Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ካብ ኤርትራ ናብ ስዊዘርላንድ ዝመጹ 2 ላዕለዎት መራሕቲ ኦርቶዶክስ (ጳጳሳት) ኣብ ከተማ ሎዛን ንመራሕቲ ሃይማኖትን ንኣመንትን ንዕርቂ ዝምልከት ኣኼባ ኣካይዶም።

ኣቐዲመ ንኹላትኩም ኣዳለውቲ መደብ ኣሰና ሰላም ክብለኩም ይደሊ። ቀጺለ ከምቲ ኣቐዲምኩም ብራድዮ ኣቃሊሕኩሞ ዝነበርኩም፣ ብዕለት 08.03.2015 ካብ ኤርትራ ናብ ስዊዘርላንድ ዝመጹ 2 ላዕለዎት መራሕቲ ኦርቶዶክስ(ጳጳሳት) ኣብ ከተማ ሎዛን ንመራሕቲ ሃይማኖትን ንኣመንትን (ንህዝቢ) ንዕርቂ ዝምልከት ኣኼባ

ኣቐዲመ ንኹላትኩም ኣዳለውቲ መደብ ኣሰና ሰላም ክብለኩም ይደሊ። ቀጺለ ከምቲ ኣቐዲምኩም ብራድዮ ኣቃሊሕኩሞ ዝነበርኩም፣ ብዕለት 08.03.2015 ካብ ኤርትራ ናብ ስዊዘርላንድ ዝመጹ 2 ላዕለዎት መራሕቲ ኦርቶዶክስ(ጳጳሳት) ኣብ ከተማ ሎዛን ንመራሕቲ ሃይማኖትን ንኣመንትን (ንህዝቢ) ንዕርቂ ዝምልከት ኣኼባ ኣካይዶም።
እታ ቀዳመቲ ኣርስቲ ብመልክዕ ሕቶ ናብ ህዝቢ ዘቕረቡዋ መደረ፣ ጠንቒ ዘምርግጋእ ኦርቶዶኩሳዊት ቤተክሪስትያን እንታይ እዩ ትብል ነይራ።
መራሕትን ህዝብን ብወገኖም ኣብ ጀርመን ዘሎ ሃገረ ስብከትን ስዓብቶምን ንእምነቶም ረሲዖም ግን ካኣ ንእምነትና ከም ጉልባብ ብምጥቅም ዋና ኣገልገልቲ መንግስቲ ኮይኖም ብምባል ብትሪን ብቁጠዐን ንቐፌታኦም ኣቕሪቦም። ኣብዚ ብጭብጥታት ኣሰኒዮም ንንብሲወኮፎም ካብ እምነቶም ርሕቆም ንመንግስቲ ኣብ ምደጋፍ ዝነጥፉ ጥራዓኖም ብመርቶዖ ናብ ጳጳሳት ኣቕሪቦም። ብፍላይ ንዋና ጻሓፊ ሃለቃ ክብሮም ነብሲወከፍ መክሮፎን ዝሓዘ ብተደጋጋሚ ብምረት ንቂፉዎ።
ንሱ ብወገኑ ንዝወርዶ ዝነበረ ንቐፌታት ዋላ ሓንቲ መልሲ ከይሃብ ብሓደ ጸግዒ ተጽጊዑ ቀባሕባሕ ክብል ከምዝዋዓለ፣ በቲ ዝወርዶ ዝነበረ ሕርቃንን ምሕንሓንን ብፍርሂ ዝኣክል ተሲኡ ንሽቓቕ ገጹ ኳ ክኸይድ ከምዘይ ደፈረ ኣብኡ ብኣካል ዝዋዓሉ ሓቢሮም።
እቶም ጳጳሳት ኣብ መንጎ ኣቡነ-ማሪቆስን ሃገረስብከትን ኣብ ዝነበረ ምስሓሓብ እቲ ኣማኒ ኣብ ክልተ ተመቒሉ ስለዘሎ ንዑኡ ንምርድዳእ ጠንቁ ካብ ምንታይ ከምዝኾነ ፈሊጥካ ምፍዋሱ ዝብል ኣርእስቲ ሕዝና ኢና መጺና ኢሎም።
ኣመንቲን ህዝቢን ብሕጽር ዝበለ ጠንቂ ምብትታን ቤተክርስትያና ኣብ ጀርመን ዝርክብ ሃገር ስብከትን ሰዓብቶምን እዮም። ስለዚ ደጊምና ክንሪኦም ኣይንደልን ኢና። ይተኣለዩልና ኢሎም። ንመራሒ ሃገረ ስብከት ሊቀ-ካህናት ቐሺ ገብረታቲዎስ ጻሓፊኦም ሃለቃ ክብሮምን ብሓፈሻ ስዓብቶምን ንኽገብርዎ ዝጸንሑ ክፋእን ተንኮላትን ህዝቢ ባዕሉ ነቒሑሎም ክንጽሎም ከምዝጸንሐ ኣብ ‘ቲ ኣኼባ ዝተራእየ ኣንጻሮም ዝቐንዐ ብብዝሒ ነቐፌታታት መርትዖ እዩ። ነዚኦም ዝስዕቡ ኣብ ስዊዘርላድ ቐንዲ በተክሪስትያን ክዘርጉን ክብትኑን ዝጸኒሑ፣ ኣባ ሳንጋልን ተኪኤ ክብሮምን፣ ኣሮው ሃለቓ ስእሉ፣ የናስ ሽም ኣቦ ኣፈለጥኩዎን፣ ሶሎቶሮን ሃለቓ ያቆብ ዳዊት፣ ባዝል ድያቆን ኣማኒኤል ብዙሓት ደገፍቶም ኣሽማቶምን ዘለውዎ ቦታ ዘፈለጥኩዎም ኣለዉ።
እቶም ጳጳሳት ኣብ ሚላኖ ንዕለት 21/03/2015 ዓቢ ኣኼባ ክገብሩ እዮም።
ኣብ ስራሕኩም ዓወት ኣብ ኩሉ ሂወትኩም ጥዕና ይምነየልኩም።
                           ዓውትን ራህዋን ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Hail4 soura March 15, 2015

    ጽቡቕ ዜና። ዓዲ ጥልያን ተዳለው። ብዝበለጸ አገባብ ነቶም ካድራት አቕይሽቲ ብእዋኑ ዝእለይሉ መንገዲ ምጽራግ፤ አብ ቃልዕ ህዝቢ ንኽፈልጦም ምግባር ዋሳኒ መድረኽ ኢዩ።
    አነ ብወገነይ ዝዕዘቦ ብፍላይ አብዚ ዘለኽዎ ከተማ ዘለው ድያቆናት ኩሉም እንተዘይኮኑ እኳ ካድረታት ኢዮም። ሰራሕተኛታት ህግደፍ ኢዮም። ገንዘብ ኢዩ ዕላማ ናብ ህግደፍ ምስግጋር። አብ ከተማ በርሜንግሀም ዓብይ አብነት ክኽውን ዝኽእል ብግልጺ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ብሕጊ ክትሓዝ ዝግብኦ ጉዳይ ኢዩ።

    ህዝቢ እምነቱ ከይገብር፡ አብ ቤት ሻሂ ኮይኖም ነገር ከራጉዱ ዝሓድሩ ናይ ህግደፍ አባላት፡ እሞኸ መብዛሕቶም አስማቶም ክጽሕሩ ዘይክእሉ፡ ክዳን ቀይሮም ሰብ ክመሰደሉ ዝፍትኑ ኢዮም። ንገለ ይውሃት አንስቲ መሳርሒ እናተጠቐሙ፤ አብ ክንዲ ንስሃ አትየን ዝቖርባ ክጻረፋ ዝውዕላ መልክዕን ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጡ፤ ህግደፍ ንኽምዚኦም ዝኣመሰሉ ልቦም ዝተሰልበ ሒዙ ኢዩ ሰብ ዝመቅል ዝውዕል።

    ለውጢ ግን ይመጽእ ስለ ዘሎ፤ ህግደፍ አብ አፍደገ ሞት በጺሑ ስለዘሎ ኩሉ ሰብ ንለውጢ ምቅልጣፍ ክሰርሕ ይግባእ።

  • ኣርዓዶም March 15, 2015

    እዚ ዝመለስክሞ መልሲ ኣይኮነን፡ እቲ ጠንቒ ካልእ ኢዩ፡ ደምበርዶ ገለ ካብቶም ተባዓት ተቓወምቲ ምሳኹም ኣይነበሩን ኮይኖም ኢዮም፡ ጠንቒ ዘይምርግጋእ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን እንታይ ኢዩ ? ክብልኹም ከለውስ፡ ምስ`ቲ ዝበልክሞም ተወሳኺ “ ንስኹም ኢኹም ጠንቓ“ ዘይበልክሞም። ንኣቡነ ኣንጦንዮስ ሊቓነ ጳጳሳት ዘሃገረ ኢርትራ፡ ብዘይ ሕጊ ካብ ስልጣኖም ኣውሪድኩም ስለዝሓየርክሞምን ውግዘቶም ጢሒስኩም ሓጥያት ስለዘውረድክሙልና፡ ኣብ`ዚ ዝለናዮ ሃገርን ኣብ ሃገርናን፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤት ክርስትያን ተነጻጺላ ትነብር ኣላ“ ክትብልዎም ነይርኩም። ንስኻትኩም ግን ተጣራጠርቲ ስለዝኾንኩም፡ ኣብ ሕርቓንን ኣብ ውልቓውያን ሰባትን ኢኹም ኣድሂብኩም። ንብድሕሪ ሕጂ ግን ተቢዕኩም ክትቓለሱን ንሓቒ ክትሕለቑን ይምሕጸነኩም። ተዘይኮይኑ እዚ ሰዲድክሞ ዘለኹም ፍጹም ጥቓ ዓወት ዝቐረረብ የብሉን።

    ኣምላክ ሰላም የውርደልና።

    ኣርዓዶም

    • Tewahedo March 20, 2015

      ኣየ ኣርዓዶም
      መቸም መራሒ ጋንታ ዝነበረካ እንተ ኮንካ ከመይ ከም ዘጠላቀየካ ዘይትዝክር፥ ብዛዕብኡ ምዝራብ`ከ ምዓስ ጀሚርካ ምስ ወጻኻ? እዞም ኣቦታት ጀጋኑ እዮም ነቲ ኣነን፥ ንስኻን ሓሚናዮ ጥራሕ ዝወጻና ይፍታሄ ጉሒፎሞ ድሮ እኮ ንመጀምርታ ግዜ ሕዝቢ እንታይ እዩ እቲ ጸገም ይብሉ ኣለዉ። እዞም ኣቦታት መቸም ከምዚ ከማይ ከማኻ ዝጥጣሕ ኣጣጢሖም ዘይምህላዎም ዝረሳዕካ ትመስል። ዘይስንኻ እምኒ ቆርጥመሉ ኣይቲግበሮ፥ ወይ ድማ ኤርትራ ኬድካ እዛ ዚጸሓፍካያ በሎም እሞ ኣብዚ ኮና ጅግና ክንብለካ ኢና። ካብ ሓለንጊ ኢሰያስ ኣምሊጥካ፥ ነቶም ኣብኡ ዘለዉ ምውንጃል ግን ዓገብ!!!

  • Hilina March 15, 2015

    Aradom,

    Ade welida ade welida Habrom bihaqi Eritrawi tebae eka, you are a teacher, I lear a lot from you.
    Thank you.

    • ኣርዓዶም March 16, 2015

      ሕልና
      ሕልና ወዲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣጆኻ፡ ኩሉ ክሓልፈልና ኢዩ፡ ንሕና ግን እንተስ ምስ ኡ ክንሓልፍ እንተስ ከነሕልፍ ግድን ኣብ`ቲ ሓቒ ረጊጽና ክንምጉት ኣለና።
      ኣጆኻ ጽናዕ ጥራይ! ሓቒ እምበር ሓሶት ስዒሩ ስለዘይፈልጥ፡ ዓወትና ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ናይ ግድን ኢዩ።

      ኣርዓዶም

  • ERITRAWIT March 15, 2015

    B HGDEF telaEkom zmesew see yaye selam kgebrew zeyhseb eu.

  • Tesfit March 15, 2015

    ጠንቂ ምክፍፋል ኦተቤ ኣብ ጀርመን ዘለዉ ኣይኮኑ፣ ኣብ ስዊዝ ዘለዉ ኣይኮኑ። ከምኡ እንተኾይኑ ደኣ ነቲ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ዘሎ ምፍልላይከ ንቶም ኣብ ጀርመን ዘለዉ ዲና ከነልግበሎም፧ ዘይመስልዩ።

    እቲ ቀንዲ ጠንቂ ኣብ ላዕሊ እዩ ዘሎ። እሱ ድማ መንግስቲ ኣብ ዘይምልከቶ ነተን ዘረግቲ የእዳዉ ኣእትዩ ንፓርያርክ ብሓይሊ ቀይሩ ንቤተክርስትያን ስለዝደፈረን ሕጊ ዘይብሉ ምሕደራ ስለዝተኸለንዩ። ፓትርያርክ ናብ ቦቶኦም ተመሊሶም ሕጊ ቤተክስትያን ናብ ቦትኡ ከይተመልሰ ድማ ዝፍወስ ነገር የለን።
    ስለዚ እዞም ኣጋይሽ ኣብ ኤውሮፓ ዘምጽእ ምኽንያት የብሎምን። እታ ፈውሲ ኣብ ኣስመራ እምበር ኣብ ኤውሮፓ የላን።

  • Berhe Domenico March 16, 2015

    Indeed, the solution is in Asmara. Release the one and only Patriarch of the Tewahdo Church, Abune Antonius. He was and will continue reforming the Church, including keeping at bay the mafia Government.

  • Teme March 17, 2015

    When are we going to know that the problem is just one man DIA, nothing more nothing less. And the solution is his demise. Nothing more nothing less.

  • Tekle Haile March 17, 2015

    እቲ ጠንቂ ምፍልላይ ኣብ ሃይማኖት ኮነ አብ ውድባት ሰልፍታት ባዕሉ እቲ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጠሮ እዩ ። ቅድሚ ናጽነት ህዝባዊ ግንባር ንኹሉ ነገር ገቢቱዎ ስለዝነበረ ንዘይተወደበ ንኽውድብ ወይ አብ ህዝባዊ ግንባር ወይ ድማ አብ ተጋድሎ ሓርነት ተወደብ ይብል ኔሩ። ድሕሪ ናጽነት ግዚያዊ መንግስቲ ምስ ኮነ ንኹሉ
    ነገር ገቢቱ ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን ኢሉ ምልኪ አንጊሱ 24 ኣርባዕተን ዓምቱ። ንኤርትራውያን ሓኒቑ ብምሓዝ ሰብ ከምዝስደድ ጌየሩ ። አብ ሃይማኖት ጦብሎቕሎቕ ኢሉ ፈላሊዩ ። ገንዘብ ኤርትራ አብ ስለያ መርበብ ይጠፍእ ። ነኣባ ኣንጦንዮስ ይፍትሑ ንቀደም፡ እዞም መጣቓዕቲ ኣቕሺሽቲ ኣገልገልቲ ምልኪ ኣብ
    ኣንጦንዮስ ኣበይ ኣለዉ ይበሉ ? ንመላኺ ገባቲ ጨፍላቒ ይሕተትዎ። እዚ ገንዘብ ናባይ ዝብል ድያብሎስ

  • Tewahedo March 20, 2015

    Good report, those of who think the problem is the prosecution of abune entonyos, what about the pentecostal? we all know the problem is eseyas, and to make our way to eseyas, starting with hagere sibket is wisely procedure to take. Further, for us guys it’s very is because we are sitting in our sofa with our tablet in our hand it’s just nothing to blame & speak about eseyas or whoever. Let’s not forget this two bishops came from the territory of fire and they will be back to the fire. I understand how easy it is to speak about your merahi ganta after you fled.

POST A COMMENT