ንኹሉኹም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮነ ኣብ ስደት ዘለኹም ወይ ‘ውን ንኽትስደዱ ኣብ ባሕርታት ሜዲተራንያን፡ ኣብ ኣጻምእ በረኻታት ሰሃራን ሲናይን፡ ኣብ ጫካታት ደቡብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን ጉዕዞኹም ትቕጽሉ ዘለኹም ወይውን ኣብ እስርቤትን ጸልማትን ህግደፍ ተዳጉንኩም ፍትሒ ንኽትረኽቡ ሃንቀው ትብሉ ዘለኩም ኩቡራት ደቂዛ ብኹቡር ዋጋ ዝመጸት ሃገር ንሕና ኣባላት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (Eritrean Youth for Change, EYC)  ርሑስ ሐድሽ ዓመት እንዳበልና መጻኢ ዓመት፡ ዓመት ሰላምን ራህዋን ንክኾነልና ሰናይ ትምኒትና ንገልጽ። 

አብዚ እንዛዝሞ ዘሎና ዓመት 2009፡ኩነታት ሃገርና፡ ብዝተፈላለየ መዳያቱ ክርአ እንከሎ፡ አብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ንኩልና ብሩህ ኮይኑ ጸኒሑ አሎ። ቁጠባ ሃገርና ዓንዩ፡ህዝብና ንልማኖን ጥምየትን ዓጸቦን ተጋሊጹ፡ ስድራ ቤታት ተበታቲነን፡ከም ሳዓቤኑ’ውን ማሕበራዊ-ቅልውላው አኽቲሉ አሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ አብ ኣዝዩ ከቢድ ዝኸነ ማዕቀብ ኢዩ ዝርከብ። ቅድሚ ናጽነት ከም ሃብታማት ዝቑጸሩ ዝነበሩ ሰባት ናብ ፍጽም ድኽነት ከምኡ ድማ እቲ ዝበዝሕ ህዝቢ አብ ድኽነት ዝነበረ ናብ ፍጹም በተኽ ክምዝተቐየር ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ብስርዓት ህግደፍ ዝኸተሎ ናይ ጥፍኣት ፖሊሲ አብዚ ሎሚ በጺሕናዮ ዘለና ናይ ውድቀት ደረጃ በጺሕና አለና።

ኣቦታትና፡ቁልዕነት ሓይሊ ክህልዎ ይኽእል፡ተመኩሮ ዝጎድሎ ስራሑ ብጽቡቕ ለኪዑ ስለዘየጠናቕቕ፡ቆልዓስ ይጎዩምበር ኣይቅድምን ይብሉ።

ኣብ ህግደፍ ዘለው ሰባት ቆልዑት ኣይኮነኑ፡ብብዝሒውን ውሑዳት ኣይኮኑን።ኣብ ተመኩሮውን ዘይነኣኣስ ተመኩሮ ዘማዕበሉ ምኳኖም ዘይከሓድ እንተኾነ፡መንግስታዊ ሓላፍነት ድሕሪ ምሓዞም ግን ካብ ምጉያይ፡ሓሊፎም ኣብ ዓወት ዘብጽሕዎ ዓብይ ሃገራዊ ጉዳይ የለን።

ሎሚ ዓለምና ኣውያት ኤርትራውያን ክትሰምዖ ስለጀመረት፤ ብተግባራት መራሒ ሕጊ-ግደፍን ጉጅለኡን ዘይግረም ኪህሉ ኣይክእልን። እቶም ትማሊ ዝንዓቑ ዝነበሩ ኣፍሪቓውያን’ውን፡ ንመራሕቲ ሕጊ-ግደፍ፡ ብሓደ ድምጺ ከውግዘዎም ክንሰምዕ ከሎና፤ ኣብ ፍቐዶ ጎዳጉዲ ዝተጋዕረ ኣውያት ኤርትራውያን፡ ጸሎት መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዶጉዓ ህዝብና ሰማይ በጺሑ፡ እግዝሄር መዳሕንቲ ኪሰደልና ከምዝጀመረ ዘበስር ይመስል።

ኣብታ ዝሓለፈት ሓሙስ ዕለት 10 ታሕሳስ 2009 ቃለ መጠይቕ ኣቶ ዕሊ ዓብዱ ምስ ረድዮ ኣመሪካ ተከታቲለ ነይረ።ጀሚሩ ስጋብ ዝውድእ ሓሶት ምስ ሓሶት እንዳላገበ መእሰሪ ዘይብሉ ዘረባ ክዘሩ ሰሚዕዮ።እንታይ ክብል ከምዝደለየ እዝግሄር ዋንኡ።ንዓይ ምውሓጥ ዝኣበየኒ ነገር ግን፡ ዓሊ ተግባሪ መብጽዓን ልቡ ኻኣ ሰፈር ሓወልቲ ስወኣት ገይሩ፡ ነዛ ነብሱ ዘይናታ ከሰክማ ሰሚዐዮ። 

በቲ ነዚ ሓድነት ክንብል ዘጥፋእናዮ ናይ ግዜ ናይ ንያት ናይ ንዋት ከምኡውን ናይ ስነኣእምሮን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘስዓቦ ናይ ሞራል ሓፍ ፎዞቕ ተዳሂልናን ሰንቢድናን ድሕሪ ሕጂ ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓድነት ፕሮጀክት ኣይንኣቱን ኢና ካብ ዝብል ዝንባሌታት ምድሓን።

ንኽልተ መንግስታት፡ ዘመነ ድርግን ሕጊግደፍን ኪርእዩ ካብ ዝበቕዑ መንእሰያት ሓደ እየ። ኣብ 1991 ዓ. ም. ህዝባዊ ግንባር ግዜን ቃልስን ዝወለዶ፡ ዓርሞሽሻዊ ውድብ ኮይኑ ዓዲ ከምዝኣተወ ንኹሉ ብሩህ እዩ። እንተኾነ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ መወዳእታኡ ኣይጸበቐን። ከምቲ ምስላ ቻይናውያን ዝብሎ “ማርቴሎ ጥራይ ዝንዋቱ ሰብሲ ኩሉ መስማር ኮይኑ ይርኣዮ”። መራሒ ሕጊ-ግደፍን ጉጅልኡን ብደንቢ ዝመልኩዋ ሞያ፡ ሓዊ ምውላዕን ምስዋርን ጥራይ ብምዃና፡ ንኹሉ መሰናኽላት ብጎነጽን ብሓይሊ ብረትን ኪፈትሑ ስለዝፈተኑ፡ እቲ ትኣምራት ኪገብር ዝኽእል ዝነበረ ውድብ ማሲኑ፡ ብወግዒ ኣይተኣወየሉን እምበር ከም ውድብ ህላዌ የብሉን ኪብሃል ይክኣል።

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት መራኸቢ ብዙሓን ናይ ሃገር ኖርወይ፡ ንጉዳይ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ኣመልኪተን ብቐጻሊ ሻቕሎተን ከቃልሓ ጽኒሐን። እቲ ብዝያዳ ዘሻቐለን ዘሎ ድማ እቲ ደረት ዝሰኣነ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ፣ ዝተፈላለየ መልክዕ ዝኽተል ህግደፋዊ መዓት እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝነውሓን ዝመረረን ዕጥቃዊ ናይ ነጻነት ቃልሲ ኣብ ኣህጉርና ኣፍሪቃ ዘካየደ ህዝቢ ኢዩ።እዚ ንኣስታት ሓደ ክፍለ ዘመን ካብ ተቃውሞ መግዛእቲ ዘየዕረፈ ህዝቢ፡ንሰላሳ ዓመት ዘኣክል ምእንቲ መሰሉን ሰብእዊ ክብሩን ዘይተኣደነ መስዋእቲ ዝከፈለ ዝደመየን ዝቆሰለን ንክትገልጾ ቃላት ዘይርከቦ ምዑትን ቆራጽን ንዓለም መስተንክርን ዝኮነ ሓርበኛዊ ቂያ ዝፈጽመ ህዝቢ ኢዩ።

ሰርናዮ ስቕታ ሰጊርናዮ ከውታ፡ኣብ መበል ዒይስራን ሓሙሽተን ዓመት ምምስራት ሃማደኤ ከም ጭርሖ ዝተወስደ ፍሉይ ኣርእስቲ ኢዩ።እቲ ጭርሖ፡ምስ ህሉው ኩነታት ህዝቢ ኤርትራን ፍርቂ ኣካል ኅብረ ተሰብ ዝኾነ ደቂ ኣንስትዮ ሕይወት ተራእዩ፡ካብ ፕሮፖጋንዳ ሓሊፉ ካልእ ክህልዎ ዝኽእል ኣይነበረን።

 ብተስፋይ ተኽለ

ህዝቢ ኤርትራ ንኽልቲኡ ቅዱስ ዝኾነ ሃይማኖታት ክርስትና ኮነ ምስልምና፣ ካብቶም ቀዳሞት ዝተቐበሉዎ አህዛብ ሐደ ኢዩ። ክልቲኡ ቅዱስ ዝኾነ ሃይማኖታትና ከአ አብ ማሕበራዊ መነባብሮና ኮነ  አብ መዓልታዊ ጉዕዞና፣ ከም ህዝቢ ጸገም ፈጢሩልና አይፈልጥን ኢዩ። ክልቲኡ ሃይማኖታት ብሐቀኛን መሰረታዊ መግለጺኡ ንፍቕርን ሰላምን ሕውነትንምበር፣ ንጽልኢን ጎነጽን ባእሲን ከቶ አየስተምህርን ኢዩ።

ዕለት 25 ሕዳር ዓለምለኸ ጸረ ግህስትመዓልቲ ደቂኣንስትዮ ተባሂሉ ካብዝጽዋን ካብዝኽበርን ልዕሊ 20 ዓመት ዝኣክል ኣቑጺሩ እነሆ። እዚ መዓልቲዚ ንመዘከርታ ናይተን ጸረ ምልካዊ ስርዓት ዝተቓለሳ ሚራባል ዝተባህላ ሰለስተ ኣሕዋት ኣብ ዕለት 25 ሕዳር 1960 . ኣብ ዴሞኒካኒሸ ረፖፕሊክ ብግፍዒ እቲ ዝነበረ ዓማጺ ስርዓት ጸጥታዊ ትካል ተኣሲረን ንወርሒ ዝኣክል መግቢ ንኸይውሃበንን ከቢድ ምግፍዕን መግረፍትን ወሪድወን ንዝሞታ ተቓለስቲ ዝዝከር መዓልቲ እዩ። 

 ሚልክያስ ምሕረትኣብ ዮውሃንስ

ታሪኽ ሃገርና ይኹን ታሪኽ ናይ ዝኾኑ ኣህዛብን ማሕበረሰባትን፡ከከም ኩነታቱን ከከም ደስ ዝበለካን ዝተራእየካን ዝለዋወጥ ወይ ዝማዛበል ተርእዮ ኣይኮነን። ታሪኽ ታሪኽዩ ነናቱ ኣሉታውን ኣውንታውን ጎድንታትን በሰላን ሓድግን ገዲፉ ድማ ይምርሽ። ደስ ስለዘይበለካ ወይውን ዊን ኢሉካ ኣብ ኣፍካ ከከምዝመጽልካ ንታሪኽ ምጽብባቕ ወይውን ምንእኣስ፡ ኣብ ልዒሊ ህዝብኻን ሰዓባይ ወለዶን ምድንጋር ምፍጣርን ገበንውን እዩ እንተተባህለ ኣይተጋነነን።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ሰልፈኛታት ኣቐዲመ እንቋዕ ኣብዚ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ክትካፈሉ ኣብቀዓኩም።

ከምቲ ኵላትና እንርደኦን እንግንዘቦን ኤርትራ ሃገርና ካብ ነዊሕ ዘበናት ኣትሒዛ ብዝተፈላለዩ ባዕዳውያን ገዛእቲን መሳፍንትን ትግዛእ ከም ዝነበረት ኣይኰነን ዘይብሃሎ ክዉን ታሪኽ ኢዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንተወፋይነትን ጅግንነትን ስውኣት ደቀንስትዮን ደቂተባዕትዮን እናኣልዓልካ ኣብቲ እትደልዮ ዕላማ መብጽሕን መደልደሊ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ምግባርን ልሙድ ኮይኑ’ሎ።

ዘመነ-ቁልዕነተይ ኣብ ግዜ ደርጊ ዘሕለፍኩ መንእሰይ እየ። እዝከረኒ ወተሃደራት ደርጊ ብኮለኛ እንዳፈከሩ ክጉዓዙ፡ ሰማያት ገዛውትና ብነጎዳ ነፈርቲ-ውግእ፡ ወግሐ-ጸብሐ ከንጎድጉድ፡ ጽልምት ክብል ካቦት-እንግሊዝ ዝትኸድኑ ኣባጦር ከባቢ ጎዛውትና ኪቖጻጸሩ። እወ ሕጂ ኮይኑ ይስምዓኒ፡ ዓበይቲ ደቂ-ገዛውትና ኣሎዉ እንዳበልናዮም ንገድሎም ወይ ንስደቶም ሽርብ ክብሉ። ምስ ኣዕሩኽተይ ተጋደልቲ እዚ ጌሮም እዚ ደጊሞም ኢልና ኣርባዕተ ነጥቢ ዘይብሉ ሕክያ ሂር ከነብል።

ብተስፋይ ተኽለ (ሕ/መ/አሜሪካ)

ጸገምን ሽግርን ኤርትራ ዝሐለፈ መግዛእታዊ ጭቆናን፣ ድሒሩ ዝሰዓበ ጨካን አረሜናዊ ምልካዊ ምምሕዳር ኢሳያስን’ዩ ተባሂሉ እንተዘኽትመሉ’ስ ክንደይ ኮን ጽቡቕ ምኾነ። እንተኾነ ግን ከምቲ አቦና አቶ ወልደአብ ወልደማርያም “ኤርትራውያን ከይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኢና” ኢሎሞ ዝብሃል፣ አብ ክንዲ ንዝኾነ ተረኽቦ ተጠያዪቝካ  ምልዛብ፣ አብ ክንዲ ጽን ኢልካ  ብምስማዕ ሃዲእካ ኢሂን ምሂን ብምባል ምርድዳእ፣  ናብ ሕድሕድ ምጽልላምን ምጥቕቓንን ንዘብዘብ ጉያ ወሲኽካ  ምኻድ ካብቶም ቀንዲ ተወሳኺ ካብ ጸገማትና’ዩ።

ኣብ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልስና በብጊዚኡ ዘይምርድዳእን ምፍሕፋሕን ካብ ዝርኤ ዓመታት ኣቁጺሩ ኣሎ፡ እቲ ብዝያዳ ጎሊሑ ዝርኤ ካአ ኣብ ሞንጎ መሰረታዉያንን መሪሕነታትን ሰልፍታትን ይኹና ዉድባት፣ ከምኡዉን በርገሳዊያን ማሕበራትን ብጠቅላሉኡ ኣብ ደምበ ተቛዉሞ እንርከብ ዝርኤ ጉዳይ ኮይኑ፣ እዚ ምትፍናንን፣ ምንቅቃፍን አብ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልስና ባህርያዊ ኢዩ.

ኤርትራ ነቲ ንሰላሳ ዓመት ዝወሰደ፡ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ መሪር ቃልሲ ሰጊራ፣ ልእላውነታ ድሕሪ ምርግጋጻ፣ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ህግደፍ ”ኣብነት ሰላምን መሰረት ምዕብልናን ኣብ ኣፍሪቓ” ክትከውን እያ ዝብል ኣጉል ተስፋታትን ትጽቢታትን ዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኣህዛብ ዓለም ውሑዳት ኣይንበሩን። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ እቲ በዚ ዝተታለለ ህዝቢ ኤርትራን ስርዓታትን ውድባትን ዓለምን፡ ኣብቲ ቀዳማይ መዋእል ናጽነት፡ ነዚ ሕጂ ዝቃወምዎን፡ ክሳብ’ውን ዝኹንንዎን ዘለዉ ኣረምኔ ስርዓት ህግደፍ ፣ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ደረጃ ንኽበጽሕ ዓቢ እጃሞም ኣበርኪቶም እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ናይ 30 ዓመታት ታሪኽ ዕጥቃዊ ተጋድሎና, ዘይተነግሩ ‘ምበር ዝተፈጸሙ ፍጻሜታት ብዙሓት’ዩም። እቶም ኣዝዮም ኣደነቕቲ ስሪሒታት ካብ ሂወት ወድ ሰብ ምኽፋል ዝዓቢ ነገር ስለ ዘየሎ ኣብ ውሽጢ ሃገር’ዮም ተፈጺሞም። ማዕረ ማዕሪኡ ግን ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና’ውን እንተኾነ, ሰብኣዩ ሰበይቱ ዓቢኡ ንእሽቱኡ ኣብ ዓለም ተራእዩ ብዘይፍለጥ ሓድነትን ሃገራዊ ኒሕን፡ ሃገራዊ ናጽነት ሽቱኡ ንኽወቅዕ፡ ንሰውራ ኤርትራ ኩሉ ይጠቅም ዝባህል ዘይገበሮ ነገር ኣይነበረን።

ኤርትራ ብሰንኪቲ ገና ዘይተዳህሰሰት ሃገር ምዃና ሕብእቲ ግምጃ ተባሂላ ዝንገረላ ሃገር ኢያ።ርእሺ ኩሉ ከኣ ኣብ ኣገዳሲ ቦታ ብምህላዋ ነዚ ዕድላትዚ ክጥቀሙ ዝተፈላለዩ ኣዋፈ ርቲ ርእሰማል ስሒባ።እዚ ዕድልዚ ግን ረብሓቲ ምእንቲ መሰሉን ክብሩን ዝወደቐን ዝሰንከለን ዘይኮነ ኢሳያስ ምስ ሰባት ክፋለጥ ኣኺኢሉዎ።ብዙሓት ኣዕሩኽ ረኺቡ፡ምብዛሖም ግን ንኤርትራውያን ኣይጠቐመን።ካብዞም ብዙሓት ኩፉእ ግብሪ ዘለዎም፡ብዘይካ ናብ ጁባኦም ዝኣቱ ንኻልእ ዘስዕብሉ ጸገም ዘይፈልጡ ናብዝ ቁስላ ዘየሕወየት ኤርትራ ውጽእ ኣትው ክብሉ ጀሚሮም።

ጠንቂ ስደት ዘይቅሳነት ፍርሂ ጭቆና ኣብ ገሊኡ ከኣ ጸገም ጥሜት ዘምጸኦ ኢዩ።ሃጼ ኃይለስላሴ ኤርትራ ኣድኪኻ ናይ ምግዛእን ኤርትራውያን፡ካብ ዝኾነ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ክርሕቑ ብጥበብ ንማእከል ሃገር ክስደዱ ገይሩ።ነዚ ቅርጡው ጥበብዚ፡ካብ ገዛእትን ካብ ራሰይቲ ዝተረፈ ትካላት ኤርትራ ቦርቒቑ ንማእከል ሃገር ብምግዓዝን ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ምዕባለ ከይረአ ንኤርትራ ሓኒቑ ሒዙዋ።ሃገራዊ ስሚዒትን ምትእኽካብን ኣብ ማእከል ሃገር ኣይተረፍምበር ሚስጢራዊ ጥበብ ምሉእ ንምሉእ ውጺኢት ኣርእዩ ብዙሓት ኤርትራውያን ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ተሰዲዶም።

POST TAGS:

ንዝኽሪ ስዉኣትና ብሐደ ሐቢርና ክንጽንብል ዘብቃዐና ልዑል ኣምላኽ መጎስ እብጻሐዮ፡፡ ዘለአለማዊ ክብርን ዝኽርን ድማ ንስዉኣትና! ድሕሪ ምባለይ፡ ዕዙዝ ሰላምታይ ንዅልኻትኩም ተሳተፍቲ እዚ ኣኼባ፣ እወ ልባዊ ሰላምታይ ንዅልኻትኩምን ንዅልኻትክን ተሳተፍቲ እዚ ብጸሎትን ብብድሆን እንዝክሮ ክቡር መዐልቲ አቕርብ፡፡

READ MORE

ታሪኽ ክርስትና ከምዝምስክሮ ፍቕሪ፡ ትሕትና፡ ፍትሕን ንውጹዓት ምውጻእ…መሳሊ ካብ መሰረት ትምህርቲ ክርስቶስ ስለዝኾነ እቶም ዘተግብርዎ ብፍሪኦም ይዕቀኑ። እሞ፡ ብርሃኖም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ይበርህ። እቶም ብስም ክርስቶስ ክርስትያን ኢና እና በሉ ኣብ ዓለምና መሳርሒ ንገዛእቲ ዓለም ኮይኖም ዘሻርዉ ግን ዓስቦም ካብ ገዛእቶም ይኸውን።

ብምኽንያት ጸላም ዕለት 18 መስከረም ማለት ምእሳር ጋዜጠኛታትን ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ነበር ብርዕታት ኣብ ስደት ዘለው ጋዜጠኛታት ካብ ምዕራብ ንምብራቕ ካብ ሰሜን ንደቡብ ክትወናጨፍ ክትርኢ ሓደ ተስፋ ንነብስኻ ይወሮ። ልሳን ህዝቢ ክዓብጥን ክቐብርን ዝኽእል ማንም ሓይሊ ከምዘየለ ይበርሃልካ። ካብዚ ተበጊሰ ብርዒ ኤርትራውያን ከምዘይተቐበረትን በንጻሩ ትስስንን ከም ሮማዲ ተሳፍሕን እያ ዘላ ክብል ይደፍር።

POST TAGS:

ዘይባህግና ምብትታን ከምዚ ናትና፡ እኩብ ሰብ እንተርኣና ንግረም ። ኣብ ማዕዶ ሰግር ሰፊርና ማዕዶ ሓድነት፡ ማዕዶ ሕሰምን ሸግርን ህዝብና ክነብር፡ ንበይንና፡ ንብሕትና፡ ኣብ ብርቱዕ ጽምዋ፡ እሞ ድማ በይንና ክንፈትሖ ዘይንክእል ሸግር ክንሓስበሉ ግድነት’ዩ ዝኽውን።

ሳዋ ክትጅመር እንከላ፡ከምዚ ከማይ የዋህ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም፡ኩነታት ኣሲሩዎ፡ ወለዱ ተወሊዶም ዝዓበይሉ ቁሸትን ቕርዓትን ዘይረኣየ፡ውጽእ ኢሉ መሬት ሃገሩ ክፈልጥ ይሕግዞ ዝብል ኣረኣእያ ኔሩና።ኣብ ከተማ ቐንፈዘው ካብ ምባል፡መሬት ሃገሮም ርእዮም ልምዓታዊ መደብ የውጽኡ ዝብል ዘይንጸግ ኣተሓሳስባ ዝነበሮም ኣይተሳእኑን።

ሀገረ ኤርትራ ነጻ ካብ ትወጽእ ክሳብ ሎሚ ብዙኃት እሱራታ ብዓሰትርተታ አሽሃት በጺሖም ይርከቡ። አብ ሀገርና ኤርትራ ግዝአተ ሕጊ ብዘይምንጋሱ እሱራት ብዘይ ገለ ሕጋዊ መስርሕ  ኢዮም ዝእሰሩ። ዋላዃ  ቅቡልን ቅኑዕን እንተ ዘይተባህለ ቅዋም ብዘይ ምትግባሩ፤ ድማ ሀገረ ኤርትራ ብዓዋሉ ተወኒና  መሬት ኤርትራ ቤት ማእሰርቲ ሕዝቢ ኤርትራ ገይሮሙዋ ይርከቡ።

 ንስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ከም ወኪል ሓደ ዓሌት ወይ ኣውራጃ ወይ ሃይሞኖት ገይርካ ክትውስኖ ምፍታን፡ ንስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ በደሉ ምሕባእ፡ ንሕዝቢ ኤርትራ ድማ ሕሰሙ ምቕባር ኢዩ ዘስምዕ።

 

መጀመርታ ከም ባህሊ ሕዝቢ ኤርትራ ካብ መዋእላት እትፍለጥ፤ ናይ ሓዲሽ ዓመት ጀማሪት ወርሒ ምዃና  ብዘይ እቶም ጸረ ሕዝብናን ሀገርናን ዝኰኑ ጉጅለ ሽበራን  ዓመጽን ኲሉ ዝፈልጦ ንጹር ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ከአ ናይ 2002 ዓ.ም.ግዕዝ ርሑስን ቅዱስን፤ ዓመተ ፍቕርን ሰላምን፤ዓመተ ፍትሕን ርትዕን ዝዕንብበሉን ክኾነሉ ንሕዝብና ልባዊ ትምኒትናን  ማኅበራውን ሀገራውን ሀንቀውታናን  ንገልጸሉ።

ሎሚ ቕኔ ኣብ ሊብያ ዝነበሩ ኤርትርያውያን ዝወረዶም ዘሰክሕ ኩነታት ዘሕመሞምን ዘሰምበዶምን ዘጉሃዮምን ካብ 200 ምእቲ ዝበዝሑ እርትርያውያን ካብ ዘሓለፈ ሰምበት ዕለት 8/30/2009 ኣትሒዞም ን4መዓልቲ ኣብ ኢንተርነት ዝርካብ መራኸቢ ቡዙሃን Paltalk Room: Eritrea no Fara ተኣኪቦም “እንታይ ኢና እንገብሮ ብኸመይ” ዝብል ዛዕባ ሒዞም ንነዊሕ ስዓታት ገፊሕ ዘተን ዘድሊ መጽናዕትን ኣካይዶም ትማሊ ሓሙስ ዕለት 3 ወረሒ 9/2009 ኣሰታት ካብ 250 ዝበዝሑ ኤርትራውያን “ማሕበረኮም መንእሰያት ኤርትርያ (ማ.መ.ኤ)” ዊን ድማ “Eritrean Youth Self-help Association (EYSA)”ዝብል መጸዋዕታ ሒዝና ኣብ ዘዘለናዮ ሃገርን ከተማታትን ንመስረት ኣብ ዝብል ሓፈሻዊ ምርድዳእ በጺሖም:: ኤርትራውያን ተቐማጦ ሃገረ ስዊሰ ዱሮ ተኣኻኺቦምን ኣብ ምንዳይ መአከቢን መራኸቢን ቦታ ከም ዘለዉ ሹዑ ምሸት ኣፍሊጦም::

ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ ነታ፡ ብዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ተጻሒፋ፡ ኣብ ሬድዮ ድምጺ መሰልና፡ ብመሮን ኢስቲፋኖአስ ዝተነበበት፡ „ዘይጎነጻዊ ኣግባብ ቃልስን መኸተ ኣንጻር ኤርትራዊ ምልክን“፡ ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘለት  ጽሕፍቲ፡ ምስ ሰማዕክዋ፡ እቲ ትሕዝቶ ናይዛ ጽሕፍቲ እዚኣ፡ ኣብ ነንሕድሕዱ ዝጋጮን ሓሳባት ምዃኑ ክግንዘብ ምስ ካኣልኩ እዩ።

ዓርቢ, ለት 28 ነሓሰ 2009 ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ 1 ገጽ  ሕታማ (ኣብ 311) ኣብ /// ኢትዮጵያ ንዘሎ ዓሌትነት ብምቅዋም፣ ክልተ መራሕቲ ሃይማኖት ናብ ኤርትራ መጺኦም ክትብል ሓበሬታ ጽሒፋ’ላ

ነዚ ጽሒፍ’ዚ ናብ ኣሰና ክልእኽ ከለኹ፣ ልዕሊ ሰበይ ፈሊጠ ዘይኮንኩ፣ ነቶም ሃገራውያን ኣመት ንምሃብ፣ ነቶም ንኢሰያስ ካብ ገበናቱ ነጻ ኣውጺኦም ልዕሊ ሃገር ክሰርዑዎ ዝደልዩ፣ ንስዉኣት ረሲዖም ምስ ረብሓኦም ዝጐዓዙ ድማ፣ ግደፉ ናብ ልብኹም ተመለሱ ሒዝኩሞ ዘለኹም መስመር ግጉይ’ዩ፣ ጽባሕ ብታሪኽ ክትሕተቱ ኢኹም ንምባል ምዃኑ ክትግንዘቡለይ እደሊ። ሰናይ ንባብ!

ተስፉ ዘውደ

ከምቲ ኣብ ራብዓይ ክፋል ዝገልጽክዎ እተን መካይን ዕላምአን ንፖርት-ሱዳን ኣትየን ኣብቲ ናይ ምብራቓዊ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ረድኤት ክህባ ኢዩ ተመዲቡ ዝነበረ። ካብ ወደብ ላስፐዝያ ንኣለክሳንድርያ ኣተና። እቲ ኩሉ ዝጽዕነት ናይተን መካይን ንስደተኛታት ስለ ዝኾነ ብስምምዕ ግብጽን ሱዳን ንኩላህና በዚ ጉዳይ ዝትዋፈርና ናይ ዲፕሎማሲ ቪዛ ተወሃበና። ንዓይ ዓቢ ናይ ህላወ ዋሕስ ነበረ። እዚ እውን ኣብቲ ዘካይዶ ምንቅስቓሳት  መጥቃዕቲ ክወርደኒ ስለ ዝኽእል ብወገን ጀርመናውያን ተሪር ስጉምቲ ክወስዱ ዝድርኽ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ማለት ኢዩ።

ብ ረዘነ ገ.  ሚካኤል

መተሓሳሳቢ፤ ክቡር ኣንባቢ። እዚ ጽሑፍ’ዚ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ነጥበ መካትዒ ፊጢሩ ሓሳባትን ኣረኣእያን ኤርትራውያን ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ንምስፋሕን መሃሪ ተራ ክህልዎን ተባሂሉ ዝጽሓፍ ዘሎ እምበር ንዝኮነ ናይ ፖለቲካ ሃልኪ ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ክሕብር እፈቱ።

ዳን ኮኔል ዝተባህለ ኤሜሪካዊ ጋዜጠኛ፡ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ዓለም ኣብ ምልላዩ ዓብይ ግደ ዝተጻወተ ጋዜጠኛ ኢዩ።ንሱ ኣብ መወዳእታ 2003 ኣብ ቦስቶን ኣሜሪካ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ ማሕበር ኣፍሪቓዊ መጽናዕቲ ኣብ ትሕቲ ይኣክል፡ነቐፈታ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ድሕሪ ነጻነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ብወግዒ ኣብ ዘቕረቦ ሰፊሕ ነቐፈታ መወዳእታ፡