Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃይማኖታዊ  ፖለቲካ፡ -ፍትሒ-                                  03-11-13 ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ እንዃዕ ብኣጋጣሚ ናይ ላምፐዱዛ ፍጻመ፡ ናብዚ ናይ ሎሚ ናይ ሰምበት 03/11/13 ጋህዲ ዶግዓን ጾሎተ-ፍትሓትን ናይ ኩሎምን ናይ ኩሉጊዜን ኩሉ ዓይነት መስዋእትናን ኣውያት ረመጽ ድጉል ሰፊሕ መደብ ጥፍኣትናን ንድርጓሓሉ እዋን ኣ ብጸሓና!! ትንግርቲ መጋርያ ህዝባዊ ናዕብና ልዕሌና ዓለም ስለእትፈልጦ እንታይ ዓዚምና ኣዚምና

READ MORE

ብ23 መጋቢት፡ ‘ ካብ መራሕቲ ሰራዊት ኤርትራ’ ብዝብል ብርዒ ስም ተጻሒፉ ዝተላእከልና፡ “መንግስቲ ህግደፍ ካህናትን ደናግልን ናብ ሳዋ ክወርዱ ዘመሓላለፎ ሓድሽ ትእዛዝ ብካቶሊካዊት ቤተ ክርስታያን ተነጺጉ” ዝትሕዝቶኡ፡ ኣብ ዓምዲ ደብዳበታት ዘውጻእናዮ መልኽቲ ተኸታተልትና፡ “ጳጳስ ናይ ካቶሊካዊ መንበረ ጵጵስና ኣስመራ፣ ኣቡነ  መንግስተኣብ  ተስፋማርያም፡ ብወግዒ ከም ዝነጸግዎ

READ MORE
POST TAGS:

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ቀጺልና ደጊም፡ ንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ን-ቀዳም ዕለት 19.12.2009 ዓ.ም.ፈ.፡ ካብ ማሓዙ ኣሰና ዶት ኮም፡ ከም ክቡር ሓው ኢሳያስ ስዩምን ተስፊት ክፍሉን፡ ኣጋይሽ ናይ (Eritrean room for strong and united opposition) ኮይኖም ከምስዩ፣ እሞ፡ “ንምሕያልን ምትብባዕን ነጻ ናይ ዜና ማዕከን“ ዝብል ኣርእስቲ፡ ከም ዋና ዛዕባ ኣልዒሎም፡ ምስ ህዝቢ ክዛተዩ ዓዲምናዮም አሎና።

 

placeholder

ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ ትዕግስቱ ተወዲኡ፣ ጥራይ መድረኽ ዘቓልጥፈሉ ኢዩ ዝደሊ ዘሎ። ብሓቂ እዚ ብዘይካ ክሰርሕ እምበር፣ ሽመት ኣብ ኣእምሮኡ ዘይስቖሮ ህዝቢ ተላዒሉ ስለዘሎ ኣሰናኮም ዝህልዋ ተራ ዓቢ ከምዝኸውን በቲ ‘እተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቕሎኣ እፈልጣ’ ዝብል ብሂል ሃገርና ክገልጽ እፈቱ። እንተዘይኮይኑ ህዝብና ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዝርከብ ንምቅልጣፍ ናይዚ ጨኻኒ ስርዓት፣ ሓንትን ክልተን እምኒ ካብ ምድርባይ ድሕር ከምዘይንብል ብምሉእ ሕልና ከረጋግጽ እፈቱ።

 መርበብ ኢንተርኔት ኣሰና ድማ፡ እዚ ጽምኢ ቅኑዕ ሓበሬታ ቀራዕ ዘብሎ ዘሎ ህዝብና ዝረውየላ፡ ዕለት ዕለት ሓሓድሹ እትፍልፍል ተወሳኺት ዒላ ኮትኮነሉ፣ ነዚ ጥሜት ድሃይ ኣሕዋቱ ሃለፍ ዘብሎ ዘሎ ክፋል ድማ፡ መኣዲ ሓበሬታ ክትኮነሉ እንዳተመነና፣ ኩሉ ብጉዳይ ህዝቡን ሃገሩን ዝሓምም ዜጋ፡ በቲ ዝኽእሎ ዘበለ ክተሓገገዛ፣ ልቦና ዝሓዘለ፡ መሃርን ኣተባባዕን ጽሑፋት ብምልጋስ፣ ቅኑዕ ሓበሬታ ብምልኣኽ ክደጋገፋ፡ ንምሕጸን፡፡ ንሕና ብወገንና ድማ፡ ነዛ ጠራናፊት ኣሕዋት፡ ኣኻኻቢት ብጾት፡ ጸጋዊት ፍልጠት ክትከውን እንምነያ ሓዳሽ መርዓት፡ ባህ እንዳበለና፡ በታ ዓቕምና ከም እንደጋገፋ ንሕብር፡፡