Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you October 6, 2014

    ኣብ ግዜ ሙሴን ነብይ ኤርምያስን ሕዝቢ እሥራኤል ንእግዚኣብሔር ኣዝዮም ደጋጊሞም የቆጥእዎ ስለዝነበሩ ብዙሕ ግዜ ሙሴን ኤርምያስን ናይሕዝቦም በደልን ሓጥያትን ኣብቅድሚ ኣምላኽ ብምቅራብ ብጾምን ጸሎትን ምሕረት ክገብረሎም ይማሕጸንዎ ስለዝነበሩ፣ ብዙሕ ግዜ እግዚኣብሄር ጸሎቶም ብምስማእ ምሕረት ይገብረሎም ከምዝነበረ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና። ኾይኑ ግን ናይ ሓጥያቶምን ድንቁርንዖምን ደረት ስለዘይነበሮ፣ ነብይ ኤርምያስ ከምልማዱ
    “ጥልመትና ብዙሕ እዩ፡ ንኣኻውን በዲልና ኢና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳና እኳ እንተ ኸሰሰና፡ ስለ ስምካ ኢልካ ደኣ ግበር። ኣታ ተስፋ እስራኤል፡ ብጊዜ ጸበባ መድሓኒኡ፡ ስለምንታይ ኣብዛ ሃገር ከም ጋሻ፡ ከምቲ ንሓንቲ ለይቲ ጥራይ ዚሐድር ሓላፍ መገዲ ዀንካ፧ ስለምንታይ ከም ቀባሕብሓ፡ ከምቲ ኼውዕል ዘይኽእል ጅግና ትኸውን፧ ዝዀነ ዀይኑስ ንስኻ ኣብ ማእከልና ኣሎኻ፡ ብስምካ ኸኣ ተሰሚና ኢና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር ኣይትሕደገና” እናበለ ተተማሕጸነ ከምዚ ኽብል ኣምላኽ መለሰሉ።
    “እግዚኣብሄር ነዚ ህዝቢ እዚ ኸምዚ ይብል ኣሎ፡ ኪዛውኑ ይፈትው፡ ኣእጋሮም ድማ ኣይገትኡን። ስለዚ እግዚኣብሄር ኣይፈትወሎምን፡ ሕጂ ንኣበሳኦም ይዝክር፡ ንሓጢኣቶም ከኣ ይቐጽዕ ኣሎ። እግዚኣብሄር ድማ በለኒ፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ሰናይ ኣይትለምነሉ፡ ብሰይፍን ብጥሜትን ብፌራን ከጥፍኦም እየ እምበር፡ እንተ ጾሙ እኳ ጥርዓኖም ኣይክሰምዕን፡ ዚሐርርን ዚብላዕን መስዋእቲ እንተ ሰውኡውን፡ ኣይክፈትወሎምን እየ። (ትንቢት ኤርምያስ መበል 14 ምዕራፍ 7-13)
    ሕዝቢ እሥራኤል ኣብክንዲ ንኣምላክ ንፍጡር ( ከምጣዖት እናምለኹ) ከምዚ ሕዝቢ ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ነቲ ቅኑዕ ክፉእ፣ ነቲ ክፉእ ቅኑዕ፣ ነቲ ጸልማት፡ ብርሃን ነቲ ብርሃን ጸልማት፣ ነቲ እንወት ልምዓት፣ ነቲ ፍትሓዊ፣ ኣመጸኛ ነቲ ኣመጸኛ ፍትሓው፣ ወዘተ እናበሉ በበደሎም ስለዘቆጥእዎ፡ ኣብ መወዳእታ እግዚኣብሄር ከኣ በሎ ንኤርሚያስ
    ” ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ እንተ ቘሙ፡ ነፍሰይ ነዚ ህዝቢ እዚ ግልጽ ኣይምበለቶም” (ትንቢተ ኤርሚያስ ምዕራፍ 15; 1)
    ንሕዝቢ ኤርትራም ድሕሪ ላምፔዱዛ ዓለም ኩሉ ብዛእባ እቲ ዘስካሕክሕ ጥፍኣት እናሃዘነን ዓመት ሙሉእ እናተዛረበሉን፣ ንሕዝቢ ኤርታራ ንውክል ኢና ዝብሉ ሰበስልጣናትን ደገፍቶምን ግና እቲ ሓዘን ገና ዓመት ከየሕለፈ፣ ኣብቲ ሕዝብና ዝተቀዝፈሉ ኣዲ ጛይላ ኣዳልዮም ሸሸይ ክብሉ ክሳብ ዝመረጹ፣ ይትረፍ ኣታናስዮስ ገብረኣብ፣ ሙሴን ሳሙኤልን እኳ ኣብ ቅድመይ እንተ ቘሙ፡ ነፍሰይ ነዚ ህዝቢ እዚ ግልጽ ኣይምበለቶም ኢሉ ኣምላኽ ዝምልሸልና ኮይኑ እዩ ዝስምኣኒ።

    • merhawi October 6, 2014

      ዝኸበርካ ሓውና ንሙሴን ንሳሙኤልን ንኣትናሱስ’ኳ ዘይሰምዖም ነብሰይ ነዚ ህዝቢ’ዚ ግልጽ ኣይምበለቶን ኢሉ ኣምላኽ ዝምልሸልና ኮይኑ ኢዩ ዝስመዓኒ ምባልካ ቅኑዕ ዘሎኻ ኮይኑ ኣይስመዓንን።ምኽንያቱ ኣምላኽ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸብጸቦ ሓጢኣት’ውን ክህሉ ይኽእል’ዩ።ኮይኑ ግን ኣምላኽ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስቅያት ፣ባርነት፣ጭቆና፣ግፍዒ፣ማእሰቲ፣ጥሜት፣ስደት ዘይርደኦን ዘይዕዘቦን ኮይኑ ኣይኮነን።ከምቲ ባዕሉ ኣብ ቅዱስ ጽሑፉ ዝበለና ኳሕኩሑኒ ክኸፍተኩም’የ፣ለምኑኒ ክህበኩም’የ ስለ ዝበለና ንበዓል ሙሴን ሳሙኤልን ስለ ዘይሰምዖም ንዓና’ውን ኣይሰምዓናን’ዩ ኢልና ስቕ ክንብል የብልናን።ህዝቢ ኤርትራ ሓደ ግዜ በቲ ውልቀ-መላኺ ስርዓት’ኳ እንተ ተሳዕረ፣እዛ ስዕረት እዚኣ ግዝያዊት’ያ፣እዛ ግዝያዊት ስዕረት ቀዋሚት ክትከውን እትኸል ግን ኢድና ምስ እንህብ ጥራሕ ኢዩ።
      ነዚ ኣምላኽ የሎን ዝብል፣ዴስንት ዝመምርሒዑ ዘይኣማኒ ስርዓት፣ንሕና እቶም ኣብ ሓደ ኣምላኽ እንኣምን ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ብጥርኑፍ ሓይሊ እናተቓለስና፣ብስሙር ቃል ገዓርና ናብ ኣምላኽ ከነቕርብ እንተንኽእል፣እቲ ንእስራኤላውያን ካብ ጭቆና ግብጺ ሓራ ዘውጸኤ፣እቲ ኣብ ህዝቢ ነነዌ ኣንጠልጢሉ ዝነበረ መዓት ዘቑረረ ኣምላኽ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ገዓርን መሪር ሓዘንን ጭቆናን ዘይሰምዓሉ ምኽንያት ስለ ዘየለ ንውድቀት ናይ’ዚ ጨቋኒ ስርዓት ሓቢርና ንጸሊ።

  • Mike October 7, 2014

    Dear Father A. Your speech is eloquent! To the point! Uniting! But sad part is that speech is also put to a shelve. But rest assure it is well said and well times and deserved to a nation that is in agony.

    What Eritrea needs now is a united work. A united front to bring peace in Eritrea. What is needed also is to flush out the old school and start new blood and new leaders. Every time I listen or I walk in to any Eritrean discussion groups – the people tend to be lawless, unruly, childish, lost, sadistic, pride on nothing, disregard of the facts, naturally simply stubborn, inherently vindictive, judgmental, and shall I keep going…. No need. I could argue there might be a few that meant well but they are overpowered the time they might verbalize something concrete.

    The old are simply immersed in vengeance and the new are simply stuck trying to make a living. In the process, there are few opportunistic people who visit house to house to fire up unfounded stories and misleading innocent people that Eritrea is in a Gold rush!

    Assenna – keep it up and great work towards bringing awareness of Eritrean plight to the world. You are one of the few if any and you need to re-think your energies and strategies. God bless Eritrea!

    Side Note – Some are equating Father A to that of Apostle Paul – That is bold and not even close. Father A has done well – many thanks to Father but please do not mix Apostle Paul to Father A. merhawit – stay real and do not mix the orange and apple. You probably meant Timothy. Fearful of his encounters but sort of out there with the help of A. Paul. I have yet to see Paul like person in Eritrea. All said – who am I to speak of these people anyway…. All I want is Peace and Freedom to Eritrea.

POST A COMMENT