Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኣቦ ወንበር ኢህወደግ ኮይኑ ተመሪጹ ዝቐነየ፡ ዶር ኣብይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኮይኑ ሎሚ ሰኑይ  2 ሚያዝያ 2018 ኣብ ቅድሚ ፓርላማ እታ ሃገር ቃል ማሕላ ከምዝፈጸመ ብ ቴለቭዥን ኢትዮጵያ ተቓሊሑ። እቲ ሎሚ ቃለማሕላ ዝፈጸመ፡ ወዲ 42 ዓመት ዶር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ጽገና ብምትእትታው ነቲ

READ MORE

ይቅረ በልለይ ኣደ ዓስብኺ ኣይረኸብክን ይቅረ በልለይ ኣደ ብዘይ ስንብታ ተፋንየኪ ዝምለስ መሲሉኒ ዳግማይ ዝረኽበኪ ዝባነይ ክጥብጠብ ክባረኽ ብኣኺ ናይ ሰናይ ምንዮት ክረክብ ምርቃኺ። ይቅረ በልለይ ኣደ ጨካን ኣይትበልኒ  መርገምኪ ከይበጽሓኒ እሾኽ ከይወግኣኒ ካብ መገሻይ ክምለስ ጸሎትኪ ኣይጋደፈኒ ኣብ ኩሉ ከይበጻሕኩ ኣብ ጸልማት ከየዕነኒ። ይቅረ በልለይ ኣደ ወላድ መኻን ኣይትኹኒ ምሳኺ ክነብር ንዓይ ምሓሸኒ ክምርዖ ክወልድ

READ MORE

ጽምብል ዝኽሪ ንኹሎም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ኣብ ዋሽንግቶን ዲ. ሲን ከባቢኣን ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) ካላኣይ ክፋል “ዲኤንኤ (DNA) ናይ ነብሰሄር ሃይለ ወልደንስኤ (ድሩዕ) እንተዝምርመርሲ፡ ኤርትራ ኣብኡ ንተረኽበት።” ዝብል፡ ኩሎም ናይቲ ወግዒ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ዝተሰማምዕሉ፡ ናይ ምደምደምታ ምሉእ ሓሳባት ዝሰማዕኹ፡ ብዛዕባ ሃይለ ድሩዕ  “ከም

READ MORE

ከም ዝፍለጥ፡ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኣብ ዓባይ ብርጣንያ: ብፍላይ ክኣ ኣብ ከተማ ሎንዶን ዝተፈላለያ ናይ ኤርትራውያን ማሕበረ ኮማት ተመስሪተን ንነዊሕ እዋናት ንህዝቢ ዝተፈለለዩ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ርኡይ ዝኾነ ኣበርክቶ ከም ዝገበርን ዝዝከር’ዩ። ይኹን’ምበር ምስ ጊዜ: እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ ኣብ ኤርትራ

READ MORE

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) ቀዳማይ ክፋል ከምቲ ኣብ ኩሉ ኣከባቢታት ዓለም ክካየድ ዝቐነየ፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲን ከባቢኣን’ውን ጽምብል ንዝኽሪ ነቶም ኣብ ማሕዩር ስርዓት ኤርትራ ዝሓቐቑን ዝሓቑ ዘለውን ኤርትራውያን ኣብ ዕለት 24-25 መጋቢት 2018 ተኻይዱ። እቲ ናይ 24 መጋቢት 2018 ጽምብል፡ ብናይ ዲ.ሲን ከባቢኣን ናይ

READ MORE

መምህር ኢብራሂም መሓመድ ብዕለት 28 መስከረም 1947 ዓ.ም. ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ። ናይ መባእታ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኤርትራ ተማሂሩ፡ ናይ ማእከላይን ካላኣይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ኢትዮጵያ (ኣብ ደሴን ኣብ ኣዲስ ኣበባን) ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቀዳማይ ሃይለሰላሴ ብጂኦግራፊ ብባችለር ዲግሪ ተመሪቑ (B.A in Geography. HaileSelassie I

READ MORE

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ምሕዝነት ኢህወደግ፡ ትማሊ ምሸት 27 መጋቢት ኣብ ዘካየዶ ድምጺ ናይ ምሃብ መስርሕ ብ 60 ሚእታዊት ንዶር ኣቢይ ኣሕመድ ኣቦ ወንበር ናይቲ ሰልፊ ክኸውን ከምዝመረጾ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ገሊጸን። ዶር ኣቢይ ኣሕመድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ክኸውን፡ ምርጭኡንስሙ ብ ቤትምኽሪ

READ MORE

ካብ ምዕራይ፡ ምፍራስ ዝምረጸሉ ኩነታት (to reform or to abolish) ብ ኣማኑኤል ሳህለ   ሓደ እዋን ኣብ ኤውሮጳ ተለቪዥነይ ምስራሕ ኣብያስ ርእይቶን ምኽርን ንምርካብ ናብቶም ተለቪዥን ዘዐርዩ ጠቢባን ከይደ። እታ ኣብቲ ድኳን ዝጸንሓትኒ ኣስተናጋዲት፡ ሓዳስ ተለቪዥን ዘይትዕድግ ብምባል እያ ርእይቶኣ ዝሃበትኒ። እቲ ዘቕረበቶ ምኽንያት ድማ፡ ነታ ተለቪዥን ንምዕራይ

READ MORE

ኣብ ታሪኽ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ምፍጣር ዓቢ እጃም ዘበርከቱ፡ እዚ ታሪኽ እዚ ክስራሕ ዝተዓዘቡ፡ ብዛዕባ እዚ ታሪኽ እዚ ዝግደሱ ውን ኩሎም ብግቡእ፡ ብዝተጸንዔ፡ ብጥርኑፍ፡ ብዝተማለኤ ኣብ ምዕቓብ፡ ኣብ ምዝርጋሕ ናብ ኩሉ ወሎዶታት ዝተሓላለፍ ብቁዕ ኣፋዊ ይኹን ዝተሓትመ ሰነዳዊ ታሪኽ ኣብ ምውህላልን ምቕራብን ዝሕግዝ ጥጡሕ

READ MORE

ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ “ ጌጋይ ዘቅርበለይ ከም ገጽ በረከት ዘቅረበለይ ክቆጽሮ`የ “  Omer Bin Khetab (634 – 644 ዓ.ም) ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን ንቡዙሓት መራሕቲ ዓለም ዓበይቶም ናኣሽቶም ጸላዕላዕ ዘብሎም፤ ምስማዕ ተጻይ ሓሳብ ወይ ተቃውሞ ፤ ሰይድና ዑመር  ኣብ 7ይ ክፍለ ዘመን ምስማዕ ከይኣክል

READ MORE

ናይ ሓዘን መግለጺ ብምኽንያት መስዋእቲ ኩቡር ተቓላሳይ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ ዶ/ር ኢብራሂም መሓመድ ዝተሰማዓና ምሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ንስውእ ዶ/ር ኢብራሂም መሓመድ መንግስተ ሰማያት፡ ንኽብርቲ ብዓልቲ ቤቱን ደቁን መላእ ቤተሰቡን መቓልስቱን ክኣ ጽንዓትን ንምነ። ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ። 28.03.2018

READ MORE

ስርዓት ህግደፍ፡ 22 መጋቢት 2018 ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቀጠርን ሱዳንን ስርዓቱ ንምጽባእ ይንቀሳቐሳ ምህላወን ድሕሪ ምግላጹ፡ ስርዓት ሱዳን ትማሊ 24 መጋቢት ተመሳሳሊ መግለጺ ብምውጻእ ኣሉታዊ ግብረ መልሲ ሂቡ። እቲ፡ ሱዳን ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ብሓሓዝ ግብጻውያን ኣማኸርቲ ተቓወምቲ ሱዳን ትዕልም ከምዘላ ብምጥቃስ ቅድሚ ኣስታት ክልተ

READ MORE

ትማሊ ቀዳም 24 መጋቢት 2018፡ ነቲ መንግስቲ እስራኤል ዝወጠኖ ምስጓጒ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ብምቅዋም ኣስታት 25 ሽሕ ህዝቢ ዝተሳተፉ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ቴልኣቪቭ ከምዝተኻየደ ማዕከናት ሓበሬታታት እስራኤል ገሊጸን። መርበብ ሓበሬታ haaretz ብዘመሓላለፎ ዜና መሰረት እቶም ሰላማዊስ አልፊ ዘካየዱ ሓተቲ ዑቕባ፡ ` ደምናን ደሞምን ፍልልይ የብሉን፡ ንሕና

READ MORE

ኣብ ማዕከናት ዜና ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራ ብሳላ ዘለዋ ሰላም፡ ምጣነ ሞት ህጻናትን ኣዴታት፡ ለበዳ ዓሶን ካልኦት ተላባዕቲ ሕማማትን ንምቁጽጻር ከምዝተኻእለን፡ ኤርትራ ድማ ብመለክዒታት ኣህጉራዊ ውድብ ጥዕና፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዓበይቲ ዓወታት ዘመዝገባ ሃገራት ምዃና ይሕብር። ከምቲ “ዕዉር እንታይ ትደሊ ብርሃን ነጋዳይ እንታይ ትደሊ ሰላም”

READ MORE

ሓጺር ኣስተምህሮ ብዛዕባ ጸላኢ ብ ኣማኑአል ሳህለ ንጸላኢኻ ብኹልንተናኡ ምፍላጥን ምግምጋምን፡ ጸኒሑ ኣብ ምብዳሁን ምምካቱን ኪጠቕመካ ይኽእል። ዘይትፈልጦ ምስ እትኸውን ግን፡ ብግቡእ ክትምክቶ ስለ ዘይትኽእል፡ ሓደጋ ከስዕበልካ ይኽእል። ምስ ዘይትፈልጦ ወይ ኣጸቢቕካ ዘይገምገምካዮ ጸላኢ ምቅላስ ማለት፡ ከምቲ ሓንቲ ዕውርቲ ኣንጭዋ ምስ ሓንቲ ነግራም ድሙ ክትገጥም ከላ ማለት

READ MORE

ብሰንኪ `ቲ `ኬምብሪጅ ኣናሊቲካ` ዝተባህለ ኩባንያ ዓዲ እንግሊዝ ንውልቃዊ ሓበሬታ ዓማዊል ፈይስቡክ ብዘይ ኣፍልጦ ተጠቀምቲ ኣብ ዘይግብቡእ ኣገልግሎት፡ እንተላይ ኣብ ምዕዋት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ትራምፕ ምውዓሉ ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለምን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ጫቚጫቚ ኣቢሉ ብርክታት ፋይስቡክ ብዓሰርተታት ቢልዮናት ዶላራት ኣብ መዓልቲ ክኸስር ኣብ ዝቐነየሉ እዋን ድምጹ

READ MORE

ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ብልዑል ተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ ተጋዳላይ ዶር ነርኣዮ ተኽለሚካኤል ብተደራራቢ ሕማማት ክሳቐ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ብ 16 መጋቢት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሰያትል ዓሪፉ። ሓርበኛ ዶር ነርኣዮ ተኽለሚካኤል ኣብቲ ጽንኩር ኩነታት ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ከም ኣባል ናይ ሕክምናዊ ኣሃዱ ኮይኑ

READ MORE

ኣብ ከባቢ 1910 ኤርትራውያን ብገዛእቲ ጣልያን ተዓስኪሮም ናብ ሊብያ ምስ ከዱ፡ ወትሃደራዊ ግቡኦም  ፈጺሞምን፡ ባጤራ (ማርያ ተረዛ) ሒዞምን፡ ናብ ዓዳቶም ይምለሱ ነይሮም። ግንከ ጌና እግሮም ከይኣተወ ነቶም ደቂዓዶም ብንዕቀት የባጭውሎምን የሽካዕልሉሎምን ነይሮም። በዚ እተላዕለ፡ ኣብ ሃገርና ነቲ ናይ ሓውኻ ምንዓቕን፡ ነቲ ምስ ጣልያን ፈሽኰልኰል ምባልን

READ MORE

ሎሚ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ቅልውላው፡ ሰላሕታዊ ምጽናት ዓቅሚ ሰብ፡ ምብሕጓግ ሃገራዊ መንነትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ንብዙሓት ደለይቲ ፍትሕን ፈተውቲ ሃገርን ኤርትራውያን ድቃስ ከሊኡ’ሎ። ቀንዲ ጠንቂ ኩሉ ዓይነት ሕሰም ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝተኸተሎን ገና

READ MORE

ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) “ንሰብ እንተሃብካዮ ነናቱ፡ ሰብ ይሕጎስ እዝጊ ይፈቱ” ከምዝባሃል፡ ኤርትራዊ መንነትን ሃገረ ኤርትራን ብደምን የዕጽምትን ኤርትራዊ ተቓላሳይ እዮም ክውናት ኮይኖም’ሞ፡ ክብርን ሞጎስን ንተቓላስይ ህዝቢ ኤርትራ ይኹን። ስለዝኾነ፡ ነቶም ነዚ ክቡር ዓላማ ንምርግጋጽ ሂወቶም ዝኸፈሉ፣ ኣካሎም ዝጎደሉ፣ ንእስነቶም ዘብለዩ፣ ባሩድ ዝሰተዩ፣ ብጥሙይ ከብዶምን ብባዶ

READ MORE

ኣንታ ተባዕ ህዝቢ፡ ንስኻዶ ክልተ ግዜ ምተጸዋዕካ ጅግና ኔርካ ፈራሕ ምተብሃልካ ስድራ ኔርካ ከብድን ሕቆን ምኾንካ ሓድነትካ ላሕሊሑ ቤትካ መድፈርካ። ኣንታ ክቡር ህዝቢ፡ ንስኻዶ ምተሰደድካ ባሕሪ ምሰገርካ ልዕሊ ሰብካ መስዋእቲ ከፊልካ ክብሪ ምስኣንካ ምንባር ስኢንካ ሃገር ኣልቦ ምኾንካ መኣዝንካ ስሒትካ ከምደቂ ዛግራ ምተበታተንካ። ኣንታ ለዋህ ህዝቢ፡ ንስኻዶ ምዓረቅካ ምጠመኻ ዋለኻ እንከለካ ገረውረው ምበለ ቆፎኻ ዓሳ

READ MORE

ኣብዚ እዋን ኣብ ዓዲእንግሊዝ ዝርከቡ ብዙሓት ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ናይ ዑቕባ ሕትኦም ንምውሓስ ወይ ድማ ኣብዚ ዓዲ ካልእ ዓይነት ተቀባልነት ረኺቦም ዘንብሮም ፍቃድ ንምርካብ ብሰንኪ ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገማት መንበሪ ኣልቦን ዘኽታማትን ብምዃን ንብዙሓት ጸገማት የቃልዖም ኣሎ። [gview file="http://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2018/03/ሓገዝ-ንሓተትቲ-ዑቕባ-ኤርትራውያን-እብ-ዓባይ-ብሪጣንያ.pdf"]  

READ MORE

መግለጺ ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕቲ ዓመጽን ኣድልዎን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀ ኣንስትዮ ብደረጃ ዓለም ንመበል 107 ግዜ፡ ይበዓል ኣሎ፡ እዚ በዓል እዚ ን ደቀ ኣንስትዮ ኤርትራውያን፡ ፍሉይ ትርጉም እኳ እንተተገበአ፡ ብሰንኪ ምሕደራ ህግደፍ ግን፡ ኣብ ትሕቲ ዓመጽን ኣድልዎን ድርብ ወጽዓን ንዝክሮ ምላውና ቃልስና

READ MORE

ኣብ ድሮ እዚ ዝሓለፈ ዕለት 28 ጥሪ 2018 ዓ.ም ብኣጋጣሚ ሃዋርያዊ ዑደት ክቡር ኣቦና ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ ናብ ዓባይ ብርጣንያ፡ ብፍላይ ክኣ ናብ ከተማ ሎንዶን ምምጻኦም ዝሰምዑ፡ እቶም ብገንዘበ ንዋይን ፍትወት ነብስን ዓቢዶም፡ ኣብ ቤት ኣምላኽ ዝነግዱ’ሞ ብመስቀል ዝፋግኡ ካህናት ኢና ብሃልቲ፡ ከምቲ ንጉስ ሄሮዶስ

READ MORE

ተራ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ውሻል ዶ ዕርፊ? “ሎሚ ጉምብሕ ጉምብሕ እንተዳኣ ኢልና፡ ጽባሕ በጠበጥ ኢና ክንከይድ።” ነብሰሐር ስዩም ዑ/ሚካኤል ገብረ ገብረማሪያም (ዶር.) ታሪኽ ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 130 ዓመታት: ታሪኽ ኣንጻር ዓመጽ ህዝቢ ኤርትራ ዝገበሮ ቃልሲ ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብ’ዚ መዋእል’ዚ ብውሕዱ ኣርባዕተ

READ MORE

ሓላው ጥሪት ሓላው ገዛ ከልቢ ምስተቀትለ፤ ኣጓብዝ`ታ ገዛ ነበኦም ነገርዎም፤ ኣቦኦም ከኣ ብሓጺሩ “ነቲ ቀታል ከልቢ ቅተልዎ” ኢሎም መለሱ። ደቆም ዘረባ ኣቦኦም ስለ ዘይተዋሕጠሎም ” ብስንኪ ኸልብስ ሰብ ክንቀትል !“ ኢሎም ከምዘይሰምዑ  ኾኑ። ቅንይ`ሎም ከኣ ካብ ጥሪቶም ከብቲ ተሰረቃ ! ዝተረኽበ ነቦኦም ነገርዎም ፤ ኣቦኦም ሕጂ`ውን“ ነቲ

READ MORE

ሓዘንናን   ጓሂናን   ባዕልና  ንደብሶ   ዓለምለኻዊ ማዓልቲ ደቀንስትዮ ሸሞንተ መጋቢት (International Women's Day (March 8) ካብ 1900ታት ኢንዱስትራዊ ለውጢ ነጥቢ መቐይሮ ንቁጠባዊ፣ ባህላዊ፣ ፕለቲካዊ ተባሂሉ ዝፍለጥ እዩ ኔሩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ ምግላል ደቀንስትዮ ካብ ኩሉ ጽላታት ዝዓብለሉ እዋን ብምንባሩ ፡ ኣብ 1908 ኣብ ኒውርክ ደቀንስትዮ ሰለማዊ

READ MORE

ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝበጽሓቶ ቅልዕቲ ደብዳበኻ ካብ ዝቕበላ እንሆ ሰለስተ ወርሕን ፈረቓን ኮይኑኒ።ካብ ዝኸፍታ ጀሚረ ደጋጊመ እየ ዘንብባ፣ ሓይሊን ህይወትን ትህበኒ፣ ተታባብዓኒ፣ ናብ ልበይ ትመልሰኒ።ትማሊ ሃይለ ወልደትሳኤ ናብ ደምበ ስዉኣት ከይዱ ከም ዝተጸምበረኩም ምስ ሰማዕኩ፡ ዝተሰማዓኒስንባደ እዚ ክብሎ ዘይክእል እዩ ነይሩ። ኣቦ ትስምብድ ዲኻ፣ ኣይተበለኒ፣ ቀጺልካ ብዘንበብካ ክርድኣካእዩ። ምስ ብጾትካ ኰንኩም ብሓጎስ ከምዝተቐበልኩሞ ሰሚዔ። ምስቲ ንሱ ካብ 2001 ጀሚሩ ዘሕለፎዳርጋ ገሃነም እሳት ዒራዒሮ ክዋዳደር ከሎ፣ ኣነ ዘለኽዎ እግሪ-ኣባ-ሻውል ድኣ ኮይኑ እምበር፣ በዓል 4 ኮኸብ ኣልበርጎ ክበሃል ይከኣል። ንድሕሪት ተመሉሰ ክሓስቦ ከለኹ፡ ቃልሲ ንኤርትራ ብጊዜና ብ 1950 ኢና ጀሚርናዮ። ድሓር ደቅናዝኾኑ በዓል ሃይለ ብሱሳታት ተሰሊፎም። ሳላሕዲን ወደይ ምስ መዘናታትካ ከኣ ብሰባዓታትኣራቢሕኩሞ። ካባኹም ቀጺሎም ከኣ ናእሽቱ ብሰማንያታት ተሓዊሶሞ። ኣብዛ ናተይ ህይወት፣ እንሆ ብኣርብዓ ዓመት ህዝቢ ኤርትራ ብጅግንነት ተቓሊሱ ብ1991 ኤርትራ ሓራኣውጺኡዋ። ኮይኑ ግን ተስፋናን ትምኒትናን ነዊሕ ኣይሰጎመን። ናይ ሃገር ሓራ ምውጻእ ብናይ ዜጋነጻነት፣ ብናይ ሕጊ ልዑላዊነት እንተ ዘይተሰንዩ ሓርነት ሙሉእ ብሙሉእ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ህዝቢኤርትራ ድሕሪ ነጻነት፡ ኣብ ዝሓለፉ 26 ዓመታት ዝወረዶ እዚ ዘይብሃል ግፍዒ ኣብ ውሽጢ ዳርጋ ሓደዘመን ህይወተይ ክወርድ ርእየዮ ኣይፈልጥን። ሰብ ተገፊዑ፡ ህዝቢ ጠፊኡ፡ ቅልውላው በዚሑ። ብዙሕስቓይ ርእየ፣ ግን ከም ዕረፍቲ ሃይለ-ድሩዕ ጌሩ ዘሰንበደኒ የለን። ትፈልጥ ትኸውን፣ ሃይለ ብ 1964 ትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ሓዲሽ ኣበባ ኣቛሪጹ ምስ ሓደ ብጻዩ ኮይኖም ንክቃለሱ ተሰሊፎም። እቲ ብጻዩ ኸመን ከምዝነበረ ክነግረካ ኮፍ በል፣ ብስንባደ ከይትወድቕ። እምበርኣርከስ እቲ ናይ ሽዑ ብጻዩ፡ እዚ ሕጂብቐንዱ ሃገርና ዓትዒቱ ሂዝዋ ዘሎ፡ ንሃይለን ን 32 ብጾቱን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጒንዎም ዘሎ እዩ።ሓደ ሰብ እንታይ ዓይነት ጭካነ ልቢ ምስ ዝሓድሮ እዩ ንቐንዲ ዓርኩ፡ ን27 ዓመት ምስኡ ንዝተቓለሰብጻዩ 17 ዓመታት ኣብ መዓሙቕ ማእሰርቲ ዝዳጉን? እዚ ጨካን ገዛኢ'ዚ፡ ብስጋ እንተተፈለናዮ፡ መንፈስና ዝርሓቐን መስጣና ዘይወርዶ ጌሩ ወሲድዎ። ዋላእኳ ብዓይነይ ንኽርእዮ ዘለኒ ዕድል ባዶ እንተኾነ፡ ኣይበለን’ዶ እዚ ኣቦይ ክትብል ኢኻ ሳላሕዲን ወደይ፣እቲ ዘይድሃል፡ ዘይጃጁ መንፈስ ኤርትራዊ ነዚ ስርዓት እዚ ከምዝብንቁሮ ኣይጠራጠርን እየ። ውዒሉሓዲሩ ኤርትራውያን ትንፋሶም ክመልሱ፡ ቃሎም ከውጽኡ፡ እምቢ ክብሉ እዮም። ሃገሮም ክመልሱእዮም። ብሓባር ዝነብሩላ ገነት ክሃንጹ እዮም። እንታይ ርእዩ እዩ እዚ ኣቦይ ከምዚ ዝበለ እምነትዝሓደሮ ትብል ትኸው። ምኽንያተይ እንሃሎ። “ነዛ ቤት ትምህርትና መንግስቲ ክወርሳ እንተዳኣ ኾይኑኣነ ብሂወተይ እንከለኹ ከምዘይክእልን ሂወተይ ክኸፍለላ ድልዉ” ምዃነይ ቃል ኣትየ። ከምኣ ምስ በልኩከምዝእሰር ፈሊጠ ነይረ። ኮይኑ ግን ናተይ ምእሳር ኤርትራውያን ውሒጦሞ ከምዘይሓልፉ ፈሊጠዮነይረ። ኣዴታት፡ ተመሃሮ ኣል-ዲያዕ ኮነ ርሑቕ ዝቕመጡ ዝተሰደዱ ኤርትራውያን ከምዝለዕዓሉኣይተጠራጠርኩን። ከምታ ዝበልኩዋ ጌረ፡ ከምታ ዝሓሰብኩዋ እውን ኩይኑ። ህዝቢ ተዛሪቡ፡ ኣስላማዩክርስትያኑ፡ ተላዒሉ ብሓባር ኮይኑ፡ሒዙ ስእለይን ስእሊ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝተደጎኑ። ሽዑ ዝሰማዕኩዎልቢ ዝመልስ ዘረባ፡ ኩሉ ጊዜ ኣብእዝነይ ይሰራሰር፡ ብኤርትራውነተይ የኹርዓኒ። እዚ ምልዕዓል እዚ ነዚብዛዕብኡ እንተዘይኮይኑ፡ ብዛዕባ ካልእ ዜጋ ክዝረብ ክስማዕ ስለዘየኽእሎ ሃገርና ሰሪሩዋ ዘሎ መላኺ፡ልክዕ ኲናት ኣብ ልቡ ዝወግኦ ኮይኑ ከም ዝስምዖ ኣይጠራጠርን እየ። ካብቲ ኣዝዩ ዘኹርዓኒ ከኣ ህዝቢኣኽርያ እዩ። መላኺ ከይፈርሀ ተላዒሉ። መላኺ ብወረ ከምዝሰማዕካዮ ካብ 360 ዝበዝሕ ቤት ማእሰርቲክሰርሕ ዘይሓፈረ፡ እንሆ ጽዒርና ደው ዘበልናዮ ቤት ትምህርቲ፡ ሃጊሩ ማእሰርቲ ኣረኣእያኡንኣመሃርራኡን ክገብሮ ወሲኑ። ህዝበይ ስቕ ኢሉ ኣይሃበን፡ ስርዓት እምቢ ዝብል ድምጺ ናይ ዜጋታትሰሚዐ ተሓጒሰ። ሕጂ ኸኣ ኣብ ቀተባ ጊዜ ዳግመ-ልደት ሃገር (ዳግመ-ልደት ኤርትራ) ዝብል ጽሑፍበጺሑኒ፡ ኣንቢበ። ኤርትራውያን ኩነታት ሃገር ከመይ ከም ዘስቆርቆሮም ተገንዚበ፡ ደስ ኢሉኒ። ሓደሓደ ነጥብታት ብግጥሚ ዝተሰዀዐ ካብ ዘንበብክዎ ክጠቕሰልካ፥ ክንስጉም ኣበራታቲዕካ መንገዲ ኣሪኢኻ ሓቢርካ ደጊም ምርባሽ የለ ኣብ ደቕኻ ኣብ ኣሕዋትካ ከተግብርዎ እዮም ባዕልኻ ዝወጠንካ ሽቶኦም ክወቕዑ እዮም ምስጋና ይብጻሕካ መገድና ጸሪግካ ሽፋን ዓይንና ስለ ዘብራህካ ዳግመ-ቃልሲ ጠጠው ዘብሎ የለን ተዓዊትካ ዝዘራእካዮ ኣብ ሓጺር ጊዜ ክዕንብብ ደስ ይበልካ ዘበራበርካዮ መንፈስ ክድቅስ? ኣይፋል! እነሆልካ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ዝጸሓፍካለይ ቅልዕቲ ደድዳበ፡ ዝተረፈ ጉዳይ ከማልእ፡ ኣብ ዘለኽዎ ቁሩብ ክጸንሕተማሕጺንካኒ ኔርካ። እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ግጥሚ ኣስተውዒልካ ኣንብባ እሞ፡ ኣብ ዓለም ጸኒሔ ብዙሕዝውስኾ ነገር ዘለኒ ኣይመስለንን።  ክፍጽሞ ዝነበሪኒ ኩሉ ፈጺመ እይ።  ሕጂ ሃይለ ድሩዕ ካብኣርከበኩም'ሲ ንዓይ'ውን ምሳኻትኩም ኮፍ ዝብለላ ቦታ ኣዳልወለይ ድኣ ዝወደይ። መጻኹ ናብዛ ሰላምንቅሳነትን ዘይውድኣ ቦታ። ናተይ ምኻድ፡ ነዚ ኣጉል ስርዓት ዝድርዖ ስለዘስእኖ፡ ዓንጾዓንጾ ሕርቕርቖቱኣብ ካልኦት ከምዘፋኩሶ ይርድኣኒ እዩ። ኮይኑ ግን ሎሚ ዝጀመረ ባርዕ ለውጢ ደው ከብሎ ስለዘይክእል፡ ሓደ ዓመት እኳ ብህይወቱ ዝጸንሕ ኣይመስለንን። ኣብዚ ነዊሕ ህይወተይ ብዙሕ ርእየ።ገዛእቲ ኮኑ ነጋውስ መጺኦም ከይዶም ከምኡ'ውን ንሕብረተሰብ ደው ኢልና በሃልቲ ኣይጸንሑን። ሕጂኸ'ኣ ከምቶም ዝኸዱ፡ ክኸዱ እዮም ሳክትስቲ፡ ብሳክት መራሕቲ። ኰይኑ ኽኣ ኩሉ ኤርትራዊ ተመስገንክብል ኣዩ።  ሽዑ ጠሃ ሓወይን ከምኡ ዝኣመሰሉን ህይወቶም ንነጻነት ሃገሮም ህይወትኩም ዘወፈኹምኩኡኹም ኣብዘለኹሞ ኮንኩም፡ እንቛዕ ሓጎሰና እናበኩም ነቶም ኣብ ምድሪ ዝተረፉ፡ ኪዱ ሰጉሙ፡ዓለምኩም ኣርክቡ ስዓሙ፡ ንምዕባለ ድኸሙ ኢልኩምም ከተባብዕዎም ኢኹም፡ መንፈስ ኤርትራውያንቆሲሉ እምበር፡ ኣይመተን። ንዘለዓለም ከብርህ እዩ። ኢንሻላህ ኣቦኻ ሙሳ References: http://awate.com/dear-son-selaheddin/ https://www.youtube.com/watch?v=IEy5BUXLY3U https://www.youtube.com/watch?v=sCdqf-mJSZM Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

READ MORE

ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ! ሕጊ ዘይብሉ ህዝቢ ጥፉእ!’ ካልኣይ ክፋል “ክወግሕ’ዩ ቀደድ ክብል ለይቲ!” (ኣዝማሪኖ.ኮም)                                                                                                                       ዳስ ክንትክል ኢና ክነንጽፍ ሰቲ                                                                                                                             ክንቅበል ኢና ካብ ስደት ተመለስቲ                                                                                                                           ክንጎዪ ኢና ናብ ስራሕ ትምህርቲ                                                                                                                                      ኣብ ደምበ ሳዋ ክነልምዕ ኢና ኣሕምልቲ ጽሩይ ማይ ክንሰቲ ኢና ዘይብሉ ዓለቕቲ   ቀዳማይ ክፋል፣ ክሳብ ብስርዓት ፈደረሽን ዝነበረ

READ MORE

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይ ህግደፍን ቅድሚኡ ዝነበሩ ገዛእቲ ስርዓታትን፡ ነብሱ ክኢሉ ዝመሓደረሉን ዝዳነየሉን ሕግታትን ወግዒታትን ነይሩዎ’ዩ። እቶም ብለባማትን ሰብ ጸጋ ዕድመን ብጥንቃቀ ዝተዳለዉ መማሓደሪ ሕግታትን ደንብታትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ማሕበራውን ዕለታዊ መነባብሮኡን ዘገልገሉን ንዝበዝሕ ክፋል ሕብረተሰብ ዘርብሕን’ዩ ነይሩ። ይኹን እምበር “ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይ

READ MORE

“መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ” ሕዱር ውልቃዊ ቅርሕንቲ’ዶ - ስዉር ቅሙጥ ፖሊሲ ታደሰ ኪዳነ (በርሚንግሃም) 4ይን ናይ መወዳእታን ክፋል ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ክፋላት ናይ  ጽሑፈይ፡ መድረኽ ናብ ተወለድቲ ፍሉይ ከባቢ ዘነጻጸረ ፈላላይን ኣነዋርን ዘመተ ከካይዱ ምጽንሖም፡ ብውሑዱ ሸሞንተ (8) ጭብጥታት ብምቕራብ፡ ምስ ናይ ገዛእ ርእሰይ ርእይቶ ኣሰንየ ከቕርበልኩም ጸኒሐ። ኣብዚ ዝሓለፈ

READ MORE

ግርማ ዝዓሰሎ ባህላዊ ክዳን ዙርያን ካባን ለቢሳ ፈለማ ኣብቲ ካሜራታት ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ዓለም ዘተኩርሉ ቀይሕ ምንጻፍ ሽልማት ኦስካር ዝተራእየት፡ ቀጺላ ኣብቲ ናብ ሎሚ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ሎሳንጀለስ ዝተኻየደ መበል 90 ጽምብል ሽልማት ኦስካር ንተሸለምቲ ሓጺር ፊልምታት ዘላለየት ኤርትራዊ መበቆል ዘለዋ ኣመሪካዊት ቲፈኒ ሓድሽ፡ ብምቕሉልን

READ MORE

ዕለት: 02/03/2018 ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 11 መጋቢት 2018 ካብ ሰዓት ሓደ ድ.ቀ. ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ  ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቁሩብ ኣዋርሕ ዝገበርናዮ ሥራሓትን፡ ንዝመጽእ ሒዝናዮም ዘለና መደባትን፡ ከምኡ`ውን ህልው ኩንተታት ሕዝብናን ፖሊቲካ ሃገናን ክንድህስስ

READ MORE

ደሓን ኩን መራሒ ! ዘገርም`ዩ !ሓርበኛነትና  (ንናይ ሓባርን ንኻለኦት ኢልካ ምስዋእን)ተዳኺሙ ፤መስሓቅ ሸራፋት ኣብ ዝኾናሉ እዋን ፤ ብኣዚ`ዩ ዘደንቅ ድፍረት፤ ነቲ ነበረ`ያ ነበረ ክበሃሎ ዝቀረበ ኤርትራዊ ሓርበኛነት ኣበራቢርካ ክትከይድ ምምራጽካ ዓቢ ነገር`ዩ። ካብ ሞት ዝተርፍ የለን ኢለ ትም ክብል ኣይደልን፤ ብዘይ መዓልትኻ`ውን ከምዘይምወት ከረጋግጽ እፈቱ ። ይምወት

READ MORE

ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኣስመራ ብትብዓት ዝተቓወሙ ሓርበኛ ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓሪፎም።

ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ኣቦ ኤርትራዉያን ኣቦ ኹሉ ኣቦ ድኻታት ዎኣቦ መሳኪን ብዘይ ምፍልላይ ወገን ሃይማኖትን ዓሌትን በዓል መዓርግ ኣቦ መሰልን ፍትሕን ኣብ ሕብረተሰብኣዊ መዳያት ተቓላስን ተሳታፍን ኣብ ሽግራት ምፍታሕ ሓጋዝን መኻርን ኣብ ሓጎሳት ኣማዕራግን ኣዋፋርን         #  መግለጺ ሓጂ ሙሳ ጅግንነትን ኣብ ዝኣምነሉ ጽንዓትን          

READ MORE