ብሰንኪ ‘ቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዘተኣታተዎ ናይ ኮንትሮባንዳ ቁጠባ፣ ነዳድን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰሉ ሃለኽትን ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምእታው ኣብ ከሰላን ከባቢኣን ክዘዋወር ዝጸንሐ ብብዝሒ ናቕፋ ስለዘሎ፣ ሰበስልጣን ዞባ ከሰላ ናይ ሱዳን ብዛዕባ ቅጥዒ ናይቲ ኣብ ዞባኦም ተኾሚሩ ዘሎ ናቕፋ ንምዝርራብ
ብሰንኪ ‘ቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዘተኣታተዎ ናይ ኮንትሮባንዳ ቁጠባ፣ ነዳድን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰሉ ሃለኽትን ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብ ምእታው ኣብ ከሰላን ከባቢኣን ክዘዋወር ዝጸንሐ ብብዝሒ ናቕፋ ስለዘሎ፣ ሰበስልጣን ዞባ ከሰላ ናይ ሱዳን ብዛዕባ ቅጥዒ ናይቲ ኣብ ዞባኦም ተኾሚሩ ዘሎ ናቕፋ ንምዝርራብ
ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ባጤራ ናቕፋ ብሓድሽ ወረቐት ንምቕያር ኣዊጁሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ዋጋታት ሃለኽቲ ገሊኡ ብዕጽፊ ገሊኡ ድማ ብሓምሳ ካብ ሚእቲ ንሂሩ ከምዘሎ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ 2500 ናቕፋ ዝነበረ ዋጋ ኩንታል ፊኖ ዕጽፊ ብምውሳኽ 5 ሽሕ ናቕፋ ክዓርግ ከሎ፣ 40 ናቕፋ
ማእሰርቲ ኣብ ጋራጅ መንግስቲ ኣብ ኣስመራ ጥቓ በትጽሕፈት ፕረዚደንት ኣብ ዝርከብ መንግስታዊ ጋራጅ ሓላፊ ናእሽቱ መካይንን ጋዝን ዝነበረ ወዲ-ረድኢ ዝተባህለ ሓላፊ መበል 13 ርእሱ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ‘ዚ ተኣሲሩ። ምኽንያት ማእሰርቲ ናይቶም ግዳያት ብንጹር ኣይተፈልጠን። ጽኑዕ ሓለዋ ኣብ ኣስመራ ካብ ትማሊ ረቡዕ 11 ሕዳር
ኣይትንብዒ ሃገረይ ሃገረይ፡ ዘለኽዮ ቦታ ርሒቁኒ ወንጭፍ ዘየርክቦ ዳርባ እምኒ ስግር ባሕሪ ሰፊርኪ ምርኣይኪ ኣጊሙኒ ኣእዳውኪ ስደድለይ መደያይቦ ክኾነኒ፡ ክምለስ’የ ሃገረይ ምሳኺ ክነብር ኣብ ባይቶ ዓደቦ ቃልኪዳን ክኣስር ስድራቤት ክምስርት ክወልድ ክዝምድ ንብዓትኪ ክደርዞ ጓሂኺ ክእብድ፡ ሃገረይ ኣይትንብዒ ክምለስ’የ ዕላልኪ ኣይመነኹን ካባኺ ክፍለ ኣይመረጽኩን ኣይፈተኹን ብጽምዋ ተወሪስኪ ወላድ መኻን ክትኮኒ ኣይጨከንኩን ብዘይካ ንዓኺ ካልእ ኣየፍቀርኩን፡ ሃገረይ፡ ጸልማት
ሎሚ ንወደብ ዓሰብ ጽባሕ ንዓና ንደቅሰብ Tesfamariam Wel. 10/11/2015 Norway ሃገርና ናብ ዋጋ ዕዳጋ እናኽደት ዓሻ ህግደፋዊ ብኮቦሮ ይጻወት ዘይግድሶ ዋላ ህልም እንተበለት ኣማዕድዩ ይሪኢ ዓሰብ ናተሸጠት ተቐኒና ብዙሕ ተኣምር ክንሪኢና ይቀራረብ እዩ ዘሎ ክሸጣ ሃገርና መሬትና ንባዕዳውያን ከረክበልና ንዓና ባራዩ ናይ ዓዕራብ ክገብረና ኢሰያስ ክፍኣት ጥራዩ ዝሓልመልና ብግዲ ከም ንገድፋ ንፈትዋ ሃገርና ንዝተረፍና ብዝደለዮ ዋጋ ክሕርጀና እንስሳ ምበር ከም
ተመስገን ፌጋቶ ያኢ ጽላል ክትኮኖ ተጎዝጒዙ ኣባኻ መታን ክገላገል ካብ ናይ ጭንቀት ካባ ናባኻ እንተሃደመ ናባኻ ኣብ ጥርሙስ ሕነ ሓፋሽ ፈዲኻ ኣቢልካዮ ሕምስ ርምስ ኣባኻ ተሓብኡ መሲልካዮ ዋልታ ደም ጀጋኑ ረሲዕዎ ከምዘሎዎ ዒሕታ ፍርቂ ዘመን ኮይኑ ድቃስ ካብ ዝስእን ደም ንጹሃት ኣሕዋት ከሊእዎ ምቅሳን ኣንታ መስተ ሰለይ እንዳበልካ ፈጢርካሉ ረጽሚ ዘራይ ሓፋሽ ዄንካ ክዒኻሉ ስሚ ካብ ሓይሊ
ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብዚ ቕንያት ‘ዚ ባጤራ ናቕፋ ብሓዱሽ ወረቐት ክቕየር ምዃኑ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ህዝቢ ተፈጢሩዎ ዘሎ ሸገርገር ብኢሱ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ በጺሑ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ ዜና ከምዝጠቐስናዮ፣ እቲ ስርዓት፣ ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፣ ሓደ ውልቀሰብ 20 ሽሕ ናቕፋ ጥረ ገንዘብ ጥራይ ክቕይር ከምዝፍቀደሉ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/11/Eritrean-peaple-movment-for-democratic-change-switherland8-1.pdf"] [gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/11/ኣራብ-ስዊዝ.pdf"]
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ስጳኛ ሃገሩ ከም ናይ መጀመርያ ስጉምቲ፣ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊቶም ኤውሮጳ ዝኣተዉ ልዕሊ 1400 ኤርትራውያንን ሶርያውያንን ስደተኛታት ንምጥያስ ተቐሪባ ምህላዋ ምግላጹ ኣሾሼትድ ፕረስ (AP) ሓቢሩ። ንሱ ስጳኛ ነቲ ሕብረት ኤውሮጳ ነቶም ድሮ ኣብ መሬት ኤውሮጳ ኣትዮም ዘለዉ ስደተኛታት ናብ ኩለን ሃገራት ንምምሳሕ ንዝወሰዶ ውሳነ
ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ብህሰምን ጭቈናን ክግረፍ ካብ ዝጅምር ኣይወሓደን ርብዒ ዘመን ኣቝጺሩ ኣሎ። ኣብዚ ርብዒ ዘመንዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ደገ ዘካየድናዮ ተቓውሞ እንታይ ኣፍርዩ ኢልና ምስ እንሓትት ግን በቲ ዝድለ መጠን ከም ዘይኮነ ርዱእ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ዛጊት ክግበር ዝጸንሐ እዚ ዝስዕብ’ዩ። ክንገብሮ
ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽቡቕ ዝምነ ህዝብና ጽቡቕ ከም ዘይተፈደየ ብመጠኑ ዳህሲስና። እዛ ዓለም ብምህለላን ልመናን በጃኻን ዘይትምእዘዝ ምዃና ንዓመታት ብዝወርዶ ዝነበረ ወራራትን ብደቀይ ዝብሎም ዝነበረ ዝወርዶ ዘሎ ዝመረረ ግፍዕን ክፈልጥ ተገዲዱ። ንቱርክ፡ ግብጽ፡ መሳፍንት ትግራይ፡ ጥልያን ከከም ኣመጻጽኣኦም ይምክቶም ከም ዝነበረ ካብ ታሪኹ ክፈልጡ ዝኸኣሉ
ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሓድሽ ናቕፋ ከተኣታቱ ድሕሪ ምእዋጁ ኣብ ህዝቢ፣ ብሕልፊ ድማ ኣብ ሰብ ገንዘብ ዕግርግርን ሕንፍሽፍሽን ፈጢሩ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት፣ ቁጠባ ኤርትራ፣ እቲ ስርዓት ብቐንዱ ካብ ዘዋፈረን ትካላት ህግደፍ ጀሚርካ ክሳብ ውልቀ ነጋዶ ዝዋስኡሉ ናይ ኮንትሮባንዳ ቁጠባ ኮይኑ ስለዝጸንሐ፣
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ «ሓሚሙ ዶ ተጸሊሉ» ዝብል ወረ ኣብ ከም ፈይስ ቡክ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገኒኑሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ኤሪ ቲቪ ትማሊ ንኢሳይያስ ብዝምልከት ዝዘርግሓቶ ብደረቕ ስእሊ ዝተሰነየ ዜና ነቲ ፈኸም ክብል ዝቐነየ ወረ ላምባ ወሲኹ ዘብእስ ኮይኑ ተረኺቡ። መደበር ቴለቭዥን ናይቲ ስርዓት፣ ኣብ ናይ ትማሊ
ኣብ ኤውሮጳ ብሰንኪ ስድተኛታት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ከይብእስ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ድሌት እንተለዎ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጸቕጢ ክገብር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣዘኻኺሩ፡፡ ንሱ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠይቕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገሮም ንዝሃደሙ ኤርትራውያን ኣብ መዳይ ትምህርቲ፡ ስልጠና ከምኡ እውን ኣብ ስራሕ ምምዳብ ከም
እወ! ሓቂ’ዩ፡ ስዓት ንመገሻ በጺሑስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ይሽባሸብ አሎ። እንተኾነ ነዚ ናይ ህዝብናን ሃገርናን ኣደራዕ ብናይ ሓንቲ መዓልቲ ምትእኽኻብ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ንነዊሕ እዋናት ክንዕዘቦን ክንዛረበሉን ዝጸንሓና ሽግር ብዘይ ጥርኑፉን ድልዱል መሪሕነት፡ ናይ ህዝቢ ተቋውሞ ጥራይ መዕለቢ ፍታሕ ከምጽእ ኣይክእልን፤ ኣይከኣለን’ውን። ቃልሲ ብዘይ ዋና፥ ኣለይን
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/11/ኩኩ-አለ-ዶሮ-.-.-.-..pdf"]
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/11/public-meeting_1.pdf"]
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/11/weldegiorgis.pdf"]
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/11/ኣይትተሃመል-ህዝበይ.pdf"]
ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዑደት ንዘሎ ወረቐት ባጤራ ናቕፋ ክቕይሮ ምዃኑ ትማሊ 4 ሕዳር ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓኑ ኣዊጁ። ብመሰረት እቲ ኣዋጅ፣ ነቲ ኣብ ዑደት ዝጸንሐ ባጤራ ብሓዱሽ ናቕፋ ናይ ምቕያር መስርሕ ብመንገዲ እተን በቲ ስርዓት ዝውነና ንግዳዊ ባንክታት ዝካየድ ካየድ እዩ። ውልቀ ተገልገልቲ ይኹን ትካል
ሰባት ኣብ ጉዳያት ዝተፈላለየ ኣጠማምታን መርገጽን ክህልዎም ንቡር’ዩ። እቲ ዘይቅቡል ባህርያት ግን፡ ምስ ሓሳባትካን እምነትካን ዘይሰማማዕን ዘይቃዶን ሰብ ወይ ኣካል ምስዘጋጥመካ ክትጻወሮ ዘይምኽኣልን መሰል ካልኦት ምግሃስን ምዝንጣልን’ዩ። ኣብ ክንዲ ነቲ ዘይትሰማምዓሉ ጉዳይ ካብ ስምዒት ተናጊፍካ መልሲ ምሃብን ርእይቶ ካልኦት ምጽዋርን፡ ደረቱ ዝሓለፈ ዘለፋን ሚዛናውነት ዝጎደሎ
ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ተመዲቦም ዝሰርሑ ኣባላት ጸጥታ ህግደፍ ካብ ገያሾ ገንዘብ ከም ዝልምኑ ምንጭታት ካብ’ታ ከተማ ሓቢሮም፡፡ እቶም ኣባላት ጸጥታን ኢመግረሽንን ካብ ወጻኢ ናብ ኣስመራ ንዝኣትውን ካብ’ታ ከተማ ንዝወጽኡን ኣብ ተርሚናል ደው ብምባል “ እንታይ ደኣ ገለ’ባ በልና( በሉና)” ብምባል ውርዙይ ብዝመስል ልመና ንገያሾ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/11/ACTION-PROVES-UNITY.pdf"]
ሃገር ብዘይ መንእሰይ መጻኢ የብላን፣ መንእሰይ ብዘይሃገር ከኣ ህይወት የብሉን። ኣብ ሃገርና ክልተ ሜላ ኣቆጻጽራ ግዜ እዩ ዘሎ። እቶም ርኡያት ናይ ግእዝን ፈረንጅን ኣቋጻጽራታት ማለተይ ኣይኮንኩን። ንግዜ ብዘይካ ብካላንደር፣ ፍሉይ ኣበርክቶ ወይ ተኣምር ብዝሰርሑ ሰባት፣ “ዘበን ኩስቶ” እናበልካ ምዝካር ኣብ ያታዊ ሕብርተሰብና ዝውቱር እዩ። ንኣብነት፣ ነቲ ብፈኸምታ
መስራትን ኣሰናዳእን ኣሰና፣ ኣማኑኤል ኢያሱ፣ ትማሊ ቀዳም 31 ጥቅምቲ ኣብ ዙሪክ ስዊዘርላንድ ምስ ዝርከቡ መንእሰያት ደለይቲ ፍትሒ ብምርኻብ ብዛዕባ ‘ቶም ኣብዚ መድረኽ ‘ዚ ንመንእሰያት ኤርትራ ዝብድሁዎም ዘለዉ ሽግራትን ፍትሖምን ሰፊሕ ዘተ ኣካይዱ። ንሱ ኣብ መእተዊ ናይቲ ክፉት ዘተ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብመንገዲ ‘ቲ
ብ ኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ዓለም ሕቆኡ ሂቡና ፤ ኣብ 20 ክፍለ-ዘመን ክረኤ ብዘይትጽበዮ ናይ ምዕራብን ምብራቅን ምሽራው ብ MIGን F15ን ንድብደብ ኣብ ዝነበርናሉ ተካል እዋን፤ ካብቶም ኣብ ጎንና ደው ዝበሉን ንስውራ ህዝቢ ኤርትራ ዘዔንገሉን ውሑዳት ሓደ ህዝቢ ሶርያ`ዩ። ኣብ 2011 ከምቲ ብዙሓት መናእሰይ ዓረብ ንለውጢ ሓፍ ዝበሉ፤ መንእሰይ
ካብ ዝተፈላለያ ክፍለ ሃገራት ሰሜን ኣምሪካን ካናዳን ናብ ኒው ዮርክ ዝወሓዙ ልዕሊ 3 ሽሕ ደለይቲ ፍትሒ፣ ነቲ ንዓመጽ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢኤርትራ ዘቃልዐ ጸብጻብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምድጋፍን፣ ንምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብምዅናንን፣ ሎሚ 29 ጥቅምቲ ኒውዮርክ፣ ፊት ኣድራሽ ውድብ ሕቡራት
ሓይሊ ዕማም ምቁጽጻር ሶማልያን ኤርትራን ኣብ ዘቕረበሉ ጸብጻብ ተሞርኪሱ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መዝነት ናይቲ ሓይሊ ዕማምን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተበየነ እገዳን ብሓደ ዓመት ክናዋሕ ክውስንዩ። እቲ 93 ገጻት ዝብዝሑ ጸብጻብ ሓይሊ ዕማም ባይቶ ጸጥታ፥ ስርዓት ህግደፍ ብኣንጻር ብይን 2182(2014) ዜሰክሞ ግዴታ፥ ምስ ሓይሊ ዕማም
ጉባኤ ብዛዕባ መጻኢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብምሁራን ተቓወምቲ ኢትዮጵያውያን፡ ዓላማኡን ኣተገባብርኡን ምንጪ መበገሲ ናይዚ ጽሑፈይ ካብቲ ናይ ጉባኤ ዝወጸ ጸብጻብ ኢዩ ። እዚ ድማ ብብጻይ ኣመሃ ደመኒኮ ብኢመይል ኣቢለ ስለ ዝረኸብክዎ፡ ንአመሃ ከየመስገንክዎ ክሓልፍ ኣይደልን። ብርግጽ ብዝርዝር ኮይኑ ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ ጽሑፍ ንምቕራብ ዝከኣል እኳ እንተኾነ፡ እዚ ግን ኣብ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/10/Direction-From-JFK-Airport.pdf"]
ምቛም ሓይሊ ዕማም ንቀጻሊ ደገፍ መርማሪት ኮሚሽን ምስ መርማሪት ኮሚሽን እትደጋገፍ ሓይሊ ዕማም ምቛም፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ኣብ ሓጺር ጊዜ ቆይማ ስራሕ ክትጅምርን ዘድሊ ምስንዳኣት ተጻፊፉ ክቕረብን ጽባሕ ዘይባሃሎ ህጹጽ ጉዳይ`ዩ። እዚ፡ ከቢድ ሓላፍነት ዝስከም ሓይሊ ዕማም`ዚ፡ ጀሚሩ ዝቕጽልን፡ ኣብ ስራሕ ንዘጋጥምዎ መኸታት በዲሁ ናብ
ሰዓተይ ‘ኒውዮርክ’ ትብል ኣላ! ሞባይለይ ‘ውን ደጊማ ቃጭላ ካብኣ ተቐቢላ፣ ስዓትኩም ረኣዩ ኣንቱም ሰብ ቆጸራ ሰዓት ኣኺሉ - በቡር ነቒላ መወዳእታ ደወል - ባጉም ባጉም ኢላ ደለይቲ ፍትሒ - ሃብሮማት ሓዚላ፣ ካብ US ካናዳ - ጊሓት ተላዒላ ማይላት ቆሪጻ - ኒውዮርክ ‘ዩ ምዓላ ሓመድ ድበ ‘ርክብ - ተሎ ተሰቐላ፣ ንሳ ‘ኳ ኤርትራ ዘይዓዳ ክፉእ ምስረኣየት ብማዕዶ
ብዳዊት፡ክፍለዝጊ ዓቕሉ ምስ ጸበቦ፡ ምስተ ደራረቦ፡ ተስፋ ምስ ቆረጸ፡ ኒሑ ምስ ዓረቦ፡ ኣያ ምስ ሳአነ ዝህቦ ኣቓልቦ ኣይእንታዩን፡ኮይና፡ትውልዲ ዓደቦ፡ ይነፍጽ፡ይጠፍእ፡ እግሩ ናብ ዝመርሖ፡ ሰላሙ ምስ ተሓርመት ምስ ጸልመቶ ኑጉሆ፡ ዝኽደኖ ዬለ ዝድረሮ፡ዝምሶሖ፡ እዝን ወዲ ኸምዝን ንስደት
ኩልና ከም ንፈልጦ እዞም ኣብ ሃገርና ዝገዝኡ ዘለዉ ጃንዳ ካብቲ ሓሳድ ባህርያቶም፣ ዜጋታት ነብሶም ኪኢሎም ካብ ተጸባይነት ወጺኦም ናብርኦም ክመርሑ ምስ ዝፍትኑ ከመይ ገይሮም ብተላኣኣኽቶም ኣቢሎም ሸርሕታት እናመሃዙ ዓዲ ከም ዘውዕልዎምን ከም ሳዕቤኑ ክኣ ተስፋ ቆሪጾም ሃገሮም ገዲፎም ሃጽ ከም ዘብሎዎምን ኣብዚ ዓሰርተታት ዓመታት ዘመነ
በቲ ን29 ጥቅምቲ ኣብ ኒው ዮርክ ንምክያዱ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብዝርከቡ ደለይቲ ፍትሒ ዓቢ ምሽብሻብ ዝግበረሉ ዘሎ፣ ብተሳተፍነቱ ዝዓበየ ሰላማዊ ስለፊ ደለይቲ ፍትሒ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሰናበደ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ሃሱሳቱ ኣዋፊሩ ንምትዕንቓፉ ሰፊሕ ዘመተ የካይድ ከምዘሎ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝበጽሑና ሓበሬታት
ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኣብ ልዕሊ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዘሎ ብቁጽሪ 1907 ዝፍለጥ እገዳ ንሓደ ዓመት ጸኒዑ ክቕጽል ሎሚ 23 ጥቅምቲ 2015 ወሲኑ። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቲ ውሳኔ ብዝምልከት ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ቁጡቕ ግብረመልሲ፣ ባይቶ ጸጥታ ዋላ ኳ ገለ ኣባላቱ ዕቃበታት እንተርኣዩ፣ ብኣመሪካ ተዓብሊሉ
ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ምስ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሓዱሽ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ብምስናዕ፣ እቲ ብናይ ‘ዓረብ ምሕዝነት’ ዝፍለጥ ሓይሊ ንልኡላዊ መሬት፣ ክሊ ኣየርን ማያትን ኤርትራ ተጠቒሙ ነቶም ኣብ የመን ኣንጻር መንግስቲ ዝዋግኡ ዘለዉ ሽዓውያን ተቓወምቲ ሕቱ ንምጥቃዕ ወተሃደራዊ ዘመተ ከካይድ ከምዘፍቀደሉ፣ እቲ ብመሰረት ተልእኾ ባይቶ
ሓበሬታ ብምኽንያት ናይ ዶክተር ተወልደ ተስፋማርያም [ ወዲ ቫካሮ] ዕረፍቲ መበል ሓደ ዓመት ንምዝካር ኩላትና ኤርትራውያን ብሓባር ተኣኪብና ክንውዕል ብዓቢ ክብሪ ንዕድም። ዕለት፡ ቀዳም 24 ጥቅምቲ 2015 ቦታ፡ Kista träff , Finlandslokalen ግዜ፡ ካብ ሰዓት 14:00 – 17:00 ብደሓን ምጹ። ሽማግለ ማሕበር ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ Stockholm
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/10/Drue-and-Dan-3-1.pdf"]