም. ስጋዕ  ሎሚ ዝተዋህበካ ካሕሳ እንተልዩ ንዕቀትን፡ ዉርደትን፡ ሽሕጣንን ጥራሕ’ዩ፡

ኤርትራ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ማዕቐብ፡መብዛሕቶም፡ቀዳሞት ዝኾኑ መሰላት ደቂ ሰብ ዘይኮነስ፡እቶም ብውሑዱ ክርከቡ ዝኽእሉ ናይ ነጻ ምንቅስቃስ፡ጽዒሩ ዝረኽበሉ፡ኣፍቂሩ ስድራ ዝምስርተሉ ኩነታት፡ካብ መንግስቱ እገዳ ኣብ ዝተገብረሉ እዋን’ዩ ተበይኑ።

ኣብዛ ዓለም ሓደ ሕብረተሰብ ኽህሉን ክቕጽልን ክዓብን ክስስንን እንተኾይኑ፡ንዕኡ ዝትክእ ብኩለንተናዊ መዳይ (ናይ ተፈጥሮ ጸጋታቱ፡መንነቱ፡ባህሉን ልምዱን ቛንቁኡን) ዝወርስ፡ ሕድሪ ተቀቢሉ ድማ ብተግባር ዝዓይ፡ተካኢ ወለዶ  ማለት(ጎበዝን ጎርዞን) ክህልዎ ግድን ይኸውን። በዚ ናይ ወለዶታት ምወርራስን ምትኽካእን ቀጻልነት ሓደ ህዝቢ ወሕስ ክኸውን ይክእል።