እተን ጉዱሳት ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ተቀመጥቲ ስያትል ዋሽንግተን፡ ብዝገበሮኦ ዘይተሓለለ ሃገራውን ህዝባዊን ጻዋዒት፡ ልዕሊ ሓምሳ ዝኮና ኤትራውያን፡ ቀዳም ብዕለት 16 መጋቢት 2019 ካብ ስዓት 4 - 8 ድሕሪ ቀትሪ፡ በዚ ዘሎ ዘየቅስን ኩነታት፡ ኣብ ጽልግልግ ዝበለ ጸላማት ኣትያ ዘላ ሃገርና፡ ካብ ‘ኣፈርክቡ ዕርበት ነድሕና’ ብዝብል ተማ፡
እተን ጉዱሳት ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ተቀመጥቲ ስያትል ዋሽንግተን፡ ብዝገበሮኦ ዘይተሓለለ ሃገራውን ህዝባዊን ጻዋዒት፡ ልዕሊ ሓምሳ ዝኮና ኤትራውያን፡ ቀዳም ብዕለት 16 መጋቢት 2019 ካብ ስዓት 4 - 8 ድሕሪ ቀትሪ፡ በዚ ዘሎ ዘየቅስን ኩነታት፡ ኣብ ጽልግልግ ዝበለ ጸላማት ኣትያ ዘላ ሃገርና፡ ካብ ‘ኣፈርክቡ ዕርበት ነድሕና’ ብዝብል ተማ፡
ህግደፍ ኣብ ዉሽጣዉን ግዳማዉን ቅልዉላዉ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣገልግሎት ቴለቪጅን ኣልጅዚራ፡ ሓደ ብጽጹይ ኣሃዛት ዝተሰነየ ጸብጻብ ቅድድም ሃብታማት ሃገራት ኣብ ወደባት ገማግም ቀይሕ ባሕርን ሶማልን ዝግበር ዘሎ ዕሹግ ኲናት ኣመልኪታ ሓደ ጸብጻብ ኣዳልያ ናብ ፈነወ ከምዘብቀዐት ይዝከር። እቲ መደብ ብቀንዱ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብፍላይ ተካይዶ ዘላ
ቅልውላው ክልተ ኣዕዋፍ ብሓንቲ እምኒ መጋበት 23/2019 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ቅልውላው ብተራ ቋንቋ ትርጒሙ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ከርሳ ውሉድ ነዛ ዓለም ከተረክባ ኸላ ንዝህልዋ ሕማም ሕርሲ ዝወሃብ ቃል ኢዩ። እዚ ጻዕሪ ናይ ኣዴታት ብሓፈሻ ኩላትና ንፈልጦ እኳ እንተዀነ ብዝያዳ ወላድ ኣደ ኣጸቢቓ ትርድኦ ብተፈጥሮ ዝተዓደለቶ መስርሕ ምርባሕ
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 07 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም.ፈ. ካብ ሰዓት 1:30 ድ.ቀ. ዝጅምር ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድም። ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ ህልው ኩንተታት ሕዝብናን ሃገናን ክንዝቲ ኢና። ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ እዚ ዘለናዮ እዋን ተሃዋሲ ኢዩ። ንሕና ኤርትራውያን ነዚ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ
እዋናዊ ሓበሬታ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ትማሊ ዓርቢ 22 መጋቢት 2019፡ ኣብ ኣስመራን ዝተፋላለዩ ካልኦት ዞባታትን ኤርትራ፡ መጋበርያታቱ ኣዋፊሩ ፖለቲካዊ ፍሽለቱ ንምሽፋን ኣብ ዘካየዶ ዕጹው ኣኼባታት ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ምስ ወያነ ኲናት ዘይተርፍ እዩ ብምባል ንኲናት ምድላዋት ክገብሩ `ኳ እናሓበረ፡ ብቴለቭዥን ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ግን
ህጹጽ መጸዋዕታ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ዋሽንግተን ዲሲ፣ መሪላንድ ቪርጂንያ ኤርትራን ሰፊሕ ህዝባን ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ዕጥቃዊ ቃልሲ ሃገራዊ ነጻነቶምን ልዑላውነቶምን ኣረጋጊጾም ከብቅዑ፣ ብሰንኪ ውልቀ ምልካዊ ጉጅለ፣ ክቡር ህዝብና - ህዝባዊ ሓርነትን ራህዋን ሰላምን ከይረኣየ ንዓሰርተታት ዓመታት ክሳቐ ጸኒሑ። ንብዓል ነጎዳ ብሓዊ ደብሶ ከም ዝበሃል፣ ነቲ ብኸብድ መስዋእቱ ዘረጋገጾ
ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ ዋሺንግቶን-ዲሲን ከባቢኡን ኢመይል: together.for.justice.dmv@gmail.com ተሌፎን: (202) 677-5880 መበል 28 ናጽነት ኤርትራ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ንፍትሒ ዋሺንግቶን-ዲሲን ከባቢኡን ንዝኽሪ መበል 28 ናጽነት ኤርትራ፡ ናይ ክልተ መዓልቲ መደብ ኣዳልዩ ከም ዝሎ ብሓጎስ ይገልጽ። እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ኣብ መላእ ኣሜሪካ ተመስሪተን ብዘለዋ ማሕበረኮም ኤርትራውያንን ጉጂለታትን ዝግበር ዘሎ እዩ። እዚ ንህላወ ሃገረ
ናብ ኢድ፡ ‘ከምዚ ዶ ዝኸውን መሲሉና!” እናበሉ ዝሓልፉ ድያ ትምለስ ዘላ’ዛ ሃገር!! ካልኣይ ክፋል ሰላም ኣሕዋት። እስከ ንተሓታተት። እዛ ናጻን ልኡላዊትን እናበልና ንምክሓላ ሃገርና፡ ኣብ ኢድ፣ ሓሉ ዝበሉዎ ዘጥፍእ! ሓደራ ዝበሉዎ ዝጠልም! ሃገሩ ክዝመት ዝዕመት! ትውልዲ ድያ ወዲቓ ዘላ? ክሳብ መኣስ ኢዩኸ ህዝብና ግዳይ ተበለጽትን ኣታለልትን
8 መጋቢት ኣህጉራዊ በዓል ደቀንስትዮን ኵናት ተጎርባን፣ ብኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ብድምቀት ከቢሩ። ኤርትራውያን ተቐማጦ በይ-ኤርያ ካብ ሳንፍራንሲስኮ፣ ሳንሆዘ፣ ሳንታሮዛን ካልኦት ከተማታትን ተጓዒዞም ዝተሳተፍዎ ድርብ በዓል ብ9 መጋቢት 2019 ዓ.ም.ፈ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ ብኽብሪ ተዘኪሩ ኣምስዩ። እቲ በዓል ብሓልዮት እቲ ንዅሎም ኤርትራውያን ዘጽልል “ማሕበር በይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንዲሞክራስያዊ
ሓደራ ኤርትራዊ፡ ናብ ኣሕዋትካ ጥይት ኣይትትኩስ ኩሉም ውልቀ መለኽትን ስሱዓትን ስርዓታት፡ ኣብ ድሮ ውድቀቶም ዝፍጽምዎ ቀንዲ ሕሱር ገበን፡ ህዝቢ ንሓድሕዱ ንምንቋት፡ ካብ ቀዳምነታቱን መኣዝኑን ስሒቱ ብጽልኢ፡ ብምጥርጣር፡ ኣብ ዓደይ ዓድኻን ሃይማኖትን ከምዘተኩር’ዩ። ስርዓት ህግደፍ’ውን ናይ መዋእልና ብሰይጣናዊ ተግባራቶም ዝኸፍኡን ዝጨከኑን ስርዓታት ስለዝኾነ፡ ከም መቀጸልታን መዛዘምን ውድቀቱ፡
Berhane 5th Message – March 15, 2019 ክቡርን ፍቁርን ሐወይ ብርሃነ፡ ብርሃነ ሐወይ ከመይ ትኸውን ኣሎኻ - ጸጋ ጥዕናኻ ሞራልካ? ብሓቂ ድሃይ ኣጥፊኤልካ እንተኾነ ንስኻን፡ ሕጂ ምሳኻ ዘለውን ዘለዋን ቅድሜኻ ዝተዳጎናን ዝተዳጎኑን ኣብ ሓሳበይ ወትሮ ምሳይ ኣለኹም። ብርሃነ ሐወይ፡ ኣብዛ ደብዳቤይ ኣዚእ ክልተ ነገር ክጠቅሰልካ’የ፡ ቀዳማይቲ፡ ኣሽምባይ’ዶ ንስኻ
ትርጉም መንነት ሃገርና ኤርትራ ፍጹም ዘይሃስስ`ዩ ዝዓዘዘ ፍቕራ ሃየ! ብሓድነትና ንምለሶ ልዑል ክብራ!!! ዑቕባይ ገብረመድህን (ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰተስ፡ ሕ.መ.ኣ.) መጋቢት(March) 9፡ 2019 ********* ንኽብሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ቦስቶን ዝተነበበት። ኤርትራዊት እንተ ነዲራ፡ የብላን መላሲ! ንርስቲ ዝተባህለ ይዋጋኣላ ኣንስቲ ዓሚቝ ሓቂ ዝሓዘለ`ዩ፡ ልቦና ካብ ጥንቲ ምስክሩ`ዩ ዝኸፈልኦ ልዑል መስዋእቲ። ኤርትራዊት ሓቛፊት`ያ ብዙሕ መርኣያ ከም ኣደ ለጋሲት ፍቕሪ ሓልዮት
ድሃይ ሓዳስ ኤርትራ፡ 14.03.2019፡ ከምቲ ወለዲ ንዘይተወልደ ዕሸሎም ዝትምነዩሉ ነበረ ስዉእ ትኩእ ይሕደጎ ድማ ነታ ንናጻነታ ዝተሰለፈላ መጻኢት ሃገሩ ከይኮነት “ሓዳስ ኤርትራ” ክብል ዝሰየማ። ንሱ ምእንቲ ንሳ ክውንቲ ክትከውን ሂወቱ ተበጂዩላ። ስለኡ’ዩ’ውን እ’ቲ ምእ ንታኣ ኩሉ ነገሩ ዝኸፈለ ህዝቢ ድሕሪ ናጽነት ራእን ሕድርን ትኩእ ኮነ ካልኦት
ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን ብዝብል ኣርእስቲ፡ ዕለት 08.-10.03.2019 ኣብ ከተማ ፍራንክፉርት/ ሃገረ ጀርመን (Johan Wolfgang Goethe Universität) ብልዙብን ዕዉትን ኣገባብ ሰሚናር ተኻዪዱ። ሰሚናር ብቛንቛታት ዓረብን ትግርኛን ተኻይዱ። [gview file="https://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2019/03/PR_8.March-2019-Initiative-of-Eritrean-Mother-in-Europe-3.doc-both-language.pdf"]
ዶር. ገብረ ገብረማሪያም ቀዳማይ ክፋል መቸስ፡ ወዲ ሰብ ማሕበራዊ እንስሳ ኢዩ ክባሃል ሰሚዕኹም ትኾኑ። እዚ ማለት ካኣ፡ ወዲ ሰብ ብሓባር ተጠርኒፉ ዝነብር ፍጡር ኢዩ ማለት ኢዩ። እቲ ጥራናፈ ካኣ ከከምደረጃታቱ ብዙሕ መልክዓት ዝሓዘ ክኸውን ባህርያዊ ኢዩ። እዚ ማለት፡ እቲ ጥራናፈ በዞም ዝስዕቡ ደረጃታት፡ ከም ኣብነት፡
ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ ብዓል ደቀ-ኣንስትዮ 2019 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) መተሓሳሰቢ፦ እዚ ጽሑፍ እዚ ንዓለም ለኻዊ ብዓል ደቀ’ንስትዮ ሸሞንተ መጋቢ ንምዝካርን ብኡ ኣቢልካ ክኣ ምስ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዘበነ ህግደፍ ዘላቶ ክውንነት ኣዛሚድካ ናይ ሓባር ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ንምክያድን ዝዓለመ ኰይኑ፡ ናብ ዝተፈላለየ ቦታት ብዓል ሸሞንተ መጋቢት ዝካየደሉ
ከም ግብረመልሲ ናይቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ንዕቀትን ብድዐን ዝበዝሖ ርክብ ተቖጢዑ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ከይለዓዓል ብፍርሒ ተዋሒጡ ዝርከብ ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብ ኣኼባ ዘይተረኽበ ናይ ኩቦን ካርድ ክሕደግ እዩ ክብል እናፈራረሐ፡ ንኩነታት ብቐረባ ንምክትታልን ህዝቢ ንምቁጽጻርን፡ ንህዝቢ ኣስመራ ብቐጻሊ ግዱድ ኣኼባታት ላዕልን ታሕትን የብሎ፡ ንመንእሰያትን
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ወዱ ኣብርሃም ኢሳይያስን ታደሰ ጠዓመ ዝብሃል ካብ ወጻኢ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ኤርትራዊ ተሻሪኾም ብስም ሕክምና መንሽሮ ኣብ ኣስመራ ኣብ 2016 ኣብ ዝኸፈቱዋ ዘይሕጋዊት ሕክምና ህይወት ብዙሓት ንጹሃት ኤርትራውያን የጥፍእ ከምዘሎ ኣባላት ሚኒስትሪ ጥዕና ናብ ቴለቭዥን ኣሰና ኣብ ዝለኣኹዎ ሓበሬታ ኣገንዚቦም። እቲ ሞሎኲላር
ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ኬንያ ዝተበገሰት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሎሚ ንጉሆ 10 መጋቢት 2019፡ ሰዓት 8፡44 ንጉሆ ብናይ ኢትዮጵያ ኣቆጻጽራ ኣብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ (ደብረዘይት) ድሕሪ ምውዳቓ ኣብኣ ተሳፊሮም ዝነበሩ 157 ተጓዓዝትን ኣብረርትን ብምሉኦም ከምዝሞቱ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብታ መንገዲ
ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይተዓጽወ ፋይል ናይ ልዕሊ ክልተ ዓመት ደማዊ ኩናትን ናይ 18 ዓመታት ኣይሰላም ኣይኩናት ምፍጣጥን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ዓቢዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምሕኳር፡ ኣብ ሓምለ 2018 ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ተመሊሱ ተባሂሉ፡ ብውሽጥን ብደገን ብዙሕ ኣቃልቦን ተስፋን ረኺቡ። ከምዝፍለጥ ናይቲ ህይወት
እዋን "ይኣክል" እንቋዕ ኣብጸሓና – እቲ "ይኣክል" ክበሃል ዘለዎ ግን እንታይ ኢዩ? "ሓንቲያ ዘየደኦምስ ሓደ ቆሎ ይብል ሓደ ጥጡቖ ይብል" ግን ኣይንግበሮ ኣብዚ እዋን'ዚ፣ እዛ "ይኣክል" ትብል ቃል ብደገፍቲ መንግስቲ ኢሳያስ ይኹን ብተቓወምቲ መንግስቲ ኢስያስ እዋናዊት ጭርሖ ኮይና ብተደጋጋሚ ክትቃላሕ ትስማዕ ኣላ። እዛ ቃል እዚኣ ብክልቲኡ
ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ምምራጽ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተርን ስዒቡ ዝተራእየ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ምቕባልን፣ ናይ ሰላም ኣዋጅ ምቅልሑን ንህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ዓብዪ ተስፋን ምልክት ሰናይ ጉርብትናን ምፍጣሩ ዝዝከር እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ካብ ሰላምን ርግኣትን ሰናይ ጉርብትናን ከምዝረብሕ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ። ከድምይዎ ዝጸንሑን ዘለዉን እውን ስርዓታት እምበር፡ብህዝቢ ዝተላዕለ
መልእኽቲ ኣብ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ - March 2019 ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ ኣሕዋተይ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝበዓለሉ ጊዜ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራና ኣህጽር ኣቢለ እንሆ ክዛረብ’የ። ቅድሚ ናብኡ ምእታወይ ግን ሓፈሻዊ ታሪኽናን ቃልስናን ዓወትናን ንሕናስ ይትረፍ ክፈልጦ ዝደሊ ህዝቢ
ኣብ ከተማ ባክናንግ ወረዳ ምምሕዳር ሉድቪክስቦርግ ኣብ ላዕልን ታሕትን ደርብታት ብዙሓት ሓደስቲ ኤርትራውያንን ካልኦት ዜጋ ስደተኛታትን ዝነብሩሉ ገዛ ብዕለት 17.02.2019 ኣስታት ሰዓት 18፡30 ድ.ቀ ኢዩ እዚ ሓደጋ ዝተኸስተ። ኣብዚ እዋን እዚ ዳርጋ መብዛሕትኦም ነበርቲ ኣብ ኣባይቶም ነበሩ። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ሓንቲ ኤርትራዊት ሓብትና ምስ ክልተ
“ዝወደይ ዓደ’ቦኻ ኣድሕን” ጻውዒት ናብ ሓለውቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም 04/03/2019 ኣቦይ ባሻይ ዘርኣይ ወለንኪኤል፡ ኣብ ሰገነይቲ ብንግድን ሸቐጥን ዝናበሩ፡ ድግሳ ዝዓዶም ሳልሳይ ወለድኦም ዝረኣዩ ናይ ዕድመ በዓል ጸጋ ኢዮም። ቁሩብ ዓመታት ድሕሪ ምሕራር መላእ ኤርትራ ኢዩ። ናይ ናጽነት ሆይ- ሆይታ ኣጸቢቑ ዝሃሰሰ ኣይመስለንን። ብዙሓት
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ ነቲ የማነ ገብርኣብ (ማንኪ) ካብቲ ኣብ ዓዲ-ሃሎ፡ ዘይወግዓዊ ሽፍታ ኮይኑ፡ ብፍርሃት ተሾጊጡ ዘሎ ዓምኡ ውልቀ- መላኺ ኢሳይያስ ዝተዋህቦ ኣጀንዳ ፡ ብዕለት 27/01/2019 ምስ ላዕለዎት ኣባላት ህግደፍ ኣብ ዳያስፖራ ብመራኸቢ ብዙሃን ዝኾነ ፓል-ቶክ ኣብ ስካይፕ ዝገበሮ መቀጸልታ ናይቲ ሱር ዝሰደደ ላግጫኣዊ ኣኼባኡ፡ ከም ዘሎዎ
ምስ ህሉዋት ተመንዩዎ ምስ ሬሳታት ዝብኣስ ኣረሜናዊ ስርዓት ኢሳይያስ! ዘሕዝን ዛንታ ናይቲ ሬስኡ ናብ ኤርትራ ምእታው ተኸልኪሉ፡ ሎሚ 1 መጋቢት 2019 ኣብ ማንቸስተር ሓመድ ኣዳም ዝለበሰ ነፍሲሄር ተጋዳላይ ተስፋይ ብርሃነ (መቓድሾ) ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ወዲ 18 ዓመት ከሎ ናብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፉ ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ግቡኡ
[gview file="https://archive.assenna.com/wp-content/uploads/2019/03/Amharic-Article-ML.pdf"]
ኣርእስቲ መታን ከይነውሓና፡ ብሕጽር ዝበለ፡ ኤርትራ ብደገፍ ኣመሪካን ናብ ረብሓ መሓዙታን፡ ንጉስ ሃይለስላሴ ናይ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 1962 ብወግዒ ነቲ ካብ ፈለማኡ ዘይምዕርሩይ ፈደረሽን ኣፍሪሱ ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ኣዊጁ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኩሉ ሰላማዊ ኣገባብ ተጠቂሙ ጸማም እዝኒ ምስተዋህበን ሕቶኡ ብሓይሊ ብረት ምስተመለሰሉን፡ “እምቢ ንጎበጣን
ኣብ ቀዳምይ ክፋል፡ እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኢሳያስን ዶ/ር ኣብዪን ዘሎ ምስጢራዊ ፍቕሪ ናብ ጽልኢ ከይቕየር’ሞ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኢሳያስን ነብሰሀር መለስን ዝነበር ኩነታት ከይደግሰና ንፈርሕ ኢልና ነርና። እቲ ሕጂ ክንፈርሖ ዘለና “ደግሲ” ግን፡ ኢሳያስን ዶ/ር ኣብዪን ከይጻልኡ’ሞ፡ ንኤርትራን ንኢትዮጵያን ካኣ ናብ ዳግማይ
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዛዕባ ጉዳያት ኤርትራ ክዛረብ ውክልና ከምዝሃቦን፡ ኤርትራ ክፍሊ ሃገር ኢትዮጵያ (Province ኢትዮጵያ) ክገብራ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ከም እተሰማምዐን፡ ሓደ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ፡ ንናይ ሕብረት ኤውሮጳ ክኢላታት ፋይናንስ ከምዝገለጸሎም ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ። እቲ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ነቲ
ውዲት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንምብራስ ልኡላውነት ኤርትራ ተጋሂዱሉ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ስጉምቲ ክወስደሉ ፊንፊን ይብል ከምዘሎ ተገንዚቡ ኣብ ራዕዲ ዝርከብ ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ዞባ ማእከል ማለት ኣስመራን ከባቢ ዓድታትን ንዝርከቡ ተወጣሕቲ ብሽግለታ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ለካቲት ቁጽሪ ሰሌዳ (ታርጋ) ከውጽኡ ብጥብቂ ኣዚዙ። ነቲ ኣገዳሲ ምልክታ
ብጹእ ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም ሊቀነ ጳጳሳት ዘመንበረ ኣስመራ ኣብቲ ቅድሚ ትማሊ ቀዳም 23 ለካቲት ዝተኸብረ ክብረ ብዓል ኪዳነ ምህረት ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝሃቡዎ ስብከት፡ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ነባሪ ሰላም ዘምጽእ ዕርቂ፡ ኣብ ናይ ልቢ ጸጸትን ጣዕሳን፡ ይቕረ ሓድሓድን ዝተመርኮሰ፡ ንፍትሒ ዘይጐሲ፣ ንተበዳልን ንበዳልን ዘሳትፍ ንህዝብን
ሓድሽ ምሕዝነት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምሕዋስ ስዉር ናይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ሸርሒ 2ይ ክፋልን መወዳእታን ወታሃደራዊ ሓይልን ጸጥታዊ ድሕንነት ሃገርን፥ እዚ ስርዓት ኮነ ኢሉ ነቲ ዝተመኮረ ዝናዊ ትካል ስለያ በመደብ ከም ከም ዘፍረሶ ይዝከር። ንገለ ምኩራት ወታሃደራዊ መራሕቲ ዝነበሩ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ፡ ንኩለን
ኣብቲ ንናጽነት ዝተገብረ ነዊሕን ጽንኩሩን ተጋድሎ፡ ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ዝነብር ዝነበረ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻወቶ ተራ መዋዳድርቲ ኣይርከቦን ኢዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ቑልዒ ሓዊ ገድሊ ከይጠፍእ ደጒሉ ዘሕደረ፣ ሰውራ ዘዕቖበ፣ ተጋዳላይ ዘዐንገለ፣ ምስጢር ሰውራ ዝዓቀበ፣ ሂወት ደቁን ሂወቱን ንሰውራ ዝለገሰ፣ ንጸላኢ ብዘይዕጥቂ፡ ብጥበብን
ዋሕለልና ክብላስ ዳዊት ይሓጽባ! 20,02,2018፡ ኣብዚ ቅንያት’ዚ ባህር ስነጥበባዊ ዶ/ር በረኸት መንግስተኣብ ጉጅለኡ መሪሑ ኣብታ ናይ ጥንቲ መግዛእታዊት ከተማኡ ንምብጻሕ ከምዝኸደ ሰሚዐ። ብዛዕባ “እኒመን’ዮም መጓዕዝቱ” ዝባሃል ሕቶ ገዲፈ ዑደት ከምሽሙ ’ዑደት’ ጥራይ ይሰ መ’ምበር ዓይነቱ፣ ምኽኒያቱን ደረጃኡን ከምዝፈላለ ግና ንኩልና ቡሩህ ከምዝኾነ ብምግማት፡ ነዛ ናይ ሎሚ
ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ደቂ ሃገርና፥ ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ንዕለት 24 የካቲት 2019 ዓ.ም.ፈ. ሰዓት 2 ድ.ቀ. ዝጅምር ኣብ ግዝያዊ ኩነታት ሃገርና ኣመልኪትና ክንዛተ፡ ሕዝባዊ ኣኼባ ክነካዪድ ስለዝኾና፡ ኣብዚ ኣኼባ`ዚ ክትሳተፉ ብኽብሪ ንዕድመኩም። ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ እንዝትየሎም ነጥብታት እዞም ዝስዕቡ የጠቓልል፥ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተኣዊጁ ዘሎ ሰላምን፥ ንሕዝቢ ኤርትራ
ሰላም ኣሕዋት። እስከ ንተሓታተት። ህዝብና ብኸመይ ኣብ ምድራዊ ገሃነብ ወዲቑ ከም ዘሎ ክንፈልጥ ንጽዓር። ኤርትራውያን ዝፈትዉዎም ወለዶምን ሃገሮምን ራሕሪሖም፡ ይስደዱን ይሃድሙን ከም ዘለዉ ዘይሰምዐን ዘይረኣየን የለን። ዝገርምን ዝሕዝንን ከኣ፡ ቅድሚኦም ዝተሰዱ፡ ንጠፍእ ኣለና! ዝብል ኣውያቶም እናሰምዑ፡ ከማና ብሓዊ ከይትቓሉ! ከይትሽየጡ! ካብ ዓድኹም ከይትወጹ! ዝብል ስምዕታን