Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፖለቲካዊ መናውር።   1ይ ክፋል፡       01.03.17፡ ከም መእተዊ ንእሽቶ ካብቲ ዝሓለፈ ክደግም፡- ኣብ ወተሃደራዊ ስርሒት ብገለ ክፋል ናይ ዕርዲ ጸላኢ ሃንደበታዊት፡ ጽዑቕትን ሓጻርን ናይ መናውር ተኹሲ ንፍኑ ነበርና። ዓላማኣ ካብቲ ብድቕድቕ ጸልማትን ጸጥታን ዝተጎብአ ሰላማዊ ዝመስል ሰንሰለታዊ ጎቦታት ብዝፍኖ መልሰ-ተግባር፡ ዝርጋሐ ፣ ኣተሓሕዛ ሰቡን ኣጽዋሩን ንምፍላጥ ወይ ድማ

READ MORE

ህዝቢ ኤርትራ፣ ዋላ'ኳ ብኸቢድ መስዋእቲ ኣማኢት ኣሽሓት ክቡራት ደቁ ዝተረኽበ ናጽነት ሃገርና ክዉን እንተገበረ፡ ዝሓለፈ 25 ዓመት፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኯይኑ ብሰሪ ገባትን ጨቋንን ስርዓት ህግደፍ ከምኡ`ውን ሰኣን ሓያልን ብቑዕን ዝተጠርነፈ ህዝባዊ ውደባ ዘይምህላው ዋንነት ስልጣን ህዝቢ ተጨውዩ፡ እቲ ኩለ ዝተኸፈሎ መስዋእቲ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሓሸ ህይወት

READ MORE

ኣቶ ገርህላሰ ኣስፍሃ ካብ ኣቦኡ ነፍስሄር ኣስፍሃ ክፍለን ካብ ኣዲኡ ነፍስሄር ኣስካሉ ተወልደን ብ01.01.1953 ኣብ ዓዱ ደቀምሓረ ድንበዛን ተወሊዱን ዓብዩን። ትምህርቲ ግና ጀሚሩ ከብቅዕ ኵነታት ናብራ ንምምሕያሽ ብማለት ትምህርቱ ኣቋሪጹ ኣብ ስራሕ ዓለም ተዋፊሩ፤ እንዳተጓዕዘ ከሎ ከምቲ ኩሉ ኤርትራዊ እተበጀዎ ብ1973 ዓ.ም. ኣብ ሰውራ ኤርትራ

READ MORE

እነፍቅሮ ሓውናን ኣቦናን ኣቶ ልጃም መኮነን ከንቲባ ማህደር ኣብ መበል 84 ዕድሚኡ ብድንገት ዓሪፉ ከምዘሎ ብሓዘን እናገለጽና፣ ስነስርዓት ቀብሩ ሓሙስ 2 መጋቢት (March 2017) ኣብ ሽወደን ክፍጸም ስለዝኾነ፣ ኣቃብሩና ይብሉ ስድራቤት። ስነስርዓት ፍትሓት ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስተ ማርያም ኣካላ (Akalla) ካብ ሰዓት 11፣00 – 12፣00 ሓመድ ድበ

READ MORE

ስብሓት ፤ ዝመጻካ ኣይትስሓት ቀዳማይ ክፋል ፤ ካብ ሰነዳት ታሪኽ ሓጺር ታሪኽ ፣ ካብ ቅያታት ሓርበኛ ስብሓት ኣበራ ምራጭ ፤ "ኣየ ሽዋ እዞም ዓያሹ ፣ ነዛ ለካሚቶም እምኒ ዝውሕጡ ።" ደግያት ምራጭ ጉድም፤ ሊባን ሎጎጭዋ : ዳኛ ፣ ሽማግለ ሎጎጭዋ፣ ሓደ ካብ ጸረብቲ ሕጊ እንዳባ ሎጎጭዋ : ኣብ ቅነ

READ MORE

እቲ ካብ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከመይ ኢሉ ከምዝተሰጋገረ ዝምስክር ውዕል፣ ሰነድን ዕለትን ዘይብሉ፣ ብኢደወደኑ ንልዕሊ 25 ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ዝርከብ፣ ምቕጻል ግበታ ስልጣን መታን ክጥዕሞ ንሃገራዊ ቅዋም ኤርትራ ከምዝሞተ ገሊጹ ሓድሽ 'ፌክ'ሰነድ ኣብ ምስናዕ ተጸሚዱ ከምዘሎ ዝኣወጀ፣ ንሃገረ ኤርትራ ብሕታዊ ንብረት ውልቀመላኺ

READ MORE

ነዚ ጽሑፍ‘ዚ ከስፍር ዝደፋፍኣኒ፡ እቲ ዶክ. ሙስጦፋ ለስዳይ ኣብ ሃገር ስውዲን ዝነብር ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ዘዳለዎ እሞ ትሕዝቶኡ ንምልላይ ዝገበሮ ሓበረይታ እዩ። ኣብቲ ንሱ ዝገበሮ መግለጺ ገለ ነጥብታት ትምህርቲ ዝህቡ እኳ እንተ ኣለውዎ፡ ብሓፈሻ ክርአ ግን እቶም ክርስትያን ነቶም ኣስላም ከም ዝዓመጽዎምን ዝበደልዎምን፡ ብወገን ኣስላም

READ MORE

ማሕበር ኣካለ ጽጉማን ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዓመታዊ ኣኼባኡ ብዕለት 18.02.2017 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ዛዚሙ። ኣኼባ ኣብዚ ሓጺር እዋን ብዝተረኽበ መስዋእቲ ኣባል ማሕበር ኣካለ ጽጉማንን፤ ነባራት ተጋደልትን ዝኽሪ እዩ ተጀሚሩ። ዓመታዊ ኣኼባ ማሕበር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2016 ዘካየዶም ንጥፈታትን ተሳትፎ ግዱሳት ዜጋታትን ሓበሬታ ብምቕራብ ኢዩ፣ ሓው

READ MORE

ብምኽንያት መስዋእቲ ኣብነታዊ መራሒና ኣቦ መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራን፣ ተጋዳላይ ዶር. ሃብተ ተስፋማርያም፣ ጨንፈር ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ከተማ ሎንደን፣ ናይ ዝኽሪ መዓልቲ ንሰንበት ዕለት 26/02/2017 አዳሊዩ ምህላዉ ብምሕባር፣ ኩሉ ሃገራዊ ኣብዚ መዓልቲ’ዚ ብምስታፍ፣ ንጅግንነቱን ተራኡን ኣብ ታሪኽ ተጋድሎ ህዝብና ንምግላጽን ፣ ንስለ ንናጽነትን ፍትሕን ህዝብና

READ MORE

ተበግሶ  ማሕበር  ደቂ- ኣንስትዮ  ኤርትራ ኣብ  ጀርመን e.V                                           Initiative Eritreischer Frauenverein in Deutschland e.V በዓል 8 መጋቢት 2017 ተበግሶ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ምስ ኩሎም ንዲሞክራስን ማሕበራዊ ማዕርነትን ንምንጋስ ዝቃለሱ  ሓቢረን፥ ኣብ  ከተማ ፍራንክፎርት ንዕለት 11.03.2017  8መጋቢት ኣህጉራዊት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ንምዝካር ይዳለዋ ኣሎዋ። እዛ መዓልቲ እዚኣ

READ MORE

ኣገዳሲ መልእኽቲ ንኹሎም ኣብ ወጻኢ ተበታቲኖም ዘሎዉ ኤርትራውያን ብ ኣጋጣሚ መጋቢት 08፡ 2017 ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ   ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ለካቲት 17፡ 2017   ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን፡-   ታሪኻዊ መበገሲ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንዝኽሪ'ቲ ብ1908 ዝተገብረ ኣድማ ናይ ኣህጉራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ሰራሕተኛታት ትካል ዓለባ፡ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ

READ MORE

መኒኻ ዝብለንስ መንዩኸ ንሱ?  15.02.17፡ “ሃይ፡ ኣበይድኣ ተሰዊርካ ጸኒሕካ? ኣነስ "ከይፈለጥናዶ ካን ተኻርጁ” ካብዝብል ሻቕሎት ሃለዋትካ ንምፍላጥ ክደልየካ ቀ ንየ ክረኽበካ ግን ኣይከኣልኩን” . . . . . . . ናብ ዘምጽኦ ዕላል ኢየ ሒዘኩም ክኸይድ። ቅንያተይ ምስ ሓደ ካብቶም ከምገለ ወዝቢ ዓይነት እንተረኸቦም ጥፉኣት ከናዲ ዝተዋፈረ

READ MORE

ኣዴታት ኤርትራ ብኸያ መሬት ዝበጣ ጸጉርኽን ንጸያ ብንብዓት ዝጠልቀየ ነጸላኽን ደርብያ ምእንቲ ዝዕጸዱ ዘለዉ ደቅኽን ከም ምጉያ ምእንቲ’ዛ ሃገር ዝተለወጠት ናብ ደም ራህያ ምእንቲ እዚ ዘይሓሰቦ ዝረኸበ! ዘጥፍኡዎ ዘዕበ! ከም ኣራዊት ዝተሃድነ ዝተበተነ ብጓሂ ተጠቢሱ ዝተኸድነ ድነ ብኸያ ‘ተዘንጊዕየ ባዕለይ ተዘንጊዐየ ውላደይ ኢለ ኣራዊት ኣዕቢየየ ምርቓ ዶ መርገም ይኸውንየ!’ እናበልክን ብኸያ ምእንቲ መጻወድያ ህግደፍ ምስባር ዝሰኣኑ ኣቦታት ዋርሳይ ይከኣሎ ዝተጠመቑ

READ MORE

ብ ኣወልኼር ዓ/ሕፊዝ ንሓደ ንደርሆ ምሕራድ ዝኸውን ጭካነ ዘይብሉ ሰብ፤እንተዳኣ ኣብ ኣእምርኡ ብሾቨንያ ዝተላዕጠጤ ጽልእን ፍርሕን ክትዘርእ ኪኢልካ ቀታሊ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣቀታትላ ዘኽፈኤ ሰብ ንምግባሩ ዘይከኣል ነገር ኣይኮነን። ፍሬ ዘርኢ ጽልእን ፍርሕን ካብ ስካሪኮ ታሪኽ ዝተኣርየ ወይ`ውን ኮነ ኢልካ ዝተኣልመ ፈጠራ ክኸውን ይኽእል። ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ናጽነት

READ MORE

ኣብቲ ብዕለት 11-02- 2017 ካብ ሰዓት 15.00 ክሳዕ 20.00 ንሓሙሽተ ሰዓታት ዝተኻየደ ኣኼባ በቲ ንሓያለ ጊዜ ዝተኻየደ ኣኼባታት ጽማቕ ብምግባር ንብሕጂ ዝኸይድ ቃልሲ ተካይድ ሸውዓተ ዝኣባላታ ሽማግለን ክልተ ተጠባበቕትን ብዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ምርጫ ጉባኤ ኣካይዱ። [gview file="http://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2017/02/akieba-11-02-2017-2-1.pdf"]

READ MORE

ብምኽንያት ዝበጽሓና ዘሰንብድ መርድእ ዕረፍቲ ብጻይና ዓብዱ ዑመር ዝተሰምዓና ዓሚቝ ሓዘን እናገለጽና፤ ንነፍስሄር ዓብዱ መንግስተ ሰማይ፤ ንምሉኣት ስድራ-ቤት ድማ ኣምላኽ ጽንዓት ክህቦም እናተመነና ናይ`ዚ መሪር ተረኽቦ`ዚ ዕዙዝ ተኻፋልነትና ንገልጽ። [gview file="http://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2017/02/Abdu-Omar-12022017.pdf"]

READ MORE

Scarico 2 ስካሪኮ እቲ`ኦም ኣበይ ከይዶም`ዮም እዚ`ኦም ዝዕንድሩ ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ኣብ 1ይ ፊርቂ 70ታት ናይ`ቲ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ካብ ዝተፈጸመ ስልጡንን ፤ ነቲ ኣብ ስካሪኮ ኮንካ ዝጽሕተር ፤ንሓድሽ ወለዶ ኣብ ክንዲ ካብ ኣቦታቱ ዝሰልጠነ ዝኸውን ዝደሓረ ንኽኸውን ዝገብር፤ኣሕፋርን ኣዚዩ ድሑርን ሾቨንያዊ ዕንደራ እትብድህ ብኣካል ዝተሳተፍኩዋ ፍጻመ ክዝክረልኩም`የ። ኣብ`ታ

READ MORE

ዕድመ ናብ ሕዝባዊ ኣኼባ ሓድነት ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ማንቸስተር  ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን፡ ኣብ ከተማ ማንቸስተርን ከባቢኣን እትነብሩ ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 19 የካቲት 2017 ካብ ሰዓት 02:00 ድ.ቀ ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ፥ ዕላማ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍርትሒ እንታይ ከምዝኾነ ክንገልጽ ኢና፡፡ እዚ ኮሚቴና

READ MORE

ዲጋስ ይህነጽ ኣሎ ገላሊ ማይ ግን ይጸንት ኣሎ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ተጋደልቲ ፖለቲካዊ ትምህርቲ እናቀሰሙ እንከለዉ፡ እቲ ትምህርቲ ዝህብ ዝነበረ ተጋዳላይ፡ “ኤርትራ ብኢትዮጵያን ሓያላት ሃገራትን ተጠማቲት ዝገብራ ዘሎ፡ ባሕሪ ስለዘለዋን ኣብ እስትራተጅያዊ ቦታ ስለእትርከብን’ያ” ክብል መግለጺ ሃበ። ሓደ ተዋዛያይ ተጋዳላይ ኢዱ ብምልዓል፡ “ብኻሞ ንዓመታት ካብ ምግዳልን

READ MORE

ስርዓት ህግደፍ ጥፍኣትን ብርሰትን ኢዩ ብርሰት ኣብ ሃገራውነትን ሓርበኝነትን 3ይ ክፋል ታደሰ ኪዳነ                   በርሚንግሃም         10/02/2017   ኤርትራዊ ሃገራውነት ከም ኣምር፡ ምስ ምቛም ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ መበል 19 ክ/ዘመን ዝጀመረ እመስለኒ። ሓርበኝነት ግን ቅድሚ ምቋም ሃገራትን መግዛእትን ዝነበረ ተርእዮ ኢዩ። ዝኾነ ሕ/ሰብ ኣብቲ ብደረጃ ቀቢላ፡ ብሀር፡ ከባቢ ወይ ዓሌት ኣብ

READ MORE

ኣብ ቶሮንቶ ዝነበር ዳኒኤል ነብያት ዝብሃል ከም ዘዋሪ ታክሲ እናሰርሐ ዝነበር ኤርትራዊ ከም ኣባል ናይ ሓደ Okavango African Orchestra ዝተባህለ 9 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ስነጥበበኛታት ንሽልማት JUNO ከምዝተረቝሐ ዘ ስታር ዝተባህለ ናይ ካናዳ ጋዜጣ ሓቢሩ። ክራር ዝጻወት ወዲ 44 ዓመት ዳኒኤል ምስ ጉጅሊኡ World Music Album

READ MORE

እቶ ተስፍሁነይ ሃይለመሎኮት ካሕሳይ ብዝሓደሮ ሕማም ምኽንያት ኣብ ከተማ ኮሎን ብዓርቢ ዕለት 3 Feb. 2017 ዓሪፉ። ናይ ቀብሪ ስነስርዓት ዝፍጸመሉ ኣብዚ ኣብ ታሕቲ ተመልኪቱ ዘሎ ሰዓትን ዕለትን ቦታን  ከም ዝኾነ ስድራቤት ብትሕትና ይሕብሩ። ኣድራሻ  Koeln, Zollstock Suedfriedhof.             Hoeninger Pl, 25,      

READ MORE

መንግስቲ ወይ መራሒ ሃገር፡ ኣረጊት ዓመት ብሓድሽ ዓመት ክትካእ እንከሎ፡ ከምቲ ልሙድ፡ ዝሓለፈ ሓያልን ድኹምን መዳያቱ ብቅንዕና ምግምጋምን ንመጻኢ ጭቡጣት መዳባት ምትላምን ንህዝቢ ዘተስፉ ብስራት ምሃብን’ዩ፡፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይስ ኣፈወርቂ ብኣጋጣሚ ሓድሽ ዓመተ 2017, ኣብ መወዳእታ ጥሪ ምስ ሰለስተ ናይ ስርዓት ህግደፍ ጋዜጠኛታት ኣብ ዘካይዶ

READ MORE

ቤትፍርዲ ስዊዘርላንድ ፖሊሲ ኤርትራውያን ሰደተኛታት ‘ታ ሃገር ኣዝዩ ክጸንዕ ከምዘለዎ ምብያኑ ስዊዝ ኢንፎ (swissinfo) ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ኣገንዚቡ። ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣ ፈደራላዊ ምምሕዳራዊ ቤትፍርዲ ስዊዘርላንድ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ውሳኔ፣ ድሕሪ ደጊም፣ ኤትራውያን ስደተኛታ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ስለዝተሰደዱ ጥራይ ከም ስደተኛታት ተፈላጥነት ክወሃቦም ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።

READ MORE

ጳጳሳት ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ናይቲ ቤተክርስትያን ግርማይ ዘርኣይ ከምኡ ‘ውን ካሕሳይ ግርማይ ዝተባህሉ ዲያቆናት ካብ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት ንምውጋዝ ዘመሓልለፉዎ ትእዛዝ።        

READ MORE

ስርዓት ህግደፍ በርሀ ዓንደማርያም ንዝተባህለ፣ ኣካያዲ ኢንተርኮንቲነንታል ሆተል ( ናይ ሕጂ ኣስመራ ፓላስ)  ንዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩዎ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። ንሱ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ከምእተኣስረ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብ ስርዓት ህግደፍ ከሳሳይን ተኸሳሳይን ብግልጺ ዝቐርቡሉ ነጻ ቤትፍርዲ ስለዘየልቦ፣ ክሉ ብዊንታ ኢሳይያስን ጉጅሊኡን

READ MORE

  ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ድቅስ ወሪሑ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠየቕ፣ ነቲ ብሰንኪ ብልሽውን ገባትን ምሕደራኡ ንሃገርና ናብ ፍጮ ሃገር ለዊጡ ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዘቕቲ ፖለቲካዊ ጭቆና፣ ምረት መነባብሮን ስደትን ብምሽማም ዝፈጠሮ ኩሉ መዳያዊ ውድቀት ናብ ካልኦት ብምጽጋዕ፣ ከምቲ

READ MORE

ሓደ ምስ ኤርትራ ጽቡቅ ኣፍልጦ ዘይብሉ ሰብ፡ “ምስ መንግስቲ ኤርትራን ፕረሲደንት ኢሳያስን ክላለ ደልየ” ኢሉ እንተዝሓተና መልስና እንታይ ምኾነ? ብርእይቶይ እቲ መልሲ ኣብ ክልተ ምተመቅለ፡ ዝጎበጠ ምጉትን ትኽ ዝበለ ሓቅን። ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፋይ ድማ ኣብቲ ትኽ ዝበለ ሓቂ ክፋል ጥራይ ከተኩር። ብዛዕባ ዝጎበጠ ምጉት

READ MORE

  ዝኸበርኩምን/ክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር፡ ደለይቲ ለውጢ ንደሞክራሲያዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ …! እቲ ኣብ 2014 ዓ.ም.ፈ. ዝተመረጸ ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ንደሞክራሲያዊ ልውጢ ኣብ ኤርትራ ካብ NRW ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2014ዓ.ም.ፈ. ግዜኡ ኣብቒዑ ነይሩ እዩ፡ ብመገዲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምንቅስቃስ፡ ብሓድሽ ሽማግለ ክትካእ ነይርዎ። ኮይኑ ግን ብሰንኪ

READ MORE

ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ኣባል ድምጺ ሓፋሽ ፕሮግራም ዓረብ፣ ድሕሪ ናጽነት ‘ውን ኣብ ቴለቭዥን ኤርትራ ብደረጃ ሓላፍነት ዝሰርሐ ነባር ጋዜጠኛ፣ ቀጺሉ ኣብ ደንማርክ ከም ቆንስል፣ ኣብ ፓኪስታን ከኣ ኣምባሳደር ኤርትራን ኮይኑ ዝዓየየ ነባር ጋዜጠኛን ዲፕሎማትን ዓብዱ መሓመድ በክሪ ሄጂ (ዓብዱ ሄጂ፣ ዝሓለፈ ሰኑይ ብምልካዊ

READ MORE

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ሓድሽ ዓመት፡ ነቲ ኣብ ዲፕሎማስያውን ኣህጉራውን መዳያት ዘጋጥሞ ዘሎ ተነጽሎታትን ውርደትን ንምንጋፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምድንጋርን ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን፡ ናብ ውሽጥን ወጻእን ዝቀንዐ ጽዑቕ ዘመተ ከካይድ ከምዝጀመረ፡ ካብ ኣስመራ ዝወጸ ሓበሬታ ይመልክት። እቲ ካብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ሚኒስትሪ ዜናን ዝወጸ

READ MORE

ብያሲን ዑመር (yassinomer01@gmail.com) ዓድሽ ዓመት 2017  ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ጥሪ፡ ዝዓጠቑ ኣባላት ክፍሊ ጸጥታ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ፡ "ኮብሊልካ" ብዝብል ምስምስ ንመንእሰይ ጀማል ዓብዱልዋስዕ ካብ ዓዱ ዓዲ-ወደርኪ ብሓይሊ ሒዞም ንኽኣስርዎ፡ ብከውታ ለይቲ ንዝንብረሉ ዝነበረ መንበሪ ስድራ-ቤቱ ከቢቦም ብሃንደበት ንዕኡን ንስድራ-ቤቱን ሓደጋ ወዲቖሞም።

READ MORE

‘ሆም ኦፊስ’ (ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ)፣ ቁጽሪ ስደተኛታት ንምውሓድ ካብ ዘለዎ መደብ ተበጊሱ፣ ሓደ ካብ ዝኸፍኡ ውለቀመለኽቲ ዓለም ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ንዝፍጽሞ ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣነኣኢሱ ብምቕራብ፣ ንስደተኛታት ኤርትራ ዝምልከት መርምርሒ ሰነዱ ከምዘፍኮሶ ዘ ጋርድያን ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ፕሮጀክት ህዝባዊ

READ MORE

ረያል ማድሪድ ብእትርከበን ዓበይቲ ክለባት ኤውሮጳ ከይተረፈ ክድለ ዝጸንሐሐ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ኣለክሳንደር ኢሳቕ’፣ ዝኸበረ ትሕቲ ዕድመ ተጻዋታይ ኮይኑ፣ ነታ ክጻወተላ ዝጸንሐ ሽወደናዊት ጋንታ AIK ገዲፉ ምስ ጀርመናዊት ክለብ Borussia Dortmund ብ 10 ሚልዮን ይሮ ናይ ነዊሕ እዋን ውዕል ከም ዝተፈራረመ ካብ

READ MORE

ኣብ ጋምብያ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ምርጫ ድሕር ምዕዋቱ ብዝተኽስተ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣብ ጎረቤት ሃገር ተዓቚቡ ዝጸንሐ ሓድሽ ፕረዚደንት ጋምብያ ኣዳማ ባሮው፣ ፕረዚደንታዊ መሪሕነቱ ንምጅማር ብክብ ዝበለ ህዝባዊ ኣቀባብላ ተዓጂቡ ሎሚ ሓሙስ 26 ጥሪ ሃገሩ ከምዝተመልሰ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣረጋጊጸን። እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ናብ ሃገሩ ኣብ

READ MORE

ታደሰ ኪዳነ           በርሚንግሃም                23/01/2017   ኣብ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፡ ብዛዕባ`ቲ ኣብ ኤርትራ ከም ሃገር ዘጋጥም ዘሎ ሰብኣዊ ብርሰት ተዛሪበ ነይረ። ኣብዚ ናይ ሎሚ 2ይ ክፋል ድማ ብዛዕባቲ ኣብ ሃገርና ዘጋጥም ዘሎ ባህላዊ ብርሰት ቁሩብ ክትንክፍ ኢየ። ባህላዊ ብርሰት ንሳቶም ባህላዊ ሰውራ ኢሎም ክጽውዕዎ ይኽእሉ ኢዮም። ኣነ ግን

READ MORE

ህዝቢ ኤርትራ ኣስላማዩ ክርስትያኑ ፈሪሃ እግዚኣብሄር ዘለዎ ሓላል ህዝቢ ኢዩ፡ዕድሉ ኮይኑ ግን ከም ድልየቱ ኣይኮነሉን፡ካብ ዘመነ ገድሊ ክሳብ ሕጂ እፎይ ኢሉ ከየዕረፈ ኣብ ከልበትበት ይርከብ፡ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተጠቃሚ ጸጋታቱ ክኸውን ይትረፍስ ከም ሰብ ናይ ምንባርን ምህላውን መሰሉ ተነፊግዎ ኣብ ኣዝዩ ሕሱም ናብራ ይርከብ፡ዘዝወለዶም ደቁ ንስደት ኣብ ዘምርሕሉ ዘለዉ እዋን ገሊኦም ኣብ ምድረበዳ ሰሃራ፡ገሊኦም ኣብቲ ጸሊም ባሕሪ፡ገሊኦም ከኣ ብበላዕቲ ደቂ ሰባት ተተጨውዮም ይጸንቱ'ለዉ፡፡ [gview file="http://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2017/01/tigrina-article-61.pdf"]  

READ MORE

ዕስራ ጥሪ 2017፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረሲደንት ባራክ ኦባማ ካብ ቤተ-መንግስቲ ዋይት ሃውስ ዝተፋነወሉ፡ መበል 45 ፕረሲደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ዝተመርጸ ዶናልድ ትራምፕ ስልጣኑ ዝተረከበሉ ወግዓዊ ጽምብል’ዩ ነይሩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከም ካልኦት ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም፡ ብቅዋም ዝምእዘዝ ስርዓትን

READ MORE

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ጋምብያ ኣብ ዝተኽየደ ምርጫ ተሳዒሩ ክንሱ ስልጣን ካብ ምርካብ ሓንጊዱ ዝነበረ መራሒ ጋምብያ ነበር ያሕያ ጃምዕ፣ ካብ ሰኔጋልን ናይጅርያን ተበጊሶም ናብ ወሰናስን ‘ታ ሃገር ዝኣተዉ ሓይልታ ሰራዊት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብዝገበሩሉ ጸቕጢ ተገዲዱ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምውራዱ ትማሊ ቀዳም 21 ጥሪ

READ MORE