The world economic forum ኣብቲ ብመጠን ሚእታዊት ሓፈሻዊ ዘቤታዊ እቶተን (GDP) ኣብ ዓለም ዝለዓለ ህዝባዊ ዕዳ ዘለወን ሃገራት ኢሉ ዘዋደዶ ናይ 20 ሃገራት መዝገብ መበል 6ይቲ ሰሪዑዋ። በቲ ኣብ ጸብጻባት IMF ተመርኵሱ ዝተጻሕፈ ጸብጻብ መሰረት፣ እተን ካብ ናይ ኤርትራ ንላዕሊ ዝለዓለ ዕዳ ኣለወን ተባሂለን ተጠቒሰን ዘለዋ
The world economic forum ኣብቲ ብመጠን ሚእታዊት ሓፈሻዊ ዘቤታዊ እቶተን (GDP) ኣብ ዓለም ዝለዓለ ህዝባዊ ዕዳ ዘለወን ሃገራት ኢሉ ዘዋደዶ ናይ 20 ሃገራት መዝገብ መበል 6ይቲ ሰሪዑዋ። በቲ ኣብ ጸብጻባት IMF ተመርኵሱ ዝተጻሕፈ ጸብጻብ መሰረት፣ እተን ካብ ናይ ኤርትራ ንላዕሊ ዝለዓለ ዕዳ ኣለወን ተባሂለን ተጠቒሰን ዘለዋ
ኣማኑኤል ሳህለ ወድሰብ ናብ ወርሒ ወይ ናብ ማርስ ብምኻድ ነዘን ጠፈራውያን ኣካላት ይድህስሰንን ይምርምረንን ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጠሊቑውን ነቲ ምስጢራት መዓሙቕ ማያት የጽንዖን ይምርምሮን ኣሎ። ካብዚ ምርመራታትዚ ድማ ብዙሕ ኣርባሒ ዝኾነ ውጽኢታት ረኺቡን ይረክብን ኣሎ። ሽሕኳ ንዩኒቨርስ ምምርማር ከቢድን እተሓላለኸን ኣሸጋርን እንተ ኾነ: ነቲ ናይ ወድሰብ
ደሃይ ካብ ኤርትራ ወልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ 11 ሓምለ ኣብ መመረቕታ መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ተመረቕትን ህዝብን ኣብ ዝገበሮ መደረ፣ ሚእታዊት ናይቶም ኣብ ሳዋ ተማሂሮም መልቀቒ ፈተና ገይሮም ዝሓለፉ ዝበሎም ተማሃሮ ክዝርዝር ክሎ፣ 14 ሚእታዊት ብዲግሪ፣ 10 ሚእታዊት ብዲፕሎም፣
ኣብ ጀርመን ከም ኣስተርጎምቲ ስደተኛታት ዝሰርሑ ዘለዉ ኤርትራውያን ተሓባበርቲ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነቶም ኣብ ጀርመን ናይ ዑቕባ ሕቶ ዘቕርቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስክርነቶም ኣዘንቢዖም የስተርጉሙሎም፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክሓብኡዎ የጕባዕብዑሎም ከምዘለዉ ዶቸ ቬለ፣ ንግዱሳት ኤርትራውያን ብምጥቃስ ኣብ ዜናዊ ጸብጻቡ ሓቢሩ። ብሰንኪ እዚ
ዓንደብርሃን ወልደ ገርግሽ - ሕጂ ኸ ናበይ? ናይ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ፕረሲደንት ነበር ዓንደ ርሃን ወልደ ገርግሽ ፡ ኣብዚ መድረኽ እዚ፡ ንስርዓት ኢሳያስ ብምቅዋም ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ካብ ስልጣን ተወጊዱ ፡ ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ መንግስቲ ንክትከል ከምዝቃለስ ፡ ዘስምዖ ዘሎ መደረታትን ሰሚናራትን ፡ ዘሓጉስ እዩ ፡፡ ሕጂ ውን
Save The Date ! “On Dialogue and the prospect for peaceful change in Eritrea” ንሃገራዊ ዕርቅን ሰላምን ዘስፍን ዕዙዝ መባእታ ስጉምቲ ! ሃገርና ኤርትራ ከም ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ብሰላምን ብፍትሒ ርትዒ ክትመሓደር ናይ ኩልና ደለይቲ ሰላም ባህግን ትምኒትን ኢዩ: ነዚ ትምኒትን ባህግን ክውን ተግባራዊ ክኸውን ናይ ኩልና ኤርትራውያን
ብጴጥሮስ ተኽሉ፡(ሓላዪ) 20/07/15 ተንስእ ተበራበር እናበለ ዝንቁ ደርሆ ኣብ ጥዑም ድቃሰይ ጋሕጋሕ ንግሆ ኣይሰማዕክዎን ሎሚ ረፋድ ካብ ጉዩይ ምዓል ምሓዝ-ክሳድ፣ ግህዶዩ ኣይኮነን ሕልሚ ነጻ ወጽየ ማለትዩ ሎሚ ኣቲ ነብሰይ ክሓዲ እመኒ ሞቑሐይ በቲኸዮ እመስለኒ፣ ክብል ይደሊኣሎኹ እሱር ብጻይ ነጻ ክወጸለይ ካብ ተጻይ ብዘይ ገበን ብዘይ ፍርዲ ዝተሓየረ ኣብ ናይ ዓመጽ ዕርዲ፣ ካብ ስቓይ ክመሓር እቲ ብሕልናኡ ዝመሃር ስለዝበለ መሰል ንሰብ! ተሓይሩ
ዕድመኦም ኣብ 70’ታት ዝገማገም ጸጉራም ተቀማጣይ ጾሮና ኣቦ፡ ኣብ 1999፡ ብዛዕባ ኩናት ኣብ መንጎ ኤርትራን እትዮጵያን ነዕልለሉ ኣብ ዝነበርና እዋን “ጅግንነት ተጋደልቲ ኣብ በረኻ’ዩ ነይሩ’ምበር ዓዲ ኣቲኹም መንግስትነት ምስሓዝኩምስ ኣይግድን፡ ምምሕዳር ኣይክኣልኩሞን፡ ምኽሪ ዓበይትን ወራዙትን ድማ ኣይትቅበሉን” ዝበልዋ ሓሳብ እናሻዕ’ያ ትዝከረኒ። እቶም ኣቦ፡ ብህይወት ከምዘለዉ’ኳ
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት የመን ትማሊ ቐዳም፡ እታ ካልኣይቲ ከተማ የመን ዓደን፡ ካብቶም ብ ኢራን ዝድገፉ ተቓወምቲ ሑቱ ሓራ ከምዝወጽአት ድሕሪ ምግላጹ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተዓቒቦም ዝጸንሑ ሚንስተራት የመን ብመንገዲ ኤርትራ ኣቢሎም ብጃላቡ ናብ ዓደን ከምዝተመልሱ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ሓቢሩ። ተቓወምቲ ሑቱ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝሓለፈ ሳምንታት ንፓርላማ ሃገሩ ኣብ ዘቕረቦ ንኤርትራ ዝምልከት ጸብጻብ: ኤርትራ ንኢትዮጵያን ጂቡቲን ምህዋኽ ከምዝቐጸለቶ ገሊጹ:: ንሱ ኤርትራ ካብ’ዚ ተግባራት እንተዘይተቖጢባ መንግስቱ ንህዝቢን ዓለምን ኣፍሊጡ ተመጣጣኒ ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝግደዱ ኣጠንቂቑ:: ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ማዕረ ናብ ኣስመራ ከይዱ ምስ
ንዕለት 25 ቀዳም ሓምለ 2015 ምሸት ዓቢ ናይ ሕድሕዳዊ ምትሕቑቓፍ ድራርን ምዝንጋዕን (ዲጀ) ብደቂንስትዮ ኣባላት ቢይ ኤርያ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ተዳልዩ ስለዘሎ ኩልና ተኣኻኣኪብና ክነምሲ ንዕድመኩም ፡፡ ቦታ Shuttk &55th good hope church. ስዓት 7፡00 ምሽት ይጀመር። ብድሓን ምጹ፡ ዓወት ብሓድነት፡፡
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/07/EAJ-Indianapolis-Public-Meeting-August-2015.pdf"]
ኩላትና ከም ንፈልጦ እቶም ብኢሰያስ ዝምወሉን ዝስልጥኑን ዝነበሩ ብስም ሑቱ ዝፍለጡ ተቓወምቲ መንግስቲ የመን፡ ሃንደበት ንየመን ዳርጋ ኣብ ምቍጽጻር ምስ ኣተዉ፡ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ብመሪሕነት ዓረብ ንዕብለላ ኢራን ኣብዚ ከባቢ ክቈጻጸራ ግድነት ኮይኑወን። ስለዝኾነ፡ ኢሰያስ ብህጹጽ ናብ ርያድ ተጸዊዑ። ሽዑ ከምኡ ዝብል መምርሒ ግዲ ተዋሂቡዎ
መበል 11 ርእሱ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ከምልጥ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ኣብ ዶብ ብዝተተኮሰሉ ጠያይት ብኸቢድ ዝተወግአ ወልድኣብ ዝተባህለ ወዲ 20 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ደሃይ ናይቶም 10 መማጽእቱ ከምዘይብሉ ምዝራቡ ካብ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ። ኣብቲ ሓደጋ ጉዕዞ ስደት ኤርትራውያን ናብ ኤውሮጳ ኣብ
ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም ብፖሊስ ሱዳን ዝተታሕዙ 15 ኤርትራውያን፣ ብፖሊስ ሱዳን ኣብ ካርቱም ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ስርዓት ኢሳይያስ ተረኪቦም ንሓደ ሰሙን ኣቢሎም ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ስርዓት ምስ ጸንሑ ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም፣ ኣብ ሓሽፈራይ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም። ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት
ብዕለት 15 ሓምለ 2015 ካብ ዞባ ማእከል ብሓይሊ ተገዲዶም ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ተምሃሮ ካልአይ ደረጃ ናብ ሳዋ ወሪዶም። እዞም ናይ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ትምህርቶም ወዲኡም ናይ ዓስርተው ክልተ ክፍሊ ትምህርቶም አብ ሳዋ ንኽመሃሩ፤ ከምኡ ድማ ናይ መበል 29 ዞርያ ሃገራዊ አገልግሎት ኮይኑም አገልግሎቶም ንክቕጽሉ ብዝብል
ኣምባሳዶራትን ስርሒት ሂወት ኣድሕንን። 2ይ ክፋል፡ 15.07.15፡ ድሕሪ ናይ ዕለት 26 ሰነ 15፡ ኣንጻር ህግደፍ ዝተገብረ ዓለማዊ ኤርትራዊ ሰላማዊ ሰልፊ እንታይ ስዒቡ”? እንተትብሉ እቲ ስ ርዓት ብሓያል ውቃዕ ከምዝተቦኽአ ብዝምስክር ሰምቢሩስ እንሆ ክሳብ ናብ ሙሉእ ለይቲ ብተሌፎናት ዘሕሸኹሹኽ ማእለ ያ ዘይብሉ ማይ ዘይጠዓመ ናይ መምሰልን መዘንግዕን
ስርዓት ጉጅለ ህግደፍ ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጥምዩን ኣድኪዩን ብራዕዲ እንዳገዝኤ ንኸጥፈኦን ክበታትኖን፡ ብስልቲ ካብ ዝሰርሓሉ ዓመታት ከምዘቝጸረ ካብ ኤርትራውያን ዝተኸወለ ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝገብሮ ሽበራን፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ ብማሕበረ ሰብ ዓለም ኣቓልቦ ከይረክብ ዝጥቀመሉ ሜላ፡ ምስ ገረባብቲ ሃገራት ኩናት ብምጽሕታርን ንግብረሽበራውያን ብምሕጋዝን ፡ሃገራት ብዛዕብኡ
ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ስማዊ ዝኸነ ናይ ምልኣኽን ምምጻእን ናይ ንግዲ ፍቓድ ሊቸንሳ፤ ናይ ፍቓደ ምሃብ ደወ አቢልዎ አሎ። እቲ ብቀይሕ ባሕሪ ኮርፕሪሽን ዝፍለጥ ናይ ህግደፍ ናይ ንግዲ ትካል፤ ብሙሉእ ናይ ምምጻእን ምልኣኽን ንግድን ባዕሉ ክቆጻጸሮ ምኻኑ ካብ ኤርትራ ዝመጹ ሓበሬታት ይሕብሩ። እቲ ሰርዓት
ወርሒ ሰነ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ኣገዳሲ ምዕራፍ ኣለዋ :: 20 ሰነ ነቶም ምእንቲ ናጽነት ሃገር ክብርቲ ሂወቶም ዝወፈዩ ሓርበኛታት ብመንፈስ እንዝክረላ ረዛን ዕለት ኢያ:: ነቶም ምእንቲ ናጽነት ኣብ ዱር ኣብ ገደል ምስ ከበድቲ ኣጽዋር ጸላኢ ገጢሞም ሂወቶም ዝወፈዩ: ኣብ ከተማ ተወዲቦም ንሂወቶም ከይበቐቑ ምስጢራዊ
ኣማኑኤል ሳህለ ኩሉ ሓላፋይ እዩ፡ ትዕግስቲ ጥራይ ይሃሉኻ፡ ዚብል ሰብ ብዙሕ እዩ። ኣብዚ ምኽርዚ ክልተ ሕቶታት ኪለዓሉ ይኽእሉ፤ ኩሉ ሓላፋይ እዩ ክንብል ከሎና፡ እንታይ ማለትና ኢና? ዘይሓልፍ ፈተና ኸኣ ኣሎ እኮዩ፡ ማለት ክሳዕ መቓብርካ ደድሕሬኻ ዚስዕብ ፈተናን መከራን። ትዕግስቲ ክንብል ከሎናኸ ነቲ ናይ እተፈላለዩ ሰባት ናይ
ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ኣብ ሓለፋ ዘሳፍወሉ ዳስ ምልኪ፤ ንፍትሒ ይትረፍ ከም ኣሳፋዊ ከም ዕዱም ይህሉ`ዶ ይኸውን ኢልካ ሃሰው ምባል ግዜኻ ምቅታል`ዩ። ፍትሕን ሓለፋን ብሓደ ክነብሩ ማለት ዘበት`ዩ። ናይ ሓዲኦም መፈጸምታ ናይቲ ካልኣይ መጀመርታ`ዩ ፡ከም ኣወጻጽኣን ኣተኣታትዋን ቀትርን ለይትን። ናይ ቀትርን ለይትን ካብ ኣምጻእና፤ ልክዕ`ዩ ቀትርን ለይትን ብሓደ ኣይነብሩን`ዮም፤
ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ብቲቪ ኤረ ኣቢሉ ዝቀርብ መደብ መርሓባ ንወ/ሮ ለተሃንስ (ኣደ ኣርባዕተ ስዉኣት) ዓዲሙ ፤ ነቲ ከምዘይወለዳ፤ ወሊደን ከምዘይሰዋኣ ፤…….. ክሳብ ገባር-ሰናይ ነጋሲ ገ/ሚካኤል መጺኡ ዘድሕነን " በይነይ ኣብ ገዛ ተዓጽየ፤ ኣብ ጎልጎል ዝኽደኖ ዘይብለይ፤ብጸሓይ እናነደድኩ ብቁሪ እናተቀርፈድኩ እነብር ነይረ ….. " ወዘተ ዝብል ኣብ ዓዲ
ብቀሊል ኣዘራርባ ፡ውልቀ ሰባት፡ ስድራቤታት፡ ጉጅለታትን ሃገራትን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ንኣብነት ብጉዳይ መሬትን ይግባኣንን፡ ፍልልይ ስነ ሓሳብን ረብሓታት ዘይምቅዳውን ካብ ብቃላት ምዝልላፍ ክሳብ ህይወት ሰብ ዝወስድ ረጽምታት ክኽሰት ይኽእል’ዩ። መብዛሕቶኦም ጉዳያት ድማ ከከም ኣመጻጽኦኦም ብዘተ፡ ሕድገታትን ካሕሳን መዕለቢ ይግበረሎምን እቲ ሓርፊፉ ዝነበረ ዝምድና ናብ ንቡር ይምለስን።
ካብ ላንጋ ላንጋ የድሕንኩም!!! መቀጸልታ ንቕሓትና ነዕብይ (ካልኣይ ክፋል) ብዕለት 10/07/2015 ንቕሓትና ነዕብይ ቀዳማይ ክፋል ብዝብል; ዝጸሓፍክዋ ንእሽቶይ ሓሳብ; ሓደ ሓዊ ነቃፊ ረኺባ። (ኣሰና ዳት ኮም ተወከስ)። እታ ነቀፌታ ብዙሕ ዝተዋቅዑ መግለጺ ዘድልዮም ሓሳባት ከምዘለዉዋ ስለዘስተባሃልኩ መልሲ ክህበላ ደልየ። ኣንበብቲ ፍርዲ ንዓኹም ይገድፎ። ኽቡር ሓው ሰላምታ ብምቅዳም ስለቲ ርእይቶኻ
ኣብ’ዛ ካብ ተኸታታሊ ባዕዳዊ ዕብለላ ድሕሪ ነዊሕ ናጻ ዝወጽአት ሃገር: ንሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ጋኖት ዝኾኑ ኣብ 1993 ስልጣን ዓቲሮም::ንሳቶም ድሮ ግንቦት 24 1993 ንዝጀመረ ምህናጽ ሃገርን ተስፋ ብስርዓተ ማኪያቨሊ ኣዕነውዎ:: ኤርትራ ብርኡይ ክትመውት ትደሚ’ላ:: ድሮ እውን ቆሲላ’ያ:: ብስንኪ ብርሰትን ጊላነትን ቀጻልነታን ህላዌኣን ዝተሓረመት ሃገር :ብዛዕባ’ቶም ብዘይሕጋዊ ህግደፍን
ኣማኑኤል ሳህለ ደቂሰብ ተኣኻኺቦም እንዳታት ምስ ኣቖሙ፡ ነቲ ከም ባህሊ ኮይኑ ኪቕጽል ዝነበሮ ማሕበራዊ ልምድን ወግዕን ከማዕብሉ ጀሚሮም፡ ከምዚ ብምግባር ድማ ኣብ ውሱን ክልል ሓባራዊ ባህርይ ከጥርዩ ክኢሎም። ብሓደ ዝነብሩ እኩባት ሰባት ወይ ማሕበረሰብ ዚኽተሉዎ ክብርታት ወይ ወግዕታት ኣለዎም። ሰብ ኪሞቶም ከሎ እንታይ ይገብሩ? ከመይ ጌሮምከ ይቐብሩዎ።
ንቕሓትና ነዕብይ ቀዳማይ ክፋል፡ - ንነፍስና ንፈትሽ ካብ ደብረ (09/07/2015) ንነፍስና ኣበየናይ መደብ ኢና ንሰርዓ። ደጋፋይ መንግስቲ ወይስ ተቃዋማይ ወይስ ላንጋ ላንጋ። ነፍስና ንፈትሽ። ብዛዕባ ዕላማታት መንግስቲ ምዝራቡ ንጊዚኡ ገድፍና፡ ብዛዕባ ዕላማታት ተቃዋማይ ቁሩብ ክዛረብ። ተቃዋማይ ክህልዎ ዘለዎ ዕላማታት ንጹር ‘ዩ። እቲ ብቀዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ዕላማ፡ እቲ ገዛኢ
እቲ “ሃብታም ኤርትራ ‘ምበር ሃብታም ኤርትራዊ ኣየድልየናን እዩ” እናበለ የዋሃት ዘታለለ ውልቀመላኺ ኤርትራ ኢሳይይስ ኣፈወርቂ ነቶም ኣብ መወዳእታ መዓልታት ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ነበር ኣቶ እስቲፋኖስ ከሎ ብፍራንኮ ቫሉታ ኣቑሑ ብግቡእ ኣቐሪጾም ብወደብ ባጽዕ ከእትዉ ዝተፈቕዶም ነጋዶ ኣቑሑቶም ናብ ባጽዕ ምስ ኣተወ ኣስታት 1400 ኮንተይነራት ብዘይ
ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ፍጥረት፡ ኩሉ ነገራት እተተሓሓዘ፡ እተኣሳሰረ ወይ እተዛመደ እዩ። ንበይኑ ጠልጠል ኢሉ ዚነብር የሎን። ከምዚ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ፍጥረት እቲ ሓደ ነቲ ዘድልዮ ነገራት ካብቲ ሓደ እናተጸበየ (interdependence) ወይውን እናተጸላለወ (interaction) እዩ ዚነብር። ምስ ዝኾነ ይኹን ከይተኣሳሰረ ወይ ከይተዛመደ ንበይኑ ህላዌ ዘለዎ ሓይሊ ወይ
ኣብ ደቡብ ሱዳን መሪዲ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ደቡብ ሱዳን ብሰኑይ 6 ሓምለ፣ ኣብ ሰዓታት ስራሕ ሰለስተ ኤርትራውያን ብሓደ ዕጡቕ ብግፍዓዊ መንገዲ ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እቶም ኣብ Eastern Equatorial State ግዳይ ናይቲ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ኣቦን ወዱን ናይ ቀረባ ቤተሰቦምን እዮም። እቲ ዜና ናብ ኣሰና ኣብ
ኣምባሳዶራትን ስርሒት ሂወት ኣድሕንን። 07.07.15፡ ወለድናስ “ንእሽቶ ውራይ’ሞ ግበር ሰብካ (ፈተውትኻን ጸላእትኻን) ክትፈልጥ” ክብሉ እንከለዉ ብተግባር ዘረጋገጽዎ ፈተና ከምዝነበሮም እንሆ ንዓና’ውን በጺሕና።ከምዚ ዘበለኒ ምኽንያት ነቲ ድሕሪ’ዚ ሓድሽን ኣብ ብዓለሙ ዝተወደበን ናይ 26 ሰነ 2015 ዝተገብረ ሓያል ሰልፊ ዝፈጠሮ ጥርዚነት ክጠቅስ’ምበር እዚ ዝቐነየ ናይ ‘ይኣክል’ ናዕብና ኣነኣኢሰዮ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ንቤት ምኽሪ ሃገሩ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ: ህግደፍ ንጎረባብቲ ሃገራት ምሕማስ ምቕጻሉ ገሊጹ:: ንሱ:መንግስቲ ኢትዮጵያ: ምስ ኬንያ: ጂቡቲን ሱዳንን ዘለዎም ብደረጃ ኢጋድን ብክልተኣዊ ርክባትን ዝነኣድ ውጽኢት ከምዘመዝገቡ ጠቒሱ: ብኣንጻር ናይቲ ኢትዮጵያ እትገብሮ ናይ ሰላም ጻዕሪ: ህግደፍ ነቲ ከባቢ ናይ ምህዋኽ ተግባራቱ
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ብኣጋጣሚ’ቲ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝቀረበ ክሲ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዝነብሩ ኤርትራውያን ብሰላማዊ ሰልፍን መራኸቢ ብዙሓንን ኣቢሎም ነቲ በቲ ውድብ ዝቀረበ ጸብጻብ ደገፎም ገሊጾም። ብኣንጻሩ ስርዓት ህግደፍ በቲ ንሱ ዝውንኖ ጋዜጣ፡ ራድዮን
ኣቡነ ሲኖዳ፡ ብሰንኪ ዝዘርእዎ እከይ ተግባራት ዉርደት ከምዝሓፍሱ ኮይኖም እቲ ቀንዲ ምኽንያት ነዛ ጽሕፍቲ ክንጽሕፍ ዝገደደና አቲ ብዕለት ሰነ (June) 28,2016 ኣብ ኣሰና ዶት ኮም “ ጳጳስ ኣሜሪካን ካናዳን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተከርስቲያን ኤርትራ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተጸሓፈ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ሓበሬታ ተሓዊስዎ ስለዘሎ መልሲ ንምሃብን ከምእውን
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/07/ሰማይ-ዝዓረገ.pdf"]
እቶም ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ‘ዚ በቲ ISIS ወይ ከኣ ዳዒሽ ተባሂሉ ዝፍለጥ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ኣብ ሊብያ ብጠያይቲ ዝተረሸኑን ብኻራሩ ዝተሓርዱን ኣመንቲ ክርስትና፣ ቁጽሮም 56 ከምዝኾነን ዝበዝሑ ኸኣ ኤርትራውያን ምንባሮምን፣ ኣብቲ ናይ ምርሻን ህሞት ኣማኒ ምስልምና ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ ካብ መቕተልቲ ዝደሓነ ነቲ ናይ
[gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2015/07/ምንዳፍን-ምፍራስን-ቅዋም-1.pdf"]