Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህጹጽ ጻውዒት ብስም ኤርትራውያን ግዳያት መቕዘፍቲ ባሕሪ ላምፐዱዛ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም እንርከብ ኤርትራውያን በዚ ኣብ ባሕሪ ላምፐዱዛ ወሪዱና ዘሎ መሪር ሃገራዊ ሓዘን ህልቂት ኣማኢት ዜጋታትና፣ ከም ሃገራውያን ኤርትራውያን፣ ተቓወምትን ደገፍትን ተባሃሂልና ከይተፈላለና፣ ያታናን ልምድናን ብዝፈቕዶ መሰረት፣ ሬሳታት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናብ ኤርትራ ተመሊሱ ከም ንቡር ሓመድ

READ MORE

ኣብ ገምገም ባሕሪ ላምፐዱዛ፣ ብ3 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጋጠመ መቕዘፍቲ፣ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘስዓቦ ሓዘንን ሕርቃንን ናብ ናዕቢ ድሕሪ ምስግጋሩ ፖሊስ ቶኽሲ ብምኽፋቶም ናይ 4 ስደተኛታት መውጋእቲ ከምዘጋጠመ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። እቲ ትማሊ 6 ጥቅምቲ ማይ ዓይኒ ኣብ ዝተባህለ መዓስከር

READ MORE

ህ.ግ.ደ.ፋውያን ንምዃኑ ኸ ሰብ ዲኹም? ብወልደየሱስ ዓንደማርያም ኩሉ ግዜ ኣብ ፈቐድኡ መናድቕ ጎደናታት ሳንፍራንሲኮ ዝርእዮ፡ ታሪኻዊ ሙራል ካህን ኤል ሳልቫዶር ዝነበረ ኣሎ። ሓደ ካብቶም ሙራል ፋዘር ኦስካር ሪሞሮ፡ ጎረቤቱ ንሓውና ኣቶ ጸጋይ ኣሰፋው (ወዲ ብላታ) ፍትሓት ዝግበረሉ ዝነበረ ቦታ ተቐቢኡ ይርአ። መዓልቱ ትማሊ ቀዳም ኮይኑ ኣብ ፍትሓት

READ MORE

ወየ! ኣነ!!! ወየ! ኣነ!!! ወየ! ኣነ!!!   ኣንታ እንታይ ተረኸበ ሎሚ ቕነ ማእከልይ ባሕሪዶ ዘቕበበ በለ ኣነኣነ ንዋርሳይ ወዲ ይካኣሎዶ! ኣማሰነ ዓለም ብዓለሙ ኩነታቱ ኣሕዘነ።   መንእሰይ ሃገረይ ረጋጽ ዓፍራ ዋርሳይ ዝብሉኻ ረኻቢ መከራ ውልድ ምስ በለ ሃገር ተሓሪራ ንዓወት ዘይኮነት ንመከራ ዕድሚኡ ከይሸወት ሓሪራ ናይ ጥልመት ሰፈር መፈንጠራ ሳዋ ትባሃል መደበር ተቖርቑራ ንኹሉ ተደንቑር ብሓበራ ኣደታት ዓለላ ደጊመን ጨደራ ዉላደን

READ MORE

ልበይ እንክነብዕ፤ ንሕዘነሎም ንግዳያት ውቅያኖስ ባሕሪ ንንባዓሎም ንናይ መጻኢ ሕድሪ በዚ ዘይሓዝን ዓገብ ንበሎ ነውሪ። ቀላያት ኣይኮኑን ተውሳኺቱ ባሕሪ ህግደፍዩ ህግደፍ ሓዊ መሳወሪ ደቁ ሓቚፉ ንኻልኦት መባረሪ። ፍታሕ መሲሉዎ ስደት ዝመረጸ ንሞት ዘማዕደዋ ካብ ቤቱ ከይወጸ ጉዕዞኡ ይጅምር ኣብ ብልሒ መላጸ። ሕጂ ኣብ ባርነት፡ ጽባሕ ኣብ ሕልፈት ሞት ክነብር ዘይመረጸ ኣብ ሕስረት ኣብ ውርደት ዝረኸበ ይርከበኒ ኮይና

READ MORE

  ንስሓ ተጋዳላይ ኣያታትና ገድሊ ምሂሮምና “ኩንታል በሊዕካ ምጻእ” እናበሉ ሳላ ዘትብዑና… ተዓዊትና ካብ በረኻ ኣቲና ከተማ ንሕና… ዘይከም ኣያታትና ሕድሪ ጠሊምና እሾኽ ምድርቤት ዘሪእና ኣሕዋትና… ደቅና… መለሳ ኣደራዕ ሞት መሪጾም ኣብ ባሕሪ… ኣብ ሲና ሕጅስ ተጣዒሰ ዘኪረ… ስዉኣት ሳሊና ሙዃኑ ኣሚነ እቲኦም ኣንጻር መግዛእቲ እዚኦም ኣንጻር ጭቆና ብሰላም

READ MORE

CNN ኣብ ጽባሕ ሓደጋ ጃልባ ስደተኛታት፣ መንግስቲ ጥልያን ሎሚ ዓርቢ 4 ጥቅምቲ ሃገራዊ መዓልቲ ሓዘን ኮይና ክትውዕል ኣዊጁ። ገለ ካብቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ከም ንወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሩዎ፣ ሞተረ ናይታ ጃልባ ሃንደበት ምስራሕ ምስ ኣቍረጸ፣ እቶም ስደተኛታት ኣቓልቦ ክረኽቡ ኳ እንተተስፈዉ፣ ብከባቢኦም ዝሓልፉ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሳ ኣይሓግዙዎምን።

READ MORE

ንሰንበት ዕለት 6.10.13 ነቶም ብሓደጋ ኣብ ባሕሪ ጥሕሎም ኣብ ግዜ ንእስነቶም ሂወቶም ሲኢኖም ዘለዉ ኣሕዋትናን፡ ኣሓትናን፡ ክም`ውን ደቅና፡ ኣብ ኦስሎን ከባቢኡን ንርከብ ኤርትራውያን ብሓባር ዝኽሪ ንኽንገብረሎም መደብ ወጺኡ ስለ ዘሎ፡ ኩሉ ዝጥዕሞ ዘበለ ኤርትራዊ ኣብ`ቲ ቦታ ክርከብ እዕደም ኣሎ። ዝኽሪ ዝጅመረሉ፡ ስዓት 18.00 *ሹዱሽተ ናይ ምሸት

READ MORE

ጠፊኡና ብልሓቱ እንታይኹን ንምሸቱ ተስፋማርያም ወ/ጊኦርጊስ 05/10/2013 Norway ብናተዮም ዝበሎም ምስተዋረደ ዝፈትዋ ዓዱ ገዲፉ ንሞት ተፈርደ ቀለብ ዓሳ ኮነ ዘይተጸበዮ ዝገደደ ጉድምበር ረኺባ ኤሪትራዊት ኣደ   ባሕርን ህግደፍን  ኣጽኒቶሙና ብጃምላ ከም ኣራዊት ተጓሒፍና እምብዛ በዚሑ ምሒር ደንጽዩና መርገም ድዩስ እንታይ ክንብሊና   ዝወለደት ማህጸን ታይኮን ትብላላ ደቃ ዘፋነወት ካብ ህግደፍ ከዋዊላ ሰላም ምስ ሳኣኑ ምስ ጸበባ ዓቕላ ንጀነራታት ሸፋቱ ዝኸፈለት ከፊላ   መስኪ ኣቦኸ

READ MORE

ዕለት 04.10.13 ዓዲ ጸልሚታ፡ ብሸፋቱ  ተበትቢታ፡ ህዝብና ሲኢኑ ዋልታ፡ ኩላ ናብ ስደት ተጓቲታ።   ጓል ኣብ  ዓዳ ትድፈር ፡ መንእሰይ ብበትሪ ይድከር፡ ሄሊኮብተር ኣዳሰር ይእሰር፡ ተፈሪድዎ ኣብ በረኻ ክሰፍር።   እነተ ቐጺሉ ከምዚ’ሉ፡ መናእስይ ብሂወት ኣለና ኣይትበሉ፡ ወይ ጅግንነት ፈጽሙ ወላ ተማህለሉ፡ እዛ ሃገር ግን ኣይትግደፍዋ ንዓዋሉ።   መፍትሒ  ሃለዋትና እንታይ ይኹን፡ ኩሉ ገንዘብና ናብ ሸፋቱ ይባኽን፡ ይመስለና ኣሎ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ነድሕን፡ ፍታሕ ግን

READ MORE

ባሕሪ! ግደፍ’ባ ባሕሪ ሎምስ ይኣኽለካ ህይወት ኤርትራውያን ጌርካዮ ቀለብካ *ዓዳይት ኣይተምክን ውላዳ ቀዚፍካ     *ኣረሓሒቓ እትወልድ ሰበይቲ ዓቐኑ ከይጎድል ኪትዕቅብ ምልኣትካ ብንብዓት ኣደታት ወሓይዝ ፈጢርካ! ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ለውጢ ከየምጽእ ምልኪ ዚቐሰቦ ናብ ስደት ኪወጽእ ኣብ ፈቖዶ በረኻ ምድረ በዳ ኣጻምእ *ዕንደ ዝደበዮ ከም እሾኽ ዚወግእ         *ሑጻ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ብኾንቱ ከጠፍእ መስኪን ኤርትራዊ ስኢኑ መዋጽእ! ዜጋታት’ዛ ሃገር ሰብኣይ ምስ

READ MORE

ኣስታት 500 ስደተኛታት ሒዛ ናብ ከባቢ ላምፓዱዛ ትኣት ዝነበረት ጃልባ ብዘጋጠማ ሓደጋ ዛጊት ብውሑዱ 70 ስደተኛታት ሞይቶም ከምዘለዉ፣ ኣቲ ናይ ምድሓን መስርሕ ኣብዚ ኣዋን’ዚ ይቕጽል ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ዓዲ ጥልያን ሓቢሮም። ቁጽሪ ምዉታት ክውስኽ ከምዝኽእል ይሕበር። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ እታ ጃልባ ኣብ ገምገም መሬት ክትበጽሕ ሓደ ኪሎሜተር

READ MORE

ንህዝባዊ ግምባር ምሉእ ብምሉእ ኣባሉ ክኸውን ዝወስንኩ፣ ብዕለት 05 ነሓሰ 1977 ዓ.ም ኣብታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ዓዲ ዓስኪሩ ዝነበረ፣ ብሓደ ሻምበል ገበየሁ ዝበሃል መኮነን ዝምራሕ ሓደ ሻምበል ሓይሊ ጸላኢ ደምሲሱ፣ ምሉእ ብምሉእ ምስ ተቖጻጸራ ኢየ። [gview file="http://demo.archive.assenna.com/wp-content/uploads/2013/10/ኣውራጃዊ-ፖለቲካ-5ይ-ክፋል.pdf"]

READ MORE

ቃል ሓዘን ብገዛኢ ኪዳነ ኣንታ ኣነስ ኣበይ ኢየ ነይረ ከመይ ኢሉ ተሰዊሩኒ’ዚ ወረ መትኒ ናይ ታሪኽና እናተቐብረ  ከመይ ውዒሉ ቀብሩ ንገሩ ኣብዕረ።                             እዋንካዶ ኣኺሉ ኣንታ ዶሞተራ                                    ወያ ብልጽቲ ሓንጎል ዓሪፋ ኣብ ምድራ                           ኣታ እንታይ በለ ህዝቢ ብሓበራ                       ወረ እስከ ሃቡና ደጊዐነ ወገራ                         ኣንቱም ሰብ ወደከለ ሰብ ምራር                             ኣቱም ሰብ ኣከለጉዛይ

READ MORE