Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ECCC ማሕበረኮማትና ስጋብ ምኣስ እየን ሕጊ ኣልቦ ኮይነን ክጋዓዛ!ECAO

ካብ ጉሁይ ኣባል ማሕበረኮም- መ. ተስፋጽዮን               ብዛዕባ ንምንታይ ማሕበረኮማት የድልያና ንዝብል ዳርጋ ኩላትና ብሳላ ሕሱም ተምክሮታት ስደትና ኣዕሪና ዝተገንዘብናዮ ይመስለኒ። ቀደም’ሲ ንደቅና ቃንቃኦምን ባህሎምን ብዓቢኡ ድማ ኤርትራዊ መንነቶም ከነውርሶም ዝብል ኣተሓሳስባ ጥራሕ ከም ቀንዲ ምኽንያት

ካብ ጉሁይ ኣባል ማሕበረኮም- መ. ተስፋጽዮን              

ብዛዕባ ንምንታይ ማሕበረኮማት የድልያና ንዝብል ዳርጋ ኩላትና ብሳላ ሕሱም ተምክሮታት ስደትና ኣዕሪና ዝተገንዘብናዮ ይመስለኒ። ቀደም’ሲ ንደቅና ቃንቃኦምን ባህሎምን ብዓቢኡ ድማ ኤርትራዊ መንነቶም ከነውርሶም ዝብል ኣተሓሳስባ ጥራሕ ከም ቀንዲ ምኽንያት ኣድላይነት ምትእኽኻብና ገይርና ክንወስዶ ድጸናሕና ይምስልኒ። እዚ ድማ ካብቲ ካብ ካልኦት ስደተኛታት ካናዳውያን ንነብስና ከም ፍሉያት ወሲድና ንሃገርና ክንምለስ ንኽእል ኢልና ንነብስና ብጉጉይን ኣጉልን ኣተሓሳስብና ኣኢሚና ክንጋዓዝ ስለዝጸናሕና ኢና። ናይ ስደት ነገር ኮይኑ ግን ሓደሽቲ መንእሰያትና ዝፈትውዎም ስድራቤቶን ሃገረሙን ራሕሪሖም ንስደት ዘምርሑ ድኣምበር ካባና ንሃገሮም ዝምለሱ ኣይርኣናን።

ነዚ ሓቂ’ዚ ድማ ከነስተንትነሉ ኣይኮነና ዘሎና። ምኽንያቱ ዝሓለፈ ጌጋ ሰለዘይምለስን ተጣዒስካ ድማ ዝርከብ ፋይዳ ስለዘየለን። ኣብ ክንድኡ ካብ ዝሓለፈ ብዛዕባ ስደትና ዝጸንሓና የዋህ ኣተሓሳስባ ተማሂርና ነቲ ብሰንክ’ዚ ጉጉይ ኣተሓሳስባ ኣብ ልዕሌና ዝስዓበ ናይ ግዜና ብኸንቱ ኣብክኒ ንነብስና ኣይኮናን ንጽባሕ ጥሮታ ምስወጻእና ክኣልያና ዝኽእላ ማሕበረኮማት ከይሃነጽና ኣብ’ዚ ሕጂ በጺሕናዮ ዘሎና ናይ ዕራርቦን ዕጹው ሃዋሁ ምህላውና ብግቡእ መዚና ህይወትና ንናብየሉ መንገዲ ከነናዲ ይግባኣና።

ንህልውን መጻእ ሽግራትናን ንምእላይ ዘኽእላና ማሕበረኮማት ክንሃንጽን ቅኑዕ መንገዲ ክንትልምን እንተድኣ ኮይና ሕሉፍ ድኽመታትና ብግቡእ ክንግምግም ይግባኣና። እትረፍ ኣሽሓት ክሓቁፍ ተባሂሉ ዝቐውም ማሕበረኮም’ሲ ክልተ ሰባት ስድራቤት ክሃንጹ ዝኣትውዎ ሓዳር ብዘይውዕል ማለት ብዘይ ኪዳን ከይኣተዉን ነቲ ዝኣተውዎ ውዕል ከየኽበሩን ምስ ዝጋዓዙ ውጽኢቱ ስድራቤታዊ ቅልውላውን ፍትሕን ጥራሕ እዩ ክስዕብ ዝኽእል። ጠንቅታታት ናይቶም ኣብ ማሕበረኮማትና ዝተራእዩ ቅልውላዋትን ሕንፍሽፍሻትን እውን ከምቲ ከም ቅቡል ተወሲዱ ክምኽነየሉ ድጸንሐ ናይ ጀብሃ ሻዕብያ ፖሎቲካ ዘይኮነስ ዉሱናት ሰባት ብሽፋን ናይ ጀብሃን ሻዕብያን ዝብል ናይ ፖሎቲካ ሸቐጥ ንማሕበረኮማትና ከም ግላዊ ንብረቶም ተቓጻጺሮም ንውዕላትን መቆጻጸሪ ሕግታት ማሕበራት ጢሒሶም ከም ድላዮም ክዕንድሩ ስለዝኻኣሉ እዮም።

እዚ ስለዝኾነ ድማ ከምቲ ድሕሪ ስድራቤታዊ ቅልውላዋት ፍትሕ ድስዕብ፣ ኣብ ማሕበረኮምና ድማ ድሕሪ ናይቲ መጀመርታ ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ቅልውላው ጉዕዞ ሓደ ኤርትራዊ ካናዳዊ ክፋል ካብቲ ስጋብ እቲ እዋንቲ ድጸንሐ ማሕበረኮምና ተፋቲሑ ናቱ ካልኣይ ማሕበረኮም ኣቒሙ። ሓደ ምኻን ዝበለጸ እዩ። ክንጻዋወር ስጋብ ዘይካኣልና ግን ምፍልላይና ንባዕሉ ከም ገበን ክውሰድ ኣይግቦኦን ነይርዎ። ማሕበራት ሰባት ንዕላማኦም መተግበሪ ኢሎም ዝሃነጽወን መሳርሒ ድኣ እምበር ንባዕለተን መፈጸምታ ኣይኮናን። ከም ኤርትራውያን ግን ካብቲ ጀብሃ ሻዕብያ ከም መፈጸምታ ወሲድናየን ደስዓቦ እዚ ዘይብሃል ታሪኻዊ መስዋእቲ ብዙሕ ስለዘይተማሃርናሉ ነቲ ማሕበረኮማት ካብ መሳርሒ ናይ ዕላማ ምኻን ሓሊፈን ናተን ፍሉይ ህይወት ከምዘይብል ተገንዚብና ንፍልልያትና ከም ባህርያዊ ምዕባሌ ተቐቢልና ክንዲ ጉቡእና እንዳፈጸምና ኣብ ዝምልከተና ስራሓት እንዳኣሳለጥና ንቕድሚት ምምራሽ ብዛዕባ ካልኦት ምሳና ዘየለዉን ዝገበርዎ ሕሉፍ ጌጋታቶምን ክንጽብጽብ ተወሳኺ ግዜ ኣብኪና።

ካብኡ ዝዓበየ ዝፈጸምናዮ ጌጋ እንተድኣ ነይሩ ግና ካብ ሕሉፍ ጌጋታትና ተማሂርና እቶም መብዛሕትና ኣብቲ ዝነበረ ማሕበረኮም ዝተረፍና ብድሕረባይትናን ዝንባሌታትናን ብዝነበረና ናይ ጀብሃ ሕሉፍ ተመኩሮታት ተመሳሳሊን ኣንጻር ናይ ህግደፍ ናይ ፖሎቲካ ኣረኣእያ ዘሎና ስለዝኾነ ናይ ጀብሃ ሻዕብያ ዝብል መሰረት ዘይነበሮ ፍልልይ ንረብሓ ዉሱናት ሰባት ከም መጋዛዘይን መሸቀጥን ምኹኑይ ዝውሰድ ዝነበረ ምንባሩ ተረዲእና ክኽትም ግድነት ነይርዎ። ብተመሳሳሊ እቶም ተፈሊዮም ሓድሽ ማሕበረኮም ዝመሰረቱ ድማ ኩላቶም እካ እንተዘይተባህሉ መብዛሕትኦም ናይ ህግደፍ ደገፍትን ተዳናገጽትን ስለዝኾኑ ነቲ ናይ ጀብሃ ሻዕብያ ዝብል መሽፈኒ ረብሓታት ዉሱናት ሰባት ክቕንጥጥዎ ግድነት ነይርዎ።

ሓደ ካብቲ ረብሓ ናይቲ ምፍልላይ ክንረኽቦ ዝነበረና እምበኣርኣከስ ንማሕበረኮምና ብውሽጢ ዝረመሶ ከምቲ ንመሀውተቲ ዝንዛሕ ዝነበረ ናይ ጀብሃ ሻዕብያ ዝብል ናይ ኣራኣእያታት ፍልልይ ክምዘይነበረንን ካልእ ምንባሩ ክጋሃድልና ምኻኣሉ እዩ። ንሱ ድማ እቲ ቀንድን ሓቀኛ ጠንቂ ናይ ሽግራትና እቶም ኣብ ቦታ ናይ ሓላፍነት ዝምዘዙ ዝነበሩ ኣካየድቲ ብሕግን ስርዓትን ማሕበር ክቕየዱ ስለዘይደልዩንን ዘይካኣሉን እዮም። ንገበናቶም ንምሽፋንን ዝተሓባብርዎም ሰዓብቲ ንምጥራይ ህዝብና ንናይ ሃይማኖትን ኣውራጃን ዓሌትን ከም መሳርሒ መፈላለዪ ስለዝነቕሓለን ደይ መደይ ኢሎም ንዘይነበረ ናይ ጀብሃ ሻዕብያ ፍልልያት ክምዝምዝዎ ኪኢሎም፣ ንኩነታት ማሕበረኮምና ናብ ዘይድሊ ማእዝን ከምዝቐንዕ ኽኣ ገይሮሞ። እታ ቐንዲ ተሳማዕነትን ሸርፊ ትርከብ ዝነብረት ንሳ ጥራሕ ዝነበረት ማለት እንተዘይኮይኑ ነቶም ካልኦት ሕማማትን ድሕረታትን ክምዝምዝዎም ኣይፈተኑን ማለት ግና ኣይኮነን። እዚ ድማ ኣብቲ ድሕሪ ምፍልላይን ምቓም ክልተ ማሕበረኮማት ተጋሂዱ። ማለት እቲ ቅድም ዝነበረና ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብ ቶሮንቶን (ECCC) እቲ ሓድሽ ዝቖመ ማሕበር ኤርትራውያን ካናዳውያን ኣብ ኣንታርዮ (ECAO) ዝተራእዩ ቅልውላዋትን ኣተኣላልዮኦምን ምስ እንዕዘብ ተመሳስልነተን ወንጮ እንተገልበጥካዮስ ወንጮ ኢልካ ክግለጽ ጥራሕ እዩ ዝካኣል።

ጻሕሊ ናይ ዝቐየርካስ ጸብሒ ነይምቅር ክባሃል’ስ ሓቂ እዩ። ለካ ኣብ ናይ ቀደም ማሕበር ንሃሉ ኣብ ሓድሽ ማሕበር ይሃሉዉ ብኣተሓሳስብናን ኣሰራርሓናን ዝፈልየና ሓንቲ ነገር የለን። እቲ ፍልልያት ቅድም ኣብ ሓደ ኮሎና እዚኦም ምሳና ከለዉ ከመይ ገይርና ክንሰርሕ እንዳበልና ነቶም ሸቐጥቲ ብዘገልግል ኣገባብ ንሓንጎልና ብግጉይ ኣተሓሳስባ ኣእሚናን ኣታሊልና ንጋዓዝ ነይርና። ሕጂ ግና ንኸምኡ ዝኸውን ዕድላት ጸቢቡ ጥራሕ ዘይኮነስ ተንጸቂቑ እዩ።

ንሎም ነዛ ርእይቶይ ንኽጽሕፍ ዘገደደኒ እውን ከም ኣባል ማሕበርና ማለት ECCC ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ማሕበርና ኣብ ሞንጎ ኣካየድቲ ቦርድ ማሕበርን ሽማግሌ ተቖጻጸርቲ ማሕበር ዝተፈጥረ ወጥርን ዝተበጽሐ ናይ ዕጹው ኩነታትን ንኣባላት ማሕበር ንምክፋል ብኣካየድቲ ቦርድ ንሰንበት የካቲት 11, 2012 ኣኼባ ዝጸውዖ ኣኼባ ንኽሳተፍ እንዳበልኩ ኣብቲ በቲ ሓድሽ ማሕበር ማለት ECAO ዝካየድ ናይ ኩዕሶ እግሪ ስፖርት ወደይ ከጻውት ኢለ ሽዑ መዓልቲ ምስከድኩ ኣብ ዘይምልከተንን ዘይሓሰብክዎን ብኣካየድቲ ቦርድ ECAO ምስ ኮቻት ዘሎዎም ቅልውላውን ዕጹው ኩነታትን ንወለድቲ ከካፍሉ ዘዳልውዎ ኣኼባ ተኻፊለ ኣብ ክልቲኡ ንዝተዓዝብክዎ ዘሕዝን ኩነታት ንዘይነበሩ ከካፍል ስለዝደሌኹ’የ።

ቅድሚ ናብቲ ዝርዝር ናይ ክልቲኡ ኣኼባታት ምእታወይ ዳርጋ ብትሕዝትኡን ኣተኣላላዩኡን ነቲ ወንጮ እንተገልበጥካዮስ ወንጮ ዝበልክዎ ኣገላልጻ ማሕበረኮማትና ዘረጋግድ ጥራሕ ዘይኮነስ እኹል መርትዖ እዩ ክባሃል ዝካኣል። ንናይ ECAO ቦርድ ወኪሎም ነቲ ኣኼባ ዘመርሕዎ ኣቶ ተኽለ ሃይለን ኣቶ ዳያን ፍቓዱን ነይሮም። ንሽግራቶም ክገልጽዎ ከሎዉ ኮቻት ነቲ ንናይ መመዝገቢ ናይ ኩዕሶ እግሪ ንሓደ ተጻዋታይ ንሓደ ወቕቲ $60 ብኮቻት ንቦርድ ንውክል ኢና እንዳበሉ ካብ ወለዲ ንዓመት ሙሉእ ብጽሒት/ረስይት ናይ ማሕበር ከይሃቡና ዝኣከብዎ ገንዘብ ከምቲ ዝግባእ ንኣካየድቲ ማሕበር ከንዲ ዘርከብዎ እቲ ገንዘብ ዘይተፈልጡ ዉሱናት ኮቻት ኣብ ጁቦኦም ሒዞሞ ከምዘለዉን ንቦርድ ከርክብዎ ብተደጋጋሚ ተሓቲቶም ከምዝኣበዩን ከነፍልጠኩም ስለዝደሌና ኢና ብምባል ሓሳባቶም ኣቕረቡ።

ብድሕሪ’ዚ ኩላትና ኣደንጺኑ ዘረባ ካብ ኮቻት ክንሰምዕ እንዳበልና ሓደ ካብቶም ኮቻት ተንሲኡ ብዛዕባ እዚ ብኮቻት ተዘሪፉ ዝባሃል ዘሎ ናይ ማሕበር ናይ ስፖርት ገንዘብ ንባዕሉን ካልኦት ኮቻትን ዝፈልጥዎ ጉዳይ ከምዘይኮነን እቶም ብሽም ኮቻት ነቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ሒዞሞ ዘሎዎ ሰለስተ ኮቻት- ኣቶ እዮብ ፎቶን ኣቶ ኣዛዚ ኣሰፋውንን ኣቶ ሞኮነን ጸጋይን – ንኮቻት ከይተወከሱ ከምዝገበርዎ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ኮቻት ዳሕደሖ። በቲ ዘበሎ ድማ ሓጺሩኒ እንተበልኩስ ተደቢሩ ይስዕስ ትብል ሰበይቲ ንስምዒት ወለዲ መሊሱ ኣግደዶ።

ወለዲ ተዛረቡ እንተተባህሉ ተዛረቡ ኢሎም ከዛርቡና ካብ ዝብል ፍርሒ ስቕ መረጹ። እቲ ዝተራእየ ፍርሒ ካብ ትም ኢሉ ኣይኮነን። እቶም ዝካሰሱ ዝነበሩ ብሓደ ወገን ኣቶ ተኽለ ሃይለ ናይ ECAO ኣባል ቦርድ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ቶሮንቶ ናይ ህግደፍ ተሓዝ ገንዘብ ዝመርሖ ሽማግሌ ቦርድ፣ በቲ ካልእ ድማ ኣቶ እዮብ ፎቶን ኣቶ ሃይለ ደስታን ኣቶ ክብርኣብ ወንድሙ ኣቶ ሞኮነን ጸጋይን ኣቶ ኣዛዚ ኣሰፋውን ኮቻትን ኣካየድቲ ናይ ECAO ስፖርት ጥራሕ ዘይኮኑስ ንዓመታት ኣገልገልቲ ናይ ህግደፍን እሙናት ናይ ኣቶ እስቲፋኖስ ንጉሰ ሓላፊ ናይ ካናዳ ህግደፍን እዮም።

ናይ ሕሹኽሽኽ መርዓ ንፍትሕ የሸግር ይብሉ ኣቦታትና። ነዞም ኮቻት ገንዘብ ንማሕበር ብወለዲ ዝተኽፍለ ዘሪፎም ንዓመት ዝኣክል ኣብ ጅብኦም ክሕዝዎ ዝተኣማመኖም ካብ ሓለፍቲ ህግደፍ ቶሮንቶ ከባቢኣን ውሕሰነት ስለዝረኸቡ እዮም። እንተዘይኮይኑ ኣብ ካናዳ ምህላዎም ዘንጊዖሞ ኣይኮነን። እቶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተዋረዱ ብኣቶ እዮብ ፎቶ ዝምርሑ ኩሱሳት ኮቻት በቲ ኣቶ ተኽለ ሃይለ ነቲ ምስኣቶም ኣቐዲሙ ዝተዋዓዓሎ ዕውልን ምርድድኣን ጠሊሙ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣሕሊፉ ምሃቦም ኣስደሚምዎም ኣቶ ተኽለ ሃይለ ንባዕሉ ኣብታ ነቲ ዝርፋ ንምፍጻም ሕጋውነት ንምልባስ ኣቶ እዮብ ፎቶ ምስ መዛርፍቱ ከይኑ ዘቖሙዋ ዘይሕጋዊት ሽማግሌ ስፖርት ኣባላ ጥራሕ ዘይኮነስ ምስ ኣቶ ተመስገን ትርፈ ኣቦ-ወንበር ህግደፍ ቶሮንቶን ከባቢኣን ከም ተቐጻጸርቲ ናይታ ዘይሕጋዊት ሽማግሌ ኮይኖም ተሓርዮም ኣካል ናይታ ሽማግሌ ምኻኖም ኣቃሊዖሞም።

ንምእማኑ ደጸግም ነገር እዩ። እንተኾነ ነዚ ሓቂ’ዚ ኣቶ ተኽለ ሃይለ ኣብቲ ኣኼባ ምስተላዕለ ከይሓነኸ ተኣሚኑሉ። ንባዕሉ ምስ ኣቶ ተመስገን ትርፈ ተቖጻጸርቲ ናይታ ዘይሕጋዊት ሽማግሌ ስፖርት ካብ ኮነ ካብቶም ኮቻት ፈጺሞሞ ተባሂሎም ዝኽሰስሉ ዘሎዉ ጉዳያት ናጻ ዝወጸሉ ምኽንያት የብሉን። እካ ድኣ እቲ ንሱ ዝፈጸሞ ገበን ዝገደደ እዩ ነይሩ። ምኽንያቱ ምስኣቶም ከም ውሻጣዊ ተቓጻጻሪ ኮይኑ እንዳሰርሐ እንደገና ከም ሽማግሌ ቦርድ ናይ ማሕበርን ናይ ስፖርት ዳይረክተርን ተመሪጹ እንደገና ብደገ ክቃጻጸሮም ምሕሳቡ ናይ ገበን ገበን እዩ። ሕጂ’ውን ቅንጣብ ሕልናን ሓልዮት ናይ ማሕበሩ እንተድኣሃልይዎ ካብ ቦርድ ነብሱ ከይሕሰረ ክእለ ኣሎዎ። እቶም ካልኦት ኣባላት ቦርድ ወ/ሮ ዛይድ ዱባን ኣቶ ጸጋይ በንዝናን እውን እንታይ ንገብር  ኣሎና’ዶ ኣይብሉንድዮም። ወይሲ ነቲ ኣባል ቦርድ ምኻን ከም ዓቢ ነገር ወሲዶም ገለ እንተበሉ ናይ ህግደፍ ሓለፍቶም ካብታ ቦታ ከይወርዱዎም ስለዝፈርሕዎም እዮም። ምኽንያቱ ኣቶ ተኽለ ሃይለን ኣቶ ተመስገን ትርፈን ከምኡ ንኽገብሩ ብመን ተላኢኾም ምኻኖም ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ።

ኣኼባ ተወዲኡ ንገዛይ እንዳመጻእኩ በቲ ዝሰማዕኩዎ እንዳስተንተንኩ ህግደፍ እንቃዕ ድኣ ካባና ተፈልዮም ናቶም ማሕበረኮም መሰሪቶም ሓቀኛ ባህርያቶም ኣብ ኣደባባይ ወጸ፤ ንምኻኑ እውን ዳርጋ ኩላቶም እቶም ከሰስትን ተኸሰስትን ከም ኤርትራውያን ኮይኖም እዛረቡ እምበር ታጋሩን ኣምሓሩን እዮም እንዳበልኩ ንነብሰይ ክጻናንዕ ፈተንኩ። እቲ ፈተነ ግን ንሓጺር ግዜ ጥራሕ እዩ ከገልግለኒ ዝኽእል ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ኣካየድቲ ቦርድ ማሕበርና ድጸውዕዎ ኣኼባ ክረከብ ስለዝነበረኒ። ዕዳጋ’ስ ኣዴኻ ከምዝላኣኸትካ ኣይኮነን ከምዝባሃል ብትሕዝቶ ናይቲ ዝተኻየደ ኣኼባ ጥራሕ ዘይኮነስ ብኣገባብ ኣተኣላልይኡ እትረፍ ኣብ ውሽጢ ናይ ቡዙሕ ዓመታት ምፍላጥን ተመሳሳሊ ናይ ፖሎቲካ ኣረኣእያን ኣተሓሳስባን ዘሎዎምሲ ኣብ ሰመንያታትን ተሰዓታትን ኣብ መንጎ ኣባላት ማሕበረኮምና ናይ ጀብሃን ሻዕብያን ተባሂሎም ዝናሃሃርሉ ርሱን እዋን ተራእዩ ዘይፈልጥ ንኹሉ ቅጥዕታትን ሕግን ማሕበር ጢሕስካ እዚ ዘይብሃል ወጥጥን ምዝልላፍን ምስተዓዝብኩ እቲ ኩሉ ብዛዕባ ECAO ዝሓስቦ ዝነበርኩ በኒኑ ተሪፉ። ነቲ ንቡዙሕ ዓመታት ብዛዕባ ሽግራት ማሕበረኮማትና ዝነበረኒ ኣተሓሳስባን ኣብ ልዕሊ መቃልስተይ ኢለ ዓቢ እምነት ዝነብሮሎም ዝነበርኩ ሰባት በቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝበልዎን ዘርኣይዎ ግሱርጥ ጠባያትን ስጋብ ክንደይ ጉጉይ ምንባሩ ክርዳኣኒ ኪኢሉ።

ነቲ ኣኼባ ውጥረት ዝፈጠረሉ ምኽንያት ኣካየድቲ ቦርድ ድሕሪ ምምራጾም ንብረት ማሕበር ንኽርከቡ ንኣቦ-መንበር ቦርድ ነበር ኣቶ ወልደገብርኤል ኣብርሃ ሓቲቶም ኣቶ ወልደገብርኤል ክንዲ ብሕጊ ማሕበር ተገዚኡ ንብረት ዘርክቦም ብኢድ ኣዙር ንሱ ብዝቃጻጻሮም ኣባላት ቦርድ ገይሩ ምስራሕ ከምዝኸልኦምን ንኣባላት ማሕበር ጸብጻቦም ስለዘካፈሉ እዮም። ኣቶ ወልደገብርኤል ገና ንብረቱ ንቦርድ ከየረከበ ንነብሱ ከም ኣባል ተቖጻጻሪት/ኦዲት ሽማግሌ መዚዙ ተመሊሱ ንስርሓት ቦርድ ክቃጻጸርን ስርዓተ ሕጊ ማሕበር ኣጉዲልኩም ኢሉ ክኸሶም ተጋየየ። ኣየደንጹን’ዶ- በቲ ቦርድ ንኣቶ ወልደገብርኤል ንብረት ኣርክበና እንዳበልዎስ ንሱ ድማ ብልዕሊኦም ኮይኑ ክቃጻጸሮም ክፍትን’ሲ በየናይ ሕግን ሞጎትን እዩ። ናይ ኣቶ ወልደገብርኤል ተግባራት ኣይኮነን ዝያዳ ደሕዘነኒ። ናይቶም ተቓለስቲ ኢና እንዳበሉ ኣቶ ወልደገብርኤል ከም ኣቦ-መንበር ቦርድ ነበር ክንዲ ጎቦ ዝኸውን ጌጋ ክፍጽም እንዳተዓዘብዎ ኣብ ክንዲ ዓገብ ምባሎም ክዳፋዕሉን ነቶም ሓቀኛ ጸብጻብ ሒዞም ንኣባላት ሽግራቶም ዘካፈሉ ኣባላት ቦርድ ዘይናቶም ዝሃቡ ኣባላት ማሕበርና እዩ። ከምዚ ኢልና ንኹሉ ሕግታት እንዳጣሕስና ብኸመይ ድኣ ኢና ለውጥን ግስጋሰን ከንምጽእ ድኣሞ!

ካብ ጉሁይ ኣባል ማሕበረኮም- መ. ተስፋጽዮን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • hareb March 5, 2012

    All community centers are infested by older generation with Shabia Jebha Awaraja mentality.Not in my name i am doing my best to dismantle Mahbercom in the city i live. I exposed their dealing to City county and state .They Are surprised they will take action soon will share the outcome with you soon. Guys if one ordinary can take on Mahberecom thousand of people can change their kids future no more fear

  • Zemenu March 5, 2012

    All community centers are infested by older generation with Shabia Jebha Awaraja mentality.Not in my name i am doing my best to dismantle Mahbercom in the city i live. I exposed their dealing to City county and state .They Are surprised they will take action soon will share the outcome with you soon. Guys if one ordinary can take on Mahberecom thousand of people can change their kids future no more fear

  • haki ytakeb March 5, 2012

    TESAFATIFAAT KEYBLUWOS …..TESFATSION ?EY!EY!AAY!!!!!!HHHHHAY!!!!

  • ahmed saleh March 6, 2012

    First of all using two different names for same postings doesn’t show honesty on
    your part the so called Hareb and Zemenu.
    Anyway speaking to our communities mattersto , the damage had done already, but
    if there is a will to re-establish them again we should learn from our past failures and
    move on and start from scratch. Thinking in broader terms Eritrean community centers
    have significant advantage to our citizens in diaspora. It is the only way where we can
    proof our existence in foreign land and it is the gathering place for all concerned people.
    However, dark and murky it may sound the political influences of our lives surrounding
    appear to block any compromises in our personal social interest. Unless we free ourselves
    from tendency of these destructive paranoid demands of needless extremes there
    is no way to expect something quite pleasant to happen. Avoid meddling politics with our
    social issues, evaluate whether someone’s is right to represent and the positive or negative
    side of the person too. While we are the ones who to be blamed for not having the courage
    to stand up to those corrupt individuals hidden agenda, we would never stop from being
    victims when targeted by such hallowers.
    Of course when everybody is busy on his daily routine, those corrupted took advantage to do
    their dirty jobs for disaster, but that is life. Now it is time to set back from this suffocating
    unfortunate behaviour and allow ordinary citizens space to define themselves .

POST A COMMENT