Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኦ ህዝቢ ኤርትራ ህዝብኻ (ኣቦኻ፣ኣዴኻ፣ደቅኻ፣ሓውኻ፣ሓብትኻ) ብሓደ ኣረሜናዊ ውልቀ-መላኺ ምስ ካብ ሓሙሽተ ዘይበዝሑ ጭራኦም እናዘረጉ ዝነብሩ፣ወኻሩ ኣጫፈርቱን ሃገርካ ኣብ ዘስካሕክሕ ስቅያት እናወደቐት ከላ ትም ምባል “ኣርሆስ ክሳብ ዝድብደቡ ይስሕቁ’ዶ ”ኣይኮነካን?

dejenተግባራት ናይ ሓደ ግናይ ስርዓት ክትጻወሮም ጥራይ ዘይኮነስ ክትዝክሮም ’ውን ኣጸገም ’ዮም፡፡ እቲ ምንታይሲ እናሻዕ ስለዝደጋገሙ፡ ነቲ ግናይ ዝገነየ፡ ነቲ ዝገነየ ብኣዝዩ ዝገነየ እናተደራረበ ስለዝኸይድ፡፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ሳላ ንደቂደቁ ዘይንሕፍ ቀዛፊ ስርዓት ኢሰያስ፡ ዘይሰብኣዊ ተግባራት ክንዮ ንቡር ሓሊፉ መስፈሪ ተሳኢኑዎ እዩ፡፡ ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ህሞት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ መዓልቲ ብዝፍጸሙ እከይ ተግባራት ክትዕቅኖም፡ መዓልቲ ኣዝዩ ይገዝፈካ፡፡ ከከም ስሚዒትና ገሌና ብመዓልቲ ወይ ብሰዓታት ንዕቅኖ ንኸውን፡ ገሌና ’ውን ብሰዓታት ደቓይቕ፡ ንዓይ ግን እዚ ኩሉ መዐቀኒታት ኣዝዩ ገዚፍ ስለዝኾነ፡ ካልኦት መዐቀኒታት ሃሰስ ክብል ይግደድ፡፡

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ከምቲ ኩሉ አረሜናዊ ተግባራቱ ንህዝቢ ዝነበሮ ባህሉ፤ ልምዱን መነ ባብሮኡን ንምጥፋእን ንምብራስን ኩሉ ወዲ ሃገር ብግርህነቱ ከሎ ንሱ ግን ብመደብ ህዝቢ ዝጠፍአሉን ሃገር ዝባድመሉን ካብ መጀመርያ ዝሐንጸጾ ስዉር መደብ ኢዩ፡፡ እዚ ሕጂ ተታሐሒዙዎ ዘሎ ምፍንቓል ዓድታት’ውን መቐጸልታ ናይቲ በብጊዜኡ አብ ልዕሊ መሬትን ህዝብን ዝተፈጸመ ኢሰብአዊ ተግባራቱ ምዃኑ ንኹሉ ወዲ ሃገር ብሩህ ክኸውን አለዎ፡፡

ኣቦና ሃብተማርያም ኣብርሃ ኩነታት ኤርትራ ትማልን ሎምን ጽባሕን ብዝብል ኣርእስቲ ብ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ንዝቐረበሎም ሕቶታት ዝሃቡዎ መልስታት ንምንባብ ኣብዚ ጠውቑ።  ቃለ መጠየቕ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ምስ ኣቦና ሃብተማርያም ኣብርሃ።

READ MORE

isuነዚ ሕጂ አብ ኤርትራ ዘሎ መንግሰቲ ምስ ናይ ሃይለ ሥላሴ መንግሰቲ ከማዛዝኖ ከሎኹ ብዙሕ ብጌጋ ዝርድአኒ ሰብ ከምዘሎ አይስሕቶን ኢየ፡፡ ምናልባሽ‘ውን ብናተይ ሃገራውነት ዝጠራጠሩ ሰባት ከምዝህልዉ ይርድኣኒ ኢዩ፡፡ ናይ ኤርትራ ልዕላውነት ይኣምነሉዬ ጥራይ ዘይኮንኩስ ከም መብዛሕትኡ ኤርትራዊ  ንናጽነት ኤርትራ‘ውን ቁርብ ግዜ ብረት ዓጢቔ ተቓሊሰ ከምዝነበርኩ ከገልጽ እፈቱ፡፡ መንግስቲ ሃይለ ሥላሴን መንግስቲ ኢሳያስ አፈወርቅን ከወዳድሮ እንከለኹ ግን ሚእቲ ካብ ሚእቲ መንግስቲ ጃንሆይ ዝሓሸ ምኻኑ ስለዝአምን ኢየ፡፡

Eri Vilስርዓት ኢሰያስ፡ ብተግብራቱ ንዝኾነ ኣብ ኤርትራ ዝዓንተረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብዚ ትረፍ ከምዝበሎ እቶም ምስ ጥዕናና ኣለና ንብል ንኣምነሉ ጉዳይ ይመስለኒ፡፡ ንኹሉ እከይ ተግብራት ገዛእቲ ሓይልታት በብሓደ የተግብሮ ኣሎ፡፡ እቲ ዝተረፈውን ክሳዕ ኣብ ስልጣን ዘሎ ከማልኦ እዩ፡፡ ሓደ ካብቲ ግፍዓዊ ፖሊሲታቱ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታት፡ ዓሰርተታት ዓድታት ካብ መበቀሎላዊ  ቦትአን ብሓይሊ ከግዕዘን ይሸባሸብ ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡

Cabinetህዝብና ብሰንሰለታውያን ገዛእቲ ንኣማእት ዓመታት ክሳቐ ከም ዝጸንሐ ንኹላትና ርዱእ ይመስለኒ። ዝያዳ ከፊኡዎ ዘሎ ናይዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ተዀዲጩ ዘሎ ውልቀመላኺ ስርዓት ስለ ዝኾነ ግን: ብዛዕባኡ ብዙሕ ኣይክዛረብን’ የ። በሉ ብቐጥታ ናብቲ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ምስ ሓደ ኣቦ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሃገርና ዘገበርናዮ ዕላል ከካፍለኩም ጽን በሉ። እቶም ኣቦ፡ ወዶም ካብ ወጻኢ ዝሰደደሎም መድሃኒት ከምጽኡ ’ዮም ነስመራ መጺኦም። እቲ ዘምጻሎም ሰብ ብጉዳይ ዶላር ስለ ዝተኣስረ ግን ካብ ዓዲኣቤቶ ብዋሕስ ክሳብ ዝወጽእ ከም ጋሻይ ኣብ ገዛይ ቀንዮም። ንቐጽል ናብቲ ዕላል።

ኣብዚ ቅንያት'ዚ ስርዓት ህግደፍ ሰራሕተኛታት መንግስቲ በልማማ ይኣስር ምህላዉ ዝሕብር ዜናታት ንሰምዕ ኣሎና:: እዚ ምልክት ጭንቀትን ዓቕሊ-ጽበትን ዝኾነ ስጉምቲ'ዚ: ነቲ በብዅርንዑ ብዘገምታ ዝጎሃሃር ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት፡ ሰዓቱ ሓልዩ ከይነትጕ ምእንቲ: ናይ ራዕድን ሽበራን ኩነት ፈጢርካ ንምዕፋኑን እንተተኻኢሉ ድማ ንምበርዓኑ ዝተወጠነ ናይ ፍርሒ ስጉምቲ ኢዩ::

እዛ ዓለምና ጓል ኣንስተይቲ ዘይብላ ክትህሉ ዘይኮነ ክትሕለም እውን ኣይትካኣልን ኢያ። ንሳ ምንጪ ህላውየናን፣ ሄወትናን፣ ባህልናን፣ እምነትናን፣ ታሕጓስናን፣ ሓዘናን፣ ፍቕርናን፣ ተስፋናን፣ ኢያ። ብሃገር ደረጃ ድማ ምንጪ፣ ሃገራውነትናን፣ ሓርበኝነትናን፣ ሓድነትናን፣ ዕርቕን፣ ፍትሕን፣ ኢያ። ንሳ ብርሃን ስድራን ሃገርን ኢያ።

M8እዚ ክቡር ዕለት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀንስትዮ ካብ ልዕሊ ዝኾና ናይ  ዓለምና ደቀንስትዮ ንኤርትራውያን ይምልከት እንተበልና ድፍረት ኣይቁጸርን። ምኽንያቱ ኣብ ሕሉፍ ገድላዊ ዘመን ብተግባር ኣመስኪረን ብቅዓተን ስለዘረጋገጻ። እዚ ኣርእስቲ ንብቅዓተን ወይ ታሪኸን ንምዝርዛር ኣይኮነን። ብቀሊል ዘይለዓል ሰፊሕ ብምዃኑ። ዕላማና በዚ ኣጋጣሚ ዕለት ኩነታት ናይተን ወደስትን ዘየምትን በቲ ሓደ፡ በቲ ካልእ ከኣ ህላወ ተባዓትን ግዳያትን ናይዚ ሕማቅ ግዜ ንምንጻር እዩ።

Cdrieኣባላት እዛ ማሕበር ንፍትሕን ደሞክራስን ውፉያት ኮይኖም፤ ሞያውያን። ምሁራትን ተቓለስትን ንደሞክራስያዊን ሰብኣውን መሰላት እዮም፣ ብዙሓት ካባና ንነዊሕ እዋን ብሰላማዊ መገዲ ፍትሕን። ደሞክራስያዊ መሰላትን ኣብ ኤርትራ ክሰፍን፤ ሰላማዊ ርክብን ምዕባለን ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን ህዝብን ክሰፍን ዝተቓለሱን ዝቃለሱ ዘለውን እዮም፣ ገለ ካባና ድማ። ጌና ኣባላት ህሉዋት ኤርትራውያን በርጌሳውያን ማሕበራት እዮም፣

Foziaናብ ተጋዳሊት ነበር ናይ ሕጂ ሚኒስተር ወዘሪት ፈውዚያ ሓሽም። ክቡር ሰላምታይ ተቐበላ። መትከልክን ረሲዕክን መጋበርያ ውልቀመላኺ ኢሰያስ ካብ ትኾና ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። እዚውን ንምዝኽኻር ዝኣክል’ምበር ደም ስዉኣት ከቢድ ስለ ዝኾነ፡ ሕልክናኽንስ ወግሐ ጸብሐ ብድምጾም ከም ዝዅሕኳሕን ቅሳነት ከም ዝኸልኣልክን ዝሰሓት ኣይኮነን።

ዓመተ 2008 ኣብ ምዝዛማ ኣብ ልቢ ኹልና ኤርትራውያን ዓቢ ተስፋ ዘሪኣ እያ ሓሊፋ።  ዓመተ 2009’ውን ኣነስ መዓስ ሓሚቐ ክትብል ነቲ ተስፋ መመሊሳ’ያ ተጓዕፍሮ ዘላ።  ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከም መንዳዓት ኮይኑ ዘሳቕየና ዝጸንሐን ዘሎን ትፋእ ታሪኽ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ መሓውራቱ ብቕሉዕ ክለምስ ጀሚሩ’ሎ።

ዓመተ 2008 ኣብ ምዝዛማ ኣብ ልቢ ኹልና ኤርትራውያን ዓቢ ተስፋ ዘሪኣ እያ ሓሊፋ።  ዓመተ 2009’ውን ኣነስ መዓስ ሓሚቐ ክትብል ነቲ ተስፋ መመሊሳ’ያ ተጓዕፍሮ ዘላ።  ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከም መንዳዓት ኮይኑ ዘሳቕየና ዝጸንሐን ዘሎን ትፋእ ታሪኽ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ መሓውራቱ ብቕሉዕ ክለምስ ጀሚሩ’ሎ።

ዓመተ 2008 ኣብ ምዝዛማ ኣብ ልቢ ኹልና ኤርትራውያን ዓቢ ተስፋ ዘሪኣ እያ ሓሊፋ።  ዓመተ 2009’ውን ኣነስ መዓስ ሓሚቐ ክትብል ነቲ ተስፋ መመሊሳ’ያ ተጓዕፍሮ ዘላ።  ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከም መንዳዓት ኮይኑ ዘሳቕየና ዝጸንሐን ዘሎን ትፋእ ታሪኽ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ መሓውራቱ ብቕሉዕ ክለምስ ጀሚሩ’ሎ።

ፈላጥ ብዙሕ ኣይዛረብን። ፈላጥ አብዘይምልከቶ ነገራት’ውን ኣየውደኽኽን። ፈላጥ ሰብ ብዛዕብኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዛዕባ ካልኦት ህልውናን ሰብኣውነትን’ውን ይሓሰብ። ናይ ፖለቲካ ኪኢላታት’ውን ድዛረብዎን ከስዕቦ ዝኽእል ፖለቲካዊ ክሳራታት ብውልቃዊ ረብሓታቶም ጥራሕ ዘይኮነስ ብክብሪ ህዝቦምን ሃገሮምን ዓይኒ ኢዮም ዝጥምትዎ።

ኮ/ል ተስፋልደት ስዩም ምሉእ ዕድምኡ ከይተጻዕደ ፈለማ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ድሒሩ ምእንቲ ፍትሒ ካብ እምነቱን ዕላምኡን ነቅ ከይበለ እንዳተቃለሰ ግቡኡ ፈጺሙ ብዕለት 26 ታሕሳስ 2008 ተሰዊኡ።