Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሚኒስትሪ ዜና መግለጺ ዲዩ መላገጺ ስዒቡ ቀሪቡ ዘሎ መግለጺ ህግደፍ’ዩ 1.ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ዞባና ዝተራእየ ምዕባለታት፡ ንኣሸቀልቲ ወያነ፡ ከቢድ ሻቕሎትን ጭንቀትን ፈጢሩሎም ኣሎ። ንብዙሕ ዓመታት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጐረባብታን፡ ብፍሉይ ከኣ ምስ ንግስነት ስዑዲያ ኪምዕብል ዝግብኦ ዝነበረ ንቡር ሽርክነት፡ ናብ ምጥርጣርን ምትፍናንን ምእንቲ ከምርሕ፡ ወግሐ-ጸብሐ ሕሱር ሓሶታት እናፈሓስካን

READ MORE

መልቐስ ድሓንኩኑ መልኣከ ገነት ቀሺ ተወልደ ዘመንፈስቅዱስ   ወየ!!!!ወየ!!!ወየ!!!! ወየ!! ወየ!!!ኣነ!!! ወየ!! ኣነ!!!!ወየ!!! ኣነ!!! መልኣከ ገነት ቀሺ ተወልደ ኣብ ዳምባ እንዳ ስላሴ ዝተወልደ ዓጣን ደብሪ ብንእሱ ዘንጎድጎደ ኣብ ባይቶ ንመናግርቱ ዘስገደ ግዜዶ! ኣርከቦ ንሰማዩ ኸደ እዋን ሓሰም! ኮይኑ ዝገደደ ካብ ደቆም ኣርከበዶ! ዋላ ሓደ ወዲ መን ተሪፉ!! ዘይተሰደ ።   ወዲ ዘመንፈስ ቅዱስ ወዲ ኣባ ኣማሓ ከይዶምዶ! ኣለዳ ከይወጻ! እተን ኣሓ ሓላው

READ MORE

ኤርትርዊ-ኣመሪካዊ ሲቪክ ማሕበር-ቦስቶን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 23 ሰነ 2015 ኣብ ከተማ ጀነቫ ብመርማሪት ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ብዛዕባ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዝቐረበ ጸብጻብን ውጽኢቱን፡ ከማኡውን ነቲ ብ 26 ሰነ 2015 ንደገፍ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዝተኻየድ ዓቢይ ሰላማዊ ሰልፊ ብኤርትርውያን ደለይቲ ፍትሒ ንምግላጽ ንዶክተር ዳኒኣኤል

READ MORE

ኣብ መንጎ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ዝርከብ ኤምባሲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስን፣ ንነብሶም እሙናት ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ኢሎም ዝሓስቡዋ ኣቓልቦ ናይቲ ኤምባሲ ዝሰኣኑ ወልቀሰባትን ግዳም ሓደር ዘቖሙዎ ጉጅለን ከቢድ ምስሕሓብ ተፈጢሩ ምህላው ተፈሊጡ። ጠንቂ ናይቲ ግጭት፣ ብብድሕሪ ቲ ብ26 ሰነ ኣብ ጀነቫ ዝቐረበ ጸብጻብ ኮምሽን ውድብ ሕቡራት

READ MORE

ካብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ባጤራ ናቕፋ ገና ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ሓደ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ባንክ ካብ 10 ሽሕ ናቕፋ ንላዕሊ ከውጽእ ከምዘይፍቀደሉ ዘመሓላለፎ መምርሒ ነቲ ኩነታት መሊሱ ዘብእስ ሳዕቤን ኣኸቲሉ ከምዘሎ ‘ውን ተፈሊጡ። ብመሰረት ‘ቲ ሓበሬታ፣

READ MORE

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ኣብቲ ኣቀራርብኡ ይኹን ውጽኢቱ ዝንቡዕ ኮይኑ ብምርካብ ዝተነጽገ ጸብጻብ ደንማርክ ተመርኵሱ ብዘዳለዎ መምርሒ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዑቕባ ይነፍጎም ከምዘሎ ዘ ጋርድያን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። ዘ ጋርድያን፣ እቶም ሆም ኦፊስ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ መርርሒ ምምማይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምውዳድ ኣጸቢቑ ንዝተወከሶ ጸብጻብ

READ MORE

መደበር ዜና ቢቢሲ ብቋንቋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሓጺርን ማአከላይን ማዕበል ፈነወ ራድዮ ንምትእትታው ንድፊ ውጥን ከምዘቕረበ ገሊጹ። እቲ እንተላይ ናብ ራሻን ሰሜን ኮርያን ውን ተመሳሳሊ ውጥን ነዲፉ ዘሎ ብዓለም ደረጃ ህቡብ ተሰማዕነት ዘለዎ ማዕከን ዜና ቢቢሲ፣ “ ኣብ ገለ ኩርናዓት ዓለም ዘይሻራዊ ዜና ኣብ ምዝርጋሕ ንዘሎ

READ MORE

ኤርትራ: ፍሉይ መንግስታዊ ተርእዮ ኣማኑኤል ሳህለ ሓደ ባምብልቢ ዚብሃል ዝነፍር ሓሰኻ ኣሎ። እንተ ዘይተጋግየ ሕንዚዝ እዩ ዚብሃል መስለኒ። ብመሰረት ሕጊ ኣየሮዳይናሚክስ: ወይ ከኣ ናይ በረራ ሳየንስ:  ሕንዚዝ ኪነፍር ኣይግብኦን እዩ ዚብሉ ሊቃውንቲ ኣለዉ። ስለምንታይ እንተ በልካዮም: እቲ ቅርጹን ኣኽናፉን ክብደቱን ኣብ ግምት ኣእቲኻ  ምስ እትቕምሮ: ኪነፍር ኣይፍቀደሉን

READ MORE

እተን ዘይተኸልኣ በላሕቲ ኣጽፋር ህግደፍ፡ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ሓድነት ኤርትራውያን ንምልሕላሕን ኣብ ውሽጥን ወጻእን ወትሩ ምስተዋፈራ’የን። እከይ ተግባራት ህግደፍ ንህዝብና ሕቡእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ህግደፍ እቲ እንኮ ኣበር ዘይብሉ ስርዓት ምዃኑ ዝማጎቱ ብሓደ ሸነኽ፡ ካብ ህግደፍ ዝሓሸ ስርዓት የለን ኢሎም ወገኖም ክመውት፡ ክእሰር፡ ከም ደቂ ዛግራ ክበታተንን

READ MORE

ብዳዊት ክፍለዝጊ ትብል  ኣላ ኤርትራዊት  ኣደ፡ 12 "ከብደይ ወሊደ   ብዘይ ምቅሊ ሓደ ሓደ ድሕሪ  ሓደ  በኹሪ  ሕሳስ፡ልደ፡ ጠዋሪ ዘብለይ፡ በይነይ ተዓኒደ፡          ኣብ ዘበነ  ገድሊ ጉዑዞ 30'ዓመት          ተስፋታት ሰኒቐ  ሰጊረዮ ፡ምረት፡           ደቀይ  ክምለሱ  ክረኽበሉ  ክብረት፡          

READ MORE

ኣገዳሲ ኣኼባ ንኩሉ፡ ተቀማጢ ፡ከባቢ፡ ባየርን፡ እትርከቡ ፡ኤርትራውያን የሕዋት ፡ማሕበር ሲቪካዊ ሶሳይቲ ኤርትራ ንድሕነት ሃገር አብ ሙንሽን ፣እተዳልዎ ንህልው ኩነታት ሃገርን ሕዝብናን ብሓፈሻ፣ብፍላይኸአ ንየሕዋትና ስደተኛታት ሓተቲ እቁባ ንዘጋጥሞም ሽግራት አብ ምፍትሑን ነቲ ቀንዲ ጠንቂ ሽግር ሕዝብናን ሃገርናን ፣ሳዕቤናቱን፣መፍትሒኡን ዘድሃበ ሃገራዊ ዓዉደ ዘተ ኣዳልዩ ስለዘሎ ንሰንበት

READ MORE

መዘኻኸሪ፣ ስእሊ ናይቲ ባሕሪ ዝገፍዖ ሶርያዊ ህጻን ኣብ ታሕቲ ስለዘሎ ምርኣዩ ዝኸብደኩም ኣንበብቲ ክሳብ መወዳእታ ናይዚ ዜና ምንባብ ኣይትቐጽሉ።  ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝተዘርግሐ ስእሊ ናይ ሓደ ካብ ቱርኪ ናብ ግሪኽ ብባሕሪ ክሰግር ከሎ ጥሒሉ፣ ትማሊ ረቡዕ ምስ ካልኦት 12 ሬሳታት ኣብ ገምገም ባሕሪ ግሪኽ   ተገፊዑ

READ MORE

ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ሰላማዊ ቃልሲ: ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ባሕቲ መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ጀሚሩ።  ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያን ኣብ 1890 ከም ሃገር ካብ ዝቖመትሉ ጀሚሩ  ህዝብና ብዝተፈላለየ መልክዕን ደረጃን ኣንጻር መግዛእቲ ተቓሊሱ ኢዩ። እዚ ብውሑዳት ሓርበኛታት ዝጀምረ ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ መስርሕ ብተሳትፎ

READ MORE

ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓወተ ዝተጀመረ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ 2015 ንመበል 54 ዓመት’ዩ ዝበዓል ዘሎ። መሰረታዊ ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ መላእ ኤርትራ ምጽራግን ሃገራዊ ነጻነት ምርግጋጽን’ዩ ነይሩ። ኪኖኡ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ሰናይ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ብምርግጋጽ፡ ዘላቒ ሰላም፡ ቀጻልነት

READ MORE

  ጀጋኑ  ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ! ህዝብታት ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ባሕቲ መስከረም ቅድሚ 54 ዓመታት ነቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ደርብታት ኢትዮጵያ ንፍትሓዊ ነጻነታዊ ሕቶኦም፡ ብሕጋውን ሰላማውን መንገዲ ንምፍትሑ ዝገበርዎ ተጋድሎ ረጊጾም ብዓመጽ ናብ ምጉባጡ ምስ ተሰጋገሩ ፡እቲ እንኮ ዝተረፎም ናይ መጨረሽታ ኣማራጺ፡ ንደመኛ ጸላኢኦም ብዝተናወሐ ብረታዊ ተጋድሎ ክጸርግዎን፡ ንሰብኣዊ

READ MORE

ገዲም  ተጋዳላይ  ጸጋይ  ተኽለ (ጠቓሚየይ)  ኣብ  1954 ሓምለ 4 ኣብ  ኣስመራ  ገዛባንዳ  ጥልያን ወይ  ከ ኣዲስ  ኣለም  ተወሊዱ። ኣብ  ኣዲስ ኣበባ  ብዕንጨይቲ  ጽርበት ማላት ፈለኛሞ  ክስ ርሕ  ድሕሪ  ምጽናሕ  ኣብ  1975 ናብ  ኤርትራ ብምምጻእ  ምስ  ተጋድሎ  ሓርነት ኤርትራ  ተሰሊፉ፡ ቅድም  ኣብ ማሕበር  ሰራሕተኛታት ተመዲቡ ኣብ  ሰሓርቲ

READ MORE

ጽምብል ባሕቲ መስከረም ኣብ ከተማ ማንቸስተር፣ ዓዲ እንግሊዝ ዕድመ ንኩሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሓድነት መንእሰያት ኤርትራዉያን ንዲሞክራስያዊ ለዉጢ ዓባይ ማንቸስተር  (ሓ.መ.ኤ.ደ.ለ) መበል 54 ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ  ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ‘ዕላማታት ባሕቲ መስከረም ይተግበሩ’ ብዝብል ቴማ ብኽብ ዝበለ ማዕረግ ንምብዓል ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ደለይቲ ፍትሒ ኣብዚ

READ MORE

ኣብዚ ዘለናዮ መዋእል፡ ንግዲ ደቂ ሰባት ሓደ ካብ ዝዓበየ ምንጪ እቶት ኮይኑ’ሎ። ሰባት ስለምንታይ ቀዋሚ ናብሮኦምን ዓዶምን  ገዲፎም ይስደዱ፡ መንገዲ ጥፍኣት ይመርጹን መፍቶ ሕልና ዘይብሎም ነጋዶ ሰባት ይኾኑ ኣለዉን ባዕሎም’ኳ ዝምልስዎ እንተኾኑ፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ፡ ድኽነት፡ ካብ ኩናት፡ ጭቆናን ሞትን ውልቀ መለኽቲ ንምንጋፍን ሰላም ንምርካብን’ዩ

READ MORE

ትምህርቲ ንሂወትን መጻእን ህዝቢ ንምቕያር ክግበር ዝግበኦ ሓደ ካብ ኣገደስቲ ሃገራዊ ወፍርታት’ዩ:: ብዘይ እተወሃሃደ ስርዓተ- ትምህርቲ መሰረታዊ ሕብረተሰባዊ ለውጢ ክምዝገብ ኣይክእልን’ዩ:: በዚ መንጽር ደረጃ ላዕለዋይ ትምህርቲ ሃገር የንቆልቁል ኣሎ:: ኤርትራ ኣብ ዝሓጸረ ጊዜ ብስነፍልጠትን ተክኖሎጂን ክትስጉም ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ’ዩ:: መብዛሕትኦም እቶም ብሉጻት ተመሃሮ ኣብ ትሑት ደረጃ

READ MORE

መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፣ ቁጽሪ ስደተኛታት ንምውሓድ ዘዋደዶ ታርጌት ንምውቃዕ ክብል ብሰንኪ ‘ቲ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኽሰስ ዘሎ ውልቀመላኺ ስርዓት ሃገሮም ገዲፎም ንዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ዑቕባ ይነፍጎም ምህላዉ ይውቀስ ከምዘሎ ጋዜጣ ዘ ኢንደፐንደንት ኣብ ገጻቱ ኣስፊሩ። በዚ ምኽንያት፣ ኣብ ፈለማ ርብዒ ናይዚ ዓመት’ዚ 73 ሚእታዊት ኣንውታዊ ምላሽ

READ MORE

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ስሳታት እዩ መስለኒ: ኣልኣሚን: ዓባይ ኣባሻውል ሎሚ ክደርፈላ: ፈጺማ ብኹላ ከይፈረሰት ከላ: እትብል ደርፊ ደሪፉ። ሓቁ እዩ: ከመይሲ ኣባሻውል ማለት ኣስመራ ማለት እዩ ነይሩ። ምፍራስ ኣባሻውል ድማ ከም ምፍራስ ኣሰመራ እዩ ዚቝጸር ነይሩ። ኮምብሽታቶ ክኔኡን ሕዛእቲ ጣልያን ኪኸውን ከሎ: ወዲዓዲ ግን ኣብ ኣባሻውል

READ MORE

መስከረም ዘይሓልፈላ ጭሩ መስከረም ትዓውር ነፊራ ድራራ ከይትምእርር ኣብ ዕምባባታት መሮር በሪራ ከይተስምዕ መዝሙር ዘይሓልፈላ ጭሩ መስከረም ትዓውር:: ጭሩስ ፈጣሪ ኣሚና ሰፈራ ሰሪሓ ጨቓዊታ ተማሙቕ ኣኽናፋ ዘርጊሓ ለመምታ ከይኣትዋ ትጥምት ነቒሓ:: ዘይሓልፈላስ ኤርትራ መስከረም ዓዊራ ብመስፈ ጋኔን ኣዒንታ ሓቢላ ነቑራ:: ተውሳኻ መስከረም ትርገም ብ61 ዝቐደደት ጸላም: በርቂ ኣሰንያ ዘውረደት ዝናም ውሕዝ ኣውሪዳ ናይ ሰማእታት ደም ግንቦት ወሊዳስ ስማ ክድወን:: ዓቕሊ ኣጽቢበ

READ MORE

ሶሶና:ኮሉኩ: ፎደ: ቢምቢልና:ከርከሻ: ተሎጋምጃን ካልኦት ዓድታትን ከተማ ባረንቱን ተዘዋዊረ ፈለማ ዘጽናዕክዋ ማይ ዶካ ኣትብል ቃል’ያ:: ምስ’ዛ ቃል ለጊባ ትመጽእ ድማ ማይዳ ኢያ:: ብኩናማ ማይዶካ ከመይ ኣሎኻ ክኸውን ከሎ ማይዳ ድማ ጽቡቕ ወይ እግዚኣብሄር እመስገን ከም ማለት’ዩ:: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግደፍ 14 ዓመት ዝተሳቐየ ብሂወት እንተሎ

READ MORE

ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ክሰግራ ዝፈተና ክልተ ጀላቡ ብምጥሓለን: ኣማኢት ሰባት ክሞቱ ከምዝኽእሉ ቢ.ቢ.ሲ. ሓቢሩ:: ካብ’ተን ትማሊ  27 ነሓሰ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓላ ጀላቡ እታ ቀዳመይቲ 50 ሰባት: ድሕሪኣ ዝሰዓበት ደማ 400 ሰባት ኣሳፊረን ምንባረን ተፈሊጡ:: ኣብ ምዕራብ ትሪፖሊ ዙዋር ኣብ ዝተባህለት ከተማ ዝርከብ ሆስፒታል 100

READ MORE

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ከተማ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝተዋህቦም 250 ስደተኛታት ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሑሉ ኣጋጣሚ፣ ሕሉፋት የማናውያን ድሕሪ ዘልዓሉዎ ናዕቢ ምስ ፖሊስ ምትፍናን ከምዝተኸስተን 30 ኣቢሎም ዝኾኑ ፖሊስ ከምዝተጎድኡን ይፍለጥ። ቻንሰለር ጀርመን ኣንጀላ መርኸል ግን፣ ብደገፍቲ ናይቶም ሕሉፋት የማናውያን ዘጋጠማ ምሽባብን ምድሃልን ግዲ

READ MORE

እቲ ፈለማ ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን፣ ምስ ናይ ኩባ ዩኒቨርሲቲን ናይ ኣመሪካ ጆርጅ ዋሺንግተን ዩኒቨርሲቲን ብዝፈጠሮ ሞያዊ ምትእስሳር፣ ብመንገዲ ‘ቶም ፍሉጣት ኣህጉራውያን ማእከላት ፍልጠት ብቑዕ ኣካዳምያዊ ደረጃ ተጎናጺፉ፣ ነቶም ኣብተን ብቕዓት ዘይብለን ካልኦት ኮለጃት ክምሃሩ ተገዳስነት ዘይብሎም ብዙሓት ብሉጻት ኤርትራውያን ተማሃሮ ካብቲ ዘሎ ዝሓሸ ኣማራጺ ኮይኑዎም

READ MORE