Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Tesfit January 9, 2014

    ካብ ናይ ሎሚ መደብ ድምጺ መድረኽ ኤርትራውያን ዝተወስደ፤
    “…ኣብዚ እዋን እዚ ብመንግስትና፤ መንግስቲ ሃገርና ማለት፤ መላኺና ምዃኑ’ዩ፤ ሃገርና ኣብ ከባቢና ካብ ዝርከባ ሃገራት ብዝበለጸ፤ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዕቤት ተርኢ ከምዘላ፤ ወጻእተኛታት ክኢላታት ስነቁጠባ ከም ዝመስከሩልና ንንገር ኣለና። እቲ ዝንገረና ዘሎ ቁጠባዊ ምዕባለ ግን ኣብ ቤትናን ናብራናን፤ ኣብ መኣድናን መግብናን፤ ኣብ ገጽናን ነብስናን ዘይርአ እንተኾይኑ ኣበይ እዩ ዘሎ እቲ ምዕባለ? እቲ ንሃገርና ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራት ጸብለል ዘብላ ዘሎ ቁጠባዊ ምዕባለ፤ ኣብ ዕዳጋናን ሹቕናን፤ ኣብ ጎደናታትናን ቤትናን፤ ኣብ ዶመዝናን ጁባናን ዘይርአ እንተኾይኑ፤ ዕቤትን ምዕባለን ብኸመይ እዩ ዝግለጽ? ቁጠባዊ ዕቤት ማለት ንሓንቲ ስድራቤት ኣብ ዕንጋሎኣ ኣብ እንጌራኣ፤ ኣብ መማቕርቲ ጸብሓ ኣብ እቶት ስራሓ ለውጥን ምምሕያሽን ምግባር ማለትዩ። ብዝወሓደ፤ ጽሩይ ዝስተ ማይ፤ ንመብራህትን መተዓየይን ዘገልግል እኹል ጸዓት፤ ብርትዓዊ ዋጋ ድኻን ርኹብን ከዐንግል ዝኽእል እኹል ቀረብ ሃለኽቲ፤ ሕሙማን ዝዓግብሉ ብቑዕ ኣገልግሎት ሕክምናን እኹል መድሃኒትን እንተዘይሃልዩ ግን መን ስለዝማዕበለ እዩ ሃገር ትምዕብል ኣላ ንበሃል ዘለና?…”

POST A COMMENT